Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ብኣኽረርቲ ምስልምና፥ ኣብ ሊብያ ዝተፈጸመ፥ ኣረሜናዊ ተግባር ክኹነን ዝግቦኦ እዩ።

  ከምዝፍለጥ ኣህጉርና ኣፍሪቃ፥  ብፍላይ ካብ 16-19 ክፍለ ዘመን፥   ባርነታዊ መሸጣ ደቂ-ሰብ፥ ዘይሃስስ ሥምብራት ከም-ዝገደፈ፥ መዛግብቲ ታሪኽ-ዓለምና ሰኒዶሞ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ጸሊም ታሪኽ’ዚ፥ ክሳብ ሕጂ ዘይሓዊ በሰላ ዝገደፈ ኮይኑ ከብቅዕ፥ ሕጂ ድማ እንሆ እቲ ግፍዒ’ቲ፥ ኣብ

 

ከምዝፍለጥ ኣህጉርና ኣፍሪቃ፥  ብፍላይ ካብ 16-19 ክፍለ ዘመን፥   ባርነታዊ መሸጣ ደቂ-ሰብ፥ ዘይሃስስ ሥምብራት ከም-ዝገደፈ፥ መዛግብቲ ታሪኽ-ዓለምና ሰኒዶሞ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ጸሊም ታሪኽ’ዚ፥ ክሳብ ሕጂ ዘይሓዊ በሰላ ዝገደፈ ኮይኑ ከብቅዕ፥ ሕጂ ድማ እንሆ እቲ ግፍዒ’ቲ፥ ኣብ ምድሪ ሊብያ እናተደግመ ይርከብ ምህላዉ፥ ዓለም ብዓለሙ ብዓቢይ ምግራም ይከታተሎ ኣሎ። እዚ ድፍረትን ንዕቀትን’ዚ ድማ፥ እዛ ናይ ሕጂ ኣፍሪቃ ክትጻወሮ ትኽእል’ያ ክንብል ኣይከኣልን’ዩ።  

እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ከም-ዘረጋግጾ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዝተኻየደ መሸጣ ኣፍሪቃውያን። ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ሃገራት ኣዕራብ ብምትሕብባር፥ ኣቐበልትን ተቐበልትን ብምዃን፥ ሓቢሮም ዝተዋስኡሉ ናይ ሓባር ረብሓ ምንባሩ፥ እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ’ዩ። ይኹን እምበር፥ ዘመነ-ባርነት ኣብቂዑ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ፥ ሊብያውያን ኣፍሪቃውነቶም ክሒዶም፥  ኣኅዋቶም ንዝኾኑ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን፥ ንዘመናዊ-ባርነት ሸየጥትን ለወጥትን ኮይኖም ምርካቦም፥ ክንደይ’ኳ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ፍጻሜ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኩሉ፥ እቲ ዘይተዓደለ ሕዝቢ ኣፍሪቃ፥ ብኣዕራብ እንዳተገፈፈ  ከም ጥሪት ክሽየጥን ክልወጥን ምጽንሑ ዝሕንኽ ታሪኽ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ከመይሲ  ኣህጉርና ኣፍሪቃ እግዚኣብሔር ብዝዓደላ ናይ ተፍጥሮ ሃብቲ፥ መዓድንን፥ ፍርያት መሬትን ካልእ ጸጋታትን  ርኢኻ፥ ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ ወዲቓ ክትተርፍ፥  ዘሕዝን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ሕጂ ድማ “-ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ተኩሶ-”  ከም-ዝበሃል፥ ኣፍሪቃውያን ንባርነት ተሸይጦም ዕዳጋ ይወርዱ ኣለዉ ክበሃል፥ መጸናንዒ ዘይርክቦ ሓዘን ኮይኑ እንተ-ተረኽበ፥ ዘገርም ኣይኮነን።

ኣብዚ እቶም ተባዓት ኣንጻር -ባርነት ዝተቓለሱ፥ ክዝከሩ  እዋናዊ ኮይኑ ይስመዓኒ። ማለት  ማርቲን ሉተር ኪንግ ከምኡ’ውን ማልኮም X። እዞም ታሪኽ ብኽብሪ ዝዝክሮም ክልተ-ሰባት፥ ኣንጻር ባርነት ኃያል-ቃልሲ ኣካይዶም ዝተዓወቱ እዮም። እቲ ንሳቶም ተዋጊኦም ዝሰዓሩዎ ባርነት፥ ሕጂ ከም-እንደገና ሕይወት ዘሪኡ ናይቲ ኩሉ ጸሊም-ዓሌት ስግኣት ኮይኑ ክርከብ ምኽኣሉ፥ ብቀንዱ ድማ ናይዚ ዘሕፍር ተግባር’ዚ ተዋሳእቲ፥ ንሕና ኣፍሪቃውያን ኮይና ክንርከብ ምኽኣልና፥ እቲ መንነትና ኣብ ቅድሚ ሚዛን ማኅበረ-ሰብ ዓለም፥ ክሳዕ ክንደይ ፈዅሱን ሓሲሩን ክርከብ ከም-ዝኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን።

ብመንጽር’ዚ ኣርእስቲ’ዚ እቲ ኣባና ኣብ ኤርትራውያን፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ኣደራዕ ክርአ ከሎ፥ ካብዚ ኣብ ልብያ ዝፍጸም ዘሎ ባርነት ዝተፈለየ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ባርነት ማለት’ኮ መሰሉ ዝተገፈ፥ ክዛረብ ናጽነት ዘይብሉ፥ ክመርጽን ክምረጸን መሰል ዘይብሉ፥ ብዘይ ሕጊ ዝነብር ማንም ዘፋራርሖን ዝድህሎን ማለት እዩ። ሕዝቢ ኤርትራ ከኣ መሰል ኣሎና ክንብል ንኽእል ሕዝቢ ከም-ዘይኮና፥ ብሙሉኡ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ኣብ ማእከል ዓድና፥ ንባርነት ውርደትን ዝተሸጥና ሕዝቢ ኮይና ንርከብ ኣሎና። ስለዚ ከምቲ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ዘሎ ኣብ ቅሉዕ ዕዳጋ’ኳ ንመሸጣ እንተ-ዘይቀረብና፥ ኣይተሸጥናን ኣተዋረድናን ክንብል ግና ኣይንኽእልን ኢና።

ምኽንያቱ እቲ ድሕሪ ነፃነት፥  ክምዕብልን ክመሃርን ሥራሕ ክረክብን፥ ዝተመነየ  መንእሰይ  ኤርትራ። ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ኣብ መወዳታ ዘይብሉ፥ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዱ፥ ብዘይ ገለ ክፍሊት ነጻ ኣገልግሎት ክፍጽም ዝግደድ ዘሎ። ካብዚ ዝዓቢ ባርነት  የሎን ኢልካ ምኽሓድ ድማ፥ ሕልናኻ ሼጥካ ክትነብር ከም ምድላይ’ዩ ዝቑ`ጸር። ብዝተረፈ ነፃ ጉልበት ከተወፊ ምግዳድ ጥራይ ዘይኮነ፥ ማእሰርትን ሞትን ምህላዉ’ውን ክዝንጋዕ ኣይከኣልን። ስለዚ ሕዝብና ኣብዚ እዋን’ዚ፥ ኣብ መውጽኢ ተሳኢንዎ ዘሎ ሕሱም ባርነት ኣትዩ ይርከብ ኣሎ እንተ-በልና ምግናን ኣይኮነን። በዚ-ምኽንያት ከኣ’ዩ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ነቲ ንሕዝቢ ዘይውክል ዓመጸኛ-ሥርዓት ኤርትራ፥ ምስቲ ኣብ ስሜን-ኮረያ ዘሎ ሥርዓት፥ ዘመሳስሎ ዘሎ። ፕረሲደንት ነበር ባራክ  ኦባማ’ውን፥ ንሃገርና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መደረ “-ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመናዊ-ባርነት ይነብር ኣሎ-”  (Modern slavery)  ብምባል፥ ነቲ ዘሎ ሓቂ ኣግሂድዋ ምንባሩ ይዝከር።

እምበኣር  ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፥  ባርነትን መግዛእትን መሪሩና ዘሎና  ሕዝቢ ኢና። ነዚ ኹሉ መሪር ዝኾነ መከራን ስቓይን ተጻዊርና ከኣ፥ ንዕስራን-ሽውዓተን ዓመት መመላእታ፥ በርዑት-ባርነት ተቆሪና ሕጊግ እናበልና እናተጓዓዝና ከም-ዝመጻና ምስክር ዘድልዮ ኣይመስለንን። ሕጂ ግና ብኸምቲ ዝመጻእናዮ ክንጐዓዝ ንደሊ ሕዝቢ ከምዘይ ኮና ገዛእትና ክፈልጥዎ ዘለዎም ሓቂ እዩ። ነቲ ተጻዒኑና ዘሎ ኣርዑት-ባርነት፥ ሓንሳእን ንሓዋሩን ክንሰብሮን ክንድርብዮን ሃገራዊ ትንሳኤ ምእዋጅ የድሌና ኣሎ። ኣፍሪቃውያን ስለ ዝኾና ጥራይ፥ ናይ ግድን ኣይኮነን ቃልስና ብጐንጽን ኃይልን ክፍታሕ ኣለዎ ኢልና ክንሓስብ ክነብር። ካልእ ኣማራጺታት ከምዘሎ እዚ ኣብዚ ቅንያት’ዚ፥ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ዚምባብወ ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ፍጻሜ፥  ክንማሃረሉ ዘይንኽእለሉ ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን።

ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ብግልጺ ክርአ ከም-ዝቐነየ፥ ናይታ ሃገር መራሒ ዝነበሩ ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበ። ምንም’ኳ ዕድሚኦም ልዕሊ 90-ዓመት በጺሑ ይንበር እምበር፥ ስልጣኖም ከረክቡ ፍቃደኛ ክኾኑ ብዘይ-ምኽኣሎም፥ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትያ ከም-ዝቐነየት፥ ዋና መዛረቢ መራኸቢ ብዙኃን ዓለም ኮይና ምቕናያ ዝፍለጥ’ዩ። እንተኾነ ኣብቲ ሠራዊት ሓላፍነት ዝስምዖም ለባማት ስለ-ዝተረኽቡ፥ ንዓለም ዘገረመ ፖለቲካዊ-ፍታሕ ክርከብ  ክኢሉ ኣሎ። እንሆ ከኣ እታ ሃገር ብዘይ ዝኾነ ጸገም፥ ሽግራታ ፈቲሓን ኣብ ምፍታሕን ትርከብ ኣላ። እምበኣር እቶም ኣብ ሃገርና  ዘለዉ፥  ላዕለዎት መራሕቲ-ሠራዊት ድማ፥ ካብዚ ናይ ዚምባብወ  ተመክሮ፥  ክመሃሩ ዘይክእልሉ ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ኣብ ዚምባብወ ከተማ ሃራረ ዝተፈጸመ ልቦና ዝመለኦ፥ ምስግጋራ ካብ ጮኮንቲ መራሕቲ፥ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣሥመራ ብውሕሉልን ሰላማውን መንገዲ፥ ሥልጣን ናብ ተካእቲ ወለዶ ዝተማሃሩን ሓላፍነት ዝስሞዖምን መንእሰያት ክሳጋገር ጸሎተይን ምንዮተይን’ዩ።

