Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እንታይ’ዩ ዓንዚዙኩም! ባዕለይ ዶ ክመርሓኩም!

ኣንቱም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል! እናተጣርዐ ህዝቢስ ክኢልኩሞ ስቕ ምባል! ገጉድጓድኩም ሒዝኩም ምጽንጻንከ እንታይ ይብሃል? ካብቲ ኣራሚ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምብኳር ምሕካል! ንውፉያት ደቂ ህዝቢ ንበላዒ ሰብ መባእ ምኽፋል!   ንበይኖም ድዮም ተወሊዶሙላ’ዛ ሃገር? ከየርከብኩም ንበይኖም ዝስዉኡ ዓጽሞም ዝስበር?   ንህዝቢ ተስፋ ዘስነቐ  ‘ፎርቶ ንህዝቢ ኣበራቢራቶ እሱራት

ኣንቱም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል!

እናተጣርዐ ህዝቢስ ክኢልኩሞ ስቕ ምባል!

ገጉድጓድኩም ሒዝኩም ምጽንጻንከ እንታይ ይብሃል?

ካብቲ ኣራሚ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምብኳር ምሕካል!

ንውፉያት ደቂ ህዝቢ ንበላዒ ሰብ መባእ ምኽፋል!

 

ንበይኖም ድዮም ተወሊዶሙላ’ዛ ሃገር?

ከየርከብኩም ንበይኖም ዝስዉኡ ዓጽሞም ዝስበር?

 

ንህዝቢ ተስፋ ዘስነቐ 

‘ፎርቶ ንህዝቢ ኣበራቢራቶ

እሱራት ይፈትሑ! ቅዋም ይተግበር!

ይኣክል ውረድ ዝብል ኣዋጅ ዘርግሓቶ’

ዝብል ደወል እናተደወለ ከም ዘይሰማዕኩም ኮንኩም

ኣብ ዘዘለኹሞ ኣጽቅጥ ምባልኩም እንታይ’ዩ ጉድኩም?

ሕጂ’ውን ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ጸርኩም ምንባር ድዩ ድላይኩም

ንህዝቢ ደም የንብዖ ከም ዘሎ እናፈለጥኩም  

ናብቲ ‘ወፈራ ህዝቢ ምድሓን’ ከየርከብኩም ዝተረፍኩም!

 

እዛ ህዝቢ እናጸነተ ስቕ ምባል! ኣይነበረትን ምሳኹም

ናጽነት ስለ ዘምጻእኩ ምሳኹም

ከይተፈለኹ ካባኹም

ይፈልጥ’የ ጀጋኑ ምዃንኩም

ምእንቲ ህዝቢ ትኸፍሉ ከም ዝነበርኩም ህይወትኩም

ሎሚ ድኣ እንታይ ወሪዱኩም?  

 

ደንጽዩኒ’ዩ ዘሎ ናታትኩም

እንታይ ኢዩ ዓንዚዙኩም!

ህዝቢ ካብ ምድሓን ድሕርሕር ምባልከ ካብ ምኣስ ተማሂርኩም?

ሕጂ ከኣ እንተ ዘይተላዒልኩም ክተድሕኑ ህዝብኹም

ኣነ ጓሉ! ኢለ ክልዓል’የ ባዕለይ ክመርሓኩም?

ቀሚሸይ ክበኩም ክወስዶ ስረኹም?

ዋዕሮ ሓለፈት! ከብል ክስለፍ ቅድመኹም

 

ዝመጽእ መዓልቲ ደቂ’ንስትዮ ሾመንተ መጋቢት ከኽብሮ’የ ምሳኹም

ከሓድሶ’የ ቃለይ ክደግመልኩም

 

ከምቲ ‘ዘየደቅስ ነጊሮምኻስ ድቅስ ይሓድሩ’ ከኣ ከይመስልኩም

ድቃስ የለን እዚ ኩሉ ግፍዒ እናረኣኹ እናረኣኹም

 

ኣንቱም ኣባላት ሓይልታት! እንታይ’ዩ ጉዳ እዛ ስቕታኹም

ስቕ ስለ ዝበዝሐ እንዲዮም ዝጭወዩ ዘለዉ ብጾትኩም

ስለ ምንታይከ ትነብሩ ተዘኒብኩም!

ሓቦ ዘይትብሉ ከም ቀደምኩም

መጭወይቲ ‘ናባይ ጥራይ ኣይትምጻእ!’ እናበልኩም ክሳብ ዝዓርበኩም!

ከምቶም ቀዳሞት ክትጉተቱ ትጽበዩ’ለኹም!

ናባኹም ምምጽኣ ዘይተርፍ ምዃና እናፈለጥኩም!

 

በሉ ካብ ዝሓለፈ ተማሃሩ ግዜ ከለኩም

ሕሰቡ ምኸሩ ምስ ብጾትኩም

ዝመስልኹም ድለዩ ዝቐርብኹም

ሕማቕ ሽም ኣይትግደፉ ንውሉድኩም

ብዓቢኡ ከኣ ካብ ምጥፋእ በበይንኹም

ከምቶም ዝሓለፉ ብጅግንነት ምሕላፍ ይሕሸኩም

‘ውፉይ ወዲ ህዝቢ!’ ኣቢልኩም

 

ግን ነግ ፈረግ እንተብዚሕኩም

ኣነ ጓሉ! ኢለ ክልዓል’የ ባዕለይ ክመርሓኩም!

ስረኹም ክወስድ ቀሚሸይ ክበኩም!

 

ስለዚ ግደፉ! ተቐላጠፉ! ኣርሙ ጌጋኹም

ንቡር ኣይተጥፍኡ ባዕልኹም!

ኣለናልካ! በሉዎ ንህዝብኹም

ንብዓቱ ሓንስስሉ ብመንዲልኩም

 

 ግን ፍለጡ፡ ንኣዳም ገረሞ’ዩ ኮይኑ ዘሎ ስቕታኹም

ናብ ማሕጸን ወላዲት ድኹም ክትምለሱ ደሊኹም?

 

ግዝኣተ-ሕግን ሰላምን ርህዋን ንህዝብና

ምስሉ ተኪኤ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • tseg January 14, 2014

    abet heye ba tebeges kezab abey tmerh aska werja mado

POST A COMMENT