Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣለኹ-” – ብምኽንያት በዓል-ልደት ዝተዳለወ ጽሑፍ

“-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን  ዓቢይ ሓጎስ  አበሥረኩም ኣለኹ-” እዚ ቃል’ዚ ነቶም ኣብ ምሕላው ከብቲ ኣብ መሮር ዝሓደሩ፥ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ናይ ብሥራት ቃል’ዩ። እቲ መልኣከ-እግዚኣብሔር ድማ ብምቕጻል፥ “ኣይትፍርሁ” ክብሎም’ዩ ዝተሰምዐ። ምኽንያት’ቲ ሓጎስ ክገልጸሎም ከሎ ድማ፥ “-ሎሚ መድኃኒ

“-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን

 ዓቢይ ሓጎስ  አበሥረኩም ኣለኹ-”

እዚ ቃል’ዚ ነቶም ኣብ ምሕላው ከብቲ ኣብ መሮር ዝሓደሩ፥ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ናይ ብሥራት ቃል’ዩ። እቲ መልኣከ-እግዚኣብሔር ድማ ብምቕጻል፥ “ኣይትፍርሁ” ክብሎም’ዩ ዝተሰምዐ። ምኽንያት’ቲ ሓጎስ ክገልጸሎም ከሎ ድማ፥ “-ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ-ጎይታ ተወሊዱልኩም-” ኣሎ’ዩ ዝበሎም። ንሕና ድማ ሕጂ ከም ክርስቲያን መጠን፥ ኣብ ዋዜማ’ዚ ክቡር በዓል’ዚ ኢና ንርከብ ዘሎና(ሉቃ.2/8-15)

ነዚ ፍጻሜ’ዚ ምስ ረኣዩ ከኣ’ዮም እቶም መላእኽቲ “-ኣብ ሰማያት ንእግዚኣብሔር ክብሪ፥ ሰላም ድማ ንደቂ-ሰብ ኣብ ምድሪ-” ብምባል ሓጎሶም ክገልጹ ዝተሰምዑ። ከመይሲ እታ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ገነት ዝተፈጸመ ውድቀት፥ ኣብ ድቕድቕ  ጸልማት ኣትያ ዝነበረት ዓለም። ብምኽንያት ልደት ጎይታና፥ ብርሃን ክበርሃላ ስለ-ዝኸኣለ፥ እቲ “-ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ፥ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ። ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ-ሞት ዚነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወጸሎም-” ተባሂሉ፥ ብነቢይ ኢሳይያስ ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት፥ ፍጻሜ ክረክብ ከም-ዝኸኣለ’ዩ፥ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዘረድኣና።(ኢሳ.9/2)

ስለዚ ድማ እንሆ በዓል-ልደት ጎይታና፥ ኣብ መንጎ ደቂ-ሰብ ወትሩ፥ ናይ ሓጎስን ሰላምን ተስፋን በዓል ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። ከመይሲ እቶም መላእኽቲ “-ክብሪ ንኣምላኽ-!-” ድሕሪ ምባሎም “-ሰላም ንደቂ-ሰብ-” ክምነዩ’ዮም ዝተሰምዑ። ከመይሲ ሰላም ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን፥ ክሥራዕ ዝግብኦ ክቡር ኣምላኻዊ-ህያብ ስለ-ዝኾነ’ዩ። ልዕሊ ሰላም ክምረጽ ዝኽእል፥ ካልእ ክቡር ነገር ኣሎ ክበሃል’ውን ኣይከኣልን። ስለዚ ከኣ’ዩ በዓል ልደተ-ክርስቶስ፥ ናይ ሓጎስን ሰላምን ተስፋን፥ ብሥራት ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።

ሰላም ግና፥ ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍ እትፍጠር፥ ህያብ ኣምላኽ ደኣምበር ኣብ ዕዳጋ ኬድካ ከም-ዝግዛእ ኣቕሓ ኣይኮነትን።  ሰላም ክትረክብ ናይ ሰላም ሰብ ኮንካ ክትርከብ’ዩ ዝድለ። ስለዚ’ዩ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ’ውን “-ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ’ዮም እሞ፥ ብፁዓን’ዮም-” ብምባል ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ማለት ሰላም ክትረክብ ሰላማዊ ኮንካ ክትርከብ’ዩ እቲ ዝድለ። ናይቲ መኣዲ-ሰላም በረኸት ተሳታፊ ኮንካ ክትርከብ ድማ፥ ቅድም ንስኻ ንባዕልኻ፥ ናይ ሰላም ሰብ ኮንካ ክትርከብ ከም-ዝግባእ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ።

