Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ? – ሻብዓይ ክፋል

                                    ሻብዓይ ክፋል                   ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ? ሻብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ከምቲ ዝሓለፈ ክፋላት ጽሑፈይ ዘይኮነ፡ ንጹር መርገጺኻን እምነትካን ተረጋግጸሉ ኣዝዩ ከቢድ ትብዓትን ምስትውዓልን ምምርማርን ዝሓትት ትሕዝቶ ዝሓዘ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ማዕረ ማዕረ ምዝርግሑ ጫውጫው ምባልን ናይ

                                    ሻብዓይ ክፋል

                  ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ?

ሻብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ከምቲ ዝሓለፈ ክፋላት ጽሑፈይ ዘይኮነ፡ ንጹር መርገጺኻን እምነትካን ተረጋግጸሉ ኣዝዩ ከቢድ ትብዓትን ምስትውዓልን ምምርማርን ዝሓትት ትሕዝቶ ዝሓዘ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ማዕረ ማዕረ ምዝርግሑ ጫውጫው ምባልን ናይ ጸለመ ዳርባታትን ክመጻኒ ምዃኑን ኣቐዲመ ዘረጋገጽኩዎ ኢዩ፡፡ የግዳስ ክነትዕ ዝግበኦ ቀንዲ ሕበጣትና ስለ ዝኾነ ሎሚ ግድን ክጥባሕ ኣለዎ፡፡ ቀዲመ ክሕብሮን ክብሎን ዝደሊ ግን፡ እቶም ኣብዚ ሕጂ ዘልዕሎ ጉዳይ ርእይቶኹም ነቐፌታኹም ደገፍኩም ትህቡ ኩሉኹም፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብኣፍልጦን ብምስትውዓልን ክኸውን ምስ ኣኽብሮት ይምሕጸነኩም፡፡ ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ጉዳይና ባዕልና፡ ወረርትን ቀናኣትን ኣለዉና፡ ኣመሪካዶ ወያነ፡ ኢትዮጵያ ድኽምቲ ኤርትራ ኢዮም ዝደልዩ ወዘተ ወዘተ ንዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት በልዩ ዝተመናነሀ ደርፊ ህግደፍ ሪሚክስ ገይርና ብገርህና ዝደረፍናዮን ዘጣቓዕናዮን በቃ ይኣክል፡፡ ሎሚ ነገራት መሊስና ክንጠናንጎ ዘይኮነ፡ ብኸመይ እቲ ናብ ዕርብርብ ዘምረሓና ዘሎ ግርጭት ይፍታሕ ኩልና ንጽዓር፡፡ ጉዳይና ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕን መዓልቦን ክረክብ ነገራት ካብ ሱሮም ንመርምሮም፡፡ ብስምዒትን ብህልኽን ትምክሕትን ተወጢርና ዘይኮነ ብኣፍልጦን ብምስትውዓልን ብልቦናን ተቢዕና ንግጠሞ፡፡

ብዛዕባ መንʼዩ ጀማሪ ኲናት ኣብ ሻድሻይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ብቓላት እቶም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ፡ ገለ ኣብ ጎዳጉዲ ማሕር ዒራዒሮ ዝተሰውኡን ገለ ገና ኣብ ከቢድ ስቅያት ዝርከቡን ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዘይይፍለጡ ጀጋኑ፡ ጀማሪን ፈላምን ውግእ ባዕሉ ኢሳይያስ ምዃኑን ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮምን ምስ መርትዖታቱ ኣቕሪበዮ እየ፡፡ ብዓቢኡ ውን ስርዓት ህግደፍ እወ ውግእ ባዕልና ጀሚርናዮ ክብሉ ንኮሚሽን ካሕሳ ኣሚኖምሉን ክታሞም ኣምቢሮምሉን ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ብዘይ ኣፍልጦ ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ ወራር እናበልና ንጽወዖ እውን ግጉይ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ፡፡ መንʼዩ ጀማሪ ብሕጊ ተረጋጊጹ መዝገቡ ዝተዓጽወ ጉዳይ ስለዝኾነ ወረርቲ፡ ጠላማት፡ ኣይእመኑን ኢዮም ዝበሃል ዕንኪላሎ ዘረባን ጽውጽዋይን ንግደፎ፡፡ ናብቲ ካልኣይን ተኣፋፍን ዛዕባና ኮምሽን ዶብ ብዝሃቦ ቀያድን እግባይ ዘይበሃሎን ውሳነ ነባሪ ፍታሕ የምጽእʼዶ ንኺድ፡፡

ቀዳማይ ጉዳይ ባድመን ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ይግባይ ዘይበሃሎ ውሳነን፡፡ እቶም ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ እንታይን እንታይን ዘጠቓለለ ምዃኑ ከይፈለጠ ንሕና ንፈልጠልካ፡ ንሕና ዝበልናዮ ፍተዎ ጽልኣዮ ክትቅበሎ ኢኻ ንብሎ ዘለና፡ ብርግጽ ኮምሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል ኢልና ዲና ንሓስብ..? ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ብርግጽ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ኣብቲ ዝወሰኖ ውሳነ ኣረጋጊጹዎ ኣሎ፡፡ ብኣንጻሩ ግን ኮሚሽን ዶብ ሕጂ ልቦና ብዝመለኦ ሓቀኛ ሕውነታዊ ምርድዳእ መዓልቦ እንተዘይ ገይርናሉ ንዘንተ እለት ኣብ ረጽሚ ዘእቱ ጌጋታት እውን ፈጺሙ ኣሎ፡፡ ስለምንታይ መዛረቢ ዛዕባና ባድመ ጥራይ ይኸውን..? ስለምንታይ ኣብዚ ከቢድ ዛዕባ እቶም ዝፈልጡን ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕ ተጸሚድና ንሰርሕ ኣለና ዝብሉ ፖለቲካውያን ውድባትን ምሁራት ኤርትራውያን ጥቕሙን ጉድኣቱን ብዓውታ ንህዝቢ ዘይነግሩ…? ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ኣዝዩ ከቢድ መጻኢ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓሸውየን ረጽምን ከም ዘእቱ ብሓቂ ጠፊእዎምን ተሰዊርዎምን ድዩ..? ወይስ ብኢሳይያሲዝም ስነ-ሓሳብ  ሓንሳብን ንሓዋሩን ተሰኒፎምን ባህሪሮምን ኢዮም፡፡ ብወገነይ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ካልእ ዝገደደ ረጽሚ እምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ ስለምንታʼዩ ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ከምጽእ ዘይክእል ብዝርዝር ንርኣዮ፡፡

ኣብዚ ጉዳይዚ ብዝያዳ ዝንቐፉ እቶም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ውድባትን ምሁራት ኤርትራውያንን ኢዮም፡፡ እቲ ዘይፈልጥ በቲ ህግደፍ ዝዘርገሖ ጌጋ ሓበሬታ ከም ዘበነ ውበ ጸሚሙ ውበ እንተበለ ኣይተሓዞን ኢዩ፡፡ እቶም ዝፈልጡ ግን ኣዝዩ ከቢድ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዘእቱ ታሪኻዊ ገበን ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ፡፡ ስለ ዝኾነ ሕጂ ውን ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከም ዝበሃል  ነቲ ድንክል ኢሉ ዘሎ ግጉይ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ሓቀኛን ዘተኣማምንን ፍታሕን ምርግጋእን ንኽመጽእ ንህዝቢ ብትብዓት እቲ ሓቂ ክነግርዎ ይግባእ፡፡ ማዕሪኡ እዚ ንሕና ንፈልጠልካ ንሕና ንብለካን ዝወሰንናልካን ተቐበል ዝበሃል ዓማጽን መላኽን ኣካይዳን ባህርን ክንኣልዮን ክንውግዶን ይግባእ፡፡ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ዋና ምዃኑ ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ተሳታፊ ከም ዝኸውን ክግበር ይግባእ፡፡ ኣብዚ ኣዝዩ ተኣፊ ጉዳይ ብዓቢኡ ህዝቢ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ብፍሉይ እውን ኣብ ወሰናስን ዶብ ዘሎ ህዝቢ ተዓዛቢ ዘይኮነ ተዋሳእን ዋናን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኣይኮነን እዚ ንሕና ንፈልጠልካ ብዝብል ግጉይ ኣካይዳ ብድሌት ውልቀ መራሕቲ ዝግበር ዕበጦ ዕበጦ ጽባሕ ናብዘይ ዓርፍ ረጽሚ ክሰጋገር ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ፡፡

ኮምሽን ዶብ ብዜካ እቲ ባድመ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዝሃቦ ውሳነ፡ ካልእ እንታይን እንታይን ውሳነታት ኢዩ ኣብቲ ካርታ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓደ ብሓደ ምርኣዩ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡ ኮምሽን ዶብ ኣዝዩ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተመሳሳሊ እውን ሰፊሕ መሬት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣቱው ኣብቲ ዝሃቦ ውሳነ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ኣሎ፡፡ ንጭቡጥ ዝርዝራቱ ሰፊሕ መሬት ከባቢታት ደንከል ባዳ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ግጉይ ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተውሳኺ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኩለን ዓድታት በለሳ ከባቢ ጸሮና፡ ዓድታት ዑናናዞ፡ ዓዲ ኩቱ፡ ሰብዖ፡ ዑናሽሓቕ፡ ቆሎ ብርዶ፡ ዓዲ ሽሁ፡ ክሳብ ምግምጋም ሓስሓሶ ከምኡ ውን ዓድታት ኩደወይባ፡ ማይዓጋም እቲ ከቢድ ደማዊ ውግእ ዝተኻየደሉ ጎላጉል እግሪ መኸል ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው እዩ ኣብ ካርትኡ ወሲንዎን ኣስፊርዎን ዘሎ፡፡ ኣብ ከባቢ ስመጃና እንተ መጺእና  እውን ክሳብ ገለ መሬታት ኮኾባይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ እዩ እቲ ውሳነ ተዋሂቡ፡፡ ብመንጽር መሬት ኢትዮጵያ እንተኸድካ እውን ተመሳሳሊ ግጉይ ውሳነ ኢዩ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ዘሎ፡፡ ገለ ክፋል መሬት ዓድታት ኢሮብ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ኮሚሽን ዶብ ኣብቲ ይግባይ ዘይበሃሎ ብይኑ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ እዚ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ግጉይ ውሳነ ብሓቂ ዲና ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ከምጽእ ኢዩ ኢልና ንምጉት ዘለና፡፡ እዚ ግጉይ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ማሕረ ኢሉ ይቕበሎʼዶ…? ማዕሪኡ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸዓዱ ዝፈረድዎ ቅኑዕን ፍትሓውንዩ ብምበል ዝቕበሎ ድዩ ዝመስለና..? ብወገነይ እዚ ውሳነ እዚ ዝገደደ ረጽምን ምምዝባልን እምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልንʼዩ ዝብል እምንቶ ኢዩ ዘለኒ፡፡ ስለምንታይ…?

ብቐዳምነት ሃገር ማለት ሜዳን እምባን ኩርባን ባሕርን ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ንኤርራዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ፡ አሞ ድማ ንስለ ናጽነትን ሪምን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለን ዝሰንከለን ዝኸርተተን ዝተጋደለን ህዝቢ፡ ኮምሽን ዶብ ናብ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ፈሪዱካ ኢዩʼሞ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ክትብሎ በየናይ ስነሞጎት፡፡ እዚ ውሳነ እዚ ተመሳሳሊ ጌጋ እቲ ኣብ ሓምሳታት ዝተፈጸመ ውሳነ ፈደረሽን ዝመሳሰል ታሪኻዊ ጌጋ ኢዩ፡፡ ማዕሪኡ ኢትዮጵያዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ ኮሚሽን ዶብ ናብ ኤርትራ ክትሕወስ ፈሪዱካ እዩʼሞ ኤርትራዊ ኢኻ ስለ ዝተባህለ ጻዓዱ ስለ ዝፈረድዎ ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ዘተግብሮ ድዩ ዝመስለና ዘሎ፡፡ ብዛዕባ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ክውንነትን ባዕሎም እቶም ዋናታት ብሰፊሑ ከብርህዎን ክገልጽዎን ተስፋ ይገብር፡፡ እቲ ብወገን ኤርትራ ዘሎን ብዓቕመይ ዝፈልጦን ግን ኣብ ባይታ ካብ ዘጋጠመ ነገራት ጭብጥን መረዳእታን ክህበሉ ክፍትን እየ፡፡

እቲ ኣብ ደንከል ከባቢ ባዳ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ኮሚሽን ዶብ ብይን ዝሃበሉን ኣብቲ ንኽልቲኡ ሃገራት ዝተዋህበ ካርታ  መሬት ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ሓደ መዓልቲ ኣልዒልዎን ዘኪርዎን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ስመጃና ኣከለጉዛይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝተወሰነ መሬት እውን ስርዓት ህግደፍ ተዛሪቡሉን ዘኪርዎን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እቲ ኩሉ ግዜ ዝለዓል ባድመ ባድመ ባድመ ዝብል መሬትን ጉዳይን ጥራይ ኢዩ፡፡ ስለምንታʼዩ እዚ ቀዲመ ዝጠቐስኩዎ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ግጉይ ውሳነ ዘይለዓልን ዘይዝከርን…? ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ረጽሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክመጾ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ኣብ 2010 ዓ/ም ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ዓድታት በለሳን ከባቢታት ጸሮናን ዓቢ ትምህርትን ተመኩሮን ረኺቡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኩሉ ነገር ዓቢስካ፡ ኮሚሽን ዶብ ቅኑዕን ፍትሓውን ውሳነን ብይንን ከም ዝሃበ ንህዝቢ ባድመ ብዝብል ደርፊ ከም ዝጸምምን ከም ዝድንቁርን ገይርካ፡ ዕደመ ስልጣኑ ከናውሕ ኢዩ አቲ ድራማ ተሰሪሑ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ህግደፍ በቲ ዝሰረሖ ድራማ ተዓዊቱን ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድንግርግር ኣእትዩን ኣብ መንበረ ምልኪ ስልጣን ተወጢሑ ይቕጽል እውን ኣሎ፡፡ ሎሚ ንብዙሓት እዚ ጉዳይ ከም ዝሕድሸና ርግጸኛ እየ፡፡ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ግን ከምዝዚ ተገሊጹ ዘሎ ኢዩ፡፡ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ፡፡ ማዕሪኡ ድማ ኤርትራዊ መበቆልን መንነትን ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ይበሃል ኣሎ፡፡

በቲ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ብይንን ውሳነን ስርዓት ህግደፍ ንዓድታት በለሳን ከባቢታት ጸሮናን ከም መማለዲ ንባድመ ክኸውን ኣብ 2010 ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ ኢዩ፡፡ ኣብቲ እዋን እቲ ላዕለዎት ልኡኻት ኢሳይያስ ኮይኖም፡ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ስርሒት ፎርቶ ብምትሕሓዝ ኢሳይያስ ናብ ማሕዩር ካርሸሊ ክወርድ ዝፈረዶም፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ሙሱጦፋ ኑርሕሴን፡ ከምኡ ውን ካብ ሞት ንስክላ ድሒኑ ኣብ ከቢድ ስንክልና ዝርከብ ብርጋደር ጀነራል ኢዮብ ሓሊባይን ኢፍትሓዊ ውሳነ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ኣርዲኦሞ ኢዮም፡፡ ቃል ብቓሉ እቲ ዝበልዎ ንምድጋሙ፡ “ኮሚሽን ዶብ እዚ ከባቢ መሬት ኢትዮጵያ ምዃኑ ወሲንዎ ኢዩ፡፡ ወያነ ካብ ባድመ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ እዚ ከባቢታት ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንኢትዮጵያ  ከነረክቦም ኣለና፡፡ ንዓኹም ድማ ዝበለጸ ሰፊሕን በዱን መሬት ኣብ ጋሽ ባርካ መንግስቲ ክህበኩም ኢዩ፡፡” ዝብል ኢፍትሓዊ መምርሒ ኢዩ፡፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንሕና ኤርትራውያን ኢና፡፡ እዚ መሬት ድማ መሬትና ርስትና መንነትና ኢዩ፡፡ ንባድመ ክንብል ርስትናን ርስቲ ኣበሓጎታትናን ዝኾነ መሬትና ኣይንሓድግን ኣይንሸይጥን ዝብል ኢዩ፡፡ ኣረ ብግዲ ብውዲ ብዓማጺ መምርሒ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ንጋሽ ባርካ ክግዕዙ እውን ዓሰርተታት ዓበይቲ መካይን ብወተሃደራት ተዓጂበን መጺአነኦ፡፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ግን ተበቲኑ፡፡ ብዙሓት እውን ምስ ቤተሰቦም ዶብ ተሳጊሮም ንስደት ናብ ኢትዮጵያ ንመዓስከር ማይ ዓይንን ማይ ጸብርን ኣትዮም፡፡ እሞ ድኣ እዚ ድዩ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ፡ ፍታሕ ከምጽእ ኢልና ንሓልም ዘለና……? ጠንቅን መበገስን እዚ ናብ ዕርብርብ ኣምሪሑና ዘሎ ኲናት ዶብን ባድመን ከም ዘይኮነ ክንፈልጥ ይግባእ፡፡ ይ  ቕ  ጽ  ል………

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com (+251-921924501)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Beremberas Melekino October 31, 2014

    Michael Aranchi- I like your analysis. You have made it crystal clear and the point to make by saying “Eritrea for Eritreans for whom then? This discourse is coming clear and hope who have ears and eyes can listen and see clearer and brighter now than ever. The cause of the war in the name of Badme is brighter than the day light. People are always confused by Isayas’s agenda. That person is an ugly person who put his advantage from day one when he joined the armed struggle till this date. Isayas calculated every means on how to be on power from the day he joined the struggle. He was there for his own agenda and not for the people of Eritrea and his plans still benefiting him and nobody else. Those people who blindly follow Isayas please think for your own children. Isayas like any person will cease the power, not because he likes but forced to do so and we have not seen someone that can rule for ever. Look other dictators like Gedafi and others, where are they and he will not be with us tomorrow. But let’s save the nation and for the sake of our young generation. So personally I support the message and political analysis and syntheses of Michael let’s be cautious and vigilant for what Isayas and his followers are taking the nation to illusion and disintegration socially, culturally, morally, spiritually and economically. So let’s not be blind followers and let’s think carefully where we are heading to and let’s make an end to all the brutality of Isayas and save the nation for the sake of the young generation. Isayas is selfish and still while he is at the verge of surrendering can never stop of thinking to make evil. He is Selfish as ones Abraham Afa and Wedi Haile told him on his face. He is coward but brutal and evil of our times. Let’s then aynitehamel Ahwatey savoya kea nibeli wedhankum.

