Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እንተ ዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ

ዕለት 04.10.13 ዓዲ ጸልሚታ፡ ብሸፋቱ  ተበትቢታ፡ ህዝብና ሲኢኑ ዋልታ፡ ኩላ ናብ ስደት ተጓቲታ።   ጓል ኣብ  ዓዳ ትድፈር ፡ መንእሰይ ብበትሪ ይድከር፡ ሄሊኮብተር ኣዳሰር ይእሰር፡ ተፈሪድዎ ኣብ በረኻ ክሰፍር።   እነተ ቐጺሉ ከምዚ’ሉ፡ መናእስይ ብሂወት ኣለና ኣይትበሉ፡ ወይ ጅግንነት ፈጽሙ ወላ ተማህለሉ፡ እዛ ሃገር ግን ኣይትግደፍዋ ንዓዋሉ።   መፍትሒ  ሃለዋትና እንታይ

ዕለት 04.10.13

ዓዲ ጸልሚታ፡

ብሸፋቱ  ተበትቢታ፡

ህዝብና ሲኢኑ ዋልታ፡

ኩላ ናብ ስደት ተጓቲታ።

 

ጓል ኣብ  ዓዳ ትድፈር ፡

መንእሰይ ብበትሪ ይድከር፡

ሄሊኮብተር ኣዳሰር ይእሰር፡

ተፈሪድዎ ኣብ በረኻ ክሰፍር።

 

እነተ ቐጺሉ ከምዚ’ሉ፡

መናእስይ ብሂወት ኣለና ኣይትበሉ፡

ወይ ጅግንነት ፈጽሙ ወላ ተማህለሉ፡

እዛ ሃገር ግን ኣይትግደፍዋ ንዓዋሉ።

 

መፍትሒ  ሃለዋትና እንታይ ይኹን፡

ኩሉ ገንዘብና ናብ ሸፋቱ ይባኽን፡

ይመስለና ኣሎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነድሕን፡

ፍታሕ ግን ኣይኮነን ወይ’ዉን መድሕን፡

ማጋርያኻ ኣጥፊእካ ከመይ’ልካ ትስሕን።

 

ኣቦታት ተሰዊኦም ንኽብርኹም፡

ኣደታት ተሰዊአን ንኽብርኹም፡

ካብ ማኣዲ ተጨዉያ ሕድሪ ወለድኹም፡

ሓርነት ዛዝምዋ ባዕልኹም፡

ስንኹም ንኸሱ ገትሩ ዋልታኹም።

 

ኣንታ ሓደ’ዃ ባዓል ስልጣን የለን ሰማዒ፧

ሰብና አናተሸጠ ኩላ  ስቅ’ላ ትርኢ፡

ኣንታ እዛ ሃገር የብላንድያ ተጸዋዒ፡

መንእሰይ እናሃለቀ ስቕ’ሉ ይርኢ።

 

ንሽደን ዉሒጣቶ ባሕሪ፡

ንጎርዞ ዉሒጣታ ባሕሪ፡

ቖልዑ መብጽዓ ቖልዑ ሕድሪ፡

ካንዶ ኮነኩም ቀለለብ ዓሳ በሕሪ።

 

ደቀይ ማዓረየ ! ደቀይ ማዓረየ ! ………….

 

ኣብ ክንዲ ኣበባኺ ኮቦሮ ዕልልታ፡

ኣብክንዲ መርዓኻ ዲኖ ዋልታ፡

እዛባሕሪ  ዉሒጣቶምዶታ፡

ኣቱም ሰባት ሽግርና’በር ሲኢኑ መሰታ።

 ደቀይ ማዓረየ! ደቀይ ማዓረየ! ……..

 

ቅድሚ ሞት ዘሎ መከራ፡

ኣብ ማከል ባሕሪ መርከብ ተሳራሲራ፡

መልኣከ ሞት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ተገቲራ፡

ልቦም ከም’ዛ  ዑፍ ነፊራ፡

በሉ ላዕላይ ሰማይ ይግበረልኩም ሓራ ።

 

ደቀይ ማዓረየ! ደቀይ ማዓረየ! ……..

 

ዕንባባ ሞሮር ናይ ጽባሕ መራሕቲ

እወ ዘርኢ ጽባሕ ነሮም ፈረይቲ ጸገይቲ

ባሕሪ ሃንኹታቶ ሎምዓነቲ

ላዕላይ ሰማይ ይግበረልኩም ሰቲ

 

ደቀይ ማዓረየ!  ደቀይ ማዓረየ! ……..

 ጽንዓት  ንወለዲ ንቤተሰብ

ጽንዓት ንምሉእ ህዝቢኤርትራ

ኢስጢፋኖስ መንግስትኣብ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT