Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ፡ ገበነኛ ዝውደሰላ፡ ደላይ ፍትሒ ዝህደነላ ሃገር

ኣብ ሕብረተሰብና፡ እታ “ዳስ ሓውያስ ዝእቱ’ምበር ዝወጽእ ኣይርኣናን” ትብል ብሂል፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣጸቢቃ’ያ ትገልጻ። ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ፡ እገለ-እገሊት ተኣሲሩ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ኤውሮጳ ኣትዩ፡ ኣብ

ኣብ ሕብረተሰብና፡ እታ “ዳስ ሓውያስ ዝእቱ’ምበር ዝወጽእ ኣይርኣናን” ትብል ብሂል፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣጸቢቃ’ያ ትገልጻ። ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ፡ እገለ-እገሊት ተኣሲሩ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ኤውሮጳ ኣትዩ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ፡ ብሰርሰርቲ ተታሒዙ ወይ ህይወቱ ስኢኑ እምበር፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ወጺኡ፡ ብምሕረት ተፈቲሑ፡ ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ተመሊሱን ሓድሽ ህይወት ጀሚሩን ዝብሉ ብስራትን ጽቡቅ ዜናን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝቆጻጸሮን ንዕኡ ዘገልግልን ማዕከናት ዜና ጥራይ ስለዘሎ፡ ህዝብና፡ ጸገማቱን ሓሳቡን ብናጻ ክገልጽን ኣበራት ህግደፍ ከቃልዕን ኣይክእልን’ዩ። ህዝብና፡ ስርዓት ህግደፍ ዝልፍልፎን ዝዝርግሖን ሚዛኑ ዘይሓለወ ሓበሬታ ክሰምዕን ክዕዘብን ጥራሕ’ዩ እንኮ ምርጫ ዘለዎ። ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብሓለፍቲ ሚኒስተር ዜናን ከምኡ’ውን ቃላት ኢሳያስ ከም ትኣምር ዝደግሙ ሒደት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ጥራሕ’ዮም መሰል ምዝራብን ምጽሓፍን ዘለዎም። ነዚ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣዕናውን ኣጽናትን ፖሊሲታትን ምልካዊ ምሕደራን፡ ብገለ ፖለቲከኛታትን ሃገራትን፡ “ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂብዋ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ማዕረ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት ኣሎ ድዩ እዝጊ ዋንኡ። ዓለምን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብዛዕባ መንነትን እንታይነትን ስርዓት ህግደፍ፡ በብዝመስለንን ብፖለቲካዊ ረብሓታት ተደሪኸንን ክውድሳ ወይ ክነቅፋ ይኽእላ’ኳ እንተኾና፡ ረብሓታተን ከምዘቀድማን ከምዝዓጠንን፡ ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮና ተገንዚብና ኢና። ስለዝኾነ ንጽዩፍ ተግባራትን ሓቀኛ ባህርያትን ህግደፍ ዝፈልጥን ፍርዲ ዝህብን፡ እቲ ተሰካሚ ኣደራዕን ስቃይን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ’ዩ። ብርእይቶይ ድማ፡ ግፍዒታት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዓለም መዘና የብሉን ዝብል መርገጺ’ዩ ዘለኒ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣነ ዝበልኩኻ ጥራይ ግበር ዝብሃልን ከይወጽእን ከይኣቱን ሰሪሑ ክዕንገል መሰልን ናጽነትን ዘይብሉ እንተኾይኑን፡ እቲ ብፍርሒ ኣብ ቤቱ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ’ውን ናይ ሕልና እሱር’ዩ። ካብቲ እልቢ ዘይብሉን ክሳብ ሕጂ ዘይተነግረን፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በብዓይነቱ እከይ ተግባራት፡ ንኩነታት እሱራትን ኣብያተ ማእሰርትን ኤርትራ ዝምልከት ወሱን ሓበሬታ ፈይ ከብል።

ብቅልል ዝበለ ኣገላልጻ፡ ትርጉም ቤት ማእስርቲ፡ ሕጋውን ብሰብን እዝግን ዝፍለጥን፡ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ዝተበየነሎም መቅጻዕቲ ክሳብ ዝውድኡ ዝተሓዝሉ ወይ መጽበዪ ፍርዲ ዘይተዋህቡ ህንጻ’ዩ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዘሳቅየሉ ዘሎ ኣብያተ ማእሰርቲ ግን፡ እቲ ሓቀኛ ትርጉምን መለክዒታትን ናይ ቤት ማእሰርቲ ስለዘይብሉ፡ ቤት ማእሰርቲ ክትብሎ ዝከኣል ኣይኮነን። ከሳሲኻን መኽሰሲኻን ዘይትፈልጥ፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ትምቋሕ፡ መሰል ጠበቃን ብስድራቤት ምብጻሕን ትሕረም፡ ኣብ ስዉር፡ ግብ ዝበለ ጸልማት፡ ትሕቲ መሬት፡ መትሓዚ ሓጻውን ኮንተይነር፡ ሕማቅ ኩነታት ኣየርን ትድርበ፡ ብሕማምን ጥሜትን ትማስን እንተኾይንካ፡ ህይወት ዘይብሉ ፍጡር ኢኻ ትቁጸር። ስዉር ተግባራትን ምቅንጻል ህይወት ሰብን፡ ናይ ሎሚ ህግደፍ፡ ቀደም ፍጥር ከይበለን ቅርጺ ናይ መንግስቲ ኣብ ዘይሓዘሉን፡ ካብ 1970፡ ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን እናተባህለ ብኽብሪ ኣብ ዝጽውዓሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ጀሚሩዎ። ሰብ ብዓሽኡን ኤርትራዊ ንናጽነት ሃገሩ ክብል ዕዉር እምነት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ስለዘንበረን፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ሃገሮም ዝፈትዉን በጃ ህዝቦም ንመስዋእቲ ዝተጋደሉን ኤርትራውያን፡ ንስለፍትሕን ምዕባለን ዝተፈልየ ሓሳብን ፖለቲካዊ መርገጽን ስለዘቅረቡ ብስም፡ “መንካዕ፡ የሚን፡ ጀብሃ፡ ክድዓት፡ ጅሃድ፡ ጥልመት፡ ወያነ” ዝብሉ ናይ ጠቀነ ኣስማት ብምሃብ፡ ብትእዛዝ መላኺ ኢሳያስ ክቅንጸሉ፡ ክእሰሩ፡ ሃለዋቶም ክጠፍእ፡ ክድስክሉ እንከሎ፡ ሓያል ተቃውሞና ኣየስማዕናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ገሌና ምስ ስርዓት ህግደፍ ብፍላጥን ብግርህናን መዳምቅቲ ጓይላ ኮይናን ብተዘዋዋሪ ንተግባራት ኢሳያስ ኣተባቢዕናን ኢና። ኣዕናዊ ተግባራት ህግደፍ ግን ድሕሪ ናጽነት’ውን ጠጠው ኣይበለን፡ የግዳስ መልክዕ እናቀያየረ ክሳብ ሎሚ ይቅጽል ኣሎ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ነቲ በብእዋኑ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ዝፈጸሞን ዝቅጽሎ ዘሎን ኣረሜናዊ ተግባራት፡ ዋላ’ኳ መላኺ ኢሳያስ ካብ ልቢ ኤርትራዊ ክወጽእን ክርሳዕን ዝህቅን እንተኾነ፡ ካብ ታሪኽን ተዘክሮታትን ህዝቢ ኤርትራ ዝሕከኽ ኣይኮነን። ንምንታይ’ሲ፡ እቲ ጸሊም ምዕራፍ’ውን ኣካል ታሪኽና ስለዝኾነ መታን መጻኢ ወለዶ ክፈልጦ ክስነድን ክድርጓሕን ኣለዎ። እቶም ብጸቶም ተጋደልቲ፡ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግንባራት፡ ድሕሪ መስመርን ከርሲ ጸላእን ብሃገራዊ ፍቅሪ ንናጽነት ህዝቦም እናመከቱ እንከለዉ፡ ኣብ ጽምዋ ኣብ ሰናጭሮ ሳሕል፡ ሰሜናዊ ባሕሪ ኣጻምእን ጎላጉልን ደናክልን ባርካን ዝጠፍኡን ኣስከሬኖም ዘይርከብን ስድራቤቶም ናይ ሞትን ሕየትን ቅባጸት ዘይረኸቡ ደቂ መሬት ማእለያ የብሎምን። ብዛዕባ’ዚኦም ዘእውየሎምን ዝጽሕፈሎምን ተማራማሪ እንተዝርከብ፡ ካብ ሓድሕዱ ዝበላለጽን ዘደንጹን ታሪኽ ምሰማዕና ኔርና።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ተዳጉኖም ዘለው ልዕሊ 10 ኤርትራውያን፡ ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ጥራይ ኣይኮነን ዘስካሕክሕ ሕሰም ዝወርዶም። ልዕሊ’ቲ ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ማርያም ግምቢን ካልኣይ መደበርን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝካየድ ዝነበረ ብሓይሊ ዘይውዓልዎ ንኽኣምኑን ምስጢር ሰውራ ከውጽኡን፡ ንኽትኣምኖን ንኽትሰምዖን ዘዘግንን ገበን’ዩ ዝፍጽም። ልዕሊ ኣካላዊ ማህረምትን ምስርጣይን፡ ብተነጽሎን ጭንቀትን ኩርማጅን በትርን ጽምኣት ደም ዘለዎም መርመርቲ ህግደፍ ከይወደቀካ ኣእምሮኻ ከምትስሕትን ዕኑድን ትኸውን። ሓደ ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን እሱራት ዝፍጽሞ ገበን፡ እሱራት ብስድራቤቶም ንኸይብጽሑን ኣገልግሎት ከይረኽቡን፡ ኣብ ሰብ ወዲ ኣዳም ክነብሮ ዘይክእል ዝተነጸለ ቦታ፡ ኣብ ጸልማት፡ ክቱር ዛሕልን ሙቆትን ደርቢኻ ምስቃይ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ ስእነት ጸሓይ ብርሃን፡ እኹል መግቢ፡ ንዓመታት ምኹርማይን ክንክን ጥዕናን፡ ብዙሓት ካብ እሱራት ዝዓወሩ፡ ከም ሕማም ሽኾር፡ ሕማም ቆርበት፡ ብዝሒ ደም፡ ረኽሲ መዓናጡ ዝኣመሰሉ ሕዱራት ሕማማት ከምዝሳቀዩን ከምዝሞቱን ከምኡ’ውን ኣብ ሰናጭሮ ከምዝቅበሩን፡ መሬት ኤርትራ ዓቂብዎ ዘሎ ምስጢራት’ዩ። ንኣብነት ሓንቲ ካብተን ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና፡ ከም ትእምርቲ ጽንዓትን ዘይተመላኽነትን ትፍለጥ ናቅፋን ከባቢኣን፡ ካብ ክልቲኡ ጾታ ትሕቲ ዕድመ መንአሰያት ዝእሰርሉ፡ ብ”እንዳቦይ ርጉም” ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብመርመርቲ ዝወርዶም ምቅጥቃጥን ታህዲድን፡ እቲ መዳጎኒ እሱራት መሰረታዊ ክንክን ጥዕናን መሳለጥያን ስለዘይብሉ፡ እሱራት፡ ካብ ጭንቀት፡ ርስሓትን ዓጸቦን ዝነቅል ብዝተፈላለየ ሕማማት ከምዝሳቀዩ፡ ካብቲ ቦታ ዘምለጠ መንእሰይ ይፍታለም ሓቢሩ። ሓደ ካብ ተንኮላት ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ መታን እሱራት ከይሃድሙ፡ ንእሱራት ካብ ዝተወልዱሉን ዝዓበይሉን ቦታ ኣርሒቅካ ምሓዝ’ዩ። ኣብ ከባቢ ናቅፋ ተኣሲሮም ካብ ዘለዉ መዓንጣ ዘይቆጸሩ መንሰያት፡ ናብራን ግፍዕን መሪርዎም ብዓቅሊ ጽበት እግሮም ናብ ዝመርሖም ኣንፈት ክሃድሙ ምስዝፍትኑ፡ ፈለማ ብኣድራጋ ጠያይቲ ምህዳንን ግደ ሞትን መቁሰልትን ይኾኑ። ብዕድል፡ ካብዚ መጻወድያ’ዚ እንተኣምሊጦም ድማ፡ ካድራትን ኣማሓደርትን ስርዓት ህግደፍ፡ ንኹለን ነበርቲ ናይ ዓድታትን፡ እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ እንዳቦይ ርጉም ዘምለጡ ገበን ኣልቦ መንእሰያት፡ “ሰለይቲ ወያነን ኣመሪካን ግብረሽበራን ስለዝኾኑ ኣሲርኩም ኣምጽእዎም” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ብምምሕልላፍ ብቃጻ ሒዞም ንሓለፍቲ ምምሕዳርን ቤት ማእሰርትን የረክብዎም። ነቶም ካብ ማእሰርቲ ከምልጡ ዝፈተኑ መንእሰያት ሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዘረከቡ በርጌስ፡ ኪሎ ሽኮር ወይ ሓርጭ መቁሽሽ ብምሃብ፡ ክሃድሙ ዝፈተኑ መንእሰያት እንተኣረኪቦም ዓስቢ ዜጋታቶምን ኣሕዋቶምን ምህዳኖም፡ ዝያዳ ሽኾር/ሓርጭ ከምዝወሃቦም መብጽዓ ይኣትዉሎም። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብሕጊ ዘይግዛእን ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሰብኣዊ ሓልዮት ዘይብሉ ስርዓት ስለዝኾነ፡ መሰልካን ወጽዓኻን ብሕጋዊ ጉዳያት ክትሓትትን ፍትሒ ክትረክብን ኣይትኽእል ኢኻ። እሱር፡ “ስለምንታይ ተኣሲረ እንታይ ኣቢሰ” ኢሉ ብዛዕባ ገበኑን ፍርዱን ክሓትት’ውን ከም ገበን ስለዝቁጸር፡ ክሳብ’ቲ ኣሲርዎ ዘሎ ሰብ ቃሕ ዝበሉ ውሳኔ ዝህብ ክጽበ ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ፡ ስማዊ ሚኒስትሪ ፍትሒ’ኳ እንተሎ፡ ንዕንደራ ኢሳያስ ክገትእ፡ መሰል ዜጋታት ክጣበቅን ልዕልና ሕጊ ክሕሉን ዓቅምን ሓይልን የብሉን። ብዘይ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ዝብሃሉ ኣካላትን ቅርጽታትን መንግስቲ፡ ህላወ ይኹን ግቡእ ኣሰራርሓ ስለዘየለ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ’ዩ ናይ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ ከምኡ’ውን ፈራዲ ስልጣን ጨቢጥዎ ንእሱራት ምሕረት ክገብር ክብሃል የብሉን። ምኽንያቱ ምሕረት ዝግበር ገበን ንዝፈጸመ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡን ሕጋዊ ዝከላኸል ጠበቃ ተፈቂዱዎ ጉዳዩ ዝማጎት፡ ሰብኣዊ መሰላቱ ዝተሓለወ፡ ገበኑ ብቤት ፍርዲ ዝተፈርደ ጥራሕ’ዩ ምሕረት ወይ ምንካይ ግዜ ተገይሩሉ ዝብሃል። ኣሳሪኻን ገበንካን ዘይትፈልጥ፡ መሰልካ ክትሓትት ዘይፍቀደካ፡ ይግባይ ክትብል ዘይትኽእል እንተኾይንካ እሱርን ገበነኛን ዘይኮንካ እቲ ኣሳሪ’ዩ ገበነኛ። ብቅዋም ዘይምእዘዝን ብህዝቢ ዘይተወከለን ስርዓት ድማ፡ ሕጋውነት የብሉን። ኣብ 1991፡ ምስ ምጽራግ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ፡ ትጽቢትና፡ ዝተበታትነ ህዝብና ካብ ስደት ክምለስ፡ ድኽነት ሕማምን ከብቅዕን ፍትሒ ክነግስን’ዩ ነይሩ። እንተ ዕድልና ከፊኡ ወይ ንሕና ሓሚቅና፡ ኩሉ ሃንቀውታና ኣንጻር ድሌትና ተገቲሩን ዘይድፋእ እምባ ኮይኑን። ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ናብራ መሪርዎምን ናጽነት ዝተሓረሙን ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ፍትሒ ክነግስ ዝጠለቡ፡ ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙ፡ ህግደፍ ዘይፈትዎ ሃይማኖት ስለዝኣመኑን ርእይቶ ስለዝሃቡን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዘይፍርዲ ኣብ ሰናጭሮ፡ ጎዳጉድን ኣጻምእን ንዓመታት ተኣሲሮም ካብ ዘለው ኣሽሓት ዜጋታት፡ ብኣራሰንቲ ሕማማት፡ ተቅማጥን፡ ብጉድለት መኣዛዊ መግብን ጽሬትን ዝስዕቡ ሕማማት ከም፡ ዓበቅ፡ ተቅማጥ፡ ዓሶ፡ ጥሜትን ጭንቀት ኣእምሮን ይሳቀዩ እለው። ብተወሳኺ፡ እቶም ብጽሞናን ብርሃን ጸሓይ ከይርኣዩን፡ ንዓመታት ብህይወቶም እንከለዉ ኣብ ትሕቲ መሬት ተቀቢሮም ዘለዉ ዜጋታት፡ ግቡእ ክንክን ሕክምና ስለዘይረኽቡ፡ ብሕማም ቆርበት፡ ሽኮር፡ ብዝሒ ደም፡ ምልማስ መሓውርን ዑረትን ይማስኑ።

