Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ሓደ ሃገር እምበር ሓደ ህዝቢ የብላን

ኣብ ሕብረተሰብና፡ መርዚ ወይ ስሚ ጎዳእን ቀታልን ስለዝኾነ፡ ኣሽምባይዶ ክትቀምሶ፡ ስሙ ክጽዋዕ’ውን ኣይድለን’ዩ። ሓደ ሓደ እዋን ግን፡ ነቲ ንኽትጎስሞ ወይ ክትርዕሞ ከም ስሚ ወይ ከም መርዚ ዝቀትል ሓቂ፡ ንኽትቅበሎ ዘገድድ ኩነታት ይመጽእ እሞ ከይፈተኻ ትውሕጦ።

ኣብ ሕብረተሰብና፡ መርዚ ወይ ስሚ ጎዳእን ቀታልን ስለዝኾነ፡ ኣሽምባይዶ ክትቀምሶ፡ ስሙ ክጽዋዕ’ውን ኣይድለን’ዩ። ሓደ ሓደ እዋን ግን፡ ነቲ ንኽትጎስሞ ወይ ክትርዕሞ ከም ስሚ ወይ ከም መርዚ ዝቀትል ሓቂ፡ ንኽትቅበሎ ዘገድድ ኩነታት ይመጽእ እሞ ከይፈተኻ ትውሕጦ። እቲ እናፈለጥካ ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ኢልካ ሸለል ትብሎ ዝነበርካ ጉዳይ፡ ዋላ እቲ ሞጎጎ ሓሸም ይበል፡ እታ ኣንጭዋ ክትቅተል ኣለዋ ትብል። “ኣብ ኤርትራ ሓደ ሃገር እምበር ሓደ ህዝቢ የለን” ዝብል ኣርእስቲ ክለዓል እንከሎ፡ ንምእማኑ ንብዙሓት ዜጋታት ጸላዕላዕ ከምዝብሎም ፍሉጥ’ዩ። ኣነ’ውን ሓደ ካብኦም’የ። ብፍላይ ድማ ነቲ ኤርትራዊ ኣብ መዋእል መግዛእትን ብረታዊ ቃልስን፡ “ጽንዓቱን ሓድነቱን ከም ዓረ ዝተረረ፡ ከም ማይን ጸባን ተወሃሂዱ ዝነብር ህዝቢ’ዩ” ዝብል ወገን፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ህግደፍ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንፖለቲካዊ መጣልዒ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ዘይኣምን ሰብ ወይ ጉጅለ ኣይውሓጠሉን’ዩ። ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብፖለቲካዊ ኣጠማምታኡን ረብሓታቱን ሓደ ህዝቢ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ሓደ ክፋል ወገኑ ብስርዓት ህግደፍ ክርሸን፡ ክእሰር፡ ንብረቱ ክራሰ፡ ናብ ጊላ ተቀይሩ ብዘይ ክፍሊት ክግብር እንከሎ፡ ዘዝተወልዱ ኤርትራውያን መኣዲ ትምህርቲ ክሕረሙ፡ ካብ መርዓን ንቡር ህይወትን ክመዛበሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን እንተላይ ምሩዃት ኩናት፡ ሰብኣዊ መሰላቶም ክርገጽን ዋና ስኢኖም ከም ኣቅሓ ክልወጡን ክሽየጡን እንከለዉ፡ እቲ ብህዝቢ ኤርትራ ይሕለቅ’የ ኢሉ ዝምሕልን ዝግዕርን ኣምሰሉ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቶም ብሰንኩ ሃገሮም ክገድፉ ዝተገደዱ ኤርትራውያን “ከድዓት’ዮም፡ ጸጊቦም፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ጸገም የለን” ኢሉ ሓቂ ክጥምዝዝ እንከሎ፡ ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ምስቃጥ፡ ተቃውሞ ዘይምርኣይና፡ ሕሉፍ ሓሊፍና ድማ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፥ “ህግደፍ ወይ ሞት” እናበልና ስቃይ ህዝብና ክቅጽል ምስ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝዓመረ ጓይላ እናኣጠቃዕናን እናሳዕሳዕናን እንከሎና፡ በየናይ ስነ-መጎት’ዩ፡ ኤርትራ ሓደ ህዝቢ ኣለዋ ክብሃል?

ኤርትራ ብኽቡር መስዋእቲ፡ ኣብ 1991 ልኡላዊ መሬታ ከምዘረጋገጸትን ኤርትራ ትብሃል ሃገር ኣብ ካርታ ዓለም ብማሕበረ ሰብ ተፈላጥነት ከምዘለዋን ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ፡ ክልተ ዓበይትን መሰረታውያንን ሃይማኖታት ማለት እምነታት ክርስትናን ምስልምናን ከምዝርከብ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረባ፡ ንመንነተንን ማሕበራዊ ኣቃውማታተንን ዘንጸባርቅ ባህሊ ወግዒ፡ ክብርታትን ዘለወን ትሽዓት (9) ብሄራት ከምዘለዋ ንዓመታት ዝተራዕመ ሓቂ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ብልሓታት መቃቂሉ ክገዝኦ፡ ሓቂ ከይፈልጥ መደናገሪ ሜላታት ክኽተል፡ ኣንጻሩ ተቃውሞ ከየልዕል ብሓይሊ ከርዕዶን ሰለይቲ ኣዋፊሩ ክጸናጸኖን ካብ ቀዳማይ ዕላማታቱ’ዩ። ሎሚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ እቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ’ውን ዘይተጠቅምሉ ድሑርን ሕቡእን ከፋፋሊ ሜላ’ዩ ዘዘውትር። ስርዓት ህግደፍ፡ ብኢደ ዋኒኑ፡ ብዘይ ቅዋም፡ ተቆጻጻሪ ዘይብሉ፡ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ክልውጥን ክሸይጥን፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ስልጣን ክኹደጭን ንህዝቢ ኤርትራ ክረግጾን፡ ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም ካልኣይ ዜጋ ክቁጸርን፡ ውሑዳት ሕልና ዘይብሎምን በላዕቲ ጉቦን ብሚልዮናት ዶላር ክጻፍዑን ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ድማ ቁራስ መግቢ ስኢኑ ተኽዕርምዩ ክነብር እንከሎ፡ በየናይ መለክዒ’ዩ ህዝቢ ኡርትራ ምስ ብዙሕ ፍልልያቱ ከም ሓደ ህዝቢ ዝቁጸር? ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ነስትውዕል’ሞ ብጽሞና። ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ይኽተሎ ብዘሎ ኣዕናዊ ሜላታት፡ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ስደት እናምርሐን ማሕበረ ሰብ ዓለም ንመራሕቲ ህግደፍ ብገበን ኣብ ዝኸሰሰሉን፡ ኤርትራውያን ኣብ ክልተ ተመቂልና፡ ገሌና ንገበናት ስርዓት ህግደፍ ከነቃልዕ እንከሎና ገሌና ድማ መታን ካብ ህግደፍ መቁሽሽ ክንወሃብን ብግዝያዊ ትቅምን፡ “መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣይፈጸመን፡ ዓለም ትዘርየና ኣላ፡ ተንኮል ስርዓት ወያነ ኣመሪካን’ዩ” ኢልና ንስርዓት ህግደፍ ክንውድስ፡ ኣበራቱ ክንሓብእን ብኽቱር ስስዐን ፍትወት ገንዘብን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኤርትራውያን ገበን ክንፍጽም እንከሎና፡ ልዕሊ ህግደፍ “ህዝቢ ኤርትራ ኣይተኣስረን፡ ቁጠባዊ ጸገማት የብሉን፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ሕግን ኣሎ’’ ብምባል ኢና ንማጎትን ህዝብና ንሞት ንፈርድ ዘሎናን። እዚ ድማ ምልክት ፍልልያትናን ስንፍናናን እምበር ንሓድነትናን ንሓንቲ ኤርትራን ኣየንጸባርቅን’ዩ። እዚ ተግባራት’ዚ፡ ጽዩፍ፡ ጥልመት ስዉኣትን ነብሰይ ይጥዓመንን’ዩ። ከም ሰባት መጠን ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ብሃይማኖታዊ እምነትን ካልእ ውልቃዊ ጠባያትን ክንፈላለ ሓራም ኣይኮነን። ላም ምስ ሓራዲኣ ማይ ትሰቲ ከምዝብሃል ግን፡ ነዚ ሰብን እዝግን ዝፈልጦ ብግህዱን ብስዉሩን መጻኢ ወለዶና ዘጽንት፡ መንነትናን ባህልናን ዝብርዝ፡ ሃብትና ዝዘሩን ዘዕኑን፡ ምስ ከባቢና ዘናቁተና ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ምቁምጣዕን ምድጋፍን ይቅረ ዘይብሃሎ ገበን ከም ምፍጻምን ብታሪኽ ዘሕትትን’ዩ።

ብርግጽ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኤርትራውያን እንምክሓሉን እንኾርዓሉን ክብርታት ኣሎና። ህርኩትነት፡ ምትሕግጋዝ፡ ቅንዕና፡ ልግስና፡ ምብልሓት፡ ቆራጽነት፡ ጽንዓት፡ ምጽውዋር ዝኣመሰሉ ገለ ክጥቀሱ ዝኽእሉ ካብ ብሉጻት ባህልታትና’ዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ እዞም ዝተተምብሁ ክብርታት ኣብ ቦታኦም ኣለዉ ድዮም ንዝብል ሕቶ ግን፡ ንኽትዕ ዝግደፍን ሰባት ነናቶም መለክዒታት ክህልዎም ስለዝኽእልን፡ እወ ወይ ኣይፋል ዝብል መልሲ ይህልዎ ይኸውን። ገለ ሰባትን ፖለቲከኛታትን፡ ኤርትራ ብዙሓት ብሄራትን ቋንቋታትን ስለዘለዋ ከም ሃብቲ ዝወስድዎ’ኳ እንተኾኑ፡ ነታ ዝቅመጡላ መሬት ብሓባር እንተዘይዓቂቦማ፡ ሓድሕድ ምክብባር እንተዘይሃልዩ፡ ማሕበረ-ቁጠርባዊ ማዕርነት እንተዘይተረጋጊጹን ጥዕና ዘለዎ መንግስቲ እንተዘይተመስሪቱን ዝህሉ ሕዱር ሕማም ግን መድሃኒት ከምዘይብሉ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ብሄራት ወይ ዞባታት ኤርትራ ምዕሩይ ዝርጋሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ቁጠባዊ ምዕባለን የለን። ስርዓት ህግደፍ ግን ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዓመት መጸ ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ወከልቲ 9 ብሄራት ኣኪብካ ንባህሎምን መነባብሮኦምን ንምንጽብራቅ ብመራኸቢ ብዙሓን ምቅላሕ ከምልምዲ ተወሲዱ’ሎ፡፡ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፡ እቲ ናተይ ትብሎ ህዝቢ ወናኒ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዕድሉ ምስዝኸውን፡ መሰል ምዝራብን ምምራጽ መራሕቱን ምስ ዝህልዎ፡ ሓጎሱን ሓዘኑን ብሓባር ምስዘስተማቅንር፡ ብማዕረ ተቛዳሲ ጸጋታት ሃገርን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እንተኾይኑ፡ ምጽውዋርን ቀዳምነታቱ ዝፈልጥን ጥራሕ’ዩ ሓድነትን ፍትሕን ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ትኽእል። ብትዕዝብተይ ግን ገለ ክፋል ሕብረተስብና ብኣቋራጭ ንምህብታምን ዘይተኣደነ ገንዘብ ንምግሓጥን፡ ምስቶም ውሽጣዊ ኣካላት ሰባት ዝልውጡን ዝሸጡን ነጋዶ ሰብ ኣብ ዝሰሰኑሉ፡ እዘዝቲ ሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራ ደቂ ዓይኒ መዓርን ሃብታማትን ብመሰነይታ ሸናዕ እናበሉ ናብ ዝደለይዎ ቦታ ክፋነዉ እንከለዉ፡ ደቂ ድኻታት ድማ ኣብ ኩሉ ከይበጽሑ ብዓረር ህግደፍ ክምልዓሱ፡ ብሰንሰለት ተቀፊዶም ናብ ማእሰርቲ ክድርበዩ፡ ንዓመታት ኣብ ሃሩርን ቁርንን ክበልዩ፡ ዝበዝሓ ኣዴታት ወላዳት መኻን ኮይነን ለይትን መዓልትን ኣብ ሓዘን፡ ድኽነት፡ ጽምዋን ደባሲ ስኢነን ተደርብየን እንከለዋ፡ ብኣንጻሩ ገለ ኣዴታት ስእሊ ሓራዲ ሰብ፡ ኢሳያስ ተሰኪመንን ተሓኒነንን ክስዕስዓ ክትዕዘብ እንከለኻ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ህዝቢ’ዩ” ዝብል ምጉት ብኽንደይ ሊትሮ ማይ ክትውሕጦ ትኽእል? ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኽበታተን ንሓድሕዱ ክናቆት ዘተኣታተዎ ሰንካም መጻወድያ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ፡ ምድኻምን ምብሕጓጉን ሓድነት፡ ክቡር ባህልታትን ሃገራዊ ላህጃታትን’ዩ። እቲ ጸገም ግን ናይ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። ብቀንዱ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፡ ግዳይ ኣዕናዊ ሜላታት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ ተባዕ ተቃውሞ የስምዕ ስለዘየለን’ዩ። ካልእ ይትረፍ እቲ ኣብ ስደት፡ ኣብ ዓዲ ፍትሕን ሰላምን ዘሎ ህዝብና፡ “ደጋፍን ተቃዋምን መንግስቲ ኤርትራ” ተባሂሉ፡ ክልተ ማሕበረኮም ኤርትራ ክምስርት፡ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ቤተ-ጸሎት ክጥቀም ወይ ድማ ተስፋ ቆሪጹ ካብ ኩሉ ዝገለለን ኣብ ናይ ጓኖት ኣብያተ ጸሎት ዝጥቀምን ኤርትራዊ ብዙሕ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ዝደልያን ዝሓልማን ድማ ንሳ’ያ። ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩን ነቂሑን ኣንጻር ኣዕናዊ ሜላታት ህግደፍ ስሙር ተቃውሞ ንኸየርኢ ምብትታትን ኣንፈት ኣርእስቲ ምቅያርን።

እቲ ዘገርም ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኣብነት፡ ደጋፊ ህግደፍ ወይ ብህይወቱ እንከሎ ኣብ ኣኼባታትን ጓይላታትን ህግደፍ ዘይተሳተፈ ኤርትራዊ ምስ ሞተ፡ ኣብተን መምርሒታት ስርዓት ህግደፍ ርዒመን ዝጓዓዛን ካብ መንፈሳዊ ተግባራት ዝርሓቃን ኣብያተ ክርስትያናት፡ ጸሎተ-ፍትሓት ከምዘይግበረሉ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘዋሪ መልእኽቲ ስለዘመሓላለፈ፡ ሰብ ብህይወቱ እንከሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣደዳ ስቃይ ስርዓት ህግደፍ ዝኸውን ዘሎ፡ ዋላ ምስሞተ’ውን ንሱን ስድራቤቱን ሰላም የብሎምን። ህዝቢ ድማ ግዳይ ተንኮላት ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ንሓድሕዱ ክወናጀልን ክፋጠጥን ክትዕዘብ ኣዝዩ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ፡ መዕገቲ እንተዘይተገይሩሉ ናብ ዝኸፍአ ጥፍኣት ከምዘምርሕ ንምእማቱ ኣየሸግርን። ኤርትራውያን ብሓፈሻ መራሕቲ ሃይማኖት በጃኩም ልቢ ግበሩ፡ ኣብ ክንዲ ናይ ስጋ ክይጎድለኩም ናይ ሓሶትን ሓጥያትን መዓርግ ክህነትን ጵጵስናን ሒዝኩም ምስ ስርዓት ህግደፍ ወጊንኩም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ትፍጽሙ፡ መንገዲ ሰላምን ዕርቅን ምረጹ። ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘንጸላልዎ ዘሎ ደበና ጥፍኣትን ዕንወትን ሓቢሩ ዝምክትን ህይወቱ ብሰላም፡ ብስኒት፡ ምኽብባርን ዝመርሕን፡ ኣብ መጻወድያ ህግደፍ ክኣቱ እንተመሪጹ ግን፡ ኤርትራ ሓደ ሃገር እምበር ሓደ ህዝቢ ኣይክህልዋን’ዩ። ፍትሒ ጎደለ ድኻ ተበደለ ከምዝብሃል፡ ኤርትራ ዝሓየለ፡ ጉሒላን ዘውደልደለን ጥራሕ ዝሕጎሰላ ሃገር’ያ ክትከወን፡፡ ምብትታን ኤርትራውያን ቅልጡፍ መድሃኒት እንተዘይተረኺብዎ ድማ፡ ህላወ ሓንቲ ኤርትራ ብዘይ ህዝቢ ትርጉም የብሉን። እታ ኣብ ከርሳ ኣዕጽምትን ደምን ጸይራ ዘላ ሎሚ ንፈልጣ መሬት ኤርትራ፡ ዋና ስኢና መጻኢ ወለዶ ኣይክረኽባን’ዩ። ኩልና ብህላወን ድሕነትን ኤርትራን ህዝባን ንግደስ ዜጋታት፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ ውሽጣዊ ፍልልያትና ከነጽብብ፡ ክንከባበርን ናይ ሓባር ጸላኢናን መንዳዓት ኤርትራን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብሕብረት ወጊድና፡ ስምርቲ፡ ስልጥንቲ፡ ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ክንምስርት ንሕተት ኣለና። ኤርትራ ሓንቲ ሃገር’ያ፡ ህዝባ’ውን ብሓደ ልቢ ከተንፍስን ራህዋን ጸበባን ብሓባር ክካፈሎን ይግባእ። ንሱ ጥራሕ’ዩ ሕፉር፡ ለባም፡ ሓያልን ሃብታምን ክኸውን ዘኽእሎን ንውሉድ ወለዶ ዘንብሮን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (15 ግንቦት 2017)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde May 16, 2017

    Indeed Tsilal, it is the epitome of hypocrisy ‘HADE HIZBI HADE LIBI’,if that was the case, the Eritrean people wouldn’t have endured over quarter of a century of terrestrial inferno under the brutal clique they ushered into the capital clapping knowing his track record in the field.The damage was done a long time ago,in the womb of the liberation movement when the fetus committed cells where differentiating to form their respective organs.Voila! now we have an offspring in our hand who doesn’t obey us,hear what we have to say,disrespects us and outright plots to kill us.This is one of your best work Tsilal not only for the prudent minded Eritrean,but for the irrational,disfranchised and confused.Thanks a million.

  • Nahon May 17, 2017

    “ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኽበታተን ንሓድሕዱ ክናቆት ዘተኣታተዎ ሰንካም መጻወድያ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ፡ ምድኻምን ምብሕጓጉን ሓድነት፡ ክቡር ባህልታትን ሃገራዊ ላህጃታትን’ዩ። እቲ ጸገም ግን ናይ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። ብቀንዱ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፡ ግዳይ ኣዕናዊ ሜላታት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ ተባዕ ተቃውሞ የስምዕ ስለዘየለን’ዩ።”

    Iseyas and his Party have always relied on the usual divide and rule tactic, they perfected during Ghedli era. But we the people have the habit of waiting till it happens to us. Till it’s our turn to be on the receiving end, We justify the brutal actions of the regime by finding excuses for them,
    If we had to stand together in solidarity the clique would have gone long ago.
    Till we learn that indifference is damaging not only to today’s victims of the regime, but for all of us, we will continue to suffer for years to come.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply