Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BREAKING NEWS: እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣ ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣  ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊጻቶ። መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብወገና ነቲ

እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣  ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብወገና ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ደብዳብ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ብዘካየደቶ ጻዕሪ መሰርት፣ እቲ ናይ ነፍረቲ ደብዳብ፣ ብ 20 መጋቢት 2015 ሰዓት 04፡30 ወጋሕታ ከምዝተፈጸመ ከተረጋግጽ ክኢላ አላ።

በቲ ደብዳብ ሓያለ ንብረት ናይቲ ዕደናዊ ትካል ክቃጸል ከምዝወዓለ ክረጋገጽ ከሎ፣ ስርዓት ህግደፍ ‘ብስም ምጽራይ’ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ናብ’ቲ ብደብዳብ ዝተቓጸለ ከባቢ ንኸይቀርቡ ከልኪሉዎም ኣሎ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኩባንያ ቢሻ ካብ ኣቑርደት ዝመላለሱ ብምዃኖም ፤ ንግሆ ንስራሕ ከይኣትው ተኸልኪሎም ምውዓሎም’ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት። ገለ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል “እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል ይኽእል ኢዩ” ብዝብል ስግኣት ሓደጋ ከይወርዶም ተሻቒሎም ከምዘልዉ ‘ውን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

እቲ ደብዳብ፣ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ካብ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ አብ ማይ ዕዳጋ ዝብሃል ናይ ከቢድ ብረት መዓስከርን ዲፖ ነዳድን ‘ውን ብተመሰሳሊ ግዜን ሰዓትን ብዝተኻየደ ደብዳብ ከምዝተቓጸለ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የገንዝብ። ነዚ ደብዳብ’ዚ ብዝምልከት ኣሰና ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕርታት ተካይድ ኣላ።

እቲ ወርቂ ቢሻ ዝመልኣሉ ነገር ስለዘይነበሮ ድሮ ዘይሕጉስ ዝነበረ ህዝቢ ነቲ ጉዳይ ብወረወረ ምስ ሰምዖ “እቲ ዝነደደ ሓጻዊን ናይ ካናዳዊት ኩባንያ፡ እቲ ክሰራ ወርቂ ድማ ናይ ኢሳያስ እንድኣሉ” እናበለ ክዛረብ ይስማዕ ከምዘሎ ‘ውን እቲ ምንጭታት ሓቢሮም። ንቢሻ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ደቁ ብባርነት ዝምዝመዙላ፤ ሃብቲ ዝዝመተላ ቦታ ገይሩ ኢዩ ዝርእያ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ከይተረከ ከም ሕዛእቲ ናይ ኢሳያስ ዝጥምትዋ ቦታ ‘ውን ኢያ።

እዘን ነፈርቲ ካብ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ 450 ኪ.ሜ ውሽጢ ኤርትራ ኣትየን ደብዳብ ክገብራ እንከለዋ፤ ዓቕሚ ምክልኻል ስርዓት ኢሳይያስ ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ዘረጋግጸ ጭብጢ ኢዩ። ከምዝፍለጥ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓያሎ ፓይሎታትን ክኢልታት ስርዓተ መከላኸሊ ኣየር፣ ራዳርን ሚሳይልን ዝነበሩ ሓይሊ ኣባላት ኣየር ኤርትራ ነቲ ስርዓት እናራሕርሑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቑባ ክሓቱ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እቲ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣዳኺሙዎን ኣንዒቑዎን ዝርከብ፣ ንርእሱ ‘ውን ምሉእብምሉእ ካብ ህዝቢ ትነጺሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝኾነ ዝመጾ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ክውስድ ይትረፍስ፣ መግለጺ’ውን ክህብ ኣይክእልን ዘሎ። እዚ ድማ፣ እቲ ኩንታት ናህሪ ወሲኹ ለኪሙዎ ከይከይድ ፍርሒ ስለዘለዎ፣ ብምጽቃጥ ኣረሳሲዑዎ ክሓልፍ ካብ ዘለዎ ናይ ራዕዲ ኩነት ዝብገስ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
115 COMMENTS
  • Madingo March 23, 2015

    “Removing Isaias Afewerki is like early discharging 5 million patient from a psychiatric ward”.

    The main concern for policy-makers in Addis Ababa is no longer Asmara’s military capacity, but rather the possibility of Eritrea plunging into chaos. This fear is apparently so daunting to Ethiopia that it may prefer a reformed Eritrean government led by People’s Front for Democracy & Justice (PFDJ), rather than the insecurities of a violent power transition next door. So no joy of releasing the 5 million patient as yet!!!!

    • Teclay March 24, 2015

      Madingo

      Madingo said or re said ““Removing Isaias Afewerki is like early discharging 5 million patient from a psychiatric ward”.”

      Thanks brother for your wise comment.But i afraid few will understand you,but had your comment contained phrases like “Wedi Medhin must go ” Ohhh you would get a lot of applause .
      I totally agree with you the only force that can serve as shook-observer to the rough and rocky landing is PFDJ ,even-though they are equally criminals like their Boss.

  • Thomas Tewelde March 23, 2015

    BIG LIE

  • yonas March 23, 2015

    GOOD NEWS:እዛ ሕዛእቲ ወርቂ ናይ ኢሳያስ($700 million in swiss bank),ንህዝቢ ኤርትራ ከአ መቐጥቀጢ ዝኾነት ቢሻ ተደምሲሳ አላ።07 ዶ 09 ናይ ስለያ ህግደፍ አብ ድያስፖራ ዘላ ሐሶት ኢዩ እንዳበለት ከተዉሪ ጀሚራ አላ, ህግደፍን ዲክታቶር ኢሱ ግን ዓቕሞም ስለእተፀንቀቐ ሐሶት ኢዩ ጥራይ ኢዮም ክብሉ ዘለዎም።ተቓወምቲ ከአ ከምዚ ዓይነት ስጉምትታት እንድሕሪ ወሲዶም እታ መርከብ ናይ ኢሱ ከም እትጥሕል ጥርጥር የለን።

  • rezen March 23, 2015

    DEAR EXCITED READERS,

    Did you see the latest news item at www,asmarino.com? It is a report by NEVSUN. In short, they are saying it is a far cry from airplane attack!!! Ethiopia is not mentioned.

  • Genet-orginal March 23, 2015

    Finally, Isayas and Woyane/Tigray are coming together. What a show they put on for 24 years. What a show!!

    • Sossena March 23, 2015

      Genet original belive me woyane tigray is on critical stage and are no more tolerating or ignoring DIA’s meddling hence the recent action.

      • Genet-orginal March 23, 2015

        Sossena
        I don’t know what “meddling” by DIA you are talking about, but those so called goups against Ethiopian gov have not been seen shooting across the river toward Ethiopia. For example, DEMHIT group have been working for DIA aganist the Eritrean people. “woyane tigray is on critical stage” to do what? to implement the 1976 manifesto of “Republic of Greater Tigray” or what?? Sossena, enlighten me please?

        • Sossena March 24, 2015

          I advice u to read the various comments and see your self.

          • Genet-orginal March 24, 2015

            Sossena
            Do you know anything about the 1976 manifesto of “Republic of Greater Tigray”?
            Have you ever heard about DEMHIT doing anything aganist the Woyane gov? They are just Isayas’s well paid bodyguards. That is all they do.

  • fthawi March 23, 2015

    ሐደ መንግስቲ ምስ ህዝቡ ኲናት እንተአውጁ መጻወቲ ጎሮባብቲ ሃገራት ኾይኑ እነብር ካብ ምስ ግቦት 7 ኢሳት ሕስይስይ ምባል ምስ ህዝብኻ ምትዕራቕ እዩ እቲ ሐቂ እስከ ንርኢ ንባዓል ደጀን ኣጥፊእካ ሃገር ከተድሕን ሃየ አርእዩና ኣንቱም መንደልሐቅቲ ሐሲውቲ ህግደፍ

  • Truly Truly i say to you March 23, 2015

    ዳርጋ ሚእቲ ዝኸውን ሪኢቶታት ነቢቦሞ ዳርጋ ሓደ ስለምንታይ እዚ መጥቃእቲ ከምዝተግብረ ነቲ ምኽንያት ዝገጠሞ ስብ ብዘይምርኣየይ ኣዝዬ ሓዚነ። ዓንቱም ሰባት ምናልባት ክትኣምኑ ኣይትክእሉን፤ ግን ይብለኩም ኣለኹ እዚ ሓደጋ ብደያኣፍልጦ ኢሳያስ፣ ምኽሪን ሰናይ ፍቃድን ዝተገበረ ከይመስለኩም። ከምትዝክርዎ ኢሳያስ ኣብ ሃድሽ ዓመት ኣብዝገበሮ ቃለመጠይቅ፣ እቲ ብህዝቢ ምይይጥ ተገርሉ ክጸድቕ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ቅዋም ብግብሪ ከይተተግበረ ከምዝሞተ ኣርዲእኩም ነሩ። ግናስ እንተ ሞሊቅዎ ድዩ ክልእ ሰይጣን ኣጋግይዎ ኢሳያስ ከይተፈለጦ ሓድሽ ናቱ ቅዋም ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ከምዘቅውም ኣተንቢሁ ስለዝነበረ፣ እቲ ምዓልቲ ግን ዋላዃ ዘይቀርብ መሲልዎ ተተዛረበ ግናስ ቀስ እናበለ ደበኽ ስለዝበለ፣ ከምትፈልጥዎ ኢሳያስ ብዝኾነ ቅዋም ሕግን ፍትሕን ኣብስልጣን ክቅንይ ከምዘይክዕል ኣጸቢቁ ስለዝፈልጥ፣ ነቲ ሰኪሩ ዝተዛረቦ ሓዲሽ ቅዋም ሕዝቢ ኣበይ ኣሎ ዝተተግበረ ኢሉ ምእንቲ ከይሃቶ፣ ነቲ ጉዳይ ንከይለዓል ገለ ምስምስ ምኽንያት ከምልማዱ የግድን ከምጽእ ስለዘለዎ በዚ ምኽንያት ባእሉ ምስ ደማሒት ተስማሚዑ ዝወለዖ ሓዊ እንበር ካልእ ከይመስለኩም። ምኽንያቱ እቲ ክቀውም እዩ ዝበልካዮ ቅዋም ስለምንታይ ዘይተተግበረ ተባሂሉ እንተተሃተተ የግድን ከምልማዱ ወያኔ ኮሊፎምና ክብል ስለዝደለ እዩ። ኢሳያስ ብቋም ብሕጊ ኣብ ኣበይቲ ከተማታት መንእሰይ ተኣኪቡ ክመሓር ክሰርሕ ዋላ ንክዘናጋዕ፣ ከምኡውን ጸጋ ዘለዎም ኤርት ራውያን ትካላት ተኪሎም ንብዙሕ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ንክከፍቱሎም ኢሳያስ የፍቅድ እዩ ኢሉ ዣሓስብ ሰብ እነተሎ፣ ገና ናይ ኢሳይስ ባሕሪ ዘይፈለጠ ሰብ ክከውን ኣለዎ። ኢሳያስ ብምንም ተኣምር ሰራሕተኛን ተማሓሪ ኣብ ማዕከል ከተማ በዚሁ ክረኣይ ኣየፍቅድን እዩ። ምኽንያቱ ገለ ሕዝባዊ ናእቢ ከየላእሉ ስልዝሰግእ።

  • Yacob March 23, 2015

    If Ethiopia change regime in Eritrea it’s good and the right choice for we the people of Eritrea

  • brhane March 23, 2015

    Yes truly truly I agree with. You are Wright. For Issaias war is better than constitutional administration. Even constitution ratified by himself doesn’t want to see any legality in his regime. If he does nothing for the promises he made at the beginning of the year, it is better to him to hide in war with ethiop.
    Even the boarder conflict in 1998 was staring the same reason like this. At the first he spoke as he wants constitution and multi party system every thing is going on well,and the Eritrean people hoped to have a malti party system leading by the constitution.
    When the constitution is finalized (finished) automatically starting boarder war with Ethiopia. He is better in crisis management. He can’t managing a peaceful situation.

  • Halafi March 23, 2015

    ክንድዚ ተደኪርካ ዶ ከም ኣብ ጉድጓድ ዝኣተውት ኣንጭዋ ኣጽቕጥ ኣሎ እዩ፧
    ኣይተ ኢሳያስ ሕጂ ጽቡቕ መድሃኒት ረኺቡ።
    እዚ ኹሉ ሃለውለው፣ ሰኣን ከምዚኣ ጌርካ ድርዕ ድርዕ ምባል እዩ፧

POST A COMMENT