Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ባሕቲ መስከረም 1961 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኤርትራ ባሕቲ መስከረም 1961 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ኤርትራ ሃገረይ ደንደስ ባሕሪ ንጸላእቲ ጠሓሒራ ነብሪ ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ ትወልድዮም ጀጋኑ ስብ ስረ ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ-ማዕረ ካበይ ድኣ ምጹ ብዓል ማእረ   ገለ ይደፍኡኺ ብሃይማኖት በድሑር ዝምባሌ ወገንነት ወግሐ ጸብሐ ስኢንኪ ቅሳነት ዶብ የብልናን ኢሎም ይዛረቡ ጽንሕ ኢሎም ብዶብ የሳብቡ ጸረ ሰላም

ኤርትራ
ባሕቲ መስከረም 1961
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 

ኤርትራ ሃገረይ ደንደስ ባሕሪ

ንጸላእቲ ጠሓሒራ ነብሪ

ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ

ትወልድዮም ጀጋኑ ስብ ስረ

ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ-ማዕረ

ካበይ ድኣ ምጹ ብዓል ማእረ

 

ገለ ይደፍኡኺ ብሃይማኖት

በድሑር ዝምባሌ ወገንነት

ወግሐ ጸብሐ ስኢንኪ ቅሳነት

ዶብ የብልናን ኢሎም ይዛረቡ

ጽንሕ ኢሎም ብዶብ የሳብቡ

ጸረ ሰላም ሓሶት ዝርብርቡ

 

ሓንሳእ የውርዱኺ ንዕዳጋ

ሕሱር ክሸጡኺ ብዘይ ዋጋ

ሃህ ምስ በለ ናይ ወራር ምንጋጋ

ኣብ ቅርዓት ዝባንኪ በብታራ

ኩሎም ይስዕስዑ ኩዳ ስብራ

ወፈራ ገዛእቲ ጒራ-ምራ

 

ገለ ይኣስር ገለ ድማ ይርሽን

ተኸደኒ ይብለኪ ፈደረሽን

ጒዳም ሳርቶ ዘይመጠንኪ ሽንሽን

ብላዕሊ ዝመጸ ትዕምጸጺ

ብታሕቲ ዝኸድዐ ትጒዕጸጺ

በዝን በትን ኳዂቶ ትረግጺ

 

ሓንሳእ ይተዂቡልኪ ኣውቶኖሚ

ኣብ ዘይከውን ነገር ክትፍርሚ

ግራት ሂብክስ ቀሪም ክትቅርሚ

ትጸርግዮ ብግዳም ዝመጸ

ይጸንሓኪ ብውሽጢ መላጸ

ፍልሖ ’ኸይድ ደድሕሪኡ ጻጸ

 

ይቐርቡኺ ኣሕዋት ኢና ኢሎም

ታሪኽ መሳፍንቲ ለቓቒቦም

በትሪ ግን ኩሉ ሳዕ ኣብ ማእገሮም

ብሰይጣን ውሻጠ ትጒበጢ

ከም ቆጽሊ ትረግፊ ትሽምጠጢ

ብውሽጥን ብደገን በሊሕ ሰንጢ

 

ዘዝወለድክዮም ይሕየሩ

እንታይ ንግበር ኢሎም ከይመኽሩ

ናትኪ ናብራስ እምብዛ መሪሩ

ክንዲ ቕድሚት ንድሕሪት ርኢና

ከም ሰይቲ ሎጥ ዓንዲ ጨው ፈሪና

ሰብ በሪሱ ዋህራር ተቐይርና

 

ጒዳም ሃገር ሓንሳእ ዘይተዕርፍ

ከም ዑፍ ናይ መሸላ ወትሩ ወንጭፍ

ሰብ ሓሲሩ ከም ቆጽሊ ይረግፍ

ፈራይት ዶ’ይኰንክን ለዋህ ኣደ

ዕቋር ናይ ከብድኺ ናበይ ከደ

ከምታ ናይ ቀደምኪ ጅግና ሓደ

 

ሽፍታ ተባሂላ መስከረምኪ

ብዘይ ቀልዓለም ብዘይ ሕንኪ

ድሮ ተረሲዑ ጽኑዕ ብርኪ

ከይተማህሩ መማህራን ኰይኖም

“ተማጐትቲ” እወሓስ ጀሚሮም

አግብእ ከም ዘሎ መን ክነግሮም

 

