Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ሓደ ሰብኣይ ይሸነላ’ሎ

     ኤርትራ ሓደ ሰብኣይ ይሸነላ’ሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ብትዕቢት፡ ብተንኮል፡ ብጃህራ፡ ብሓድሕድ ምንቋት፡ ብምስልባጥ፡ ብህርፋን ሽመት፡ ብጭካነን ብሕነ ምፍዳይን ዝተመልአ’ዩ። እዞም ባህርያትን ጠባያትን መታዓብይቲ ኢሳያስ’ኳ እንተኾኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ዮም ዝያዳ

     ኤርትራ ሓደ ሰብኣይ ይሸነላ’ሎ

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ብትዕቢት፡ ብተንኮል፡ ብጃህራ፡ ብሓድሕድ ምንቋት፡ ብምስልባጥ፡ ብህርፋን ሽመት፡ ብጭካነን ብሕነ ምፍዳይን ዝተመልአ’ዩ። እዞም ባህርያትን ጠባያትን መታዓብይቲ ኢሳያስ’ኳ እንተኾኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ዮም ዝያዳ ኣብ ቃልዕ ወጺኦምን ህዝብና ፈሊጥዎምን። ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ ኢሳያስ፡ መራሒ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን በሓቲ ዞባዊ ውድባትን ክኽውን ሃነፍነፍ በለ። ኩሉ ሕልምታቱ ምስበርዓነ ግን ከም ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል፡ ንኻልኦት መራሕትን ሃገራትን ክውንጅል ከነኣእስን ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ልዕሊኡ ህቡባት ዝኾኑ ዜጋታት ክሃድን ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ኢሳያስ፡ እቲ መን ከማይ ሕማሙ እናሻዕ ስለዝደግሶ ድማ፡ ንዕኡ ንምሽፋን ካብ ዝጥቀመሉ ሽጣራታት ሓደ፡ ሰንሰለታዊ ወይ ምእኩል ኣሰራርሓ ብምጥሓስ፡ ርክባትን ኣኼባታትን ብምክያድ ንኻልኦት ምንጻልን ምድኻምን’ዩ። ንኣብነት ኢሳያስ ፎቆዶ ዓድታ፡ ቁሸታትን ኣሃዱታትን እናዞረ፡ ዝያዳ’ቶም ባዕሉ ዝመደቦም ኣማሓደርትን ኣዘዝትን ተቆርቛሪ ንምምሳል ናይ ኣለኹኹምን ኣምሰሉን መግለጺ የቅርብ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኢሳያስ ዝጥቀመሉ ኣሰራርሓ ሽሕጣን ምዃኑ ንተራ ህዝቢ’ውን ስዉር ስለዘይኮነ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ንኢሳያስ ኣብ ዑደቱ ዝግበረሉ ውዳሰን ናይ ደስደስ ኣቀባብላን፡ ጸርፍን ምልጋጽን’ውን ይሰንቅ ኣሎ። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ፡ ገለ ካብቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዙሮቱ ብህዝቢ ዝተዋህቦ ንእንታይነቱ ዘንጸባርቅ ነቀፌታን ኣሽሙርን ከካፍለኩም።

“ዓዲ ተበላሽያ፡ ሓደ ሰብኣይ ይሸነላ’ሎ”

ሓደ መዓልቲ፡ ኢሳያስ ካብታ ተሓቢኡ ዝዝምወላ፡ ዝሰኽረላን ተንኮላት ዝኣልመላን ዘይወግዓዊት ቤተመንግስቱ፡ ዓዲ ሃሎ  ናብ ኣስመራ እናተመልሰ እንከሎ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦ ብእግሮም ዘጓሕ እናበሉ ቀቅድሚኡ ክጓዓዙ ተዓዘበ። ኢሳያስ ኣብ ጥቃ’ቶም ኣቦ ምስ በጽሐ፡ ንመራሒ መኪናኡ ጠጠው ከብላን ነቶም ኣቦ ክሰቅሎምን ሓበሮ። እቶም ኣቦ፡ ኣብታ ማኪና መንከምዘሎ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን ነቲ ዝተገብረሎም ሕያውነት ግን ዕዙዝ ምስጋናኦም ኣቅረቡ። ኢሳያስ ከምቲ ኩሉ ግዜ ብህዝቢ እንታይ ይብሃል ከምዘሎ ንምፍላጥ ናይ ጎደና ወረታት ንምእካብ ሰለይቲ ዘዋፍርን ባዕሉ ወልደፍደፍ ዝብሎን፡ ነቶም ኣብ ማኪናኡ ዘጓራበቶም ሰብኣይ፡ “ኣቦ ዓዲ ከመይ ኣሎ” ኢሉ ሓተቶም። እቶም ኣቦ ትቅብል ኣቢሎም፡ “ወይለ’ቦኻ ዓዲ ተበላሽያ ሓደ ሰብኣይ ይሸነላ ኣሎ” ኢሎም መለሱ። ኢሳያስ፡ መራሒ መኪናኡን ሓለውቱን ብመልሲ’ቶም ኣቦ ተገሪሞም ቱዋሕ ኢሉም ስሓቁ። ተጓዓዝቲ፡ ኣስመራ ክሳብ ዝኣትዉ ነታ “ዓዲ ተበላሽያ ሓደ ሰብኣይ ይሸነላ’ሎ” ትብል፡ ውስጠዘ ሓሳብን ኤርትራ ብሓደ መላኺ ውልቀ ሰብ ትግዛእ ከምዘላ እትገልጽ ሓያል ዘረባ ደጋገምዋ። ኢሳያስ ከምቲ ኣጥቢቁ ዝጠየቀ ሞት ኣዱ ተረድአ ዝብሃል፡ መልሲ ናይቶም ኣቦ ንዕኡ ከምትሃርም እናፈለጠ ጥርቅም በለን በሽካዕላል “ሓደ ሰብኣይ እምበኣር ይሸነላ’ሎ” በለ። መን ይፈልጥ ግን እቶም ኣቦ ሓቂ ስለዝደርጉሑ ኢሳያስ ኣጸናትዩ ይኣስሮም ይኸውን።

“ንሕና ዝተመነና ክንስለም ወርቂ ቢሻ ኢሳያስ ዝሃበና ካላሽን ራሻ” 

ኤርትራ፡ ኣብ ከርሲ መሬታ ዘሎ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ሃብታምን ጽሩይን ገማግም ባሕሪ፡ ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ምቹእ ኩነታት ኣየርን፡ ጠምዩ ዝሓደር፡ ትምህርቲ ዝሓርሞ፡ ብሕማም ዝሳቀ፡ ናብ ስደት ዘምርሕ ዜጋ ኣይምተረኽበን። እንተኾነ ብዘይ ቅርዑይ ስርዓተ ምምሕዳርን ፍትሕን፡ ኩሉ ከም ኣብ ከውሒ ዝተዘርአ እኽሊ’ዩ ዝቁጸር። ስርዓት ህግደፍ ወግሐ ጸብሐ፡ “ኣብ ኤርትራ ማዕድን ይድህሰስን ይኳዓትን ኣሎ፡ ኣብ ኤርትራ ኩባንያታት ወጻኢ ርእሰማለን የፍስሳ ኣለዋ፡ ኤርትራ መስሕብ በጻሕትን ማእከል ወፍርን ክትክወን’ያ” ዝብሉ ዘተሃራርፉን መሰጥትን ቃላት የኮማስዕ። ብግዱድ ጉልበት መንእሰያትና ማዕድናት ተሓፊሱን ቢልዮናት መኽሰብ ተረኺብዎን ከብቅዕ፡ ኣብ መነባብሮ ህዝብና ቅንጣብ ለውጢ እንተዘይኣምጺኡን ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ሃብቱ እንተዘይኮኑን፡ እቲ ኣብ ጁባ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኮራኩሩን ዝኣቱን ከምኡ’ውን ብኩባንያታት ወጻኢ ዝገሓጥን ሽያጥ ጸጋታት መሬትና ንህዝብና ኣይንታዩን’ዩ። ነዚ ኩነታት’ዚ ዝተገንዘበ ህዝብና’ዩ ድማ፡ “ንሕና ዝተመነና ክንስለም ወርቂ ቢሻ ኢሳያስ ዝሃበና ካላሽን ናይ ራሻ” ኢሉ ብደርፊ መረርኡን ክውንነትን ዝገለጸ። ህዝብና፡ ኣምሳያ ናይቲ ዝኳዓት ወርቅን ዝሕፈስ እቶትን፡ ካላሽን ናይ ራሻ ክስከምን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሎ ኣብ በረኻ ክሰፍርን’ዩ ዝግደድ ዘሎ። ኤርትራ ብሓደ ሰብኣይ ከይትውነንን ጸጋታታ ከይትሕደግን ኤርትራውያን ክንቃለስን ክንሰምርን ኣለና።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (08 ነሓሰ 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • rezen August 4, 2016

