Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤውሮጳ፣ ተሓምበለ፣ ምስ ደለይቲ ፍትሒ! – ኣለና

ቀዳማይ ክፋል
ኣለና
18 ሚያዝያ 2012

ከምቲ ኣያ ካሕሳይ በዓል ሃዳሙ-ሽላሎ ብወርሒ መጋቢት 1988 ኣብ ግዜ ዓወት ምድምሳስ ግንባር ናቕፋ /ናደው እዝ/ “…ተሓምበለ’የ…ተሓምበለ! … ኣንቲ ጸሓይ መረብ ናይ ልበይ ደሞ ክዛረብ፤ ናይ ልበይ” ዝበሎ፤ ኣነ’ውን ብውሽጢን ብደገን ብዘለዉ ኣባላት ደምበ ኣለና ንዝተዋህበኒ እዋናዊ ተልእኾ ንምፍጻም፤ ኣብዚ ንመጀመርያ ግዜ ዝገበርኩዎ ናይ ኤውሮጳ ዑደተይን ርክብ ምስ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ልበይ ንክዛረብ ውሽጣዊ ማዕበል ደፍኣኒ።
ካብ ካናዳ ቅድሚ ምብጋሰይ ኣብቲ ብዕለት 24 መጋቢት ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝተገብረ፣ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤውሮጳ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፎ ዓመታዊ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ንክሳተፍ ብዝተገብረለይ ዕድመ መሰረት፣ ምስ ምሉእ ተስፋን ሞራልን ኣብቲ ሆጭ! ዝበለ ኣዳራሽ ኣተኹ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተፈለኹዎም ገዳይም ተጋደልቲን ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ድማ ረኺበ።
ኣካየድቲ ማሕበር ደቀንስትዮ ዞባ ኤውሮጳ ወግዓዊ መኽፈቲ ብድሕሪ ምግባረን፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣቶ ጸጋይ ዮሃንስ፣ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑን ካልኦት ሓለፍቲ ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳን ነናይ ቦትኦም ገምጋም ኣቕረቡ። ሽዑ ምሸት ብዝተዋበኒ ዕድል፣ ምስ ኩላቶም ኣጋይሽ ብድሕሪ ምልላይ ናብቲ ተሰሪዑ ዝነበረ መደብ ኣቶና። ኩሉ ተሳታፊ ነታ ብሃንቀውታ ዝጽበያ ዝነበረ፣ ብወፈራ ኢደይ-ኢድካ ደላይ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ምሕታም ዝበቕዐት ታሪኻዊት መጽሓፍ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” ብኣዝዩ ርትዓዊ ዝኾነ ዋጋ ሻማ-ሻማ ኢሉ ዓደጋ።
ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ዝደለዮ ናይ ሓርነት ኣዳራሽ ንምብጻሕ ብኣዝዩ ኩርኳሕ ዝኾነ ጽርግያ በብዓቕሙ ይቃለስ ኣሎ። እቲ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ዝጎዓዘሉ ዘሎ ሓርጎጽጎጽ መንገዲ ብዓቢኡ ህግደፍ ዝፈጠሮ ጸገም’ኳ እንተኾነ፤ እቶም ብቀትሪ ናይ ተቓወምቲ ግርምብያለ፣ ብለይቲ ግን ናይ ህግደፍ ማልያ ዝተኸደኑ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝዓረዱ መሻርኽቱን እውን ብታሪኽ ዝፍረዱሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን።
ንሕና ነዚ ሕልና-ኣልቦ ኣዕናዊ ስርዓተ-ዓዋሉ ንምስዓር ንቃለስ ዘለና ደቂ ኤርትራ ድማ ብዘይካ ስመርርርርር ብዝብል እዋናዊ ጭርሖ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ምኻድ ካልእ ምርጫ የብልናን። ጭፍራ ህግደፍ ኤርትራዊ መንነት ካብ ገጽ መሬት ንምሕካኽ ብኣዝዩ ስዉር ጥበብ ካብ ዝሰርሕ ኣይወሓደን። እንተኾነ ዘርኢ ሰብ ከም ህጓጉያ ኣልሕያ /ዘንገዳ/ ብዘይ ኣሰር ስለዘይጠፍእ እቲ ንምጥፋእና ዝተጠጅአ ቡቕሊ ደጊም ኣይክጽሞቕን ኢዩ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ እዋን’ምበኣር ንሕና ነቲ ናብ ምጥፋእ ገጹ ዝኣንፈተ መንነትና ንምምላስ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ሓደ ንክንከውን ብታሪኽ ንሕተት ኣሎና። ሜላ ፈላሊኻ ግዛእ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ፣ ባዕሉ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት፦
“…እዛ ሃገር’ዚኣ ሶማል እንተኾነት፤ ኣስመራ’ውን ዳግማዊት ሞቓድሾ እንተኾነት ኣይእግመንን ኢዩ…ሎሚ ኣብዛ ሃገር ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ የለን! እቶም ንኸውን ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ድማ ናብ ጎዳጉዲ ኣእቲናዮም ኢና” ወ.ዘ.ተ…ዝብሎ ዝነበረን ዘሎን ብጽሞና ክንሓስበሉን ክንትንትኖን ይግበኣና። ብዘይካ እከይ ግብሪን እንክሒራን ካልእ ክሓስብ ዘይተዓደለ ስርዓት ህግደፍ፣ እቲ ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ካሪክለም ናብ ኤርትራን ህዝባን ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንኮላይ ናብ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን እውን ዝዓለመ ከም ዝነበረ ነቲ “…ኣዲስ ኣበባ ዳግማዊት ባቕዳድ ክንገብራ ኢና” ኢሉ ፈንጂ ዘባርዑ ዕጡቓት ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኹ ጥራይ ክዝከር ይግበኦ።
ተሓምበለ! ኣለና ብውሽጥን ብደገን!! ኣለና ኣብ ቅርዓት ህግደፍን ኣለና ኣብ ኣፍንጫ ኢሳይያስን!! “ወይልኻ ጣላ ብዕራይ ምስ ተረፍካ ዳሕራይ” ከም ዝበሃል፤ ኣንቱም ህዝባዊ ሱናሚ ንምዕጋት ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ተዕገርግሩ ዘለኹም ጠላማት ወይልልኹም!
ንሕና ሕድሪ ሰማእታትን፤ ንዝኽሪ መቕዘፍቲ ስንኩላን ማይ-ሓባርን ኣብ ከብድና ሰኽቲትና፤ ነቲ ከም ጉንዲ በለስ ብውሽጡ ዝቦኽቦኸ ኣርቲፊሻል ስርዓት ህግደፍ ንምድምሳስ ምስ ኩላቶም ኣብ ውሽጢን ደገን ዘለዉ ተቓለስቲ ዜጋታት ኤርትራን ደገፍቲ ሃገራትን ተተሓሒዝና ናብቲ ብቐረባ ዝረአ ዘሎ ብሩህ ተስፋ ገጽና ንምርሽ ኣሎና። ደምበ ኣለና ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ዝጀመርናዮ ጎስጓስ ብጽሑፍ፣ ናብ ምዝርጋሕ ታሪኻዊት መጽሓፍን ዝርርብ ኣብ ሰሚናራትን በጺሕና ኣሎና። በቲ ዝተመደበ ትልሚ፣ ብድሕሪ እቲ ኣብ ዕለት 24 መጋቢት ዝጀመረ መላለዪ ምሸት ጉዕዞ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ቀጸለ። ብዕለት 1 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ኩላቶም ተቓወምቲ ህግደፍ ከተማ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን ዝተረኽቡሉ ውዕዉዕን ዕዉትን ርክብ ተገብረ።
‘ዘሎስ ይራኸብ ደኣ’ ከም ዝበሃል፣ ኣብ ሰሚናር ከተማ ሽቱትጋርት ምስቲ ብወርሒ ጥሪ 1977 ዓ.ም. ዝተፈለኹዎ፣ ሓደ ካብቶም ብኢሳይያስ “ተረፍ መንካዕ” ተባሂሉ ዝድለ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ወልደማርያም ኣብርሃም ተራኸብኩ። ምስታ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት እትርከብ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮም ረድዮ ድማ ብጉዳይ ሃገርን እዋናውያን ዛዕባታትን ዝድህስስ ንክልተ ሰዓታት ምስ ገዳይም ተቓለስቲ ኣቶ ሃይለ ማርቆስን ኣቶ ተኸስተ ተስፋማርያምን (ሓረስታይ) ቃለ-መሕትት ኣከየድኩ።
“ፍልማዊት ኣደ ናይ ሞራል ናይ ተስፋ፣ ቦኽሪ ሳሕል ዓባይ ናቕፋ’ያ ኢያ ናቕፋ” ከም ዝበሎ ስዉእ ተጋዳላይ ዑቕባጋብር፤ መበገሲት ቦታይ ድማ እታ ቅድሚ ኩላተን ከተማታት ዝረገጽኩዋ፣ ቦኽሪ ኤውሮጳ ዓባይ ከተማ ፍራንክፈርት ኢያ።
ብመሰረት ንዕለት 7ን 8ን ተሰሪዑ ዝነበረ መደበ ሰሚናር ምስ ደለይቲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ፣ ባሕሪ ተሳጊረ፣ ናብ ዋና ከተማ ደንማርክ-ኮፐንሃገን ምስ ረገጽኩ፣ ምስቲ ኣብ ፓልቶክ ዝፈልጦ ዝነበርክ ገዲም ተቓላሳይ ሃይለ ወልደሚካኤል /ሳላኹም/ ተራኸብና። ንመሬት ስዊድን ረጊጸ ናብ ኖርወይ፣ ከተማ ኦስሎ ኣተኹ።
ኣብቲ ብዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዝተገብረ ሰሚናር ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ግብሪ፤ /Eritreans for Action/ ብዝብል ማሕበር ካብ ሓያለይ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተጠርነፉ መንእሰያት ኣዋዓዊዖሞ ኣምስዮም። ካብ ከተማ ፍራንክፈርት ተበጊሰ ክሳብ ዝምለስ ምሳይ ዝተጓዕዙን ኣብ ደጀነይ ዝኾነት ከተማን ብኩሉ ሸነኻት ንዝተሓባበሩኒ፤ ደለይቲ ፍትሒ (ብፍላይ ንኣቶ ሃይለ ተኪአን ኣቶ እስክንድር ገብረሂወትን) ድማ ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ብሩህ ተስፋ ወቕቲ፣ ልዕሊ 80% ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ካብ ስርዓት በጋሚንዶ ህግደፍ ብልቡ ካብ ዝባተኽ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ብኣልማማ ግፋ ዝተኣከበ ኣስታት 275 ሽሕ ሰራዊት ሳዋ ከኣ ብርግጽ ፈዳይ ሕነ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ዳግማይ ዕርዲ ኢሳይያስ ኣይኪኸውንን ኢዩ። ስለዚ ገበነኛ ኢሳይያስ በቲ ንጥፍኣትና ኢሉ ዘዋፈሮ ዓረር ክዝበጥ’ምበር ብኣናፊለስ ጣንጡ ተነኺሱ ብናይ ርእሲ ዓሶ ዳግማይ ናብ እስራኤል ኣይክኸይድን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብጭፍራ ህግደፍ ንነዊሕ ዓመታትዝተዋጠየሉ፦
 ደምበ ተቓውሞ ብናይ ጀብሃ ተረፍ-መረፍ ዝተፈጥረ ጉጅለ ኢዩ፣
 ደምበ ተቓውሞ ብደቂ ኣከለጉዛይ ጥራይ ዝግበር ዘሎ ዕግርግር ኢዩ፣
 ደምበ ተቓውሞ ብእስላም ዝተበገሰ ምትእኽኻብ ኢዩ፣
ዝብል ዝነበረ መርዛም ፕሮፓጋንዳ ክንስዕሮ ቀሪብና ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ጀብሃ ነበር ጥራይ ዘይኮኑስ እነና ሻዕብያ ዝነበርና፤ ደቂ ሓደ ኣውራጃ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ እነና ደቂ ሓማሴንን ደቂ ኩላተን ኣውራጃታትን፤ ናይ እስላምን ደቂ መሻይኽን ምትእኽካብ ጥራይ ዘይኮኑስ እነና ደቂ ክርስትያን ደቂ ኣቕሽሽትን!! ስለዚ ኣንታ ሰባብ ስርዓት…እቲ ክሳብ ሎሚ ክትነዝሖ ዝጸናሕካ ናይ ኣውራጃ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን፣ ናይ ኣስላምን ክርስትያንን ሃይማኖትን ፍልልይ፤ እነና ንሕና እቶም ከም እቶት ሓደ ግራትን ጻባ ሓንቲ ላምን ዝኾንና ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ዕጭ ንተንኮላትካ ኢልና ብድሆ ንብል ኣሎና’ሞ ሕጂ’ውን ወልልኻ!!
ንሕና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎና ደቂ ኤርትራ እውን ከም ብዕሪር ሓይኽና ጡፍ ክንብሎ ዝግባኣና፦
 ስልጣን ሒዙ ዘሎ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኢዩ፣
 እዚ መንግስቲ’ዚ ናይ ደቂ ሓማሴን መንግስቲ ኢዩ፣
 እዚ ስርዓት እዚ ናይ ክርስትያን ስርዓት ኢዩ፣
ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየ ብልቦናን ጽሞናን ክንዝትየሉ እዋን ይሓትት ኣሎ። ኢሳይያስ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምቕንጻል በብዓመቱ ዝጥቀመል ዝነበረ ሰባብ ሜላ ፈላሊኻ ግዛእ፣ ኮነ ኢሉ ብመደብ ንሓደ ኣውራጃ ከም ባላንቺና ከም ዝንፋሕ፣ ንካልእ ኣውራጃን ሃይማኖትን ድማ ለጠቕ ከም ዝብል ዘምስል ሰይጣናዊ ጥበብ እናተጠቕመ ኢዩ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ዘሎ።
ኣብዘን ዝሓለፋ 21 ናይ ናጽነት ዓመታት /1991-2012/ ክንደይ ህዝቢ ኤርትራ’ኾን ተኣሲሩ…ተረሺኑ…ተሰዲዱ…ተዋሪዱ…ተጸፊዑን ተደሲቑን ይኸውን? ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብዘይካ ውሑዳት ደቀ-መዛሙር ኢሳይያስ ዝጠዓሞን ዘጉላዕልዐን ኣውራጃ፣ ብሄር ወይ ሃይማኖት የለን። ኢሳይያስ ከኣ ብዘይካ ናብቲ ዝሓለሞ ጥርዚ ንምብጻሕ ዘካይድዎ ሰባት ምእላሽ፣ ሃይማኖትን ኣውራጃን ዘይብሉ፤ ዲኖ ኤርትራውያንን ዓረም ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኢርትራን ዝተኸድነ ሰብ መሰል ተኹላ ኢዩ። ነዚን ከምዚን ዝኣመሰለ ጉዳያት ንምዝርራብ እየ’ምበኣር ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ዝነብር ተቓዋሚ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ጽዑቕ ሰሚናራት ዘካይድ ዘለኹ።
ካብ ከተማ ኦስሎ ቀጻሊ ጉዕዞይ ናብ ጫፍ ሰሜናዊ ዋልታ ዓለምና ዝኾነት ከተማ ትሮንድሀይም ኢዩ ዝነበረ። ኣብቲ ካብ ኦስሎ ን530 ኪ.ሜ. ዝነበረ ጉዕዞ፣ ንክልተ ሰባት መደቀሲ፣ መግብናን ኦስሎ-ትሮንድሀይም መጉዓዝያናን ዝሸፈነ ኤርትራዊ ተቓላሳይ ንኣቶ ተኽላይ ገብረማርያምን በዓልቲ ቤቱን ከመስግኖም እደሊ። ካብቲ ቶኒ ስሙ፣ ጨጓር ከልቦም ከኣ ሓደ ኣገራሚ ነገር ተዓዘብኩ፦
“ኢሳይያስ ኳሕ!” ዝብል ድምጺ እንተኣስሚዕካዮ፤ ከም ዝሞተ ኣብ መሬት ረፈጥ ይብል። ለካ ሞት ክናና፣ ሞት ኢሳይያስ ቶኒ’ውን ፈሊጥዎ ኣሎ በልኩ ብውሽጠይ። ከድና ናብቲ ብጎቦታትን በረድን ዝወቀበ ሰሜናዊ ዋልታ። ቅርጺ መሬትን መንገድናን ምስቲ ብዙሕ ግዜ ዝመላለሶ ዝነበርኩ መሬት ባርካን ሰንሒትን ኣዝዩ ተመሳሳልነት ነበሮ።
መንገዲ ኦስሎ-ትሮንድሀይም፤ ካብ ሩባ ዛራ ብጃኒ… ኣስማጥን ሩባ ሃውሽን ሓሊፍካ ናብ ማርያ ቀያሕን ማርያ ጸላምን፤ ዝባን መለብሶን ሓልሓልን ምድያብ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ካብ ኣድካሚ ናይ ሸውዓተ ሰዓታት ጉዕዞ ከም ወራድ መርዓ ሽቦ ላጋ-ሽቦ! ናብቲ ተዳልዩ ዝነበረ ኣዳራሽ ኣተና። እቶም ሰሚናርና ንምምዕራግ ብየማነይን ጸጋመይን ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ወደብቲ መንእሰያት ትሮንድሀይም ኣቶ መድሕንን ኣቶ ዳንኤልን ድንቂ ምድላዋት ኢዮም ገይሮም። ኩላቶም ብሓበራ፣ ደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን መንእሰያት፣ ከም ዕስለ ንህቢ ኣየት በብጉዳዮም ግሩም ብዝኾነ ኣገባብ ኣወዳድባ፣ ናብቲ ተሰሪዑ ዝነበረ ኣጀንዳ ንክንኣቱ በሪ ከፈቱልና። ቀዳማይ ክፋል ጸብጻብ ዑደተይ ኣብ ኤውሮጳ ኣብዚ ቋጺረ ክሳብ ዳግማይ ርክብና ክንጸባበ ኢና።
ሰሚናራት እዚ ብህግደፍ ዝተኻሕደ ክቡር ህዝቢ ኤርትራን ኣለናን ኣብ ኤውሮጳ ቀጻሊ ኢዩ። ብድሕሪ ኣብ ኖርወይ ዝተገብረ ህዝባዊ ሰሚናር፣ ብሰኑይ ዕለት 9 ሚያዝያ ኣጋ ምሸት ኣብ ከተማ ኖርወይ ምስ ዝርከቡ ኣባላት በርጌሳዊ ማሕበር ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ (Eritrean Unity Movement – Norway) ኣቶ ወልደኣብ ፍስሓጽዮንን ኣባላቱን ንክልተ ሰዓታት ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርናን ህዝቢናን ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ርክብ ኣካየድና። ንጽባሒቱ ናይ ምምላስ መደብ ኢዩ ዝነበረ።
ንእግረ መንገድና ከኣ ብክልተ ኤፍሬማት (ኤፍሬም መሓሪን ኤፍሬም ኢሳቕን) ተሰንየ ምስታ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዘላ ናይ ኤርትራውያን ሰሙናዊት መደበር ረድዮ ቃለ-መሕትት ገይረ። ኣብቲ ቃለ-መሕትት ኣፍልጦይ ብዛዕባ’ቲ ብህግደፍ ዝተኻሕደ እሱር ሓርበኛ ዳዊት ኢሳቕ እውን ተሓቲተ ነይረ እየ። ኣፍልጦና ምስ ዳዊት ኢሳቕ ቅድሚ ምጅማር ጋዜጣ ‘ሰቲት’ ከም ዝነበረ፣ ኣብቲ ብ1993 ብክፍሊ ባህሊ ዝተገብረ ናይ ስነ-ጽሑፍ ውድድር፣ “ደብሽ” እትብል ናይ ዳዊት ኢሳቕ ጽሕፍቲ ከም ዝነበረት’ውን ዘኪረ።
ዕለት 15 ሰንበት መዓልቲ ፋሲካ ድማ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝተግብር ርክብ ቀጸለ። ኣብ ኩሉ ሰሚናራት ካብ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ሕቶታት፣ እቲ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ፤ ጉዳይ መስፍን ሓጎስ ኢዩ። ብሓፈሻ ተሳትፎ ህዝቢን ዝቐርቡ ዝነበሩ ተደጋገምቲ ሕቶታትን ጥሙር ርእይቶታትን፣ ርእይቶ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ኣብ ዝቕጽል ሪፖርታዥ ክስዕብ ኢዩ። ክሳብ ዕለት 06 ግንቦት 2012 ተታሒዙ ዘሎ መደባት ከምዚ ይመስል፦
ቀዳም ዕለት 21 ሚያዝያ ስዊዘርላንድ
ሰንበት ዕለት 22 ሚያዝያ ኑሩምበር ጀርመን
ቀዳም ዕለት 28 ሚያዝያ ዮቶቦሪ ስዊድን
ሰንበት ዕለት 29 ሚያዝያ ስቶክሆልም ስዊድን
ቀዳም ዕለት 05 ግንቦት ካስል ጀርመን
ሰንበት ዕለት 06 ግንቦት ከለን ጀርመን
ናይ ቦታ ወይ ዕለት ምቅይያር ክህሉ ይኽእል ኢዩ።
ብድሕሪ እዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ዕለታት ንዝግበር ህዝባዊ ሰሚናራት ድማ ኣብ ግዜኡ ክሕበር ኢዩ።
ክኸውን ኢዩ … ተሓምበለ ናብ ኤርትራና!!

alenakoena@gmail.com
ፍራንክፈርት-ጀርመን
ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ!
ሞት ክናና
ንኢሳይያስ!!

ይቕጽል…

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • SINGAPO-ERITREAN April 19, 2012

    “ናይ ኣድጊ የቐንየለይስ, ምርጋሕ”
    (“ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ,ብደማ ከፊላስ “RAPE” ትዓዲላ !!!

    ንኮሮኔላት ኣሽሓት ዶላራት ከፊልክን ትወጻ
    ብራሻይዳ ተጨዊኽን, ብበደዊን ትዕመጻ
    ድኹም ድየ ኮይነ ከተሳቕያኒ ትመርጻ ?
    ኣበይ ዝውዓልኩ ሰብ የ ኣእምሮይ ትህውጻ ? !!!
    ዘይደገፍኩዎም እኳ ነዞም ማሕበር ሸፋቱ
    78 ,ምስ ትዓዘብኩዎም, ሓረስታይ ከካላብቱ
    ሕቶ ዝሓተተ,ጨውዮም ከጥፍእዎ ሃለዋቱ
    ኣስመራ ኣትዮም ይኣዪ ጠባዮም ክልውጡ ?
    ደንቆሮ ምዓስ ኮይነ ,መስተውዓሊ እየ ,ምሕረቱ !!!
    ከመይ ኣለዉ እኒ ጃህራ ድራሮም ?
    ሰለስተ ሞጎጎ ኣርሲኖም, ጾሞም ዝምሕዳሮም
    ተዓዊትና ዝብሉ, እንዳኣተዉ ተጸይሮም
    ኣባና በጺሖምሲካ ሓይሎም ዓንቲሮም
    ጠልዓት ሰብኡት ኣብ ስሬና ከም ንጽሕጽሕ ጌሮም
    ፍረነብስና ኣምሊቖሞ ,ብካቻቪተ ጎርጕሮም
    ክቕጽሉ እዮም,ለባምን ጅግናን ስለ ዘየለ ዝጋተሮም !!!
    ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ, ተካል ዕድላ
    ኣብ በረኻ ምስ ሸፋቱ ኮለል ደለቶ ከይኣኽላ
    ትሽየጥ ትልወጥ ኣላ ከም ጻሕሊ, ከም ባዴላ
    ብናይ ህግደፍ ሓበሬታ ,በደዊን ክጻወቱላ
    ብድሕሪኡ $30.000 ዶላር ከፊላ
    እስራኤል ትኣቱ ጥንሲ ዓመጽ ተኾልኵላ
    ቆልዓ ምስ ተወልደ ቃንዛ መከርኣ የዘክራ
    ከይትፈትዎ,ዘርኢ መርገም ብሓይሊ ዝቦቖላ
    ከይትገድፎ, ውሉድ እንድዩ ከመይ ጌራ ?
    ኣምላኽ እንተሊኻ, ነዛ “በላዒት ደቃ” ኤርትራ
    ከም ሶዶምን ጎሞራን ባርዕ ሓዊ ልኣኸላ
    ወይ እንተነሓፍካያ, ሓይጣታ ኣሕሊፍካላ
    ሽማ ክንቅይረላ ኢና “RAPE LANDIA” ክንብላ
    ኣብ ምዓልቲ ፍርዲ, ከም ግብራ በይነላ !!!!

    “መልእኽቲ ሲንጋፖ ,ናብ ሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን”

  • hayelom werede April 19, 2012

    “Nedai nau lbu yhasb”, diu zibele sebeai.

  • merih April 19, 2012

    denkoro betki wedi agame resah menedekum afkidilkum shim ERITREA KETELELU DEREBIY TIRIFRAF SINGAPO IDIOT.

    • Eritrawi April 20, 2012

      Merih, what’s up! This guy is more Eritrean than Ass-ayas, chill out and make your point in a civilised manner. Power to the people.

      • Ahmed saleh April 21, 2012

        Merih
        Telling the truth as it is the way SINGAPO tries to put it to
        bring awareness of our people suffering is much needed as
        ever. Denying , neglecting and refusing to acknowledge our
        people’s miseries it’s time had expired. It is unfortunate to
        observe people who act more Eritreans but their actions tells
        differently to the question of our people’s unending life of
        hardship under harsh treatments. So have a courage and
        honesty to direct your assault to victimizer rather than to
        victims family.

  • samrawit April 19, 2012

    thank u alena go ahead

  • Eritrawi April 20, 2012

    Alena habrom,
    We are on your side, when do you think you can make it to London?

    Power to the people

    Smerrrrrrrrrrrrr

  • Freeprisoners April 20, 2012

    i would still salute ALENA weldone,
    But i still don’t know what is the purpose of these visites!?
    i can appreciate your visits to different movements or oppostions. however i want know the main points of thse purpose?
    your known as the hero person, i do appreicate this,
    are you:-
    1) Calling for young people to united
    2) is your Dembe Alena existence to compaingin or to join to oppostions?
    3) most of the oppoostionss are united in the Council of Eritrea throgh the current constitution and discussion made in Ethiopioa, so as a result many joined in one unites. Does your Dembe joined to unit there?
    4) What is your responsibility among the Council apart the dembe alena and the book you contibuted?
    5) do you think most oppostions can united through your struggle or through your compaigins?

    in the maintime, i dmire your struggle but we need one united force or movements. Most of these movement come just for the European money otherwise still with no contribution to our country or people as they promised. So European and the world body should be informed from now on to exluded new movements among Eritrean elites. So this can be a postivve way to united the remaining oppostions.
    Good luck and thank you foryour hard work, i likke to buy the book but still don’t know how!! can u help.

  • 1234gebar April 20, 2012

    ረድኢ መሓሪ፡ ዘረባ ኣደይ ለቱ፡ ኣየውዝእ ኣየእትቱ። እዛ ጽሕፍቲ ነቢበያስ ኣይመሰጠትን። ብሓጺሩ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ተዛዊርካስ ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ብዛዕባ ሽግር ሃገርና ኤርትራ ተመያይጥካ፡ ከምቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ድማ ኹሉ ኤርትራዊ ኣኣብ ዝነብረሉ ቦታ ብቴለፎን፡ ኣብ ቤት መግብታት፡ እንዳ ሻሂ፡ ባር ወዘተ እናተራከበ ይዛተ እዩ። ብዝኾነ ምኽንያት ናብ ካልኦት ሃገራት ምስዝንቀሳቀስ’ውን ምስ ደቂ ሃገሩ ተራኺቡ ይመያየጥ ኢዩ። ዝተፈልየ ዝገበርካዮ ነገር የለን። ጽሑፍካ ግን ልክዕ ከምዛ መዓልቲ ምጾታት ንበይንኻ ዝተኸስተትልካ ክትመስል ሃዳዲ ቃላትን ምስላታትን ተጠቒምካ ነዛ ኩላ ሕዝቢ ሳንጣ ጌርካያ። ”በኋላ የመጣ ኣይን ኣወጣ” ጽሑፍካ ደጊምካ ትነቦ እይመስለንን፡ ምቅዋም ልክዕ ከምዚ ሕጂ ንስኻ ትጅምሮ ዘሎኻ ጌርካ ኣይተቕርቦ፡ ዕድመ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ልዕሊ 40 ዓመት ዘቝጸረ እዩ። ፖሎቲካ ኤርትራ ጉያን ዘለፋ ሰባትን ኣይፈቱን ኢዩ፡ ምክብባርን ንሓደ ዕላማ ምስራሕን እዩ ዝፈቱ። እዛ ኩላ ኣብ ወጻኢ ሓፍ ክትብል ከላ ሕጂ ሕቐኣ እትድግ ዘላ ኣብ ፖለቲካ ሃገራ ዝተሳተፈት እያ። ስለዚ ጽሑፋት ልብን ቀልብን ሰባት ዝሰልብ ክኾውን ኣሎዎ። ምናልባት ዘሊፈካ እንተኾይነ ይቕረታ። ኹሉ እትጽሕፎ ስለዝነቦ ግን ምምሕያሽ ስለዘይረኣኹ ኢየ።

    • Freeprisoners April 20, 2012

      1234 ግባር
      እሞ ካብ ኣለና ንላዕሊ ተቓሊስካ ተኾንካን ካብኡ ንላዕሊ ጺሒፍካን ተሪኽካን ትኽእል ተኾንካስ ዘይተርእየና ከም’ቲ ንሱ ዝጽሓፎን ዝተረኾን ጠቓምን እዋናውን ታሪኽ ትኽእል ተኾንካ እንሀ ሜዳ እነሀ ፈረስ፤ ዝኽልክለካ የለን።
      ኣብ ጽሑፍካ ከም ዝተረዳእክዎ ግን ሓሳዊ ሰብ ኢኻ፤ ቓልሲ ኤርትራ ምልዛብን ገለን ኢልካ፤ እንድሕሪ ቕድሚ 40 ኣብ ቓልሲ ነርካ፤ እንታይ ገበርካ፧ ኣይትሓሱ፤ ተላዚብና ትብል ትደሊ ተኾንካ፤ ፍረ ልዝብካ ሎሚ እንሀ ትፍደ። ንዓኻ ግልጺ ድዩ ኣይግልጽን ባዕልኻ ትፈልጥ።

  • Truly,Truly i say to you April 21, 2012

    I think Alena is a pride to we all Eritreans, but specially to his rightly or wrongly hated Hamasienite people. As we all know the most dictator Isayas worshipers and all the time from those gathering at any meeting and festivals are people from this region. Because Isayas fools them that he is Hamasienite and the most Ambasadors, Generals and other administrational high positions are possessed with not real but fake Hamasienites like Isayas. I would say Alena is one of from the best patriots in Eritrea i know who exactly understands about Isayas´s secret mission. Ofcourse patriots like Ato Habtemariam Abreha,( i don´t know from which region he is) as well people like Ato Keleta kidane, eventhough it is hard to say his political motive is a 100% clear like Alena ,are amongst from those highly understood about Isayas´s secret mission. Alena once again your book is fantastic. Our nation needs real patriot with maturity, intellect and courageous like you! God bless you!

Post a Reply to hayelom werede Cancel Reply