Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እምነ

እምነ እምነ ጸጽብቁ እምነ ሰላም ክረከብ ብፍትሒ ክዳነ ብምሽቁራር ከይስጉም ደኒነ ኣብ ገዛእ መሬተይ ክድቅስ ቀሲነ። ብልቢ እምነ ኣብ መሬተይ ብኽብረት ክነብር ክወልድ ክዝምድ ከምቲ ንቡር ምስ ሞዛኖይ ብንእስነተይ ክዕንድር ንሰላም ክዝምር ወግዒ ሃገረይ ከስተማቅር።   እምነ ዓዲ ዝወዓሉ ወለደይ ክጥውሮም ዓስቦም ክኸፍሎም ፍረ ጻዕሮም ኣለኹልኩም ክብሎም

እምነ

እምነ ጸጽብቁ እምነ

ሰላም ክረከብ ብፍትሒ ክዳነ

ብምሽቁራር ከይስጉም ደኒነ

ኣብ ገዛእ መሬተይ ክድቅስ ቀሲነ።

ብልቢ እምነ ኣብ መሬተይ ብኽብረት ክነብር

ክወልድ ክዝምድ ከምቲ ንቡር

ምስ ሞዛኖይ ብንእስነተይ ክዕንድር

ንሰላም ክዝምር ወግዒ ሃገረይ ከስተማቅር።

 

እምነ ዓዲ ዝወዓሉ ወለደይ ክጥውሮም

ዓስቦም ክኸፍሎም ፍረ ጻዕሮም

ኣለኹልኩም ክብሎም ኣብ ሕማም እርጋኖም

ብንጥፈት ክዋሳእ ኣብ ሓዘን ሓጎሶም።

እምነ ብዙሕ’የ ዝምነ

ግዱዕ ክሕግዝ ሰማዒ ዝሰኣነ

ሕልና ኣዕሪቡ ሓይሉ ዝደኸመ

ወላድ መኻን ኮይኑ ዝዘኽተመ።

እምነ-ፍትሒ ከይጉዕጸጽ ድኻ ከይብደል

ዝሓየለ ከይነግስ ኣርሓ ጎብለል

ጾር ከይከብድ ኣርዑት መስገደል

ጸልማት ከይዕብልል ዘጽድፍ ናብ ገደል።

 

 

እምነ-ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ ብሰላም ክትነብር

ህዝባ ጠርኒፋ ክትሕፈር ክትክበር

ኣብ መድረኽ ዓለም ጽንዓታን ዝናኣን ከተመስክር

ብደቃ ክትከሓስ ብፍጸምቲ መስተንክር።

እምነ ስድራ ስዉኣት ክሕበኑ

ጸኒዖም ዘጽንዑ ዝወለዱ ጀጋኑ

ጽምዋ ከይውሕጦም ካባ ሓዘን ከይክደኑ

ኣብ ዕጹው ገዛ ሞሳኦም ስኢኖም ብጓሂ ከይቃዝኑ።

እምነ-ሃገርና ዘይጠፍእ ሽግ ብርሃን ክውልዓ

ፍልጠት ፍልፍል ዝቅልስ ንሓድሽ መብጽዓ

ኣዳራሽ ክስለም ብስራሕ ንኤርትራ ከነልምዓ

ማሕላ ክሕደስ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ንሃገሩ ከይርስዓ።

እምነ ብልቢ እምነ

ኤርትራዊ ጽልኢ ወጊዱ ክሳነ

ሎሚ ጽባሕ ኤርትራዊ ምዃነይ ኣሚነ

ኣነ’የ ንሓድነት ኤርትራ ዝማጎት ዝዳነ።

 

ጽላል፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (25 ሓምለ 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tensea June 26, 2016

    Than you for the wonderful poem

Post a Reply to Berhe Tensea Cancel Reply