Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እንታይ እዩ ጥልመት?

ኣማኑኤል ሳህለ   ጥልመት ናይ ወድሰብ ጥንታውን ደመነፍሳውን ባህርይ እዩ። ክውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ እተባህለ እኮ ናይ ወድሰብ ጥልመታዊ ባህርያት ንምግላጽ እዩ። ወድሰብ ዘዋጽኦ ንምግባር ድሕር ስለ ዘይብል፡ ንሓዉ ኣይገድፍ፡ ንኣዲኡ ኣይገድፍ፡ ንዓዱ ኣይገድፍ፡ ንህዝቡ ኣይገድፍ፡ መብዛሕትኡ

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ጥልመት ናይ ወድሰብ ጥንታውን ደመነፍሳውን ባህርይ እዩ። ክውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ እተባህለ እኮ ናይ ወድሰብ ጥልመታዊ ባህርያት ንምግላጽ እዩ። ወድሰብ ዘዋጽኦ ንምግባር ድሕር ስለ ዘይብል፡ ንሓዉ ኣይገድፍ፡ ንኣዲኡ ኣይገድፍ፡ ንዓዱ ኣይገድፍ፡ ንህዝቡ ኣይገድፍ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጠላሚ እዩ። ጥልመት ካብቶም ስሕት ኢሎም በጭቕ ዚብሉዎ ግን ሓያላት ባህርያቱ ሓደ እዩ።

 

ብፍላይ ኣብ ግዜ ጥሜትን ዓጸባን፡ ቆልዑ ካብ ዝኣረጉ ኣቦታቶም መግቢ ኪምንጥሉ፡ ደቀባት ንጻላኢ ኣሕሊፎን ኪህቡ ተራእዮም እዮም። ዘመነ ኣካሒዳ እኮ ተባሂሉ እዩ። ኣደ ካብ ደቃ መንጢላ ክትበልዕ ከላ፥ ኣባላት ስድራቤት ነቲ ብጥምየት ዚመውት ዘሎ ካልእ ጎረቤት ከይርእዮም ብማለት ተሓቢኦም ኪበልዑ ከለዉ፡ እዚ ኹሉስ እንታይ እዩ ዘርእይ? ንጹር እዩ፥ መጀመርያ ከብደይ፡ ደሓር ከብዲ ብጻየይ እዩ እቲ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ።

 

ኣብ ግዜ ዘመነ ኣካሒዳ ማለት እቲ ዓቢ ናይ ሃገርና ጥሜት፡ ብዙሓት ሰባት ከብዶም ንኺመልኡ ብማለት ሃይማኖቶም ዝለወጡ ነይሮም። ኣብቲ ግዜቲ ጣልያን እኽሊ ሒዙ ብባጽዕ ይኣቱ ነይሩ፡ ሚስዮናውያን ድማ ነቲ ጥሜት ጽቡቕ ገይሮም ተጠቒሞሙሉ እዮም። ስለዚ ነቲ ዘዕበየካን ናይ ኣቦታትካ እምነት ክትጠልሞ ባህርያዊ ዝኾነሉ እዋን ነይሩ እዩ። ማለት ከም ድኹም ፍጡር መጠን። ንኽትነብር! ሕጂውን ብኻልእ ኣገባብን ሕብርን ቅርጽን፡ ተመሳሳሊ ባህርያት ይረኣይ ኣሎ።

 

እቲ ኣብ ሜዳ ዚረአ ዝነበረ፡ ቅድም ኣነ ክስዋእ፡ ቅድም ንስኻ ብላዕ ወዘተ. ዚብል ዝነበረ ተኣምረታዊ ናይ ተወፋይነት ባህርይ፡ ነቲ ግዜቲ ተባሂሉ ኣብ ኣእምሮ ተጋደልቲ ብመደብ ዝሰረጸ ድራኸ ደኣምበር፡ ዘላቕነት ዝነበሮ ባህርይ ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ ድማ፡ ተጋደልቲ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ነቲ ቅድም ኣነ ክስዋእ ዘይኮነስ፡ ነቲ መጀመርያ ከብደይ ደሓር ከብዲ ብጻየይ ዚብል ተፈጥሮኣዊ ሰብኣዊ ባህርይ ኢዮም ቀስ እናበሉ ዝረዓምዎ። ተጋደልቲ ባዕላቶም እውን ይምስክሩ እዮም፡ ማለት፡ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ሕውነትን ፍቕርን ተወፋይነትን መስዋእትነትን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ገለ ሰባት እንተ ዘይኮይኑ፡ ፈጺሙ ጠፊኡ እዩ ኢዮም ዚብሉ። በዝን ክንድዝን ከኣ ብዙሓት ብልቦም ሑዙናት እዮም። ከምኡ እንተ ዘይከውን ድማ፡ እዚ እንርእዮ ዘሎና ኩነታት ብቕጽበት ኪመጽእ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ናይ እኩብ ድምር ውጽኢት ባህርያት እዩ ኪብሃል ግን ይከኣል።

 

ጥልመት ኣብ ሓደ ህዝቢ ዚረአ ኣብ ካልእ ግን ከም ዘየሎ ጌርካ ምውሳድ፡ የዋህነት እዩ። ኩሉ ሰብ ናይ ጥልመት ባህርያት ሒዙ እዩ ዚጎዓዝ። ግን ናይ ገሊኡ ኣብ ቀረባ፡ ናይ ገሊኡ ድማ ኣብ ውሽጢ እተቐብረ ኪኸውን ይኽእል። ንኹሉ ግን ግዜን ኩነታትን እዩ ዘገንፍሎን ዝድጕሎን፡ በጨቕ ዘብሎን ዘዝሕሎን።

 

ምሒር ብሶትን መከራን ስቓይን ከምኡውን ውሕስነት ዘይምህላውን፡ ዘየቋርጽ ጥርጣረታትን ወትሩ ኣብ ስግኣት ምንባርን፡ ንገሊኡ ህዝቢ ጠላማይ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ህዝቢ ወይ ክፋል ህዝቢ፡ ናብቲ ዘዐንግሎን ንግዜኡ ተስፋ ዚህቦን ወገን ኪጽጋዕ ባህርያዊ እዩ። ነዚ ንኺገብር ድማ፡ ንሓዉ ኪኽሕዶ፡ ንውዕሉ ኪሰብሮ፡ ንመብጽዓኡ ኪጠልም፡ ኩሉ ግዜ ድሉው እዩ።

 

ምጥላም፡ ባህርያዊ ኪኸውን ከሎ፡ ክትቃለሶ ዘይምድላይ ግን በቲ ሰብኣዊ ክብረትካን ርዝነትካን ምጽዋት ማለት እዩ። ኩሉና እንስሳዊ ባህርያት ኣሎና፡ ግን ስቕ ኢልና ክንርእዮ ኣይግበኣናን። ሰብ ካብ እንስሳ ዚፍለ፡ እቲ እንስሳ ነቲ ደመነፍሳዊ ባህርያቱ ክሳዕ መወዳእታ ተገልጊሉሉ ካብዛ ዓለም ኪሓልፍ ከሎ፡ ወድሰብ ግን ኣእምሮ ሰለ እተዓደለን ስለ ዚሓስብን፡ ነቲ ጎዳኢ ባህርያቱ ወትሩ እናተቓለሶ እዩ ዚነብርን ኪነብር ዚግባኦን። ንሰብ ሰብ ዘበሎ ድማ፡ ከምዚ ዝበለ ቃልሲ ንምክያድ ተኽእሎን ግዴታን ድራኸን ሰለ ዘለዎ እዩ።

 

ምጥላም ባህርያውን ንግዜኡ ድማ ዘርብሕን ይኹን እምበር፡ መወዳእታኡ ግን ኣብቲ ጠላሚ ቀጻሊ ናይ ተኣማንነት ሃጓፋ ይፈጥር እዩ። ክልተ ሰለስተ ግዜ ዝጠለመካ ሰብ ብድሕሪኡ ከመይ ጌርካ ክትኣምኖ ትኽእል። እቲ ዚጠልም ዘሎ ሰብ እውን ሕጅስ ነቲ ምጥላም ከም  ኣመል ገይሩ ስለ ዚወስዶ፡ ወላ ርህዩዎ ኸሎ፡ እቲ ናይ ምጥላም ኣመሉ ይስበሎ ግዲ ኾይኑ፡ ይቕጽሎ። ሌባ ሌባ እንተ በሉዎስ፡ ሉባ ሉባ ዚብሉዎ ዘለዉ ይመስሎ እዩ ነገራቱ።

 

እቲ ዚጠልም ዘሎ ሰብ በዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት እዩ ዚጠልም ዘሎ፥

  1. ኣብ ነብሱ ምትእምማን ስለ ዘይብሉን፡ ድሌታቱ ካብ ካልኦት ሃሰው ብምባሉን
  2. ኣርሒቑ ብዘይ ምርኣይ፡ ማለት ንሕጂ ይጥዓመኒ እምበር ዳሕራይስ ባዕሉ ይፈልጥ ብምባል (ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ)
  3. ግዜ ምስ ነውሐ ዚዝክሮ ሰብ የሎን ኢሉ ብምሕሳብ
  4. ሕማቕን ዘቖንዙን ተዘክሮ ስለ ዘለዎ፡ ሕነ ዚፈዲ ዘሎ ስለ ዚመስሎ
  5. ኣብ ነዊሕ ኪደት ነቲ ብምድግጋም ዘጥረዮ ባህርያት ቀልጢፉ ደው ከብሎ ስለ ዘይከኣለ
  6. ካብ ንዕቀትን ትምክሕትን እተላዕለ

 

ጥልመት፡ እተፈላለየ ሕብርታት ለቢሱ ኣብ ግብሪ ኪውዕል ይኽእል እዩ። በቲ ብመዓር ዚጥዕሙ ቃላት ዘጌጸ መደረ፡ ብዲፕሎማስያዊ ሽጣራታት፡ ብንዕቀት፡ ብስድነት፡ ብማፍያነት ወዘተ.

 

ኤውሮጵውያን ንኣመሪካ ምስ ዳህሰሱዋ፡ ነቶም ደቀባት (ብጌጋ ቀያሕቲ ህንዳውያን ዚብሉዎም ዝነበሩ) ኣብ ዝኾነ ውዕላት መልሓሶም ብምቕያር፡ ጥልመት የርእዩዎም ነይሮም። ከምዚ መግበሪኦም ከኣ፡ ኣብ ልዕሊቶም ደቀባት ንዕቀትን ትምክሕትን ስለ ዝነበሮም እዩ። ሽዑ እቶም ደቀባት ነቶም ወረርቲ፡ ጸዓዱ ከም ተመን ክልተ እዩ መልሓሶም ይብሉዎም ነይሮም።

 

ኤውሮጳውያን እናጠለሙ እዮም ንኣመሪካ መስሪቶሙዋ፡ ክሳዕ ሕጂ ድማ ከም ኣመሪካውያን ኮይኖም ወትሩ ኪጠልሙ ይነብሩ ኣለዉ። ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣመሪካውያን ደሞክራሲ ወይ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኮነ ዝዓጦም፡ ጀዮፖለቲካዊን ቁጠባውን ረብሓታት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ንኤርትራ ናጽነት ዚግባኣ፡ ናብ ባዕዲ ኣሕሊፎም ሂቦምዋ፡ ጠሊሞምዋ፥ ሕጂ ድማ ምስ ኣዕራብ ተማሳጢሮም ነቲ ን30 ዓመታት ሃገርን ህዝብን ዝደመየሉ ናጽነት ብሓድሽ ናይ ጥልመት መስርሕ ኪበታትኑዎ ይውጥኑ ኣለዉ። እቲ ናጽነት ዘምጸአ ውድብ እውን እንተ ኾነ፡ ነቲ ናይ ሜዳ መብጽዓ ብምጥላምን ምስ ጠላማት ብምሽራኽን ንህዝብና ኣብ ስግኣት ኣእቲዩዎ ይርከብ ኣሎ።

 

ኣብዚ ዓለም መጻወቲት ስድትታት መራሕቲ ሃገር ኮይናትሉ ዘላ እዋን፡ ኣብዚ ዓለም መጻወቲ ናይ ኣቕሽሽትን ካህናትን ፓስቶራትን ናይ እተፈላለየ እምነታት ሰበኽትን ኮይናትሉ ዘላ እዋን፡ እቲ ወድሰብ ኣብ ዓለም ኣንቢሩዎ ዝነበረ እንኮ እምነት፡ ብጥልመትን ብኣሽካዕላልን ማሲኑ እናጠፍአ ይኸይድ ኣሎ።

 

ከምቲ እቲ ዝብኢ ኣቦኡ ምስ ሞተ ዘልቀሶ ከይነልቅስ ግን፡ ሕጂ ግዜ ልቕሶ ዘይኮነስ፡ ግዜ ቃልሲ እዩ። እንታይ እዩ ዝበለ እቲ ዝብኢ፡ እስከ ንስምዓዮ፥

 

ኣቦየ መዓረየ!

ምልእቲ ላም ዝበልዕ ንበይኑ

ብዘይ ካራ ዚጠብሕ በስናኑ

ብዘይ ሓዊ ዚጠብስ ብዓይኑ

ኣቦየ መዓረየ!

ወዮ መቓብርካስ መጻወቲ ኣእዱግ ኮይኑየ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • zeregabir Teaghes October 30, 2018

    Thank you; Amanuel.

  • Sol October 30, 2018

    መምህር ኣማኑኤል እዘን ቀንዲ ምኽንያታት ጥልመት ኢልካ ኣንቢርካየን ዘለኻ 6 ነጥብታት ን ኤሰያስ ኣፍወርቂ ኣብራሃ ምራጫ ጽቡቅ ጌረን እየን ዝለብሰኦ ቁ4 ‘ሞ ኣብኣ’ ንከላ ዕቅኑ እያ።. ብዙሕ ክትምህረና ፈጣሪ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ።

  • Robiel Gebrehiwet Kasa October 30, 2018

    Memher Amanuel,
    What makes you outstandig is you tackle the cause not the effect. Thanks, Memher.

  • J October 31, 2018

    At the end of your post you tried to convince us to betray our faith. You are seeding the evil seed against faith subtly. We can not betray our faith. You can not generalize priests, pastors etc. There are many out standing priests, pastors.
    To have faith does not make you narrow minded. There are narrow minded in all groups of people, culture, religion , and atheists,

  • k.tewolde October 31, 2018

    Yes indeed Memhir,betrayal is a human inherent character default and you can’t condense it better the reason behind it.Sol,I concur with you on #4 however he is the sum total of all six,he wears it like his signature habanero shirt and sandals.