Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ራብዓይ ክፋል

                                       ራብዓይ ክፋል                  ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ሰለስቲኡ ክፋል ናይዚ ዘልዓልኩዎ እዋናዊ ዛዕባና ላዕሊ ላዕሉ እምበር፡ ነቲ ምትኳስ ዘድልዮ ጡጥ ኢሉ ዝሓበጠ ቁስልና ኣይተናኸፍክዎን፡፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ማእከል መሬት ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኮይነ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡፡

                                       ራብዓይ ክፋል

                 ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…?

ሰለስቲኡ ክፋል ናይዚ ዘልዓልኩዎ እዋናዊ ዛዕባና ላዕሊ ላዕሉ እምበር፡ ነቲ ምትኳስ ዘድልዮ ጡጥ ኢሉ ዝሓበጠ ቁስልና ኣይተናኸፍክዎን፡፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ማእከል መሬት ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኮይነ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡፡ ገለ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘለኻ ኢኻ እምበር ወያነ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ከም ዘይደሊ ጠፊኡካ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ገለ ገለ ውድባት ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ ውዳበን ስነ-ሓሳብ ቃልሲ ዘለወን ኢየን፡፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ እውን እቲ ደጋፊ ዝበሃል ኢሳይያስ ይቐትልን ይኣስርን ሃገር የዕንዋን ከም ዘሎ ጠፊእዎ ኣይኮነን፡፡ ኩልና ለውጢ ንደሊ ኣለና፡፡ ምስ ወያነን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኮይንካ ዝግበር ለውጢ ግን ኣይንቕበሎን ኣይንደልዮን ኢና፡፡ ዝብል ብኣፍልጦ ዘይኮነ ብስምዒትን ህልኽን ዝተወጠረ ሓሳቦም ወስ የብሉለይ ኢዮም፡፡ ስለምንታይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ንፍትሕን ድሞክራስን ዝቃለስ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ማዕረ ዘበነ ቃልሲ ንናጽነት ሎሚ እውን ንሓርነቱ እንተደገፎ ከም ነውርን ሓጥያትን ዝቑጸር….? ነቲ ቀንዲ ሕቶኦምን ስክፍቶኦምን ድሒረ ብሰፊሑ ክድህስሶ ክፍትን እየ፡፡

ብወገነይ ሓደ ከረጋግጾ ዝደሊ ንዘይኣመንኩሉን ቁኑዕ ኢዩ ንዘይበልክዎን ሓሳብ ዋላ እውን መድፍዕ ይተኮስ ንጣብ ብርዐይ ኣየፍስሰሉን ኢየ፡፡ ብርግጽ ኣብ ኢትዮጵያ እየ ዘለኹ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጊ ነጻ ፕረስ ድማ ኣጸቢቐ ይፈልጦ፡፡ መዓልታዊ ኣብተን ዝሕተማ ብዙሓት ነጻ ናይ ግሊ ጋዜጣታት እንታይ ይጸሓፍ ድማ የንብብን ይርእን፡፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ግጉይ ኣተሓሕዛ እንተ ተኸቲሉ ክጽሕፎን ክዛረበሉን ዝኾነ ዘሰክፍ የብለይን፡፡ ማዕረ ማዕርኡ እውን ግግይ  ኣካይዳታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኮሓሒለ ዘይምስሉ ከትሕዞን ከጸብቖምን ሰሪሓን ሓሲበን ኣይፈልጥን ኢየ፡፡ ንዘይተቐበልኩሞም ጉዳያት ግጉይ መገድን ኣተሓሕዛንዩ ንዝበልኩዎም ሓሳባት ብሽፍንፍን ዘይኮነ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኮይነ ደረተይ ነፊሐ ብግሉጽ ኣይፋሉን ኢለ ከም ዝምጉት ከዘኻኽር እፈቱ፡፡ ኣሽንኳይ ምዝራብ ምጽሓፍ ንዘይ ኣመንካሉ ወይ እውን ዘይተሰማማዕካሉ ግጉይ ውሳነ ምስ ዘሕልፍ ኣኼባ ኮንፈረንሳት ጉባኤታት ረጊጽካ ምውጻእ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኢና ርኢናዮን ፈሊጥናዮን፡፡ ሓደ ከዘኻኽሮ ዝድሊ ዓብይ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ኣብ ፖለቲካ ነባሪ ረብሓን ሓባራዊ ጥቕምን እምበር ነባሪ ጽልኢ ዝበሃል የለን፡፡ ስለዝኾነ ጉዳይና ብዓይኒ ጽልእን ቅርሕንትን ኣይንርኣዮ፡፡  ናብ ዘልዓልኩዎ ዛዕባ ክምለስ፡፡

ስለምንታይ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ክብሪ ሎሚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ተደልዩ፡፡ ስለምንታይ ኤርትራውነትና ብመንጽር ምውድዳር ምስ ህዝቢ ትግራይ ብፉሉይ እውን ብመንጽር ምውድዳር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ክኸውን ዝፍተን ዘሎ? ኤርትራውነትና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝሃበና መለለይ ታርጋና ኣይኮነን፡፡ ኤርትራውነትና እኮ ደምና ኢዩ፡፡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠረ እኮ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መሪሕ ውድብ ናይቲ ናጽነትና ብቕልጽምናን ድምጽናን ንምርግጋጽ ዝገበርናዮ ቃልሲ እምበር ወሃብን ከላእን ኤርትራዊ መንነት ኣይኮነን፡፡ እታ ናይ ትምክሕት ጃህራን ኣነ ይፈልጥን ዝሕመረታ ሕማም ካንሰር ዝኾነት ትዕቢትና ካብዚኣ ኢያ ትነቅል፡፡ ሕማምና ሃገርን ውድብን ፈላሊና ክንሪ ዘይምኽኣልና ኢዩ፡፡ ሕማምና ኢሳይያስን ኤርትራውነትን ነጻጺልና ክንርእዮም ዘይምፍታና ኢዩ፡፡ ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ብኢሳይያሲዝም ዝበሃል ቀታልን ኣዕናውን ተዋጋእን ስነ ሓሳብ ማሲና ሃለዋትና ምስሓግ ኣብ ጻዕረ ሞት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሕማምና ፈሊጥና መድሃኒት እንተዘይ ወሲድናሉ ድማ ትዕቢት ትወልዳ ንውድቀት ብዝብል ብሂል ተደሊስና መጻኢና ጽልግልግ ዝበለ ጥራይ ዘይኮነ ከቢድ ጸላም ዝጎልበቦ ጥፍኣት ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ፡፡

ናይ ሳላሳ ዓመታት መስተንክራዊ ገድልናን መዘና ኣልቦ መስዋእትናን ክንከፍል ከለና፡ ንሕና ኤርትራውያን ኢና ብምባል ቃልሲ ከነልዕል እንከለና፡ ምስዚ ሕጂ ብስርዓት ህግደፍ ናይ ሓዋሩ ጸላኢ ኢዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ብሓደ ኢና ተቓሊስና፡፡ ብሓደ ተሰዊእና፡፡ ብሓደ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢርና፡፡ ቃልስና ምስቲ መንነትና ሓግሒጉ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ኤርትራውነትና ዝመንዝዓና ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰን ደርግን ኢዩ ዝነበረ፡፡ ቃልስናን መስዋእትናን ምስቶም ኤርትራ ምድረ-ባሕራ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝበሉ ገዛእቲ ኢዩ ዝነበረ፡፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ብሄራዊ ጭቆና ዘይኮነ ናይ ናጽነት ሕቶ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ብድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ክውሰን ኣለዎ ብምባል ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝተቓለሰን ክሳብ ምእታው ኣዲስ ኣበባን ስዕረት ስርዓት ደርግን ድሕሪኡን መስዋእቲ ዝኸፈለ ድማ እዚ ሕጂ ጸላኢኻዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኢዩ፡፡ እቲ ዝገርም ብጌጋ እውን ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ኤርትራ ተማቲኡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡

ስለምንታይ ድኣ ወያነ ኣይእመንን ኢዩ ዝበሃል..? ነቲ ብመትከል ኣሚኑሉ ንምዕዋቱ መስዋእቲ ዝኾፈለሉ ናጽነት ኤርትራ ተጣዒስሉስ ክወረና ይደሊ ኣሎ ዝበሃል፡፡ እዚ ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕሲ ዛግራ በላ ብሽርሕን ጉርሕን ዝተባዕጠ ውዲታት ኢሳይያስን ናይ ጥፍኣት ጉጅልኡን ኢዩ፡፡ እስከ ቁሩብ ንድሕሪት ንመለስ፡፡ ብምስምስ ባድመ ኢሳይይስ ናይ ጽሉላት ውግእ ክእውጅ እንከሎ ቅድሚ ጥፍኣትን ደም ምፍሳስን ናይ ዕርቂ ተበግሶ ዝወሰዱ ስምምዕ ርዋንዳን ኣመሪካን እንታይ ኣበሳ ነይርዎ፡፡ እታ ዘቕረብዋ ሓሳብ ነናብ ዝነበርኩሞ ተመለሱ፡፡ ጉዳይኩም ኣብ ጠረጵዛ ኮፍ ኢልኩም ብምርድዳእ ፍትሕዎ ዶ ኣይኮነን ዝብል ዝነበረ፡፡ ቅድሚ ደም ምፍሳስ ነቲ ናይ ሰላም ሓሳብ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝተቐበለ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ኢዩ፡፡ ብኣንጻሩ ኢሳይያስ ዝመርሖ ዋንነት ውልቀ ሓደ ንእሽቶ ጉጅለ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኮፍ ኢልካ ብሰለማዊ መንገዲ ምርድዳእን ምፍትሑን ተሓሲሙ ንፈታተን ሓይልና ይዕረቐና ኢዩ ዝበለ፡፡ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ስለምንታይ ኢሳይያስ ተንበርኪኹ ትፋኡ ክልሕስ ዝተገደደ፡፡ እቲ ዘሕዝን ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት መናእሰያት ኤርትራ ምስ ጠፈአ፡ ማዕሪኡ ስንክልና ምስ ኣጋጠመ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ምስ ተመዛበለ ዕስራን ሓሙሽተን ኪ.ሜ (25 ኪ.ሜ) መሬት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣረኪቡ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ክፍርም ሕንኽ ኣይበለን፡፡ ካብዚ ዝዓቢ ውርደት ኣሎ ድዩ……?

እቲ ዝገርም ግን ኢቲ ንኤርትራ ክወርር ይደሊ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ነቲ ብውግእን ኢሳይያስ ባዕሉ ዘረከቦን መሬት ኤርትራ ገዲፉ ንድሕሪት ኢዩ ተመሊሱ፡፡ ስለምንታይ ነዚ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብ ዘሎ ጥረ ሓቂ ዋላ ዕረ እናጠዓመና ዘይንቕበሎ፡፡ ንፍተዎ ንጽላኣዮ ኣብ ኣእሙሮና ኢሳይያሲዝም መርዛም ስነ-ሓሳብ ቦታ ሒዙ ኣሎ፡፡ እንታዩ ኢሰይያሲዝም ስነ-ሓሳብ ኣብ ቀጻሊ ክፋላት ጽሑፈይ ብሰፊሑ ክድህስሶን ክትንትኖን ክፍትን ኢየ፡፡

ከም መጠቓለሊ እዚ ራብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ሓደ ሓቂ ኣስሚረሉ ክሓልፍ እየ፡፡ እዚ ሓቂ እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ቅድሚ ዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ብ1985 ብፈረንጂ ብካርዝማቲክ መራሒኡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተጻሕፈ ኢዩ፡፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን!! ኣብ ዝብል 151 ገጻት ዝሓዘ ዓሚቕ ትሕዝቶ ዘለዎ መልሲ ንኤርትራዊ ንፐሮፌሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ ዝተጻሕፈ ኢዩ፡፡ ቃል ብቓሉ እቲ ጽሑፍ…

ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረጋገጽ እንተ ድኣ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝመስሎ ነገር ክውስን ዘኽእሎ፡ ነጻ ዕድል ኣቐዲሙ ክወሃቦ ኣለዎ፡፡ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ብትኽክልን ምሉእነትን ከረጋግጽ ኣለዎ፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 105 ቀዳማይ ሕጡበ)

ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ባዕሉ ንኽውስን መሰል እንተድኣ ረኺቡ፡ ምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ከም ዝመርጽ ፍጹም ዘየጠራጥር ኢዩ፡፡ ነዚ ሐቂ እዚ ካልእሲ ይትረፍ ስርዓት ደርጊ እውን ዝጠራጠረሉ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ስደት፡ ኣብ ዓዲ፡ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓዘቦ ዝኾነ ጋሻ ክርእዮን ክዕዘቦን ዝኽእል ግሁድ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ምርግጋጽ ካብ ደርባዊ ምዝመዛን ጭቆናን ንህዝቢ ኤርትራ ከናግፎ ከም ዘይክእል ግን ርዱእ ኢዩ፡፡ እዚ ማለት ግን ናጽነት ኤርትራ ዘምጽኣሉ መሰረታዊ ረብሓታት የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 105 ካልኣይ ሕጥበ)

ሃገራዊ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ  ጽምኡ እንተረውይሉ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ጭቆናን ምዝመዛን እንትርፎ ናብ ኤርትራውያን ገዛእቲ ደርብታት ናብ ካልእ ከውድቖ ኣይክእልን፡፡ ገዛእቲ ደርብታት ኤርትራ እውን ካብ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ብዘይ ተፈለየ መንገዲ ጨቆንቱን መዝመዝቱን ምዃኖም ብጭቡጥ ብተግባር ክርዳእ ኢዩ፡፡ ስለዚ ድማ ንደርባዊ ሓርነቱ ዝሕንኩሉ ስምዒት ዝሸፈኖ ኣረኣእያ ዘይብሉ ነጻ ኮይኑ፡ ክቃለስን ብዘይ ጥርጥር ደርባዊ ሓርነቱ ክጓናጸፍን ይኽእል፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 106 ካልኣይ ሕጡበ)

እዚ ቅድሚ 28 ዓመታት ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብመርሕነት ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን!! ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ባርዕ ፈጢሩ ህዝቢ ክዓስሎን ናጽነቱ ክጓናጸፍን ኢዩ፡፡ ግን ድሕሪ ናጽነቱ ምርግጋጽ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነቱ እውን መስዋእቲ ክሕተት ኢዩ፡፡ ኣንቱም ብኢሰይያሲዝም መርዛም ስነ-ሓሳብ ዝተጠቓዕኩም ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ እዚ ጽሑፍ ትንቢትዶ ክንብሎ ወይስ ነቲውዱዕ ኣካይዳ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምርኩስ ገይሩ ዝተዋህበ ትንታነ….? ይቕጽል……….

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

Tele +251-921924501

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Asghedom Woldeghiorghis September 13, 2014

    Bekiti, I understand you, I hope eritreans can understand you

  • stefanos.menghesteab September 13, 2014

    ክቡር ሓዉ ሚካኤል እንባየ (ኣራንቺ) ሒዝካዮ ዘሎኻ ኣርእስቲ ሓያል ኮይኑ ዝያዳ ከተዕሙቖ ፡ ከም’ቲ ኣልማዝ ዘጠቐሰቶ መሲናስ ዝደርዖ አነ’ዉን ርእይቶይ
    ክወስኽ ከብል ከሎኹ ምስ ዓብይ ስክፍታ እየ። ከመይሲ እቲ ጡጥ ኢሉ ሓቢጡ ዘሎ ቑስልና ገና ኣይተንከፍናዮን ኢልካ ስለ ዘለኻ፡እተንታይ ከምትብል ከይፈለጥና ተሃዊኽና ከንዝሉ ኢዩ እቲ ስክፍታ። እንተኾነ ግን ከም’ቲ ወለድና ዝምስልዎ ኣብርሺ ዘሎካ እንተ ዝዉስኹኻ፡ኣብርሺ ልብኻ ካኣ አንተ ዝመኽሩኻ፡ዝብል ምኽሪ ክጥቀመሉ በ’ቲ ሓደ ፡በ’ቲ ካልእ ካኣ ሃንቀዉ ኢልና ንጽበ ኣንበብቲ ከምዘሎና ፍናን ክስማዓካ ስለዝተደለ ኢዩ።
    ሀ/ ኪዳን ናይ ሓባር ጽላል ሰሪሑ ረማዕ ኢሉ ኣሳፊሑ፡ ክብል ከሎኹ ናይ ነፍስወከፍ ዉድባት ብዙሕ ዓይነት ስራሓት ይሳላሰሉ ከምዘለዉ ዘየጣራጥር’ዃ እንተኾነ ከም’ቲ ትጽቢት ህዝብና ታኣማሚንካ ብሓደ ሎሚ ኣለናልካ ክብል እንተ ዘይኪኢሉ ማዓስ ድኣ፧ ፧ ፧ ብኡኡ ካኣ እየ እቲ ጽላል ረማዕ’ሉ ኣሳፊሑሉ ዝብል ዘሎኹ።
    ለ/ናቱ ዉጽኢት ካኣ ህዝቢ ትጽቢቱ ነዊሑ ተስፍኡ ማሕሚኑ ሓደ ካብ ጠንቅታት ስደትን ምብትታንን ኢዩ።
    ሐ/ኣምሳይኡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ኤርትራ ንኤርትራዉያን ማዓስከር ቦሎኛ፣ ዝተፋላለየ ማሕበር መንእሰያት፣ ብሔር፣ ሃይማኖት ክፍትን ይርኤ ።
    ኩቡር ሓዉ መፍትሒ ሽግርና ሓድነትና ካብ ኮነ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና ንሕና ኤርትራዉያን ፧ ጸግዒ ዘይሓዘ ሓያልን ተባዕን መግለጽኻ ክንጽበ ኢና።

  • bekhit September 13, 2014

    ሚካኤል ኣራንሺ
    ”ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ትጽሕፍ ስለ ዘለኻስ መሐለዊ ስምዒትን ድሌትን መራሕቲ ኢትዮጵያ ትሕውስ ዘለኻ ትመስል” ዝብሉኒ ሰባት ኣለዉ እተስምዕ ኣበሃህላ ኣብዛ ናይ ሎሚ ጽሕፍትኻ ኣንቢበ ‘መስለኒ። ኣተናን መልእኽትን ናይዚ ኣበሃህላ’ዚን በሃልቱን ብወገነይ ጥዕና ወይ ግርህና ዘለዎ ኣይመስለንን። ንሓደ ዓቢ ናይ ህግደፍ ሜላ ኣቀታትላ ሕቶ ፍትሒ ዝገልጽ ኣበሃህላ’ዩ። ከም ዝፍለጥ ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተዳኣ ርኢና መቃለሲ ባይታ ኤርትራውያን ንብዙሕ ምኽንያታት ሃገረ ሱዳን ዩ። ሱዳን ኣካል ናይቲ ተዛማዲ ምድንጋጽ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣርእዩ ዝበሃል ዓረባዊ ዓለም እያ። ኣብዚ ብዝበቁል መርበብ ናይ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ኣቢልካ ናብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ናይዛ ዓለም ክብጻሕ ይከኣል እዩ። ኣብ ርእሲ ከምዝን ወዲ ከምዝን ታሪኻዊ ሓቅታት፣ ሱዳን ጅኦግራፍያዊ ቅርበትን ምቹእነትን ስለ ዘለዎ፣ ብዙሕ ኤርትራዊ ድማ ተሰዲዱ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ዓዱ ውን ዝነብረሉ ስለ ዝኾነ ንህግደፍ ኣሰካፊ እዩ።
    ምስ ህዝቢ ምዕራባዊ መታሕት ውን ሃይማኖታውን ባህላውን ምምስሳል ስለ ዘሎ ፣ ነቲ እዚ ምምስሳል’ዚ መንጸፍ ጌሩ ክርአ ዝኽእል ምድንጋጽ ኣብ ግምት ብምእታው ሱዳን ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ካብ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ነጻ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ብግቡእ ዝተገንዘበ ኢሳያስ ንኹሉ ምስ ሱዳን ዝነበሮ ኩሉ ዓይነት ጸገማት ኣወንዚፉ ምስ ሱዳን ሰላም ምግባሩ ድማ ሰላም ክህብ ስለ ዝደለየ ዘይኮነስ ሰላም ክረክብ ስለ ዝደለየ ዩ።

    ስለዚ ጉዳይ ሱዳን ምስ በሺር ተሻሪኽካ ብኸምዚን ንኸምዚ ዝተገልጸ ምኽንያታትን ምስ ተዓጽወ ካልኣይ መቃለሲ ባይታ ንተመሳሳሊ ታሪኻውን ጅእግራፍያን ምኽንያታት ኢትዮጵያ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ኬንያ ወይ ካብ ግብጺ ክድርበ ዝኽእል ቦምባ ወይ ድማ ካብ ግብጺ ብቐጥታ ወፊራ ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ኢሳያስ መጥቃዕቲ ክትገብር ትኽእል ኣሃዱ ክትህሉ ኣይትኽእልን። መኣተዊ ባብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እየን። ጉዳይ ሱዳን ምስ ዓማጺ መንግስቲ ኮይንካ ፣ ዕርክነት ዝብል ስም ኣጠሚቕካ ትዓጽዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቃልስ ንዝፍትን ድማ ከምዛ ኣራንሺ ኢሎሙኒ ዝብላ ዘሎ መመኽነይታታት እናምጽኡ ከባላሹዉዋ ኣለዎም። ”ምስ’ዚ ትማሊ ትማሊ ኪናት ዝእወጀልና ወያኒ ኮይንካ ዝመጽእ ለውጢ የለን፣ ኢትዮጵያ ንጥፍኣትና ትሰርሕ ኣላ፣ ኣብ ቀጻሊ ወያነ ንኤርትራ ብተቃወምቲ ኣቢሎም ክጎብጡ መደብ ኣለዎም,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,, እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን። ንኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቃለስ ዝደሊ ኤርትራዊ ”ወያነ” ወይ ድማ ”ወያነ ንዝብሉዎ ክገብር ዝተቐረበ ልኡኽ” እናበልካ ብዋላ ሓደ ሰነድ ወይ ጭብጢ ዘይስነ ጸለመታት እናፈነኻ ቃልሲ ምድኻም ጥራይ ዩ። ካብ ኢትዮጵያ ይበገስ ካብ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ቃልሲ ብከምዚ ኣገባባትን ሜላታትን ህግደፍ እንተሰንኪሉ ድማ ኣብ ኤርትራ ውልቀ መላኽነት ዕድመ ይረክብ ማለት እዩ።

    ስለዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝቃለሱ እሙናት ኣይኮኑን ዝብል ኣበሃህላ፠፠፠፠፠፠፠፠፠ ወይ ናይ ኣዝዮም ረቀቕቲ ካድራት ህግደፍ ኣበሃህላ’ዩ፣ ወይ ድማ ናይ ኣዝዮም ግሩሃት ደቂ ሓንቲ ልባ መሳኪን ኤርትራውያን ኣበሃህላ ዩ። ኣብ ዝመረካዮ ቦታ ኮይንካ ተቓለስ ኤርትራዊ! ልቢ ዳኣምበር እግረኻ ትረግጾ መቃለሲ ቦታ ጉዳይ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ኣንጻር ረብሓን ድሕነትን ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ደው ዝብለሉ ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን። ምስ ግዜ ድማ ነዚ አሕዋት ህዝብታት ክፈልዮ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሓይሊ እኮ የለን።

  • robelbereketab@gmail.com September 13, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት ከምዚ ናይ ሎሚ ሃናጺ ርእይቶታት ክርኢ ንመጀመርያ ግዜ ኢዩ፡፡ ብሓቂ ትሕዝቶ ጽሑፍ ሚኪኤል እምባየ ኣራንሺ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምኻኑ ውን ተረዲኤን በሪሁለይን፡፡ ሓደ ነገር ግን ቅር ኢሉኒ ኣሎ፡፡ ንሓደ ተገቲሩ መንነቱ ኣፍሊጡ ዝጽሕፍ ተቓላሳይ በናይ ብርዒ ስም ተተቒምካ ቁምነገር ዘይብሉ ዝተሓዋወሰ ተቓውሞ ድዩ ደገፍ ዘይርዳኣካ ግብረመልሲ ከትህብ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ዘይትፈልጦ ነገር ነቶም ዝፈልጥዎ ክትገድፈሎም ኢዩ ጽቡቕ፡፡ ከምዚ ዘበለኒ እቲ ብ ቱሩሊ ትሩሊ ዝብል ናይ ብርዒ ስም ዝተጻሕፈ ተገራጫዊ መልሲ ምስ ረኣኹ ኢየ፡፡

  • robelbereketab@gmail.com September 13, 2014

    ቀዳማይ
    ኣንታ ሓውና ንነጻነት ኤርትራ ሕዝቢ ትግራይ ደሙ ኣይፍሰሰን፣ ነጻ ምስወጸእትም ብቅዳምነት ወያኔ ኣፍልጦ ኣይሃበን ዝበለካ ሰብ የለን። እቲ ሕቶ ወያኔ መንበሩ መሰጣጥኸ ኪሂዱና መርገጹ ቀይሩ ወጊኡና፣ መሬትና ብኃይሊ ጎቢጡ ኣይ ውግእ ኣይ ሰላም ብዝኾነ ፖሊሲ ሕዝብና ቀሲኑ ንከይነብርን ሕብረቱ ኣደልዲሉ ንከይነብር ብዝተፈላለዬ ሜላ እናተጠቀመ ኣጊቱ እንክሊል የብለና ኣሎ ኢና ንብል ዘለና።። ጭብጥታቱ´ድማ፣ ዝተበየነ ናይ ዶብ ውሳኔ ምሕሳም ጥራይ ደይኮነ፣ ኤርትራ ንከይትጥቀም ክብል ኣብክንዲ ብወደብ ኤርትራ ብርትኣዊ ገንዝብ እናከፈለ ዝጥቀመሉ፣ ንሕናውን ካብ ኢትዮጵያ ዘድልየና ብርትኣዊ ገንዘብ እናከፈልና የሕዋት ሕዝቢ ብሓባር ንከይንብልጽግ ይእንቅፉ ኣለው፤፤ እቲ ቀዳማይ ተቓውሞ ንጽሑፍ ሚኪኤል እምባየ ብወገነ ትሩሊ ዝበሃል ብብርዒ ስም ዝጸሓፈ ኢዩ፡፡
    ሚኪኤል እምባየ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ክንደይ መሃርትን እዋናውያን ጽሑፋትን ከምዘበርከተ ዝፈልጥ ኣይመስለንን፡፡ ምሕንጻጽ ዶብ ሽግር ኢትዮ -ኤርትራ ክፈትሕ ይኽእል ዶ ዝብል ክድሚ ሓደ ዓመት ብሚኪኤል እምባየ ተጻሒፉ ኣብ ኣሰናን ካልኦትን ወጺኡ ነይሩ፡፡ ብቐዳምነት ንዕኡ ኣንብቦ ክብለካ ይደሊ፡፡ ካልእ ከምቲ ዝበልካዮ ወያነ ኪሒዱና ተመሊሱ ወጊኡና ካልእ ካልእእእእ ብገርህና ከይፈለጥና ዝተደናገርናዮ ይኣኽለና፡፡ ከምቲ ወዲ ትካቦ ብደርፉ ይገርመናሎ ዝበለና ሎሚ ለቢምና ኢና፡፡ ወዲ ትካቦ ከንድድ ዝኸደ ባዕሉ እንተነደደ መን ይገርሞ ጋህሪ ፈሓም ተወለደ ዝበለና መንዩ ከይዱ መንዩ ኪሒዱ ፈሊጥናዮ ኣለና፡፡ ትሩሊ ላዕል ታሕትን ከይበልካ እዚ ሃለውሳ ዘረባታት ትሕቲ ዓራትካ ኣቐምጦ፡፡ ባዕሉ ኢሳያስ ውግእ ባዕልና ጀሚርና ካሕሳ ዝወረደ ዕንወት ክንከፍል ኢና ኢሉ ፈሪሙን ተኣሚኑን ኢዩ፡፡ ከምታ ሚኪኤለ ዝበለካ እየ ክብለካ ሕጂ ውን፡፡ ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ ኢዩ ነገሩ፡፡

  • robelbereketab@gmail.com September 13, 2014

    ካልኣይ
    መለስ ዝበሎዶ እንታይዶ መይዶስ ዶ ውግእ ብባድመ ኣይተጀመረን ፡፡ ንሓንቲ መዓልቲ ሚኪኤል ምጅማር ውግእ ጠንቂ ባድመ ኢዩ ኢሉ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን፡፡ ንምንታይ ትሓዋውሶ ኣለኻ፡፡ ጠንቂ ውግእ ባድመ ኣይኮነ ባጤራ ናቕፋ ኣይኮነ፡፡ ጠንቂ ውግእ ውሽጣዊ ሽግራት ስርዓት ህግደፍ ኢዩ፡፡ ሚኪኤል ኣብ መጽሓፉ ብሰፊሑ ኣስፊርዎ ኣሎ ድጊምካ ንዕኡ ኣንብቦ፡፡ ሚኪኤል ዝብል ዘሎ ኢሳያስ ኣብ ዓዘቕቲ ውግእ ተጸሚድና ክንነብር ንሱ ድማ ብምስምስ ውግእ ጸላእቲ ኣለዉና ብግዝያዊ መንግስቲ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ 24 ዓመታታ ክጸንሕ ንሕና ድማ ከምታ ሕጂ ትብላ ዘለኻ ወያነ እናበልና ንኢሳያስ ከነጣቐዓሉን ኢዩ፡፡ ስለዚ ክትጽሕፍን ክትምልስን ከለኻ እንታይ ትብል ኣለካ ምፍላጥ የድሊ፡፡ ኩሉ ፈላጥ ኩሉ ፖለቲከኛ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፡፡ ዘሕዝነኒ ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ ኢልካ ምውሳኽካ ኢዩ፡፡ ክግዕት ዝርህጽሲ ደሓን ዝኾነ ምኾነ፡፡ ከምዚ ናትካ ኣይክትግዕት ኣይክትስንክት ዝርህጹ ኢዮም ዝብከየሎምን ዝሕዘነሎምን፡፡ ደጊመ ክብለካ ዝደሊ ነቲ ልዕሊ 100 ዝኸውን አርቲክላት ጽሑፋት ሚኪኤል እምባየ ኣምብቦ ሽዑ ዝብላዕ መልሲ ክትህብ ፡፡

  • honest September 13, 2014

    Awalom Asgedom, Aranch said the war was started by DIA and in the Book of “Gebru asrat” was the top leader and main actor of the Badme war is written that our aim was to take “Aseb Port” and Aseb belongs to Ethiopia. I am not saying Ethiopians are your brothers or sisters,\. Any way read the book if you have time Mr awalom

    • Asghedom Woldeghiorghis September 14, 2014

      Honest, we don’t remember those time of war and haterage, Eritreans are Ethiopian brothers and Ethiopians are Eritrean brothers.Myeself I don’t want to read a book of war mengor man , stupieds and ignorants.
      The blood of our brothers is accuding us in heaven.
      Can we stop to speak and refere people who predicte peace of our people.
      Gubru Asrat is stupied like all the leaders of Horn of Africa.
      who is he , we are not any more stupieds to read books of war mongers.
      we are brothers, we are brothers, all this confusione is of stupied leaders and stupied followers.

  • Truly Truly i say to you September 13, 2014

    ኣይተ ሮቤል ቅሩብ ሕድእ በል! እዚ ኹሉ ዶሮና ከም ኣድጊ ዶሮና ተትክክ ዘለኻ ሚካኤል ስለዝተነቀፈ ግድ ኢልካ ደይኮነ፤ በቲ ዘቅረብኵዎ ነጥብታት ወያኔ ሓቢሩ ስለዝተነቅፈ ባሕ ስለዘይበለካ ምዃኑ ገጢመካ ኣለኹ። ቅድም ቀዳድም ዋላ ነቲ ኣብ ቃልሲ ኣብመስመርካ ንዘሎ ሓውኻ ነቂፍካዮ ማለት ጸሊእካዮ ማለት ከምደይኮነ ክርድኣካ ኣለዎ። ብኣንጻሩ ወቀሳ ንተፍቅሮ ንተክብሮን ንትቀርቦን ሰብ እንበር ንትጸልኦ ከምደይኮነ፣ ቅዱስ መጽሓፍ ባእሉ ከምዚ ኢሉ ይምሕረና።
    “ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዝቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጾኦ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዓቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር።” (መጽሓፈ ምሳሌ 3; 11-12)

    ከምዑውን፣ ኣብ መጽሓፍ(ዕብራውያን ምዕራፍ 12; 5-8) ብተመሳሳሊ ከምዚ ይብለና፦
    “እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ አሎኹም።
    ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ?
    ብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን።
    ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ” ይብለና።

    ስለዝኾነ ክቡር ሓዉ ብወገነይ ነቶም ዝፈትዎም ካብ ፍቕሪን ክብሪን፣ ንክእረሙ ምንቃፈይ ኣይገድፍን። ነቶም ዝጸልዖምን ዝንዕቆምን እከያት ግብሪ ምኽሪን ነቀፌታን ንዝንእቁ ከም ኢሳያስን ሕግደፍ መንደፍ´ከኣ ጨሪሶም ንክቡንቆሩ ምግናኽይ ጠጠው ኣየብልን እዬ።
    ስለዝኾነ ክቡር ሓው ምእንቲ ንኣኻን መሰላትካን ባህ ከብል ኢለ፡ ወያኔ ንናጻነት ኤርትራ ብቀዳምነት ዝተቀበሉ እዮም፣ ንስደተኛታትና ዕቑባ ሒቦም ኣብ ዩኒቨሪስቲ ከይተረፈ የምሕርዎም ወዘተ እናበልኩ ዘይከውን ዋጣ ከማኻትኩም ከዋጥይ ኣይትጸበየኒ።
    ምእንቲ ክትፈልጦ ወያኔ ኣብ ኣድና ከምስደተኛ ደይኮነ ከም ሀገር መራሕቲን ኣማሓደርቲን ኣብ ሥልጣን ተኮይጦም ይገዝኡኻ ከምዘለው ፣ብንግዲ ሓብቲ ካብ ኤርትራውያን ንላእሊ በልጺጎም ናይ ሀገር ሓብቲ ኣብትሕቲ ቁጽጽሮም ገቢቶም ይገዝኡኻ ከመዘለዉ ክስቆረካ ኣለዎ። እቲ ቅንእና ብዘይምሕላዉ እንበር ይትረፍ ከምስደተኛ ኩሉ ምሕብታሞምን ብሰላም ምንባሮምን ነውሪ ኣይነበሮን።። ደማሒትም ካብ ሠራዊት ኤርትራ ንላእሊ ሀለፋ እናተገበረሎም ተኣማኒነት ረኺቦም ኣብ ማዕከል ከተማ ሸንዳሕ እናበሉ ምስ ኣዋልድና ንክጋሰሱን ንክዳቀሉን እናተፈቀደሎም፣ ኤርትራውያን ግን ብኣዶም ፖሊስ ክርእዩ ከም ካል ኣይ ዜጋ ፖሊስ ክሃድሙ እናተሽቆርቆሩ ዕድሜኦም ብባርነት የህልፍዎ ከምዘለው ከማይ ከይሰማእካ ኣይተርፍን። ስለዚ መሬት ኣደይ ተዘሚቱ ንስደተኛኻ ተቀቢለ ኣምሒረዮም ኢሉ ንዝዋራዘወለይ፣ መልስይ፦ “ሽምጢ ሰበይተይ ሂዙ ዝዋዘውኒ ነይፈቱ እዩ፣”
    ከሙኡ ከኣ ነታ ናጽነት “ዝብኢ ክሳብ ዝነክስ ይሕንክስ” ከምዝበኃል፣ ክሳብ ዝጥእመኩምን ካልእ ኣማራጺ ስለዘይነበረኩም ከይፈተኹም ብግዲ ተቀቢልኩሞ እንበር ብሕጂ ግን ግደ ሓቂ ካልዕ መርገጺ ሒዝኩም ብናይ ኣይ ሰላም ኣይ ዂናት ፖሊሲ ሕዝቢ ኤርትራ ምስከፍኦ ሓድነት ከመርጽ ክንገብሮ ኢና ዝብል መርገጺ ከምዘለኩም እዮ ብወገነይ ዝኣምን። ኣይፋለን ተጋጊኻ ዝበኃል ተኾይኑ ንተቃወምቲ ኃይልታትና ብሃድነት ነቲ ኣማጺ ስርዓት ንክገጥሙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ደይሕግዝ? ኣብ ክንዲ ዝፈላልዮምን ንብሔራዊ ሕቶ ሒዞም ንዝቃለሱ ሓይላት ዝበለጸ ዘተባብዖምን ፍሉይ ሃገዝ ዝገብረሎም ኢለ ክሓትት ግድን እዩ። ኣባይታ ዝረኣይ ሓቂ ስልዝኾነ።
    ስለዝኾነ ሓውና ሮቤል “መቐለ ዩኒቨርስቲ” ማለት ኦክስፎርድ ወይ ሀርቫርድ ዩኒቨርስቲ ኮይኑ ኤርትራያን ብድሌቶም ተሰዲዶም ንክምሃሩሉ ዝመረጽዎ ኣይኮነን፣ እንታይ´ድኣ ንፖሎቲካ መሸቀጢ ዝግበር ሀገዝ እንበር። ኣነ ብፍቅርን ብክብርን ዘይግበር ሀገዝ፣ ሀገዝ ኮይኑ ኣይስምኣኒን እዩ። ኣይትሓዘለይ
    ንምዃኑ ኣብ ጓል መንገዲ የእቲካ ተለፋልፈኒ ኣለኻ እንበር፣ ዋላ´ዃ ዕላማይ ከምቶም ብጽሑፍ ናይሰባት ኣእምሮ ብምምራኽ ሕቡእ ዕላምኦም ሽቱእ ንክ ወቅእ ኤርትራዊ ተመሲሎም ከምዘደናግሩ ሰባት ናይ ቛንቛ ክእለትን ምወርዛይን ኣይሃልወኒ እንበር፣ ነቲ ኩሉ ሽጣርዖምን ተንኮላት ግን ዝርድኣሉ ፍልጠት ከምደይጎድለኒ ብድፍረት ኣርጊጸ ክነግረካ ይደልይ።
    ስለዝኾነ ነቲ ንምውርዛይ ደይኮነ ብኣቅመይን ዘለኒ ጸቢብ ጊዜ ተጠቂመ ንዝጸፋድኮዎ ሙሉእ ሪኢቶ ክደግሞ ኣይደልን።
    ግን ይመስለኒ ኣገዳሲ ነጥብታት ኣልኢለ ነረ። ንኣብነት ዝምልከቶም ሰበስልጣናት ሕግደፍ ኮነ ተቃወምቲ፣ ሕግደፍ እንዃ ረስኣዮም ዕላምኦም ንኤርትራዊነት ምብራስ ስለዝኮነ፣ ግናስ ስለምንታይ ኩሉ ተቃዋማይ ንሚካኤል (ኣራንቺ) ወሲካ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮነ ኣውሮፓዊ ሕብረት ንኣብነት ናይ ዩክሬን ሉዑላዊ ግዝኣት ክክበር ኣለዎ ኢሎም ንራሺያ ጸቅጢ ከምዝገብሩላ እናተኣዘቡ፣ ስለምንታይ ንኢትዮጵያ ኣብክንዲ ናይ ኤርትራ ግዝኣት ንከተክብር ምእዛዝ፣ ብ ኣንጻሩ ይድግፍዋ ኣለዉ ኢሎም ደይሓቱ? ወይ ደይ ጽሕፉ? ኢለ ሀቲተ ነረ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ ኃያል ስልዝኾነት ደይኮነ፣ ኣብ ኢድ ኣሜሪካ ምኳኑ ብጹሁፍ ንክወራዘይ ዕላምኡ ንዝገበረ ሰብ ጥራይ ተደይኮነ፣ ንዝኾነ ፖሎቲከኛ ተለምዴን እቲ ጉዳይ ግልጽ እዩ።
    ንምዃኑ ብርግጽ ወያኔ ይኹን ካልእ ኢትዮጵያዊ ናይ ኤርትራ ምግንጻል ይኣምኑሉ እዮም ኢልኩም ትኣምኑ ዲኹም?
    ብዛእባ እዚኢታትን ንካልኦት ዘቀረብኮዋም ሕቶታትን ጥርጣሬን ተትምሉስለይ ደስ ምበለኒ። ኣብ ክንዲ ብቛንቛ ክእለት ክትፈርዱኒ ትፍትኑ። ንምዃኑ ዕድሜ ንበኣል መሲናስ ሓውና፣ ነቲ ቛንቛ ትግርኛ ሞዝራብ፡ካብ ኣቶም እናተማሓርና ቁሩብ ቁሩብ ክንመልኮ ጀሚርና ኣሎና። ምስጋና ይብጸሓዮም!

    • john September 14, 2014

      Truly, this is nonsense. Pls stay away until u get matured.

POST A COMMENT