Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ፣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት፣ ስለምንታይ ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ይውሕዙ ከምዘለዉ ዘዘኻኽር ጭቡጥ መርትዖ ምዃኑ ዋሽንግተን ፖስት ገሊጹ።

እቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ኣብ ማእከል ኣስመራ፣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት፣ ስለምንታይ ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት የምርሑ ከምዘለዉ ዘዘኻኽር ጭቡጥ መርትዖ ምዃኑ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ

እቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ኣብ ማእከል ኣስመራ፣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት፣ ስለምንታይ ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት የምርሑ ከምዘለዉ ዘዘኻኽር ጭቡጥ መርትዖ ምዃኑ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዘስፈሮ ሰፊሕ ዓንቀጽ ኣብሪሁ።

እቲ ውሩይ ጋዜጣ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዓለም ሓድሽ ኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብ ኤርትራ ግን እቲ ግዱድ ዕስክርና ደረት ዘይብሉ ብምዃኑ፣ ካብ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ምውጻእ ስለዘይከኣል፣ ከምኡ ‘ውን እቲ ካ 10 ዶላር ንወርሒ ዘይሓልፍ ክፍሊት ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኮይኑ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

እቶም ብ3 ሚያዝያ፣ ናብ ዝተመደበሎም ናይ ግዱድ ዕዮ ቦታ ብኣስመራ ዝሓልፉ ዝነበሩ ኣሽሓት መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብተን ተሰቒሎመን ዝነበሩ ናይ ጽዕነት መካይን  ዘሊሎም ከምልጡ በቲ ስርዓት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ክሳብ 29 ዝበጽሑ መንእሰያት ድማ፣ እቲ ገጢሙዎም ዘሎ ኩንታት ክሳብ ክንደይ ዘይጽወር ኮይኑ ዓቕሎም ኣጽቢቡሎም ከምዘሎ ዝምስክር ተርእዮ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኤርትራ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ዕጽውቲ ብምዃና ዓለም ግቡእ መረዳእታ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኳ እንተዘይብላ፣ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ፕረስ ድሕሪ ሰሜን ኮርያ ኮይና ጭራ መላእ ሃገራት ዓለም ምስርዑ ሃለዋት ናይታ ሃገር ካብቲ ሰብ ክጽበዮ ዝኽእል ንላዕሊ ኣዝዩ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ከምዘመልክት ‘ውን ዋሺንግተን ፖስት ይገልጽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde April 23, 2016

    We know what is going on there.The mediocre regime closed its door shut to the world, because they don’t want air their filthy laundry, but PFDJ twitter accounts is on fire posting sultry pictures of young women ,fake photo shopped landscapes and city streets.I guess that was the propaganda offensive they were talking about in their top cadre gathering. How pathetic! But the irony is they are still in charge.

  • sidi abdu April 24, 2016

    A dictator will remain a dictator as long as the people are afraid of him. The minute the people rise up and say no more, I would live it to the readers imagination to conclude the domino effect of this action. It is too bad Eritrea lacks courageous and fair leaders. Those who were colluding with the thug and found an opportunity to run away to ask for an asylum in the democratic countries, are too afraid to speak up of their experience and to expose the regime for what is worth. May be we should sue this guys and expose them in the host country where ever they are. There are many examples of that .

Post a Reply to sidi abdu Cancel Reply