Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ናይ ዘመንና ዝዓበየ ምትላል (The Greatest Hoax of The Century)

እቲ ናይ ዘመንና ዝዓበየ ምትላል (The Greatest Hoax of The Century) ብ ኣማኑኤል ሳህለ ነቲ ውልቀመላኺ፡ ባዕሉ መምጽእ ደርፊ፡ ባዕሉ መጥፍእ ደርፊ ከይንብሎ፡ እቲ ባህግን ስምዒትን ተስፋን ራእይን ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ንሱ ምውላዱ ብግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ፡

እቲ ናይ ዘመንና ዝዓበየ ምትላል (The Greatest Hoax of The Century)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ነቲ ውልቀመላኺ፡ ባዕሉ መምጽእ ደርፊ፡ ባዕሉ መጥፍእ ደርፊ ከይንብሎ፡ እቲ ባህግን ስምዒትን ተስፋን ራእይን ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ንሱ ምውላዱ ብግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ፡ ማለት ካብ ግዜ ቱርኪ ጀሚሩ ንግዜ ጥልያንን እንግሊዝን ሃጸያዊት ኢትዮጵያን ሰጊሩ ቀስ ኢሉ እተዘርአን ዝበቖለን ኣብ ምዕምባብ ዝበጽሐን  ድራኸ እዩ ነይሩ። ነቲ ስምዒታት’ቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ስሱዕን እኩይን ዕላማ ከውዕሎ ዝኸኣለ ግን፡ ውልቀመላኺ መራሒና ምስቶም ምስ ሓሳባቱ ብኹሉ መገዲ ዚሰማምዑን ካብኡ ረብሓ ዚረኽቡን፡ ድጉል ናይ መንነት ቅልውላው ዝነበሮምን ዘለዎምን፡ ሕጂ ድማ ከም ዝሻደነ ኣንበሳ ዝጓዝሙን፡ ከም ዝዓበደ  ከልቢ ዉሕዉሕ ዚብሉን ዘለዉ ሰዓብቱ ብምምሽጣር እዩ። እዚ ድማ ከም ናይዚ ዘመን’ዚ ዝዓበየ ሽወዳ/ምትላል፡ (The greatest hoax of the century) ኮይኑ ኪውሰድ ይከኣል እዩ።

ብሓደ ወገን ክትርእዮ ከሎኻ ግን፡ እዚ ውልቀመላኺ’ዚ ነቲ ናይ ጥንቲ ደርፊ፡ ከምቲ ዝነበሮ ገይሩ እንተ ደኣ ወሲዱዎ ንረብሓኡ ዘየደንፍዕ ወይ ንባህጉ ዘየዐግብ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ነቲ ህዝቢ ካብ ደሞክራስያዊ ባህልን ያታን ኣውጺኡ ንውልቀመላኺ ተንበርካኽን፡ ኣንፈቱ ዘጥፈአን፡ ድኹምን ርእሰተኣማንነት ዘይብሉን ተጸባዪን፡ ባዕሉ ኪሓስብ ዘይክእልን፡ ኣብ ድኽነት እተኣልከን፡ ሞራሉ ዘውደቐን፡ ሓድነት ዘይብሉን ስነምግባሩ ዝበተኸን ከም ዚኸውን ገይሩ ዚድኩኖን ዚጥፍጥፎን ሓድሽ ናይ ኣምሰሉ ናጽነት ሙዚቃን ዜማን ቅኔን ብምቅንባር፡ ነቲ ደርፊ ባዕሉ እዩ ኣምጺኡዎ ክንብል ንኽእል ኢና።

 

እቲ ውልቀመላኺ፡ እቲ ጥንታዊ ናይ ናጽነትን ሓርነትን ደርፊ እናደኸመ ይኸይድ ምህላዉ ብኣጋኡ ኣስተብሂሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ፈጺሙ ኪሃስስ ከም ዘይክእል ግን ብኣጋኡ ኣስተውዒሉሉ ነይሩ እዩ። ነዚ ድራኸዚ ካብ ሱሩ ምሕዩ ኪድርብዮን ናብ ናቱ ረብሓ ኪልውጦን እንተ ደኣ ኾይኑ ድማ፡ ሓድሽ፡ ግን ንሓዋሩ ዘዋርደናን ኣብ ቅድሚ ጎረባብትና ዘንዕቐናን፡ ንኣኡ ግን ስልጣኑ ዘስፍሓሉን ዝዕቅበሉን፡ ፍሉይ ናይ ናጽነት ደርፊ ኪስንዕ ግድን እዩ ነይሩ። ስለዚ በዚ መዳይ’ዚ ክንርእዮ ኸሎና፡ ውልቀመላኺና ባዕሉ መምጽእ ደርፊ፡ ባዕሉ መጥፍእ ደርፊ እዩ ክንብል ንኽእል ኢና። ንሱ፡ እቲ ደርፊ ከም ዝጠፍአን፡ እቲ ጓይላናን ውራይናን ከም ዘብቀዐን ብወግዒ ዚሕብረና ድማ፡ እቲ ግሩህ ህዝቢ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ኣረኪቡ ምስ ጸላኢሉ ከዅድድ ምስ ረኣየ ጥራይ እዩ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ሓደ ሰብ ኣረኣእያ ወይ ድራኸ ኣይኮነን ንናጽነቱ እተቓለሰ። እቲ ውልቀመላኺ ዘበርከቶ ነገር እንተሎ፡ ነቲ ናይ ናጽነት ድራኸ ኣበራቢሩ በቲ ዘይውክሎ ህዝቢ ገይሩ ነቲ ውሽጣውን ሕቡእን ድጉልን ድሌታቱን ባህጉን ዕላማኡን ኣብ ግብሪ ንምውዓል እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንውልቀመላኺ ኢሉ ዘይኮነስ፡ ንሃገሩ ኢሉ እዩ ንሜዳ ውሒዙ። እዚ ህዝባዊ ዋሕዝ’ዚ፡ ኣብ ዓይኒ እቲ ውልቀመላኺ ከም ዓቢ ዕድል እዩ ነይሩ። ንሱ ኣብቲ ድፋዑ ይኹን ወይ ኣብቲ ጎዳጕዲ ሳሕል ኮይኑ፥ ኣሰይ! ናይ ሕልመይ ምግሃድ ቀዳማይ ስጉምቲ እርኢ ኣሎኹ፡ ብምባል ውሽጣዊ ዕግበቱ ይገልጽ ነይሩ ይኸውን። መንእሰያት ኤርትራ፡ ዓወት ንሓፋሽ! እናበሉ ኪስውኡ ኸለዉ፡ ንሱ ግን ብልቡ፡ ዓወትባ ንሕልመይ! እናበለ የስተንትን ነይሩ እዩ።

 

ናይ ኤርትራ ዘይሓዊ ናጽነታዊ ባህጊ፡ ናይ ኤርትራውያን ደረት ዘይብሉ ሓርነታዊ ስምዒት፡ ኣብ ኣዒንቲ ገዛእቲ ከም ከቢድን ሓደገኛን ሕማምን ቆለን እዩ ነይሩ። ነዚ ሕማም’ዚ ፈዊሱ ናብ ገዛእቲ ከረክብ እተላእከ ግን እቲ ውልቀመላኺ እዩ ነይሩ። ነዚ ቅዱስ ሕማምዚ ንምሕዋይ፡ ነቲ ህዝቢ ናብ “ሜዳዊ” ማይ ጨሎት ኪውሰዶ ግድን እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብኡ ኾይኑ ንሰላሳ ዓመታት ደሙ ምስ ኣፍሰሰን ኣዕጽምቱ ምስ ከስከሰን፡ ቆለ ናጽነቱ ድማ ምስ ዓገበን፡ ተቐቢልካ ናብቶም ገዛእቲ ምስትላምን፡ ካሕሳኻ ድማ ብናይ ጎብለል መዓርግ ተገምጊሙ ናይ ዝሰፍሐ ግዝኣት ስልጣን ምርካብን፡ እዚ ኹሉ ናይቲ ውልቀመላኺ ወርቃዊ ሕልሚ እዩ ነይሩ። እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ውልቀመላኺ፡ ሽዕብን ኣፍዓበትን ሳሊናን፡ ናፓልምን መርዛም ጋዛትን፡ ሞትን ምጽናትን፡ ጓህን መከራን፡ ስቓይን ስደትን ወዘተ፡ እዚ ኹሉ ናይቲ ዓቢ ድራማ ነኣሽቱ ክፋላት እዩ ነይሩ። ኣብ ዓለምና ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረስ የለን እተባህለስ ለካ ሓቂ እዩ።

 

እዚ ድማ ነተን ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ዚምልከት ኣኼባ ዝበለን ቃላት የዘክረኒ፥ ”እሞ ደቅና ምለሱልና! ኣነ፡ ደቀይን ደቂ ሓወይን ኣረኪበ እየ፡ መሰዋእቶም ዋጋ ዘይብሉ እንተ ደኣ ኾይኑ ወይ ድማ እታ እተሰውኡላ ሃገር ኣብ ዕዳጋ ወሪዳ እንተ ደኣ ኣላ፡ በቃ ይኣክል፡ ደቀይን ደቂ ሓወይን ምለሱለይ!!!”

 

እዚ ሰብ’ዚ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ከውስእ እተደረኸ፡ ውልቀመላኺ ንደቁ ኪመልሰሉ ኢሉ ብምሕሳብ ኣይኮነን፡ ምዉታን ዚመልስሲ ፈጣሪ ጥራይ እዩ። ይኹንምበር፡ ደቁን ደቂ ሓዉን ናጽነት ከምጽኡ ኢሎም ተላኢኾምስ፡ ርሱዓት ኮይኖም ኪተርፉ ኣይደለየን።  ንኸምዚ ዝበለ ክሕደት ኪቕበሎ ዚኽእል፡ እቶም ደቁን ደቂ ሓዉን ኪስውኡ ኸለዉ፡ ኣብ ክንዲ፡ ዓወት ንሓፋሽ! ዚብሉ፡ ዓወት ንኢሳያስ! ኢሎም እንተ ነይሮም ጥራይ እዩ። ግን ከኣ፡ ኩሉ ውፉይ ኤርትራዊ ንሃገሩ፡ ንመትከሉ፡ ንባንዴራኡ ደኣምበር፡ ንሓደ ውልቀመላኺ ኢሉ ኣይተሰወአን!

 

ኣብዚ እዋንዚ ግን፡ እቲ ዓወት ንሓፋሽ! ዚብል ጭርሖ ተረሲዑስ፡ ውልቃዊ ዓወት ከም ዝኾነ መሲሉ ይረአ ኣሎ። ዓወት ናይ ሓደ ውልቀመላኺ! ኣብዚ ቀረባ ግዜዚ ኣብዚ ሰብዚ እተራእየ ደረቱ ዘይሓለወ ክምስምስን ኣፍልብኻ ምህራምን ፈኾስኮስን ናይቲ ናይ ፍርቂ ዘመን ተንኮል መደምደምታ ዓወት እዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል።  ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ኣብቲ ብስዉር ዚካየድ ዘሎ ናይ ሃገር ምሻጥን ምድማርን ምውግጋይን፡ ናይ ስልጣን ገጸበረከት ምውህሃብን ምልውዋጥን፡ ናይ ሓደገኛ ውዑላት ምፍርራምን ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

 

ንውልቀመላኺና ገለ ብቐረባ ዚፈልጡዎ ሰባት፡ ንሱ ኩሉ ግዜ ኪቝጣዕ ከሎ፡ ጽንሓ፡ ነዛ ናጽነት ባዕለይ ኣምጺአልክን፡ ባዕለይ ከኣ ከጥፍኣልክን እየ ዝዓይነቱ ዘረባ የምልቝ እዩ ይብሉዎ። ለካ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ፡ ነቲ ማዕድናትን ወደባትን ሃገርና ከም ድላዮም ዚጻወቱሉ ዘለዉ! ለካ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ፡ ቃሕ ከም ዝበሎም ኪኣስሩን ከደስክሉን ከሕቅቑን ዚውዕሉ ዘለዉ። ነቲ ህዝብና ድማ፡ ኪድ ረሓቕ፡ ናጽነትካ ተቐቢልካ ኣብዚ ፈዘዝ ፈዘዝ ኣይትበል፡ ኣብቲ ስራሕና (ምስራቕና) ድማ ኣይትረብሸና ዚብሉዎ ዘለዉ ይመስሉ።

 

ኤርትራ ሃገርና ኣብቲ ዝሓለፈ ታሪኻ፡ ምስቲ ገርሂ ህዝባ፡ ክንደይ ግዜ ተጠሊማ እያ። እቲ ዘገርም ነገር ግን፡ ህዝብና ጌና ብግሩህ ልቡ ምትራፉ እዩ። ይኹንምበር፡ ሓንቲ ኣብ ኣፍደገ ገዛኻ ዘላ እምኒ ሓንሳእ እንተ ዓንቂፉትካ፡ እቶም ዚርእዩኻ፡ ዋይ ሓወይ! ኣንታ ነዛ እምኒ እዚኣ ዘይትኣልዩዋ፡ ይብሉ እዮም። ካልኣይ፡ ሳልሳይ ግዜ እንተ ጀልዒፋትካ ግን፡ ንሳ ዘይኮነትስ፡ ንስኻ ኢኻ እምኒ’ሞ ክትነቅሕ ይግበኣካ! መዓስ ኮን ይኸውን ህዝብና ዝበራበር!!

 

ዘመናዊት ኤርትራ ክትድኮን ከላ፡ ብናይ ዓሰብ ወደብ ጭራም መሬት ንኢጣልያ ብምሻጥ እዩ ተጀሚሩሞ፡ ንኻልእ ባዕዲ ብኹላ ብምሻጥ ታሪኻ ከይድምደም ክንሓሰበሉ ይግባእ። እዚ ነዚ ዘለናዮ ኩነታት ኣቕሊሉ ዚርእይ ኤርትራዊ፡ ካብቲ ውልቀመላኺ ፈሊኻ ዚረአ ኣይኮነን። ንግዜኡኳ ካብ ዘለፋን መርገምን እንተ ኣምለጠ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ግን ከም ሸያጥ ሃገሩን ፍንፉንን ኮይኑ ከም ዚዝከር ኪርስዕ ኣይግባእን!!

 

እወ፡ ገና ገና ዘይተሰቆሮም ተደመርቲ ኪህልዉ ኢዮም፡ ግን መሲሉዎም ድኣምበር፡ እቲ ፈተነ ምሻጥ ሃገርን፡ እቶም ደለልቲ ወይጦታት ህግደፍን ምስ ኩሉ ፕሮፓጋንዳኦምን ግዕዙይ ተግባራቶምን ኪሓልፉ እዮም፡ ኤርትራ ግን፡ ናይቶም ዘፍቅሩዋን ህይወቶም ዘሕለፉላን ዘሕልፉላን ዚሕለቑላን ሃገር ስለ ዝኾነት፡ ንዘልኣለም ብናጽነት ክትነብር እያ!!

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • k.tewolde September 4, 2018

    ‘ነዚ ሕማም’ዚ ፈዊሱ ናብ ገዛእቲ ከረክብ እተላእከ ግን እቲ ውልቀመላኺ እዩ ነይሩ።’ ..Memhir quips,are you listening Eritrawi? Is it sinking in?can you relate to the story? What did the tyrant do to accomplish the mission he set out to do? do you remember the blood that was shed among brothers in Kur,Kerkebet,Mensura,Aarag…..?do you remember when he disrespectfully declined the pledge of the Eritrean people holding their Tabot to stop the bloodshed among their children in Weki Zagr? do you? do you……??? ‘The greatest hoax of the century’ ain’t enough,it is a socio- political laboratory of a tyrant with unlimited access to human species to work on and the new models are introduced every summer for exhibition.

  • Genet-Original September 4, 2018

    Dear and respected Amanuel, what can I say, You are speaking Eritrean. I will copy your heartfelt plea for all Eritreans and hand them to wake up and discard DIA, as last weeks garbage.

    Thank you brother.
    We shall overcome!!!

  • zeregabir Teaghes September 4, 2018

    Thank you Karneshmetay, you hit exactly everything. Not only you hit the Dictator but also those who support him Awrajawian.
    Mashela kab Sudan mismetse,
    Zeyti megbi kab Yemen mismetse,
    Tirmus kab Pakistan mismetse.
    Fabrikatat mis teatswe.
    Isayas de’a enwet hangolin,
    meninetin eyu eko yeeniu

  • Ghirmay Solomon September 4, 2018

    Weii said philosopher Amanuel.
    Really it is hoax of our generation.

  • ነጋ አብርሃ September 9, 2018

    ብራቮ ሐው አማኑኤል ሳህለ!! እቲ ጠላም ተዂላስ ካብ መጀመርያኡ አትሒዙ ዘምጽኦ ተልእኾኡ ኢዩ ተረቂቑ ዝፍጽም ኔሩ። ናትና ናይ ደቂ ኤርትራ ግን አይግድን። ብሐደ ዘይረብሕ ሰብ ክንድሃኽን ዘርእና ክጸንትን እንዳረአና እንዳሰማዕና፣ ንምሉእ ሃገራዊ ነጻነት እንዳመከትና፣ ንሱ ግን ተሞዂልዩ ከይሐሰወ፣ “ቑጠባዊን ፖለቲካዊ ውህደትን ሕብረትን ኢትዮጵያን ኤርትራን አብ ዝተናውሔ ክፍጸም ተኽእሎ አሎ” እንዳበለ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ እንዳረአናዮ ከሎ ጌና አቕጣጭኡ ፈሊጥና ክንምክቶ ዘይምብቃዕና ከም ህዝቢን ሃገርን ቃል ዓለም ዘይብሉ ወዲቕና (Fail) ኢና። ሐቂ ኢዩ ገለ ውሑዳት ደቂ ሃገር ብዙሕ ዘእወዩ ከምዝነበሩ ዝክሐድ አይኮነን። ከም ሕብረተሰ ግን አይሰማዕናዮምን አይተቐበልናዮምን’ውን። ስለዚ “ክምብል በለ’ሞ አይተኻዕወን” ከምዝተባህለ ጉድለትና ድኽመትናን መዚንና ሕጂ’ውን አቕጣጫ ቃልስና ክንቅይስ እንተበቒዕና ካልእስ ይትረፍ ነቶም ድሕረና ዝመጹ ቅኑዕን ጽፉፍን መንገዲ ክንፈጥረሎም ንኽእል ኢና። ሐቂ መልእኽትኻ’ውን ነዚ ኢዩ ዘንጸባርቕ። አጆኻ ቀጽሎ ብርግጽ ከአ ክወግሕ ኢዩ።

  • Abraham October 19, 2018

    Thanks,

    Tegadalay Teklay Aden told us who is Isayas in 1980. He told us every thing what is happing inside EPLF. Tegaday tesfay Temnowo repeated the same history. But we do not react to their advice. Now we will pay hihg price. Still the majority are dreaming..

POST A COMMENT