    Very interesting conclusion >>> “ኤርትራ ብሓደ ሰብኣይ ከይትውነንን ጸጋታታ ከይትሕደግን ኤርትራውያን ክንቃለስን ክንሰምርን ኣለና።”

    But, Eritrea is already under the boots of one man – the result of his dream of hateful revenge against the Eritrean people. Period! As to the exploitation of Eritrea’s natural resources, it is a by-product gain for Issayas; and natural exploitation for foreign entities.

    With respect to the earnest call for Eritreans struggle and comradeship, the mushrooming of eighty-eight (88) “opposition” entities would seem to be the sad bizarre resp0nse. In the absence of any rational reasoning behind the strange phenomenon, the old Eritrean wisdom seems to ponder upon the unknown phenomenon of nature: መርገም።

  • k.tewolde August 4, 2016

    Wise answer from the senior,and a direct punch in the nose for the young and capable Eritrean.One old man marking his territory and pissing all over the place,this is the outcome,he has been laying ground for years for this grim national spectacle while his revelers were dancing,strumming on krar and drinking dumudumu.

  • yorda August 4, 2016

    It is not only the one man but the savage bastard muslim Arabs are pissing on Eritrea too. At least this one man you are referring did fight and wasted his youth life in Ghedli to liberate Eritrea and succeeded to make it a full and new member of the United Nations. What did the bastard Arabs did for Eritrea or Eritreans? Eritrea should never be a cheap market or property of the barbaric muslim Arabs.

    • k.tewolde August 5, 2016

      yorda writes,’….wasted his youth life in ghedli……….make it a full and new member of the UN…’, let me rephrase that in the tyrant’s words,’netsanet amtsielkum kabu’u nlaeli intay delikum’. Is that what his cadres taught you in SAWA.You still have a soft spot for him,don’t you? for a moment you forgot the tens of thousands of martyrs who gave their precious life to feel pity for a wasted conniving tyrants young life.at the same time you lashed out at the Arabs instead of the Lucifer with unknown identity who opened his door wide open and told them ‘MERHABA ITFEDEL MINFEDLEK ADINI GURUSH’. Folks, that’s the mind set that is pervasive among the youth that went through that assembly line and were branded with tattoo they can’t erase and the sad thing is, it is not their fault. Deleyti fithi we have a lot of work to do,the comment above is a perfect sample of the whole…

  • Habtom Mewael August 4, 2016

    Well don’t just hide urself behind computer and turn into laptop hero with trash comments if you need real changes just lead the way go there and challenge the system through systemic grassroot level movement and be ready to suffer like most dedicated and courageous eritreans back home. You just dont know how locals are shaping and molding the change we are more than a trash talk and get over it. He was the engine and made histry with his peer and meaningful fundamental change can only come through acknowledgement of facts of the basic truth on the ground and grassroot level movement discussion on how to change things on the ground for better with real basic solution.

  • Desalegn August 9, 2016

    ጠንቂ ኩናት ባድመ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ኮይኑ ብሰንኪ ቕንጸላ ሓየሎም ዝተበገሰ እዩ

    ጠንቂ ኩናት ባድመ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ኮይኑ መብገሲኡ ቅንጸላ ሜ ጀ ሓዱሽ “ሓየሎም” ኣርኣያ ብሰንኪ ኩናት ደሴታት ዝቑር ሓኒሽ እዩ።
    ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ብዝተፈጥረ ናይ ዙቕር ሓኒሽ ዴሰታት ናይ ይግባኣኒ ምስሕሓብ ኣቐዲሙ ብዝነበረ ናይ ወያኔን ህግደፍን ናይ ሓባር ስትራቴጂካዊ ዕላማ ሕልሚ ምምስራት ዓባይ ትግራይ ኢትዮጵያ ብውዕላ መሰረት ኣብ ኩናት ዙቑር ሓኒሽ ንኤርትራ ብምድጋፍ ክትሳተፍ ስለትግደድ ፕራይም ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ነቲ ዝተወጠነ ኩናት ድጋፉ ንኽህብ ንዝምልከቶም ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትእዛዝ ኣብ ዘዉረደሉ እዋን ሜጀር ጀነራል ሐየሎም ኣርኣያ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን የመንን ዝገበር ኩናት ንኢትይጵያ ዝምልከት ኣይኮነን ኣብዘይ ጉዳይና ኣይንኣቱን ኢና ኢሉ ስለዝተቓወመ ኣብ ሞንጎ ሓየሎምን መለስን ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ። መለስ ንኣዛዚ ስሪሒት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሜ.ጀ. ሓየሎም ብምድስካል ንሜ.ጀ. ሳሞራ የኑስ ብምትካእ ኩናት ዝቑር ሓኒሽ ኣብ ሞንጎ ሓበራዊ ሓይሊ ኢትዮ – ኤርትራ ምስ የመን ኣብ 1996 ተኻይዱ። ኢሳያስ ኣፈውርቂ ናይ ስለያ ልእኹ ናብ ኢትዮጵያ ብምልኣኽ ብዕለት 14 የካቲት 1996 ሜ. ጀ. ሓየሎም ብምዉህሃድ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ብጀሚ ዝተባህለ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐንጺሉ። ጀሚል ንቕትለት ሓየሎም ምስፈጸመ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ክዕቆብ ኪኢሉ። ጀሚል ድሕሪ ኩናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ብትእዛዝ ፕ.ሚ. መልስ ዜናዊ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ተወሲድሉ።

    ሓየሎም ብሰራዊት ወያነ ኣዝዩ ተፈታዉነት ጥራሕ ዘይኮነ ብጅግንነቱ ብዝነበሮ ተፈላጥነት ብህግደፍ ንዝተፈጸመ ቅተለት ኣብ ላዕለዎት ሓለፍትን ብፍላይ ኣብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጥሪ ስለዝፈጠረ ፕ.ሚ. መለስ ዜናዊ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ካብ ቑጽጽሩ ወጻእ እኳ እንተነበረ ንቐታሊ ጀሚል ኣብ ፍሉይ ቦታ ክዕቅቦ ክኢሉ እዩ ። ኢሳያስ ነቲ ክመርሕ ወይ ከጥቃዓና ይኽእን እዩ ዝበሎ ኣዛዚ ሰራዊት ሓየሎም ስለዘጸገዖ ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብቕዓት ኣብ ግምት ብምእታው ግጉይ ዝኾነ ዉሳኔ ብምዉሳድ ሕልሙ ዓባይ ትግራይ ንምምስራት መላእ ትግራይ ንምቁጽጻር ኩናት ፈለማ ንይምሰል ብባድመ እኳ እንተጀመረ ኣብ ፈለማ ቀንዲ ዝደፍኣሉ ኩናት ግና ዛላምበሳ ተቆጻጺርካ ዓድግራት ኣቢልካ መቐለ እዩ ኔሩ። ዛላምበሳ ተቆጻጺሩ እኳ እንተነበረ ኣብ ሞንጎ ዛላምበሳን ዓድግራትን ንዝነብረ ግንባር ሰይሩ ዓድግራት ንኽኣቱ ዝነበሮ ዕላማ ግና ክትግበር ኣይከኣለን። ኣብ ዝተቕጻጸሮ ቦታ ዛላምበሳ ንዝነብረ ናይ ህዝቢ ንብረት ይኹን መዓጹ ገዛዊቲ ብሓለፍቲ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተዘሚቱ ኣብ ከተማ ዛላምበሳ እዚ ዘይበሃል ዕንወት ተፈጺሙ። ድሕሪዚ ሕል ሚ ዓባይ ትግራይ ክትግበር ከምዘይኽእል ዝፈለጠ መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ባድመ ተወሪርና ብምባል ናብ ሕዝቢ ዓለም ከእዊ ጀሚሩ። ስለዚ ኩናት ባድመ ጠንቁ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ኮይኑ ብፍላይ ቅትለት ሓየሎም ዘኸተሎ ሳዕቤን እዩ። ንኹናት ኢትዮ ፡ አርትራ ምስ የመን ንኽካየድ ትእዛዝ ዘሃበ ፕ.ሚ. ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ከምዝነበረ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ምስክርነቱ ዝሃበ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ብወግዒ ንህዝቢ ዓለም ኣነጺርዎ እዩ። እዚ ሓደ ጭብጢ ነቲ ሓበራዊ ስትራተጂ ወያኔን ህግደፍን ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ዘመልክት ጉዳይ እዩ።

    ሕልሚ ዓባይ ትግራይ

    ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ብንጹር ከምዝፈልጦ ሃገረን ካብ ባዕዳዊ ገዛኢ ኢትዮጵያ ነጻ ምዉጽእ ዝብል ምንባሩ ኣከራካሪ ጉዳይ ዘለዎ ኣይመስለንን እዩ። ህዝባዊ ግንባር ምስ ወያነ ብሙኻን ሓዱሽ ስትራተጂካዊ ዕላማ ከምዝሓንጸጹ ኣብ ጊዜ ደርግ ካብ ወይኔ ብዝሰሉሙ ሓለፍቲ ወያኔ ነበር ዶክተር ኣብረሃም ያየህ ካልኦትን ኣብ 1990 ዓም ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም እዮም። በዚ መሰረት ሕልሚ ሻዕብያን ወያኔን ዓባይ ትግራይ ንምምስራት ኮይኑ ዓባይ ትግራይ ዝብል ንኤርትራን ትግራይን ዘጠቓለለ ኮይኑ ካብ ጎንደር ክፍለሃገር ንወልቃይት ዘካተተ ካብ ደሴ ክፈለ ሃገር ኣልዉሃ ምላሽ ዘጠቓለለ ምኻኑ ብወግዒ ብዶክተር ኣብረሃም ያየህን ካልኦት ኣባላት ሕዋሕት ነበር ተገልጹ ምንባሩ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።እዚ ጉዳይዚ ቅድሚ ናጽነት ስለዝነበረ ብዙሕ ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣይከኣለን ኔሩ።
    ነገራት ናብ ቃልዕ ምውጻእ ዝጀመረ ኣብ ከባቢ ሽረ እንዳስላሴ ኣጋር ሰራዊትን ከቢድ ብረትን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተጽንበርዎ ኩናት ወያነ ምስ ደርግ ኣብ ዝተገብረ ርብርብ እዩ።

    “ኣስተውዕል” ንምንታይ ደኣ ናይ ሻዕብያ ዕላማ ንኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ነጻ ምውጻእ እንተኾይኑን ንሕጋዊ መሰላትካ እንዳተቓለስካ እንከለኻ ዘይ ሕጋዉን ኣብ ዘይምልከተካ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዘይ ሃገርካ ኬድካ ዘይ ሕጋዊ ኩናትን ወራርን ተካይድ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህልዎ ዝኽእል ኣይመስለንን መልሱ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ጥራሕ እዩ ክኸዉን ዝኽእል።

    ይቕጽል!

    • hp August 10, 2016

      Desalegn.ኢዚ ዝጠቀስካዮ ርእይቶ ዘካትዕ ኣይኮነን።ምናዳ-ምናዳ ከም ፉሉይ ዓንቀጽ ኣብ ዓምዲ ኣሰና ኢንተተስፍሮ ምሓሸ።ከመይ’ሲ ቀጻሊ ብሙኹዋኑ ዕድል ርእይቶ ምሃበ።

POST A COMMENT