Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ኣብ ቅልውላው – ህጹጽ ብድሆን ስሙር ተግባራትናን – ብ ድምጽና – 2ይ ክፋል

ኤርትራ ኣብ ቅልውላው - ህጹጽ ብድሆን ስሙር ተግባራትናን ድምጽና መጻኢና ኣብ ኢድና መእተዊ ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ ካበይ ንበገስ፣

ኤርትራ ኣብ ቅልውላው ህጹጽ ብድሆን ስሙር ተግባራትናን

ድምጽና

መጻኢና ኣብ ኢድና

መእተዊ

  1. ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን
  2. ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን
  3. ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ
  4. ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት
  5. ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ
  6. ካበይ ንበገስ፣ ብኸመይከ ንስራሕ?
  7. ኣገባባት ውደባ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንፖለቲካዊ ተግባር
  8. ቀጥታዊ ዕማማትን፣ ህዝባዊ ውክልና ዘለዎ መሪሕነት ህዝባዊ ቃልሲ

መደምደምታ፣ ጉዕዞ ዓወትና ናብ ሃገርና/ኣስመራ፣ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ይኸውን?

ካልኣይ ክፋል

  1. ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ

መድረኽን ካልኦት መሰልቶም ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝጸዓን ፖለቲካዊ ሞደል ይጥቀሙ። እቲ ሞዴል እቲ ንነዊሕ ዓመታት ተፈቲኑ፣ ፍረ ግን ኣየርኣየን።  ቅድሚ ሃገራዊ ረብሓ ናይ ስልጣን ሕሳባቶም ስለ ዘቐድሙ፣ ምሉእ ስምረትን ስምምዕን ክፈጥሩ ኣይከኣሉን።  ብኣፎም ብዛዕባ ስምረትን ሓድነትን ብዙሕ ይዝምሩ፣ ኣብ ውሽጦም  ግን ኣብ ውድድርን ህልኽን ዝመልኦ ኣብ  ናይ ስልጣን ቁሩቁስ እዮም ዝነብሩ። ውጽኢቱ ከኣ፣ ውድቀትን ምብትታንን ምድኻምን ኮይኑ። በዚ ኣገባብ እዚ፣ ወላ’ውን ዲክታቶር ብባህሪ ይኹን ብኻልእ እንተልገሰ፣ ብኻልእ ዲክታቶር እዩ ክትካእ።

እቲ ዝሓሸ ገንዘባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ – መድረኽ፣  ቀንዲ ዘወርቱን መራሕቱን፣ ቅርዑው ተመኩሮ ዘይነበሮም፣ ብዲክታቶር ተመልሚሎም፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ዲክታቶር ከም ድላዩ ዘዋፍሮም ዝነበሩ ሰባት ዝሓቖፈ እዩ። ገሊኣቶም፣ ድሕሪ እቲ ጨካን ንዓለም ዘደንጸወን ዓለም ብዓለሙ ዘእወየሉን – ንብጾቶም ነበር ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን፣ ንጹሃት ጋዜጠይናታትን ዓበይቲ ዓድን ምእሳሩን ምስዋሩን፣ ድግድጊት ተዓጢቖም ንዲክታቶር ዘገልግሉ ዝነበሩ እዮም።  እዞም ሕሉፍ ጌጋታቶምን ኣገልገልቲ ምልኪ ምንባሮምን ኣብ ክንዲ ምቕባልን ይቕረታ ምሕታትን፣ ተሞክሮኦም ኩሓሒሎም ሓቀይና ተመኩሮኦም ክሓባብኡን፣ ብዘይ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሰርሑ፣ ሕንከተ-ኣልቦ ብኸመይ ክእመኑ ይኽእሉ? ህዝቢ ንምስሓብ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ርክባት ከምዘለዎም ይዛረቡ። ግደ ሓቂ፣ እቲ ዘለዎም ርክብ ምስ ገለ ጀነራላትን ናይቲ ስርዓት ኣገልገልቲ ዝጸንሑን ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፣ እቶም መራኽብቶም፣ ወላ ምቹእ ዕድል እንተረኸቡ፣ ንጹህ ፍትሓዊ ስራሕ ክሰርሑ ዘተኣማምኑ ኣይኮኑን። ጨና ናይ ዲሞክራሲ ዘይፈልጡ፣ ዳግም ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝጸዓን ምልካዊ ስርዓት ምስ ዝጽዕኑ፣ ካብ ሽግር ናብ ሽግር ምእታው እዩ ዝኸውን።

ስልጣን ካብ ታሕቲ ክመጽእ ኣለዎ። ዳግማይ ኢሳያስ ወይ ዲክታቶር ዝበሃል ክህሉ የብሉን!!!!!  ስለዝኾነ፣ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ሱርን ጉንድን ምልክን ምልካዊ መሓውራትን ምልጋስ እዩ ዝጠልብ። ብምትሕብባር ምስ ኩሎም ኣብ ስልጣን ህዝቢ ዝኣምኑን፣ ህዝቢ ዝማእከሉ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንምቛምን ንምድልዳልን ምዕዋትን ዝሰርሑ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ፣ እዚ ጠለብ እዚ ምዕዋት ይከእል እዩ ዝብል እምነት ኣሎና።

 

  1. ምልክን ምሓውራቱን ሓጺርካ ንምስዓር ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ምልካዊ ጉጅለ፣ ብዓቕመ ኣእሙሮን ናይ ምሕሳብ ሓይሉን ክምዘን እንከሎ ኣዝዩ ድኹምን ሳንፉፍን እዩ። እቶም ዝፍጽሞም ጌጋታት ክትርኢ ከልኻ፣ መባእታ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ዘይፍጽሞም ጌጋታት ትርኢ።  ብርግጽ፣ ህልውንኡን ፣ ንነዊሕ ዓመታት ክቕጽል ምኽኣሉን ኣብ ናቱ ዓቕሚ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ፣ ኣብ ዘይስምረትን ድኽመትን ናይ ኤርትራውያን ዝተምርኮሰ እዩ። ብናይ ሓሳብ ዓቕሚን ምብልሓትን ዝጠፈሸ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ንዕኡ ዝገጥም ስንኩፍ ኣገባባትን ልሕሉሕ ምሕዝነታትን ስለዘይሰርሐ ክስዕሮ ኣይከኣለን።  ወርቂ ቢሻን ካልእ ንዓመታት ኣብ ወጻኢ ብስዉር ዝቐበሮ ሃብቲ እናሃለወ፣ ናይ ኤርትራ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ መሬት ዘቢጡ። እሙናት ኣገልገልቱ ኣናወሓዱ ከይዶም። ኩሎም ለባማትን ክኢላታትን ዝበሃሉ ኣርሒቑዎምን ኣደስኪሉዎምን፣ ሞራል ናይ ጉጅልኡን ሰዓብቱን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ የንቆልቁል ኣሎ። ብሓጺሩ፣ ብዳጌፋ-ሂወት ዝነብር ባዶ ጎጅለ እዩ።

ናይ ለውጢ ኩነታት በሲሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝለዓል ኣገዳሲ ሕቶ፣  ብናይ መወዳእታ ጉስጢ ዕድሚኡ ብምሕጻር፣ ዳግም ምልኪ ንኸይመጽእ ውሕስነት ዘለዎ ስትራተጂ ኣየናይ እዩ? ዝብል እዩ።

ሰፊሕ ስምረት  ህዝቢ ኣንጻር ምልኪን ምልክነትን –  ንዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓት፣ ድምጽናን ምስ ድምጽና ስትራተጂካዊ  ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ዘሎዎም ብጾትናን፣ ናይ ኣሳላጢን ኣወሃሃዲን ሓላፍነት ክንስከም ቅሩብት ኢና። ኩሎም፣ ህዝቢ ዝማእከሉ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝቐንዐ፣ ቦታዊ ባይቶን ብኣህጉር ደረጃ ዝቐውም ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶን ንምቛም ዝተዓጥቁ ሲቪክን፣ ማሕበራውን፣ ሞያዊ ኣካላት፣ ማሕበረሰባት፣ ሃይማኖታዊ ትካላት፣ ንህዝባዊ ትካላት ዝምእዘዙ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ናይ ሞያን ናይ ዕድመን ጸጋ ዘለዎም ኤርትራውያን፣ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን  ብምስማር ናይ ህዝቢ ምሉእ ዋንነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ምንቅስቓስ ምህናጽ እዋኑ እዩ።

ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጲያን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተይናታት ኣብ ዘለውዎ ቦታታት  ቦታዊ ባይቶታት ኣቑሞም ምስ ኣብ ካልእ ሃገራት  ዘለው ኣሕዋቶም ተኣሳሲሮም ሽግሮም ክፈትሑን፣ ሽግራቶም ዓቢ ቆላሕታ ረኺቡ ንቡር ሂወት ዝረኽቡሉ ኩነታት ንኽፍጠርን፣ ዕድመ ስደት ንምሕጻርን፣ ምስ መንግስታት ጎረባብቲ ሃገራት ርክባት ምፍጣር  ኣገዳሲ ይኸውን።

 

  1. ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ

ኣቐዲምና ኣብ ጽሑፋትና ከም ዝጠቐስናዮ፣ ኣብ ትሕቲ ፈጻሚ ኣካል ናይ ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝሰርሕ – ዕጡቕ ክንፊ – ሂወታዊ ኣካል ናይ ፍትሓዊ ቃልሲ እዩ።  ኣገደስት ዕማማት ዕጡቕ ክንፊ እዚ ዝስዕብ የጠቓልል፣

  1. ምልካዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጾሞ ዓበይቲ ገበናት ንምምካት፣ ኣድላዩ ህጹጽ ስጉምቲ ምውሳድ። ንኣብነት ምፍራስ ኣባይቲ ዜጋታት ምፍራስ ይኹን ካልእ ገበናት። ኣዝዮም ብልሹዋት ንዝኾኑን፣ ዜጋታት ምንባር ዝኽልኡ ዕሉላት ገበነይናታት ኣድላዪ ትምህርቲ ምሃብ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከብ፣ ናይ ዲክታቶርን መዳኽርቱን መባዕለጊን መሕብእን ቦታታት ኣብ ዓዲ ሃሎ ይኹን ካልእን ናብ ዋንኡ ህዝቢ ከም ዝምለስ ምግባርን። ዲክታቶር ምስ ዝተሓዝ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ እምበር ኣብ ልዕሊኡ ኣካላዊ ጉድኣት ከወርዶ ኣይግባእን ፣ እተን ናይ ገበን ሸነቡ ግን ተላጽየን ናብ ቤተ-መዘክር ምልኣኽ።
  2. ስዉር መንገድታት ብምጥቃም፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ምልኩ ዘለዉ ሰራዊትን መንግስታዊ ትካላትን ናብ ደምብ ፍትሒ ዝመጹሉ ውሑስ ኩነታት ምፍጣር።
  3. ነቶም ዕሉላት ገበነይናታትን ጸር-ህዝቢ ዝኾኑ ጸየቕትን መጠንቅቕታ ምሃብን፣
  4. ነቲ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ዝቖመ ህዝባዊን ሃገራውን ትካላት ምሕላውን ካብ ሓደጋታትን ምብራስን ምድሓን፣
  5. ትምህርታውን ዜናውን ህዝባዊ ጎስጓስን ኣብ ውሽጢ ሃገር ምክያድ።

እቲ ዝቐውም ዕጡቕ ክንፊ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ጎንጺ ኣይኣቱን እዩ። ብዘይካ እቶም  ገበርትን ሓደግትን  ላዕለዎት ጀነራላት፣ እቶም ዝበዝሑ ኣዘዝትን ኣባላት ሰራዊትን ነዚ ህዝቢ ዝማእከሉ ፍትሓዊ ቃልሲ ከም ዝድግፍዎ ጥርጥር የብሉን። ስለዝኾነ ከኣ፣ ኣካሉን ዋናታቱን ንክኾኑ መንገድታት ምኽፋት እዩ።  እዚ ጉዳይ ዕጡቕ ክንፊ፣ ከም ሓሳብ ንዘተ ኢና ነቕርቦ ዘለና። ናይ መወዳእታ ውሳኔ፣ ንህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝምልከት ይኸውን።

 

  1. ካበይ ንጀምር – ብኸመይከ ንስራሕ?

ንፍቶ ንጽላእ፣ ኤርትራዊ ሽግራትና ንምፍታሕ እንኮ መንገዲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምምላስ እዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ብልሕን ሰፊሕ ኣእምሮን ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ ርጉጽ እዩ።  ጣልያን ኣብ ኤርትራ እትው ምስ በሉ ዘረጋገጽዎ ነገር እንተኔሩ፣ ዓቕምታት ህዝቢ ኤርትራ ምፍላጥ’ዩ።  ይኹን እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዘበናት ተረጊጹ፣ ተሳቕዩ፣ መሰላቱን ሓርነቱን ከኣ ተነፊጉ። ጣልያን ብልሑ ንምጉዳምን፣ ፍልጠት ንኸይድልብን ትምህርቲ ከልኪሉ፣ ከም ትሑት ኣገልጋሊ ጥራሕ ንክኸውን፣ ሳእኒ እግሪ እኳ ከወዲ ኣየፍቀደሉን። ናይ መባእታ ሕሳብን ቋንቋን  ኣርባዕተ ክፍሊ፣ ንተርጎምትን ደቂ ኣገልግልቱን ጥራሕ ብምፍቃድ ኤርትራውያን ካብ ብርሃነ-ፍልጠት ከም ዝኸወሉ ጌሩ።

እሞኸ፣ 10 ዩኒቨርሲቲ ካሳብ ንሃንጽ ዲና ክንጽበ፣ወይስ ኣብቲ ድልዱል ውርሻናን ባህልናን ዝተምርኮሰ ልቦና ህዝብናን ሃብታም ተመኩሮኡን ብምጥቃም ሽግራትና ክንፈትሕ?

ብቐዳምነት፣ ሎሚ እንተድኣ ቅኑዕን ጽፉፍን ሰራሕ  ሰሪሕና፣  ጽባሕ  ዝበለጸት ክትከውን እያ፣  ዝብል ኣብ ሃብታም ውርሻናን  ህርኩትና  ህዝብናን  ዝምርኮሰ- መልእኽተተስፋ  ምጭባጥ እዩ።  ብሓጺሩ፣ ቀዳማይ ዕማምና ህዝቢ ሓቀይና ዋናታት ናይ መጻኢኦም ምዃኖምን፣  ሓራ ናይ ምውጻእ ጉዳይ ኣብ ኢዶም ከምዘሎን ብምእማን፣ ምሉእ ሓይሊ ናይ ሓርነት ከም ዝውንኑ ምግባር እዩ።

ግደ ሓቂ፣ ወላኳ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ቤት ማእሰርቲን መዳጎንን ምህላው ሓቂ እንተኾነ፣  እቲ ዝኸፈአ ቤትማእሰርቲ፣ ንኤርትራውያን ቀፊዱ ኣልሚሱዎምን ኣንጻር ምልኪ ንኸይላዓሉ ከልኪሉዎም ዘሎ –  ነብሰማእሰርቲ  እዩ። ንሱ ከኣ፣ ፍርሒ፣ ምጥርጣር፣ ዘይምትእምማን፣ ዝተደናገረ ኣተሓሳስባ፣ ተስፋ ምቑራጽን  ኮይኑ፣ ንዳርጋ ሓሙሽተ ዘበናት (ዓሰርተታት ዓመታት) ብዲክታቶር ክዳሃኩ ብምጽንሖም ዝተፈጥረ ጸገም እዩ።  እቲ  ክበጣጠስን ክድምሰስን ካብ ህዝቢ ክውገድን ዘለዎ ቀዳማይ ዕርዲ ዲክታቶርነት –   ናይ ነብሰማእሰርቲ መቑሕ እዩ

 

ይቕጽል…

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • k.tewolde January 26, 2016

    TSIBUK BISRAT!

  • Simon G. January 26, 2016

    I like this section: ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ. Don’t we have those guys who are operating inside Eritrea (Serawit Hidri or so) and trying their best to destroy the spy agents of HGDEF? Why aren’t we fully supporting those group? We can come up with all these procedures but at the en of the day we need people who can implement it.
    Knowledge only is NOT Power. Implementing (utilizing) Knowledge is Power!

    • AHMED SALEH !!! January 27, 2016

      Hi Simon
      Well , when we transform our activity from paper tigers to the real
      practical fighters , by then we may start to recognize and give needed
      moral and material support for those group inside the country .
      So far the disfranchised opposition parties failed people’s expectations.
      But we should admit political struggle has never been pleasant & easily
      controllable experience in people’s life .
      God for bid , let’s hope for better ending to those poor Eritrean people
      in dire need at this moment . At least we also will get peace of mind
      contrary the bad news we hear repeatedly.

    • Tewelde gebremariam April 23, 2017

      Those who are calling for fundamental change through armed intervention in Eritrea are woyane ploys sworn to plunge the people into blood bath of civil war. They must opposed, exposed and confronted at every level ,all time and everywhere.

  • Hadera Debrom. January 27, 2016

    We going to support, advocate&fight for this adia.we don’t

    Have other choice.Believe me 90%Serawit Hidri is waiting for this action.

  • divided house January 28, 2016

    I agree the characterization of Medrekh by the writer/our voice ,the only difference is the ex-collaborators of Isaias (could still be going on)..have their members and leadership have in an open ,our voice does work clandestinely ,covered like Eritrean countryside/village bride ,this is off putting to Eritreans.
    As our voice is advocating openess and democracy ,democracy does not function behind curtains ,so lead in openess or else ,people shall choose the devil they know ,than the “angel” behind a skirt.

  • aus 17 January 29, 2016

    Well done brother
    once our people reach the necessary awareness of the regime’s nature and those standby awaiting to snatch any opportunity to deviate the mass aim to own interests as Medrekh is harding working for, then we will have Little choice unless we pave the way for a real democracy, justice and coexistence in the Mosaic Eritrea.
    You are doing good, keep on this probing, informing and warning signals that we all keenly want. There are wolves worse than Before, who like to work in dark Environment and without account; explicitly saying to us: blind your Eyes we can lead you again for 25 years! Medrekh is one of the dangerous hidden movement.