ኣብቲ ንስሙ ቤት ማእሰርቲ ዝብሃል መባእታዊ መሳለጥያ ዘይብሉ መሳቀዪ ቤት ማእሰርቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ናጽላ ደቀንን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን ተኣሲሮም ከምዘለዉን ዝበዝሓ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ሰብኡተን ኣብ ስደት ዘለውን ድሃዮም ዝጠፍአን፡ ዝሕረስ መሬት ስለዝተሓድጋ፡ ዝኾነ ኣታዊ ስለዘይብለንን ክስደዳ ዝተገደዳ ኮይነን፡ ካብ ማእሰርቲ ንኽወጻ ናብ ጁባታት ውልቀሰባት ዝኣቱ ዓሰርተታት ኣሽሓት ናቅፋ ብዘይ ፍርዲ ክኸፍላ ዝተኣዘዛን ዓቅሚ ዘይብለንን ኢየን። ኣብ ልዕሊ’ተን ሰብ ሓዳርን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን ጥንስን ከምዘጋጥመንን ንሓለፍቲ መግቢ ክኽሽናን ክዳውንቲ ክሓጽባን ይግደዳ። እቶም እሱራት፡ ሓለፍቲ ቤት ማእሰርትን ካልኦት ላዕለዎት ሰብመዝን ዝውንንዎ ኣባይቲ ክሃንጹ፡ ኣብ ሕርሻን ጀራዲንን ብኣስሓይታን ጸሓይን ብዘይ ክፍሊት ይለፍዑ። ብዙሓት ካብቶም ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተዓፊኖም ዝተወስዱን ስድራቤቶም ርእዮም ዘይፈልጡን ዜጋታት፡ ልዕሊ ናቶም ምእሳር ናይቶም ጠወርቲ ዘይብሎም ወለዶምን ደቆምን ከምዘሻቅሎምን ከምዘጨንቆምን ገሊጾም። ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ’ቲ ሰብን እዝግን ዝፈልጦ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ከም ጥሪት ተዳጉኖሙሉ ዘለዉ ከተማታትን ወተሃደራዊ መዓስከራትን እሱራት መታን ብወለዶምን መቅርቦምን ክይብጽሑ፡ ደገፍን ዘእውየሎምን ከይረኽቡን ክሳቀዩን፡ ኣብ ዓው ኢልካ ሰማዒ ዘይትረኽበሉ፡ ርሑቅን ዝተነጸለን ከባቢታት ኣብ ኣጻምእ ምዕጥር፡ ገልዓሎ፡ ሰናጭሮ ናቅፋ፡ ዒራዒሮ፡ ናኹራ፡ ከባቢ ሓጋዝን ዓሰብን ዝኣመሰለ ቦታታት ብምድጓን’ዩ መሰል ንጹሃት ዜጋታት ዝግህስን ህይወቶም ዘሕልፍን ዘሎ።

እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዘለው ልዕሊ 10 ሽሕ ዜጋታት፡ ምስ ግሉጽነት ዝጎደሎን ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዋሳኣሉን መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ክፍትሑን ቅኑዕ ውሳኔ ክረኽቡን ተስፋ’ኳ እንተነበሮም፡ ብተግባር ግን ናብ ማእሰርቲ ዝኣቱን ዝስደድን ኤርትራዊ እምበር ካብ ማእሰርቲ ዝፍታሕን ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ዝኣቱን ሰብ ዘይምህላው፡ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዝተሓሳስብን’ዩ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ እዚ ኣቦጉድር’ዚ እንከለዎ ኢዩ ድማ ከም ተጣባቂ ሰላምን ደላይ ፍትሕን ሽልማት ኖቤል ክቅበል ዝህቅን ዘሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ፡ ወዲ ዓዲ ናብ ስደት ዝበታተነላ፡ ዝፈርሓላን ዝእሰረላን፡ ብኣንጻሩ ጓና ወዲ ዓዲ ዝኾነላን ዝኸብረላን ሃገር ኮይና ምህላዋ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ተስፋ ኣቁሪጽዎም ኣሎ። ይኹን እምበር በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ ከምዝብሃል፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝለምለመሉ፡ ተቀጥቂጡን ተኣሲሩን ደቁን ንብረቱ ተዘሚቱ ብሒም ስለዘይበለን፡ ንውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣሽዲንዎ ካብ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት’ዩ። ሕጂ’ውን ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን ስለዝኾነ፡ እዛ ናብ ጎደና ጥፍኣት ትጓዓዝ ዘላ ሃገርናን ስርዓት ህግደፍ ኣደብ ክገብር እንተኾይኑን፡ ናትና ጽንዓትን ተባዕ ስጉምትን’ዩ ዝሓትት። ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ ኢና ቅድሚ ሎሚ ዝተገራህናዮን ዘምለኽናዮን ዘይኣኽለና? ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ናትና ከምዘይኮነን ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ፋዕራ ከምዘይብሉን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ጥልመቱን ኣዕናዊ ዕላማታቱን ገሊጹልናን ብተግባር ኣርእዩናን ኣሎ። ንኹሉ እከይ ተግባራት ህግደፍ ብስቅታ እንተሓሊፍናዮ ግን፡ ብመጻኢ ወለዶ ተወቀስትን ንመሰልና ዘይንጣበቅ እሺ በሃልትን ኢና ንቁጸር። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ህግደፍ ከምቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል ሜላ ጥፍኣት ይኽተል ከምዘሎ ብኣጋ ክግንዘብ ይግባእ። ኤርትራውያን፡ መቃብር ስውኣትና ገዲፍና ምስ ደቅና ንስደድ ከምዘለናን ንፈትዋ መሬት ዓደቦና ተመሊስና ከምዘይንርእን ክስቆረና ኣለዎ። ኤርትራ፡ ዓዲ ፍትሕን ሰላምን ክትከውን እምበር፡ ገበነኛ ዝውደሰላ፡ ደላይ ፍትሒ ዝህደነላ ሃገር ክትከውን ከነፍቅድ የብልናን።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 2 ታሕሳስ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • k.tewolde December 4, 2018

    It is unfair and lopsided world we live in today where truth is misconstrued,final verdict is in favor of the powerful,tyranny and autocracy is a fad,and where the poor and the downtrodden are stepped on like doormats,it just is not fair!!! Yep,the Eritrea we knew back then and grew up adoring is not the same Eritrea anymore,it lost its mojo,its WEZ,it morphed into something sinister like tales from the crypt,an alien nation where the martians rule. Tsilal it is a nation like no other,you need a space rover to analyze it.Your devout reader.

  • Wedi Hagher December 5, 2018

    “ሓደ ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን እሱራት ዝፍጽሞ ገበን፡ እሱራት ብስድራቤቶም ንኸይብጽሑን ኣገልግሎት ከይረኽቡን፡ ኣብ ሰብ ወዲ ኣዳም ክነብሮ ዘይክእል ዝተነጸለ ቦታ፡ ኣብ ጸልማት፡ ክቱር ዛሕልን ሙቆትን ደርቢኻ ምስቃይ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ ስእነት ጸሓይ ብርሃን፡ እኹል መግቢ፡ ንዓመታት ምኹርማይን ክንክን ጥዕናን፡ ብዙሓት ካብ እሱራት ዝዓወሩ፡ ከም ሕማም ሽኾር፡ ሕማም ቆርበት፡ ብዝሒ ደም፡ ረኽሲ መዓናጡ ዝኣመሰሉ ሕዱራት ሕማማት ከምዝሳቀዩን ከምዝሞቱን ከምኡ’ውን ኣብ ሰናጭሮ ከምዝቅበሩን፡ መሬት ኤርትራ ዓቂብዎ ዘሎ ምስጢራት’ዩ። ”

