Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ኣብቲ ብኣህጉር ኣፍሪቃ ደረጃ ኣብ ሩዋንዳ ዝካየድ ቅድድም ብሽግለታ ጽርግያ እትሳተፍ ሓያል ጋንታ ከምዝረቚሐት newtimes ተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሩዋንዳ ኣገንዚቡ።

እታ ዓንተር ቅድድም ብሽግለታ ዝኾነት ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 18 ለካቲት፡ ንመበል 14 ግዜ ብኣህጉር ኣፍሪቃ ደረጃ ኣብ ሩዋንዳ ዝካየድ ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ጽርግያ እትሳተፍ ሓያል ጋንታ ከምዝረቚሐት newtimes ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሩዋንዳ ኣገንዚቡ። ብመሰረት እቲ

እታ ዓንተር ቅድድም ብሽግለታ ዝኾነት ኤርትራ፡ ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 18 ለካቲት፡ ንመበል 14 ግዜ ብኣህጉር ኣፍሪቃ ደረጃ ኣብ ሩዋንዳ ዝካየድ ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ጽርግያ እትሳተፍ ሓያል ጋንታ ከምዝረቚሐት newtimes ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሩዋንዳ ኣገንዚቡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እታ ብ ፈደረሽን ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ትማሊ ሰኑይ ዝተረቚሐት ጋንታ ኣብቲ ናይ ዓበይትን ናእሽቱን ውድድራት ዝሳተፉ 17 ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተቐዳደምቲ ሓቚፋ ተዋዲዳ `ላ።

ኣብ 2016 ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝተሰምየ ወዲ 26 ዓመት ተስፎም ዑቕባማርያም ነታ ናይ ዓበይትን ናእሽቱን ጋንታ መሪሑ ከምዝኸይድ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ኣብ 2014ን 2016ን ኣብ ቅድድም ጽርግያ ናይቶም ብሉጻት ተወዳደርቲ ተዓዋቲ ኮይኑ ዝተሸለመ ተስፎም ኣብ`ዚ ሎሚ ዘበን ኣብ ሩዋንዳ ዝካየድ ቅድድም `ውን እንተተዓዊቱ፡ መበል 3ይ ግዜ ዝረትዐ ብርቂ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ክብረወሰን ከምዝሕዝ ተፈሊጡ ተኣሚቱ`ሎ።

ዛጊት ተስፎምን እቲ ኣብ 2011 2012 ን ዝተዓወተ ካልእ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነን ጥራይ እዮም ኣብቲ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽግለታ ኣፍሪቃ ከክልተ ሳዕ ተዓዊቶም ዘለዉ።

እታ ጋንታ መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣማኑኤል ገብረዝጊኣቢሄር፡ ሜሮን ተሾመ፡ ኢዮብ መትከል፡ ኢልያስ ኣፈወርቂ፡ ሄኖግ ምሉብርሃን፡ ስምኦን ሙሴ ዝኣመሰሉ ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ዝተሳተፉ ከዋኽብቲ ደቂ ተባዕትዮ፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ `ውን ሞሳና ደበሳይ፡ ውሓዚት ኪዳነ፡ ብስራት ገብረመስቀል፡ ትዕግስቲ ገብሪሂወት ዝብሃላ ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈት እያ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ካብ 2011 ጀሚሮም ን 7 ግዜ Team Time Trial ብምሓዝ ክብረወሰን ክሰብሩ ከለዉ፡ እቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝካየድ ሻምፕዮና ጽርግያ ብ 2001 ካብ ዝፍልም ዝዓተወሩዎ ብዝሒ መዳልያታት፡ ብተናጸል ሃገራት ዘይኮነስ፡ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ማዳልያታት ተደሚሩ `ውን መዳርግቲ የብሉን።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

s/platform.js”>

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Hara February 8, 2018

    Wow! Congratulations!God bless both of you!

  • Lilo February 9, 2018

    Singapore Islamico Eritrea is going to win this year’s FIFA World Cup 2018 in Russia. Viva Islamico diKhala Singapore!

POST A COMMENT