Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ? – ሻብዓይ ክፋል

                                    ሻብዓይ ክፋል                   ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ? ሻብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ከምቲ ዝሓለፈ ክፋላት ጽሑፈይ ዘይኮነ፡ ንጹር መርገጺኻን እምነትካን ተረጋግጸሉ ኣዝዩ ከቢድ ትብዓትን ምስትውዓልን ምምርማርን ዝሓትት ትሕዝቶ ዝሓዘ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ማዕረ ማዕረ ምዝርግሑ ጫውጫው ምባልን ናይ

                                    ሻብዓይ ክፋል

                  ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ?

ሻብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ከምቲ ዝሓለፈ ክፋላት ጽሑፈይ ዘይኮነ፡ ንጹር መርገጺኻን እምነትካን ተረጋግጸሉ ኣዝዩ ከቢድ ትብዓትን ምስትውዓልን ምምርማርን ዝሓትት ትሕዝቶ ዝሓዘ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ማዕረ ማዕረ ምዝርግሑ ጫውጫው ምባልን ናይ ጸለመ ዳርባታትን ክመጻኒ ምዃኑን ኣቐዲመ ዘረጋገጽኩዎ ኢዩ፡፡ የግዳስ ክነትዕ ዝግበኦ ቀንዲ ሕበጣትና ስለ ዝኾነ ሎሚ ግድን ክጥባሕ ኣለዎ፡፡ ቀዲመ ክሕብሮን ክብሎን ዝደሊ ግን፡ እቶም ኣብዚ ሕጂ ዘልዕሎ ጉዳይ ርእይቶኹም ነቐፌታኹም ደገፍኩም ትህቡ ኩሉኹም፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብኣፍልጦን ብምስትውዓልን ክኸውን ምስ ኣኽብሮት ይምሕጸነኩም፡፡ ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ጉዳይና ባዕልና፡ ወረርትን ቀናኣትን ኣለዉና፡ ኣመሪካዶ ወያነ፡ ኢትዮጵያ ድኽምቲ ኤርትራ ኢዮም ዝደልዩ ወዘተ ወዘተ ንዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት በልዩ ዝተመናነሀ ደርፊ ህግደፍ ሪሚክስ ገይርና ብገርህና ዝደረፍናዮን ዘጣቓዕናዮን በቃ ይኣክል፡፡ ሎሚ ነገራት መሊስና ክንጠናንጎ ዘይኮነ፡ ብኸመይ እቲ ናብ ዕርብርብ ዘምረሓና ዘሎ ግርጭት ይፍታሕ ኩልና ንጽዓር፡፡ ጉዳይና ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕን መዓልቦን ክረክብ ነገራት ካብ ሱሮም ንመርምሮም፡፡ ብስምዒትን ብህልኽን ትምክሕትን ተወጢርና ዘይኮነ ብኣፍልጦን ብምስትውዓልን ብልቦናን ተቢዕና ንግጠሞ፡፡

ብዛዕባ መንʼዩ ጀማሪ ኲናት ኣብ ሻድሻይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ብቓላት እቶም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ፡ ገለ ኣብ ጎዳጉዲ ማሕር ዒራዒሮ ዝተሰውኡን ገለ ገና ኣብ ከቢድ ስቅያት ዝርከቡን ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዘይይፍለጡ ጀጋኑ፡ ጀማሪን ፈላምን ውግእ ባዕሉ ኢሳይያስ ምዃኑን ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮምን ምስ መርትዖታቱ ኣቕሪበዮ እየ፡፡ ብዓቢኡ ውን ስርዓት ህግደፍ እወ ውግእ ባዕልና ጀሚርናዮ ክብሉ ንኮሚሽን ካሕሳ ኣሚኖምሉን ክታሞም ኣምቢሮምሉን ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ብዘይ ኣፍልጦ ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ ወራር እናበልና ንጽወዖ እውን ግጉይ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ፡፡ መንʼዩ ጀማሪ ብሕጊ ተረጋጊጹ መዝገቡ ዝተዓጽወ ጉዳይ ስለዝኾነ ወረርቲ፡ ጠላማት፡ ኣይእመኑን ኢዮም ዝበሃል ዕንኪላሎ ዘረባን ጽውጽዋይን ንግደፎ፡፡ ናብቲ ካልኣይን ተኣፋፍን ዛዕባና ኮምሽን ዶብ ብዝሃቦ ቀያድን እግባይ ዘይበሃሎን ውሳነ ነባሪ ፍታሕ የምጽእʼዶ ንኺድ፡፡

