Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ዘሰንብድ ምጽንቃቕ ሰብ ሞያ ጥዕና የጋጥማ ከምዘሎ ምንጭታት ሰብ ሞያ ጥዕና ብጭብጢ ኣሰንዮም ሓቢሮም። – ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዳርጋ 50 ሚእታዊት ዶክተራት ኤርትራ ተሰዲዶም።

ኤርትራ ዘሰንብድ ምጽንቃቕ ሰብ ሞያ ጥዕና የጋጥማ ከምዘሎ ምንጭታት ሰብ ሞያ ጥዕና ብጭብጢ ኣሰንዮም ሓቢሮም። -  ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዳርጋ 50 ሚእታዊት ዶክተራት ኤርትራ ተሰዲዶም። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንሃገርና ኤርትራ ኣድክዩዋን

ኤርትራ ዘሰንብድ ምጽንቃቕ ሰብ ሞያ ጥዕና የጋጥማ ከምዘሎ ምንጭታት ሰብ ሞያ ጥዕና ብጭብጢ ኣሰንዮም ሓቢሮም። –  ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዳርጋ 50 ሚእታዊት ዶክተራት ኤርትራ ተሰዲዶም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንሃገርና ኤርትራ ኣድክዩዋን ኣዕንዩዋን ኳ እንተኾነ፡ ብተዛማዲ ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ብሕልፊ ድማ ኣብ ምንካይ ሞት ትሕቲ 5 ዓመት ቆልዑን ሕርስን ኣውንታዊ ምልክታት ክርአ ኸሎ፡ ኣብ ክታበት ክሳብ 90 ካብ ሚእቲ ዝበጽሕ ሸፈነ ከምዝነበረ ጠቒሶም። እዚ ብዘይሕለል ጻዕሪ ሰራሕተኛታት ማሕበረሰባዊ ጥዕና፡ መሕረስቲ፡ ነርሳትን ዶካትርን፡ ከምኡ `ውን ገንዘባውን ተክኒካዊ ደገፍ ዘበርከቱ ኣህጉራውያን መወልትን ዝተረኽበ ገስጋስ ከምዝነበረ `ውን ኣዘኻኺሮም።

ይኹን`ምበር፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ እዚ ዓንዲ ሕቖ ኣገልግሎት ጥዕና ዝኾነ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣስታት 50 ሚእታዊት ናብ ስደት ኣምሪሑ ኣብ ኤርትራ ዓቢ ሃጓፍ ከምዝገደፈ፡ ካብ 2006 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ ንዋሕዚ ስደት ኢርትራውያን ዶካትር ብደቂቑ ዝተኸታተሎ ብዓል ሞያ ጸብጺቡ።

ኣብ ኤርትራ ልክዕ ከም ኣብ ኩሉ መዳያት እዋናዊ ዝኾነ ጸብጻብ ዓቕሚ ሰብ ኳ እንተዘየልቦ፡ ብመሰረት እቲ ዶክተር ዝተኸታተሎን ዘዳለዎን ጸብጻብ፡ ካብቶም ብሃገር ደረጃ ዝነበሩ ኣስታት 500 ናይ ጥዕና ዶክተራት፡ 240 ሃገር ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ። 14 ካብዚኣቶም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብስም ሰላም ምፍርራም ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ውሽጢ`ዚ ዝሓለፈ ዓመትን ፈረቓስ ዝተሰደዱ ክኾኑ ከለዉ፡ 4 ካብዚኣኣቶም ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ እዮም ካብ ኤርትራ ወጺኦም።

እቲ ኣብ ሰለስተ ዝተኸፋፈለ ንሃለዋት ዶካትር ጥዕና ኤርትራ ዝገልጽ ጸብጻብ ዝርዝሩ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

1ይ – ኣብ ነዊሕ ኣገልግሎት ሞያ ጥዕና ዝጸንሑ ኣብ ኢትዮጵያን ካልእ ናይ ወጻኢ ሃገራትን ካብ ዝሰልጠኑ 26 እንተላይ 11 ናይ ሓፈሻዊ ሕማማት ዶካትር (general practitioners) ከምኡ `ውን 4 ናይ መጥባሕቲ ክኢላታት ዝርከቡዎም ናይ ዝተፈላለየ ዓውዲ ጥዕና ሓካይም ድሮ ኣብ ስደት ይርከቡ።

2ይ – ኣብ ኮለጅ ጥዕናን ሕክምና ስንን ኦሮታ ካብ ዝሰልጠኑ 354 ሓካይም 174 `ውን ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣለዉ።

3ይ – ኣብ ኮሌጅ ጥዕና ኦሮታ ካብ ዝሰልጠኑ ብፍላይ ካብ ናይ ሕክምና ስኒ ዶክተራት፡ ካብ 51 እቶም 11 `ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ሃገር ገዲፎም ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣለዉ።

ብምኽንያት ምድኻም ኣገልግሎት ጥዕናን ዋሕዲ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብቑዕ ኣገልግሎት ክረክብ ዘይከኣለ፡ ኣቐዲሙ ኣሽሓት ዶላራት እናከፈለ ሱዳን እናኸደ ዝሕከም ዝነበረ ህዝብና፡ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ድሕሪ ምጅማሩ `ውን ኣብ ኣብያተ ጥዕና ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ መንገዲ ይሕከም ከምዘሎ ይፍለጥ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ሃብተ January 3, 2020

    እና ምን ይደረግ።

  • Fikre Tedros January 4, 2020

    It is so sad that Eritrean youth see fleeing home land as their only option. The dictator has turned our country into a hell that we cannot wait to run away from. We need to stand up united to get rid of the crazy monster called iseyas.

POST A COMMENT