ብዝተረፈ ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን። ህልዊ ኩነታትና ክግምገም ከሎ። ሰላም ኣሎና ክንብል ንኽእል ሕዝቢ ኣይኮናን። እዚ ከኣ ብሕሽዅሹኽ ተሓቢእካ ዝዝረብ ዘይኮነስ፥ ማኅበረ-ሰብ ዓለም’ውን ፈሊጡዎ፥ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ብወግዒ ክዝረበሉ ካብ ዝጅምር ዓመታት ኮይኑ’ዩ። ከም ሳዕቤን እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ’ዩ፥ ሕዝብና ንዓዱ ኩቦ ደርቢዩላ፥ ብቀጻሊ ክስደድ ዝርከብ ዘሎ። ከምቲ ኣብ መጽሓፈ-መቃብያን “-እታ ሃገር ንሕዝባ ባዕዲ ኮነት፥ ነበርታ ድማ ሓዲጎማ ከዱ-” ተባሂሉ ዘሎ። ሃገርና’ውን ብሕጊ ዘይትግዛእ ሃገር ካብ ምዃና ዝተላዕለ፥ እቲ ሕዝቢ ሰላም ሓሪሙዎ ንስደት ካብ ዘምርሕ፥ ልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ኮይኑዎ’ዩ ዝርከብ ዘሎ (1መቃ.1/38)

ከመይሲ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና፥ ካብ ዝዝረግ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ ከኣ፥ ሕዝብና ከም ኣራዊት ነንሓድሕዱ ይባላዕ ኣሎ ክበሃል እንተ ዘይኮይኑ፥እምባ ኮይኑ ከጽግዖ ዝኽእል ሕግን ፍትሕን፥ ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። መሠረት ፍቕሪ ስለ-ዝተናወጸ ከኣ፥ ሰላም ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጊ ዘይ ሕጊ ኮይኑ ዝርከበሉ ሰዓት ድማ፥ እቲ ሕዝቢ ደው ክብለሉ ዝኽእል ውሑስ-ባይታ ስለ-ዝስእን፥ ከይፈተወ እግሩ ናብ ዝመርሖ ኣቢሉ ክስደድሲ፥ ዘይተርፈሉ ዕዳ ኮይኑ ክርከብ ግድን’ዩ።

የግዳስ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንርከቦ ዘሎና ኩነት፥ እስራኤላውያን ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓት። ንስደት ከም ኣማራጺ ወሲዶም ዓዶም ገዲፎም ክኸዱ ኣይንርእዮምን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪቦም “-ኦ ጎይታ-! ነዚ መባእ’ዚ እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን እዩ። ካህናትካ ድማ ይዋረዱን ይበኽዩን ኣለዉ-” ብዝብል ቁዝማን እህህታን፥ ማዕጾ ቤት ኣምላኽ ክዅሕኩሑ ኢና ንርእዮም። ንሕና ግና ናብ ኣምላኽ ኣቢሉ  ክጥምት ዝደሊ ሕልና፥ ዘሎና ሕዝቢ ኮንና ኣይንረአን ዘሎና። (1መቃ.3/51)

ከመይሲ እቶም ኣብ ዘመነ-መቃብያን ዝነበሩ እስራኤላውያን፥ ምስ እግዚኣብሔር ከራኽቦም ኣብ ዘይክእል ጌጋ መንገዲ ምህላዎም ምስ-ተረድኡ፥ ብጌጋኦም ተጣዒሶም ኣብ ቅድሚ’ቲ ሕያው-ኣምላኽ ንንስሓ ከም-ዝቐረቡ ኢና ንርኢ። እቲ መጽሓፍ ነቲ ሽዕኡ ዝነበረ ፍጻሜ ክገልጾ ከሎ ድማ “-በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጾይሞም ወዓሉ-! ወጮ ተኸድኑ-! ኣብ ኣራእሶም’ውን ሓሙኽሽቲ ነስነሱ-! ብጓሂ ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ-” ብምባል’ዩ፥ እቲ መጽሓፍ ገሊጹዎ ዘሎ። ስለዚ ድማ’ዮም ኃጢኣቶም ተኣሚኖም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካብ ምቕራብ ዝሓይሽ፥ ካልእ ኣማራጺ ከም-ዘይብሎም ክርድኡ ዝኸኣሉ(1መቃ.3/47)

