Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ጌጋ ምእንቲ ከይድገም

ብ ኣማኑአል ሳህለ ታሪኻዊ ምስሊ (ስእሊ) ኤርትራ እንታይ ይመስል ነይሩ? ህግደፋዊ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ይመስል ኣሎ? ናይ መጻኢ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ኪመስል እዩ? እዚኣቶም ገለ ካብቶም ሓሓሊፎም ኣብ ኣእምሮ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዚለዓሉ ሕቶታት ኢዮም ኪብሃሉ ይኽእሉ። ነታ

ብ ኣማኑአል ሳህለ

ታሪኻዊ ምስሊ (ስእሊ) ኤርትራ እንታይ ይመስል ነይሩ? ህግደፋዊ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ይመስል ኣሎ? ናይ መጻኢ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ኪመስል እዩ? እዚኣቶም ገለ ካብቶም ሓሓሊፎም ኣብ ኣእምሮ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዚለዓሉ ሕቶታት ኢዮም ኪብሃሉ ይኽእሉ።

ነታ ቐዳመይቲ ሕቶ ብዚምልከት፡ ኩሉ ዕድመ ዝደፍአ ኤርትራዊ ነቲ ዝሓለፈ ማለት ቅድመ-ህግደፍን ቅድሚኡን ዝነበረ ኩነታት ብተመክሮ ይፈልጦ እዩ ኢለ እሓስብ። ኣብ 50ታት፡ ኤርትራ ከምዚ ሕጂ ምስ ኩሉ ጸጋታታ ከይተረመሰትን ከይተዋረደትን ከላ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እታ ብኢንዱስትሪ ዝበልጸገት ሃገር እያ ነይራ። ከምዚ ሕጂ ብኹሉ ኣሉታዊ መዳያት ከይተኸፋፈለት ከላ ድማ ብናይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ብሔራውን ስኒትን ብናይ ሓቢርካ ምንባር ጥበብን ካብተን እተመስከረለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ከም ዝነበረት ኩሉ ኤርትራዊ በዓል-ታሪኽ ዚፈልጦን ዘረጋግጾን ሓቂ እዩ።

ከምዚ ብምዃኑ፡ ኣብቲ እዋንቲ ካብ ሃገርካ ተሰዲድካ ናብ ባዕዲ ሃገር ምኻድ ከም ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ዝረኣየሉ ዘመን ከም ዝነበረ ኣነ ባዕለይ ኣርኪበሉ እየ። ኤርትራውስ ሕጂ እዩ ስደት ቀሚሱዎን ፈሊጡዎን፡ ንሃገርካ ራሕሪሕካ ምኻድ ድማ ከም እንኮ ናይ ጸገማት ፍታሕ ገይሩ ወሲዱዎ ኣሎ።

ነታ ኻልአይቲ ሕቶ ንምምላሽ ብዙሕ ሓበሬታን መርትዖታትን ዘድሊ ኣይኮነን፡ ከመይሲ ሓደ ኤርትራዊ ፍሉይ ናይ ኣእምሮ ጸገማት እንተ ዘይሃሊዩዎ ወይ ድማ ብስስዐን ውልቃዊ ረብሓን እተዓብለለ ኣመለኻኽታ እንተ ዘይሃሊዩዎ፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ሰፊኑ ዘሎ ኣዕናዊ ኩነታት ንኸለልን ንኽግምግምን ዝእግሞ ኣይመስለንን።

ምናልባት ኪጽግሞ ዝኽእል፡ ነቲ ነዚ ኹሉ ብስረትን ዕንወትን ዘስዓበ ውድባውን ፖለቲካውን ጠንቅታት ብሳየንሳዊ መገዲ ኪትንትኖ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ሓደ ሓባራዊ መደምደታ ንኺበጽሕ ዘይምኽኣሉ ኪኸውን ይኽእል። ይኹንምበር፡ ዝኾነ ምሁር ይኹን ወይ ብሱል ኣእምሮ ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ሓቅን ሻራን ተጒላባን ዘይብሉ ኣገባብ ብምኽታልን፡ ከም ዓቕሙ መጠን ብምምርማርን ብምፍታሽን ኣብ ሓደ ሓባራዊ መደምደምታ ብምብጻሕን ፍልጠቱ ንኻልኦት ብምክፋልን፡ ነቲ ሕጂ ዘሎን ናይ መጻእን ጸገማትና ንምፍታሕ ትንኣስ ትዕበ ውልቃዊ ኣበርክቶ ኪገብር ይኽእል እዩ ኢለ እኣምን።

ነታ ሳልሰይቲ ሕቶ ንምምላሽ ግን ኩሉ ኤርትራዊ ኣቐዲሙ ነብሱ ብምፍታሽ ዕማሙ ኪጅምር ከም ዚግባኦ ክሕብር እፈቱ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ እተፈጸመ ውድባውን ውልቃውን ጌጋታት ብወገኑ ንኸይደግሞ ወይ ድማ ኣብ ምፍጻሙ ኣበርክቶ ንኸይገብር ኪጥንቀቕ ይግባእ። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ቅድሚ ኹሉ፡ ናይ ሃገሩ ድሕነት ወይ ህላወ ከቐድም ይግባእ። ሃገር እናበረሰት ከላ ናይ ሃገሩ ድሕነት ኣወንዚፉ ኣብ ፈላለይቲ ዝኾኑ ሕቶታትን መሰረታውያን ዘይኮኑ ጸገማትን ጥራይ ምስ ዘተኩር፡ ነቶም ብምኽንያት ሓድሓደ ድኽመታት ኣቦታትና፡ ከምኡውን ነዚ ኣብዚ ግዜዚ ዚረአ ዘሎ ብስረትን ጥፍኣትን ጠንቂ ዝኾኑ ጌጋታት ይደግሞምን ከም ተላጋቢ ሕማም የተሓላልፎምን ከም ዘሎ ኪርስዕ ኣይግባኦን።

ንሕና ኤርትራውያን ዘይተዓረየ እእምሮን ኣመለኻኽታን ዝንቡዕ ኣረኣእያን፡ ኣብ ገለ ሃይማኖት እተሞርከሰ ምትሃታዊ ሕልምን ራእይን ሒዝና ንዓድና ምስ እንምለስ፡ እታ እትፍጠር ኤርትራ፡ ወላውን ብናይ ውሽጣዊ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ጽቡቕ ዕድላትን ተደጊፋ ነቲ ብናይ ኸባቢኣን ብናይ ባዕዳዊ ጽልዋታት ኪገጥማ ዚኽእል ብድሆታት መኪታ ንቕድሚት ክትስጉም እንተ ኸኣለት፡ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣፍራሲ ባህርያት ዜጋታታ ግን ውዒሉ ሓዲሩ ንድሕሪት ኪጎታን ኣብ ናይ ጸገማት ረግረግ ኪሽምማን ከም ዚኽእል ኩሉ ኤርትራዊ ኪፈልጦን ኪግንዘቦን ይግባእ።

ገለ ካብቶም ድኽመታት፡ እቲ ዝዓበየ ትዅረት ኪወሃቦ ዘለዎ፡ ናይ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ወይ ጥሩፍነት ከም ኣብነት ኪውሰድ ይከኣል። ኣብዚ እዋንዚ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት (ንዝኾነ ዓይነት ሃይማኖት ዚምልከት) ንዓለምና ዝበከላን ንኹሉ ሰብ ድማ ዝለኸፎን ይመስል ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብተን ስልጡናትን ምዕቡላትን ሃገራት ዚብሃላ ከም ኣመሪካ ዝመሰላ ሃገራት ከይተረፈውን መሰረቱ ኣደልዲሉ ብምህላዉ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣንቢርናዮ ዘሎና ብሩህ ተስፋ ኣብ ስግኣት ከየውድቖ ብምስጋእ ክንጥንቀቕ ይግባእ።

ነዚ ንምቅላስ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ካብ ጸቢብን ፈላላይን ኣተሓሳስባ ንምልቓቕ ጻዕሪ ኪገብር ይግባእ። ነቲ ጥሩፋዊ ኣተሓሳስባኡ ብናይ ተጻዋርነትን ናይ ህየሳዊ ኣተሓሳስባ መንፈስን ኪምክቶ ይግባእ። ጥሩፍነት ብኹሉ መዳያቱ ኣብ ዘይንቡር ነገራት ከም እትኣምን ስለ ዚገብረካ፡ ዘይንቡር ነገራት ክትፍጽም ድማ ይዕድመካ። ምዕባለ ዘየቐድም ሃይማኖት፡ ማለት ዳይናሚክ ዘይኮነ ሃይማኖት፡ ብዘይካ ፍልልይን ጽልእን ቅርሕንትን ጸኒሑ ድማ ድሕረትን ድንቁርናን ምስፋን፡ ካልእ ዘፍርዮ ነገር የልቦን።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኪብሃል ከሎ ነቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዘለዉ ዜጋታት ይጥርንፍ። ምስዚ ስዒቡ ዚመጽእ ድማ ናይ ተቓወምትን ደገፍትን ደምበታት እዩ። ኣብ ምትንታን ነገራት ንኺጥዕም ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ተጋደልትን ሲቪልን ዘሎ፡ ናይ ሜዳ ቃልስን ተመክሮን ብሓደ ወገን፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብኡ ብዘይምስታፍ ከስዕቦ ዚኽልእ እተፈላለየ ፖለቲካውን ስነልቦናውን ዝንባሌታትን ኣመለኻኽታን፡ ኣብ ግምት ምእታዉ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

እቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ውዒሉ ሓዲሩ ባዕሉ ይኹን ብናይ ተቓውሞ ሓይልታት ምፍራሱ ኣይክተርፎን እዩ። ግን ኩሉ ዚፈርስ ነገር ብምሉኡ ይሕደስ እዩ ኪብሃል ኣይከኣልን። ኣነ ብወገነይ ለውጢ ኪብሃል ከሎ ብእተኻእለ መገዲ ናይቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኣሰራት ከንጸባርቕ ኣይግባእን ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ፡ ከመይሲ ካብ ዝሓደረ ብሑቕ እተትርፎ ንእሽቶ መባዅዕቲ፡ ነቲ ሓድሽ ብሑቕ ከብኵዖ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ሓድሽ ዚብሃል ነገር ብመሰረቱ ሓድሽ ከይከውን ይኽእል እዩ። ይኹንምበር፡ ናይዚ ተርእዮዚ ኣሉታውን ኣወንታውን ውጽኢት ኣብቲ ራእይን ብርታዐን ድራኸን መርገጽን ናይቲ ዚትክእ ሓይሊ እዩ ዚምርኮስ።

ናይዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ረቛሒታት ኣብ እተፈለየ መርገጺታት እተመርኮስ ተዋሳእነት፡ ነቲ ዚመጽእ ምስሊ ኤርትራ ብኣሉታዊ ወይ ኣወንታዊ መገዲ ኪጸልዎ ከም ዚኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኮይኑ ግን፡ እቲ ተዋሳእነት ኣወንታውን መሰረታውን ጽልዋ ኪህሉዎ ዚኽእልን ከም ቀንዲ ናይ ምህናጽ ሃገር ዓንዲ ዚኸውንን፡ ንሃገራዊ ድሕነት ቀዳምነት ምስ ዚህብ ጥራይ እዩ። ድሕነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ ምስራዕ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ። ካልእ እንተ ተረፈስ ዓድኻ ሒዝካ እኳ ትጸንሕ።

ምስሊ መጻኢት ኤርትራ፡ ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ናይቲ ከባቢ ፖለቲካዊ ኩነታትን፡ በቲ ኣብተን ጎረባብትን ኣብተን ሓያላት ሃገራትን ዚፍጠር ናይ ፖሊሲታት ለውጥን፡ ብገለ ጠንቅታት ብዚለዓል ናይ ሓይሊ-ሚዛን ምዝንባልን ወዘተ. ኪጽሎ ይኽእል እዩ።  ነቲ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል ከከም ኣመጻጽኣኡ ክንፈትሖ ክንፍትን ኢና፡ ነቲ ክንቆጻጸሮ እንኽእልን ኣብ ኢድና ዘሎን ብድሆታት ግን ግዜ ከይወሰድና ንምምካቱ ክንጽዕር ይግባእ።

እሞኸ ሰላምን ስኒትን ብልጽግናን ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽን ጌጋ ንኸይንደገምን ካባና ዚድለ እንታይ ኪኸውን ይኽእል?

ወድሰብ ዓዲ ወይ ቀቢላ ኪሃንጽ ቅድሚ ምጅማሩ ብስድራቤቱ እዩ ዚጅምር። ነቲ ስድራቤት ኪቆጻጽር ምስ ከኣለ ኸኣዩ ናብቲ ከባቢኡ ከተኩር ዚጅምር። ነቲ ስድራቤት ከየደልደለ ናብቲ ከባቢኡ ከተኩር ኣይደልን፡ ምኽንያቱ መሰረት ከየደልደለ ገዛ ኪሃንጽ ስለ ዘይደሊ።

እቲ ናይ ስድራቤት ወይ ናይ ሃገር ምዕራይ ድማ ካባና ኪጅምር ይግባእ፡ ምኽንያቱ ስድራቤት ብውልቃውያን ሰባት እዩ ዚስራሕ። ዘይጥዑያት ውልቃውያን ድማ ጥዑይ ስድራቤት ኪምስርቱ ኣይክእሉን። እምበኣር ሰላምን ስኒትን ብልጽግናን ዝሰፈና ኤርትራ ንምምስራት፡ ኣመለኻኽታና ክንልውጥ፡ ትስፉውን ብሩህን ራእይ ኪህልወና፡ ፍልልያትና ከነጽብ፡ ካብ ጌጋታትና ክንምሃር፡ ንድሕሪት ገዲፍና ንቕድሚት ክንሓስብ፡ ግጉይን ቅኑዕን ሓበሬታ ከነለሊ፡ ኣእምሮና ከነስፍሕ፡ ጸገማትና ከነለሊ፡ ዕላማና ሓደ ክንገብር፡ ካብ ስምዒት ንላዕሊ ንኣእምሮና ከነሕስቦ ክንጽዕር፡ ወዘተ. ኣገዳሲ ይኸውን።

ዝንቡዕን ዝንቡልን ኣረኣእያናን፡ ሰንኮፍ መርገጺናን፡ ድሩት ራኢናን፡ ሕልማዊ ኣጀንዳናን ሒዝና ናብ ሃገርና ምስ እንምለስ ወይ ንሃገርና ክንሃንጽ ምስ እንፍትን፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ንሃገርና ዘማሰና ጌጋታት ንኽንደግሞ ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ።

ገለ ለባማት ሰባት፥ ወድሰብ ካብ ጌጋኡ ወይ ካብ ታሪኽ ኣይመሃርን እዩ ዚብል ርእይቶ ኣለዎም። እዚ ብሂልዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሓቂ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ። ይኹንምበር፡ ካብዚ ንሃገርና ወሪዱዋ ዘሎ ብርሰትን ዕንወትን ክንምሃር እንተ ደኣ ዘይክኢልና፡ በዛ ንእሽቶ ፍጻመ እዚኣ ጥራይ ክንሓፍር ይግባኣና፥ ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ሓንቲ እምኒ ዓንቂፋቶ፡ ሓወይ! ደሓን ዲኻ! ድማ ተባሂሉ። ኪምለስ ከሎ ኸኣ እታ እምቲ እቲኣ ደጊማ ዓንቂፋቶ። ሽዑ ግን ምስኡ ዝነበሩ ሰባት እታ እምኒ ዘይኮነትስ ንሱ ባዕሉ እምኒ ከም ዝኾነ እዮም ዝሓበሩዎ ይብሃል።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • ሃይለ ወልዱ November 27, 2017

    ክብረትን በረከትን ካባኻ ኣይፈለ። ግሩም ማዕዳ፡ ኣብ ልብና የሕድሮ።

  • Tesafai November 28, 2017

    ኣንቱም ሰባት እዞም ጎይቶትና ዓረብን ኣሕዋትና ሃገራት ዓረብን ደኣ መኣስ እዮም ኣብ ከተማታት ሊብያ ፣ ግብጺ ፣ ሱዳን ፣ ስዑዲ ዓረብ ፣ መካ መዲና ፣ ርያድ ፣ ባቕዳድ ፣ ዱባይ ፣ ቱኒዝያ ሞሮኮ ፣ ባኪስታን ፣ ኣፍጋኒስታን ፣ ኢንዶነጅያ ፣ ኣብ ኩሉ ሃገራት ኣስላም ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም ዝወጹ?
    ተራእይኒ እኳ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጽርግያ ወጺኦም፥

    ፍትሒ ንኣፍርቃውያን !
    ኣላህ ኣክባር !
    ባርነት ዓቢድነት ይወገድ !
    ዓሌትነት ኣንጻር ጸለምቲ ኣስላም ኣብ ሃገራት ዓረብ ይጥፋእ !

    እንዳበሉ ክጭድሩ።
    ነዚ ሼር ሸርሽርዎ እንተሰምዑና።

  • Tesafai November 28, 2017

    [ ካብ ፈይስቡክ ዘገንፎ እተወስደ }

    ምሓሸና ዶ?

    ቆልዑ ትሩቡሊ እንዳኣጓየዩ፣
    “ዓብድ ! ዓብድ !” እንዳበሉ፤
    ኤርትራዊ ሓሰበ ተዳሂሉ፣
    መውጽኢ እንተፈጠረሉ፤
    ልቡ ብራዕዲ ነዲሉ፣
    “ቋንቋና ዓረብ እንተዝኸውን፣”
    ምሓሸና ዶ ?
    ካብ ውርደትን ሕስረትን ?

    ====

    ከምቲ ጠቃር ወርቂ ዱባይ፣.
    ቀይሕ ደም ወርቂ ሲናይ፣.
    እቲ ሓደ ካብ ሓማድ ባይታ፣.
    እቲ ካልእ ልቢ መመዝሒቕካ፣.
    መሓውር ከርቲምካ፣
    ኣፍ ዓቢስካ ፤ ሎጒምካ።.

    ብ ዮሴፍ ገብረህይወት 2013
    ትርጉም ዘገንፎ ዘዳግማዊ – ፪ይ

  • Bahta November 28, 2017

    “ኣንቱም ሰባት እዞም ጎይቶትና ዓረብን ኣሕዋትና ሃገራት ዓረብን ደኣ መኣስ እዮም ኣብ ከተማታት ሊብያ ፣ ግብጺ ፣ ሱዳን ፣ ስዑዲ ዓረብ ፣ መካ መዲና ፣ ርያድ ፣ ባቕዳድ ፣ ዱባይ ፣ ቱኒዝያ ሞሮኮ ፣ ባኪስታን ፣ ኣፍጋኒስታን ፣ ኢንዶነጅያ ፣ ኣብ ኩሉ ሃገራት ኣስላም ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም ዝወጹ?”

    Anta rukhus higdef/agame !!
    mind your business.

  • As November 28, 2017

    Kbur haw nay nay zbl qal gedifka entetxhf tgrignacha melisu mteAme neru.

  • k.tewolde November 30, 2017

    One thing is for sure,HGDEF is not an ethnic group (kebila) nor a religion,it is not a sect nor an established ideology like socialism,but it is like Mr. Sahle said,a mind set,a super imposed aberrant culture with cultish features,it is a spore forming parasite that feeds on ignorance,it is a phagocyte that consumes its own kind to survive. The host under attack in order to survive,the first daunting task at hand is to change his/her way of thinking,changing the mind set and through this fundamental transformation is that the victim can penetrate the membrane and disintegrate the nuclei of the offender.Like I said before,you can’t think,act, behave and fly the colors of your assailant and expect to get rid of the affliction,the parasite and the host are living in symbiosis. That is the reason why the nation looks chronically sick.

    • k.tewolde November 30, 2017

      In other words vulnerable to defend itself from a myriad of offenders medically called super infection to name one Agaazian virus.

  • AHMED SALEH !!! November 30, 2017

    K.tewelde
    They spread Agazian virus inside Ethiopian population to create division ,
    hatred and blood shed on civilians . Now they try to promote same wicked
    intentions inside Eritrea .
    VALUELESS LOSERS DREAM !!!!!!!!!!