Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ኣብ ቅልውላው – ህጹጽ ብድሆን ስሙር ተግባራትናን – ሳልሳይ ክፋል

ድምጽና መጻኢና ኣብ ኢድና መእተዊ ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ ካበይ ንበገስ፣ ብኸመይከ ይተግበር? ኣገባባት ውደባ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ

ድምጽና

መጻኢና ኣብ ኢድና

መእተዊ

  1. ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን
  2. ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን
  3. ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ
  4. ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት
  5. ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ
  6. ካበይ ንበገስ፣ ብኸመይከ ይተግበር?
  7. ኣገባባት ውደባ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንፖለቲካዊ ተግባር
  8. ቀጥታዊ ዕማማትን፣ ህዝባዊ ውክልና ዘለዎ መሪሕነት ህዝባዊ ቃልሲ

መደምደምታ፣ ጉዕዞ ዓወትና ናብ ሃገርና/ኣስመራ፣ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ይኸውን?

ሳልሳይ ክፋል

  1. ኣወዳድባ ህዝቢ ዝማእከሉ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ንዕዉት ፖለቲካዊ ስራሕ

ኣብዚ እቲ ቀንዲ ኣረኣእያ፣  ህዝቢ ጎይታ-ነብሱን  ዋና-መጻኢኡን  ምዃኑን፣ ጉዳዩ ባዕሉ ክውስን ምኽኣል እዩ። ወላ’ኳ ሓሓሊፉ ጌጋታት ክገብር ዝከኣል እንተኾነ፣ ካብ ሳዕቤናት ጌግኡ ብቀጥታ ክመሃርን ክምኮርን ይሕግዞ። ብኣንጻሩ፣ ዲክታቶራት ካብ ዝገብርዎ በደላትን ሳዕቤናቱን ነብሶም ከዊሎም፣ ንህዝቢ ግዳይ ናይ ጌጋታቶም ከም ዝኸውን ስለዝገብርዎ፣ ካብ ተመኩሮኦም ኣይመሃሩን እዮም።

ከም ኣካላት ህዝቢ፣ ምሁራት ዶክቶራትን ፕሮፈሰራትን፣ ናይ መጽናዕቲን ምርምርን ክኢላታት ዝተፈላለየ ዓውደ-ስራሕ፣ ሰብ-ዋኒንን ካልኦት ሰብ-ራኢን፣ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ጠቓሚ ዝኾነ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ።  በቶም ብህዝቢ ዝተምረጹ ወከልቲ እኹል ምቁጽጻር ድማ ክግበረሎም ይግባእ።  ልዕሊ ኩሉ –  መጻኢና ኣብ ኢድና – ስለዝኾነ፣ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ህዝቢ ዝማእከሉ ዲሞክራስን ምቁጽጻርን እዩ።

ብኸመይ ብመንገዲ ህዝቢ ዝማእከሉ ሰፊሕ ምንቅስቓስ – ኣድማዒ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብምውዳብን ብምድልዳልን ነቲ ዝድለ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል?

ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስናዮ፣እቲ ቀዳማይ ዕማም ህዝቢ ካብ ነብሰ-ማእሰርቲ ነጻ ብምዃን ሓይሎም ኣብ ኢዶም ምእታው እዩ። ነዚ ንምዕዋት፣  እቲ ኣብ ሕሉፍ ዘጓነፈን ኣብዚ እዋን እዚ  ዘጓንፍ ዘሎን በደላት ብመሎኮታዊ ውሳኔ ዝወረደ ዘይኮነስ፣ በቶም ኣብ ልዕሌና ስልጣን ዘለዎም ዝተኣልመን ዝተፈጸመን ምዃኑ ምንጻር ይግባእ።  ነቲ በቶም መለኽቲን ጨኮንትን ዝወረደናን ዝወርደናን ጭኮና ናብ ጊላታት ዝቐየረና ኩነታትን ብምልኣት ክንርድኦን፣ ካብኡ ነጻ ክንከውንን፣ ነቲ ብቐጻሊ ከም ጊሎት ንክሕዙና ዝጥቀመሉ መቓቓሊ መደናገሪ ተንኮላት ክንነጽጎ ይግባእ።  ምሉእ ህዝቢ ብሓባር –  ይኣክል!  እምቢ ንምልኪ! – ምስ ዝብል ፣ ዲክታቶር እንታይ ክገብር ይኽእል። ኣንጻር መላእ ህዝቢ ዓመጽ ክጥቀም ኣይክእልን’ዩ።