ሕጂ ኣባና’ውን እንተኾነ፥ እቲ በቲ እዋን’ቲ፥ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ-እስራኤል ብበዓል ኣንጥያኮስ ወዲ ኤጲፋነስ ዝተፈጸመ ግፍዒ። ኣባና’ውን ሕጂ ኣይተፈጸመን ክንብል ንኽእል ኣይኮናን። ኣብ ልዕሊ ሕዝብናን ሃገርናን፥ ዘይተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ሕዝብና ዘይተቐበሎ ሕሰምን መከራን ኣሎ ንምባል’ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ’ዩ፥ እቲ ኩሉ ሕሰምን መከራን፥ ኣብ ዝባን ሃገርናን ሕዝብናን፥ ወዲቑ ዝርከብ ዘሎ።ኣብቲ መወእዳታ ጫፍ ወይ ገምገም ጸድፊ ንርከብ ምህላውና’ውን ዘጠያይቕ ኣይኮነን። ስለዚ’ዩ እውን ሓደ ካብቶም ኣብ ዓውዲ ሥነ-ጥበብ ክነጥፉ ዝርከቡ፥ ሰብ-ቅኔ ዝኾኑ ደቅና’ውን፡-

“-ኣቱም ሕዝቢ-! ማማ ትሓመና’ላ ማማየ-!

ኣቱም ሕዝቢ-! ማማ ትሞተና’ላ ማማየ-!”

ብምባል’ዩ ብመልክዕ ኣፈርክቡ፥ እታ ሃገር ጥቓ ሞት በጺሓ፥ ትርከብ ምህላዋ ብምግላጽ ከእውየላ ዝተሰምዐ። እዚ ከኣ ከም ደወል፥ ካብ ድቃስና ክንበራበር ክገብረና ዘይግብኦ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ሕጂ’ውን፥ ካብቲ ተጻዒኑና ዘሎ ፍርህን ራዕድን ወጺእና፥ ነቲ ተጻዒኑና ዘሎ ኣርዑት ባርነት ንምስባር ዘኽእል ሓቦን ንሒን፥ ዘሎና ኮይንና ክንርከብ ብዘይ ምኽኣልና፥ መወዳእታ ናይቲ ኣጽጨኒቑ ሒዙና ዘሎ ጸበባን መከራን ጫፍ፥ ገና ኣይተቐልቀለን ዘሎ።

ብሓፈሻ ክርአ ከሎ፥ እቲ 1983 ዓ/ም (1991) ብበረኻ ኣቢሉ ናብ ሃገርና ዝኣተወ ሆቦብላ-ንፋስ፥ ሕዝብና ተስፋን ትጽቢትን ከም-ዝገብሮ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከም ሳዕቤን እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ‘ዩ፥ ብቀጻሊ እቲ ሕዝቢ ክብተን እታ ሃገር ከኣ ክትፈርስ ትርከብ ዘላ። ግዳስ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘራጊቶ-ንፋስ፥ ብወዝቢ ስቕ ኢሉ ባዕሉ ዝመጽእ ከም-ዘይኮነ፥ ንሕና ከም ሕዝቢ ርግእ ኢልና ክንሓስበሉ ዝኸኣልና ኣይንመስልን ዘሎና። ከመይሲ እቲ ኣብ ዘመነ-መቃብያን ዝነበረ ማታትዩስ፥ ንደቁ ክላበዎም ከሎ “-ኣብቲ ዝሓለፈ ወሎዶታት ኩሉ ረኣዩ’ሞ፥ እቶም ኣብ እግዚኣብሔር እምነቶም ዘውደቑ ኩሎም፥ ኃይሊ ዝሰኣነ የብሎምን-” ብምባል’ዩ እምነቶምን ጠመተኦምን፥ ኣብቲ ሕያው ኣምላኽ ክገብሩ ብማለት፥ ኣጽኒዑ ክመኸሮም እንርእዮ። (1መቃ. 2/61)

እዚ ከኣ ብልቦና ክርአ ዝነበሮ ዓቢይ ነጥቢ’ዩ። ግዳስ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፥ እቲ ብበረኻ ኣቢሉ ዝኣተወና ንፋስ፥ ምስ እግዚኣብሔር ከም-ዘይንራኸብ ገይሩ ከዕገርግረና ከሎ “-እክህደከ-ሰይጣን-” ብምባል ገጽና ዕትብ ኣቢልና፥ ናብቲ ሕያው ኣምላኽ ኣቢልና ክንጥምት ብዘይ ምኽኣልና፥ እንሆ ንከቢድ ሕሰምን መከራን ከም-እንጋለጽ ገይሩና ይርከብ ኣሎ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብዝኾነ ተኣምር ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና።

እዚ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። እቲ ብበረኻ ኣቢሉ ዝኣተወና ዘራጊቶ-ንፋስ፥ ህልውና እግዚኣብሔር ዘይኣምን ወይ ዘይቅበል ምዃኑ፥ ብግልጺ ዝተራእየሉ ኣጋጣሚ ዉሑድ ኣይነበረን። ከመይሲ “-ብቅልጽምናን ብካላሽናን-” ክበሃል ከሎ፥ እንታይ ንምባል ይድለ ከም-ዝነበረ፥ ንሕና ከም ሕዝቢ ኣይንፈልጥን ኔርና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ብኻልእ ኣዘራርባ እግዚኣብሔር ማለትከ መን’ዩ -?! ከም-ምባል ዘስምዕ ዓቐኑ ዝሓለፈ ትዕቢት ምንባሩ ዝጠፍኦ ኣይነበረን። ንሕና ግና ሽዕኡ’ውን ዓገብ-! ክንብል፥ ዘኽእለና ትብዓት ከነርኢ ኣይከኣልናን።

ካብዚ ብምቕጻል’ውን እቲ ክትግበር ዕድል ዘይረኸበ “-ሕገ-መንግሥት-” ይረቅቕ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ “-ስም እግዚኣብሔር ዝጠቅስ ክኸውን የብሉን-” ዝብል ጽኑዕ ኣቕዋም ብምሓዝ፥ እቲ ኣብ ሥልጣን ዘሎ ኃይሊ፥ ገቲሩ ሒዙዎ ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ። ሃገር ብሃገሩ ይሰምዕ ምንባሩ ምንም ዘጠያይቕ ኣይኮነን። ካልእ እንተ-ተረፈ ድማ፥ እተን ኣብያተ-ክርስቲያናት’ኳ፥ ድምፂ ተቓውሞ ከስምዓ ዘይክእላሉ ምኽንያት ኣይነበረን። ዝተቓወሙ ነይሮም ተባሂሉ ክዝረብ ግና፥  ዛጊት ዝተሰምዐ የልቦን።

እስራኤላውያን ግና ምስ’ዚ ናትና ዝመሳሰል፥ ከቢድ ፈተና ኣጋጢሙዎም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ “-ምንም’ኳ ኩሉ ሕዝቢ ንትእዛዝ ንጉሥ ሕራይ’ሉ እንተ-ተቐበለ፥ ንሕና ግና ነቲ ኣምላኽ ምስ ኣቦታትና ዝገበሮ ኪዳን ክንሕሉ ኢና። ….ንሕና እምነትና ሓዲግና፥ ንየማን ኮነ ንጸጋም ኣይንብልን ኢና። ንቃላት ንጉሥ ከኣ ኣይንእዘዝን ኢና-” ብምባል፥ ንኣምላኾም እሙናት ኮይኖም ከም-ዝተረኽቡን፥ እቲ ንእምነቶም ዝፈታተን ኮይኑ ዝቐረበ፥ ትእዛዝ ንጉሥ’ውን እምቢ’ሎም ከም-ዝነጸጉዎ  ኢና ንርኢ (1መቃ. 2/19-22)

ኣባና ግና ከምኡ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ’ዩ እውን እምበኣርከስ እቲ ጻዕርን ስቓይን ሕዝብና፥ መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። እምበኣር ንሕና’ውን ሕጂ፥ እቲ ጸገምና ኣበይ ከምዘሎ ክጠፍኣና ይኽእል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ እቲ ኩሉ ንገብሮ ዘሎና ጉዕዞ፥ ምስ መንገድን ሓሳብን እቲ ሕያው ኣምላኽ፥ ዝሳነ ኮይኑ ክርከብ ክኢሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ብሓጺሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እሙናት ሕዝቢ ኮይና ክንርከብ  ኣይከኣልናን። ነዚ ክንድ’ዚ ዝኣክል ኣርዑት-ባርነት ተሰኪምና፥ ሕጊግ እናበልና ክንከይድ ምስ-ተዓዘበ ከኣ’ዩ፥ ማኅበረ-ሰብ ዓለም “-እዚኣቶምሲ ሞይቶም ከለዉ፥ ከይሞቱ ይፈርሁ-” ብምባል ብዓይኒ ትዕዝብቲ ክጥምተና ዝርከብ ዘሎ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ወርሓት፥ ብሃንደበት ሓደ ናይ ሰላም ንፋስ ብወገን ኢትዮጵያ ኣቢሉ ክነፍስ ምስ-ተራእየ። እቲ ጸበባን ስቓይን ሃገርና ዝተወድኣ መሲሉ ስለ-ዝተራእዮ፥ሕዝብና ካብ ብዝሒ ምሕጓሱ ዝተላዕለ፥ ተመስገን-! ክብል ክስማዕ ቀንዩ’ዩ። እዚ ብዓይኒ ተስፋ ክጥመት ዝቐነየ ሰላም’ዚ ግና፥ ከም እንጌራ ሕልሚ በኒኑ ደኣ’ዩ ክኸይድ ዝተራእየ እምበር። ትርጉም ዘለዎ ሰላም ኮይኑ ክርከብ ኣይከኣለን። ከመይሲ ትጽቢት ሕዝብና ዝነበረ፥ ሕግን ፍትሕን ክነግሥ፥ ዓመጽን ግፍዕን’ውን ክውዳእ፥ ሰብኣዊ-መሰል ክኽበር። እሱራት ክፍትሑ፥ ንኹሉ ከሳትፍ ዝኽእል መድረኽ-ፖለቲካ ክፍጠር’ዩ፥ ሕዝብና ተስፋን ትጽቢትን ገይሩ ክጽበ ዝጸንሐ።

እዚ ኩሉ’ዚ ግና ክኸውን ወይ ክርከብ ኣይከኣለን። ርግጽ’ዩ እቲ ዶባት ተኸፊቱ ስለ-ዝተባህለ፥ ሕዝብና ብብዝሒ ሩባ መረብ ሰጊሩ ክኸይድ ከሎ። ሕዝቢ ስግር መረብ’ውን፥ ብተመሳሳሊ መንገዲ ነቲ ሩባ ሰጊሩ ክመጽእ ተራእዩ’ዩ። ብዙሕ እኽሊ ንሃገርና ክኣቱ ስለ-ዝኸኣለ’ውን፥ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝኣክል ብኽብሪ ዕዳጋ ክሳቐ ዝጸንሐ ሕዝብና፥ እቲ ጸበባ ዝተወድአ መሲሉ ስለ-ዝተራእዮ፥ ነቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽ፥ መሬት ጠፍጢፉ ከመስግን ተራእዩ’ዩ። ከምኡ’ውን እቲ ኪኖ-መረብን ክነጆ-መረብን ዘሎ ክልቲኡ ሕዝቢ’ውን፥ ብንብዓት እናተሓጽበ ተሓናኒቑ ክሰዓዓም ተራእዩ’ዩ። ከመይሲ እቲ ጸገም ኣብቶም ሰብ ፖለቲካ እምበር፥ እቲ ሕዝብስ ብመሠረቱ’ውን፥ ኣብቲ ባእስን ጽልእን ጸኒሑ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ብዓጽምን ሥጋን ደምን ዝተሓዋወሰ፥ ታሪኻዊ ዝምድና ዘለዎ ሕዝቢ ስለ-ዝኾነ፥ እቲ ባእስን ጽልእን ንረብሕኡ ከም-ዘይኮነ ይፍልጥ’ዩ።

ሕዝቢ ኤርትራ ግና መረብ ሰጊሩ ምስ ከደ፥ እቲ ድሕሪት ገዲፉዎ ዝኸደ ኩነታት ኣጸቢቑ ስለ-ዝፈልጦ፥ ንድሕሪት ኣቢሉ ክምለስ ዝደሊ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከም ውጽኢቱ ድማ፥ ኣብዚ ሓጺር ዶብ ተኸፊቱ ዝነበረሉ ግዜ ጥራይ፥ 27,000 ዝኣኽሉ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከም-ዝሓተቱ፥ እቲ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከቶ፥ ናይ ኅቡራን-መንግሥታት ቤት-ጽሕፈት፥ ብወግዒ ኣፍሊጡ ኣሎ። ንህልው ኩነታት ኤርትራ ዝገልጽ ከኣ፥ ካብዚ ስእሊ’ዚ ንልላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ናይ ሕጊ ልዕልና ኣብ ዘይክበረላ ሃገር ከኣ፥ እቶም ዜጋታት ንስደት ከም ኣማራጺ ወሲዶሞ፥ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ እንተ-ተረኽቡ ዘገርም ኣይኮነን።

ስደት ግና ከም ኣማራጺ ክውሰድ ዝግብኦ ኣይኮነን። የግዳስ ርግእ ኢልና ነፍስና ንፈትሽ እሞ፥ ጸገምና ብስደት ክፍታሕ ከም-ዘይከኣል፥ ምርድኡ ክኸብደና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር’ዩ ዘሎ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ’ውን “-ኢድ እግዚኣብሔር ንምድኃን ሓጻር ኣይኮነትን። ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ። የግዳስ ንዓኻትኩምን ንኣምላኽኩምን፥ ኣብ መንጎ ኮይኑ ዝፈልየኩም ዘሎስ ኃጢኣትኩም’ዩ። ኣእዳውኩም ብደም ኣጻብዕኩም ከኣ ብበደል ረኺሰን ኣለዋ። ከናፍርኩም ሓሶት፥ ልሣንኩም ከኣ ክፍኣት ይዛረባ ኣለዋ-” ብምባል’ዩ፥ እቲ ነቢይ ዘጠንቕ ዘሎ። (ኢሳ.59/1-2)

ስለዚ’ውን ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያናት ሃገርና፥ ማለት ከምቲ ብወገን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን፥ ብምድግጋም ክስማዕ ዝጸንሐ። ኣብ ሓልዮት ሕዝብን ሃገርን ዝጠመተ፥ ተባዕን ንጹርን መልእኽቲ። ሕጂ’ውን ኣብዚ ሰማያት ሃገርና፥ ናይ መዓት ደመና ተጻዒኑ ዝረኣየሉ ዘሎ፥ ሓደገኛ ክበሃል ዝኽእል እዋን። ካብ ኣበሳ ኃጢኣትና ጸሪናን ነጺሕናን። ምስቲ ሕያው ኣምላኽ ዕርቂ ብምግባር፥ ንመድረኽ ፖለቲካ ሃገርና ክንቈጻጸር፥ ኣብ እንኽእለሉ ኣቢልና ክንጥምት፥ ንጽባሕ ዘይበሃል ዕማም ይጽበየና ምህላዉ፥ ዘይንርዳእ ኮንና ክንርከብ ኣይግባእን።

ይኹን እምበር ብድሕሪ’ቲ “-ማማ ትሓመና’ላ-! ማማ ትሞተናላ-!” ተባሂሉ ዝተነግረ ናይ ኣፈርክቡ ኣውያት። ሕዝብና ማንታ ሓሳብ ሒዙ ኣጓጉል ኮይኑ ክርከብ፥ ዘግብሮ ምኽንያት ፈጺሙ ክህሉ ኣይምተገብአን። ከመይሲ ልዕልና-ሕጊ ከተረጋግጽ እትኽእል ሃገር ምምሥራት ከይተኻእለ፥ እተተኣማምንን ውሕስነት ዘለዋን ሃገር፥ ክትህልወና ትኽእል’ያ ኢልካ ክሕሰብ ፈጺሙ ኣይከኣልን’ዩ። ስለዚ ከምቲ “-ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ-” ዝበሃል። እቲ ዘሎ ኩነታት ከምዚ ሕጂ ዘለዎ፥ ከም-ዘይምልከተና ኮንና ብማዕዶ ክንርእዮ፥ ንህልውና’ታ ሃገር ኣዚዩ ፈታኒ ስለ-ዝኾነ። ንሕማምን ቃንዛን እታ “-ትሓምምን ትመውትን ኣላ-” ትበሃል ዘላ ሃገር ፈውሲ ምርካብ፥ ንጽባሕ ተባሂሉ ዘይውንዘፍ ምዃኑ’ዩ፥ ብመልክዕ ኣውያት ዝንገረና ዘሎ’ሞ፥ ንህልውና’ዛ ሃገር ክንብል፥ ኣሎና ኢልና ካብ ምትንሣእ፥ ካልእ ምርጫ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን። ጸበባናን መከራናን ዝውድኣሉ በዓል ልደተ-ክርስቶስ ክኾነልና ድማ፥ ናይቲ ሕያው ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና-!!

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ /ጀርመን/

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT