Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እምብለይ!!!

እምብለይ!!! 28/07/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኣንታ መርዛም ተመን እምብኣር ኣግሂድካ ዘለቕ-ለቕ ልማዱ ድሮ ስዒቡካ ዘይፍታሕ ዕጣቑ እምብለይ ኢሉካ     ጽፍርኻ ሓቢእካ ሓሲኻ ክትምድር     ምሕንፋጥ ኣመሉ ሰብ ከተደናግር     እምብለይ ኢሉካ ልብኻ ዝምርምር እምብለይ ኢሉካ ኣለኹዎ ባዕለይ… ኣንታ ውልዕ ጥፍእ ገበነኛ ጠላም መድሃኒት ዘይብሉ ፍጥር ክብል

እምብለይ!!!

28/07/2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኣንታ መርዛም ተመን እምብኣር ኣግሂድካ

ዘለቕ-ለቕ ልማዱ ድሮ ስዒቡካ

ዘይፍታሕ ዕጣቑ እምብለይ ኢሉካ

    ጽፍርኻ ሓቢእካ ሓሲኻ ክትምድር

    ምሕንፋጥ ኣመሉ ሰብ ከተደናግር

    እምብለይ ኢሉካ ልብኻ ዝምርምር

እምብለይ ኢሉካ ኣለኹዎ ባዕለይ…

ኣንታ ውልዕ ጥፍእ ገበነኛ ጠላም

መድሃኒት ዘይብሉ ፍጥር ክብል ሰራም

ምልኣት ዘይርከቦ ጎደሎ ጭርምራም

    ትኽ ኢሉ ዘይከይድ ዘልኣለም ዝሕንክስ

    ከቢዱ ዘይፈልጥ እንትርፎ ክፎኲስ

    ንውሉድ ወለዶ ሕማቕ ስም ዘውርስ

እምብለይ ኢሉካ ኣብዩካ መንእሰይ..

ኣለልዩካ ሎምስ መንእሰይ ለቢሙ

ንስኻ ምዃንካ ሰራም ብዓል ደሙ

ታሪኽ ተማሂሩ ጌግኡ ኣሪሙ

    ተበጊሱ ደጊም ንሃገር ዝሕለቕ

    ድሓን ኩኑ ’ልዎም ንበዓል ዘለቕለቕ

    ብማሕለኻ ህግደፍ ክንደይሳዕ ክውደቕ

እመብለይ ኢሉካ..መን ቁሊሕ ክብለካ!!

ነዊሕ ተሓጺኻ ተጎልቢብካ ሰውራ

ኣንታ ነፋሒቶ ሕብሩ ጉራ-ምራ

ገዝምስ ኣይርከብ’ንዩ ካብ ደቂ ኤርትራ

    ኣንታ ዓመጸኛ ምምንዛዕ ኣመሉ

    ድራር ወዲ ድኻ ዝወስድ መንጢሉ

    ምዓልቱ ዘእከለ ኣረጊት ጽላሉ

እምብለይ ኢሉካ! መን ሕራይ ክብለካ

ካብዛ ቅጭን ሃገር ተስፋ ምሰ ቆረጽካ

መጻእኩኹም ኢልካ ናብቶም በተ-ሰብካ

ብቐደምካ ዕሱብ ኲርኲር ኣመሪካ

    ብኣኻ ዝታለል የለን ድሕሪ ደጊም

    ዝዕሹ የብልናን ብዘይካ ዝልብም

    ብግህዶ ኣሲርካ ናይ ከድዓት ካትም

እምብለይ ኢሉካ፡ ዕበድ ናብ ድላይካ…

ሰብ ከተደናግር ትስከም ካላሽን

ክንዲ ንጸላእቲ ንዓና ተርሽን

እምበር ምልእኽተኛ ናይ ቃኘው ስተሽን

    እታ ዝነደቕካያ ምንደቕካ ፈሪሳ

    ድንገት ተሃሪማ ብሓጺን ብማሳ

    ከዳዕ ተመሃራይ ናይ ኣስራተ-ካሳ

እምብለይ ኢሉካ ኣለኹዎ ባዕለይ…

ንስኻ ብቐትሪ ‘እንተወቓዕካ ክራር

ለሚድናዮ ኢና ለይቲ ምብርባር

ጸላም ደርሆ-ነቆ ኣንጊህካ ምጅማር

    ሂበኩም ኣለኹ ትብል ከይሓፈርካ

    ዘንጊ ናይ ኣቦኻ ምርኩስ መሲሉካ

    ዘረባ ጽሉላት ግርም ሰሊጡካ

እምብለይ ኢሉካ! ዋላ ትኹን ማንካ..

ካብ ሌባስ ይገድድ ተቐባሊ ሌባ

ሕራይ ኢሎምኻ ሰብ ጠራዩ ኣልባ

ክሓቝኑለይ ያኢ ናይ ’ንዳማቶም ጸባ

    ህዉዂ ብዓል ጅርባ ዘረስዐ ሱማ

    ኣበይ ክረኣዮ ናይ ውድቀት ዋዜማ

    ዝመልአ እንተመልአ ኣብታ ናይ ቀደማ

እምብለይ-እምብለይ ዘፍሰስኩላ ደመይ…

ዕርቃንካ ወጺኡ ምትላል ኣመሉ

ውላድ መጽዓኛ ተኸታሊ ዒሉ

በትሪ ጥራይ ኰንካ ኣባጊዕ ዘይብሉ

    ኣንታ ዓመጸኛ ሓለቓ ሸፋቱ

    ጸጒርስ ንቡር ነይሩ በራሕ ሓሳባቱ

    እምብለይ ኢሉካ መንእሰይ ከቲቱ

ኣንታ እምብለይ ዋእ…

እቲ ጥይት ናይ ሰውራ ንሕና ንትኩሶ

ንስኻ ብድሕሪት ትጻወት ኲዕሶ

ናይ ጥልመት ጎደና ትቀዳደም ኮርሶ

    ንስኻ ተህቦም ንሶም ይርከቡ

    ንብረት እንዳማቶም ዝብሉ ሃቡ-ሃቡ

    ሓቂ ዘይብሉ ሰብ ሓሶት’ዩ ቀለቡ

እምብለይ ኢሉካ…….

ተሰሊምካ እምበኣር ናይ ኣላሽ መዳልያ

ንሕና-ንሕና ኰይኑ ኣነ ተደርቢያ

’ዝወደይ ኢላትካ ኣዴኻ ኢትዮጲያ

    ክንደይ ከይሰልጦ ዘረባ ዘይሰምዕ

    ኣብ ዳኛ ዘይብሉ ኣብ ጎልጎል ዝጠርዕ

    ዘይጸረየ ጣዕዋ ንእሽቶይ ዝራብዕ

እምብለይ ንስኻ ድኣ ኪደለይ…

መቕንዓት ጠላማት ደጊም ተቐንጢጡ

ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ዝገዝኡ ዝሸጡ

ትምህርቲ ይኹንኩም ንኣሽቱ ወጣጡ

    ኢሱ ወዲ ኣፎም ተቐሊዑ ጒድካ

    እዚ ኹሉ ዓመታት ብጥንሲ ዘቕቢብካ

    ኣብ ንእዲ ኣዋሳ መዉት ተበኲርካ

እምብለይ ዋእ! ንበይንኻ ድኣ እተዋ..

ስዓትካ ኣኺሉ ጥንሲ ናይ በረኻ

እሾዂ ኣርጊጽካዮም መሲሉዎም ሸኻ

ክትልክሞም ኢካ ነቶም ዘሕረሱኻ

    ኤርትራ ሃገርና ተፈታዊት መርዓት

    ከይወለድካስ ጓለይ ግርም ኣዘማማት

    ኣብ ጥራይ ጎልጎልሲ ጥጥቖ ሓራሳት

እምብለይ በይንኻ ኪደለይ…

ቀሊል መሲሉካ ናይ ’ቦታት ዕዮ

ብግህዶ ’ኮ ኢና ሰውራ ጀሚረናዮ

ምዓስ ክምቲ ናትካ ባይታ-ባይታ ዋህዮ

    ነታ ምዝራፍሲ ምድማር ኢልኩማ

    ብሸበጥ ቅድድም እንቋዕ ጀመርኩማ

    ሸታሕ ኢልካ ረማዕ ኣብታ ዘለኹማ

እምብለይ-እምብለይ ኣለኹዎ ባዕለይ…

ፍሕር ቅብር ኰይኑ ናይ ውጹዓት ቃልሲ

ፍቕሪ ’ውጺእኩሙሉ ነቲ ሕማም ደግሲ

ምድማር ኣምጺእኩም ነሕዋት መብኣሲ

    ተልዓል ሰራዊት ንድሕሪት ኣይትትረፍ

    ምዓርግ ኣይኰነን ጽሩራ ናይ ህግደፍ

    ከምቲ ናይ ቀደምካ ንሃገር ተሰለፍ

እምብለይ ድኣ ብል ኣለኹዎ ባዕለይ…

ጀነራል ኮረኔል ተበገስ ተቓለስ

ስቕ ኣይብሃልን’ዩ ሃገርካ ክትውረስ

ብደም ዝተጻሕፈ ታሪኽካ ክድምሰስ

    ሃገርካ ኤርትራ ኣይትበላ ሻላ

    ምዓስ ውሑድ ኰይኑ ደም ዝኸፈልካላ

    ጸላእትኻ መንቍስ ጒንእ ከም መሸላ

እምብለይ በል! ናይ መን ክትወስድ..

ትግራዋይ ’ውን ንቐል ሕሰብ ኣይተጒባዕብዕ

ኣፍንጫ ክትህረም ዓይኒ’ያ ትነብዕ

ታሪኽ ትማል ኑግሆ ምሸት ኣይትረስዕ

    ጀጋኑ ኤርትራ ይውረሩ ’ለዉ

    ተማሊ ምሳኻ ደሞም ዝኸዓዉ

    ብመን እንተበልካስ ኣብ ማዕዶ ዘለዉ

እምብለይ ድኣ በል…

ሓንቂቕካላ ኢኻ ሃገርና ኤርትራ

በሊዕካ ሰቲኻ ዝተረኽበ ማና

ረሲዕካዮ ዲኻ ምሳሕና ድራርና

    እንዳ ብልዕን መስተን ናይ መን ድዩ’ታ ነይሩ

    እንዳ ጥልፍን ወርቅን ኩሉ ተቐቢሩ

    ህግደፍ ኣጥፊኡዎ ህልም ንሓዋሩ

እምብለይ ተበልና ብሓቆም በለና!

ንሕና ንመሰልና ክንቃለስ ኢና

ንድሕሪት ተመለስ ቍሩብ’ሞ ዘክር

መን ነይራ ሰበይቲ ማኪና ትዝውር

ብኦፔል ማኪና ኣስመራ ትዕንድር

    ለምለም ጎባይ ነይራ ዘለዋ ሓለፋ

    ማርሻታት ትቕይር ኩታ ተወንዚፋ

    ታሪኽ ኣይቅበር’ንዩ ንሳ ’ንተዓሪፋ

እምብለይ-እምብለይ ኣይንዝመትን ኢና

ተፈልጦ ታሪኽ’ዩ ብሓቆም በለና

እዚ ኹሉ ሙዚቃ መን ተጻዊቱዎ

ብሂወት ኣለዉ ’ቶም ዝነበሩዎ

ሓቂ ’ንተመስከርካስ እንታይ ሕማቕ ኣለዎ

    እዚ ኩሉ ቢልያርዶ መን ዲዩ ወርዊሩዎ

    እዚ ኩሉ ኲዕሶ መን ተጻዊቱዎ

    ዋንጫ ናይ ኣፍሪቃ መን ዲዩ መንጢሉዎ

እምብለይ ’ተበልበልናስ ብሓቆም በለና

ኤርትራ ሃገር’ያ ውጽኢት ናይ ቃልሲ

ሕጂ ድማ ድግማ ስለ ዲሞክራሲ

ኒዮው በሎ ምድማር ንእዲ ብዘይ ማእሲ

    ምድማር-ምድማር ሓቂ ከይመስለካ

    ፋሕ ብትን ክብለ’ዩ ስጒምቲ ከይከድካ

    ኤርትራ’ያ ጽባሕ ጨና ትኾነካ

ብሓቅኹም! እምብለይ በሉ ድኣ በለና

ዘመድ ድለ እኮ’ዩ ጒዕዞ ናይዛ ዓለም

ጽሕፍ-ጽሕፍ ኰይኑ ከም ድላይካ ቀለም

ልቢ ድኣ ግበር ጎረቤት ኣይትጥለም

    ሃገር ቀላል ኰይናስ ትዂለስ ብኣፍካ

    ውሕጥ ናብ ከብድኻ ኣዀምስዕ ኣቢልካ

    ማይ ምስታይ ጀሚሮም ብቐዳድ ታኒካ

እምብለይ በሉ ድኣ በለና…

ንለባም ኣምተሉ ንዓሻ ደርጒሓሉ

ውሕጅ ከይወስደካ ምስቶም ተጸለሉ

ምኽሪ ጎረቤትካ ልቢ ግበረሉ።

    ምድማር ሓዊ’ዩ ንዘልኣለም ሃል-ሃል

    መርዓት ብኾፋዶ ኣዲኣ ትኲሓል

    ትርጒም እኳ ’ለዎ ጎረቤት ዝበሃል

    ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Degoli August 1, 2018

    እወ ! ፍቕርን ሰላምን ንኤርትራ ኢትዮጵያ ፤
    እምቢ ንውግእ ፤
    እምቢ ንዕንወት ፤
    እምቢ ንባርነት ፤
    እምቢ ንስደት ፤
    እምቢ ድኽነት ፤
    እምቢ ንዓረባውነት ፤
    እምቢ ንሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ።

    እወ ንደሞክራሲ ፤
    እወ ንፍትሒ ፤
    እወ ንልምዓት ፤
    እወ ንስራሕ ፤
    እወ ንህንጸት ፤
    እወ ንቋንቋታትና ሕላገትና ፤
    እወ ንመንነትና ፤
    እወ ንናይ መዋእል ታሪኽና ።

    ፍቕርን ሰላምን ንኤርትራ ኢትዮጵያ ፤
    ሰላምን ምሕዝነትን የውርደልና ።

  • Degoli August 1, 2018

    courtesy of gedoyaf writes:

    “ከመይ ደሃይካ ኣይጥፋእ ። ጽቡቕ ዘረባ እዩ።
    ኣንታ እዛ “ምድማር” ኣብ ሎሚ በጺሓ ትርጉማ ቐይራ እምበር። በዓል መን ድዮም ምስ ዓረብ ፣ በደዊን ራሻይዳ ፣ ድሑር እስላማዊ ወሃቢ ፣ ዓሌታዊ ናዚ በዓዝ ፣ “ንሕና ዓረብ ስለዝኾና ምስኦም ንድመር” እናበሉ ቋንቋታት ትግረ ትግርኛ ዝፈንፈኑ ፤ ንዓመታት ላሕ ዘበሉና?
    ቋንቋታትካ ባህልኻ መንነትካ ኣባሓጎታትካ ውርሻካ ንዕቕ ኣቢልካን ብሓዊ ኣብሪስካን ፤ ነቲ ናይ ለቓሕ ዓረባዊ ባዕዳዊ መንነት ሰጊድካን ፤ ንመታትለሊ ሕጂ “መሬትና” እናበልካ ብኮምፒተር ተሓቢእካ ምውርዛይ !
    ጀብሃን ዓረባዊ ሕልማን ቀደም ተቐቢሩ እዩ። ጀብሃ ትኹን ቅያዳ-ኣልዓማ ኣብ ኤርትራ ኣይትመርሕን እያ። ሕልሚ ጀብሃ ከም ጨው ሓቒቑ እዩ። ቅበጽዋ።”

    • k.tewolde August 2, 2018

      It sounds like you live in the house of mirrors,everywhere you turn there is the reflection of the once prolific fighting machine long gone which gives you nightmares,you and your friend Godaif need a serious debriefing so that you can purge Jebha from your mind once and for all.Something which melted away doesn’t resurface over and over again unless like dialectical materialism states matter never gets destroyed it just continues to evolve in another form.

POST A COMMENT