Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ስርዓት ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸስስ ጸብጻብ “ሓደ ወገናዊ እዩ” ኢሉ ክነጽጎ ምፍታኑ ትርጉም ከምዘይብሉ ተገሊጹ።

እቲ መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት  ናብ ኤርትራ ኣትዩ መርመራኡ ከየካይድ ብተደጋጋሚ ፍቓድ ዝኸልከለ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ፣ እቲ ኮምሽን ንዘቕረቦ ነቲ ስርዓት ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸስስ ጸብጻብ ተገልቢጡ ሓደ ወገናዊ እዩ

እቲ መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት  ናብ ኤርትራ ኣትዩ መርመራኡ ከየካይድ ብተደጋጋሚ ፍቓድ ዝኸልከለ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ፣ እቲ ኮምሽን ንዘቕረቦ ነቲ ስርዓት ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸስስ ጸብጻብ ተገልቢጡ ሓደ ወገናዊ እዩ ኢሉ ክነጽጎ ምፍታኑ ትርጉም ከምዘይብሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ርእይቶታቶም ዝህቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፍጽሞ ዘሎ ደረት ኣልቦ ግፍዕታት ብደም ዝተጨማለቐ ካብ ማንም ንላዕሊ ግፍዐኛ ተግባሩ ዝፈልጥ ገበነኛ ስርዓት ብቐንዱ ጉዱ ኣጸቢቑ ከይቅላዕ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ከምዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ መመኽኔታ ንክኾኖ መርማሪ ኮምሽን ናብ ኤርትራ ኣትዩ ምስ ህዝቢ ከይራኸብ ከም ዝኣገዶ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ስለዝኾነ፣ እዚ ብመንገዲ ‘ቲ ዋና ሓባሊኡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ህግደፍ የማነ ማንኪ ዘቕረቦ ናይ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ መመኽኔታ እንዶ የብሉን።

እቲ ስርዓት ብመንገዲ የማነ ምንኪ ኣብ ጀኔቫ ተረኺቡ፣ ነቲ መርማሪ ኮምሽን ካብ ኣማኢት ኤርትራውያን ግዳያት ዝኣከቦ ብጭብጢ ዝተሰነየ፣ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ዕለት ዕለት ይነብረሉ ስለዘሎ ኣዳዕዲዑ ዝፈልጦ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዘረጋግጽ ነጥብታት፣ ሓደ ክልተ ኢሉ ክምልሸሉ ምፍታኑ ንገዛእ ርእሱ፣ እቶም ዝባኖም ዝቐልዑ ገበነኛታት ህግደፍ፣ እቲ ገበኖም ንኽሽፍኑ ዘካይዱዎ ሕንከት ኣልቦ ሽሕጣን፣ ካብቲ ገበን ክገብሩ ከለዉ ዘዘውትሩዎ ጭካኔ ዝፍለ ኣይኮነን።

ከምዚ ሎሚ ቕነ ብተደጋጋሚ ኣብ ድምጺ ኣሰና ካብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ሞት ዝደሓኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምዝራብ ዘረጋገጽናዮ፣ ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራይ ኣማኢት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ብጅምላ ተቐዚፎም ከለዉ፣ ዋሕዚ ስደት ዝሒሉ እዩ ምባሉ፣ እቲ ስርዓት ነቲ ፈለማ ካብ ሃገሮም ክወጹ ብምስግዳድ ዝፈጸሞ ገበን ካልእ ገበን እዩ ዝድርበሉ ዘሎ። ሕመረት ናይቶም ኣብ ዋሕዚ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኖም ዘየማትእ ሓቂ ክንሱ፣ እቲ ስርዓት ክኽሕዶ ምፍታኑ ‘ውን ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላድ ድማ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ከም ደቂ ዛግራ ተበቲኖም ዘለዉ ግዳያት ግፍዕን ስቓይን ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ጽውጽዋይ እዩ።

ጽውጽዋይ ህግደፍ ብዙሕ እዩ። ብሓጺሩ፣ እቲ ንመንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ባሮት ምልኪ ኣብ ምግባር፣ ንህዝቢ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሉ ብምግፋፍ ዓቕሉ ኣብ ምጽባብን ምብታንን፣ ኣብ ማእሰርቲ፣ ጭውያ፣ ግፍዒ፣ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽ ሽበራን፣ ኮታ ኣብ ኩሎም ‘ቶም ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝስርዑ ገበናት ኣብ ምፍጻም ኣብዚ መዋእል ‘ዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ጽዩፍ ገበነኛ ስርዓት፣ ሓላዪ ህዝብን ህጻናትን መሲሉ ክመጻደቕ ምርኣይ ዘሕንኽ እዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍእ ግን፣ ልክዕ ከምቶም ንዝፈጸሙዎ ዓመጽ ብፍቕሪ ክሽፍኑ ዝፍትኑ ደረቐኛታት ዓመጽቲ፣ ነቲ ግዳይ ናይዚ ኩሉ ኣረሜናዊ ገበናት ዝገበሮ፣ ክብሩን ግርምኡን ቀንጢጡ ዘዋረዶ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዓማጺኡ ከፍቅር ያኢ፣ መስካሪ ንጽህናኡ ክገብሮ ክሽሕጦ ምፍታኑ እዩ።  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! June 10, 2016

    Issayas regime has full right to fight against his indictment cases .
    And human right lawyers will submit witness account testimonies to
    prove about the crimes committed on civilian population . Like Beshir
    he will not enjoy the honor as head of state for free ride outside
    his territory . International court will keep him hostage of fear and
    insecurity the same way he enjoyed to practice upon others fate .
    At last rule of law visited to serve justice for voiceless weak . Truth
    never die , usually in a matter of time it always prevail.
    MERGHEM WELEDTI ZERAKHEBELU GHIZYE ZITEKERAREBET IYA TIMESL ZELA
    XADKANAT ZIHIBENULU SEYTAWINTI ZIHASRULU EWAN YEBXEHANA .
    Enough for ignorance that made us pay heavy price .
    We say Yes to praise for truth , honesty , straight talks and we say
    no to condone for lies , deceit , twisted talks . People’s enemies
    “SELEYA & 03” exploited the trust for selfish gain interest . TIME TO
    GO Mr. ISSAYAS , THE WORLD REVEALED YOUR FAKE SKIN , GAME IS OVER .

  • kerenlaelay June 11, 2016

    we are happy , the time is coming end of lawless people of PFDJ.Eritrean people in Sudan are happy.

  • wtsue kab asmara June 13, 2016

    ab wsti hager zelena wutsat meneseyat, meboqolawi zgnet zelewom PYFDG(degefti digtater iseyas) shigrna kemzeynatom endyom reyomo,but the time is coming slowly. i am happy and i hope to the followers of this hgdef to cry.

  • KahsaI Kidane June 16, 2016

    After all what do except from this group they an identity crisis meaning they don’t feel the Eritrean pain.

Post a Reply to RAHEL Cancel Reply