Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እሾኽ ምድሪቤት – ሃብተማርያም ኣብራሃ

እሾኽ   ምድሪቤት ሃብተማርያም ኣብራሃ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ 10 ሚያዝያ 2017 ርሑስ በዓል ትንሳኤ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና   ሰላም ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘለኹም ዝኸበርኩም ደቂ ኤርትራ። ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ኮንኩም ፍትሒ ንምድላይ ትጽዕሩ ዘለኹም ክቡራት ደቂ ህዝቢ፡ ኣምላኽ

እሾኽ   ምድሪቤት

ሃብተማርያም ኣብራሃ

ለንደን ዓዲ እንግሊዝ

10 ሚያዝያ 2017

ርሑስ በዓል ትንሳኤ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና

 

ሰላም ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘለኹም ዝኸበርኩም ደቂ ኤርትራ። ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ኮንኩም ፍትሒ ንምድላይ ትጽዕሩ ዘለኹም ክቡራት ደቂ ህዝቢ፡ ኣምላኽ ፍረ ጻዕርኹም ይርኣየልኩም። ገለ ክብል ምደለኹ፡ ኣስማቶም ክጠቅስ ኣይደልን ኢየ፡ ግን ብዛዕባ እቲ ንዓይ ንሃብተማርያም ኣብራሃ ኣልዒሎም ክዛረቡ ዝቐነዩ ሰባት፡ ቁሩብ ኣዋህሊለ ክምልስ ብምባል፡ ተሃዊኸ መልሲ ክህብ ኣይመረጽኩን። በቲ ኣቐድም ኣቢለ፡ ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት ዝቐረበ ምስ ረድዮ ኣሰና ዝገበርክዎ ቃለ መሕትት፡ ካብ ብዙሓት ጉልባቦም ዝተቐልዐ ሰባት መቓልሕ ሓሶትን ጸለመን ክሰምዕ ቀንየ ኢየ። ቃና መዝሙሮም ነንበይኑ’ኳ እንተመሰለ፡ ዘነጻጸርዎ ታርጌት ግን ሓደ ኢዩ። ንሱ ከኣ፡ ጸቢብነቶምን ሃይማኖታዊ ፈላላዪ ተግባራቶምን ኢዩ ተቓሊዑ።

እቲ መዛረቢኦም ድማ፡ ካብ ጸቢብ ኩርናዕ ዝተበገሰ፡ ብሃይማኖታዊን ኣውራጃዊን ጉዳይ ዝተላዕጠጠ ጽልኢ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ መልሲ፡ ኣኽላባት እንተነብሑ፡ ገመል ግን ጉዕዝኡ ይቕጽል ኢለ ምወዳእኩ። እንተኾነ፡ ዳርጋ ኩሉ እዚ ሎሚ ዘሎ መንእሰይ ወለዶና፡ ብዘይካ ንገለ ጫፍ፡ ኣፍልጦ ታሪኽ ህዝቢን ሃኣገርን ስለዘይብሉ፡ ገለ ካብቲ ቀንዲ ገንኢ ታሪኽ ጀብሃን መሪሕነታ ኣስላምን ወስ ከብል ኢየ። ኣብ ቀጻሊ ከኣ እቲ ክሳብ ሎሚ ከም ጾም ኣርበዓ ደረት ተገይሩሉ ዝጸንሐ ሕልኽላኽ ታሪኽ መሪሕነት ጀብሃን እስላማዊ ጉልባባቶምን ንክግንጽሎ ክግደድ ኢየ።

ኣነ ብመትከል ዝኣምነሉ ዕላማ፡ ሃገር ናይ ክልቲኡ ሃይማኖታት ናይ ሓባር፡ ሃይማኖት ግን ናይ ግሊ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ዘለኒ ሰብ ኢየ። ኣብ ኤርትራ ዕልመናዊ ዝኾነ፡ ንክልቲኡ ሃይማኖታትን ብሄራትን ብማዕረ ዝጥምት መንግስቲ ክትከል ኢየ ዝደሊ። ውሑዳት ኤርትራውያን ኣስላም ብዘይካ ናቶም ሃይማኖት፡ ኣብ ኤርትራ ካልእ ሃይማኖት ከም ዘሎ ኣይኣምኑን ኢዮም። ካብቲ ጎረቤቶምን መዋድቕቶምን ክርስትያናይ ወዲ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኣስላማይ ይቐርቦም። ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ ከም ዝበሃል፡ ቅድሚ እዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ምትእኽኻብ ኣውራጃታት፡ ንሳቶም ኢዮም ንኤርትራውያን ክርስትያን ኣግሊሎም፡ ምትእኽኻብ ደቂ መታሕት ኢሎም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተጋብኡ። ቅድሚ ናብ ዓይኒ ብጻይካ ዘሎ በሰር ከተውጽእ ምሕሳብ፡ ኣብ ዓይንኻ ንዘሎ ጉንዲ ኣውጽእ ከም ዝበሃል፣ ቅድሚ ምዝራብኩምሲ ገግብርኹም ደኣ ፍለጡ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ካልኦት ሃገራትን፡ ምትእኽኻብ ደቂ ጀበርቲን ተወላዶ ደቂ ሳሆን ካልእ እስላማዊ ምትእኽኻብን ኣሎ ኮ። ንሳቶም’ዶ ኣይኮኑን ስለ’ቶም ኣብ ባሕሪ መደተራንያን ንዝሃለቑ ግዳያት ላምፐዱሳ ንዑናይ ሽምዓ ንወልዕ ምስ በልናዮም ዕጭ ዝበሉ! ንሕና ግን ዓቕምና ብዝፈቕዶ፡ ዘኪርናዮምን በኺናሎምን ኢና። ንሕና ጥራይ ዘይኮንና፡ ህዝቢ ዓለም ሓዚኑሎም፡ መንግስቲ ጥልያን እውን ስለ’ቶም ግዳያት  ኤርትራውያን፡ ባንዴርኣ ናብ ፍርቂ ሰቒላ ኢያ። እወ ንዑ ደኣ፡ እቲ ሓቂ ኣይትጉሰይዎ፡ እቶም በብወርሑ ኣብ ባሕሪ ዝሃልቁ ዘለዉን ኣብ ሲናይ ዝጥብሑ ዝነበሩን ደቂ ኣየናይ ሃይማኖት ኢዮም? ኣደስ ትሓብእ’ሞ፡ ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ ከም ዝበሃል፡ እቲ ክፉእ ኣመለኻኽታኹምሲ፡ ዝተሓብአ ከይመስለኩም ግዳም ሓደር ዜና ኮይኑ ኢዩ።

እዞም ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩ ጸበብቲ ሃይማኖታውያን፡ ነዚ ሓቂ እዚ ክሒዶም፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት “ናይ ክርስትያን ስርዓት ኢዩ” ይብሉ ኣለዉ። ናይ ክርስትያን መንግስቲ እንተዝኸውን ደኣ ስለምንታይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ጳጳሳ ተኣሲሩ? ስለምንታይ’ከ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ኣብያተ ክርስትያናቶም ተዓጽዩ፡ መራሕቶም ተኣሲሮምን ኣመንቶም ተባሪሮምን? አረ ስለምንታይ ኢዮም ኣብ ጸጽባሕ ህዝቢ ክርስትያን ዝስደዱን ዝሃልቁን ዘለዉ። ንዝጠፍኡ ገዲፍና፡ ካብቶም ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስደተኛታት፡ ክንደይ ካብ ሚእቲ ኢዮም ኣስላም ኢልኩም ሕተቱ። ኢሰያስ ክርስትያናዊ ስም ስለዝሓዘ፡መንግስቲ ክርስትያን ምባል፡ ናይ ነገር ጣቋ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ሃይማኖትን ብሄርን ብዘየገድስ፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብኣልማማ ዝጭፍጭፍ ዘሎ ስርዓት ኢዩ።

እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ግናይ መልክዑ፡ ካብ ፍልም ሰብዓታት ካብ ሳሕል ዝመጸ’ምበር ብድሕሪ ናጽነት ዝተፈጥረ ኣይኮነን።  ስለዚ ኣብ 1973-1976ን ድሕሪኡን ኣብ ሜዳ ዝተቐንጸሉ’ኸ ንመሐወስታ ሓደ ኣስላማይ ነይሩዎም’ዶ? ኣብ ክንዲ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣዕናዊ ስርዓት “ናይ ክርስትያን ስርዓት ኢዩ” ምባል፡ መነጽርኩም ከተስተኻኽሉን መንገድኹም ክትእርሙን ህዝቢ ኤርትራ ይጽበየኩም ኣሎ። ናብ ሕንፍሽፍሽን ናብ ዘመነ ሓምሳታትን ክንምለስ ኢና እንተበልኩም ግን፡ እቲ ምርጫ ናትኩም ኢዩ።

እዞም ወከልቲ ኣስላም ኢና ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢእናሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ፡ “… ንስኹም ክርስትያን ንኢሰያስ መሪጽኩም ኣብ ልዕሌና ዘውረድኩሞ ጭቆና ብዙሕ ኢዩ። ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ኤርትራ ብዘይካ እስላማዊ ስርዓት ካልእ መንግስቲ ኣይትከልን ኢዩ። ነዚ እንተዘይተቐቢልኩም ድማ፡ ኤርትራ ከም ሶማል ክንገብራ ኢና” ኢሎምና ኢዮም። እዚ ብድምጺ ተቐዲሑ ዘሎ ቃሎም ኢዩ። ክልተ ሃይማኖታት ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መደረ ምግባር፡ ብመዓልቱ ዝፍጀር ነታጒ ምቕባር ማለት ኢዩ። ስለዚ ኣእዳውኩም ቅድሚ ናባይ ምንጽጻር፡ ቅድም ነቲ በብዓመቱ ትቐብሩዎ ዘለኹም ፈንጂታት ኣውጽኡ።

ብድሕሪ እቲ ዝገብርኩዎ ቃለ መሕትት፡ ኣይደንጎዩን ደድሕረይ ኢዮም ተጓዪዮም።  እቲ ደሮና ዝሓወሰ ንፋሳት፡ ብዘይካ እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና ዝዓይነቱ፡ ብጽልኢ ዝተባዕጠ ሃጠውቀጠው ካልእ ውቐይ ኣይነበሮን። ታሪኽ ስሳታትን ሰብዓታትን፡ ከምኡ’ውን ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1961 ክሳብ 1991፡ ንዓይ ንሃብተማርያም ናይ ቀረባ ትዝታ ኢዩ። መዛግብቱ ከኣ ኣብ ርእሰይ ኣሎ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። እዞም እሾኽ ምድርቤት ዝኾኑ ምሁራት ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ኣስላም፡ ብዘይካ ጸቢብ ሃይማኖታዊ መዝሙር፡ ካልእ /ንኣስላምን ክርስትያንን/ ንሃገር ዝጠቅም ሓሳባት ሓሲቦም ኣይፈልጡን ኢዮም።

እቲ ኣብ ዕድመይ ካብ ዘዋህለልኩዎ ተመኩሮ ኣብ ራድዮ ኣሰና ምቕራበይ ንዓይ ጥራይ ኢዩ ዝምልከት። እዞም ናይ ክፍኣት መሃንድሳት ዝኾኑ፡ ዉሕ ዉሕ ክብሉ ዝቐነዩ ኤርትራውያን ኣስላም፡ ኣነ ከም ሓደ ኤርትራዊ ሰብ ንዘበርከትኩዎ ሞሳ ጎስዮም፡ ናብ ባዕላዊ ትንተና ኢዮም ኣትዮም። ልክዕ ኢዩ፡ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲን ክቡራትን ሃይማኖታት፡ ዘለዋ ሃገር ኢያ። ንሃይማኖት ምስልምናን ንኤርትራውያን ኣስላምን  ከኣ፡ የኽብሮም ኢየ። እቲ ምንታይ እዛ ሃገር ንክልቴና ብማዕረ ስለ እትብጽሓና። ኣሕዋትና ኣስላም ኣብ መሪሕነት ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት’ምበር፡ ንቕድሚት ምኻድ ኣይተዓደሉን ኢየ ዝብል ዘለኹ። እዚ እዋሓስ አግብእ ዘይበሃሎ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ተሰኒዱ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ቀዳማይ መዝገብ ከኣ፡ ውግእ ሓድሕድን ሳዕቤናቱን ኢዩ። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ ውድብ ጀብሃ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ምክፍፋል፡ ነታ ውድብ ከም መድፍዕ ኮይኑ ኣዕንዩዋ ኢዩ። ክርስትያን ስልጣን ንከይሕዙ፡ ክንደይ ምጉያይ ኢዩ’ኮ ነይሩ! ናይ ወረ ዘይኮነስ፡ ብግብሪ ዝነበርኩሉ ውድብን ግዜን ኢዩ።

ጉጅለ ፋሉል ክንደይ ካብ ሚእቲ ኢዮም ኣስላም ነይሮሞም? ስለምንታይ’ከ ተፈንጪሎም ናብ ውድብ ኢሰያስ ከይዶም? ኢልኩም እስከ ሕተቱ። ዳሕረዋይ ኣብነት ድማ፡  ካብ ምኽታም ጉዕዞ ተ.ሓ. ኤ. (1981) ክሳብ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ጉዕዞ ውድባት፡ ሰልፊታት፡ ኮሚሽን፡ ባይቶን መሪሕነት ባይቶን ምርኣዩ ይኣክል። ስለዚ እዞም ሰባት “ኣይሰርሑ፡ ኣየስርሑ” ምባለይ እዚ ዘሎ ዕንክሊል ጉዕዞኦም ኣብነት ዶ ኣይኮነን ኢዩ። ኤርትራ ክልተ ሃይማኖታት ዘለዋ ሃገር ክነሳ፡ “እስላማዊ ውድብ” “ጂሃድ” ዝብል ምንቅስቓስ ቆይሙ ኣሎ። ኤርትራ ብእስላማዊ ሸሪዓ ንክትምራሕ ብምባል ኣብ ኢትዮጵያ ዝቖሙ ውድባት ኣለዉ። እዚ’ኸ ምስ ምንታይ ኢዩ ክቑጸር። እቲ ክርስትያን ወደባት’ከ፡ ከም ኣስገዳድ ወራር መሓመድ ግራኝ፡ መጽሓፍ ቅዱሱ ኣንዲድኩም፡ ብሸሪዓ’ዶ ይመሓደር? ብጉልባብ ስርዓት ኢሰያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብእስላማዊ መንግስቲ ክምራሕ ኣለዎ ምባል፡ ፈጺሙ ዘየዋጽእ መንገዲ ኢዩ’ሞ፡ ‘ውሕጅ ከይመጸ፡ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ’ ከም ዝበሃል፡ ኣንቱም ቁንጣሮ ሓለምቲ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር መንገድኹም ኣተዓራርዩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ናብ መንገዲ ናብ ሕልኽልኽ ዝበለ ጓል መንገዲ ኣቲና። ኣብ ክንዲ ኩሉ ሓይልናን ኣቓልቦናን ናብ ስርዓት ህግደፍ ንገብሮ፡ ከም ዓሳታት ባሕሪ ንሓድሕድና ንበላላዕ ኣለና። እዚ ከኣ፡ ቅድሚ ኩሉ ተሓተትቲ ንስኹም እቶም ብዘይካ ኣስላማዊ ኣረኣእያ ካልእ መጠመቲ ዓይኒ ዘይብልኩም ሰባት ኢኹም’ምበር፡ ኣነ ኣይኮንኩን።

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ደቀይ፡ እቲ ካብ ተመኩሮይ ዘቕረብኩዎ ቃለ ምልልስ፡ ነቶም እሾኽ ምድሪቤት ውሑዳት ብክፍኣት ግብሪ ዝተመረቑ ፈላለይቲ’ምበር፡ ሃይማኖት ምስልምና ንምንእኣስ ኣይኮነን። እዞም ኣብ ደገ ቀይሕን ጸሊምን እናኣማረጹ ዝነብሩ ዘለዉ ህንጡያት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ ኣስላም ዝውክሉ ኣይኮኑን። ክቡራት ደቂ ኤርትራ፡ ከም ኣቦታትኩምን ኣቦ ሓጎታትኩምን፡ ንሃይማኖታት ኤርትራ ብማዕረ ርኣይዎን ኣኽብርዎን ኢለ ክላበወኩም እደሊ። ግን ‘ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መንገዲ ባቡር ደቅስ’ ከም ዝበሃል፡ እቲ ኣብ ኣኽብዲ ብዙሓት ኤርትራውያን ኮይኑ ሑብጭቡጭ ዝብል ዝነበረ ስምዒታት ኢየ ንደገ ኣውጺአዮ። ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ‘ካብ እሾኽ ምድርቤት፡ ካብ ሕሱም ጎረቤት የድሕነና’ ዝተባህለ ንከንቱ ኣይነበረን። ኣነ ከኣ ንኩሉ ኣሕዋትና ኣስላም ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ ንዝነበሮምን ሕጂ ዘለዎም ኣሉታዊ ተራን  ኢየ ገሊጸ።

ኣብ ምጅማር ገድሊ ኤርትራ፡ ማንም ሰብ ዘይክሕዶ ብዙሓት ኣስላም ተሳቲፎም ነይሮም ኢዮም። ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ኣከያይዳ መሪሕነት ጀብሃ ግን፡ ተሳታፍነት ኣስላም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሓደ ይኸይድ ነይሩ። ካብ ክፍላ ሰብዓታት ክሳብ ፍጻሜ መግዛእቲ፡ ብትኽክል ከቢድ ዋጋ ከፊሎም ንኤርትራ ናጻ ዘውጽእዋ ግን ደቂ ክርስትያን ኢዮም። ብዛዕባ እዚ ሓቂ እዚ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ምስክር ኢዩ። እዚ’ኮ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ከምዚ ሎሚ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ብጠላም ኢሰያስ ከይተጨውየ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዝተጻሕፈ ምግንጻል እኹል ኮይኑ ይስመዓኒ። መሪሕነት ጀብሃ በቲ ዝተኸተልዎ ፈላላዪን ሃይማኖታዊን ሜላ፡ እቲ ውድብ ኣማስይኡ መዛግብቱ ንክዓጹ ተገዲዱ ኢዩ።

መሪሕነት ጀብሃ ብሰንኪ ሃይማኖታዊን ኣውራጃዊን ሕማሞም፡ ርእሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ሰባት ኢዮም። ካብ ምጅማር ገድሊ ኤርትራ ክሳብ መወዳእታ ስሳታት፡ ክንደይ ክርስትያን ከም ዝተሓርዱ ኣብ ታሪኽ ኣሎ። ኣነ ሃብተማርያም፡ ከም ኤርትራዊ ተቓላሳይ ንሓርነት፡ ንዝነቐጸ ደም ከተርክስ ኣይደልን ኢየ። ግን ይገንጸል እንተኢልኩም፡ ካብ ብዙሕ ብውሕዱ፡ ገለ ሓቅታት ወስ ከብል ኢየ። ቅንጸላ ወልዳይ ግደን ኪዳነ ክፍሉን ስለምንታይ ነበረ? ቅንጸላ ሱርየት ኣዲስ’ከ ንምንታይ ተገብረ? ቅንጸላ 47 ክርስትያን ሓረስቶት ደቂ ዓንሰባ ኣብ ቶኾምብያ’ኸ ስለምንታይ ነበረ? ንናጽነት ኤርትራ ዝተሰለፉ፡ ክርስትያን ብምዃኖም ጥራይ ዝተሓርዱ መንእሰያት ኣብ መዝገብ ከም ዘለዉ’ኸ ትፈልጡ’ዶ? እቲ ግዜ ነዊሕ’ኳ እንተገበረ፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግን ሎሚ’ውን ይሰርሕ ኣሎ። እቶም ንደቂ ክርስትያን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ ዝቐትሉ ዝነበሩ ከኣ፡ ገለ ከይተናስሑ ምስ ገበናቶም ሓሊፎም ኢዮም። ብደም ንጹሃት ዝተጽቡ ተረፍ ግን፡ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ዓስኪሮም ኣብ ውድባት ብደረጃ መሪሕነት ይሰርሑ ኣለዉ። ኣብ ውድባት ምህላዎም ከኣ ንህዝቢ ራህዋ ከምጽኡሉ ዘይኮነስ፡ ከም መሕብኢ ክጥቀሙሉ ስለዝደለዩ ኢዮም።

‘ከልቢ ብዝቐደዶ፡ ዝብኢ ኣቶ’ ከም ዝበሃል፡ መሪሕነት ጀብሃ ብዝኸፈትዎ ቀዳድ ኢዩ ገበነኛ ኢሰያስ ናብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ዝኸኣለ። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ወሪዱ ዘሎ መስተንክር ዕንወት፡ መሪሕነት ጀብሃ’ውን ተሓተቲ ኢዮም።እስከ ምልስ በሉ፡ እቶም ካብ ቀቢላዊ ኣመለኻኽታ ኣርሒቖም ክጥምቱ ብቕዓት ዘይነበሮም ኣስላም መሪሕነት ጀብሃ፡ ስምዒታቶም ንምርዋይ ንውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ሓሙሽተ ክፍልታት ከፋፊሎሞ’ዶ ኣይነበሩን ኢዮም? እቲ ግዜ ኣብ ታሪኽ ዘመነ ክፍልታት ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ። ናይ ቀደምሲ ዝደለ ምኾነ፡ ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከም ዝበሃል፡ ናይ ኣቦታቶም ክፍኣትን ሃይማኖታዊ ፍልልይን ዘሳውሩ ኣለዉ።

እታ ብወልዳይ ካሕሳይ እትምራሕ ዝነበረት፡ ንደቂ ከበሳ ተባሂላ ዝቖመት ሓሙሸይቲ  ክፍሊ፡ ሃይማኖታዊ ቅንጸላ ምስ በዝሓ ኢያ ተፈልያ።  ስለምንታይ ኢያ’ኸ ኣማስይኣ  ናብ ኢትዮጵያ ኢዳ ሂባ። ኣብዚ ዝኽሪ እዚ ንገዲም ተጋዳላይ ወዲ ደሪዕ ጠቒሰዮ እየ። ጉዕዞ መሪሕነት እድሪሳት ብዘይካ ጸቢብ ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ኣረኣእያ ካልእ ሃገራዊ ኣጠማምታ ስለዝተሳእኖ፡ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፡ ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፡ ዖበል ዝተባህሉ ውድባት ክፍንጨሉ ክኢሎም ኢዮም። ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ስሙርን ሃገራዊን ውድብ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኤርትራ ሃገርና እዚ ሎሚ ትርእዮ ዘላ መሰክሕ ግዜ ኣይምመጸን።

እቶም ቀዳሞት ጸበብቲ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዝተኸተልዎ ፈላላዪ ኣገባብ ኣይኮነን’ዶ እግሮምሲ፡ ሬስኦም እውን ናብ ዓዶም ክቕበር ኣይተኻእለን። ሎሚ’ውን እዞም እሾኽ  ምድሪቤት ኣብ ክንዲ ነዚ ኣብ ምንጋጋ ኢሰያስ ኣትዩ ዝጠሓን ዘሎ ሙሉእ ህዝቢ ከነድሕን ዝብሉ፡ ገና ካብቲ ጸቢብ እስላማዊ ኣረኣእያ ክናገፉ ኣይመረጹን። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ’ምበኣር ክሳብ ሎሚ ናብ ኤርትራ ዘእቱ መንገዲ ክረኽብዎ ዘይከኣሉ። ነዞም ምሁራትን ፈላጣትን ኢና ዝብሉን፡ኣብ መደምደምታ፡ ዓቕምኹም ሕለሙ፡ ካብ ከቢድ ድቃስኩም’ውን ተበራበሩ ክብሎም ይደሊ።

ደበስ ንኤርትራውያን ኣዴታት፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • Abrham April 12, 2017

    እሞ ሕጂ ኤርትራ ግምባር ውግእ ኣስላምን ክርስትናን ንቐይራ ድዩቲጉዳይ
    መስኪን ህዝቢ ኣኣብ ዝጥዕመኩም ኬንኩም መርዛም መልሓስ ትውርውሩሉ ንሱ ከኣ ዝፈልጦ ብስምዒት ዪኣምን
    ብአጃኹምባ ቅድሚ ምዝራብና ዘምጽኦ ጠንቂ ንፍለት

    • Foza April 12, 2017

      Abraham

      A few vocal extremists here, who are dreaming Agaizian El Dorado, are the kind of people who cannot blow themselves for any cause. 50 well trained soldiers chained by one armed shifta bedouin !!
      What a shame !
      The are pouring hate on Eritrean Muslims, just to let the steam off.
      The real enemy is looking not for a fancy NAZI Nation, but an outlet to the sea.

  • Jacob T. April 12, 2017

    Our highly respected and loved father ato Habtemariam Abraha, you have said it all beautifully and correctly and also just in good time. Please our hero and brilliant father H/mariam ignore all the negative and ignorant comments and criticisms of a few duhulat opportunists as well as the normal useless muslim extremists.
    The welfare dependent and scavengers with the robotic muslim and cult followers are trying to colonize the world.

    • Jacob T. April 12, 2017

      addition: if the useless, gutless and spineless muslims don’t behave properly then they’ll end up being the next Palestinians in their Sudan, Somali or and muslim Arab country. A weak person living in a artificial glass house shouldn’t be throwing stones to the outside world.

      • k.tewolde April 12, 2017

        Jacob T. I hope you are not posting this comment from the Negev desert.If you are,it is an asylum winning one.Keep trying.

      • Ron April 13, 2017

        “weak person living in a artificial glass house shouldn’t be throwing stones to the outside world.”

        Jacob T.

        This Agazian thing is impossible to put in practice.
        You are just wasting your time. You may ask why ?.
        Do you think Weyane can help you while still ruling from Addis over Amhara and Oromo ?, just think … is that possible ? .
        What do you want do with Ethiopian Muslims, who are half of the population in Ethiopia ?.
        Do you have any plans to exterminate them like Saho and Jeberti in Eritrea ?.
        Do you think you will be able to do that ? You think they too should be accepting Orthodox culture or values, if they want stay in Ethiopia or else they will be exterminated ?
        Whether you are Eritrean or Tigreyan …( in this Agazi issue doesn’t make much difference), you will soon realize that, this devilish ideology will not last long. Tigreyans are pushing Eritreans because they think it’s an opportunity to burn Eritrea, but they too will realize that it will not stop there.
        Come to your senses before it’s too late.

  • Jemal April 13, 2017

    Befor u write think 2 times , ayte habtemariam

  • meretse April 13, 2017

    …this is the out come of frustration.. Most of the time frustration blocks our vision and we end up being pessimistc, pessimistic about everything. We rest our visions to rest and we swear to say Behold Unto These— solutions are not possible. According to “ Gerentology” our memory declines as we age. If we have an honest doctor he /she can tell us that we will lose around 1000 brain ceslls as we age. That said, those who are blessed with good health and age they tend to work for charities. For most part, I guess, they believe the “greatest thing in life is to give thanks for everything”. What a wonderful Love Path! !!!
    Unfortunately, others chooses the opposite of grace and gratitude– they like to speak, write, or inspire with passion of myth whining as a child growing with depression.
    With all due respect, aboy Habtemariam, please allow me to say a few worda about your above article. I for one I was expecting you to write an apology to what you said before but not a dragon fire. Instead of an appology time after time you liked to spill a dangerous myth that can strife the unity and ablity to flourish our life.
    When everyhting is going against your way you seem to loose the ablity of positive thinking and you are dragged to surface only the pessimist attitude which is very much realated to an age related disorder.
    My advice to you is—please take some deep breath and admit your mistakes. Say, I was not good enough to inspire the new generation as I waas supposed to.
    Remember you are talking about a nation and not about an individual or a particular family matters.
    Here is a reminder to you; so far you are only able to remember ሐሕማቑ
    ናይ ዕድመ ይግበሮ። “ጸጽቡቑ ዘፊፉ – ሐሕማቑ ሰፊፉ’ዃ” ኣሎ።
    God bess all of us !!!!

  • Teclay April 14, 2017

    ካብ ስሚዒት ውጻእ ፣እቲ ገጋ መዓስ ጀመረ???
    እቲ ጌጋ ናትና ናይ ከበሳውያን እዩ።ካብ መሰረቱ ፣ኣብ ናይ ጀሃድ ውድብ ኣንጻር ረብሑኡን ባህሉን ምስ ጅሃዳውያን ሓቢሩ መሳርያ ዝዓጥቕ፣ኣብ ዓለምና ፍጹም ዘይተራእየ ዓሻ ጥራይ እዩ።ብኣንጻሩ ተኸተልቲ ምስልምና ኣብ 60ታት ጅሃድ እንተኣወጁ ከም ኣብ ካልእ ዓለም ዘለዉ ናይ እምነት ኣሕዋቶም,ዘገርም ኣይኮነን።

    • W. B. April 14, 2017

      Teclay,
      Who gave you a license to speak about the entire people of Kebessa, you are just a messenger of the mafia regime to promote his dirty job of divide and rule.

  • Arefayne April 23, 2017

    Aboy Habtemariam Bemejemeriya Selam Kebeleka Efetu.bemeqitsal Nab Hasabey kiatu.Kulu Zebelkayo Mekeri Tsebuq Eyu,Anewen Ab Paltalk Esatef Selezeneberku Nay’zeom Aslam Neger Yegermeni Neru,qendi Tselaeom Tigregna (chirestian)mekuanu Agihedom Yezarebu Nerom Eti Ab Paltalk Zesatef Meniesey Gena Aflituo Duruk Selezekone Kem waza Geru Eyu Zerieyo.Neay Hade Mealti Zegetemeni Kielelekum,Tigregna Eyu Zegezeana Elom Emenu Zeaynetu Bezuh Yezarebu Nerom,Ane’kea Rigay Betsihu Mic Heze Kezareb Jemerku,Zehatetkuwom Hito’kea Kemzi Eyu Neru,Nehena Tigregna Gezaeti Endiher Koyna Nemen Ena Natsa Kenewtsie Neqales?Ane Gezae Zeykonku Ane Meseley Zeteregetse Nemeseley Kemzeqales Eye Zefelet,Selezi Ezi Tebeluwo Zelekum Gega Eyu Entebelku Kabtom Muslim Teray Zeykones Kabtom chirestian Ena Ne Hezbi Eritrea Neqales ena Kab zebelu Keyterefe Teqawemon Tserefin Weriduni,Natey Melsi’kea Bemejemeria Neti Natey Hezbi Tigregna Eye Zeqales Fetewo Tselio Ele Kabta Mealti Etia Jemire Paltalk Keyeatu Wesine.Ab Paltalk Delayom Tezarebom Zemeleselom Selezeyele Ab Baytawen Haili Zelewom Koynu eyu Zesimiom Selezi Aboy Abtemariam Demberets Aybelka Gubueka Eka Gerka.Neti Meniesey Dea Kab Adu Jemiru Be HGDF Betri Tedahilu Selezemetsie Ahewatna Yeqalesu Alewu Elom Mes Metsu Kon Elom Neti Tigregna Tezarabi Yediheluwo Alewu,Selezi Kehardeni Nezemetse Hawey Aybelon Eye, Neti Hemaq Tarikwen Yekun Mezeraben Nezi weledo Nekelebem Megbarka Azie Adniqeka Edmen Tienam Nebona Habtemareiam.

Post a Reply to Jemal Cancel Reply