ቀዳማይ ጉዳይ ባድመን ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ይግባይ ዘይበሃሎ ውሳነን፡፡ እቶም ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ እንታይን እንታይን ዘጠቓለለ ምዃኑ ከይፈለጠ ንሕና ንፈልጠልካ፡ ንሕና ዝበልናዮ ፍተዎ ጽልኣዮ ክትቅበሎ ኢኻ ንብሎ ዘለና፡ ብርግጽ ኮምሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል ኢልና ዲና ንሓስብ..? ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ብርግጽ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ኣብቲ ዝወሰኖ ውሳነ ኣረጋጊጹዎ ኣሎ፡፡ ብኣንጻሩ ግን ኮሚሽን ዶብ ሕጂ ልቦና ብዝመለኦ ሓቀኛ ሕውነታዊ ምርድዳእ መዓልቦ እንተዘይ ገይርናሉ ንዘንተ እለት ኣብ ረጽሚ ዘእቱ ጌጋታት እውን ፈጺሙ ኣሎ፡፡ ስለምንታይ መዛረቢ ዛዕባና ባድመ ጥራይ ይኸውን..? ስለምንታይ ኣብዚ ከቢድ ዛዕባ እቶም ዝፈልጡን ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕ ተጸሚድና ንሰርሕ ኣለና ዝብሉ ፖለቲካውያን ውድባትን ምሁራት ኤርትራውያን ጥቕሙን ጉድኣቱን ብዓውታ ንህዝቢ ዘይነግሩ…? ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ኣዝዩ ከቢድ መጻኢ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓሸውየን ረጽምን ከም ዘእቱ ብሓቂ ጠፊእዎምን ተሰዊርዎምን ድዩ..? ወይስ ብኢሳይያሲዝም ስነ-ሓሳብ  ሓንሳብን ንሓዋሩን ተሰኒፎምን ባህሪሮምን ኢዮም፡፡ ብወገነይ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ካልእ ዝገደደ ረጽሚ እምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ ስለምንታʼዩ ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ከምጽእ ዘይክእል ብዝርዝር ንርኣዮ፡፡

ኣብዚ ጉዳይዚ ብዝያዳ ዝንቐፉ እቶም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ውድባትን ምሁራት ኤርትራውያንን ኢዮም፡፡ እቲ ዘይፈልጥ በቲ ህግደፍ ዝዘርገሖ ጌጋ ሓበሬታ ከም ዘበነ ውበ ጸሚሙ ውበ እንተበለ ኣይተሓዞን ኢዩ፡፡ እቶም ዝፈልጡ ግን ኣዝዩ ከቢድ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዘእቱ ታሪኻዊ ገበን ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ፡፡ ስለ ዝኾነ ሕጂ ውን ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከም ዝበሃል  ነቲ ድንክል ኢሉ ዘሎ ግጉይ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ሓቀኛን ዘተኣማምንን ፍታሕን ምርግጋእን ንኽመጽእ ንህዝቢ ብትብዓት እቲ ሓቂ ክነግርዎ ይግባእ፡፡ ማዕሪኡ እዚ ንሕና ንፈልጠልካ ንሕና ንብለካን ዝወሰንናልካን ተቐበል ዝበሃል ዓማጽን መላኽን ኣካይዳን ባህርን ክንኣልዮን ክንውግዶን ይግባእ፡፡ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ዋና ምዃኑ ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ተሳታፊ ከም ዝኸውን ክግበር ይግባእ፡፡ ኣብዚ ኣዝዩ ተኣፊ ጉዳይ ብዓቢኡ ህዝቢ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ብፍሉይ እውን ኣብ ወሰናስን ዶብ ዘሎ ህዝቢ ተዓዛቢ ዘይኮነ ተዋሳእን ዋናን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኣይኮነን እዚ ንሕና ንፈልጠልካ ብዝብል ግጉይ ኣካይዳ ብድሌት ውልቀ መራሕቲ ዝግበር ዕበጦ ዕበጦ ጽባሕ ናብዘይ ዓርፍ ረጽሚ ክሰጋገር ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ፡፡

ኮምሽን ዶብ ብዜካ እቲ ባድመ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዝሃቦ ውሳነ፡ ካልእ እንታይን እንታይን ውሳነታት ኢዩ ኣብቲ ካርታ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓደ ብሓደ ምርኣዩ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡ ኮምሽን ዶብ ኣዝዩ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተመሳሳሊ እውን ሰፊሕ መሬት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣቱው ኣብቲ ዝሃቦ ውሳነ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ኣሎ፡፡ ንጭቡጥ ዝርዝራቱ ሰፊሕ መሬት ከባቢታት ደንከል ባዳ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ግጉይ ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተውሳኺ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኩለን ዓድታት በለሳ ከባቢ ጸሮና፡ ዓድታት ዑናናዞ፡ ዓዲ ኩቱ፡ ሰብዖ፡ ዑናሽሓቕ፡ ቆሎ ብርዶ፡ ዓዲ ሽሁ፡ ክሳብ ምግምጋም ሓስሓሶ ከምኡ ውን ዓድታት ኩደወይባ፡ ማይዓጋም እቲ ከቢድ ደማዊ ውግእ ዝተኻየደሉ ጎላጉል እግሪ መኸል ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው እዩ ኣብ ካርትኡ ወሲንዎን ኣስፊርዎን ዘሎ፡፡ ኣብ ከባቢ ስመጃና እንተ መጺእና  እውን ክሳብ ገለ መሬታት ኮኾባይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ እዩ እቲ ውሳነ ተዋሂቡ፡፡ ብመንጽር መሬት ኢትዮጵያ እንተኸድካ እውን ተመሳሳሊ ግጉይ ውሳነ ኢዩ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ዘሎ፡፡ ገለ ክፋል መሬት ዓድታት ኢሮብ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ኮሚሽን ዶብ ኣብቲ ይግባይ ዘይበሃሎ ብይኑ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ እዚ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ግጉይ ውሳነ ብሓቂ ዲና ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ከምጽእ ኢዩ ኢልና ንምጉት ዘለና፡፡ እዚ ግጉይ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ማሕረ ኢሉ ይቕበሎʼዶ…? ማዕሪኡ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸዓዱ ዝፈረድዎ ቅኑዕን ፍትሓውንዩ ብምበል ዝቕበሎ ድዩ ዝመስለና..? ብወገነይ እዚ ውሳነ እዚ ዝገደደ ረጽምን ምምዝባልን እምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልንʼዩ ዝብል እምንቶ ኢዩ ዘለኒ፡፡ ስለምንታይ…?

ብቐዳምነት ሃገር ማለት ሜዳን እምባን ኩርባን ባሕርን ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ንኤርራዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ፡ አሞ ድማ ንስለ ናጽነትን ሪምን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለን ዝሰንከለን ዝኸርተተን ዝተጋደለን ህዝቢ፡ ኮምሽን ዶብ ናብ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ፈሪዱካ ኢዩʼሞ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ክትብሎ በየናይ ስነሞጎት፡፡ እዚ ውሳነ እዚ ተመሳሳሊ ጌጋ እቲ ኣብ ሓምሳታት ዝተፈጸመ ውሳነ ፈደረሽን ዝመሳሰል ታሪኻዊ ጌጋ ኢዩ፡፡ ማዕሪኡ ኢትዮጵያዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ ኮሚሽን ዶብ ናብ ኤርትራ ክትሕወስ ፈሪዱካ እዩʼሞ ኤርትራዊ ኢኻ ስለ ዝተባህለ ጻዓዱ ስለ ዝፈረድዎ ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ዘተግብሮ ድዩ ዝመስለና ዘሎ፡፡ ብዛዕባ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ክውንነትን ባዕሎም እቶም ዋናታት ብሰፊሑ ከብርህዎን ክገልጽዎን ተስፋ ይገብር፡፡ እቲ ብወገን ኤርትራ ዘሎን ብዓቕመይ ዝፈልጦን ግን ኣብ ባይታ ካብ ዘጋጠመ ነገራት ጭብጥን መረዳእታን ክህበሉ ክፍትን እየ፡፡

እቲ ኣብ ደንከል ከባቢ ባዳ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ኮሚሽን ዶብ ብይን ዝሃበሉን ኣብቲ ንኽልቲኡ ሃገራት ዝተዋህበ ካርታ  መሬት ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ሓደ መዓልቲ ኣልዒልዎን ዘኪርዎን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ስመጃና ኣከለጉዛይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝተወሰነ መሬት እውን ስርዓት ህግደፍ ተዛሪቡሉን ዘኪርዎን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እቲ ኩሉ ግዜ ዝለዓል ባድመ ባድመ ባድመ ዝብል መሬትን ጉዳይን ጥራይ ኢዩ፡፡ ስለምንታʼዩ እዚ ቀዲመ ዝጠቐስኩዎ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ግጉይ ውሳነ ዘይለዓልን ዘይዝከርን…? ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ረጽሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክመጾ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ኣብ 2010 ዓ/ም ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ዓድታት በለሳን ከባቢታት ጸሮናን ዓቢ ትምህርትን ተመኩሮን ረኺቡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኩሉ ነገር ዓቢስካ፡ ኮሚሽን ዶብ ቅኑዕን ፍትሓውን ውሳነን ብይንን ከም ዝሃበ ንህዝቢ ባድመ ብዝብል ደርፊ ከም ዝጸምምን ከም ዝድንቁርን ገይርካ፡ ዕደመ ስልጣኑ ከናውሕ ኢዩ አቲ ድራማ ተሰሪሑ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ህግደፍ በቲ ዝሰረሖ ድራማ ተዓዊቱን ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድንግርግር ኣእትዩን ኣብ መንበረ ምልኪ ስልጣን ተወጢሑ ይቕጽል እውን ኣሎ፡፡ ሎሚ ንብዙሓት እዚ ጉዳይ ከም ዝሕድሸና ርግጸኛ እየ፡፡ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ግን ከምዝዚ ተገሊጹ ዘሎ ኢዩ፡፡ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ፡፡ ማዕሪኡ ድማ ኤርትራዊ መበቆልን መንነትን ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ይበሃል ኣሎ፡፡

በቲ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ብይንን ውሳነን ስርዓት ህግደፍ ንዓድታት በለሳን ከባቢታት ጸሮናን ከም መማለዲ ንባድመ ክኸውን ኣብ 2010 ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ ኢዩ፡፡ ኣብቲ እዋን እቲ ላዕለዎት ልኡኻት ኢሳይያስ ኮይኖም፡ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ስርሒት ፎርቶ ብምትሕሓዝ ኢሳይያስ ናብ ማሕዩር ካርሸሊ ክወርድ ዝፈረዶም፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ሙሱጦፋ ኑርሕሴን፡ ከምኡ ውን ካብ ሞት ንስክላ ድሒኑ ኣብ ከቢድ ስንክልና ዝርከብ ብርጋደር ጀነራል ኢዮብ ሓሊባይን ኢፍትሓዊ ውሳነ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ኣርዲኦሞ ኢዮም፡፡ ቃል ብቓሉ እቲ ዝበልዎ ንምድጋሙ፡ “ኮሚሽን ዶብ እዚ ከባቢ መሬት ኢትዮጵያ ምዃኑ ወሲንዎ ኢዩ፡፡ ወያነ ካብ ባድመ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ እዚ ከባቢታት ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንኢትዮጵያ  ከነረክቦም ኣለና፡፡ ንዓኹም ድማ ዝበለጸ ሰፊሕን በዱን መሬት ኣብ ጋሽ ባርካ መንግስቲ ክህበኩም ኢዩ፡፡” ዝብል ኢፍትሓዊ መምርሒ ኢዩ፡፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንሕና ኤርትራውያን ኢና፡፡ እዚ መሬት ድማ መሬትና ርስትና መንነትና ኢዩ፡፡ ንባድመ ክንብል ርስትናን ርስቲ ኣበሓጎታትናን ዝኾነ መሬትና ኣይንሓድግን ኣይንሸይጥን ዝብል ኢዩ፡፡ ኣረ ብግዲ ብውዲ ብዓማጺ መምርሒ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ንጋሽ ባርካ ክግዕዙ እውን ዓሰርተታት ዓበይቲ መካይን ብወተሃደራት ተዓጂበን መጺአነኦ፡፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ግን ተበቲኑ፡፡ ብዙሓት እውን ምስ ቤተሰቦም ዶብ ተሳጊሮም ንስደት ናብ ኢትዮጵያ ንመዓስከር ማይ ዓይንን ማይ ጸብርን ኣትዮም፡፡ እሞ ድኣ እዚ ድዩ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ፡ ፍታሕ ከምጽእ ኢልና ንሓልም ዘለና……? ጠንቅን መበገስን እዚ ናብ ዕርብርብ ኣምሪሑና ዘሎ ኲናት ዶብን ባድመን ከም ዘይኮነ ክንፈልጥ ይግባእ፡፡ ይ  ቕ  ጽ  ል………

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com (+251-921924501)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • SAWA October 30, 2014

    ANTA HAWEY HIJI AB WAGA EDAGA AYNATUN EINA; KALIE HASHEWYE AYTETO
    HIGI ENDHIR ELUKA ENTAY TGEBIR
    Ethiopia gele kfal mereta atfiea at the same time dima Eritrea gele kfal mereta atfia.
    Endhir ab zete ngber endhir koynu gin eti mejemria zkerebe nab boundry commission claim nay kltena wegen abeu temelisna nzate eyu kikewn. eti result kemey eyu kikewn aynsemamaein kbl eyu eti hade. Mengogna atu dima ezi hab nska nska dima eti hab eyu kbil. silezi ab hashewye metaw eyu.
    B kendu Weyane zdelyu badme wedi badme zeykone Aseb eyu. Asseb dima kab kedem nay Eritrea neyra b hgwin degima nay Eritrea twesina eya.
    Silezi kibur haw n zmetsie hadega calculate giber. Kndey yehwatka kndey abotatka kndey jeganu moytom eyom b kltieu wegen silezi lbi giber ab hashewye aytmlesena. Gebru Asrat aytkunena

  • Habte October 30, 2014

    Michael
    Thank you for telling the truth as it is hope this will help clear some of our brothers and sisters who are confused with the issue.

  • ahmed saleh October 30, 2014

    Aranchi
    HGDF leadership under Issayas authority left the
    country at complicated position . They gambled
    at the expense of our lands secretly to bring more
    confusion and identity crisis on people at border
    area in Akeleguzay and Denkalia side . In fact it is
    the same act of early 1980’s when they abondon
    native Eritreans in handing over Badme to Weyane .
    Since Issayas has accustomed to dictate the lives and
    the land of the people , we should concern about his
    next move in association with DEMHIT forces because
    of his unpredictable reputation hard to imagine.

  • ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? October 30, 2014

    Aranchi,
    In 1981 the same fate faced the people of Badme, when they were told by EPLF that Badme, from now on will be administrated by TPLF and many families of the town preferred to be refugees in Sudan.

  • ኣርዓዶም October 30, 2014

    ሚኪኤል ኣራንሺ ኣብዚኣስ ኣነ`ውን ይድግፈካ ኢየ። ዝበልካዮ ኩሉ ሓቒ ኢዩ።
    ሓደ ዓርከይ ዝኾነ ሰብ፡ ኤርርትራን ኢትዮጵያን ብከመይ ክዕረቑ ኢዮም፡ እቶም መሬትን ገዛን ዝተወርሶም ጎዶበታትስ ብክመይ ይተዓረቑ፡ እዚ ዘይከውን ኢዩ ኢሉ ኣጨንቕ ምስ ኣበለኒ፡ መልሰይ ድማ፦
    ሰላም ተኾይኑ፡ ኣብ ጎደበታት ዘለው ኣህዛብ ሰላም ተገይሮም፡ ኤርትራ ብህዝባ ትግዛእ ሃገር ተኾይና፡ ኤርትራ ብቕዋም ትካየድ ሃገር ተኾይና፡ ናይ ዶብ ሽግር ጸገም ኣይምነበሮን፡ ሽሕ እኵ ኮምሽን ዶብ ዝበዝሕ መሬት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እንተመለሶ፡ ቕሳነት መታን ክርከብ፡ዳግማይ ህኮት መታን ከይውላዕ፡ ብስምምዕ ናይ ክልቲ ኡ ጎዶበታት ህዝብታት ዘይፍታሕ ጸገም የለን።
    1,መጀመርታ ካብ ክልቲኡ ሃገራት ዝተዋጽአት ዓበይቲ ሽማግለታት ትመርጽ፡ እዛ ሽማግለ እዚኣ ታርኣ ን ኣብ ዶብ ዝርከብ ኣህዛብ ብምዝርራብ እተረድእ ሽማግለ ማለት ኢዩ።
    2, ንኣህዛብ ክልቲኡ ጎደበታት ካሕሳ ምሃብ። እዚ ማለት ድማ ኤርትራ ነቶም ኣብ መሬት ኢትዮፕያ ዘለው፡ ምርጫ ትህቦም እዚ ማለት ድማ ወይ ኢትይፕያውያን ኢና ክብሉ ወይ ኤርትራውያን ኢና ክብሉ፡ እንድሕሪ ኤርትራውያን ኢና ኢሎም፡ ኢትይፕያ መሬታ ክትወስድ ስለዝኾነት እቶም ኣብ ኡ ዝሰፍሩ ዝነበሩ ድማ ብዙሕ ንብረት ስለዘጥረዩ፡ መታን ብሰላም ክሓድግዎ ኢትዮፕያ ካሕሳ ትኸፍሎም፡ ንሶም ድማ ኣብ ዝኾነ መሬት ኤርትራ ከም ኤርትራውያን ቦታ ይውሃቦም፡ በቲ ዝተዋህቦም ቐለታ ድማ ገዝ ኦምን ክሰርሑ ይኽእሉ። ከም ኡ ድማ ኤርትራ ነቶም ናብ ኢትይፕያ ኢና ዝበሉ ክትኽህሶም ይግባእ፡ በዚ ድማ ዕርቒ ክፍጠር ይኽእል። ምኽንያቱ ኣብ ክልቲ ኡ ዘለው ኣህዛብ እንድሕሪ ኣብ ዝሕሾም ቦታታት ተዋሂቦምን ዋጋ ገዝ ኦም ውን ተተዋሂቦም ጽገም ኣይክፈጥርን ኢዩ። ኢለ መልሲ ሃብክዎ።
    ሕጂድማ ሚኪኤል ዝበልካዮ ብሓቒ ቕኑዕ ኢዩ፡ ብውድብ ሕቡራት ዘተወሰነ ዶብ ኣብ ዶብ ዝነብሩ ኣህዛብ ሰላም ኣይከምጽእን ኢዩ፡ ግን ብኻሕሳን ኣብ ዝደልይዎ ቦኣታት ብምሃብን ምናልባሽ ምሰርሐ።

  • ahmed saleh October 30, 2014

    The late Pm. Meles Zenawi said publicly announced to
    Ethiopians and Eritreans about the improper decision
    from the commission . And he also proposed for both
    governments to sit down and correct the mistakes made.
    But on our side they left us at dark only to say Badme ,
    Badme , Badme since 1997 knowingly or unknowingly
    forgot bigger picture not to recognize the lost of great
    amount of land and villages like fools . And I doubt
    HGDF has the will to work with Ethiopia to resolve
    this critical issues like they did with everyone else .
    Remember Issayas is a person incapable to forgive
    and easy to hold grudge as we all noticed even to
    his very close associates .

  • Simon G. October 31, 2014

    Aranchi,
    I would appreciate if you come up with a topic “who is supporting isayas?” and why, would be very nice. This can be internal and external support.

    • ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? October 31, 2014

      Simon
      Why do you want Micheal to come up with who is supporting PFDJ internally and externally?
      Isayas Afwerqi is a socially sick person and he had long ago mobilized people based on his social sickness so his supporters are socially sick people like him.

  • nesredinbeshir@gmail.com October 31, 2014

    ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ሙሱጦፋ ኑርሕሴን፡ ከምኡ ውን ካብ ሞት ንስክላ ድሒኑ ኣብ ከቢድ ስንክልና ዝርከብ ብርጋደር ጀነራል ኢዮብ ሓሊባይን ኢፍትሓዊ ውሳነ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ኣርዲኦሞ ኢዮም፡፡ ቃል ብቓሉ እቲ ዝበልዎ ንምድጋሙ፡ “ኮሚሽን ዶብ እዚ ከባቢ መሬት ኢትዮጵያ ምዃኑ ወሲንዎ ኢዩ፡፡ ወያነ ካብ ባድመ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ እዚ ከባቢታት ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንኢትዮጵያ ከነረክቦም ኣለና፡፡ ንዓኹም ድማ ዝበለጸ ሰፊሕን በዱን መሬት ኣብ ጋሽ ባርካ መንግስቲ ክህበኩም ኢዩ፡፡”

    እዛ እቶም ኣብ ግዚኦም ዕሱባት ዝነበሩ እዚ ሓሳብ እዚ ነህዝቢ ኣኪቦም ክገልጽሎም እምበርዶ ኤርትራውያንን ደም ኤርትራውያንን ኣለዎም ኢዩ ዘብል ኢዩ፡፡

  • robelbereketabgmail.com October 31, 2014

    ኮምሽን ዶብ ኣዝዩ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተመሳሳሊ እውን ሰፊሕ መሬት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣቱው ኣብቲ ዝሃቦ ውሳነ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ኣሎ፡፡ ንጭቡጥ ዝርዝራቱ ሰፊሕ መሬት ከባቢታት ደንከል ባዳ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ግጉይ ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተውሳኺ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኩለን ዓድታት በለሳ ከባቢ ጸሮና፡ ዓድታት ዑናናዞ፡ ዓዲ ኩቱ፡ ሰብዖ፡ ዑናሽሓቕ፡ ቆሎ ብርዶ፡ ዓዲ ሽሁ፡ ክሳብ ምግምጋም ሓስሓሶ ከምኡ ውን ዓድታት ኩደወይባ፡ ማይዓጋም እቲ ከቢድ ደማዊ ውግእ ዝተኻየደሉ ጎላጉል እግሪ መኸል ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው እዩ ኣብ ካርትኡ ወሲንዎን ኣስፊርዎን ዘሎ፡፡ ኣብ ከባቢ ስመጃና እንተ መጺእና እውን ክሳብ ገለ መሬታት ኮኾባይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ እዩ እቲ ውሳነ ተዋሂቡ፡፡ ብመንጽር መሬት ኢትዮጵያ እንተኸድካ እውን ተመሳሳሊ ግጉይ ውሳነ ኢዩ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ዘሎ፡፡ ገለ ክፋል መሬት ዓድታት ኢሮብ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ኮሚሽን ዶብ ኣብቲ ይግባይ ዘይበሃሎ ብይኑ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ እዚ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ግጉይ ውሳነ ብሓቂ ዲና ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ከምጽእ ኢዩ ኢልና ንምጉት ዘለና፡፡

    aybelnann do aybelnadoye hji eyu zdref.
    beka nti demu zefsese ztesewea jigna hzbi kebabi tsorona bbadme knkyreka ina

    aybelnanandoye
    robel bereketab

  • robelbereketabgmail.com October 31, 2014

    belu belu hji wn aynashu
    ezi rkus srat entayu dletu nmermro

    ብቐዳምነት ሃገር ማለት ሜዳን እምባን ኩርባን ባሕርን ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ንኤርራዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ፡ አሞ ድማ ንስለ ናጽነትን ሪምን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለን ዝሰንከለን ዝኸርተተን ዝተጋደለን ህዝቢ፡ ኮምሽን ዶብ ናብ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ፈሪዱካ ኢዩʼሞ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ክትብሎ በየናይ ስነሞጎት፡፡ እዚ ውሳነ እዚ ተመሳሳሊ ጌጋ እቲ ኣብ ሓምሳታት ዝተፈጸመ ውሳነ ፈደረሽን ዝመሳሰል ታሪኻዊ ጌጋ ኢዩ፡፡ ማዕሪኡ ኢትዮጵያዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ ኮሚሽን ዶብ ናብ ኤርትራ ክትሕወስ ፈሪዱካ እዩʼሞ ኤርትራዊ ኢኻ ስለ ዝተባህለ ጻዓዱ ስለ ዝፈረድዎ ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ዘተግብሮ ድዩ ዝመስለና ዘሎ

POST A COMMENT