Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ባሕቲ መስከረም 1961- ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

09/01/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ኤርትራ ሃገረይ ደንደስ ባሕሪ ንጸላእቲ ጠሓሒራ ነብሪ ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ ትወልድዮም ጀጋኑ ስብ ስረ ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ-ማዕረ ካበይ ድኣ ምጹ ብዓል ማእረ   ገለ ይደፍኡኺ ብሃይማኖት በድሑር ዝምባሌ ወገንነት ወግሐ ጸብሐ ስኢንኪ ቅሳነት ዶብ የብልናን ኢሎም ይዛረቡ ጽንሕ ኢሎም ብዶብ የሳብቡ ጸረ ሰላም ሓሶት

09/01/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 

ኤርትራ ሃገረይ ደንደስ ባሕሪ

ንጸላእቲ ጠሓሒራ ነብሪ

ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ

ትወልድዮም ጀጋኑ ስብ ስረ

ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ-ማዕረ

ካበይ ድኣ ምጹ ብዓል ማእረ

 

ገለ ይደፍኡኺ ብሃይማኖት

በድሑር ዝምባሌ ወገንነት

ወግሐ ጸብሐ ስኢንኪ ቅሳነት

ዶብ የብልናን ኢሎም ይዛረቡ

ጽንሕ ኢሎም ብዶብ የሳብቡ

ጸረ ሰላም ሓሶት ዝርብርቡ

 

ሓንሳእ የውርዱኺ ንዕዳጋ

ሕሱር ክሸጡኺ ብዘይ ዋጋ

ሃህ ምስ በለ ናይ ወራር ምንጋጋ

ኣብ ቅርዓት ዝባንኪ በብታራ

ኩሎም ይስዕስዑ ኩዳ ስብራ

ወፈራ ገዛእቲ ጒራ-ምራ

 

ገለ ይኣስር ገለ ድማ ይርሽን

ተኸደኒ ይብለኪ ፈደረሽን

ጒዳም ሳርቶ ዘይመጠንኪ ሽንሽን

ብላዕሊ ዝመጸ ትዕምጸጺ

ብታሕቲ ዝኸድዐ ትጒዕጸጺ

በዝን በትን ኳዂቶ ትረግጺ

 

ሓንሳእ ይተዂቡልኪ ኣውቶኖሚ

ኣብ ዘይከውን ነገር ክትፍርሚ

ግራት ሂብክስ ቀሪም ክትቅርሚ

ትጸርግዮ ብግዳም ዝመጸ

ይጸንሓኪ ብውሽጢ መላጸ

ፍልሖ ’ኸይድ ደድሕሪኡ ጻጸ

 

ይቐርቡኺ ኣሕዋት ኢና ኢሎም

ታሪኽ መሳፍንቲ ለቓቒቦም

በትሪ ግን ኩሉ ሳዕ ኣብ ማእገሮም

ብሰይጣን ውሻጠ ትጒበጢ

ከም ቆጽሊ ትረግፊ ትሽምጠጢ

ብውሽጥን ብደገን በሊሕ ሰንጢ

 

ዘዝወለድክዮም ይሕየሩ

እንታይ ንግበር ኢሎም ከይመኽሩ

ናትኪ ናብራስ እምብዛ ተሪሩ

ክንዲ ቕድሚት ንድሕሪት ርኢና

ከም ሰይቲ ሎጥ ዓንዲ ጨው ፈሪና

ሰብ በሪሱ ዋህራር ተቐይርና

 

ጒዳም ሃገር ሓንሳእ ዘይተዕርፍ

ከም ዑፍ ናይ መሸላ ወትሩ ወንጭፍ

ሰብ ሓሲሩ ከም ቆጽሊ ይረግፍ

ፈራይት ዶ’ይኰንክን ለዋህ ኣደ

ዕቋር ናይ ከብድኺ ናበይ ከደ

ከምታ ናይ ቀደምኪ ጅግና ሓደ

 

ሽፍታ ተባሂላ መስከርምኪ

ብዘይ ቀልዓለም ብዘይ ሕንኪ

ድሮ ተረሲዑ ጽኑዕ ብርኪ

ከይተማህሩ መማህራን ኰይኖም

“ተማጐትቲ” እወሓስ ጀሚሮም

አግብእ ከም ዘሎ ምን ክነግሮም

 

መንእሰይኪ ጠሓሒራ ነብሪ

እታ ምስጢር ንገሪዮ ’ምበሪ

ዘክርሉ ንመስከረም ቦዂሪ

ታሪኽ ዝዘንግዐ ዘየምበበ

ዘረባ ቐለቡ ዘይረብረበ

ልሳን ዓሻ ንመከራ ’ጽበ

 

መስከረምና ናይ ቃልስና በዱ

ክሒዱኪ ጥንቅልዒት ፍርዱ

ምውዳቑ ዘይተርፍ ሰም ልማዱ

ተፈተል በልዮ መንእሰይኪ

ብዓል ጽኑዕ ምናት ብዓል ብርኪ

ንዓኺዶ ምልኣኽ ጠፊኡኪ

 

መስከረም

መስከረም ሃገረይ ጽዕነት ዘይኽበዳ

መሬት ኣዳል መሬት ባርካ ጻዕዳ

ተበገሲ ’ምበሪ መገሻ ልማዳ

 

ሽፍታ ተባሂሉ ዕጥቂ ስረ

ቛንቋ ናይ ጃንሆይ ዝተቐብረ

ልሳን ደርጊ ርሑቕ ዝሰፈረ

 

ሰላም-ሰላም ሓደ መስከርምና

መባእታዊት ማህጸን ጠበነጃና

ተደፊርና ቅሳነት ስኢንና

ጥይት ኣዳል ሰማይ ዝበረረት

ተዂሲ ጅግና ታሪኻዊት ብረት

መቓልሕ ናይ ገድሊ ዝኣወጀት

 

ኣላዶ እታ ዝናር እታ ካዝና

ቅያ ናይ ቀዳሞት ትዝ ኢሉና

ትርጒም ናይ መስከረም ክበርሃልና

ዳኛ ወራር ዘይከውን ይፈርድ

በዝን በትን መከራ የውርድ

ሃገር ድማ መስከረም ትወልድ

 

ሕጂኸ ተውለድ ወርሒ ምን’ያ

ንመስከርም ሓደ እተብረያ

ሕነ ትፈድየልና ኣጸምያ

ተዓገሱ ይብሉና ሰረትና ጸኒቱ

ኣብ ከብድና ኣትዮም ብዓል ከንቱ

ተሰደዱ ’ብሉና ኣምሰያ ክተቱ

 

ኣንታ ጅግና ህዝቢ ተልዓል ብዕሊ

መቝሕ ናይ ኣረሜን ብተካ ብሓይሊ

እንዳ ቐርደዱኻ እንታይ ዝኸውን ዓቕሊ

ዘዋጽእ ስምዓዮ እዝኒ ’ንተልዩካ

ንሳቶም ብሓዊ ምስኪን ጥራይ ኢድካ

ዘክር ’ምበር ታሪኽ ሓደ መስከርምካ

 

ናብ ስደት ኣምሪሑ ሃገሩ ጠንጢኑ

ምቕዘፍቲ በዚሑ ወድ ስብ ደኒኑ

መስከረም ዝዝክር ደኾን ተሳኢኑ

መንእሰይ በሪሱ ብኽሲ ጠላማት

ዘዕብዮም ስኢኖም በዚሖም ዘኽታማት

ዕሽነት ነጊሱ ውሒዶም ለባማት

መስከረም

ዕባይ ናይ ከበሳ ቆላታት የውርዶም

ዕባይ ናይ መታሕት ላዕሊ የደይቦም

ክንዲ ብድልየቶም ተጎቲቶም

እምብለይ ምባል’ዩ ከም መስከረም

ማሕላ ሃገር ንምንታይ ይጥለም

ሰላም ንኽነግስ ንዘልኣለም

 

መዓስከር ናይ ህግደፍ የብቅዕ ስዓታታ

ዝኽተብ ከይርከብ ሓደ መተካእታ

ሰራዊት ለብሙ ክርከብ እፎይታ

ካብ ማእሲ ክብረታ መርዓት ዘሰምብዱ

ካብ ንእዲ መርዓውቲ ኣጓብዝ ዝወስዱ

ብሃልሃልታ ሰይጣን ህዝብና ነዲዱ

 

እምቢ በል ምንሰይ ክብረተይ ኣይሸጣን

ናይ እንዳመን ትኪ ናይ ’ንዳመን ዕጣን

ዓይንኻ ከዕውሮ ሰብ ዝመስል ሰይጣን

ሓንቲ ፋብሪክኦም ማእለማ ናይ ክሲ

ሸኽ ኣይበሉ ቀሺ ዋላ ንፈላሲ

ህግደፍ ጥራይ ዳኛ ኩሉ ተኸሳሲ

 

