Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ንቡር ኔራ ዕዉር ተእቱ! (ብኣማን ጎይትኦም)

ኤርትራ ልኡላዉነታ ካብ ተረጋግጽ ንመጀመርያ እዋን መሬታ ንወታሃደራዊ መደበር ክትጥቀመሉ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኽራይ ከምዝሃበት ብሳትላይት ዝተሰነየ ኣሳእል ቀሪቡ። ዕሱባት ስዑዲ ዓረብን፡ መሻርኽታን ዝስልጥንሉ ወታሃደራዊ መዓስከር ደኲነን የሰልጥና ከምዘለዋ ሰሚዕና። ብዘይካ`ዚ ኣብቲ ንየመናዊ ጉጅለ ሑቲ

ኤርትራ ልኡላዉነታ ካብ ተረጋግጽ ንመጀመርያ እዋን መሬታ ንወታሃደራዊ መደበር ክትጥቀመሉ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኽራይ ከምዝሃበት ብሳትላይት ዝተሰነየ ኣሳእል ቀሪቡ። ዕሱባት ስዑዲ ዓረብን፡ መሻርኽታን ዝስልጥንሉ ወታሃደራዊ መዓስከር ደኲነን የሰልጥና ከምዘለዋ ሰሚዕና። ብዘይካ`ዚ ኣብቲ ንየመናዊ ጉጅለ ሑቲ ንምድምሳስ ዝካየድ ዘሎ ወታሃደረዉን ፖለቲካዉን ቃልሲ ብቀጥታን ተዛዋዋርን ትሳተፍ ከምዘላ ብዝተፋላለየ ማዕከናት ዜና ክዝረበሉ ጸኒሑ ኣሎ። ወጻኢ ጉዳያት ስርዓት ህግደፍ ዉን ብቃሉ ታሓላቂ እዘን ሃገራት ብምዃን ንምትእትታዉ ኢራን ኣብ የመን ክኹንን ተሰሚዑ። እዚ ስግር ባሕሪ ዝተባረዐ ኲናት ንግዝያዊ ረብሓ ክብል ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንዝርና እንታይ ፖለቲካዊ መዘዝ (ramification) ክህልዎ ይኽእል ዝብል ሕቶ፡ ኤርትራዉያን ጥራይ ዘይኮና፡ ዞባና ኩሉ ክሓስበሉ ዝግባእ ሓደገኛ ምዕባሌ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ከምዚ ሎሚ ብተነጽሎን ክስታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከይባህረረ ከሎ፡ ኣብዝኾነ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ጉዳያትን ካልኦት ተኣፈፍቲ ዛዕባታትን፡ ዉሽጣዊ መርገጺኡ ብዘየገድስ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺታት ኣይዉጽእን ጥራይ ዘይኮነ ዜናታት እኳ ከይተሰርሓሎም ዝሓልፉ ብዙሓት ዓበይቲ ፍጻሜታት ኔሮም እዮም። ንኣብነት ንጉዳይ ፍለስጢምን እስራኤልን እንተሪኢና ፈጺሙ ሕሩም ወይ ሕዙእ (ኖ ጎ ዞን) እዩ ነይረ። ከምገለ ኢሉ እንተተፈነወ ድማ ብክልቲኦም ወገናት ዝቀረበ መግለጺ ብምሃብ፡ ማእከላይ መርገጽ ሒዝካ ይቀርብ ምንባሩ፡ ጤረጵዛ ዜናን እዋናዊ ጉዳያትን ክፍሊ ዜና ብፍላይ ንወስዶ ዝነበርና መመርሒ ስራሕ እዩ ነይሩ። እቲ ዝዋሃብ ዝነበረ መኽንያት ድማ፡ ንሓድነት ህዝቢ ዝፈታተን ኣርእስትታት ምዉጋድ ከዝምረጽ ዝብል እዩ ኔሩ።

