Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ ከምኡ ‘ውን ኣህጉራዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን ዝብሃሉ ክልተ ሲቪካውያን ማሕበራት ከምዝሰመሩ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ ((EFND)  ከምኡ ‘ውን ኣህጉራዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን (EGS) ዝብሃሉ ኣብ ሕቧ መግስታት ኣመሪካ ዝመደበሮም  ክልተ ሲቪካውያን ማሕበራት ከም ሓደ ሲቪክዊ ማሕበር ኮይኖም ክሰርሑ ድሕሪ ዝበጽሑዎ ውሳኔ ከምዝሰመሩ ብ 15 መስከረም ኣብ ዝዘርግሑዎ

ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ ((EFND)  ከምኡ ‘ውን ኣህጉራዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን (EGS) ዝብሃሉ ኣብ ሕቧ መግስታት ኣመሪካ ዝመደበሮም  ክልተ ሲቪካውያን ማሕበራት ከም ሓደ ሲቪክዊ ማሕበር ኮይኖም ክሰርሑ ድሕሪ ዝበጽሑዎ ውሳኔ ከምዝሰመሩ ብ 15 መስከረም ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረጋጊጾም።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ኣውንታዊ እዋናዊ ውሳኔ፣ ነቶም ኣብ ክልቲኣቶም ማሕበራት ዝጸንሑ ተመሳሰልቲ ኣጀንዳታት ብሓባር ምዕማሞም ዘለዎ ብምልጫን ኣድማዕነትን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝተወስደ  የረድእ። ነቲ ኣብ ወጻኢ ገና ታተ ዝብል ዘሎ ሲቪካዊ ማሕበራት ኤርትራ ንምሕያልን ኣብነት ንምዃንን ሓደ ካብ ቀንዲ ረቛሕቲ ናይቲ ስጉምቲ ምንባሩ ‘ውን ኣገንዚቡ።

“ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ንምፍታሕ በብወገኖም ክወስዱዎ ብዝጸንሑ ስጉምታት ሚዛናዊ ውጽኢት ኣመዝጊቦም ኳ እንተኾኑ፣ ንጥፈታቶም ከወሃህድ ኣብ ዝኽእ፣ ሓደ ጽላል እንተተጠርኒፎም ዝተዓጻጸፈ ውጽኢት ከምዝግቡ ከምዝኽእሉ ግን ብሩህ እዩ” ድማ ይብል።

ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ ከምኡ ‘ውን ኣህጉራዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን፣ ካብ ታሕቲ ንላዕሊዝተሃንጸ፣ ካብ መንግስቲ ይኹን ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ ሓራ ዝኾነ ስሙር ሲቪካዊ ህዝባዊ ማሕበር ምምስራት ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብምስማር ከኣ፣ እዚ ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ‘ዚ ዓንዲ ሕቖ ናይቲ ስምረት ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ሃገርና ውሑስ ዲሞክራስይዊ ምስግጋር ንምምጻእ ብሓባር ናይ ምስራሕ መንፈስ ዘለዎ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ተገንዚበን ኣብቲ ስምረት ክጽንበራ ንኹለን ኤርትራውያን ሲቪካውያን ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Wedi Hagher September 18, 2016

    “፣ኣብ ዓለም ብዙሕ ኪፍታሕ ዝግባኦ ሽግራት እናሃለወ ፣ክቡር ግዚኣም ኣብዛ ኮንቶ ዚኾነት ሃገር-ቢሂል የጥፍእዎ።”
    “3 mil ደንቆሮ ህዝቢ ዚነብሩላ ”

    Teclay

    Anta dirbay baal beles, ni Eritran hizban minishaw sraxka koynu alo..
    Amhara nexwatka, nibretom derbiyom, bi-igrom ni Sudan kem zhadmu gheromwom kelowu suk ilka alekha
    Daxan, mealtikha teztebe.

POST A COMMENT