መንእሰይ ክተቱ በሉ ተበገሱ

ግሩዛት ይትረፉ ኣጒድኦም ዘፍርሱ

ታሪኾም ዝቐብሩ ስንፍና ዘውርሱ

ጎበዝ ተጸዊዑ ኣቤት ዝበቐቐ

ምስ ከዳዕ ኣሻርዩ ታሪኽ ዝጸየቐ

ብድልኽ ከድዓት ልቡ ዝረቐቐ

 

መስከርም

መስከርም መስከረም መስከርም ዝያዳ

መራሒት ላም ደወል ኣብ ክሳዳ

ክንደይ’ዩ ሕጂኸ ’ቲ ዝኽፈል ዕዳ

ጎበዝ ተላዒሉ ብዓለም ለኻዊ

ከምኡ እንዲኺ ንስኺ ትፈትዊ

ኣብ ውሽጢ ኽኣ’ሎ ድጒል ሓዊ

 

ኣደ ጅግና ጥይት ዝተኰሰ

ሓንሳእ ምስ ወፈረ ዘይተመልሰ

ጠበንጅኡ ንህዝቢ ዘውረሰ

ተመራጺት ካብ ’ዋርሕ ዓመት

ብመቓልሕ ጥይት ዝነቀወት

ሻምብቆ ጠበንጃ ዘንቃዕረረት

 

ኣወል ቃልሲ ራኢ ናይ ጀጋኑ

ዘይትርሳዕ ናይቶም ዝመነኑ

ሕልሚ ወራር ኣንጊሆም ዘምከኑ

 

ማህጸን ሓበን ወላዲት መስከርም

ጓህሪ ገድሊ ዝጀመረት ፈኸም

ቅልጽም ሓፋሽ ናይ ገድሊ ዓረምረም

 

ተዋህሊሉ ኤርትራዊ ዓቕሚ

ትርጉም ክህብ ናይ ጀጋኑ ሕልሚ

ፈሲሱ ደም ተኸፊሉ ዓጽሚ

መብጽዓ ደም ዓወት ኣመዝጊቡ

ኣሰራሲሩዎም ብሂወት ዘርከቡ

ነቶም ዝሓለፉ ክብሪ ሂቡ

 

ዓበይቲ ኣረግቶት ብጸሎቶም

ኣጒባዝ ጀጋኑና ብጥይቶም

ማሪኽክዮም ብሓባር ከቲቶም

ኩሉ ዝደቀሰ ኣበራቢርከዮ

ወዮ ’ምብለይ ሕራይ ቀይርክዮ

ዘርከብናሉስ ኩሉ ርኢናዮ

 

ሕጂ እንደሞ ከድዓት ነጊሶም

መስዋእቲ ደቅኺ ጠሓሒሶም

መስከረም ታሪኽኪ ዝፈኾሶም

ኣነ ጥራይ ዝብሉ ሓንቲ ምርጫ

ምድግዳግ ኣመሎም እከይ ዕጫ

ብርኪ ጅግና መሲሉዎም ቃንጫ

 

እዚ ኹሉ ታሪኽ ተሰኪምና

ዓለም ዝመስከሮ ዓቢ ዝና

ሽፍታ ዝብል ሳጓ ወጺኡና

ክንዲ ሓቢርና ንጸርግ ንህግደፍ

ክንዲ ሰዊድና ብጽንዓት ንስለፍ

ትርፊ ኣልቦ ከንቱ ንጸራረፍ

 

ኣጆኺ መስከረም ኣጆኺ ባርካና

ኣይረሳዕናን ንርስዕ ’ታይ ኰንና

ካብ ሓርቢ ከብድኺ ሸይኽና ሰቲና

ተስኡ በልና ከም ኣመልኪ

ከም ቀደምና ሕራይ ክንብለኪ

ንሱ’ዩ ታሪኽና ደስ ይበልኪ

 

መስከረም ንሱ’ያ ኣንጊሃ ሓቲታ

ደቃ ተሰሊፎም ሽዑ ንምሸታ

ትነብብ ታሪኽና ከም ዘላታ

 

 

ሓቂ ሒዝና ንቐጽሎ ሰውራ

ንመሰል ወድ-ሰብ ብሓበራ

ታሪኽ ናይ ጀጋኑ ኣይነዕብራ

 

ኣባሪርና ኢትዮጲያዊ ሽፍታ

ኣብ ውሽጢ ጸኒሑ መፈውንታ

ኣኻዓየ ናይ ደርጊ መሰታ

ጎበዝ ሃገር ናውትኻ ’ዋድድ

ኮፍ ይኣክል ብድድ ድኣ ብድድ

ካብ ተመን በረኻ ናይ ገዛ ይገድድ

 

እዚ’ዩ ናይ ቃልስና ምስጢር

ይትረፈና ዘይረብሕ ክርክር

ታሪኽ ሒዝና ህዝቢ ነበራብር

ንመንእሰይ ዝምከር ንምከሮ

ፈለግ ሰውራ ሕጂ ንሓብሮ

ማይ ክትሰቲ ዝጸምአት ጎሮሮ

 

ገለን ሽፍታ ንብል ገለናን ወያነ

ፍረ ዘይርከቦ ፍጹም ዝመኸነ

ታሪኽ እንዳማትና ታሪኽ ከምተሳእነ

ምኽሪ ጠፊኡና ነባሮ ዓበይቲ

ሓጋይ ሃዲሙና ዘንጊዕና ኽረምቲ

ማሕረሻ መሪቱ ነቒዙ ዘራእቲ

 

ጒዕዞ መሰከረምና ታሪኻዊ ዘንጊ

መጎተ ጀጋኑ ብሓይሊ ብሕጊ

ህግደፍ ኣይከብዶን’ዩ ዘባረረ ደርጊ

ኣያኺተ ጎበዝ ተልዓሊ ጓልያት

ጓል ነገር ንግደፎ ባንዴራ እድያት

ብኽያት ናይ ዓያሹ ዘይረብሕ ምኽንያት

 

ኣባት ነገር ታሪኽና ንዘክር

እንደገና ’ዛ ዓለም ትመስክር

ጠላም ይሕፈር ኣንበሳ ይፈክር

እንተተኰስና ግንባር ንበታትን

እንተመረሽና ቀላይን መሬትን

እንተቖምና ደብተርን ስርዓትን።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hazo September 1, 2016

    ኣነ ዝገርመኒ ናይዞም ፍትሕን ደሞክራስን ኢሎም ዝውጭጩ ሰባት። ገለ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ፤ ካብ ናይ ህግደፍ ዝገደደ ብመጉልሒ ጌሮም ብዛዕባ ነጻ ፕረስ፣ ፍትሒ፣ ግሉጽነት፣ ሓቂ፣ ታሪኽ ብዘይ ዕረፍቲ ይልፍልፉ። እንተኾነ ግና፣ ብመሪሕነት ገድሊ ኤርትራ እተፈጸመ ቅንጸላ፣ ዕንወት፣ ብርሰት፣ ጽንታ፣ ቅትለት፣ መግረፍቲ፣ ሓሰረ መከራ፤ ኣብ መንካዕ፣ ፋሉል፣ ብሄረ ኩናማ፣ ብሄረ ዓፈር ናይ ዙላ፣ ዑበላውያን፣ ቋንቋታት ኤርትራ፣ ደምበላስ፣ ቆሓይን፣ ሰፋኣ፣ ሸውዓተ ዓንሰባ፣ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ፣ ግዱድ ግፋ ገባር ኤርትራ ግና ኣይተስምዑና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምፍጣጥን ምጉጣጥን ይኣትዉ።
    መመሪጽካ ወይ ለለሊኻ ከም ድላይካ እናዘለልካን፥ ፍትሒ የልቦን። ብሄረ ኩናማ ይኹን ቋንቋ ትግረ፣ ዑበላዊ ይኹን ደምበላሳዊ፣ ኣብ ታሪኽ ግቡእ ፍትሒ ክረክብ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ካብ መንግስቱ፣ ዑመር ኣልባሺር ወይ ኢሳያስ ብምንታይ ትፍለዩ ?

    • Letina September 2, 2016

      Hazo
      Well said and all good points. No good Eritrean oposition all old and sick peple no use.

  • Ogbai Ghebre-Medhin September 2, 2016

    Brother ////red’i(Bashai) -As usual, the best poem. You have integrated the PAST – history, the PRESENT -call for struggle, and the FUTURE -vision of life of freedom and justice, all in one in coherent, rich words. To be a poet is a rare blessing, and you are one among a few. Keep up the good job. One day, this poems will be medium of instruction in poem writing.

POST A COMMENT