ኣብ ተማሳሳሊ ዛዕባ ኣሜራካን ሳዓብታን  ንስርዓት ሰዳም ሕሴን ንምዕላዉ ኣብ 2003 ክሻባሸባ ከለዋ ገለ ኣመንቲ ምስልምና ከምቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓረብን ካልኦትን ዝረአ ዝነበረ ህዝባዊ ተቃዉሞ ኣብ ከም መንደፈራ፡ ከረንን፡ ኣስመራት ሰለማዊ ሰልፊ ከይካይዱ ፍቃድ ከምዝተኸልከሉ ብርክት ዝበለ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝዝክርዎ ሓቂ እዩ። መራሒ ህግደፍ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ እስራኤል ኣብ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ መደበር ተዋሂብዋ እዩ ይባሃል፡ ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ መሬት ኤርትራ ንዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣሕሊፉ ከምዘይህብ እዩ ብትሪ ዝገልጽ ኔሩ። ሎሚ ድኣ እንታይ ተረኽበ ንዝብል ሕቶ፡ ብዙሕ ትንታነ ክቀርበሉ ዝኽእል እኳ ተኾነ፡ ኣብቲ መርዓት እቲ ጉዳይ እንተ ኣተኲርና ግን፡ ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ክጣመር ይካኣል።

  1. ካብቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲስዎ ዘሎ ጉዳይ ኣማለድቲ/ተጣበቅቲ ማሓዙት ኣሜሪካ ንምርካብ።
  2. ንዘለዎ ኩሉ ዓይነት ቁጠባዊ ሽግራት ግዝያዊ ትኳባታት ንምርካብ።
  3. ካብ ተለጽሎ ወጺኻ፡ ዞባዊ ኣበርክቶ ዘለካ ንምምሳል።
  4. ካብቲ ወትሩ ዘስግኦ፡ ወራር ኢትዮጵያ ዘራያት ምርካብ።

ሕጽር ብዝበለ እቲ ብትዕቢትን ትምክሕትን ሰኺሩ ዝነበረ መራሕ ህግደፍ፡ ከምኩሉ ዝብህጋ ጎርዞ ክትልመን ከሪማ፡ ኩሎም ደለይታ ምስተወገኑ ዋላ ምስ ሰብሓደርን ዝሸምገሉን ትጓናባሕ፡ ኢሰያስ ዉን ዓለምን ህዝቡን ዝፈንፈኖ መራሒ ዝለዝኾነ ትፍኡ ክልሕስ ንሪኦ ኣለና። ንዓና ከምኤርትራዉያን ነዚ ብሃገራት ዓረብ ዝፍጸም ዘሎ ምትእትታዉ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት የመን ኢድና ክንሕዉስ ይግባእ`ዶ? ነዚ ንፋሱ ኣይልከየና ኢልካ ክትርሕቆ ዝግባእ ግጭት ኣብ ገዛእ ዉሸጤኻ ምእታዉ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸዉን ይኽእል። ብመጀመርያ ጠንቅን፡ ዕላማታት እቲ ኲናት ንተዓዘብ።

ብመኽንያት ህዝባዊ ምልዕዓል፡ ብርከት ዝበሉ ንነዊሕ ዓመታት ኮረሻ ስልጣን ብሒቶም ዝጸንሑ መራሕቲ ሃገራት ኣዕራብ ብሃንደበት ተጸሪጎም ክኸዱ ከለዉ፡ ናይ ግዝያዊ ስልጣን መን ጨበጠ ቁርቁስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰሩ ዝባኣሰ ተደጒሉ ዝነበረ ናይ ሱንን ሽዓን ጽልኢ ኣጓሃሂሩ ናብ ሓደገኛ መድረኽ ኣሳጋጊርዎ ይርከብ። እተን ኣብዚ ናይ ሱኒ ደንበ ዝዓዘዘ ሓላፍነት ኣለና ኢለን ዝኣምና ሱዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ምስርን ነቲ ኣብ የመን ምስ ሽዓዊት ኢራን ምትእስሳር ኣለዎ ዝባሃል ወታሃደረዊ ጉጅለ ሑቲ ካብ ተቖጻጺርዎ ዝጸንሐ ከባቢታት ጸሪግካ፡ ነቲ ኣብ ሱዑዲ ተዓቚቡ ዘሎ ፕረሲደንት የመን ዓብዱሮቦ መንሱር ናብ መዝነቱ ንምምላስ ምስ ኩለን ተሓባበርተን ተኣንጎት ተሸብሸብ ይብላ ከምዘለዋ ዓለም ትዕዘቦ ዘላ ሓቂ እዩ። ዛጊት ክሳብ 10 ሽሕ ዝግመት ሂወት የመናዉያን ክጠፍእ ከሎ፡ ቅሉዕ ገበናት ኲናት ዉን ይፍጸም ከምዘሎ ጸብጻባ ዜና የረድኡ።

