Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ሓሳድ ኣዕናዊ ተግባራት ህ.ግ.ደ.ፍ።

ኩልና ከም ንፈልጦ እዞም ኣብ ሃገርና  ዝገዝኡ ዘለዉ  ጃንዳ ካብቲ ሓሳድ ባህርያቶም፣ ዜጋታት ነብሶም  ኪኢሎም ካብ ተጸባይነት ወጺኦም ናብርኦም ክመርሑ ምስ ዝፍትኑ ከመይ ገይሮም ብተላኣኣኽቶም ኣቢሎም ሸርሕታት እናመሃዙ ዓዲ ከም ዘውዕልዎምን ከም ሳዕቤኑ ክኣ ተስፋ

ኩልና ከም ንፈልጦ እዞም ኣብ ሃገርና  ዝገዝኡ ዘለዉ  ጃንዳ ካብቲ ሓሳድ ባህርያቶም፣ ዜጋታት ነብሶም  ኪኢሎም ካብ ተጸባይነት ወጺኦም ናብርኦም ክመርሑ ምስ ዝፍትኑ ከመይ ገይሮም ብተላኣኣኽቶም ኣቢሎም ሸርሕታት እናመሃዙ ዓዲ ከም ዘውዕልዎምን ከም ሳዕቤኑ ክኣ ተስፋ ቆሪጾም ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ከም ዘብሎዎምን ኣብዚ ዓሰርተታት ዓመታት ዘመነ ምምሕድዳሮም ዝተዓዘብናዮ ነገር’ዩ። ምኽኒያት ናይ’ዚ ርኹስን ጽዩፍን ተግባር ክኣ “ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ክኣ ዓዶም ዘይኮነ ዓድኻ ግደፈሎም” ብዝዓይነቱ ምእዙዝ ኮይንካ ንኽትግዛኣሎም ዘገድድ ተግባር ኢዩ። እዚ ስለ ዝኾነ’ምበኣር’ዩ እቲ ሕሉፍ ንዕቀቶም ሰማይ ስለ ዝዓረገ ድማ ከምዚ ኩልና እንዕዘቦ ዘለና ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዓድታትን ዜጋታት ካብ ዘይብሎም ጨቖቕ ኢሎም ዝሃነጽዎ ኣባይቲ፣ ንኸስርሕዎ ፍቓድ ከም ዘይሃብዎም ተገምጢሎም ካብ ፕላን ወጻኢ ዝተሰርሕ’ዩ እናተባህለ ኣብ ጨው ቀትሪ ብዶዞራት ሃደሽደሽ ዘብልሎም ዘለዉ። እዚ ሓደ ድሕሪ ሓደ ወሰን ኢሉ ዝቕጽል ዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ እምብኣር ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ’ውን  እብረ ከተማ መንደፈራ በጺሑስ  ዝተፈላለዩ ህንጻታት ኣብ ምፍራስ ድሕሪ ምውፋሮም ናይቲ  ኣብ ስፖርት ዓለም ብፍላይ ክኣ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ ናይ ዓሰርተ ሽሕ ሜተር ተሸላሚ ወርቂ መዳሊያ ብምዃን ስሙን ስም ሃገሩን ክብ ኣቢሉ ዘጸወዐ ቦኽሪ ሓበና ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ብምምሕዳር ዞባ ደቡብ ያእዪ ከም መተባብዒ ተባሂሉ ዝተዋህቦ’ሞ ዘይተኣደነ ገንዘብ ኣውጺኡ ዝሃነጾ ዘመናዊ ህንጻ እንሆ ከም ሰቡ ብዶዞራት ህ.ግ.ደ.ፍ ሓዶሽዶሽ ኢሉ ምስ ዓነወ ዘርኢ ስእሊ፣ ስለዚ እዚ ስርዓት እዚ ሕጂ’ውን እቲ ሓሳድ ናይ ምዕናው ተግባራቱ ገና ይቕጽሎ’ዩ ዘሎ። ኣማስያኡ ክኣ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኩሉ ኣተናኡ ሓንቲ ዝዓነወትን ዝተደነሰትን  ሃገር ገዲፉ እንተጠፈአ ፋዓራ የብሉን’ሞ ካብዚ ንምድሓን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኢየ ዝብል ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ሃገር ንምድሓን ክሰምር በዚ ኣጋጣሚ እጽውዕ።

ምልኪ ከልግስ ኩልና ንገስግስ!

ኢሳያስ ኣስፍሃ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Ti October 25, 2015

    NAY DEKI SWUAT GEZAWTI EWN AFRISOM.

  • Honey October 25, 2015

    In other countries iseyas would have been assassinated many years ago and by now would have been forgotten.
    Errata gin adi 5 million ansti eya

  • Eritra October 26, 2015

    “ግረሞም እንታይ እዩ፧ እዚ ብወጋውና ናይ ሸፋቱ ዝምራሕ፣ ሸፋቱ ዋጭላት ዝውድስዎ ስርዓት ሕጂ ዝተተኽለን ዝተማህዘን ኣይኮነን። ገና ብዓንተብኡ ንብረት ኤርትራውያን ትሕተ ቕርጽን ዘብረሰ ብባዕዳን ዝእዘዝ ገለ ሰባት መስተውዓልቲ ድማ ሎሚ ሎሚ ኣኽዳም ወይ ዓቢድ ናይ እከያትን ርኹሳትን ሃገራት ከም ዝኾነ ዝገልጽዎ ዘልዉ እንድዩ።”

    Memhr aka Teclay

    Assenna please stop this intruder who
    persistently call Gedli a shifta movement. He is Iseyas’ cousin.

  • Negusse October 26, 2015

    ጥልያን ይኹን እንግሊዝ ዋላውን ደርጊ ንአባሻውል ንገዛ ታኒኻ ይኹን ገዛ ብርሀኑ ወይውን ቸንትሮ ዝኾነ ብዘይፓላን ዝተሰርሐአየፍረስዎን እኳድአ ደግያት ሐረጎት አባይ አባሻውል ቕድሚ ምፍራሳ ንተቐማጦ አባሻውል አብ ሐዝሐዝ ናዝሬት ዝበሀል ቦታ ሰብ ከከምዓቕሙ ሰሪሑ በሰላም ከነብር እዩ ተፈቒድሉ እቲ ዓቕሚ ዘለዎ አባሻውል አስርሔ ከነብር እየ ዝበለውን ተፈቒድሉ።
    ሽፍታ እሳያስ ግን ሀገርና የዕንዋ አሎ እንታዩ ኾይናቶ ንሕና ድማ ሱቕ ኢልና ንርእዮ አለና።ዘገርም እዩ አረ መጨረሽትኡስ እንዲታዩ ኽኽወን?
    እስኺሞ ኒውዮርኽ ንራኸብሞ በጃኹም ንመያየጥ።

    • jonus Jabar October 26, 2015

      Ane bay wegen bret keytahngetka mefthi yelen Eye zibl Negusse
      seb gin lomi ke men kimewut endabele hizbi yiwuda alo’
      hizbi mimatu ayterefen.

  • jonus Jabar October 26, 2015

    kab kedem eyu adenagiruna lomi aykonen 60.000 swat adenagiru hegi ka n5million hzba
    yedenagr alo wedi medhin berad ab enda bar zabeye kelbi

  • Negusse October 26, 2015

    እነ የሕዋት ድለይቲ ፍትሒ ምስ ሽፍታ ኢሳያስ ወዲኤ እየ ዓቢ ጽልእን ትዕዝብትን ዘለኒ ግን ምስቶም ምሁራት ኢና ፈላጣት ኢና ዝብሎ ሀገር እንዳፈረሰት ኮላ አስቒጦም ተሐቢኦም ዘለውን አቶም ” ነሱ ንሕና ንሕና ነሱ ” ዝብሉ ደናቑርን ሐተላታት አብየይ ጽባሕ ምስወገሐ አበይ ክህብኡ እዮም?
    ነቶም ሀገር ከምዘይትምልከቶም ተሐቢኦም ተዓዘብቲ ኮይኖም ዘለው እዛ ትስዕብ ናይቲ ሊቕ አልበርት አነስታይን መልእክቲ ይሰደሎም እንተተሶቒርዎም።

    The world will not be destroyed by those who do evil , but by those who watch them with out doing anything.

    Albert Enstine.

    • Y.Bereket October 27, 2015

      Mr Negusse, very good quote and very good observation from your side as well.

      If the opposition thinks that PFDJ is weak because of recent sanctions, then they must tell us why such regimes as Cuba, Burma, Zimbabwe, Iran and North Korea remains as deeply entrenched as ever.

      If sanctions and active Diaspora can bring down a government, Cuba’s Castro would have been gone long time ago. Without active internal opposition, we just await Mother Nature to do its job what man can’t.

      • Nabal October 27, 2015

        Good Point and that is the only solutoin.

  • Canada October 27, 2015

    What do you expect from a Shifta regime and of Abeeds of the Saudi-Egypt pact? Destruction, slavery and destruction of the past is their evil trade mark.
    Houses can be built tomorrow, how do you rebuild the people destroyed, the languages burned, the identity sold out to slavery?
    it is not that useful to talk much about bricks and mortars while your identity and languages are burning to ashes.

POST A COMMENT