    Yes this is very true.
    Tens of thousands are dying in underground prisons. They are purposely kept in prison conditions that kill them in few years time. Due to extreme humidity, after one or two years sitting in pit that looks like a grave, prisoners cannot go out even to relieve themselves (toilet). Initially they are helped by others but gradually they are left alone. The place is stinking and dark, which causes sight problems. Many gradually become blind, develop type 2 diabetes because of lack of exercise. When prisoners die, their families are not informed. They are buried in unmarked locations. The regime is trying to hide a genocide. It’s sitting on a mountain of skulls. It’s refusing to open up the country because they cannot release from prisons people who were made to disappear in more than 300 prisons scattered throughout the country.
    The Ethiopian government knows what is happening but they are not interested. They don’t care what is happening to Eritreans, as long as their interests are guaranteed by the dictator.
    Eritrea is being killed by a monster.

    • k.tewolde December 5, 2018

      Indeed Wedi Hager ,the SOS distress signal has been blaring in our homeland for awhile now,however nobody is answering the plea including the victims close relatives who went under and disappeared in diaspora and the world looks on with bewilderment as this once proud people are eradicated like rodents and swept into mass graves.It is a modern day Auschwitz,only this time the victims are colored people cannibalizing their own.>>>>> “The regime is trying to hide a genocide. It’s sitting on a mountain of skulls.” can’t say no more.

      • Genet-Original December 6, 2018

        K.t
        I have been reading and researching, since western leaders have been hugging DIA tightly and rewarding him, for what? God knows. I found this quote.
        “From the point of view justice, the opinion of the Eritrean people must receive consideration. Nevertheless, the strategic interests of the US in the red sea basin and world peace make it necessary that the country be linked with our ally Ethiopia” In 1952 guess who said that?

        • k.tewolde December 6, 2018

          You got me there G.O.,I have no clue,but one thing is for sure,the Eritrean people were always seen as an appendage,dispensable,a pawn in the regional chess board…by the big boys from the east or the west,to make things worse the tyrant gave them a big hand in decimating the underdog to non existence.In the face of this grave adversity and humiliation our reaction should be to be pissed off and show the world one more time we wont allow ourselves to be overlooked and the gargantuan investment we made( our martyrs) go in vain.You the Eritrean,you only bear the responsibility to restore and build the Eritrea our fallen heroes and heroins died for–nobody else!!

        • Simon G. December 6, 2018

          If I had to guess, it would have been John Foster Dulles

          • Wedi Hagher December 6, 2018

            You are right brother.
            The then US secretary of State John Foster Dulles said it. His brother Allen Dulles was head of US intelligence.
            The two brothers were behind what happened not only to Eritrea but also shaped post-war history of Europe.

          • Genet-Orgional December 6, 2018

            Yes!!
            Simon G, Wedi Hagher and K.t

            Simon G and Wedi Hagher are right. John Foster Dulles was secretary of state in 1952. It make all perfect sense the resent development between Eritrea and Ethiopia. DIA has been hand picked to sabotage our aspiration for successful independence. What is worst is DIA actually despise the Eritrean people more than any outsider and he has been encouraged to commit genocide on our people. It is a perfect remedy for a population control which has been the wishes of invaders and colonizers for all of Africa. In my opinion, no Eritrean should have a problem with Eritrea to be “linked” to Ethiopia. Having said that the Eritrean people and Ethiopian people have to have a clear understanding of what that “link” is supposed to be. That shouldn’t be achieved at the expense of either people. Thus, what are the things we Eritrean should demand to be out in the open, before we get “linked” to Ethiopia?

  • Wedi Hagher December 5, 2018

    ነዚ ሲዓት ዝምግሱ ገበነኛታት አዮም፥

  • AHMED SALEH !!! December 7, 2018

    At this moment we Eritreans seem
    to get ourselves in uncertain predicaments . Stupidity had been
    the main source of blind followers
    motto to follow the camel while
    concerned citizens cry foul .
    Fools are celebrating on Ethiopian developments by ignoring their own
    issues . Issaias is unpredictable man
    and to invite Ethiopian army inside
    Eritrea doesn’t surprise me .
    Didn’t forget DEMHIT soldiers to involve in Eritrean affairs and nobody
    from our officials showed resistance .
    Issaias zibela , Amen
    Issaias zighebera, Amen
    KaleAy zurya kab deki hagher
    “Meryetna imber guday hizbi buzuh
    zegheds aykonen ” yibluna alewu .
    Arrogance has forced us to fight eachother and the result ……..

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply