Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እስራኤላውያን ዶክተራት ነቲ መንግስቲ እስራኤል ወጢኑዎ ዘሎ ጅምላዊ ምስጓጒ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ተቓውሞ መርገጺ ከምዝወሰዱሉ ሓራዝ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እስራኤል ኣገንዚቡ።

እቶም እስራኤላውያን ዶክተራት ብሰንኪ እዚ ስደተኛታት ናይ ምስጓጒ ውጥን ምስ መንግስቲ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር `ውን ከምዘይተቓደዉ ተፈሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ማሕበር ሓካይም ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ እስራኤል፡ ፕሮፈሰር ሽሎሞ

እቶም እስራኤላውያን ዶክተራት ብሰንኪ እዚ ስደተኛታት ናይ ምስጓጒ ውጥን ምስ መንግስቲ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር `ውን ከምዘይተቓደዉ ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ማሕበር ሓካይም ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ እስራኤል፡ ፕሮፈሰር ሽሎሞ ሞር-ዮሰፍ ንዝተባህለ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ከም ሓላፊ ኢሚግሬሽንን ናይ ዶባት ብዓል መዝን ዝሰርሕ፡ ነዚ ንኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ንምስጓጒ ዝካየድ ዘሎ ወፈራ `ውን ዝመርሕ ዘሎ ብዓል ስልጣን ናይ ሕክምና ልቸንሳኡ ክስረዝ ጠሊቡ። እቲ ጥርዓን ናይ ማሕበር ሓካይም እስራኤል፡ እቲ ብዓል ስልጣን ከም ሓኪም መጠን ምስ ሞያዊ ስነምግባሩ ዘይቃዶ ንጥፈታት የካይድ ምህላዉ፡ ነቲ ሞያ ብሓፈሻ ዝብክል ስለዝኾነ ልቸንስኡ ክሕደግ ኣለዎ ክብል ተማሕጺኑ።

ብዘይካ`ዚ፡ ሓደ ሽሕ  ዝኾኑ ዶክተራት እስራኤል፡ ፕሮፈሰር ሽሎሞ ሞር-ዮሰፍ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ምስጓጒ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ደው ከብሎ ኣብ ዝጽውዕ ደብዳበ ብምፍራም ነቲ ስጉምቲ ደው ንምባል ስጉምቲ ወሲዶም።

ንሳቶም ኣብቲ ደብዳቢኦም፡ ` ስቕታና፡ ነቲ ስብኣውነት ኣብ ታሪኹ ካብ ዝረኣዮም መረርቲ ጽፍዒትታት ስቕ ኢልካ ከም ምቕባል እዩ` ብምባል ነቲ ስደተኛታት ንምስጓጒ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ክቕበሉዎ ሕልናኦም ከምዘየፍቅደሎም ኣብ ደብዳቢኦም ገለጺጾም። መንግስቲ እስራኤል፡ ነዚ ሽግር `ዚ ሞራላውን ሰብኣውን ፍታሕ ብምርካብ፡ እቶም ስደተኛታት ናይ ጥዕና መሰልን ሰብኣዊ ክብረትን ዝረኽቡሉ ኩነታት ክፈጥር ድማ ተማሕጺኖም።

በንጻሩ ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና እስራኤል ያኮቭ ላቲዝማን፡ ነቶም ዝቃወሙ ዘለዉ ዶክተራት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ንውልቅኻ ጥራይ ተሸቚራሪ ሰብኣውነት መሲልካ፡ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ወጻእተኛታት ብጭካነ ይሰጎም ከምዘሎ ብምምራር መሰረት የብሉን ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዘየእትዎም ጉዳይ መርገጺ ምውሳዶም ግጉይ ምዃኑ እቲ ምዝራቡ እቲ ዜና ብተወሳኺ የገንዝብ።

ማሕበር ሓካይም እስራኤል ንርኢቶ ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና ደጊሞም ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ ድማ፡ ` ነቶም ተቓውሞ ዘርኣዩ ሓካይም ከተቆናጽቦም ምፍታኑ፡ ነቲ ንዝኾነ መንግስታዊ ፖሊሲ ንዝተቓወመ ወገን ብኣሉታ ገሊጽካ ኣብ ኩርናዕ ንምእታው ዝተለምደ ዝምባለ መንግስቲ እስራኤል ዘርኢ ተወሳኺ ስጉምቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ፡ ንሕመረት ክብርታት ሕክምናዊ ሞያ ዝጻባእ ስጉምቲ ኣብ ዝወስደሉ ግዜ ተቓውሞኦም ምርኣይ ተኣማምምነቶም ሕሙማቶም ዘርእዩሉ እቲ ዝቐነዐ ሞያውን ሞራላውን ግዴታኦም  ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ፓይሎታት እስራኤል `ውን፡ ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ብምብራር ኣብቲ መንግስታዊ  ናይ ምስጓጒ ፖሊሲ ከምዘይተሓባበሩ ብምግላጽ ብተመሳሳሊ ተቓውሞኦም ምግላጾም ይፍለጥ።

እዚ ሰብ ሞያ እስራኤል፡ ማለት ፓይሎታት፡ ሓካይምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ካብቲ ዘይቅኑዕ ፖሊሲ መንግስቶም ንሞያዊ ክብርታቶም ተማእዚዞም ኣብ ጎኒ `ቶም ውጹዓት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዝወስዱዎ ዘለዉ ሞራላውን ሰብኣውን መርገጺታት ኣብነታዊ እዩ።

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Eyobel February 1, 2018

    Very shameful and disgraceful to be Eritrean, a place of darkness, prisons and extreme poverty.
    This very shameful fascist colonial Italian manufactured/cursed land was never meant to be a country.
    These unfortunate Eritrean refugees of colonial manufactured “independent Eritrea” were never treated as
    humans or citizens of their own “independent” country and WHY should they be treated better by foreign countries?

  • Lula February 1, 2018

    ነቶም መርገጺ ፖሊሲ ናይ መንግስቲ ነታንያሁ ዝተቓወሙ ጀጋኑ እስራኤላውያን ሓኻይም ምስጋና ይብጸሓዮም።
    ኣቐዲሞም እውን ተባዓት ኣብረርቲ ነፋሪት ናይ እስራኤል ተመሳሳሊ ተባዕ ስጉምቲ ምውሳዶም ይፍለጥ።
    መዓስ ደኣሎም ሓኻይም ሃገራት ዓረብ ኣብ ግብጺ ሊብያ ተመሳስሊ ስጉምቲ ዝወስዱ ፣ መዓስ እዮም ከ እቶም ሱሱዓት ሓኻይም
    ናይ ሃገራት ዓረብ ከም በዓል ግብጺ ካብ ድኻታት ስደተኛታት ኣፍሪቃን ኤርትራውያንን ኩሊት ፣ ዓይኒ ብሌን ፣ መሓውራት ምስራቕን
    ምምዝሓቕን ዝግድፍዎ፧ መዓስ እዮም ከ ሃገራት ዓረብ ነቲ ኣስገዳድ ምጥይራዝ ኤርትራውያን ደው ዝብልዎ፧
    ዓረብ ደኣ መዓስ እዩ ንኤርትራውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝጣበቕ፧
    ንኣቶ ተስፋጽዮን ፣ መራሒ ምንቅስቓስ ኣሕዋት ኣጋዝያውያን ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እስራኤል ከይዱ ንመንግስትን ፓርላማ ክነሰት እስራኤልን ንዘቕረቦ ለበዋን ልዝብን ምስጋና ይብጸሓዮ።

    • AHMED SALEH !!! February 2, 2018

      Did the leader of agazian cult Tesfaledet SCARICO meet with the right wing Knesset members ?
      Thanks for update information .

      • sami February 2, 2018

        Akar HARADI aslamay rootless immigrant, what has got to do with you about Agazian?
        No thanks for your ignorant pimp misinformation.
        Avoid your typical ignorant hateftef politics and stick with your old criminal murderers evil Islamic “hallucinations” and with your evil mosque. Just get lost rootless pimp.

        • Simon G February 2, 2018

          You can go directly to hell, Sami + many nick names. You will meet your Tembienay cousin, isay ass very soon there.

          • AHMED SALEH !!! February 2, 2018

            Brother Simon
            We can not communicate respectively with spoiled grown-up street boy .
            A Skunis (uwala) person knows nothing except
            SKUNIS languages and street smart deeds .

POST A COMMENT