መንእሰይኪ ጠሓሒራ ነብሪ

እታ ምስጢር ንገሪዮ ’ምበሪ

ዘክርሉ ንመስከረም ቦዂሪ

ታሪኽ ዝዘንግዐ ዘየምበበ

ዘረባ ቐለቡ ዘይረብረበ

ልሳን ዓሻ ንመከራ ’ጽበ

 

መስከረምና ናይ ቃልስና በዱ

ክሒዱኪ ጥንቅልዒት ፍርዱ

ምውዳቑ ዘይተርፍ ሰም ልማዱ

ተፈተል በልዮ መንእሰይኪ

ብዓል ጽኑዕ ምናት ብዓል ብርኪ

ንዓኺዶ ምልኣኽ ጠፊኡኪ

 

መስከረም

መስከረም ሃገረይ ጽዕነት ዘይኽበዳ

መሬት ኣዳል መሬት ባርካ ጻዕዳ

ተበገሲ ’ምበሪ መገሻ ልማዳ

 

ሽፍታ ተባሂሉ ዕጥቂ ስረ

ቛንቋ ናይ ጃንሆይ ዝተቐብረ

ልሳን ደርጊ ርሑቕ ዝሰፈረ

 

ሰላም-ሰላም ሓደ መስከረምና

መባእታዊት ማህጸን ጠበንጃና

ዘልኣለም ተንቃዕርር መሳርያና

ጥይት ኣዳል ሰማይ ዝበረረት

ተዂሲ ጅግና ታሪኻዊት ብረት

መቓልሕ ናይ ገድሊ ዝኣወጀት

 

ኣላዶ እታ ዝናር እታ ካዝና

ቅያ ናይ ቀዳሞት ትዝ ኢሉና

ትርጒም ናይ መስከረም ክበርሃልና

ዳኛ ወራር ዘይከውን ይፈርድ

በዝን በትን መከራ የውርድ

ሃገር ድማ መስከረም ትወልድ

 

ሕጂኸ ተውለድ ወርሒ ምን’ያ

ንመስከረም ሓደ እተብረያ

ሕነ ትፈድየልና ኣጸምያ

ተዓገሱ ይብሉና ሰረትና ጸኒቱ

ኣብ ከብድና ኣትዮም ብዓል ከንቱ

ተሰደዱ ’ብሉና ኣምሰያ ክተቱ

 

ኣንታ ጅግና ህዝቢ ተልዓል ብዕሊ

መቝሕ ናይ ኣረሜን ብተካ ብሓይሊ

እንዳ ቐርደዱኻ እንታይ ዝኸውን ዓቕሊ

ዘዋጽእ ስምዓዮ እዝኒ ’ንተልዩካ

ንሳቶም ብሓዊ ምስኪን ጥራይ ኢድካ

ዘክር ’ምበር ታሪኽ ሓደ መስከረምካ

 

ናብ ስደት ኣምሪሑ ሃገሩ ጠንጢኑ

ምቕዘፍቲ በዚሑ ወድ ስብ ደኒኑ

መስከረም ዝዝክር ደኾን ተሳኢኑ

መንእሰይ በሪሱ ብቶኽሲ ጠላማት

ዘዕብዮም ስኢኖም በዚሖም ዘኽታማት

ዕሽነት ነጊሱ ውሒዶም ለባማት

መስከረም

ዕባይ ናይ ከበሳ ቆላታት የውርዶም

ዕባይ ናይ መታሕት ላዕሊ የደይቦም

ክንዲ ብድልየቶም ተጎቲቶም

እምብለይ ምባል’ዩ ከም መስከረም

ማሕላ ሃገር ንምንታይ ይጥለም

ሰላም ንኽነግስ ንዘልኣለም

 

መዓስከር ናይ ህግደፍ የብቅዕ ስዓታታ

ዝኽተብ ከይርከብ ሓደ መተካእታ

ሰራዊት ለብሙ ክርከብ እፎይታ

ካብ ማእሲ ክብረታ መርዓት ዘሰምብዱ

ካብ ንእዲ መርዓውቲ ኣጓብዝ ዝወስዱ

ብሃልሃልታ ሰይጣን ህዝብና ነዲዱ

 

እምቢ በል ምንሰይ ክብረተይ ኣይሸጣን

ናይ እንዳመን ትኪ ናይ ’ንዳመን ዕጣን

ዓይንኻ ከዕውሮ ሰብ ዝመስል ሰይጣን

ሓንቲ ፋብሪክኦም ማእለማ ናይ ክሲ

ሸኽ ኣይብሉ ቀሺ ዋላ ንፈላሲ

ህግደፍ ጥራይ ዳኛ ኩሉ ተኸሳሲ

 

መንእሰይ ክተቱ በሉ ተበገሱ

ግሩዛት ይትረፉ ኣጒድኦም ዘፍርሱ

ታሪኾም ዝቐብሩ ስንፍና ዘውርሱ

ጎበዝ ተጸዊዑ ኣቤት ዝበቐቐ

ምስ ከዳዕ ኣሻርዩ ታሪኽ ዝጸየቐ

ብድልኽ ከድዓት ልቡ ዝረቐቐ

 

መስከርም

መስከረም መስከረም-መስከረም ዝያዳ

መራሒት ላም ደወል ኣብ ክሳዳ

ክንደይ’ዩ ሕጂኸ ’ቲ ዝኽፈል ዕዳ

ጎበዝ ተላዒሉ ብዓለም ለኻዊ

ከምኡ እንዲኺ ንስኺ ትፈትዊ

ኣብ ውሽጢ ኽኣ’ሎ ድጒል ሓዊ

 

ኣደ ጅግና ጥይት ዝተኰሰ

ሓንሳእ ምስ ወፈረ ዘይተመልሰ

ጠበንጅኡ ንህዝቢ ዘውረሰ

ተመራጺት ካብ ’ዋርሕ ዓመት

ብመቓልሕ ጥይት ዝነቀወት

ሻምብቆ ጠበንጃ ዘንቃዕረረት

 

ኣወል ቃልሲ ራኢ ናይ ጀጋኑ

ዘይትርሳዕ ናይቶም ዝመነኑ

ሕልሚ ወራር ኣንጊሆም ዘምከኑ

 

ማህጸን ሓበን ወላዲት መስከረም

ጓህሪ ገድሊ ዝጀመረት ፈኸም

ቅልጽም ሓፋሽ ናይ ገድሊ ዓረምረም

 

ተዋህሊሉ ኤርትራዊ ዓቕሚ

ትርጉም ክህብ ናይ ጀጋኑ ሕልሚ

ፈሲሱ ደም ተኸፊሉ ዓጽሚ

መብጽዓ ደም ዓወት ኣመዝጊቡ

ኣሰራሲሩዎም ብሂወት ዘርከቡ

ነቶም ዝሓለፉ ክብሪ ሂቡ

 

ዓበይቲ ኣረግቶት ብጸሎቶም

ኣጒባዝ ጀጋኑና ብጥይቶም

ማሪኽክዮም ብሓባር ከቲቶም

ኩሉ ዝደቀሰ ኣበራቢርክዮ

ወዮ ’ምብለይ ሕራይ ቀይርክዮ

ዘርከብናሉስ ኩሉ ርኢናዮ

 

ሕጂ እንደሞ ከድዓት ነጊሶም

መስዋእቲ ደቅኺ ጠሓሒሶም

መስከረም ታሪኽኪ ዝፈኾሶም

ኣነ ጥራይ ዝብሉ ሓንቲ ምርጫ

ምድግዳግ ኣመሎም እከይ ዕጫ

ብርኪ ጅግና መሲሉዎም ቃንጫ

 

እዚ ኹሉ ታሪኽ ተሰኪምና

ዓለም ዝመስከሮ ዓቢ ዝና

ሽፍታ ዝብል ሳጓ ወጺኡና

ክንዲ ሓቢርና ንጸርግ ንህግደፍ

ክንዲ ሰዊድና ብጽንዓት ንስለፍ

ትርፊ ኣልቦ ከንቱ ንጸራረፍ

 

ኣጆኺ መስከረም ኣጆኺ ባርካና

ኣይረሳዕናን ንርስዕ ’ታይ ኰንና

ካብ ሓርቢ ከብድኺ ሸይኽና ሰቲና

ተስኡ በልና ከም ኣመልኪ

ከም ቀደምና ሕራይ ክንብለኪ

ንሱ’ዩ ታሪኽና ደስ ይበልኪ

 

መስከረም ንሱ’ያ ኣንጊሃ ሓቲታ

ደቃ ተሰሊፎም ሽዑ ንምሸታ

ትነብብ ታሪኽና ከም ዘላታ

 

 

ሓቂ ሒዝና ንቐጽሎ ሰውራ

ንመሰል ወድ-ሰብ ብሓበራ

ታሪኽ ናይ ጀጋኑ ኣይነዕብራ

 

ኣባሪርና ኢትዮጲያዊ ሽፍታ

ኣብ ውሽጢ ጸኒሑ መፈውንታ

ኣኻዓየ ናይ ደርጊ መሰታ

ጎበዝ ሃገር ናውትኻ ’ዋድድ

ኮፍ ይኣክል ብድድ ድኣ ብድድ

ካብ ተመን በረኻ ናይ ገዛ ይገድድ

 

እዚ’ዩ ናይ ቃልስና ምስጢር

ይትረፈና ዘይረብሕ ክርክር

ታሪኽ ሒዝና ህዝቢ ነበራብር

ንመንእሰይ ዝምከር ንምከሮ

ፈለግ ሰውራ ሕጂ ንሓብሮ

ማይ ክትሰቲ ዝጸምአት ጎሮሮ

 

ገለን ሽፍታ ንብል ገለናን ወያነ

ፍረ ዘይርከቦ ፍጹም ዝመኸነ

ታሪኽ እንዳማትና ታሪኽ ከምተሳእነ

ምኽሪ ጠፊኡና ነባሮ ዓበይቲ

ሓጋይ ሃዲሙና ዘንጊዕና ኽረምቲ

ማሕረሻ መሪቱ ነቒዙ ዘራእቲ

 

ጒዕዞ መሰከረምና ታሪኻዊ ዘንጊ

መጎተ ጀጋኑ ብሓይሊ ብሕጊ

ህግደፍ ኣይከብዶን’ዩ ዘባረረ ደርጊ

ኣያኺተ ጎበዝ ተልዓሊ ጓልያት

ጓል ነገር ንግደፎ ባንዴራ እድያት

ብኽያት ናይ ዓያሹ ዘይረብሕ ምኽንያት

 

ኣባት ነገር ታሪኽና ንዘክር

እንደገና ’ዛ ዓለም ትመስክር

ጠላም ይሕፈር ኣንበሳ ይፈክር

እንተተኰስና ግንባር ንበታትን

እንተመረሽና ቀላይን መሬትን

እንተቖምና ደብተርን ስርዓትን።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • meretse September 2, 2018

    ደሓን ትእቶ “ባሕቲ መስከረም”
    ቦኹሪ ናይ ኣዋርሕ ብስራታ ለምለም
    መቃልሕ ጀነቫ ካብ ድሮ ኣትሒዛ
    ክትዕድል ጀሚራ ዝጸሮታ ኣከዛ
    ጀግና ወዲ ዓሊ ብትወደድ ኣምሪሑ
    ሲዒቡ ብርሃነ ብዓውታ ጋዊሑ
    ሃይለስላሴ ብለይቲ ፣ ኢሰያስስ ብቀትሪ
    ኤረትራ ክሰርቁ ጸኒሕዎም ምክሪ
    እዚ ግን ሽርሒ – ድዩስ ዕሽነት?
    ብጮው ቀትሪ ስርቂ ሽግ- ሓርነት
    እንተ ዘይ ወዲቃ እንተዘይ ሓሚማ
    ካብ መኣስ ትስረቕ ምስ ኣቅርንታ ጉማ
    ሕሳስ ልደ ደወል ድምጺ ናይ ክተተ
    ደጊማ ትለዓል ጠበንጃ ዓወተ
    እስኪ ኢድና ንስደድ ኣብ’ቲ ተቀረበ
    ኣብ ጥራሕ ከብዲ ኣይንበል ጸጊበ
    ብጨረርታ ዓይኒ የሎን ዝተደረ
    ወስ ደኣ ንበል ዋላ እንተ መረረ
    ምንጣር ፡ ምስጋር፡ ከበባ መኣዲ
    ቃልዓለም ወዲሰብ ሓንቲ ሕማቕ ልምዲ
    ይሕመቅ ይጸብቅ እናክብ ኮነ ናተና
    ባዕልና ንዃዝም ምህርቲ ግራትና
    ሓን ኣስተካኒ – ሓን ስተ ባሻይ

  • Hagherawi September 4, 2018

    Kubur Ayya

    Your poetry gives me hope.
    It helps me to stand firm in the face adversity we are going through as Eritreans.
    Thank you.

POST A COMMENT