ኤርትራ ብዝኾነ ኮንትራት ከምዘይብሉ ብገዛእ ቃሉ ዝምስክር፡ ኣብ መወዳእታ ዕድሚኡ ሰንከልከል ዝብል ዘሎ ዕቡድ ዉልቀ ማላኺ ትምራሕ ዘላ፡ ዝኾነ ቅዋም ይኹን ፖለቲካዊ ኣቃዉማ ዘይብላ ሃገር እያ። ንብዙሕ ዓመታት ብስኒትን ምክብባርን ክነብር ዝጸንሐ ሕብረተሰብ እኳ እተሃለዋ፡ ብእምነት ክረአ ከሎ፡ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምና ትዉንን። ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ተሰሪቱ ዝጸንሐ ምክእኣል ሓብሒብካ ናብ ድልዱል ሰረት ዘለዎ ሃገራዊ ክብርታት ምስግጋሩ ከቢድ ዕማም ኣይነበረን፡ እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ሽፍታ ጉጅለ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንኩሉ ክብርታት ባሕጒጉ ናብ ኩሉ ሕሱር ምፍልልያት ነቚትና ከምዘሎ ካብ ኩሉ ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ እዚ ፍልልያት እዚ ግሁድ እኳ እንተዘይኮነ፡ ፍልልያት የለን ማለት ግን ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ኣብ ካሎኦት ክፍልታት ዓለም እንነብር ዜጋታት ግን ብሰፊሑ ንዕዘቦ ዘለና ተርእዩ እዩ። ኣብ ከም ሱዳን፡ ሱዑዲ ዓረብ፡ ምስርን ዝነብሩ  ብርክት ዝበሉ ኣመንቲ ምስልምና መንእሰያት ኤርትራዉያን፡ እቲ ስርዓት ዘስዓቦ ኩሉ ሕሰም ብህዝቢ ትግርኛ፡ ወይ ኣመንቲ ክርስትና ዝወረደ ሽግር ዝመስሎም፡ ከም ሓደ ፍታሕ ድማ ናብ ሃገራት ዓረብን ምስልምናን ብምጥባቅ ዝተፈልየ መንነት ምሓዝ፡ ከምኣማራጺ ኮይኑ ዝራኣዮም ዜጋታት ከምዘለዉና ምስጢር ኣይኮነን። ካብ ጉዳይ ኤርትራ ጐዳይ ፍለስጢም ዘሕምሞም ወገናት ከምዘለዉና ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ተዓዚብና ንኸዉን። ብወገን ገለ ኣመንቲ ክርስትናን፡ ብሄረ ትግርኛን፡ እቲ ጸገም ኣዉራጃዉን፡ ሃይማኖታዉን ካልእን መልክዕ ዘትሕዝዎ ዉን ዉሑዳት ኣይኮኑን። ካብ ናብ ቀንዲ በደለኛ ዝኾነ ህግደፍ ናብ ካልእ ኣእዳዎም ዘዋጣዉጡን፡ መልሓሶም ዘንዉሑን ዉን ኣይተሳእኑን። እዚ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዘሎ ስርዓት ጽባሕ ተተፈንሸረ እሞ፡ እዞም  ንትኹልን ንጋድምን ዝሰናጥቑና  ዘለዉ ሓይልታት፡ ካልኦት ተጠጂኦም ዘለዉ ክፍኣታትን ድንቁርናን ዘጻወዶም መፈንጠራታት ጉልባቦም ቀሊዖም ኣብ ጉርፍጥ እንተኣተዉ፡ እዞም ንሺዓ ከይገዝእ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት፡ እንታይ ዓይነት ዳንነት ክህልዎም ይኽእል? እዚስ ኣብ እንዳ ሓሰር ኴንካ ብሓዊ ምጽዋት`ዶ ኣይኮነን ነገሩ።

ሉእላዉነት ኢሰያስ ካብ ልእላዉነት ኤርትራ ንላዕሊ ዘገድሶም ወገናን፡ ነዚ ብዘይዝኾነ ፍቃድ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ መሬት ኤርትራ ናብ ኣዕራብ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ዉሳነን፡ ናብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ምትሕቑቛፍን ከምሓደ ዓቢ ዓወት ኣምሲሎም፡ `ወደብ ዓሰብ ኣግማሎም ማይ የስትይሉ` ዝብል፡ ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ቃል ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ባሕርና ስራሕ ከምዝረኸበ፡ ቃል መለስ ከምዝተሳዕረ ጌሮም ከቅርብዎ ኣብ ከምመስከረም ዝኣመሉ ዌፕ ሳይታት ርኢናዩ ኣለና። እቲ ንገለ ሳዕሪ ካብ እኽሊ ዘይፈልዩ ንቅሓት ንዝጎድሎም ዜጋታት ንምድንጋር ዝሃቀነ መግለጺታት፡ ኤርትራ ሜሬት ንወታሃደራዊ መዓላ ከምዘካረየት ወይ ዝሸጠት ዘይኮነ ከምገለ ሃገራዉን ህዝባዉን ረብሓ ዝርከበሉ መደበር ከምዝተኸፍተ ኣምሲልካ እዩ ክቀርብ ተፈቲኑ። እዞም ምስ ኢትዮጵያ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናት፡ ካብ ድሙ ክሃድሙ ናብ ነብሪ ዝሕቆፉ ወይ ንእሽቶይ ርኳን ከይረግጹ ናብ ማይ በላ ዝዘሉ ወገናት፡ ዝኾነ ንነዊሕ ዝጠመተ ራኢን ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ኣይንታዮምን እዩ እምበር፡ እቲ ሓቂ ባሕርና ኣግማልና ማይ ክሰትያሉ ግዳ ኣየናይ ኣበሳ ኔርዎ። ብዘመን ዉበ ዝጸመመ ዉበ ክብል ነበረ ኮይኑ እምበር ወያነስ ኣብካልእ ጉዳዩ እዩ ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ከስተብህለሉ ዝግብኦ ሓቂ ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ብዕድልን ሂወትን ደቂ ሃገር ተላጊጹ ከይኣኽሎ፡ ንልኡላዉነት ሃገር ብምድፋር፡ ጽባሕ ናብ ዘይንወጾ ተኼላ ሸሚሙና ይሓልፍ ምህላዉ እዩ። እዘን ብነጋዉስን ጸቢብ ሃይማኖታዉን ኣጠማምታን ጸዕዳ ወይ ጸሊም ሕብሪ ጥራይ ዝጥምታ ናይ ዘበና ጸለዉቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ሕልፍንኝኻ ኣትየን ኣይኮነን ብማዕዶ ጽልወአን በቶም ኣብ ከርሰን ተማሂሮም ዝመጹ ዝኽተልዎ ስነሞጎት ብምዕዛብ ጥራይ እኹል ስእሊ ምርካብ ይካኣል እዩ።

እዚ ድሑርን ሓደገኛን ኩነተ ኣታሓሳስባ  ኣብ ብዙሓት ህዝብታት ሃገራት ኣዕራብ ሱር ዝለዝሰደደ ዲሞክራስያዊ ለዉጢ ባይታ ኣስኢንዎ ይርከብ። በዚ ምኽንያት ድማ ዉለቀ መለኽቲ ወይ ሃይማኖታዉያን ጥሩፋት ተዘይኮይኑ  ንሳልሳይ ኣማራጺ ዝኸዉን ባይታ ዛጊት ኣይተረኽበን። ናይዚ ኣብነት ኣብ ከም ሶርያ፡ ምስርን ዝተፈተነ ህዝባዊ ተቃዉሞ ብዘይፍረ ምትራፉ ሓደ ካብ ቀንዲ መኽንያታት ክግለጽ ይካኣል። እዚ ተላባዒ ሕማም እዚ ኣብ ጎረቤትና ሱዳን ዉን ተዓዚብናዮ ኢና፡ ከምሳዕቤኑ ድማ ሱዳን ናብ ክልተ ሃገራት ተገሚዓ እያ። ምትእትታዉ ካልኦት ሓይልታት ተራ ኣይነበሮን ክባሃል ኣይክእልን`ዮ እንተኾነ እቲ ፈልሲ ክፋእ ግን ካብ ነዊሕ ተተኺሉ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ኣብሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብካልእ መልክዕ ይረአ እዩ፡  ንዓና ብቀረባ ዝጸልወና ግን ዞባና እዩ።

ኣብዚ ክበርህ ዝግብኦ ሓቂ ዓረብ ከምዓሌት፡ ዘርኢ ወይ ቋንቛ ኣይኮነን ተጸሊኡ፡ እንታይ ድኣ እቲ ኣብዘን ሃገራት እዚአን ንመዋእል ሰፊኑ ዘሎ መሰልን ማዕርነትን ዘይሕሉ ሃይማኖ ዝሰረቱ ምሕደራ ጥራይ ዝቅበል ኩነተ ኣእምሮ (mindset) ዘማዕበሎ ፖለቲካዊ ባህሊ እዩ። እዚ ፖለቲካዊ ባህሊ እዚ ንዝኾነ ሕብረ ብዝሑነት ኮነ፡ መሰል እምነታት ኣይፍቅድን እዩ። ብዙሕ ቋንቛታት ምዝራብ ጸጋ እዩ፡ ዝኾነ ሰብ ዝደለዮ እምነት ክኽተል ኮነ፡ እምነታት ክነጽግ ዘየማጉት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሉ እዩ።

እንተኾነ፡ ዓረብ ስለዝተማሃርካ ወዲ ሓጋዝ ብሌናይ/መንሳዕ/ትግረ ምዃንካ ወይ ወዲ ዓናግር ትግርኛ/ጀበርቲ ምዃንካ መንነትካ ኣይቅየርን እዩ። ከምኡ ግእዝ ዘጽነዐ ወዲ ዓዲ ተከሌዛን ዉን ካልእ መንነት ኣየጥርን እዩ። ከምቲ ምስላ ሱዳናዉያን ዝብሎ `ኣልማሌሁ ቱራስ፡ ማሌሁ ኣሳስ`፣ ባህሊ ዘይብሉ መበቆል የብሉን።  መንነትና ካብ ቋንቛ ኣዴና እዩ ዝጅምር፡ ኣዴኻ ገዲፍካ ሓትነኻ ምንፋቕ ግን ሃገርን ሃገራዉነትን ኣብ ምህናጽ ዓንቃፊ ተራ እዩ ዝጻወት። ከመይ ገመል ዋላ ምህላል እንተለመደ ኣድጊ ኣይከዉንን እዩ፡ ወይ ድሙ እንተነብሐ ከልቢ ኣይከዉንን እዩ። ብቋንቑኡን መቦቖሉን፡ ባህሉን ልምዱን ዘይሕበን ህዝቢ፡ ዶባታ ዘነጸረት ልኡላዊት ሃገር ከማሓድር ኣዝዩ ከምዝጽገም ዘየማትእ ሓቂ እዩ። ኣብዜጋታት እዘን ሃገራት ብዛዓባ ሓንቲ ሃገር ክላዓል ከሎ፡ ዓረባዊት ድያ? ወይ እስላማዊት ድያ? ኢልካ ምሕታት ንቡር እዩ። ከምሓቂ ክኸዉን ዘለዎ ግን ሃገር ናይ ኩሉ ኣብታ ግዝኣት ዝነብር ዜጋ እምበር ናይ ዝተወሰነ እምነት ወይ ዓሌት ሕዛእቲ ኣይኮነትን።

ንሕና ኤርትራዉያን ድማ፡ ዘለና ኩሉ ዓይነት ብዙሕነት፡ ብማዕርነት ከጽንዕ ዝኽእል ቅዋማዊ መንግስቲ ከይሰረትና ምስ ከምባዓል ሱዑዲ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብኪዳን ምእታዉ ማላት ጽባሕ ድሕሪ ህግደፍ፡ ንባዓል ነጎዳ ብሓዊ ምድባስ እዩ ክኸዉን። ልኡላዉነትካን መንነትካን ኣኽቢርካ ምስ ዝኾነት ሃገር ንግዳዉን ካልእ ሓባራዊ ረብሓታት ህዝብኻን ኣብ ዘደንፍዕ ንጥፈት ምስታፍ ልቦና  እዩ። እዚ ዉልቀ ምላኺ ካብ ገበናቱ መታሃድምቲ ዝኾንዎ ናይ ገበን ብጾት ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ሓደገኛ ኣካይዳ ግን ኩሉ ብናይ መጻኢ ኤርትራ ዝሓምም ዜጋ ካብ ናይ ቀደሙ ብዝዓዘዘ ክላዓለሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። ስርዓት ኢሰያስ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወ፡ ዘይተቀብረ ሬሳ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ብሽም ሃገርና ዝጽወት ዘሎ ቁማር ምሳና ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝተርፍ ዕዳ ከምዘለዎ ምስትዉዓል የድሊ። ካብ በሰላ ህግደፍ ናብ ካልእ ጽኪ ተዓሚትካ ምኻድ ሕማምካ ምርባሕ እዩ። እብዚ ዘይከሓድ ሓቂ ናትና ናይ ኤርትራዉያን ጸገማት ክፋእ የብልናን፡ ንጹሃን ኢና ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ጥራዩ ሕማም ዝመጸና ማለት ኣይኮነን፡ እንተኾነ ንባዓል ሽኮርያ ብዝሒ ደም ምዉሳኽ ሞቱ ምቅልጣፍ እዩ ዝኸዉን።

ካብዚ ፈሊኻ ዘይረአ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ታቃወምቲ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅዲ ምሕደራ፥ ኣብ ብሄራት ዝተሞርኮሰ ምንቅስቃስ ዓፋር፡ ሳሆን ኩናማን ከምዘሎ ይፍለጥ። እዚ ምንቅስቃሳት እዚ ብድፍኢት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሞንጎና ተሳኒኻ ምስራሕ ባይታ ብምስኣኑን ዉን ከምኣማራጺ ተራእዩ ክኸዉን ይኽእል። ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍ ኣብመላእ ሕብረተ ሰብ ዝወረደኳ ተኾነ፡ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ምፍልላይ ኣብ ዝነግሰሉ እዋን፡ ረሬሳኻ የንባዓካ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ክስዕርር፡ ምትእምማን ኣብዝጠፍኣሉ ዘመን ድማ ካብ መቅርብ መን ይቀርብ ተጫኒኻ ተቃዉሞታት ይካየድ ኣሎ። እንተኾነ ብደረጃ ሃገር ተጠርኒፍና ፍልልያትና ብምጽባባ ብሓባር እንተዘይ ተቃሊስና ኣድማዕነት ቃልስና ድሩት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገርን ሃገራዉነትን ኣብ ምህናጽ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዉን ክህልዎ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ።  እዝን ካልእን ብወገን ደቡብ ፈኸም ዝብል ሕማም ኳ እንተኾነ፡ ቅድሚ ሕጂ ክታበት ዝወሰድናሉ ሕማም ብምዃኑ  ክንድዚ ናይ ወሽመጥ ዓረብ ክብደት ዝዋሃቦ ኣይኮነን።

 

ፍትሒ ይንገስ፡ መልኪ ይፍረስ!!!

amang_777@yahoo.com

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
44 COMMENTS
  • AMAN December 9, 2016

    I agree with Mr. Ginda above

    These so called opposition movements and groups have distorted view of the
    political and social identity of the region and the African culture of the people
    in the region. Everything they conceive and understand only originates and
    emanates from the deliberately misplaced realities originated and fostered by
    colonial powers and colonial policies that were designed to subjugate the people
    and their identities. Such an individual and society who is highly impacted by alien
    cultural domination is so susceptible and easily falls prey and feels comfortable to
    the culture and identity of others than his/her own.
    These so called opposition groups and their supporters or followers are no different
    but only an extension and outgrowth of the colonial rule and the shameful colonial
    policies which created and sustained a shift in the history and political culture resulting
    in creating new but misplaced identity and socio-cultural culture in the region.
    They have no capacity & way of looking and understanding the reality outside and beyond
    their colonial creator’s mind and his socio-political outlooks of the Land and the People.
    Sadly, even worse ,
    they seem to be motivated and inspired by it – this distorted and misplaced
    history and identity. As I often see it , it is their only hold and their only inspiration
    and driving force for any existence and/or engagement. They do not seem to understand
    that a historical era is only one & a single layer on the course of civilization which is always
    surpassed, dispossessed and overtaken by the next historical era or new layer of civilization
    contributing and giving birth to the new. Upon such fact, all humans and humankind can do
    is adjusting itself and influencing the course of history only. And not trying to stop it by standing
    against or antagonizing it.
    Thank you All
    Happy new coming year
    Yours ,
    AMAN

Post a Reply to AMAN Cancel Reply