  • rezen October 31, 2014

    “እቶም ኣብዚ ሕጂ ዘልዕሎ ጉዳይ ርእይቶኹም ነቐፌታኹም ደገፍኩም ትህቡ ኩሉኹም፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብኣፍልጦን ብምስትውዓልን ክኸውን ምስ ኣኽብሮት ይምሕጸነኩም፡፡”

    Selam ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

    As far as I am concerned the above line is a gem. Emotionality has always been Eritreans’ weak heel. The Internet is our witness: Anybody saying anything critical about Eritrea is condemned with so many labels — and outright stripped of his/her Eritrean-ness!!! It is bizarre! Such a behaviour could be an excellent undertaking for a doctoral dissertation on the psychoanalytical behaviour of Eritreans. One would ask: What makes them sensitive? What makes them edgy? What makes them display ‘superiority complex’ on a barren field? Could it be hidden ‘inferiority complex’ as a result of never having to determine their own destiny…….
    Before I stop let me also express an appreciation for the commentary by Beremberas Melekino, especially about Issayas — an Eritrean hero who for thirty three years galvanized, mesmerized, hypnotized the Eritrean population (including the highly educated intellectuals who are masters of logical reasoning). Indeed, what makes Eritreans so EMOTIONAL beyond boundary?
    Have a pleasant week-end.

  • Bbokre November 1, 2014

    Aranshi
    This is a very important piece. I would also like to add the villages of Mai Agam, Kidoweba and the hamlets around Egri Mekel, Una Nazo without doubt belong to the district of Loggo Sarda one of first districts to have its own cutomary laws in 15th century and had its own defined territories in Eritrean Highlands. During the armed struggle era when many communities in the highlands sent their children to school the majority of the young from this are were taken by the EPLF and fought for freedom. Also Berhe Tsada hails from this area. Both Mustafa and Halibay will will one day be accountable regardless of what has now happened to them. It is indeed very important piece of document. Keep it up!

  • Truly Truly i say to you November 1, 2014

    ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ ኣንታ ክቡር ሓው ኣረንሺ ሎሚ ንስኻ ክምብሃድሽ ትዛረበሉ ኣሎኻ እንበር፣ ኣነ´ደኣ ኣይ ንቛንቛ እንግሊዝ ኣይ ንቛንቛ ትግርኛ ኣይምለኮ እንበር በታ ዘላትኒ ኣቕመይ ብዛእባ እዚ ትብሎ ዘሎኻ ኣይ ክንደይ ግዜ እንድዬ ንሕዝበይ ከረድእ ፈቲነ። ንኣብነት TESFA-ALEM TEKLE, under title

    Ethiopia Affirms Readiness for Dialogue With Eritrea
    By assenna on May 1, 2013 wrote article
    i was commented like this

    Weather Isayas agree for peace negotiation or choose absence for ever, even Ethiopia give up over Badme like Isayas wanted, for me in all sides he is the great loser and by all means Ethiopia is advantageous. Some stupid Isayas supporters may think and dare to propagate as if Isayas won diplomatically because in paper awarded Badme to which it was from the beginning Eritrean Territory was . But these stupids the reason they wouldn´t like to talk about other lost territories to which to Ethiopia awarded is not because they wouldn´t know Zalanbessa, Tsorona and other cities that awarded to Ethiopia as also were from the beginning ours, but their silence about , because like to cover up Isayas´s defeat it is. So my people, don´t be behave and enjoy like a dog! Only a dog enjoys when you give it to eat its own cutten flesh because thinks it got it from other dog flesh.

    So Ethiopians stubbornness not to give up Badme, not because they lose it, they know it from the beginning as that not belongs to them, but Eritreans not to claim again about that Ethiopia awarded the Eritrean territories because fears as tactical maneuver is only using it Badme issue. Because they know Isayas how wicked and easily fool like a child be in diplomacy even you took its own territory and islands . By the way in similar scenario we have not to forget as we lost many own Islands with Yemen dispute. That time also for arbitration that compromised islands all were belongs to Eritrea, but we know Jemen because Awarded the Eritrean Hanish islands, as fever for that they allow Red Sea for US Military base. In this way Isyas not only gifted our islands, but the strategical value of the Red Sea that our nation supposed to be profitable more than Yemen he make it dysfunctional, like Port he dysfunction the Eritrean ports specially Asab. Can you imagin the economical lost, because of this devil cursed wicked dictator? About this theme, i wrote several same massage like you Dear Aranchi. I can´t present all,but just recently for instance i wrote this one. See in part two.

  • Truly Truly i say to you November 1, 2014

    part 2
    For instance under title

    ደሃይ ካብ ኤርትራ፣ ኣብያ ምኽታት ናይቶም ብግዴታ ዝዓጠቑ ሲቭል ኤርትራውያን ናብ ኣስመራ ልሒሙ።
    By assenna on October 12, 2014

    I was commented like this:-
    ክቡራት የሕዋት ካብ ኣርዕስቲ ወጻኢ ዝዛረብ ዘለኹ ኮይኑ ከይስምኣኩም። ክንዴኹም ነቲ ኣብ መስከረም ኔት ወጺኡ ዘሎ ዜና “Eritrea’s Mine Deal Threatens Western Interest: Eritrea’s Profit 40% vs Tanzania 4%”ነቢብኩሞ ከምዘለኹም ኣይፈልጥን
    ወይ ጉድ፦ኣምሃሩት ክምስሉ ከለዉ “ዶሮን ሲያታሉሏት በመጫኝያ ጣሏት” ይብሉ። እቲ ትርጉሙ ድማ ዶርሆሲ ያኢ ከም ቡኡራይ ተቆጺራስ ክትሕረድ እንኮላ ከም ቡኡራይ ኃያል ኮይኑ ምእንቲ ክስመዓ፣ ብናይ ቡኡራይ ኣይነት ገመድ ኣሲሮም ስለዝሃረድዋ ሃበን ይስመዓ ንምባል እዩ። ። መቼም ሕዝብና ንሥራሕ ዝኸውን ኣዕምሮን ጥበብን ኣይተኣደለን እንበር፣ ብምስላዊ ዘረባስ ንነገራት ብጥበብ ብምግላጽ ካብቶም ጸኣዱ ስለዘይሓምቅ፡ ነቲ ናይ ዜና ዕላማ ጸኣዱ ብኸመይ ክብለጹሉ ከምዝደለዩ እቲ ምስላ ኣጸቢቁ ዝገልጾ ይመስለኒ። ኣይፋለን እንተተበሃለ ምናልባሽ ነቲ ጉዳይ ብከምዚ ዋዛ ምስቁምነገር ብካልዕ ምስላ ምግላጹ ነቲ ጉዳይ ብዝብለጸ ከብርሆ ስለዝክእል ኣቦታት እንታይ ይብሉ “ከልቢ´ሲ ካብቲ ናይ እዝኑ ሥጋ ቆሪጽካ ምስትሕቦ ናይ ካልዕ ከልቢ ሥጋ ቆሪጽካ ዝሓብካዮ ስለዝመስሎ ብኣቢ ሽውሃት ይበልዖ” እዚ ኹሉ እንታይ ንምባል እዩ ሕግደፍ ከኣ ዎዮ ካብቲ ናቱ ኣበይቲ ደሴታት ዘሚትካ ገለ ክልተ ንኣሽቱ ደሴታት ተመሊሱልካ ኢልካ ምስትነግሮ ክም ኣወት ይቆጽሮ፣ (ከምቲ ን የመን ዝተወሃበ ደሴታትና ንምግላጽ እዩ።) ከምኡውን በቲ ናይ ባድመ ምስምስ እቲ ኣብ ሕቶ ክኣትው ዘይነበሮ ግዛእትና ከይተረፈ ተዘሚቱ ንወያኔ ተኣዲሉ ከብቅእ፣ ንሕግደፍ ንገለ ክፋል ባድመ ስለዝተዓወትካ ይግበኣካ እዩ ኢሉ ስለዝተጠበረ እቲ ካልእ ብጉርሂ ዝተዘምቶ ናቱ ግዝኣት ከይኣጠጦ ንሕዝቢ ብፍርዲ ተኣዊትና ኢሉ ከምዘስሃቶ፣ ሕጂ ድማ ዝገደደ፣ ንታንዛንያ መመሰሊ ገርካ፣ ፵% ሃብቱ ከምዝተቆጻጸሮ ገርና ተጠበርናዮ ኣይክርድዖን እዮ ኢሎም ጸኣዱ ስለዝተበልሁሉ ፣ነቲ ካብ ኣካሉ ዝዘመትናዮ ስጋ ይኹን ሓብቲ በየናይ ሓንጎሉ ከይግጥመና ኢልኩም ብማለት ኣብ ኢድና ምስኣተወ ናይ ወርቂ ዕዳጋ ደይ ወሲኩ ወሪዱ ኢልና ብተዘዋዋሪ ኩሉ ኣብ ኢድና ከነእትዎ ኢና ይብልዎም ከምዘለዉ ሕግደፋውያን ዝርድዖም ኣይመስለንን።ከምቲ ዝበልኹኹም ካብ ኣርእስቲ ንምውጻ ደይኮነ፣ ከምቲ ኣብ ላእሊ ዝገለጽኩዎ ሪኢቶ ሕግደፍ ብተቃውሞ ሕዝብና ደይኮነ ድወድቅ፣ ነቲ ናይ ሀገር ሓብቲ ኣዘሚቱ ምስወደዕ፣ ከም ቃዛፊ፣ ሳዳምን ሙባረኽን በቶም ኃያላን ምስጠፈእ እቲ ተዘርፈ ሃብትናም ብሰብኣዊ ሀገዝ ገለ ክፋሉ ተመሊሱ ክወሃበና እንከሎ ከምቲ ናይ ከልቢ ምስላ ካብ ካልዕ ዝረከብናዮ ሥጋ ወይ ሃብቲ ኮይኑ ንከይስምኣና
    ብኣግኡ ንምግላጽን ንምትሕስሳብን እዩ። ኣቦታትና ሓቂ ተዛሪብካ ኣብዝመሰዮ ሕደር ዋላ ሞት ተኾነ ስለዝብሉ ምእንቲ ሕዝበይ ዝመጽዕ ይምጻዕ ሃቂ ተዛሪብካ ምሟት ክብረተይ እዩ። ካብ ጎይታይ እየሱስ ክርስቶስ ስለዝተመሃርኩዎ ሃቂ ” ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም። ወንጌል ማቴዎስ 10ይ ምዕራፍ 28

  • Truly Truly i say to you November 1, 2014

    part 3
    ክቡር ኣራንሺ ናይ ውርደተኛ ሕግደፍ ተግባራት ብሃደ ወገን ንግደፎሞ፣ እቲ ናይ ዶብ ኮሚሽንስ ውሳኔ ቅኑእ ኣይኮነን ኢልካ፣ ግናስ ኢቲ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ዘሎ ኣድታት ዳርጋ ብሙሉኡ ኣቐዲሙ ናይ ኤርትራ መሬት እዩ ነሩ ክብሃል ይከኣል። እሞ ወያኔ 1/10 መሬቶም ደይተውሰደ፣ ነቶም ኩለን ዝጠቀካየን ናይ ኤርትራ ቑሸታት በየናይ ካብ ኢትዮጵያ ዝወሰድናዮ መሬት ወያኔ ክቅዩሩና እዮም ኢልካ ኢኻ ተስፋ ትገብር ዘለኻ? ንባድመ ከይንብል ባድመም ናይ ኤርትራ እዩ። ስርዓት ህግደፍ “ከቢድ ረጽሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክመጾ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኩሉ ነገር ዓቢስካ፡ ኮሚሽን ዶብ ቅኑዕን ፍትሓውን ውሳነን ብይንን ከም ዝሃበ ንህዝቢ ባድመ ብዝብል ደርፊ ከም ዝጸምምን ከም ዝድንቁርን ገይርካ፡ ዕደመ ስልጣኑ ከናውሕ ኢዩ አቲ ድራማ ተሰሪሑ፡፡ “እናበልካ እቲ ሚስጢር ብልክእ እናገለጽካዮ፣ ወያኔ ነቲ ዝረኸብዎ ጥቕሚ ከመይ ገሮም እዮም ክምልሱልና እዮም ኢልካ ትሓስብ። ንሳቶምስ ብኤርትራ ምግንጻል ክሳብ ክንደይ ከምቀደሞም ሙሉእ ብሙሉእ እዮም ዝኣምኑሉ ኢልካ ትሓስብ? ኣይት ሃዘለይ ኣብዚኣ ብዙሕ ዝተጋገኻ ይመስለኒ። ንምኳኑ ስለምንታይ ተቃወምቲ ብሃደ ሓሳብ ክሃብሩ ከምዘይከኣሉ ትፈልጥ ዲኻ? ናይ ብሔር፣ ስልጣን ቀቢላ ኃይማኖት ወዘተ ኢልካ ምኽንያት ከይትሕበኒ። ኣነ ከምዝ ኣምኖ ኣብ ኩሎም ተቃወምቲ ኃይልታት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ካልዕ ይትረፍ መብዛሕቲኡ ደገፍቲ መንግስቲ ኢሳይስ ማሕበር ኣንድነትን ኣንጻር ናይ ኤርትራ ነጻነት ብምዃኖም ብካልእ ኣዘራርባ ናይ ወያኔ ኣጀንዳ ስለዘለዎም እዩ። ኣብ መወዳእታ መን ኲናት ጀሚሩ ኢለ ከም ቀደመይ ብዙሕ ንኣኻ ክሙግት ኣይደልይን እዬ። ተኣማኒን ለባምን ዜጋ ብምዃንካ፣ ካልኦት ኤርትራውያን ተመሲሎም ነቲ ጉዳይ ከራጉዱን ሃቅን ከምስሉ ንዝሕንደዱ ግን ሱቕ ኢለ ክሰምዖም ሕሊናይ ኣየፍቅደለይን እዩ።

    ኣብ መወዳእታ ኮምሽን ዶብ፡ ኃያላን ሃገራት እንተበልናዮ ይሃይሽ ነቲ ዶብ ብጌጋ ዝፈረድዎ ኣብ ኤርትራ ጥርይ መሲልካ ተኾይኑ ቑሩብ ናይ ኣረኣእያን ናይ ፖሎትካ ኣረዳድኣን ኣድማስካ ንከተስፍሆ ሕውነታዊ ምኽረይ ክልግስካ እፈቱ።
    ንኣብነት ነቲ ኣብ ኣፍሪካ ብተመሳሳሊ ዝተበየነ ብይን ጸብጺብካ ኩሉ ምግላጹ ስለዝከብድ፣ ግንስ ናይቶም ዝሰልጠኑ ሃገራት ንኣብነት ኣብ ዩጎዝላቭያ ኣይተከኣለን እንበር ኣብ ራሽያ ከይተረፈ ብቅኑእ እዩ ዶባት ተሃንጺጹ ኢልካ ምዝራብ ዝከኣል ኣይመስለንን ። ብፍላይ ናይ ቦዝንያ ግዝኣት እንተወሲድካ ንሳርቢያ ኩራሲያ ቦዝንያ ኣብ ግጭት ዊኢሊ ሃዲሩ ኣብዝፈጥር ኩንት እዩ ዶባት ተሃንጺጹ። እሞ እቶም ዝሰልጠኑ ዘይለበሙ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ለቢሞም ናብ ዝሓሸ ስምምእ ይበጽሁ እዮም ኢልካ ምህሳብ ዘይኩንነት እዩ። ንሳቶምስ እንተወሃደ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ክጥርንፎም ይክእል እዪ ኢልካ ክሕሰብ ይከኣል እዩ። እዚ ደም ዝተፋሰሰ፣ ብቅንእን ድንቁርናን ዝተመልእ ሕብረተሰብ ግን ከመይ ገሩ ክእረቕ ይክእል?

  • Hager n'hagerawian November 1, 2014

    I want to appreciate u for giving us the reality of our most sensitive political condition. Aranchi…u did ur part as Eritrean and hopefully we the real eritreans should understand it positively coz it is about the coming generations of our country and our futurity. Let’s walk in unity……. Let’s say we are one……. That’s our only choice of saving our beloved country and defending our people from Esseyasizem and dangerous agenda of Pfdj,…….. Thanks again Michael Embaye !!!

  • maeruf elias November 1, 2014

    First, the border demarcation verdict was done in 2002 and the document is available on the Internet. I wonder why it took us 12 years to read and understand the fact. Second, the document clearly states that it’s the Isaias regime that first started the war and that he is responsible for all the loss of human lives and material destruction that followed. How is then the Isaias regime going to compensate Ethiopia for the war damage it caused?

  • Daniel Tekle November 5, 2014

    Hi Aranchi I like your article ,I have heared them on Radio wegahta and I have read it on Assenna , there is always this question always comes to my mind when ever I read your article , almost every thing you said makes sense and I agree with you , my question is my brother , he was in one of the refugee camp in Tigrai back in 2007 , a couple of days ago I was talking to him about PFDJ and Ethiopias intention , while he was there , he said almost all of the Eritreans who were in the refugee thought , EPRDF government would arm them and give them support to organise and overthrow the blood sucking regime in Asmara , apparently they were told by some of the TPLF officials ” eziatom tekawemti waga yeblomin nab atom keytikedu ,gizekum aytekasilu ,abhasir ewan newetsae kitkedu ekum ,entay gedeshikum ” elomom dihriu , the moral of most of the young ppl was damaged , and he told me that TPLF organizes the refugee along secterian lines , like religion ethnicity and region offcourse , me some times I feel the EPRDF has every thing they need the human resourses to creat a united strong opposition army , but it hasn’t happened , as far as I know they are more interseted arming the KUNUMA LIBRETION FRONT and the AFAR , I know PFDJ is doing the same but not to extent that can cause any affect on Ethiopia , the Ethiopian oppossition in Ethipia are not that strong to cause any alarm for the EPRDF government , wouldn’t be easier for TPLF to organise and arm one strong ERitrean opposition , to getb rid of the PFDJ beast , this is my real concern ,imagine these are already have a military experience in sawa.

Post a Reply to maeruf elias Cancel Reply