Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤዲኪ ዕዉት ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሰሚናር ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ኣካይዱ።

ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ መድረኻዊ ትልሚ ዕዮ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ብምብጋስ፡ (ኩሉ ዓቕምታትና ንምቀልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ይቅናዕ!) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ንምዑታት ተጋደልቲ ኣባል ውድባት ኤዲኪ ዘሳተፈ ዕዉት ሓባራዊ

ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ መድረኻዊ ትልሚ ዕዮ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ብምብጋስ፡ (ኩሉ ዓቕምታትና ንምቀልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ይቅናዕ!) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ንምዑታት ተጋደልቲ ኣባል ውድባት ኤዲኪ ዘሳተፈ ዕዉት ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሰሚናር ካብ ዕለት 25 ክሳብ 26 መጋቢት 2014 ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ከባቢታት ክኒን ቂኒቶን ኣካይዱ።

እዚ ብደረጃ ኤዲኪ ዝተኻየደ ፈላሚ ወተሃደራዊ ሰሚናር እዚ፡ ውሁድ ወተሃደራዊ ዓቕምታትና ካብ ምድንፋዕ ሓሊፉ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ናይ ተቓለሰቲ ውድባትና ንጹርን ስሙርን ናይ ቃልሲ ኣርኣእያ ብምህናጽ፡ ሕኑን ናይ ቃልሲ ሞራል ብምዕጣቕ፤ ምዉቕ ናይ ሓድነትን ሃገራውነትን ስምዒታት ብምዝራእ፤ ሓያል ናይ ሓርበኝነትን ጅግንነትን መንፈሳት ብምፍጣር፤ ሓባራዊ ጸላኢና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝበቅዕ ዝዓኾኸ ወተሃደራዊ ቅልጽም ንክጎናጽፍ ከምዝዓለመ ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ተጋ/ ዓብድላ ዑመር መሓመድ ኣብ ዝሃቦ መድረ ገሊጹ፡፡

ተጋ/ ዓብድላ ዑመር መሓመድ፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ቅድም ክብል ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሽማግለ ብምፍጣር፡ ማእከላይ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ብምጥያስ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ፡ ብሓደን ዝተነጸረን ወተሃደራዊ ስትራተጂ፡ ወተሃደራዊ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ኣንጻር ሓባራዊ ጸላኢ ሓቢሩ ክሰርሕ ዘለዎ ቅሩብነትን ተበግሶን ብግብሪ ከምዘመስከረ ገሊጹ፡፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ህጹጽነትን ኣድላይነትን ምጥርናፍ ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ኩሎም ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዙርያ ሓደን ዝሰፍሐን መቃለሲ ግንባር ተጠርኒፎም፡ ነዚ ኣብ ገምገም ውድቀት ተሳጢሑ ዘሎ ኣዕናዊ ምልካዊ ስርዓት ዘቃብጽ ውሁድ ሓባራዊ ቅልጽም ንምፍጣር ናይ ገዛእ ርእሱ ተብግሶታት ክወስድ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዓቕምታት ደምበ-ተቓውሞ ንምጥርናፍ ከካይዶ ዝጸንሔ ጻዕርታት ድማ፡ ንዝተረፉ ካልኦት ተቓለስቲ ሓይልታትን ሲቪክ ማሕበራትን ካልኦት ሕብረተ-ሰባዊ ክፍልታትን ዝሓቁፍ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምምስራት ግንባርና ኢዲኪ ናቱ ልሉይ ተራ ተጻዊቱ እዩ፡፡

ከም’ውን ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ከም ኣካል ናይቲ ዓቕምታት ደምበ-ተቓውሞ ንምጥርናፍን ንምዕኳኹን ከካይዶ ዝጸንሔ ጻዕርታት፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ እውን፡ ኩሎም ወተሃደራዊ ክንፍታት ዘለዎም ውድባት፡ ብውሁድ ወተሃደራዊ ቅልጽም ኣንጻር ሓባራዊ ጸላኢ ንምግጣም ዘብቅዖም ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስትራትጂ ብምንዳፍ፡ ውተሃደራዊ ክንፍታቶም ብምውህሃድ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት ንምጭባጥ ክሰርሑ ልዑል ጻዕርታት ከካይድ ከምዝጽንሐ ተጋ/ ዓብድላ ዑመር መሓመድ ሓቢሩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ተጋ/ ዓብድላ ዑመር መሓመድ እዚ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ፡ ድልዱልን ዝተወሃሃደን ወተሃደራዊ ቅልጽም ኣብ ምህናጽ ወሳኒ ግደ ዝጻውት፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሰሚናር እዚ ኣብ ምውዳብ፡ ዓቕምታቶም ከይበቐቑ ንዝተረባረቡ ኣባላትን ደገፍትን ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ልዑል ምስጋናኡ ኣመሓላሊፉ፡፡ ብስም ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ነዚ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ ሰሚናር እዚ ንኸዕውት ኩለንትናዊ ደገፎም ዘበርክቱ ማሓዙት ልዑል ምስጋናኡ ኣቕርቡ፡፡

እቶም ተጋደልቲ ተሳትፍቲ እቲ ስሚናር ብወገኖም ሕድሕድ ወተሃደራዊ ፍልጠትን ተሞኩሮን ኣብ ምልውዋጥን ሃገራዊ ሞራላዊ መንፍሳት ኣብ ምዕዛዝን ሓድነቶም ኣብ ምድላዳልን ጠቃሚ ከምዘንበረ ኣርጋጊጾም። ኣብ መጻኢ ኩሉም ወተሃደራዊ ክንፊታት ውድባት ተቓውሞ ዝሳትፍዎ ተመሳሳሊ ሰፊሕ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ስሚናር ክካይድ ተላቢዎም። ዓይነታዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምፍጻም፡ ውድቀቱ ንምቅልጣፍን ስቃይ ህዝብና ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድን ደሞክራያዊ ምሕድራ ንምትካልን ኩሉ ካብኦም ዝድለ መስዋእቲ ክኽፍሉ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ኣብ መዛዝሚ ጽንበል ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሰሚናር፡ ብዝኽሪ ስውኣት ብሓፍሻ፡ ብፍላይ ድማ ንዝኽሪ ስውእ ተጋ፡ እሕምድ መሓመድ ናሰርን ስውእ ተጋ፡ ገ.መድህን መሓሪን ተጅሚሩ። ኣብ’ቲ ጽንበል ዝተሳትፈ ህዝቢ ክኒን ቂኒቶን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ሰላምን ደሞክራስን ፍትሕን ዝስፈና ኤርትራ ንምህናጽን ኣብ ጎኑ ኩሉም ኤርትራዊ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፍሽ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራያዊ ኪዳን ብፍላይ ጠጠው ክምዝብሉ ገሊጾም።

ሰሚናር ዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ ብ26 መጋቢት 2014 ኣብ ቅድመ ግንባር ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊትን ናይቲ ከባቢ ህዝብን ኣባላት ሰሚናር ዝኾኑ ወታሃደራውያን ሓለፍትን ጠርነፍትን ኣ/መንበር ማ/መሪሕነት ተጋዳላይ ሑሴን ከሊፋ ዝተሳትፍዎ ጽንብል ብድሙቅ ተዛዚሙ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤረተራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

26 መጋቢት 2014

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • windshield March 26, 2014

    You must be jocking….

  • asmerom haile March 26, 2014

    good start

  • John March 26, 2014

    Where was the meeting? in Asmara

  • Selamawi March 26, 2014

    Dear compatriot/s, it is hard to take you seriously but the wish is not too bad. The trouble with KIDAN has been one of marriage, divorce, remarriage…You guys do not seem to have the sense of urgency. Then we got Bayto…

    Kidna and Bayto are very significant words and the concept behind them is so big. Unfortunately our compatriots have not shown actions befitting these words – KIDAN and BAYTO (oh, that headache I felt when they came up with their meaningless Kuwam…)

    I am signing up to the Vacaro spirit and its ever increasing wave of Eritrean Nationalists.

    May God bless the Eritrean people with peace, reconciliation/harmony and proper Kuwam, Proper Bayto and everlasting Kidan among us.

  • Gideon March 26, 2014

    To cope with the challenges of the 21st century, go back to basics and apply discipline to reflect values, and chart out the way forward by being more inclusive.”It’s not the quantity but the quality” that counts to the Eritrean people at this juncture time.

  • asmara March 26, 2014

    You must be kidding. This shows how fool the so-called opp groups are. Mind you, this is 2014.

  • Hidat March 27, 2014

    NEZA BKIENDAY MESWETEN………..ZEMEXET HAGER N`´NAYAZBEE NAM NAM AHLIFENA AYNIHIBAN INA

    KAL PRESIDENT ISEYAS AFEWERKI.!!!!KITEHALMU ZEKELKILEKUM YELEN

  • ahmed saleh March 27, 2014

    Eritrea needs at this moment brave men of action who break the wall of fear from one man’s iron fist rule .
    When time pass for too long someone from somewhere will start to initiate violent confrontation either we
    like it or not . That is why effective leaders try to settle differences at its early age to preserve calm
    and stable atmosphere . Be reminded that our country situation is very electrified vulnerable to anything .
    The present life of ordinary Eritreans inside the country can trigger violence God forbid .

  • BINIYAM March 27, 2014

    ZEIGERMEKKA GODENNAAA HAREINNEETT NABB MEFANNEWEIII REIISSSAAA EYYAA TEQEYEIRRAAA…ABEIEETTTT ZEBEILL EYYUU GEINNNAAA KIFANEWEUU EYYOMMM.

    • Suleiman Salim March 27, 2014

      ዑግምስ ንነብስኻ ጽብቕቲ ስም ሕረ እንተ ተባህለስ ” ቢንያም ” በላ ይበሃል!!

POST A COMMENT