Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ‘ዚ በቲ ISIS ተባሂሉ ዝፍለጥ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ሊብያ ዝተቐተሉ ኣመንቲ ክርስትና፣ ቁጽሮም 56 ከምዝኾነን ዝበዝሑ ኸኣ ኤርትራውያን ምንባሮምን ነቲ ናይ ማሕረድን ምርሻንን ፍጻሜ ብዓይኑ ዝረኣየ ኤርትራዊ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እቶም ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ‘ዚ በቲ ISIS ወይ ከኣ ዳዒሽ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ሊብያ ብጠያይቲ ዝተረሸኑን ብኻራሩ ዝተሓርዱን ኣመንቲ ክርስትና፣ ቁጽሮም 56 ከምዝኾነን ዝበዝሑ ኸኣ ኤርትራውያን ምንባሮምን፣ ኣብቲ ናይ ምርሻን ህሞት

እቶም ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ‘ዚ በቲ ISIS ወይ ከኣ ዳዒሽ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ሊብያ ብጠያይቲ ዝተረሸኑን ብኻራሩ ዝተሓርዱን ኣመንቲ ክርስትና፣ ቁጽሮም 56 ከምዝኾነን ዝበዝሑ ኸኣ ኤርትራውያን ምንባሮምን፣ ኣብቲ ናይ ምርሻን ህሞት ኣማኒ ምስልምና ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ካብ መቕተልቲ ዝደሓነ  ነቲ ናይ ማሕረድን ምርሻንን ፍጻሜ ብዓይኑ ዝረኣየ ብርሃነ ዝተባህለ ኤርትራዊ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብዝገበሮ ዝርርብ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት ሓበሬትኡ፣ ካብቶም ኣብ ሓደ እዋን ዝተቐትሉ 56 ግዳያት እቶም 42 ኤርትራውያን ክኾኑ ከለዉ፣ 14 ኢትዮጵያውያን እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ መደባት ራድዮ ኣሰና ቃል ምስክርነቱ ዝሃበ ብኣይሰስ ንሓጺር ግዜ ተታሒዙ ዝነበረ መሓመድ ስሌማን (ባዛንተ) ‘ውን መዛግብቲ ISIS ነዚ ሓቂ እዚ ከምዘረጋግጽ ኣገንዚቡ እዩ።

እቲ ካብ ሞት ድሕሪ ምድሓኑ፣ ኣብቲ ብ ISIS ዝካየድ ትሕቲ ዕድመን ደቂ ኣንስትዮን ብቐጻሊ ኣስተምሮ ቁርኣን ሃይማኖቶም ዝቕይሩሉ ካምቦ ንልዕሊ 2 ወርሒ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከቡዎም ኣባላት ISIS ኤርትራውያን ‘ውን ከምዘለዉዎም መስኪሩ።

እቲ ብኣይሰስ ተታሒዙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሳልሕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ብርሃነ፣ ኣብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ጎልጅ ብምንባሩ ቋንቋ ዓረብ ኮነ መሰረታዊ እስላማዊ ልምድታት ብምፍላጡ ‘ዩ ኣስላማይ ተመሲሉ ካብቲ ኣሰቃቒ ሞት ድሒኑ። ብሰንኪ እቲ ብዓይኑ ዝረኣዮ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ኣእምሮኡ ስሒቱ ከምዝነበረ ዝጠቐሰ ብርሃነ፣ ድሕሪ ሰለሰተ ወርሒ ኣቢሉ ካብቲ ብ ISIS ተታሒዙሉ ዝነበረ ማሕዩር ብምምላጥ ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ኣብ ኤውሮጳ ይርከብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ካብቶም ድሒሮም ብ ISIS ዝተታሕዙ ዓሰርተታት ኤርትራውያን ሎሚ ቕነ ዘምለጡ ትሕቲ ዕድመ ከምዘለዉ እቶም ምስ ድምጺ ኣሰና ዝተዘራረቡ ኤርትራውያን ሓቢሮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Stefanos Temolso July 5, 2015

    ንካልኣይ ግዜ ዝተፈጥረ ሰብዩ እዚ። ኣምላኽ መጻኢኡ ከጸብቐሉ ንምነየሉ። ንዳዕሽ ዘጥፍእ ሓይሊ የምጽኣልና።

    • Teclay July 5, 2015

      “፣ ካብቶም ኣብ ሓደ እዋን ዝተቐትሉ 56 ግዳያት እቶም 42 ኤርትራውያን ክኾኑ ከለዉ፣ 14 ኢትዮጵያውያን እዮም።”……..From the beginning i didn’t have any doubt most of them would be the poor,compass less Eritreans..But any way what is the difference whether they were Habesha 1 or Habesha 2,for one with an average intelligence?? = nothing absolutely nothing.

