Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝዋገየሉ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣፋፌት ናጽነት ኤርትራ ዘርሓወ፡ ስርሒት ፈንቅል ዓመት መጸ ምብዓሉ ንይምሰል ዝካየድ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ምዃኑ፡ ትማሊ ምስ ቴለቪዥን ኣሰና ሰሓባራዊ ዘተ ዘካየዱ ኣብ ስርሒት ፈንቅል፡ ምሕራር ከተማ ባጽዕ ብኣካል ዝተሳተፉ ኣብ ስደት ዝርከቡ ነባራት ተጋደልቲ ኤርትራ ኣገንዚቦም።

እቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝዋገየሉ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣፋፌት ናጽነት ኤርትራ ዘርሓወ፡ መሰረት ልኡላውነት ሃገርና ዝኾነ ስርሒት ፈንቅል ዓመት መጸ ምብዓሉ ምስ ሓቀኛ ተግባሩ ዘይቃዶ ንይምሰል ዝካየድ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ምዃኑ፡

እቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝዋገየሉ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣፋፌት ናጽነት ኤርትራ ዘርሓወ፡ መሰረት ልኡላውነት ሃገርና ዝኾነ ስርሒት ፈንቅል ዓመት መጸ ምብዓሉ ምስ ሓቀኛ ተግባሩ ዘይቃዶ ንይምሰል ዝካየድ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ምዃኑ፡ ትማሊ ምሸት ምስ ቴለቪዥን ኣሰና ሓባራዊ ዘተ ዘካየዱ ኣብ ስርሒት ፈንቅል፡ ምሕራር ከተማ ባጽዕ ብኣካል ዝተሳተፉን ንታሪኹ ብቐረባ ዝፈልጡን ኣብ ስደት ዝርከቡ ነባራት ተጋደልቲ ኤርትራ፡ ኣቶ ዓበደላ ዓደም፡ ኣቶ ዳኒኤል ገብረስላሰ፡ ከምኡ `ውን ኣቶ ሃብቶም ጸጋይ ኣገንዚቦም።

 

ንሳቶም፡ እቲ መግለጺ ብዘይርከቦ ጅግንነትን መስዋእትን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ወርሒ ለካቲት 1990 ዝተፈጸመ ቅያ ምሕራር ወደብ ምጽዋዕ፡ ተስፋ ናጽነት ኤርትራ ዘበሰረ፡ ውድቀት ስርዓት ደርግ ዘይተርፍ ምዃኑ ዘረጋገጸ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ስርሒት ብምዃኑ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ዓመት ዓመት ክጽንበልን ክዝከርን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መመሃሪ መጻሕፍቲ ሰፊሩ መጻእቲ ወለዶ ኤርትራ ብዝርዝር ክመሃሩዎ ከምዝግባእ ገሊጾም።

 

እንተኾነ፡ ነቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምቅላል ተጸሚዱ ዘሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተዓዛቢ ብምግባር ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ሕቡእ ርክብ ብምክያድ ንወደባትና ዝዋገየሉ ዘሎ፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ኤርትራውያን ኮይኑ ክወዓዓለሉ ተልእኾ ዝሃበ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ግን፡ ጽምብል ባጽዕ ከምዘይምልከቶ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብደም ዘረጋገጾ ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ክውንኖ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

 

ስርሒት ፈንቅል፡ ካብ 8-10 ለካቲት 1990 ብህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ወደብ ባጽዕ ሓራ ንምግባር ዝተኻየደ፡ ብፍሉይ ወተሃደራዊ ስትራተጂኡን ቅጽበታዊ ኣፈጻጽማኡን ዝልለ፡ ጎሮሮ ስርዓት ደርግ ብምሕናቕ ናጽነት ኤርትራ ዘይተርፍ ምዃኑ ዘበሰረ፡ ጀጋኑ ኤርትራ ዘመዝገቡዎ ታሪኻዊ ዓወት እዩ።

 

ክቡራት ተኸታተሊ ሳተልይቲ ቴለቪዥን ኣሰና፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ሓባራዊ ዘተ፡ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 29 ስርሒት ፈንቅል ካብ ሎሚ ጀሚሩ ናብ ኤርትራ ከባቢኣን ብሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና ከምኡ ውን ናብ መላእ ዓለም ከምልሙድ ክዝርጋሕ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Wedi Hagher February 8, 2019

    እሰያስ ፥ ጸረ ሃገራዊ ረብሓታት ኤሪትራ ዝሰርሕ ዘሎ ንመጀመሪያ ጊዝዩኡ ኣይኮነን።
    ሓዲሽ ነገር እንተሊዩ ፥ ክዳኑ ቀንጢጡ ኣብ ቃልዕ ጥርሑ ምውጹኡ እዩ።
    ብተግባር ፥ ኣነ እትዮጵያዊ እየ ፥ ይብል ኣሎ።
    ኣፉ መሊኡ ዘይበለና ድና ንጽበ ዘለና ?
    ብጅምላ ክሳብ ዝሸጠና ድና ንጽበ ዘለና ?

POST A COMMENT