ሠራዊት-ዚምባብወ ፥  ብዝወስዶ ውሕሉልን ተባዕን ስጉምቲ፥ እቲ ኣብታ ሃገር ከይመጽእ ተሰጊኡ ዝነበረ፥ ህውከትን ምብትታንን ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክእለ ምኽኣሉ፥ መራሕቲ ሠራዊትና’ውን፥ ክመሃሩሉ ዝኽእሉ ዓቢይን ሃብታምን ተመክሮ እዩ። ከመይሲ ጨቈንቲ ሥርዓታት ፈትዮም ሥልጣን ክገድፉ ከም-ዘይደልዩ፥ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተደጋጊሙ ክርአ ዝጸንሐ እዩ። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም’ውን፥ ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ሥልጣን ናይ ሕዝቢ እምበር፥ ብኃይሊ ዓሚጽካ ዝግበር ከምዘይኮነ ብግብሪ ክንምህሮም ኩነታት ሃገርና ይግድደና ኣሎ። እምበኣር መራሕቲ-ሠራዊት ሃገርና ‘ውን፥ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ብምትኳር፥ ኣብነት መራሕቲ-ሠራዊት ዚምባብወ ክኽተሉ ከም-ዝግብኦም፥ ይዝንግዑዎ’ዮም ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ንሕና’ውን ከም ሕዝቢ፥ ካብ ጽልእን ቂምን ርሒቅና፥ ከምኡ’ውን ካብ ብሑሉፍ ታሪኽ ምክሳስን ወጺና፥ ኣብነታውያን ብምኻን ንሃገርና ብሰላም ብልቦናን፥ ናብ ሕግን ዲሞክራስን ክነሳጋግራ፥ ኣምላኽ ልቦናን ተጻዋርነትን ይዓድለና።  

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሰራዊትና ልቦና፥ ንህዝብናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ። ኣሜን።   

Minister of religion Revd Yohannes Ghebrehiwet,

Medhani-Alem orthodox T church Manchester UK.

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Kibrom December 1, 2017

    Dear Administrator,
    Please correct the title of the Author. In Orthodox religion, there is no title called Minister. I believe the person is the servant of the Eritrean Orthodox church in UK and he is a deacon, not a priest. I have seen this website using this name and title during past interview as well. I think our decency demands to correct this apparent misleading title. .

  • Amba December 2, 2017

    ዝኸበርካ ቀሺ ዮውሃንስ፣
    ተገዲስካ ነዚ እዋናውን ህጹጽ ጉዳይ ባርነትን ስቅያትን ኤርትራውያንን ካለኦት ትሐተ ሰሃራ ኣፍሪቃውያንን ንኣስተምህሮን ኣፍልጦን ብምጽሕፍካ ምስጋና ይብጻሕካ።
    ብወገነይ እዚ ሕጂ ኣጸቢቑ ሳዕሪሩ ዘሎ መሸጣ ሰባት ባርነትን ጊላነትን ብፍላይ ናይ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣቐዲሙ ናብ ኤርትራውያን ቀኒዑ ኣብ ግብጺ ሲናይ ሱዳን ደሓር እውን ኣብ ሊብያ ፡ ንዓመታት ዘሳቐየ ፤ እንትርፎ ውሑዳት ከም በዓል ኣሰና ፣ አልሳ ጭሩም ፣ ራድዮ ኤረና ፣ ሜሮን ፣ ቀሺ ሙሴ ፣ ዶክተር ኣልጋነሽ ፣ ዶክተር የዕብዮ ወልደማርያምን ካለኦት ዉሑዳትን እንተዘይኮይኑ ፤ ብዙሕ ብዕምቆት ዘይተደፍኣሉ ጉዳይ እዩ።
    ካብዚ እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት እተን ሃገራት ዓረብ መንግስታት ፖሊስን ጋዜጠኛታትን ነዚ ባርባራዊ ባርነት ክሓብአኦን ከነኣእሰኦን እየን ጸኒሐን። ሕጂ ግና መንግስትታት ዓረብ ይኹና እቶም ተኾልኮልተን ክዓብስዎ ዘይክልዎ ባይታ ተቓሊዑ ዓለም ኩሉ ይዛረበሉ ኣሎ።
    እሞ ኣምላኽ መዋጽኦ ይፍጠረልና።

  • Kalighe December 2, 2017

    Slavery and other horrible crimes are mostly happening in areas controlled by maletias in costal regions. The government in Tripoli is very weak and lacks resources to get these restive areas under its control.
    The EU and UN should lift arms embargo on the government for them to fight these criminals.
    A quick and proper solution for now would be for NATO or some EU members to bomb camps of the militias once African migrants have left the country.
    Gaddafi left behind a completely devastated country, where remnants of his regime have formed militias of their own to avoid accountability, and are very busy in human trafficking.
    The only way to stop slavery and other crimes in Libya is a UN sponsored military intervention.

POST A COMMENT