      Stefanos T
      “ንዳዕሽ ዘጥፍእ ሓይሊ የምጽኣልና።”
      I don’t think this will be possible for the two reasons:
      1,ISIS is very strong organization and it is very popular among sunni muslims around the world.
      2, So far the organization has been destroying the poor middle East and African countries,but not western interests.

      Any way if we had had some individuals with a little intelligence they should have alarmed us decades ago…but unfortunately we hadn’t had and we don’t have.

      • sahay Erican July 6, 2015

        Dear Teclay,

        Nihnan Elamanan did alarm Eritreans in the early seventies. I suggest you take time to read the whole document. Every statement written there is real. Unfortunately, the same manifesto that saved Eritreans from the ISIS of the sixties and seventies has also brought us to where we are currently. Let’s call it like “running away from the fire and ending up in the frying pan.” A tragic ending indeed!

        (Tsehaye: the peasants’ son)

        • rezen July 7, 2015

          Nice to see sahay Erican (Tsehaye: the peasants’ son) here.

  • rezen July 5, 2015

    “history repeats itself” so goes a popular saying which sadly reflects Eritrean history of ‘yesteryear’ in its own land, as lamented by public short stanza of grief.

  • Sara July 5, 2015

    ‘ህይወተይ ገድሊ ረሚስዎ’ ሓንቲ ዝተጣየሰት ተጋደላሊት ብኣካል ዝረኸብክዋ አብ ድኽነት ትነበር አብ ነጻ ዘውጸታ ሃገር

    እቶም ካብዚ ህልቂት ዝደሓኑ ኤርትራውያን እንኳዕ ፈጣሪ አምላኽ ካብ’ዚ አረመናዊ ግፍዒ አውጽአኩም። ብምቕጻል ምስክረነትኩም አብቲ ዝኣተኹሙሉ ሃገር ንዝርከቡ አኽበርቲ ሕጊ ክትህቡ ይላቦ። እዚ ገበን ክምዝገብ ዝግብኦ ዓብይ ገበን ኢዩ። ዘድልየሉ ግዜውን ክምጽእ ኢዩ። ነቶም ግዳያት ትፈልጥዎም እንተኒርኩም ነቶም ሃለዋቶም አብ ምድላይ ዝረከቡ ቤተሰቦም ዝበጽሐሉ መንገዲ ድማ ክተናድዩ ይላቦ። እዚኦም ሓተቲ ወገን፤ ወካሊ መንግስቲ ዘየብሎም መሳኺን ኤርትራውያን፤ እቲ ዘሕዝን ነዚ እናሰምዑ ዓይኖም ዓሚቶም ናብ’ዚ ከባቢ ዝመጹ ኤርትራውያን ኢዩ። ያኢ ክሕለፍ ይከ ኣል ኢዩ ብዝብል ናይ ደላላ ቃላት እናተታለሉ። እቲ ደላላ ንነብሱን ስድርኡን ዘይመርጾ መንገዲ ነዞም ዋላ ሓደ ዘይፈልጡ ኤርትራውያን አብ ዋጋ ዕዳጋ የውረዶም ምህላው ኢዩ፤፡ ኤርትራዊ ዝኣተወ እምበር ዝሞተ አይቆጽርን ኢዩ። ዘሕዝን ኢዩ።

  • Mulue July 5, 2015

    isayas did similar actions as isis did to our people in Libya,so the dictator must be go to trial in Hegue criminal court in near future!!!

  • Selamawi July 5, 2015

    ኡይ! ኣብየት ቃንዛ ኤርትራውያን!

    ሰኣን ስምምዕ፥ ሰኣን ኣላዝቦ፥
    ምድሪቤትና ምስ ኮነት ሕገ-ልቦ፥
    ባይቶ ሃገር ፍትሒ ዘይርከቦ
    መንእሰይ ሃገረይ ዓቕሉ ምስ ጸብቦ፥
    ሃጽ ኢሉ ምስ ጠፍኤ ዝረኸቦ፥
    ክንደይ ክብሎ
    ካልኣ ተጸብጽቦ!
    ዜብኪ ዜንብዕ፥ ዜባህርር ክሓስቦ —

    ዓደቦና ለባም ዝርከቦ፥
    ዓደቦና፥ ብርሃን ዝርከቦ
    ብቓልኪዳን ዝእቶ መውስቦ
    ብሥላሴ ማዕተብ ዝተዋህቦ
    ታቦትን ምስጊድን ዝርከቦ
    ጸሎትን ምሕረትን ዝርከቦ
    ዓዲ ጀጋኑ`ወ ዓዲ ሓቦ

    ነዚ ብሩኽ ሕዝቢዶ እዚ ምረኸቦ!

    ርጉማት ረኺብና፥ መንእሰይ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክፈስስ ተገዲዲዱ። ኣብ ዓዱ ዝሓሰረ ሰብ፥ ኣብ ወጻኢ ክኸበር ኣይክእልን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ደቀንስትዮ ተዓሚጸን፥ ገለውን ተጨዮም/ን ጠፊኦም/ኤን ይስማዕ። ውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላቶም ተጓሕጒሑ ዝተሸጠ ብዙሓት እዮም።

    ይቕጽል

  • Selamawi July 5, 2015

    ሕጂ ኸኣ ማዕተብ ዝገበረ ሰብ፥ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ = ሓደ ኣምላኽ ተጠሚቑ ዝእምን ዘበለ ሰቡ ዝጸኡ ቀተልቲ፡ ከም ብዕራይ ማሕረዲ ይሓርዱዎ ኣለዉ። እቲ እምነተይ ኣይኽሕድን ኢሉ ኣብ ማዕተቡ ዝጸንዔ ይሕረድ ኣሎ። እዚ ብቅኑዕ ኣዘራርባ፥ `ሰማዕት` ይበሃል። `ሃይማኖትካ ክሓድ ወይ ክንቀትለካ ኢና`እና በሉዎ ካብ ሃይማኖቱ ዝኽሕድ ሞት ዝመርጽ ነሱ ናይ እምነቱ ጅግና እዩ። እዚኣቶም እዮም ሰማዕታት። ጽንዓት ይሃብኩም ወለዲን ምቕርብን።

    ክንደይ ጓል ትዕመጽ ኣላ። ክንደይ ሕጻናት ኣብ ዘይ ዕድመኦም ኣሕዋቶም ክሕረዱ ከለዉ ከምዝርእዩ የገድድዱዎም ኣለዉ። ገሊኣቶም ድማ በስገዳድ ሃይማኖትም ናብ ምስልምና ይቕይሩዎም ኣለዉ። ኤህ! ዓገብ!

    ዝገርም ነገር ድማ፥ ካብቶም ሓረድቲ ሰብ ዝኾኑ ኢሰብኣውያን ድሑራት ፍጥረት፥ ኤርትራውያን እውን ኣለዉዎም። ከመይ ኢሎም ናብዞም እንስሳዊ ተግባር ዝፍጽሙ ኢሰብኣውያን እኩያን ሰባት ከም ዝተሓወሱ ዝገርም ኢዩ። ቀስ ኢልና ንሰምዖ ነገር ይህሉ ይኸውን።

    ኩላትና ኤርትራውያን ግን፥ ሕዝበና ክነረድእ ኣለና፥ ናብ ዝምከቶም ኣካላት ክንጠርዕ ኣለና፥ ተኣኪብና ጸገምና ክንፈትሕ ብሕብረት ክንሠርሕ የድልየና። ልዑል ፈጣሪ የብቅዓና። ኣሜን!

    • ERITRAWIT July 6, 2015

      Selamawi,
      Amen, abet natna see n beynew eu n beynew.

  • Masawa July 6, 2015

    ዝኸበርኪ ሳራ፤ ካብቲ ነዚ ህልቂትን ማሕረድትን ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ናይ ዓረብን እስላማውያን ጀሃድውያንን ክጽሕፎ ዝደለኹ ርኢቶ: እዛ ናትኪ ሓጻር ጥቕሲ ብዓሰርተ ዕጽፊ ትበልጽ።

    Sara on July 5, 2015 said: ‘ህይወተይ ገድሊ ረሚስዎ’ ሓንቲ ዝተጣየሰት ተጋደላሊት ብኣካል ዝረኸብክዋ አብ ድኽነት ትነበር አብ ነጻ ዘውጸታ ሃገር::

    ———–

  • hp July 6, 2015

    ኣንቱም የሕዋተይ፡ኢዞም ጡሩፋት ሓረድቲ ኣስላም ዝብሉ ሓረጋት ብፍላይ ኣብዚ web of assenna ንቆጠበሎም።ዝኸዶም ሓሪዶሞ ኣለዉ።መንግስተሰማይ የዋርሶም።ዝበልኩ’ደኣ…ጃንዳ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ምረትና ንቀጵል።

POST A COMMENT