ኩሎም ዲክታቶራት ዝጥቀሙሉ ሜላ፣ መቓቓሊ ኣገባባት ብምጥቃም ንገለን ብምቕራብ ንገለ ከርሕቑ፣ ቀጻሊ ናይ ሓሶት መናፍሕ ተጠቒሞም ከዳንግሩ፣ ኣብ ስኽራን ዝተምርኮሰ ናይ ምዝንጋዕን ምትላልን ትልሂታት ተጠቒሞም ኣንፈት ሰባት ከስሕቱ ህርድግ ይብሉ።  ክሳብ ነቲ ብደቂ ህዝቢ ጀጋኑ ተጋደልቲን ብሰፊሕ ህዝብን ዝተፈጸመ ዓበይቲ ዓወታት ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ንናይ ሓሶትን ምትላልን መደባቶም ኣቀነባቢሮም ክጥቀሙሉ፣ ዝና ጀጋኑ ተጋደልቲን መብጻዓታቶምን ብምጥላም ህዝቢ የበሳብሱ።  እቲ ካልእ ግናይ ሜላኦም ከኣ፣ ኣንጻር ጎረባብቲ  መሰረት ዘይብሉ ጽልኢ ብምትኹታኽ  ጎንጺን ውግኣትን ይጽሕትሩ።   ንኹሉ እቲ ናይ ህዝቢ ሕሰምን መከራን ዘናውሕ፣ ንህዝቢ ናብ ጊላታት ዝቕይር ተንኮላቶምን ሓደገይና ውዲታቶምን ብምቅላዕ ህዝቢ ክነቕሓሉን፣ ዳግም ከይታለል ነብሱ ሓራ ከወጽእን ልዑል ጻዕሪ ምክያድ ይግባእ።

ህዝቢ ካብ ውሽጣዊ ነብሰ-ማእሰርቲ ሓራ ምስ ኮኑ ፣ ጭቡጣት ክዕወቱ ዝኽእሉ ስጉሚታት ክወስዱን፣  ነብሶም ብምሕያል መጻኢኦም ኣብ ኢዶም ከእትውን ይግባእ።  እዚ ከኣ እዩ ምልክን ምልክነትን ብምፍራስ ናይ ዲሞክራስያዊ ሂወትን ሓርነትን መሰረት ዝኸውን።

ናብዚ ንምብጻሕ ብዘይ ስሙር ስራሕን ቃልስን ኣይከኣልን’ዩ። ስለዚ ከኣ፣ ኩሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ሓቀይና ለውጢ ንምምጻእ ቅሩባት ዝኾኑ፣ ኩሎም እቶም ኣብ ሂወቶምን ሂወት ካልኦት ኤርትራውያንን ሓቀይና ሓርነት ንምርግጋጽ ቅሩባት ዝኾኑ፣  ቅልጡፍ ተበግሶታት ብምውሳድ ነዚ ቅዱስ ሓሳባት ክዝርግሕዎን፣ ብዝከኣሎም ንኡስ ኣኼባታት ብምግባር ንስድራቤቶም፣ ኣዕሩኽቶም፣ ጎረባብቶም፣ መሳርሕቶምን፣ ካልእት ዝፈልጥዎምን  ዓዲሞም ንኡስ አኼባታት ብምግባር ክዘራረቡሉ  ንምሕጸን።  ኣኼባ’ውን ክኸውን ግድነት ኣይኮነን።  ንቤተሰብካ ኣብ ገዛኻ ኣብ ዝደለኻዮን ዝጥዕምን ግዜ ክተዘራርብ ይከኣል።  ንኣዕሩኽትኻ ኣብ ገዝኦም ብምብጻሕ ወይ ኣብ ካፈ/እንዳሻሂ ክተዕልሎም ይከእል። እቲ ዕላል ብቐሊልን ምስኦም ብዝሰማማዕን ክጅመር ይከኣል፣ ስዒቡ ናብ ሃለዋት ኤርትራን ዘጋጠመ በደላትን ህልቀታትን  ክእቱ ይከኣል።  ስዒቡ፣ ጠንቂ ናይቲ ዘጋጥም ዘሎ በደላትን ህልቀታትን ተሓታትነቱን ክትዘራረበሉ ዕድል ይኸፍት። በዚ ከኣ፣ ንኻልኦት ጥራሕ ሓላፍነት ምስካም ዘይኮነስ፣ ከም ዜጋ ናተይን ንትካን/ናትኪን  ሓላፍነት እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ብሓባር ምምላስ።

ብዙሓት ዝህብዎ መልሲ – “እቲ ትብሎ ዘሎኻ ኩሉ ሐቂ እዩ፣  ግን ኣነ ናይ ፖለቲካ ሰብ ኣይኮንኩን፣ ናይ ባዕለይ ብዙሕ ጸገማት ኣለኒ” ዝብል እዩ። ስዒቡ ክቐርበሎም ዘለዎ ሕቶ ከኣ፣  ነዚ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ጸገማት ጊላነት፣ ህልቀትን ከርተትን ከልግስ ትደሊዶ? ዝብል ክኸውን ይኽእል። መብዛሕትኦም ዝህብዎ መልሲ “  እወ ከልግስ  እደሊ” ዝብል’ዩ። በዚ ነቲ መተዓልልቲ እቲ ዝቐለለ ክገብሮ/ክትገብሮ ትኽእል ነገራት ብምብርህ፣ ተሳትፎኦም ከረጋግጹሉ ዝኽእሉ ቀሊል ኣገባባት ምሕባር።  እታ እትጥለብ፣ ወላ ብዕላል መልክዕ ምስ ካልኦት ጎረባብቲን ዝፈልጥዎም ሰባትን ናብ  አኼብ ከም ዝመጹ ምግባር እዩ።

ኣብ ዝካየድ ኣኼባታት ንዝሳተፉ፣ ኣድላይነት ናይቲ ኣኼባ ብምቕራብ፣  እቲ ቀንዲ ዕላማ፣ ናይ ህዝብና ስቓይን ከርተትን ንኸብቅዕ፣ እቲ ኣኼባ  ናይቲ ዝዕምብብ ዘሎ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣካል ምዃኑ ምብራህ ይግባእ።  ስዒቡ ናብ ካብ 3 – 5 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ዝሳተፍዎ ዕብይ ዝበል ኣኼባ ምጽዋዕ ይከኣል። ናይ ኣረኣእያን ናይ ዕላማን ሓድነት ድሕሪ ምርግጋጽ፣  መራሕቲ ቅድሚ ምምራጽ – ቦታዊ ኤርትራዊ ባይቶ ናይ ምቛም ስራሕ ይጅመር።  እቶም ኣባላት ብዝወስድዎ ስጉምቲ፣ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ብመንገዲ ኢመይል ተለፎን ወይ በራሪ ወረቐት ኣብ ሰዓቱን ቦትኡን ዝተወሰነ ኣኼብ ንኽመጹ ምዕዳም። ኣብቲ ኣኼብ ድሕሪ መደባት ምሕንጻጽን ናይ እቶም ተሳተፍቲ  – ናይ መሞራንዶም ሰነድ (ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋትና ቀሪቡ ዘሎ) ድሕሪ ምምላእን ምፍራምን –   ኣካየድቲ ናይቲ ቦታዊ ባይቶ ብተሳተፍቲ ይምረጹ። እቲ ኣኼባ ካልኦት 2 ወከልቲ  ዞባ ድማ ይመርጽ። ወይ’ውን ነቲ ሓሙሽተ ዝኣባላቱ ኣካያዲ ኣካል፣ 2 ወከልቲ ክልእኩ ሓላፍነት ክህቦም ይኽእል።

ቦታዊ ኤርትራዊ ባይቶ ንምቛም ዘድሊ ብዝሒ ካብ 5 ንላዕሊ ጥራሕ እዩ።  እቲ ብዝሒ ናይ ተሳተፍቲ ኣብ ዕላዊ ኣኼባ 5 ጥራሕ እንተኮይኑ፣ ቦታዊ ኤርትራዊ ባይቶ ከቕውም ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ መፈለምታ ክጽንበርዎ ዘይከኣሉ፣ ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ ክሳተፍዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ህጹጽ ዕማማት ስለዘሎና፣ ኩሉ ኣብ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ክሳብ ዝሳተፍ ክንጽበ ኣይከኣልን እዩ።  ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝፍጠሩ ዘለው ተረኽቦታታን ኩነታትን ብናህሪ ኣብ ዝጓዓዙሉ እዋን፣ ኩሎም ኣገደስቲ  ዲሞክራስያዊ ትካላትን ቅርጻታታን ብምህናጽ፣  ህዝቢ ኣብ መጻኢ ናይ ሃገርና ኤርትራ – ኣወንታዊ ተራ ክጻወት መድረኽ ይጠልብ ኣሎ።

ድሕሪ ምቛም ቦታዊ ኤርትራዊ ባይቶታት፣ ዞባዊ ኤርትራዊ ባይቶን (ብንነብረሉ ሃገር ወይ ዞና ደረጃ)፣ እቲ ብኣህጉር ደረጃ ዝቐውም – ሃገራዊ ባይቶ –  ካብ ኩሎም ቦታዊ ባይቶታት ብህዝቢ ዝተመርጹ ወከልቲ ይቐውም።  ነዚ ንምርግጋጽ –

  1. ኩሉ ዓቕምታትና ጠርኒፍና ብትግሃትን ተወፋይነትን እንተሰሪሕና፣ ምቛም ቦታዊ፣ ዞባዊ ይኹን ሃገራዊ ባይቶ ፣ ኣብ ዝመጽእ ሓጺር ግዜ (ብኣዋርሕ) ክረጋገጽ ይኽእል እዩ።
  2. እቲ ኣብ መፈለምታ ዝካየድ ስራሓት ይኹን ምርጫታት ንኩሉ መስርሓት ዘጻፈፈ ዘይክኸውን  ይኽእል እዩ። ከም ቀዳማይ ተመኩሮ ነቶም ቀንዲ መትከላት ተመርኩሱ ኣንተ ተኻይዱ፣እናማዕበለ ክኸይድ ይኽእል እዩ።
  3. እቲ ውክልና ዝተመዛዘነ ክኸውንን፣ እቲ ቦታዊ ባይቶታት ንዝለኣኾም ወከልቲ ክስሕብ መሰል ኣለዎ። ስለዚ ከኣ፣ እቶም ነቲ ምንቅስቓስ ናብ ካልእ መእዝን ክጥምዝዙ ዝፍትኑ፣ ንዝተዋህቦም ናይ ስራሕ ሓልፍነት ብግቡእ ዘይፍጽሙ ብቦታዊ ባይቶኦም ክሰሓቡ ይከኣል።
  4. ኩሉ እቲ ኣኼባ ዝኽተሎ ኣገባባትን፣ ናይ ውሳኔን ምድማጽን ኣገባባት ኣብ ኩሉ ጽፍታት፣ ብግቡእ ክስነድን፣ ኩሎም ኣብቲ ምውሳንን ምድማጽን ዝሳተፉ ኣባላት ከኣ ከንብብዎን ነቲ ናይ መሞራንዶም ሰነድ ክመልእዎን ክፍርምሉን ይግባእ።
  5. ኩሎም ሰነዳት፣ ንውሽጣዊ ኦዲተራትን ፣ ግዳማዊ ኣካላትን ውልቀሰባትን ክፉት ይኸውን። እዚ ነቲ ምሉእ ቅቡልነትን ውክልናን ናይ ህዝቢ መረጋገጺ እዩ።

ምቛም ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶን፣ ፈጻሚ ኣካልን ካቢነኡን፣ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካ ዓቢ ምዕባለ እዩ።  ንመጀመርታ እዋን፣ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሓይልን ካብ (ኢለጂቲመት) ዘይሕጋዊ  ጉጅለ ኣብ ኣስመራ ናብ ዋንኡ ህዝቢ ከስግሮ እዩ።  እቲ  ብሃገራዊ ባይቶ ዝቐውም ፈጻሚ ኣካልን ካቢነኡን ፣ ዕላዊ ወኪልን ኣፈይናን ናይ ህዝቢ ኤርትርን ሃገረ ኤርትራን ብምዃን ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን መድረኻት ይዋሳእ።

 

  1. ህጹጽ ዕማማት ናይ ብህዝቢ ዝተመርጹ መራሕቲ
  2. ንኩሎም ዞናውን ኣህጉራውን ትካላት ከም እኒ ሕቡራት ሃገራትን፣ ዞናዊ ትካላትን መንግስታትን፣ ናይ እቲ ሓዲሽ ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ ሃገራዊን ህዝባዊ ትካላትን ሓላፍነቱን መዝነቱን ምሕባር።
  3. ንኹሎም ምስ ኤርትራ ዝተኣትዉ ውዑላትን ዝምድናታትን ብደቂቕ ብምጽናዕ፣ ንህዝብን ሃገርን ብዘርብሕ መንገዲ ምድልዳሉ።
  4. ድልዱል ናይ ሓበሬታን ዜናን ትካላት ብምህናጽ፣ ኣድማዒ ናይ ሬድዮን፣ ሳተላይት ቲቪ፣ ካልእ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ብምጥቃም ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓቀይናን ሃናጺን ሓበሬታን ትምህርታዊ መደባትን ምስርዕ።
  5. ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝህልዉ ተቓወምቲ ውለቀሰባትን ጉጅለታትን ኣድማዒ ርክባት ብምፍጣር፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ስዉር ናይ ተቓውሞ ማእከላት ምፍጣር።
  6. ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ ናይ መጽናዕቲን ምርምርን ክንፊ ምቛም።
  7. ብብቑዓትን ምኩራትን ኣለይቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ክንፊ ምህናጽ።
  8. ንረብሓ ህዝብን ንዕብየት ህዝባዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ዘገልግል ባህላዊ መደባትን ናይ ኪነት ስራሓትን ምክያድ።
  9. ኣብ ቁልፊ ዝኾነ ኣህጉራዊ ከተማታት ምሉእ ውክልና ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ቤትጽሕፈታት ምቛም።
  10. ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት፣ ገንዘባዊን ፋይናንሳውን ትሕዝቶ ንምእካብ ጻዕርታት ምክያድ – ወፈያታት ካብ ኤርትራውያን፣ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊታት ፣ ካብ ደገፍትን ኣዕሩኽን ፍትሓዊ ቃልሲ ዝርከብ ወፈያታት፣ ኣብ ሕቡእ ባንክታት ብዲክታቶር ተጸፍጺፉ ዝርከብ ናይ ህዝቢ ኤርትር ገንዘብ ብሕጋዊ መንገዲ ብምምላስ ወዘተ.. የጠቓልል።
  11. ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝህሉ ዕጡቕ ክንፊ፣ ምስ ኣገደስቲ ኣካላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ምስ ማእከሎት መኮንናት ርክባት ብምፍጣር፣ ሓባራዊ ዕማማት ምስራዕን፣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ናይ ፍትሒ ደምበ ንኽጽምበሩ መንገድትት ምኽፋት።

 

መደምደምታ፣  ጉዕዞና ናብ ኣስመራ፣ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ወይ ቀሊል ይኸውን?

ብእምነትና፣ ብልዑል ተወፋይነትን ቅሩብነትን ፍትሓዊ ስራሓት ኣንተሰሪሕና፣ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ኣስመራ ክንበጽሕ ኢና።  ነዚ ንምርግጋጽ፣ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ናይ ኣሳለጥቲ ንምቛም ግዝያዊ ኣወሃሃዲ ኣካል ኣብ መስርሕ ኣለና።  እዚ ኣካል እዚ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝዕምብብ ዘሎ፣ ህዝቢ ዝማእከሉ ምንቅስቓስ ንምልጋቡን፣ እቲ ዝድለ ሃገራዊ ባይቶ ብጽፈት ንኽቐውም ምሕጋዝ እዩ።  ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብዝወስድው ተበግሶታት  ቦታዊ ኤርትራዊ ባይቶታትን፣ ሃገራዊ ባይቶን፣ ፈጻሚ ኣካልን ብቕልጡፍን ብጽፉፍን ንምቛም ዝካየድ ስራሓት ከወሃሃድን፣ ምልኪን ምልክነትን ብምልጋስ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምህናጽ ግዲኡ ክጻወት እዩ።

ኤርትራን  ምዑት ህዝባን ንዘለኣለም ኣብ ጎደና ፍትሕን ሰላምን ብልጽግናን ክነብሩ እዮም!!!!!!!!

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Wedi Meriet March 12, 2016

    Abiet!
    Fekera fam fam fam.
    Anta beal men ke ekum?
    Eritrawi dea tefiu endiyu abey dea tnebru?

    Belu kem afkum ygberelna ember Isayas dea abotatna ketilus nana zktel teketilu knhadim zkealna kea abzi alena.
    Yesaltelkum belu.

  • ertra n ertrawyan March 12, 2016

    Wedi Meriet
    Ajewjew kab tibl akmika zeyteberkit nsom akmom ygebru alewu. Kulatna aekmina entengebir hagerawi tsintet aymegatemen. kemzi kemaka zameselu ayserhu ayesrhu bezihom ember isayas da hade seb eyu eko.

    • k.tewolde March 12, 2016

      Two contrasting point of views above,however both have a common theme,end of tyranny at home, and the stark reality remains the same.Instead of wisecracking at your bro/sister initiative, it is better if every individual throw that pebble at the pond and it will have a positive ripple effect.Let’s be proactive and take individual responsibility according to our ability, collective individual effort,guaranteed positive outcome. YEMANEYTI IDKA TGEBRO TSEGAMEYTI AYTRAAYO.There are a lot of good people out there doing a lot of good things that is positively impacting our people’s lives and our struggle,but they don’t advertise,let’s join them,instead playing Monday morning quarterback.eritra n ertrawyan writes,’Ajewjew kab tibl akmka zeyteberkit’.

  • Wedi Hagher March 12, 2016

    “ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝህሉ ዕጡቕ ክንፊ፣ ምስ ኣገደስቲ ኣካላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ምስ ማእከሎት መኮንናት ርክባት ብምፍጣር፣ ሓባራዊ ዕማማት ምስራዕን፣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ናይ ፍትሒ ደምበ ንኽጽምበሩ መንገድትት ምኽፋት።”

    ድምጽና

    Higdef has party cells within the EDF. Military officers at various levels are members of Higdef. They are the defenders of the regime. The policies of the regime are implemented by them. Unless those who want stand with their people, move against the corrupt officers, and clear the way for the opposition to work in the country, there is no way to bring together the military officers and opposition armed groups. Unfortunately, an armed conflict seems unavoidable.

  • Simon G. March 13, 2016

    Once the string theory is solved, Eritrean problem will be solved immediately. It is just like a mystery!

  • Tewolde March 13, 2016

    Kendi tsegemna izom ab wetsae konkum kithissuwu tiwuelu zelekum iyu

  • Bereket T. March 14, 2016

    ertra n ertrawyan aka Hagherawi, Wedi Hagher and so many other deceiving names.
    Why can’t you use your real name for a change and be taken seriously instead of being a pathetic and amateur comedian?

  • Wedebat March 15, 2016

    “Why can’t you use your real name for a change and be taken seriously instead of being a pathetic and amateur comedian?”

    Twinkle twinkle little spy !!
    How I wonder who you are !!

    • Bereket T. March 15, 2016

      Wedebat aka ertra n arebawian, Hagherawi, Wedi Hagher and so many other comedian names. Why do you choose hagherawi Eritrean names when you are NOT a genuine wedebat Eritrean? Just like your Iraqi muslim comedian man, you are simply comedian Ali. Stay away from Eritrean business as they are only matters for real dekebat Eritreans. Once an amateur comedian then always an amateur sad old comedian.

  • Wedebat March 15, 2016

    “Wedebat aka ertra n arebawian, Hagherawi, Wedi Hagher and so many other comedian names. Why do you choose hagherawi Eritrean names when you are NOT a genuine wedebat Eritrean?”

    Bereket T. aka Teclay

    You know, my family’s history is older than Eritrea by at least 700 years.

Post a Reply to Wedi Hagher Cancel Reply