Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ናይ ሰላም ሰሚናራትን ሙዚቃን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት መራኸቢ ድልድል እዩ – ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

ሱር በተኽ ዝኾኑ ቁኑዓት ሐሳባት ካብ  ተራ   ውልቀ ሰብ ክፍልፍል ይኽእል እዩ።  ኣብ ግብሪ ክትርጎም ግን ብዙሕ  ጻዕረን ተወፋይነትን ክእለትን ናይ መሳለጢ ገንዘብ  የድልዮ። እቲ ናይ ሰላም ምንቅስቃስ   ብኣብረሃም ገብረሊባኖስን  ኣብ ኤሪትራ ዝዓበየ ብምብጋሱ ዝያዳ ኣገዳሲ

ሱር በተኽ ዝኾኑ ቁኑዓት ሐሳባት ካብ  ተራ   ውልቀ ሰብ ክፍልፍል ይኽእል እዩ።  ኣብ ግብሪ ክትርጎም ግን ብዙሕ  ጻዕረን ተወፋይነትን ክእለትን ናይ መሳለጢ ገንዘብ  የድልዮ።

እቲ ናይ ሰላም ምንቅስቃስ   ብኣብረሃም ገብረሊባኖስን  ኣብ ኤሪትራ ዝዓበየ ብምብጋሱ ዝያዳ ኣገዳሲ ይገብሮ። ኩነታት ስደተኛታት ኤሪትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ተንኪፎዎ ክኸውን ይኽእል  እዩ።

እቲ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ምጅማሩ ናይ መንግስቲ ፍቃድን ተኻፋልነትን  ናይ ግደን ከድልዮ እዩ:: እዚ ሐቂ እዚ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሐደ እዩ።  እታ ብጊዜ ኢትዮ-ኤርትራ  ኩናት ኣነን ካላኦት ተገደስትን ዘቖምናያ  ፥ዜጋታት ንሰላም ኣብ ኤሪትራ ፥ ዝስማ  ግብረ ሰናይ ማሕበር    ናይ ሰላም ኮንፈረንስ  ኣብ ከረንን ኣስመራን ከተዳሉ ከላ –  መንግስቲ ኤሪትራ እንተዘይፈቅደላ ኣይምተኻእለን። ጸገማት ግን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። እቲ ኮንፈረንስ ዝተዳለወሉ ሕዳር 2000 እዩ – ብዙሕ ሰብ እውን ፈሊጡ ነይሩ ብሕልፊ  ሰበ ስልጣናት፡ ብዙሓት ካባቶም እውን ብ ኣወንታዊ ዓይኒ ዝረኣይዎ ነይሮም ።  ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ  2000  ኣብ  ናይ ባይቶ ኣኼባ   ሳልሕ መኪ – ሚኒስተር ጥዕና፥  እንታይ እዩ ዝካየድ ዘሎ- እዞም   ዜጋታት ንሰላም ኢና ዝብሉ  ናይ ሰላም ኮንፈርን ጸዊዖም ኣለው። ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ንግበር ይብሉ ኣለዉ፡፡ እዚ ምንብርኻኽ እዩ ኢሉ ። ኢሳያስ  ተቀቢሉ፥  መን እዮም እዚኦም ንዮም በልዎም?  ምስ በለ   ወርቁ ተስፋንኪኤል ሐላፊት ናይ ኤራ – (Eritrean Relief and Rehabilation Committee) ትቅብል ኣቢላ ፥እዚኣቶም መሳርሕትና እዮም፥ እቲ ናቶም መጽናዕትታት ከኣ እዩ ንዓና ዘገልግለና ዘሎ ። የማነ ገብረኣብ/ማንኪ  ንወርቁ ደጊፉ እዚ ኣብ ባይቶ ዝቀርብ ኣይኮነን ድሐን ንዓና ግደፉልና (ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ማለቱ እዩ)   ኢሉ መዕጸዊ ፈጢሩሉ። ብድሕሪኡ ኣብ ቤተ መንግስቲ   ምስ የማን ገብረመስቀልን(ቻርሊ) ዘምህረት ዮውሃንስን ክንራኸብ ቆጸራ ተገይሩልና። ኣነን ፕሮፎሶር ኣስመሮም ለገሰን ከድና። ብዙሕ ተኻቲዕና – ፕሮፍሶር ኣስመሮም  ናይ ሰላም ተበግሶ ክድገፍ ኣለዎ ኢሉ ብዙሕ ተኻቲዑ። እታ ደጋጊምና ንደፈኣላ ዝነበርና ነጥቢ – ድልየት ህዝቢ  ክስማዕ ኣለዎ ትብል እያ።ኣብ ውሳኔ ውግእን ሰላምን ናይ ህዝቢ ረኢቶ ክስማዕ ኣለዎ እቲ ግዳይ ናይ ኩናት እቲ ህዝቢ ስለዝኾነ።  እቲ ክትዕ ምርድዳእ ዝዓሰሎ እዩ ነይሩ ። ኣብ መጨረሻ   ምግባርስ ግበርዎ ግን – ቅድም እቲ  ወግዓዊ ውዕል ሰላም ይገበር።  ነቲ  ኣብ 12 ታሕሳስ  2000 ኣብ መንጎ ፕራይም ሚኒስተር መለስ ዜናውን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዝግበር ማለቶም  እዩ። ስለዚ  ነቶም ናይ ወጻኢ ዕዱማትና – ምኽንያት ፈጢርና ናብ ወርሒ ለካቲት 2001 ከምዝተሰጋገረ ነጊርናዮም። ካብ ኩሉ ሐደ ካብቲ ቀንዲ ወረቐት ኣቅርብቲ ኣባል ናይ  “ሐቅን ዕርቅን ደቡብ ኣፍሪቃ”  (Truth and Reconciliation of South Africa) ከይተርፍ ኣስጊኡና ነይሩ።  ካብቶም ካብ ኤውሮጳ ዝመጹ ሽግር ኣይነበረናንን። እቶም ካላኦት ዕዱማት ኣብ ዓዲ ዝቅመጡ ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታት – ካብ ኣስራሕቲ/ኣዋፈርቲ፥ ዲፕሎማሲያውን – ገበርቲ ሰናይ –  ዩናይትድ ነሽንስ ዲቨለፕመንት (UNDP) ናይ ሀይማኖት ወከልቲ ወዘተ እዮም። እቲ ሰሚናራት ከኣ ብጽፉፍ ተኻይዱ።

 

ስለዚ ከምቲ ንዜጋታት ንሰላም ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ክትገብር ምስ ተበገሰት ሚኒስተር ሳልሕ መኪ ከም ተምበርከኽቲ ዝወሰዳ ፡ ሕጅ እውን – ገለ ኤሪትራውያን ነቶም ተካፈልቲ ዝኾኑ ኤሪትራውያን ከም ተንበርከኽቲን ኽሐትን ገይሮም ከጸልምዎም ኣይገርመንን እዩ። መብዝሕትኡ ግን ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ኮነ ኢልካ ዝግበር እዩ።  እቲ ሜላ ከኣ ካብቲ  ሙሉእ ትሕዝቶ ንእሽቶ ቁንጭል ኣቢልካ ዘይመልክዑ ምሃብ እዩ። (out of context).  ስለዚ እቶም ተካፈልቲ በዚ ቅር ክብሎም የብሉን። ብዝኾነ ኩሉ ንህግደፍ ዘቃልዕ ደላይ ፍትሒ “ወያነ” እዮም ዝብልዎ-ዝኣረገ መዝሙር።

ብድሕሪኡ ነቲ ኣቀዲምና ዝጀመርናዮ  ብመገዲ ናይ ወጻኢ ኢምባሲታት ኣቢልና ምስ ካብ መንግስቲ ናጻ ዝኾና ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ማሕበራት ኣብ ወጻኢ ክንራኸብ  ወሲንና።  ሐንቲ ዕድል ረኺብና ። እቲ  ኣብ ጊዜ ቃልሲ ደጋፊና ዝነበረ ከጀቲል ትራንቮል (Kjetil Tronvoll) (2) ዝበሃል ኖርወጃዊ  ኣብ  ነርወይ  ምስ ዶክተር ጌታቸው ክብረት  ሐላፊ ናይ ሐንቲ ኤርሾ ትበሃል ማሕበር  – ንሰሚናር ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ከራኽበኩም ምጹ ይብለና። ኣብቲ ዝተሰማማዕናሉ ጊዜ ንነርወይ ፕሮፈሰርን ኣነን ከይድና ሰፊሕ ምምይያጥ ኣካይድና። ዶክቶር ጌታቸው ክብረት ምሳኹም ምርኻብ ብጌጋ ክቱርጎም ስለዝኽእል  ከጸግመና እዩ፥ ነቲ ሐሳብ ግን ንድግፎ ኢና ኢሉ ።  ኣብ ሐደ ስምምዕ ግን በጺሕና ንሶም ናይ ቶም  ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ስድራቤታት ገሊኦም መንእሰያት ደቆም ገዲፎም ስለ ዝተሰጉ ብዛዕባኦም ክሐቱን ክፋልጡዎምን  ምስ ቀይሕ መስቀል ከኣ ክምዝገቡ ከም ዘለዎም ክሕብርዎም።  ንሕና ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ቀይሕ መስቀል   ክንሕብሮም- ኣብ ክልቲኤን ሃገር ዘለዉ ቀይሕ መስቀላት – ብሕጊ ዝተበታተና ስድራቤታት – ነቶም መንእሰያት ብመገዲ የመን ንኤሪትራ ከምጹእዎም መደብ ገይረን ብኡ ፕሮግራም ዝመጻ ደቀንስትዮ እውን  ነይረን። ዝምድናና  ምስ ቐይሕ መስቀል ኣብ ኣስመራ ጽቡቅ ነይሩ።   ንሕና ብወገና ነቶም ካብ  ኤሪትራ ዝስጎጉ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ  ቀይሕ መስቀል ንብረቶም ክምዝገብ  ብዘይ ምክልባት ክኸዱ  ጺዕርና ኢና።  ባዕለይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮረነል ስማኦን ገብረድንግል  ናይ ኣስመራ ናይ ጸጥታ ሐላፊ ከይደ ኣዘራሪበዮ እየ። ንሱ ንሰላማውያን ኢትዮጵያውያን ምግፋዕ መደብ የብልናን ቁሩብ  ዝኣሰርናዮም ኣለዉ ግን ገሊኦም ባድመ ብኢትዮጵያ ምትሐዛ ዝሐረቁ ንኢትዮጵያውያን ምግፋዕ ጀሚሮም ንድሕነቶም  ኢልና ዝኣሰርናዮም  ኣለዉ ኩነታት ምስ ዘሐለ ክንፈትሖም ኢና ኢሉ ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ዝምድና ዜጋታት ንሰላም ምስ መንግስቲ እናሐርፈፈ ይኸይድ ነይሩ።  ካብ ቤት/ጽ ፕረሲደንት የማነ ገብረመስቀል – ኣንጻር ፖሊሲ መንግስቲ ትኸዱ ኣለኹም ብዝብል ስምዕታ የፈራረሐና ነይሩ፥ብሕልፊ ኣህጉራዊ ግበረ ሰናያትን – ንዘተመዛቡሉ ህዝቢ ክሕግዙ ዝተበገሱ ኢምባሲታትን ምሳና ክተሐባበሩ  ምስ ረኣይዎም።  ዜጋታት ንሰላም ካብ መንግስቲ ኤሪትራ ነጻ ጽቡቅ ስራሕ ክትሰርሕ ዝተዓዘቡ ከኣ እዮም ገለ ኢምባሲታት ወጻኢታትና ክሽፍኑ ፍቃደጃታት ዝኾኑ።  ን ኣብነት ነቲ ገዚፍ ወጻኢ ናይ ሰላም ኮንፈረንስ  ንናይ ነፋሪት፣ ሆተል ካብ ወጻኢ ዝመጹን ነቲ ናይ ውሽጥን ዝሸፈኑልና ኣብ ቀ 3 መግለጺ ተመልከት።

ስለዚ ብሐጺሩ እቲ ሕቶ ክሳብ ክንደይ ኢዩ ሐደ መንግስቲ  ካብ መንግስቲ ናጻ ዝኾና  ናይ  ዘጋታቱ  ግብረ ሰናያት ክህልዋ ዘፍቅድ።  ኣብዚ ጊዜ እዚ ንሂወት ህዝቢ ብሐይሊ ተቆጻጺሩ ዘሎ ህግደፍ   ነጻ ናይ ህዝቢ ግብረሰናያት ከፍቅድ ሕልሚ እዩ።  ኣብ ኢትዮጵያ ግን  ሙሉእ ዲሞክራሲ የለን እኳ እንተተባህለ  ናይ ግብረ ሰናይን ረዲኤትን ማሕራት፥  ፖለቲካዊ ውድባት  ናይ ግሊ ጋዜጣታት ነጻ ኮይነንስ  ይንቃሳቀሳ እየን  ህዝቢ እውን ተኣኪቡ ኣብየት እብል እዩ።

ስለዚ ናይ ኤሪትራውያን ናይ ሰላም ምንቅስቃስ  ኣብ ስደት ጥራሕ እዩ ክኽወን ዝኽእል፥ንሱኸኣ  በቶም ደለይቲ ፍትሒ ፥ እቶም ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ኢና ዝብሉ፥ ብግብሪ ከርእይዎ ኣለዎም።  ግን መብዛሕታኦም ደለይቲ ፍትሒ ሐይሎም ኣብ ጭርሖ እምበር ኣብ ግብሪስ ኣይግድን።  ደገፍቲ መንግስቲ ኤሪትራ እንተዝድግፍዎ ዝበለጸ ምኾነ፥ እቲ ኣብ ደገፍትን ተቛመንትን ዘሎ ጽልኢ እናጎደለ  ምኸደ። ግን ካብ ህግደፍ ነጻ ኮይኖም ክንቀሳቀሱ ከቶ ኣይኩእሉን እዮም። ወገን ውጹዕ ህዝቢ ዘይኮኑስ መሳርሔ መንግስቲ እዮም። ኣብ ፍትሕን መሰል ወዲ ሰብን ክልተ ሚዛን ሒዞም ይጓዓዙ።  ኣብ ኤርትራ ህግደፍ መሰል ህዝቢ ገፊፉ ዘይተኣደነ ስቃይ ኣውሪዱ ከሎ ቁቡልን ገይሮም ይወስድዎ። ኣብ ኤሮጳ ምስ መጹ ግን መሰልና ተገፊፉ ኢሎም ዕቅባ ይሐቱ፡  (double standard )-እዚኦም ባእታታት  ነቲ ጉዕዞ ሰላም ዕንቅፋት እምበር ካልእ ክኾኑ ኣይኩእሉን እዮም።

ይኩን እምበር   እቲ ብደገ ዝዕዘብ ኤሪትራዊ – ናይ ሰላም ምንቅስቃስ ኣብ ኢትዮጵያ ምጅማሩ  ክጠራጠር ባህርያዊ እዩ። ክልቲኤን ሀገራት ኣብ ምትፍናን ስለዘለዋ።  ሐደ ደስ ዘየብል ከኣ ጀነራል ጻድቃን  ኣብ ልዕሊ ኤሪትራ ናይ ኩናት መዝሙር እናዘመረ – ከመይ ገይሩ ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ይዋሳእ። ብዛዕባ ሰላም ክትዓዬ እዃ መጀመርያ ኣብ ኣተሐሳስባኻ ለውጢ ከተምጽእ ኣለካ። ጽኑዕ ናይ ሰላም ባህሊ ኣብ ክንዲ ናይ ኩናት ከተሕደር ኣለካ ።  ስለዝኾነ  ጀነራል ጻድቃን ዋላ ኣባል ናይቲ መንግስቲ ኣይኹን እምበር (ካብ መንግስቲ ካብ ዝባረር ሐያለይ ዓመታት ሐሊፉ እዩ)  ኣብቲ ጻዊዒት ሰላም ቦታ ክህልዎ ኣይግባኣን እዩ።

ኣብ  መስከረም. ኮም   ጸጋይ ኣስመሮም   “ገምጋመይ ኣብ ንድፊ ሓሳብ “መዝሙር ሰላም” ንኢትዮ-ኤርትራ ዘርእስቱ ኣብ ባይታ ዘሎ  ማሕብራውን ፖለቲካውን ኩነታት ጉሩም ገይሩ ኣንጸባሪቕዎ ። ጸጋይ ከምዚ ይብል “ኣብ ሞንጎ ኢትዮ-ኤርትራ ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ሃዋሁ ንክፈርስ ልዑል ባህጊ ኣሎኒ። እዚ ንክኸውን ድማ ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ክግበረሉ ኣለዎ። ባዓልቤት ናይዚ ሓሳብ ክኸውን ዘለዎ ከኣ ህዝቢ’ዩ። ኣብ ብይን ኮምሽን ዶብ፡ ዘይ ፍትሓዊ ምምቕቓል መሬት ተፈጺሙ’ዩ። ዶብ ሰሪ ዘይምሕንጻጹ ኣይ ሰላም ኣይኲናት ወሊዱ። ንህግደፍ ድማ “ባድመ ተውሪራትና” ኣብ ዝብል ባዶሽ ሓሳብ ዝሕበኣላ ደጀን ኮይናቶ ጸኒሓ ኣላ። ብርግጽ ኣይ ሰላም ኣይኲናት ንክሰዓር ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎ። ንሰላም ፍርቂ መገዲ ተጓዒዙ ዝደልያ ሓይሊ ወገነይ’ዩ! ሕቶ ሰላም ሙሁር የልዕሎ ዓዃይ፡ ወያነ የበግሶ ህግደፍ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ሰላም ረብሓ ዘሎኒ። ብክንዲ ዓቕመይ ከበርክተሉ ሕጉስ’የ”

እቲ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኩነታት ኣብ ህዝቢ ኤሪትራ ዘውርዶ ዘሎ ስቃይ መወዳደርቲ እዃ እንተዘይብሉ, ብመጠኖ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ተንኪፍዎ እዩ: ብሕልፊ ንህዝቢ ትግራይ።  ጸጋይ ይቕጽል “ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ናይ ኲናት ዞባ ኮይና’ያ ተቐሚጣ ዘላ። ዋላኳ ከም ሰብ ትዕዝብቲ (ሪኢቶ) እንተ ሃለወኒ፡ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ግን ልዕለይ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ይፈልጥዎ ኢዮም። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይዛረብሉን ይጽሕፍሉን ንመንግስቶም ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ክግበረሉ ክሓትሉን ጸኒሖምን ኣለዉን። ኣጀንዳ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ መዝሙር ሰላም ድማ ሓደ ካብቲ ተጋሩ ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ዘልዕልዎ ዘለው ሕቶ’ዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ብሰፊሕ ዝርገሐ ኣብ ህዝቢ ከም ዋኒን ኣጀንዳ ኮይኑ ቀሪቡስ ብተስፋ ዝጽበዮ ውን ብዙሕ’ዩ”.

ጸጋይ ይብል  “በዓል ቤት ናይ ሰላም  ክኽወን ዘለዎ ከኣ ህዝቢ እዩ” ኣብዛ ንጥቢ እዚኣ እምነት ናይ ጸጋይ ምስ ዜጋታት ንሰላም  ሐደ እዩ። ኣብቲ 60 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ናይ  የካቲት 15, 16ን 17 2001  ኣብ ከረንን ኣስመራን ዝተገብረ ናይ ሰላም ኮንፈረሰ ከምዚ ይብል “CPE believes that a sustainable and just peace cannot be achieved by efforts of governments alone. Many actors and stakeholders-civil society organisations፣ national and international humanitarian and human rights groups, and individuals- need to play an active role in the promotion of peace and reconciliation.  This requires that Eritreans and Ethiopians undertake internal peace-fostering activities as well as dialogue with each other. The conferfence was envisioned as a fist step in such a process.”

ኣብዚ ከትበርህ ዘለዋ ንሰላም ዝጽውዕ ዘሎ ህዝቢ እዩ መንግስታት ኣይኮኑን።  ሰላም  ብወልቀ ሰባት ተጀሚሩ ደረጃ ብደረጃ ብህዝቢ ተቀባልነት ክሳብ ዝረክብ  ነዊሕ መስርሕ ኣለዎ ጊዜ እውን ዝወስድ  እዩ።  እቲ ምንቅስቃስ  ሰላም ናይ ክልቲኤን መንግስታ ዘይኮነስ   ናይ ህዝቢ ካብ ኮነ እቲ ህዝቢ ብዛዕብኡ ንጹር ኣረ ኣእያ ክህልዎ ኣለዎ። ብነብሲ ተኣማምነት  ጠጠው ክብለሉ  ግን ብዛዕባ ፍትሕን፥ መሰል ወዲ ሰብ ምኽባርን ትምህርቲ ክቕስም ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ መሪር ናብራ እናነበረ  – ንነብሲ ወከፍ ሰብ – 2 ባኒ ንመዓልቲ ብመቕነን እናነበረ – ማይ ከይተረፈ ብራሽን ካብ ቦጣት እናወሰደ – ንሕክምና ኣብ ሱዳን እናኸደ – ኣብ ባንካ ዘቐመጦ ገንዘቡ ከም ድላዩ ከይውጽእ እናተኸልከለ – ናይ ወርቂ፣ ነሕሲ ፥ ፖታሽ ሃብቱ – እናተመዝመዘ-   ንመንግስቲ ኤሪትራ  ዝድገፍ  ኢሪትራዊ  ሕልናኡ ዝቀተለ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብዚ ናይ ሰላም ነዊሕ ጉዕዞ ብዝያዳ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኹእሉ  መራሕቲ ሀይማኖት እዮም። ኣብነት ብቤት ክህነት ካቶሊኽ ኣብ ኤሪትራ  ዝወጸ (ኣይተጽቅጥ ዝዓይንቱ)  ፥ ኣበይ ኣሎ ሐውኻ፥ ዝብል ህያው  መልእክቲ ንህዝቢ ኣተሐሳሲብዎ  እዩ፥ ንቡዙሓት ሰባት እውን ኣንቢዒዎም። ከማኡ እውን ኣብ ኣውሮጳ ዘለዉ ተበዓት ካህናት ነቲ ካብ ፍረሒ ዝተላዕለ ምጽቃት በቲኾም ቖላሕታ  ቤተ  ክርስትያን ኣብቲ ዝተወጸዔ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኣለዎ እናበሉ መልእኽቶም ንኣመንቲ የማሐላለፉ ኣለው። ንኣብነት ኣብ በዓል ሐድሽ ዓመት ካህን ተኽለማርያም ምርካጽዮን  ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ መልእኽቲ የሕሊፎም።  ኣብ ማንቸስተር ዝነብሩ  ቀሺ ዮሃነስ ገብረሂወት ፣  ቤተክርስትያን ጽግዒ ውጹዓትን እሱራትን ድኻታት እዮም ዝበል ዓቢ መል እኽቲ ኣመሐላሊፎም እዮም።ማሕበር ገዳም ደብረ ቢዘን ን ኣባ ሉቃስን መሳርሕቶም ኣባ ባስልዮስን ብጽኑዕ ብምቅዋም ኣውጊዞሞም ፡ እዚ ዘብረሃልና ቤተ ክህነት ንፍርሒ ጢሒሱ ናይ ህግደፍ መሳርሕቲ ወጊዝዎም።

ከምዚ   ካህናት ኣብ ከተማ ማንቸስተርን/ዓባይ ብሪጣንያ ጀሚሮሞ ዘለው፡ ህዝቢ ንሰላም ሐቢሩ እንተተቓሊሱ  ነንሕድሕዱ ጽኑዕ ዝምድና ይፈጥር ፥ ይተኣማመን   ደፊሩ ለውጢ ይገበር ዝብል ደረጃ ክበጽሕ ዓቢ ተኽእሎ  ኣሎ።

 

ስለዚ  ህዝቢ ኣርትራ ኣምር ሰላም ብደቂቁ  ክፈልጥ ስለ ዘለዎ እዩ ዜጋታት ንሰላም ቕድሚ ምስ ኢትዮጵያውያን ምርኻብ – ምስ ህዝቢ ኢርትራ  ብሕልፊ ካብተን ናይ IDPs (Internally displaced people)  ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተመዛበሉ  ዝሰፍሩሉ  ዘለው  መዓስከራት ዘተን ምርድዳእን ክብጻሕ ኣለዎ ዝበለ።   ስለ ዝኾነ  ካብ ነብሲ ወከፍ ናይ ዝተማዛበለ መዓስከራት  25 ወከልቲ ኣብቲ  ናይ 2 መዓልቲ ናይ ከረን ኮንፈረንስ ክካፈሉ  ዝገበረ።

እተን መዓስከራት    1 ማይ ዉራይ ኣብ ጾሮና   2 ማይ ሐባር   3. ካሪቦሳ (ካምቦ ዙላ) 4. ዓዲ ቀሺ   5. ሳሊናን እየን

ካብኣቶም  ኣብቲ  ኣብ ኢንትርኮንቲነንታል ሆተል (ሕጂ ኣስመራ ሆተል)  ዝተገብረ – ውጺኢት ናይቲ ኮንፍረንስ መግለጺ ክህቡ ዝተመርጹ እውን ነይሮም።

ኣብ ምድምዳም ናይ 2 መዓልቲ ሰሚናር ከረን   እቲ ጉባኤኛ ህዝቢ ነቲ ጉባኤ ቆጽሊ ሰላም ኣውዲቕሉ   እዩ፥ እቲ ዝሐሸ መፍትሒ ናይቲ ሽግር ገይሩ ገምጊምዎ። እዚ ናይ ከረን ሰሚናር ዝመርሖ ፕሮፈሶር ኣስመሮም ፉሉይ ምስጋና ይብጸሐዮ።

እቲ ፕሮፈሶር ኣስመሮም ዘካይዶ ዝነበረ  መጽናዕትታት (ቁ 3) The Updrooted ንመንግስቲ ኣድላየ ስለዝኾነ ተጸሚሞምና እምበር  ብነጻ ምንቅስቃስና  ንኻላኦት  ኣብነት ስለ ንኸውን ብዙሕ ዕንቅፍታት ተጓኒፍና  እዩ። ህግደፍ ንህዝቢ ንእሽቶ ናይ ነጻ ምንቅሳቃስ ዕድል እንተሂብዎ መሰሉ ኣብ ምሕታት ከይኣቱ ኣዚዩ እዩ  ዝጭነቅን ዝፈርሕን።   ኮማንድስ ንተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ እናጋፍዑ  ናብ ዊዓ ምስ ወሰድዎም  2 ተመሃሮ ብጸሐይ ወቅዒ  ሞይቶም። እዚ ግን ክንጻዎሮ ኣይከኣልናን።   ንሕና  ንኢትዮጵያ – ሰብኣዊ መሰል ኤሪትራውያን ገፊፎም ኢልና እናኸሰስና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዓቢ በደል ኣብ ልዕሊ  ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ እናተኻይደ  ፈሪሕና ትም ክንበል ኣይንክእል ኢልና  ንመንግስቲ ኤሪትራ  ኣብ ናይ ብሕታዊ  ጋዜጣ ኮኒናዮም። ኣብቲ ነዚ ንምውሳን ናይ ኣባላት ዝገብርናዮ  ኣኼባ ሐደገኛ ምዃኑ ተገምጊሙ ማእሰርቲ ክህሉ ከም ዝኽእል ብጋህዲ ተዘትዩሉ።  ኣብዚ ሐደገኛ ውሳኔ ፕሮፈሶር ኣይነበረን  ኣብ ኣመሪካ እዩ ነይሩ።ኣቀዲሞም ኣባልነቶም ዝሰሐቡ/ዝሰሐባ ካብ ዓዲ እንግሊዝን ኣመሪካን እውን ነይሮም። እታ ሰክረታሪ ናይ ድምጺ መሰል እዃ እንተዘይነበራ ብፍርሒ ዝኣክል ንሐደ ሰሙን ተቕማጥ ንተእቕማጥ ኮይና እያ።  ኣብዚ ካብ ኣመሪካ ዝኣተወ ተወልደ እስጢፋኖስ (ቁ 5) መንግስቲ ንምኹናን ተወፋይነኣቱ ገሊጹ።   ዜጋታት ንሰላም ቀይሕ መስመር ክትሐልፍ ምውሳና ቅትለተ  ነብሲ ትፍጽም ከም ዘላ ብሩህ እዩ ነይሩ።  መደባታ ክትቅጽል ከም ዘይትኽእል ፍሉጥ ነይሩ። ግን ዝወለደት ትውለድ  ኢላ ገይራቶ።

ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ ኣብ ኢትዮጵያ  እዚ ናይ ሰላም መደብ  ከም ዘብርሆ ብዝዕባ ሰላም ስረሓት  – ካብ ናይ ዜጋታት ንሰላም ንላዕሊ ኣዚዩ ሰጉሙ  ኣሎ። ዜጋታት ንሰላም ኣብቲ ብህዝቢ ተፈተያ ናይ ህዝቢ ሐያል ድምጺ መታን ክህልዋ (ልክዕ ከምቲ ህዝባዊ ማዕበል ዝበሎ ጸጋይ) ኣባላት ምምዝጋብ ኣብ ትበጋገሰሉ ጊዜ  ጽሐይ ዓሪብዋ ተቖጽያ ተሪፋ::

ጸጋይ ይቅጽል ፥  ዕላማ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይኲናት ንከብቅዕ’ዩ! ጉዳይ ዶብ ንክፍታሕ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ልዕሊ መንግስቶም  ምልዕዓል’ዩ። ውጽኢቱ ድማ ንረብሓ ክልቲኤን ሃገራት ዘገልግል’ዩ።

ኣብ ምዕራብ ዘለዎ ዲስፖራ ብነጻ ክንቀሳቀሱ ስለዝኸእሉ እቲ ዝዓብየ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽል ንሳቶም እዮም። ነቲ ጉዳይ ኣሚኖሙሉ ብመደብ እንተተበጊሶም ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ዝደግፋ ግብረሰናያት ስለዘለዎ – ንመሳለጢ ገንዘብ ክርከብ ይካኣል እዩ። (seize the momentum) ፍሉያት ሃገራት ኣለዋ ብሕልፊ ኖርወይ – ኣብ ዓለም ኣብ ዕርቅን ሰላምን ተበግሶ ዝገብራ። ናይ ሰላም ኮንፈረንስ ወጻኢ ዝሸፈና ንሳተን እየን ።

ከም መደምደምታ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕን ጽንኩርን እዩ። ህዝቢ ልዕሊ 70 ዓመት ንናጽነት ተቃሊሱ እዩ።  ኣብዚ ጊዜ ግን ታሪክ ህዝቢ ኤራትራ ብህግደፍ ተሰሪቁ። እቶም መራሕቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሐቁ ኣለዉ። ይከን እምበኣር  ሕጂ እውን ፈኸም እንበለ  ናይ ህዝቢ ቃልሲ ጀሚሩ ኣሎ። ኣቦይ ወልደኣብ ወልደምርያ ኣብ 1987 ዝተኻየደ ናይ ህዝባዊ ግንባር ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ  ኣብ ደጀን ሳሕል ፥ ሆስፒታላት – ናይ ኣፋውስን ሽዳን ፋብሪካታትን  ጋራጃትን ዘሎ  ምዕባሌታት ዘይሮም ምስተዓዘቡ ብሐጎስ ገጾም መብራህቲ ተወሊዑ ከምዚ ይብሉ ፥ ናጽነት ኤሪትራ ሎሚ ኣብዚ ሪኤያ እንቓዕ እዚ ኣርኣየኒ  እዚ ፈጣሪ። እዚ ከይከውን ብህግደፍ ተጠሊሙ። ግን እዚ ህዝቢ  ኢርትራ ናይ ቃልሲ ታሪኽን መንፈስን ስለዘለዎ – ሕጂ እውን ከም ቀደም – ንሙሉእ ናጽነቱ ክቃለስ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ  እዚ ሐድሽ ወለዶ ዓቢ ተራ ኣለዎ።  ወል-ወል እናተዋዘየ ምስ ተጋደልቲ ኮይኖም ዝተስእልዎ  ስእሊ።  ኣብ የማን ኮፍ ኢሉ ዘሎ ግን ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ኣለም መዝገበ እዩ። ብዓቢኡ ብዳዊት መስፉን ዝተጻሕፈት ነዚ ሐዲሽ ወለዶ ኣዚያ ትጠቅም መጽሐፍ ተጻሒፋ ኣላ እሞ ኣንብብዋ  መግልጺ ቁ 1 ።

ጉዕዞ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ  መሰጋጋሪ ድልድል ይንደቅ  እምበር ኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ዲስፖራ ዘሎ ኣብ ሲቪልዊ ማሕበረ ሰብ ተወዲቡ ክዓየሉ ሐላፍነቱ እዩ።  እዚ ጉዕዞ ናይ ተራ ህዝቢ ስለዝኾነ ነዊሕን ሐርጎጽ ዝመላኦ እዩ፥  ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ግን ሱር በተኽ እዩ።

David Bowie: Singer 1947-2016:

It is not politicians who will end oppression.  It is the radicals, with the stink in their clothes, rebellion in their brain, and hope in their heart and direct action in their fists. ከምዚ ዓይነት ቆራስነት ዘለዎም ባእታታ ከኣ እዩ ነዚ ክዕውትዎ ዝኽእሉ።

 

መግለጺ

  1. WOLDEAB WOLDEMARIAM : A Visionary Eritrean Patriot

A Biography by Dawit Mesfun

 

  1. Books by Kjetil Tronvoll: MAI WEINI: A highland village in Eritrea. A study of the peopleKjetil and Daniel R Mekonen: The African Garison State: Human Rights and Politiccal Development in Eritrea.
  2. The Uprooted: A scientific Survey of Ethnic Eriteans Deportees from Ethiopia by Professor Asmarom Legesse
  3. The donors, who came forward with both timely and adequate financial support for the Peace Building conference. Keren – Asmara, 15th , 16th and 17th February 2001
  • The Royal Norwegian Embassy
  • The Royal Danish Embassy
  • The Royal Swidish Embassy
  • Dutch Interchurch Aid
  • Mani Tesse an Italian NGO

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Danilo October 2, 2017

    Mr petros, you are telling us the opportunity of peace and conciliation effort made 16 years ago. plus the newest honey coated proposal from ( let say it popular ) across the border but I don’t see hope .nevertheless , if we really need durable peace comes only the two weyane and Hgdef gives a chance to both brotherly people. If not it is wast of time. nothing else! Both are harming eritrean people more than any one else.

  • Degoli October 2, 2017

    May God bless the two people and bring peace and prosperity
    .

  • Sara October 3, 2017

    It is important lesson that I learned from this article. Peace can’t come out of blue we need to work towards it. We need to organise such events to push peace in both countries. Thank you Peter for sharing your experience. Keep it up your contribution is valuable and based on truth.

  • T.Yitbarek October 3, 2017

    Yes, we need peace and peaceful co-existence with our neighbors. Ethiopia is our bigger southern neighbor and both peoples have had centuries of love and mistrust relations, but the border war has dominated the love and inserted an unwanted hatred.This is an artificial thing induced by PFDJ & TPLF cadres in the real sense. In both countries, there is the belief “Love thy neighbor”among the peoples of the two nations. For me, the issue of border demarcation is a secondary, but people to people relation is very essential.
    At a small scale, I have a good relationship with Ethiopians in the country I live, and that is based on the people to people philosophy of our civic society (NECS Europe).I have been working on that for the last 15 years and it is working, however on a bigger scale can be more effective and I agree with Petros that we give peace talkings where ever they will be held a chance to be successful, especially initiated by civilians or civic societies.

    PS: There is also an article in aigaforum.com, from Gezaey Desta from the University of Mekele and read it please!

  • Danilo October 3, 2017

    Okay! The respected both people from Eritrea and Ethiopia specially tigray people should make effort for peace. but it can be effective if ethiopians ( tegaru ) acknowledge that they are holding eritrean villages. Otherwise, the mission is failed.

    • shilan October 3, 2017

      You are a life long severely damaged and failed Italian/Arabs slave dog yourself so incapable to pass any judgement or recommendations on the piece initiatives. As former criminal mercenary of evil ELF mendef barbaric Islamic gangster’s shefatus/banditry, you are not in any position to meddle in our “private affairs” of genuine peaceful and brotherly people of Eritrea and Ethiopia. In short, evil muslim Italian/Arabs slave dog and condom, keep your hidden evil Islamic jihadi/talban agendas to yourself and just stay away from our own Habesha/Agazi affairs!!
      .
      Brother Petros, I admire for all your positive and Kudus contributions/inputs, please keep it up, and God bless you dearest and highly respected brother.

      • Danilo October 3, 2017

        ዝኸበርኪ ሹሉ፡ወኸርያ ጉርሁ ስርናይ ጾሮና ናትኪ ከምዘይኮነ ኢንተኣሚንኪ ኢቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዝካየድ ሰሚናራት ዕዉት ኢዩ።ኢንተ ጉዳይ ባድመ ግን ናይ ሕዝቢ ኣፍልጦ ዱሩት ስለዝኾነ. …..? ውሳኒየ ኮሙሽንን tesfatsion and issyas. .will be.

  • Simon G October 3, 2017

    ሰላም ምግባር ንኹሉ ጽቡቕ ኔሩ: የግዳስ ድሌት ናይ ክልቲኦም ወየንቲ (HGDF + TPLF) ኣይኮነን። ኤርትራ መሬት ክትዘብጥ ዩ ድሌቶም።

    • Danilo October 3, 2017

      ብርግጽ፡መርየት ህዝቢ ኤርትራ ተታሒዙ እንከሎስ፡ወያ ማእምን’ሲ ጥራጥ ተራእዩዋ እዩ ነገሩ።ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ህዝቢ ትግራይ ዘይናትካ ኣይትድለ ክብል ዝኽእል ተኸታሊ ሰላም ኢዩ ዘድሊ ዘሎ።

      • Hiyab October 4, 2017

        ኣታ
        እንታይ ኢኻ መሬት መሬት ትብል። ኣይኮነን ዶ ባድመ ቲ ካልእ መሬት ኤርትራኳ ዝቅመጦ ስኢኑሎ።
        ሰብ ካብ ባርነት ይሃድም ኣሎ ንስኻ ናይ ቦንድ ገዛ መስርሒካ ትሓስብ ኣለኻ
        ኣርሕቅ ኣቢልካ ሕሰብ ጥልያን ኣብዚኣዩ ዶብ ሓንጺጹለይ ኢልካ ምብዓስ ንባዕሉ ኣዝዩ ዘሕፍርዩ
        ቲ መሬት ኣብ ዝኸዱ የብሉን። ሰብ ይጠፍእ ኣሎሞ ቅድም ሰላም ጌርና ሰብና ነድሕን ። ድሕሪኡ ኩሉ ብግዚኡን ብስምምዕን ይሳለጥዮ
        ህግደፍ ወያነ ኢልካ ኣይተጽምመና። ስለ ሰላም ዘምር

  • Kalighe October 4, 2017

    The ruling coalition in Ethiopia led by Weyane has succeeded economically and benefited politically from that by building a strong alliance of Ethiopian minorities to offset the threat coming from Amhara and Oromo based opposition, But despite economic progress, mostly built on international loans, the political problems want go anywhere.
    If the Weyane lose control of Federal government in Addis in any upcoming election the country will go into a deep crisis, because neither Amhara nationalists nor Weyane know anything about political compromise, it’s not there in their culture. Both parties want rule by controlling the Ethiopian State, and for that they are ready to go to war.

  • Kalighe October 4, 2017

    Corrected …

    The ruling coalition in Ethiopia led by Weyane has succeeded economically and benefited politically from that by building a strong alliance of Ethiopian minorities to offset the threat coming from Amhara and Oromo based opposition, But despite economic progress, mostly built on international loans, the political problems won’t go anywhere.
    If the Weyane lose control of Federal government in Addis in any upcoming election the country will go into a deep crisis, because neither Amhara nationalists nor Weyane know anything about political compromise, it’s not there in their culture. Both parties want rule by controlling the Ethiopian State, and for that they are ready to go to war.

  • Micheal embaye October 21, 2017

    ግዜ ሃበኒ ሞ ፊት ንፊት ክንጋፈጥ። ዘይትፈልጦ ትዛረብ እንተሃሊኻ ተጋጊኻ። ፈሊጥካ ትዛረብ እንተሃሊኻ ግን እቲ ጉዳይ ናይ ኣብርሃም ገብረሊባኖስ ኣይኮነንንንን። ሃብቶም ገብረሉባኖስ ኣቦ መንበር መናእሰያት ሕወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነበር እንተትብል ቁሩብ ጥቓ ጥቕኡ ምኾነልካ። እዚ መደብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ቤጽሕፈት ድሕንነት ኢትዮ ካብ ጌታቸው ኣሰፋ ዝመጸ ሓሳብዩ። እቲ ጽሑፍ ማዕረ ምስ በዓል ሃብቶም ናባና ውን በጺሑ። ንእሽቶ ግዜ ዶ ክትህበኒ መነመን ክሳተፍዎ ተሓሲቡ መነመን ኣብዮም ከይተረፈ ክቐላልዖ።

  • Micheal embaye October 21, 2017

    ዘሕዝነኒ ብፍጹም ኤርትራዊ ጨናን ሕብርን ዘይብሉ ሕሱር ድራማ ኣብ ከም ኣሰና ምውጽኡ ጥራይ እዩ።

Post a Reply to Micheal embaye Cancel Reply