Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“እቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ሓድነትኩም፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጉዕዞኹም ውሕስነት ኣይከውንን ኢዩ” ቃል ናይ ሓደ ምሁር፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት

"እቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ሓድነትኩም፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጉዕዞኹም ውሕስነት ኣይከውንን ኢዩ" ቃል ናይ ሓደ ምሁር፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ታደሰ ኪዳነ እዚ ከም ኣርእስቲ ናይ ጽሑፈይ ተጠቂመሉ ዘለኹ ጥቕሲ፡ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ብዛዕባ`ቲ

“እቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ሓድነትኩም፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጉዕዞኹም ውሕስነት ኣይከውንን ኢዩ”

ቃል ናይ ሓደ ምሁር፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት

ታደሰ ኪዳነ

እዚ ከም ኣርእስቲ ናይ ጽሑፈይ ተጠቂመሉ ዘለኹ ጥቕሲ፡ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ብዛዕባ`ቲ ድሕሪ ናጽነት ንሓልፎ ዘለና ኣሰቃቒ ኩነተ-ህላወ ክሓስብ ከለኹ፡ ኩሉ ግዜ ዝመላለሰኒ ቃላት ኢዩ። ንናጽነት ዝነበረና ባህግን፡ ምእንትኡ ዝኸፈልናዮ ዋጋን ከመዛዝኖ ከለኹ፡ ዘይቀራረብ ኮይኑ መልሲ ምስ ሰኣንኩሉ ኢየ፡ ንቃላትን ኣስተምህሮን ናይ ሓደ ፕሮፈሰር ዝዝክር።

ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት፣ ናይ ስልጣን ዕድሜኦም ንምንዋሕ፣ ነቲ ‘ነመሓድረካ ኣለና’ ዝብልዎ ህዝቢ፣ ሓንሳብ ሓለይቲ ናይቲ ሓደ ወገን፣ ሓንሳብ ድማ ናይቲ ካልእ ኣናመሰሉ፣ ነንሕድሕዱ ከባእስዎ ተራኣዮም ኢዮም። እዚ – ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ዓለምና ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ናይ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ መበቆልን ከባብን ሓድሕድ ምንቛት ድማ መንቀሊኡ ንሱ ኢዩ። ንሎሚ ድማ፡ ብኣጋጣሚ መበል 24 ዓመተ ናጽነት ሃገርና፡ ንኣስተምህሮ ናይ ሓደ ፕሮፈሰር ጠቒሰ ክዛረብ መሪጸ ኣለኹ።

ኣብተን ክልተ-ሰለስተ ናይ ናጽነት ዓመታት፣ ገለ መማህራን ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ካልኦት ምሁራትን፣ ንገለ ሞያውያን እናዓደሙ “ድሕሪ ናጽነት… ” (Post-independence) ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፣ ኣስተምህሮ ከም ዝህቡ ይገብሩ ነይሮም። ገለ ካብ ደገ ዝመጹ፣ ኣብ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ ጭቡጥ ኣብነታት እናኣሰነዩ፣ ኣብቲ ኣርእስቲ ርእይቶኦም ዘቕረቡ ሓያሎ ምሁራት ምንባሮም እዝክር። እዚ ኣስተምህሮ’ዚ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥራይ ዝተሓጽረ ብምንባሩ፣ እቶም ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዝነበርና፣ ኣብዚ ኣኬባታት’ዚ ንምስታፍ ዝነበረና ዕድል ሳሕቲ ኢዩ። ኣነ ብኣካል ዝተሳተፍኩላ፣ ኣብ ኦፊሰርስ ክለብ (Officers’ club) ከባቢ ቤተ-መንግስቲ (ጣባ)፣ ኣብቲ እዋንቲ ዝተዋህበት ኣስተምህሮ ከኣ፣ ሓንቲ ካብተን ነቲ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ዝነበሮ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት፣ ብልክዕ ዝገምገመት ነይራ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።

ሽዑ ሓደ ፕሮፈሰር (‘ግሪኻዊ መበቆል ኣለኒ’ ዝበለ እመስለኒ) መንቀሊ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረአ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ኣድልዎ ዝመንቀሊኡ ብሀራውን ከባቢኣውን ምንቅስቓሳት ኣመልኪቱ፡  ነዚ ዝስዕብ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ሂቡ።

“ኣብቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝካየድ ኲናት፣ እቶም ነተን ውድባት ዝመርሑ ሰባት፣ ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተሰዂዖም፣ ቋንቋ ናይቲ ህዝቢ እናተዛረቡ፣ ምስቲ ህዝቢ እናዘመሩን ነቲ ህዝቢ መሲሎምን ኢዮም ዝመጹ። ኣብታ፣ እቲ ዝዋግእዎ ዝነበሩ ጸላኢ ዝተሳዕረላ መዓልቲ ግን፣ ካብቲ ህዝቢ ተፈልዮም፣ ሩባ ሰጊሮም ገጾም ብምግምጣል፣ ምስቲ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ህዝቢ ይፋጠጡ። መዝገበ ቃላት ናይቲ ዝሰዓርዎ ጸላኢ እናገናጸሉ ድማ፣ ነቲ ኣብ ጎድኖም ዝነበረ ህዝቢ ንምፍልላይን ንምድቋስን ይጥቀሙሉ።

“ንኹሉ ቁጠባዊ መትንታት ናይታ ሃገር፣ ማለት መጓዓዝያታት ባሕርን ምድርን ኣየርን፣ ባንክታት፣ ናይ ውሕስና (insurance) ማሕበራት፣ ዕደናን ካልእ ቀንዲ ቁጠባዊ ትካላትን ብምህጋር (nationalise ብምግባር) ድማ፣ ንኹሉ ኣታዊታት ናይታ ሃገር ብምቁጽጻር፣ ስልጣኖም ንምሕላው ይጥቀምሉ። መንግስታዊ ቁጠባ እቲ ዝሓየለ ኮይኑ፣ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ፣ ንዕኡ ዝወዳደር ቁጠባ ኣብታ ሃገር ክህልው ኣየፍቅዱን። ብኸምዚ ድማ ኩሉ’ቲ ዝርካቡ ኣታዊታት ናይታ ሃገር፡ ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ኮይኑ፣ ኣብ ስለያን ጸጥታን ተዋፊሩ፣ ኣብ ምሕላው ስልጣን ውልቀ-ሰባት ይውዕል።

“እቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝነበረ መብጽዓታት ብምሉኡ ስለ ዝጥለም ድማ፣ እቶም መብጻዓታት ሰኒቖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ወገናት ተስፋ ስኢኖም ይበታተኑ። ብዙሓት ድማ ብሕማም ሽኮር፣ ብዝሒ ደምን ብተስፋ ምቑራጽን ይሳቐዩ። ዳግማይ ንመሰሎም ክቃለሱ ዝብገሱ ወገናት ድማ፣ ግዳይ ናይቲ ብደሞም ዝተተኽለ ስለያዊ ትካል ናይቲ ሓድሽ ስርዓት ይኾኑ። ንኣብነት ብዙሓት ካብቶም ኣብ ዚምባብወ ኣንጻር ናይ ጸዓዱ ዓሌታዊ ኣድልዎ (ኣፓርታይድ) ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልቲ፣ ድሕሪ ናይ ዚምባብወ ናጽነት፣ ኣብ መዐደኒ ጎዳጉዲ ናይታ ዝዋግእዋ ዝነበሩ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዶም ክሰርሑ ተገዲዶም ኢዮም። ብዙሓት ካብኣቶም’ውን ኣብቲ ናይ መዐደኒ ጎዳጉዲ ተደፊኖም ተሪፎም።

“ሃብቲ ሃገር፣ ኣብ ክንዲ ሓደስቲ ፋብሪካታትን ዓበይቲ ናይ ሕርሻ ትካላትን ኣብ ምኽፋት ውዒሉ፣ ነቲ ሓድሽ ትምህርቲ ዝወድአ ወለዶ ዝኸውን ስራሕ ዝፈጥርን ኣብ ህዝባዊ ረብሓ ዝውዕልን፣ እቲ ዝርካቡ ኣታዊታት ናይታ ሃገር፣ ነቲ ህዝቢ ኣብ ምጭፍላቕን፣ ኣብ ስለያን ጸጥታን ስለ ዝውዕል፣ ቁጠባ ሃገር የንቆልቁል። ዘይዕግበት ናይቲ ህዝቢ ይዓቢ። ስግኣት ናይቲ ስርዓት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድማ፣ እቶም ነቲ ስርዓት ዝመርሑ ውልቀ-ሰባት፣ ነብሶምን ስልጣኖምን ንምሕላው፣ ነቲ ወሳኒ ዝበሃል ስልጣን ናይታ ሃገር፣ ማለት ወታደራዊ፣ ስለያዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጸጥታውን ካልእን፣ ብኣዝማዶም፣ ደቂ-ከባቢኦም ወይ ብናቶም ዓሌት ከም ዝተሓዝ ይገብሩ። እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ካብ ፖለቲካዊ ስልጣን ይግለል። እዚ ኣብ ከባቢኹም ዝረአ፣ ምንቅስቓስ ብሀረ-ኦሮሞ፣ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ፣ ናይ ኣምሓራ ምንቅስቓስ  ይኹን ናይ ህዝቢ ሶማል ምክፍፋል ድማ ጠንቁ እዚ ኢዩ” ብምባል፣ ኤርትራ ትብል ቃል ከየውጸአ፣ ነቲ ሽዑ እዋን ኣብ ሃገርና ዝቀላቐል ዝነበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሃዋህው ብዝተጾምቈ መንገዲ ኣቕሪቡዎ።

ብመንጽር’ቲ መግለጺ፣ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ሃገርና እንተርኢና ድማ፣ ኩሉ ቁጠባዊ ትካላት ኤርትራ (ባንክታት፣ ኢንሹራንስ፣ ኩሉ ዓይነት መጓዓዝያ ወዘተ) ተሃጊሩ፣ ናይ መንግስቲ ኮይኑ ነይሩ። እተን ‘ብናይ ወዲ ቫካሮ’ ዝፍለጣ ዝነበራ ቀያሕቲ፣ ዓበይቲ ኣውቶቡሳት ከተማ ኣስመራ፣ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ (መንግስቲ) ዝኣተዋሉ፣  እተን ብውልቂ ዝውነና ብጫ ዝሕብረን ታክስታት፣ በተን ‘ብ6ይ ወራር’ ዝፍለጣ ሚኒ-ባሳት (ናይ መንግስቲ) ዝተዓብለላሉ፣ ኣብታ ኣነ ዝሰርሓላ ዝነበርኩ ሚኒስትሪ ትምህርቲ’ውን፣ እቶም ምስ ወፍርታት ወዶ-ገባን ናይ ጸላኢ ስልኳታትን እናተቖራቖሱ፣ ክሳብ ናጽነት ነቲ ትምህርታውን ወታደራውን ስራሕ ዝመርሑ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተኣልዮም፣ እቲ ምምሕዳር ብዝመረጾም ሰባት ዝተተክእሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። እቲ ፕሮፈሰር እምበኣር ‘ኤርትራ’ ትብል ቃል ከየውጸአ፣ ንጭቡጥ ኣንፈር ምዕባሌታት ሃገርና ብልክዕ ኢዩ ገሊጹዎ። ብፍላይ እቶም ተጋደልቲ ንነብሲ-ወከፍ ንሱ ዘውጽኦ ቃል፣ እንተላይ ምንቅስቓስ ከናፍሩ ኢና እንከታተል ዝነበርና።

እቲ ፕሮፈሰር መግለጺኡ ወዲኡ ሕቶ ምስ ኣፍቀደ፣ ኣባል ሚኒ/ ትምህርትን ሓላፊ ኮሚቴ ትግርኛን ዝነበረ ተጋ/ ተስፋይ ባርያጋብር ሓፍ ኢሉ፣ “ኣብተን ናይ ሓርነት ምንቅስቓስ ኣካይደን ዝተዓወታ ሃገራት፣ ድሕሪ ናጽነት ናይ ብሀር፣ ሃይማኖትን ወገንን ፍልልያት ይረአ ኢዩ’ ኢልካና። ንሕና ኤርትራውያን ግን፣ ፍልልያትና ቀቢርና፡ ሓንቲ ክሻ ተነጺፍና፣ ጅምዓን ኪዳነን ከይተረፈ (ስም ናይ ኣስላምን ክርስትያንን ጠቒሱ) ተመራዒናን ተሓቛቚፍናን ኢና ኣቲና” ምስ በሎ፣ እቲ ፕሮፈሰር ብውሑድ ቃላት፣ ኩሉቲ ዝገለጽካዮ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረኩም ሓድነት፣ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታትኩም ውሕስነት የብሉን” ክብል መሊሱሉ። ኣብቲ ኣኬባ፣ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝነበረ ተጋ/ በራኪ ገብረስላሴ’ውን ተሳታፊ ምንባሩ እዝክር።

እቲ ፕሮፈሰር ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኣልጀርያ ብስም ምስልምና ዝካየድ ዝነበረ፣ ኣሽሓት ህይወት ዝቐዘፈ ዕግርግር ኣመልኪቱ፣ ከምዚ ክብል ገሊጹ። “ነቲ ኣብ ኣልጀርያ ብስም ‘ቅኑዕ ምስልምና’ ዝካየድ ዝነበረ ምቅትታል’ውን ቁሩብ ርእየዮ (ኣጽኒዐዮ) ነይረ። እቶም ዝመርሕዎ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት፣ ዩኒቨርሲቲ ወዲኦም፣ ስራሕ ምስ ሰኣኑ ዘለዓዓልዎ ኢዩ። ንሳቶም ካብ ቁርዓን ገለ ጥቕስታት እናወሰዱ፣ ህዝቢ ዘዋድኡ እምበር፣ ዓሚቍ ሃይማኖታዊ ፍልጠት ይኹን ሓቀኛ ተኸተልቲ ናይቲ ሃይማኖት ኣይነበሩን” ይብል። በዚ ድማ ጠንቂ ናይቲ ህልቂት፣ ሃይማኖት ጉልባብ ገይሩ ዝመጸ፣ ሓቀኛ መንቀሊኡ ግን ሽቕለተ-ኣልቦነት ዘበገሶ ቅልውላው ምንባሩ ኢዩ ገሊጹ።

ነዛ ኣብ ኣስመራ፣ ኣብ ኦፊሰርስ ክለብ፣ ብሓደ ወጻእተኛ ዝተዋህበት መግለጺ ዘምጻእኩዋ፣ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ዝሓለፍናዮ ህይወት፣ ብፖሊሲ ደረጃ፣ ከመይ ኢሉ ከም ዝተባሕጎጕን፣ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ ጽልግልግ እዋንን፣ ‘ብግቡእ ትገልጽ ኢያ’ ኢለ ስለ ዝኣመንኩ ኢየ። እቲ ብስም ጥርኑፍነት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ዝተገብረ ናይ ጸለመ ጎስጓስ ይኹን፣ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናትና ዘይምትእምማን ንምፍጣር ዝተገብረ ዘመተ ድማ፣ ካብዚ ሓፈሻዊ ፖሊሲ’ዚ ዝብገስ እመስለኒ።

እዚ ኣስተምህሮ`ዚ ኣብ ዝተዋህበሉ እዋን፡ እዞም ሕጂ ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ስልጣን ጨቢጦም ዘለዉ ተዃሉ፡ ብላዕሊ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም፡ ብኣፎም ነቲ ገና ዘይተጸንቀቐ ተስፋታት እናደጋገሙ፡ ብውሽጢ ግን መሕረዲና ዝኸውን ካራሩ ይስሕሉ ምንባሮም ቀስ ኢሉ ኢዩ ተሰዊጡና። ፍረ ናይታ ብደም ኣሽሓት ዝጠለለት፡ ብኣዕጽምቶም ዝተነድቀት ናጽነት ድማ ብሓደ ንእሽቶ ጉጅለ ተጨውያ ዋንነት ውልቀ-ሰባት ኮይና ኣላ። እቲ ጉጅለ – ምሉእ ሃብቲ ሃገር ናቱ፡ ኩሉ`ቲ ህዝቢ ድማ ኣገልጋሊኡ ገይሩ ይገዝእ ኣሎ።  እቶም ብመስዋእትና ኣብ ዝተረጋገጸ ናጽነት፡ ርህዩናን ጥዒሙናን ክንነብር ዝተመነና ህዝቢ ድማ፡ እንዳና እሾኽ ተዘሪኢዎ ሃጽ ኢልና ንጠፍእ ኣለና። ሃገር ርእያ ስኢናትና። ጸጋታት ሃገርና ኣብ ክንዲ ንጥቕምና ዝውዕል መጥፊኢና ኮይኑ። እዚ ድማ ነቲ “ኩሉ`ቲ ዝርካቡ ኣታዊታት ናይታ ሃገር፡ ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ኮይኑ፡ ኣብ ስለያን ጸጥታን ተዋፊሩ፡ ኣብ ምሕላው ስልጣን ውልቀ-ሰባት ይውዕል” ዝብል መግለጺ ናይቲ ፕሮፈሰ ጭቡጥ ይገብሮ።

ቀጺልና እቲ ብልሽው ኣጠቓቅማ ሃብቲ ሃገር ኣብቲ ኤርትራዊ ዓያዪ ጉልበት ዘምጽኦ ምዝንባልን ሕስረትን ንርአ፦

እቲ ምንባር ስኢኑ ሃገሩ ገዲፉ ዝወጸ መንእሰይ ፡ ኣብ በረኻታት ሱዳን ብራሻይዳ ተጨውዩ፡ ንባዕሉ ርእዩዎ ዘይፈልጥ ኣሽሓት ክኸፍል ተሓቲቱ። ኣብ ጎደናታት ሱዳን `ሓበሽ` ዝብል ናይ ቅጽል ስም ተዋሂቡዎ። ኣብ ሰሃራ ብጽምኢ ማይ ሓሪሩ፡ ሬስኡ ብጸሓይ ተጠቢሱ፡ ንፋስ ብዘምኦ ካምሲን ጥራይ ተቐቢሩ ተሪፉ። እቲ ሃገሩ ዝተፍኣቶ “ሕሱር” መንእሰይ፡ ሃይማኖቱ ክቕይር ብዳዕሽ ተሓቲቱ። “ኣይፋለይ” ንዝበለ ድማ፡ ከም ጠለ-በጊዕ ብኻራ እናሓረድዎ ከለዉ፡ መታን ክንርእዮ ብፊልም ቀሪጾም ዘርጊሖሙልና። ኣሕዋቱ ተዘሚተን ኣብ ሃይማኖታዊ ኮሎጃት ዳዕሽ ከይፈተዋ ቁርዓን ይቐርኣ ኣለዋ። እቲ መልእኽቲ ንጹር ኢዩ። ንሳቶም “መንግስትኹም ኮነ ናይ ገዛእ ርእስኹም ሰናይ ተግባር፡ ናብ ሕሱራት ቀይሩኩም እምበር ክብሪ ኣይሃበኩምን። ክትከብሩ ናባና ንዑ” ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ። ንዓና ግን ኩሉ ሓደ ኢዩ። ካብቲ ብኣዋርቕን ማዕድናትን ሃገርና ዝሰወደ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ናይ ሃገርና ዳዕሽ እንተ ሃደምና፡ ብናይ ኮንትሮባንዶ ሽያጥ ነዳዲ ዝሃብተመ ናይ ዓረብ ዳዕሽ ንቕተል ኣሎና። ትማሊ`ውን ብበደዊን ተቐቲልናን ናውቲ ኣካላትና ተሸይጡን ኢዩ። መወዳእትኡ ኣበይ`ኮን ይኸውን?

እቲ ጭውያ ረሻይዳ ሰጊሩ፡ ንጸሓይ ምድረ-በዳ በዲሁ፡ ካብ ካራሩ ዳዕሽ ተሞኽሊዩ ዝሓለፈ መንእሰይ፡ ባሕሪ ኣፉ ከፊቱ ይጽበዮ። ቀላይ`ውን ሓራስን ጠናስን፡ መንእሰይ ሽማግለ፡ ሃይማኖት`ውን ከይፈለየ ግዲኡ የትርፍ። ነዚ ኩሉ መሰናኽላት ሰጊሩ ምድረ -ኤውሮጳ ዝበጽሐ ኤርትራዊ፡ ድነ መልኣከ ሞት ይቕንጠጠሉ ኢዩ። ኣታ ኣብ ገዛእ ሃገሩን መረበቱን ዝሰኣና ክብረት ግን፡ ኣብ ምድረ- ኤውሮጳ`ውን ትርከብ ኣይኮነትን።

ብዙሓት ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ናጽነትን ህዝባዊ ሓርነትን ዘሎ ፍልልይ ኣይርድእዎን ኢዮም። ኤርትራ ከም ኩለን ካልኦት ሃገራት ማለት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ጅቡቲ ወዘተ ነጻ ሃገር ኢያ። ህዝባዊ ሓርነትና ግን ካብተን ካልኦት ሃገራት ብዝኸፍአ ደርጃ ዝተባሕጎጐ ኢዩ። ኤርትራ ኣይተዓደለትን። ንኽነብር ካብ ሕሰረት ናብ ሕስረት ዝላጋዕ መንእሰይ እምበር፡ ንኽብራ ዝብጀዉ ጀጋኑ ዘፍረየት ኣይትመስልን። ኣብ ዘይውንኖ ዕጹው ክፍልታት፡ ኣብ ፓልቶክ ዝምድር እምበር፡ ኣብ በረኻታት ዓዱ ዝጓዝም፡ ካብን ናብን ዝናጠር መንእሰይ ኣይረኸበትን። ዝኣረጉ ወለዱ ንድሕሪት ገዲፉ ዝሃድም፡ ክብርን ጅግንነትን ኣቦሓጎታቱ ዘይኮነስ፡ ክብሪ ጓኖት ዝምነ፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ ነቶም ኣብ እርጋኖም መታን ክጥውሮም `ታተ` ኣናበሉ ዘዕበዩዎ ወለዲ፡ ተመሊሱ ጥሪቶምን ምሉእ መዋእሎም ዘጥረይዎ ንብረትን ሓሪጆም፡ ኣደታቶም ሽልማተን ሸይጠን፡ ካብ ሃገር ከጥፍእዎ ዝሓትት፡ ኣብ ገለ`ውን ዘገድድ መንእሰይ ፈርያ ሃገር። ወለዲ`ውን ዝተመንዝዐ ክብሮም ዝመልስ፡ ጤሳን ያታን ዘውርስዎ ዘይኮነስ፡ ብዘብለጭልጭ ክብሪ ጓኖት ዝኾርዕ፡ ወይ ናብኡ ከመጣጠር ለኪሙዎም ዝጠፍእ ውላድ ወሊዶም። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ድማ፡ እቲ ብሃብቲ ሃገርና ዝምወል ርኹስ ፖሊሲታት ህግደፍ ኢዩ።

ወለዲ ደቆም ጥራይ ኣይኮኑን ኣጥፊኦም። ጤሳን መዘካርታን ክገድፉ`ውን ኣይተደልየን። ህግደፍ `ጨቐቅ` ኢሎም ንዘጥረይዎ ኣባይቲ፡ ዶዘራት ኣምሪሑ፡ መሰነይታ ዝኽውን ሰራዊት ኣኸቲሉ ናብ ድዂዒ ይቕይሮ ኣሎ። እቲ ምፍራስ ኣባይቲ`ውን ምስ ዓንቀጻት ሕጊ ዘተኣሳስር የብሉን። ህግደፍ ኣባይቲ ከፍርስ ከሎ ብዛዕባ ሕግን ቅጥዊ ኣሰራርሓ ኣባይትን ተገዲሱ ኣይኮነን።  “ኤርትራውያን፡ ንዓይ እናኣገልገልኩም ከም ባሮተይ ክትነብሩ እምበር፡ ክትወልዱን ክትዝምዱን፡ ክትጣየሱን ሓድጊ ክትገድፉን ኣይተፈጠርኩምን” ኢዩ ዝብለና ዘሎ። “ካብ መቁሐይ ዘምለጠ፡ ኣብ ግዝኣተይ ኣይጣየስን ኢዩ” ኢዩ ኣቲ መልእኽቲ። ነዚ ኩሉ ብርሰት፡ ከም መጋበርያ ዘገልግል ዘሎ ናይ ስለያ፡ ጸጥታን ወታደራዊ ትካላትን  ወጻኢታት ድማ ፡ በቲ ንድማዕና ክውዕል ዝግበኦ ሃብቲ ሃገርናን ካብ ከርሲ መሬትና ዝምዝመዝ ጸጋታትን ኢዩ።

ቁሩብ ዓመታት ይገብር፡ ህግደፍ ኣንጻር ሰለስተ ማሕበራውያን ቀጸላታት ማለት ተጋደልቲ፡ ምሁራትን መንእሰያትን ብስቱር ኲናት ከም ዝኣወጀ፡ ሰፊሕ ሓተታ ኣሰንየ ጽሒፈ ነይረ። ተጋደልቲ ነቲ ዝሓለፍዎ ተመኩሮን ኣገባብ ቃልሲን፡ ብዝተወደበን ብቅኑዕ መንገድን በቲ ንኡስ ወለዶ መታን ከይወረስ – ክብተኑን ከዋረዱን። ቀለም ዝጸገቡ ዓበይትን ምሁራትን ድማ፡ ነቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ወዲቦም፡ ምስቲ ናይ ቃልሲ ተመክሮ ዘለዎን ዝነበሮን ተጋዳላይ ከየተሓባብርዎ መታን – ክነዓቑን ክቋሸሹን። እቲ ሓይሊ እምበር ጥበብ ዘይወነነ መንእሰይ ድማ፡ ምስዞም ክብ ሊለ ዝጠቐስክዎም ክልተ ጉጅለታት ሓቢሩ ኣድማዕነት ዘለዎ ቃልሲ መታን ከየካይድ ኣብ ነንሕድሕዱ `ኛኽ` እናበለ ንኽነብር ኢዩ እቲ ዕላማ። ዝተዓወተ ድማ ኢዩ ዝመስል። ህግደፍ ነዚ ንምትግባር እዚ ዘይበሃል ገንዘብን ሓንጎልን ኢዩ ዘፍስስ። እቲ ገንዘብ ድማ ሽያጥ ወርቅን ማዕድናትን ሃገርና ኢዩ። እቲ ምሁራት ክፈርዩሉን፡ ህዝባዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ናይ ሕርሻን ኢንዳስትሪን ፋብሪካታት ክትከለሉን ዝግበኦ ገንዘብ ኢዩ። ኤርትራውያን ብገንዘብና ንጠፍእ፡ ብሃብትና ሕስረት ንሽምት ኣለና። ሃገር ብገዛእ ሃብታን ጸጋታትን ትበርስ ኣላ። እቲ ፕሮፈሰር`ውን እዚ ክመጽእ ምዃኑ ኢዩ ኣንጊሁ ነጊሩና።

 

ብዙሓት ኣብ መሳርዕ ስለያን ጸጥታን ህግደፍ ዝነበሩ፡ ሎሚ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ስደት ዝነብሩ ሰባት በጨቕ ዘብልዎ ሓቂ ኣሎ። እቲ ስርዓት መተካእትኡ ዝኸውን ኣድማዒ ተቓዋሚ ሓይሊ ንኸይፍጠር፡ እዚ ዘይበሃል ገንዘብ ከም ዘፍስስ ኢዮም ዝዛረቡ። ብዙሓት ክኢላታት ፖለቲካ ድማ፡ ጠንቂ ድኻምን ምትርማስን ደምበ ተቓውሞ፡ እቲ ብባጀት ዘይመሓደር፡ ብሚልዮናት ዝግመት ሃብቲ ሃገርና፡ ደስ ብዝበሎ መንገዲ ኣብ ምብትታንን ምጭፍላቕን ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሃገራውያን ስለ ዝውዕል ኢዩ ይብሉ።

“እቲ ስርዓት ኣብ ምብትታንና ከይተሓጽረ፡ ዘረባና ዝዛረቡ፡ ልዕለና ዝምድሩ `ተቓወምቲ` መሰል፡ ግን ከኣ ብባጀት ናይቲ ምሳና ኮይኖም ክጸርፍዎ ዝውዕሉ ስርዓት ዝናበሩ ሰባት ከስሉኽ ስለ ዝኸኣለ ኢዩ” ክብሉ ይስምዑ። እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ብዛዕባ`ዞም ሶሊኾም ዝኣተዉ ሃሱሳት ክዛርቡ ከለዉ “ንሳቶም ነቲ ደምበ ተቓውሞ ዝዛረቦ ቃላት ተጠቂሞም ኣብ ወሳኒ ኣኼባታት ደምበ ተቓውሞ ተወኪሎም ይኣትዉ`ሞ፡ ኣብቲ ወሳኒ እዋን፡ ገለ ዘየሰማምዕ ዛዕባታት እናኣምጽኡ፡ ደምበ ተቓውሞ ከም ዝብተንን ከም ዘይሰማማዕን ይገብሩ። ህግደፍ ዝሓሸ ወጻኢታትን ሓበሬታን ስለ ዘስንቖም ድማ፡ ድሕሪቲ ብውዲት ከም ዝፈሽል ዝገበርዎ ኣኼባታት፡ ኣንጻር`ቶም ብቅንዕና ንቃልሲ ዝተበገሱ ወገናትን ውልቀ-ሰባትን፡ እዚ ዘይበሃል ናይ ቅንጸላን ናይ ጸለምን ዘመተታት የካይዱ። እቲ ዝሰምዖ እምበር፡ ርግእ ኢሉ ክመሚ ዘይተዓደለ ህዝቢ ድማ ግዳይ ናይቲ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ ስለ ዝኸውን፡ ብዙሓት ብቕንዕና ንድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝተበገሱ ወገናት ንተበግሶኦም ተስፋ ይስእንሉ” ይብሉ። እዞም ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ወሲኾም “ዝኽነ ኣብ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኢዱ ክሕውስ ዝደሊ ወገን፡ ካብዚ ናይ ህግደፍ ስልኳታት ክድሕን እንተኾይኑ፡ ኣቐዲሙ ዘሰማምዖን ንኹሉ ግሉጽ ዝኾነን ንድፊ ሕጊ ከውጽእን፡ ንዕኡ ዓንዲ ማእከል ገይሩ ክኸይድ፡ ካብቲ ቀንዲ ዛዕባ ወጻኢ፡ ጎድናዊ ዘየሰማምዕ ነጥብታት ዘምጽእ ወገን ግን ደረት ክግበረሉ” ይመኽሩ።

“እዚ ኣገባብዚ እንተ ተኣታትዩ ጥራይ ከኣ ኢዩ፡ እቲ ብህግደፍ ደምበ ተቓውሞ ንምብታን ዝፈስስ ኣእላፍ ገንዘብ፡ ብሕጋዊ ኣካይዳ ዝብዳህ። እቲ ኮነ ኢልካ ዝናፈስ፡ ሱሩ ካበይ ምኻኑ ብንጹር ዘይፍለጥ፡ ጸለመን ቅንጸላን ድማ፡ ብመርትዖን ሕግን ዝትካእ” ይብሉ። እዚ ኣካይዳ`ዚ ድማ ነዚ ክበታተን ንርእዩ ዘለና ናይ ተቓውሞ ደምበ ዘሐይል ምዃኒ ይሰማምዑ።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ እታ ውሑድ ህዝብን ውሱን ቁጠባን እትውንን ኤርትራ፡ ነታ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝብን ዝተዓጻጸፈ ቁጠባን ዝውንን መግዛእታዊ ስርዓት ስዒራ ናጽነታ ክትጭብጥ ዝኸኣለት፡ እቲ ዝርካቡ ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ንናጽነት ስለ ዝመረሸ ኢዩ። ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ጉዕዞ፡ ነቲ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ክህልወና ዝነበሮ ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ ዝኸውን ትሕተ ቅርጺ ስለ ዘየንጸፍና ግን፡ ፍረን ምህርትን ናጽነት ብውልቀ ሰባት ተጨውዩ ኣሎ። ከምኡ ስለ ዝኮነ ከኣ ኢዩ፡ ኣብቲ ብደምና ዝተተኽለ ብልሽው ስርዓት ብገንዘብና ንብተን፡ ብገዛእ ሃብትና ንበርስ ዘለና። ሕጂ`ውን ኣብቲ ህግደፍ ንምእላይ እንገብሮ ቃልሲ፡ ነቲ ጽባሕ ክህልወና እንደልዮ ስርዓት ዘገልገል፡ ንብዙሕነትና ብልኽዕ ዘንጸባርቕ፡ ቅዋማውን ትካላውን ኣሰራርሓ ካብ ሕጂ ክንሓስበሉ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ertra n ertrawyan May 24, 2015

    well done mr Tadese kidane. Its great job. you have wrote this article in relating with science. That’s what we should do as an oppositions. A doctor should examine his patient in order to order him or her a medicine. When he is examining the patient he analyzes the symptoms of the disease. And then he can order an appropraite medicine for the sick person. So as the opposition should recognize the symptoms of the HGDEF spies who are externally the members of the opposition parties.

  • weygud May 24, 2015

    Taddesse Kidane, your article is good. An other expatriate expressed his suspection about the future of Eritrea in 2006 when he saw unhealthy trends designed by EPLF leadership. The manifestation of the current woes is not something happened magically. The root cause of the present state of affairs goes back to the 70s and 80s when the critical fighters to the EPLF malacious intentions were eliminated while many of the other fighters were idolizing the leader. To our surprise, some of the ex fighters had no clue about the existence the killing squad for more than a quarter of a century till the dictator announced its dissolution in 3rd EPLF congress in 1994. While the former fighters had and still have firearms, they could dare to challenge the regime. In fact some of them who were/have been in the ailing structure turned out to be traitors of the people and beneficiaries in crimes. The Eritrean public should not be blame for such tragic situation. The people have been suffocated by security agents, bullying,insult, smear propoganda, arbitrary incarnation,violation of basic rights-food, shelter and clothing. They have been betrayed to the extent slaves to become servitude to the brutal regime regardless of their gender and ages. The Eritrean society left alone desperate for organized body whom to rely on its survival.

  • Truly Truly i say to you May 25, 2015

    ይዝከረኒ 91 ኤርትራ ነጻ ዝወጽ ኣትሉ ንመጨረሻ ግዜ ኣብ ቦሎኛ ዝተከበረሉ ኣብቲ ታሪካዊ ዕዋን (ዘመደ ተኽለ እዚኦም´ዮም ነጻነት ዘጎናጸፉና! እዚኦም´ዮም! እዚኦም´ዮም! ኢሉ ኣብዝጨደረሉ ዕዋን ማለተይ እዩ።) ከም ኣጋጣሚ መሓመድ ሸሪፎ ነቲ ዝሓቦ ሰሜናር ወዲኡ ናብቲ ጓይላ ዝግበረሉ ቴንዳ ሙሉእ ጠርሙስ ውስኪ ሒዙ እናኣተወ እንከሉ፣ ኣብቲ ናይ ክብሪ ቦታ ኮፍ ኢሎም ካብዝነበሩ ንሃደ ዳርጋ ምስቲ ናቱ ዕድመ ዝዳረግ ቅይሕ ብርሕ ዝበለ ተጋዳላይ፣ ይመስለኒ ነቲ በዓል ንምክባር ምስኣቶም ካብ ኣዲ ንዝመጸ በዓል ስልጣን ከምዚ ኢሉ ክጸርፎ እሰምኣልኩም። “ኣታ ወዲ ሰበይቲ ወዲ ሸርሙጣ እንታይ ኢኻ ኩሉ ሰብ ክሕጎስ ንስኻ ገጽካ ተጽልም? ገለ ብልብኻ ትሓስቦ ክፉእ ነገር ስለዘሎ እዩ” ኢሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ እናዋረዶ እቲ ሰብዓይ ነታ ዘረባ ውሒጡ ከይመለሰሉ ኣጽቅጥ ይብለልኩም። መቼም ካብ ሃደ ዝኣበየ በዓል ስልጣን እሞ´ከኣ ኣብ ቅድሚ ጥቅኡ ዝነበርና ሕዝቢ ከለና ከምዚ ዓይነት ዘረባ ምሰማእኩ ብልበይ ዋላዃ ብዙሕ ትእዝብቲ ኣብቶም ሰብ ስልጣናት ተሕደርኩ፣ ነቲ ናብኡ ዘብጸሆም ጉዳይ ግን ክሳብ ሕጂ ስለዘበርሃለይ ተሓዘንኩን ነቲ ዝተጸረፈ ሰብኣይ መን ከምዝኾነ ስለዘይፈለጥኩዎ፣ ምናልባሽ ኣብ ጥቃይ ዝነበርኩም ሰባት ከምኣጋጣሚ ነዚ መልዕተይ ምሰነበብኩም እቲ ሰብ መን ከምዝበሃልን ስለምንታይ ናብ ከምዚ ዘብጽሕ ጸርፊ ከምዝበጽሑ ተትገልቱለይ ደስ ምበለኒ። ኣነ ነዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ ኣብቲ ግዜ ሓጎስ፣ ስለምንታይ መሓመድ ሸሪፎ ሙሉእ ጠርሙስ ውስኪ ፍርቃ ዝበጸኸት ሒዙ ተጻሪፉ ኢለ ንከካፍዖ ስለዝደለኹ ደይኮነ፣ ምናልባሽውን ሃቂ ይሕልዎ ስለምንታይ ካልእ ሰብ ክሕጎስ እሱ የጽቅጥ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብቲ ሽኡ ዕዋን ኣሕዲረ ዋላዃ እንተነበርኩ ፣ ነዚ ኣብ ሕግደፍ ዝረዓይ ናይስነምግባርን ነቲ ነጻነት ኣምጺዖም ኢልና ብዝኣመናዮም ሰባት ኣብሕዝብና ነቲ ዝፍጽምዎ ግፍዕን ምስተኣዘብኩ ብፍላይ ምስዚ ክቡር ሓውና ታደሰ ኪዳኔ ነቲ ሓደ ግሪካዊ ከምትንቢት ተዛሪብዎ ኢሉ ምስዘቅረቦ ኣዘራርባ እቲ ጉዳይ ስለዝተኣሳሰረኒ፣ ብከምኡ ነቶም ናይ ሕግደፍ ኣመራርሓ ኣባላት ስለዝተረድዖም ከይከውን ኣብቲ ናይ ነጽነት በዓል እቲ ዝተጸረፈ ሰብ ካብቲ ሕዝቢ ንበይኑ ተፈልዩ ክሕጎስ ዘይከኣለ ናብ ዝብል ግምት ስለዝወሰደኒ፣ እቲ ሰብ ብሕይወት ሓልዩ ነዚ መልዕክተይ ብኣጣሚ ተሰሚኡ፡ እቲ ትብሎ ሰብ ኣነዬ ነረ ኢሉ ነቲ ምኽንያት ከብርሃለይ ተዝክእል ብጣእሚ ደስ ምበለኒ። ወይ ኣብቲ ቦታ ካብዝነበርኩም ሰባት እንተወሃደ ብግምተይ ካብ 30-40 ዝኹኑ ሰባት ነቲ ጉዳይ ከማይ ትሰምእዎ ከምዝነበርኩም ስለዘይጠራጠር ዝፈለጥኮሞ እንተሎ ነቲ ሚስጥር እንተተካፍሉና ሕዝብም ካብዚ ናይ ታደሰ ጽሁፍ ብተወሳኺ ብዙሕ ትምሕርቲ ምረኸበሉ ነሩ።

    • rezen May 25, 2015

      Truly Truly

      With appreciation, let me quote from your closing three lines). >>>> “… ዝፈለጥኮሞ እንተሎ ነቲ ሚስጥር እንተተካፍሉና ሕዝብም ካብዚ ናይ ታደሰ ጽሁፍ ብተወሳኺ ብዙሕ ትምሕርቲ ምረኸበሉ ነሩ።”

      It is imperative for Eritreans to see the broad vision of the above statement. Unless Eritreans daringly and openly face the past NOW, there can never be a salvation for a true democratic Eritrea, to be governed by the rules of laws. Hiding the past is synonymous to ensuring the destruction of hope for tomorrow’s Eritrea. Eritreans of all walks of Life not only must be honest and daring to face the future of Eritrea NOW but also should NOT discourage anyone from exposing the ugly side of ‘thyself’. Let us not be ‘super-nationalist’ in a vacuum.Thank You.

  • ERITRAWIT May 25, 2015

    Dear Tadese, what the Professor said was right even some Tegadeltey knew this might come but he was lucky he is from Greece he servive from Halewa Sewra.

  • negash May 25, 2015

    Taddese I like your article. Actually the last statement is the key as an advise. Recognizing our diversity and know our enemies those who pretend as opposition and don’t recognize our diversity don’t tell what they know about their boss in Asmara. They advocate reform not change. I would like to call Eritreans for real change unit but they have to treat enemies as enemies friends as friends.

  • fthawi May 25, 2015

    ታደሰ
    እዚ ውድብ እዚ ፍትሐዊ ከም ዝነበረ ግን እቲ ሕድሪ ከም ዝተጠልመ እዩ ዘረባኻ ዘስምዕ አነ አይሰማማዓሉን ምናልባት ሕጂ ነቂሔ ተትብል ምሓሸካ እሰያስ ዋላ ሐንቲ ጠባዩ ኣይቀየረን ሐደ መታለሊ ፍጡር እዩ እታ ውድብ በይኑ እዩ ዝመርሓ ኔሩ ካልእ ኩሉኹም ተላአአክቲ ኢኩም ኔርኩም ብሕጽር ዝበለ ናይ የማነ ተኽለገርግስ ኢንተርቢው ስማዕ

  • Simon G. May 25, 2015

    ኣቶ ታደሰ: ንጹርን ሓቀኛን ትንተና!
    በዓል ንስኻ ዶ ካብታ ዘገልገልኩማ ዓዲ ምወጻኹም? ኣቤት አርትራ ከሲራትኩም ዘላ! ከምቲ ብጻይካ ተጋዳላይ ተስፋልደት ዝገለጾ: ምናልባት ዶ ኣድህቦኹም ኣብ ውድብ ኔሩ ኣብ ክንዲ ሃገር? ምልክታት ናይ ክሕደት ‘ኳ ኔሩ ‘ዩ: ግን ኣድህቦኹም ኣብ ምሕራር ኤርትራ ጥራይ ኣተኲሩ። ከሓድቲ መራሕቲ ጠሊሞምኹም: ጠሊሞምና።

  • rezen May 26, 2015

    I am not a psychologist, nor psychiatrist, nor specialist in any sociological matters. Despite all those facts, I know the hardest thing in life is to accept the unpleasant revelation of the TRUTH. We fight ‘tooth and nail’ not to face reality. In psychiatric terminology, it is called TOTAL DENIAL We may even die with it.

    The Eritrean story is not different from the above psychological phenomenon. What makes it horrendous is the sheer number of innocent individuals who were duped in ‘broad day light’ for thirty years! YES, 30 YEARS! Unbelievable as it seems, over three-hundred thousand young souls perished believing they were sacrificing their LIVES for Freedom, Liberty, Independence for their dream Eritrea. In daily terminology they were duped. It was the greatest historical crime perpetrated by two protagonists in the drama of Eritrean history.

    Consider a young man of 20 years old jumping into the ‘swimming pool’ of war, coming out at the age of 50 but feels much, much more older with all the ‘bruises’ of war; missing his normal youth; missing formal education; missing opportunity to establish a profession; and left empty handed. To poke over his wounds, he was told that all of his sacrifice was really for nothing! He will never believe it! Would any one of us blame him? Now, let us minimize our hypocrisy, please! It is in human nature to deny the truth, because as the saying goes, the TRUTH hurts; and hurts deeply beyond our capability to deal with it.

    Eritrea has a very long way to go. In that long voyage, perhaps the interdependent World of ours may come-in to ‘rescue’ Eritrea from its agony and take over the administration of its affairs – as it has always been done for the last one hundred years. THE END

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply