Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ዘጽቀጥኩም: ብኣ ጌራ ትሰድኩም!

እቶም ዘጽቀጥኩም ብኣ ጌራ ትሰድኩም Tesfamariam wel 16/10/2014 N0rway   ኣይገርምንዶ ህግደፍ ከጽቅጥ ኣይናትናንዩሉ ንህዝቢ ክሽሕጥ ዓለም እና ረአ ባሕሪ ክገላበጥ ድሑር ስርዓት ጉዱ ክዓባብጥ   ዝኸዱ ከይዶም ነይብሎም መላሲ ዘሕዝነኒ ዘሎ ናይ ህግደፍ ተቓላሲ ንዝሞቱ ጠሊሙ ንዘዕነዉ ወዳሲ ነዛ ሕማም ዚኣ ተሳኢኑዋ ፈውሲ   ቲቪ ኤረ ብስቕታ ምስማዕኩም ዓገብ ክትብሉ

እቶም ዘጽቀጥኩም

ብኣ ጌራ ትሰድኩም

Tesfamariam wel

16/10/2014 N0rway

 

ኣይገርምንዶ ህግደፍ ከጽቅጥ

ኣይናትናንዩሉ ንህዝቢ ክሽሕጥ

ዓለም እና ረአ ባሕሪ ክገላበጥ

ድሑር ስርዓት ጉዱ ክዓባብጥ

 

ዝኸዱ ከይዶም ነይብሎም መላሲ

ዘሕዝነኒ ዘሎ ናይ ህግደፍ ተቓላሲ

ንዝሞቱ ጠሊሙ ንዘዕነዉ ወዳሲ

ነዛ ሕማም ዚኣ ተሳኢኑዋ ፈውሲ

 

ቲቪ ኤረ ብስቕታ ምስማዕኩም

ዓገብ ክትብሉ ዘይምኽኣልኩም

ርሑቕ ከይንብሎ ኣብ ቅደመኹም

ዓለም ተናዊጻ ተገሪማ እናረአኹም

 

ታይ ትብሉ ትዀኑ ብዉሽጥኹም

ንፈልጥ ሓደ ሓደ ከም ተሳቐኩም

ከም ትጉህዩ ትሓዝኑ ብህዝብኹም

ዓው ክይትብሉ ህግደፍ ዓፊኑኩም

 

ፈሪሕካ ተምጽኦ ምዕባለ ኣይተረአን

መሰለይ ከይትብል ብሕቶን መልስን

ብስልቲ ናዛናግዑ ጓይላን ሓሽውይን

ይጻወቱልካ ኣለዉ ሰብ ከይትኸውን

 

እስከ ሕሰቡ ዚወሪዱ ዘሎ መቕዘፍቲ

ክንዲ ቐብርስ ንፈስቲቫል ላዕሊታሕቲ

የብልኩምን ድዩ ኣቦ ኣደ ሓው ሓፍቲ

ቁሩብ እባ ሕፈሩ ምሩጻት ተበለጽቲ

 

ናይ ላምፓዱሳ ጥራይ ከይመስለኩም

ጸብጺብካ ዘይውዳእ እዮም ጠሊቖም

ካብ ብኲናት ኮንቱ ዝጠፍኡ በዚሖም

በዚ ዘይደንገጽኩም ብኣገራ ትሰድኩም

 

ወሪዱ ዘሎ ሓዘን ኣብ ውጹዕ ህዝብና

ኣይተሰማዓኩምን ዘሎ ይመስለኒ ጌና

ክንደይ ሕጻናት ዕሸላት ከምዝጠፍኡና

እንኳን ኤሪትራውስ ኣስካሕኪሑ ጓና

 

ንዓዲ ሕተቱ ከመይ ከምዘሎ ኩነታት

ሃገርና ተናዊጻ ኮይና ኣላ ግደ ኣውያት

ተኸቢባ ብጸሊም ዝተኸድና ኣደታት

ብስምባደ ልቦም ተዓቢሶም ኣቦታት

 

ኣስተውዕል ኣብ ዓድን ወጻእን ዘለኻ

ካብዚ ቕዝፈት ንላዕሊ ታይትጽበለኻ

እንተዘይ ተባራበርካ ዘላኣለም ስቓይካ

ዓድኻ ኣይክትሪኣኒኻ ደጊም ኣማዕዲኻ፣፣

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • mahta October 18, 2014

    Etom ms hgdef zsesu zderfun zneberu eko bzeyka etom whdat gerhtat hlnom shetoma eyom bzaeba hzbi eritra ayntayomn eu. Bzuhat tebeltsti beynom kem zbee deninom zbeleu awlom zeyzarebu eyom gidefom tray ed stenahit eya ktrekbom eya . Ab alem aykonen do hmak hzbka ena reaka tsbuk gerka ekua bgado nree .

  • mahta October 19, 2014

    Ab seb zwkel rgum ykun ybl kal amlak
    Hzbi eritra bflatu ykun bzey mflatu ab mektsaety kem zeatewe ezi rekibuna zelo wdketn mekeran kerfah nabra hzbna eu ab bahri kab 2005 -20014 beashihat zkutseru eritrawyan tefiom . Ab mdrebeda btsmeen timetn bhadegan asertet moitom ab sinay beamaeeet zkonu hiwetom adeda kulitom mshatn motn koinom. Awalidnan anstnan ab fekodo dobat ametsat agatimu gena yktsil alo . Eti ab wshty zelo hzbna kea bshakletn hazenin ab gib zbele tselmat ynebr alo. Serawitna mesel seenu …… ktgeltso yeshegreka. Ezi kea wtsiet kem kem tabot nseb amlko zgebru amlak tsik elu ayrieen . Zegrmeni ete aliu ab eritra emnet amlak alo zblu bmhlawna eu kabana etom emnet zeyblom bevolution zeamu ybeltsu
    Nsom aykonen do mesel sebat mesel enssatat aziom zfeltu kendi bgroms nsom eyom amenty amlak kbhalu zgbae .

  • Simon G. October 19, 2014

    እቶም ዘጽቀጥኩም: ብኣ ጌራ ትሰድኩም!
    Amen to that!

    • ኤርትራዊ October 23, 2014

      ከም ወዲ ቫካሮ ትግበርኩም ማለትካ ድዩ?

POST A COMMENT