Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እተን ዋዓሩ – ዕለት 8 መጋቢት 2014

እተን ዋዓሩ             ዐለት 8 መጋቢት 2014   ኣለኹ 1 በሊ ተባዕ ዋዕሮ ፡ ሞያኺ በየን እየ’ሞ ክጅምሮ፡ ጽላል ሕብረተሰብ ዓባይ ዳዕሮ፡ ንስኺ ዘይብሉ ኩሉ ይቖሮ።       እቲ ኒሕ መሊኡ ክፈስስ ከሎ፡ ዘይነፍስኺ ጸርኪ ገፊሕ ክዳን ዝኸዎሎ፡ እወ ነርኪ! ኣብ’ቲ ዘብዘብ ታሓናነቕ ዉዕሎ፡ ሕፃን ተወጊኡ ኣብ ከብድኺ

እተን ዋዓሩ             ዐለት 8 መጋቢት 2014

 

ኣለኹ 1 በሊ ተባዕ ዋዕሮ ፡

ሞያኺ በየን እየ’ሞ ክጅምሮ፡

ጽላል ሕብረተሰብ ዓባይ ዳዕሮ፡

ንስኺ ዘይብሉ ኩሉ ይቖሮ።

 

 

 

እቲ ኒሕ መሊኡ ክፈስስ ከሎ፡

ዘይነፍስኺ ጸርኪ ገፊሕ ክዳን ዝኸዎሎ፡

እወ ነርኪ!

ኣብ’ቲ ዘብዘብ ታሓናነቕ ዉዕሎ፡

ሕፃን ተወጊኡ ኣብ ከብድኺ ከሎ፡

ከማኺ መን ኣሎ’ሞ ዝኽእሎ? ።

 

 

 

ኣዝመራ’ኺ ትወን ናይ ክረምቲ፡

ኣደ ሽሻይ ከም ዓዉዲ ምህርቲ፡

ጓል ኤርትራ ከም ወትሩ ዕጥቕቲ፡

ንስኺስ ኣይትሕመሚ ኣይትምቲ።

 

 

እወ !    እታ ኣደ

 

 

 

ኣብክንዲ ንሽልማ ንኽሕሳ፡

ዝገደደ መጽዩዋ ዝኹሉ ተቓሊሳ፡

ደቃ ይሽየጡ ይብልዑ ብዓሳ፡

ምስ ንብዓታ ትሓድር…

ኣላ ኣንሶላኣ ኣተርኪሳ።

 

 

 

ኣደ ደም ነቢዕኪ ጸላኢኺ ይንባዕ፡

ታዓጢቅኪ ኣዕጥቕና…

ከይንብል ቀልባዕባዕ፡

ነዛ ተሪፋትና ዘላ ሓንቲ ቕላዕ፡

ንቓላጠፍ አይንጠላዕ።

 

 

 

 

 

 

አለዋ አደታት ክንሰን ኣብርእሺ…

ኣማኢት ሬሳታት ደቀን ዝስዕስዓ፡

ጽቡቅ ኣሎና’ላ ዘጣቅዓ፡

ዓገብ

ብደም ደቀን ሃገረንን ዝጣልዓ፡

ብበለጽ ሓንጎለን ዝተዘርዓ።

 

 

ኣደ ተላዓሊ ደቅኺ ኣስምሪ፡

ነቅነቅ ትብል ኣላ ዓዲ ሕድሪ፡

ተላዓሊ’ወ ከምድሮ ነድሪ፡

ክንላቐቕ ካብ’ዚ ሽፍታ ቐትሪ።

 

 

ወሊድኪ’ንድኺ ሊቃዉንቲ ዝተማህሩ፡

ወሊድኪ’ወ ጀጋኑ ጸላእቶም ዘባህርሩ፡

ማኣስ ተሳኢኖም ለባማት ዝመኽሩ፡

በጋሚንዶ ግን ተጻዊቱልና ስለ ዘይሓበሩ።

 

 

ደቂ ኤረ  ዘይተጸበናዩ ካብ ኣጋጠመ፡

ኣማዕዲኻ ዘይጥመቶ እዋን ግመ፡

ንድንጉርጉር ንጽረግ ከይንግመ፡

ሕልናና ንዳህስስ ነንነፍስና ካኣ ንሕመ።

 

 

ኣካ ተረገጽና ብኣድገ በቕሊ፡

ንኣምላኽ ግን ኣይሳአኖን’ዩ ምቕሊ፡

ኣጆኽን ኣጆና ክዕለል’ዩ ብዕሊ፡

ከትወግሕ’ያ መሬት ከም’ታ ናይ ትማሊ።

 

 

ጽንዓት ክሳብ ዓወት፡

ንፍትሒ ዎሎዶታት ንቕሳኔት።

 

ኢስጢፋኖስ መንግስትኣብ ካብ ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • ERITRAWIT March 9, 2014

    Dear Brother,
    Thank you, ztekalesa ztewega mekera yrekba!!!!!! ab hawey zeywala ka yetaka two different Mothers in Eritrea shame.

  • Habte Kifle March 9, 2014

    YIBEL GHITMI!!!
    AGHENA’A ESTEFANOS!!!

  • ahmed saleh March 10, 2014

    Any time I see those above pictures it boil my blood for some reason .

  • ahmed saleh March 10, 2014

    ERITREAN WOMEN ARE THE FORGOTTEN HEROES OF ERITREAN REVOLUTION HISTORY .

    • ahmed saleh March 10, 2014

      Nowadays anybody who try to defend the integrity for what they died for is KAHADI , JASUS in our present politics .

  • monicasalguero March 10, 2014

    ኢዘን ኣደታት የህዋትና ናይዘን ኩለን ደቂ ኣንስቲኦ ረኪበኦ ዘለዋ ኣርያ ኢየን.
    ብ ኣምላክናናን ሕብረትናን ካብ ጸልማት ናብ ጹራ በርሃን ከም እነሰጋገር የኣመን ኢየ.

POST A COMMENT