Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እንታይ እያ ጌራትካ እዛ ኤርትራ?

ኣብ ኤርትራ ጭርጭር ትጻወት ዞሎኻ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቐደምሲ ጸሊም መነጸር ጌርካ፤ ብቅልጡፋት ነፈርቲ ትዛወር ኔርካ፤ ኣብ ዝደለኻዮ ሃገር ትበጽሕ ኔርካ፤ እንታይ እዩ ተረኺቡ ወዲ በቃ፤ ሓንሳብ ኣብ ባጽዕ፤ ሓንሳብ ኣብ ዓሻ ጎልጎል ትሕባእ ዘሎኻ መራሒ ሃገር ተባሂልካ፤ ሓንሳብ ተሓቢእካ

ኣብ ኤርትራ ጭርጭር ትጻወት ዞሎኻ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡

ቐደምሲ ጸሊም መነጸር ጌርካ፤ ብቅልጡፋት ነፈርቲ ትዛወር ኔርካ፤

ኣብ ዝደለኻዮ ሃገር ትበጽሕ ኔርካ፤ እንታይ እዩ ተረኺቡ ወዲ በቃ፤

ሓንሳብ ኣብ ባጽዕ፤ ሓንሳብ ኣብ ዓሻ ጎልጎል ትሕባእ ዘሎኻ መራሒ ሃገር ተባሂልካ፤

ሓንሳብ ተሓቢእካ ንሱዳን ትኣቱ፤ ሓንሳብ ተሓቢእካ ንኬንያ ትኽይድ ዘሎኻ፤

ሕጂ ግን እግርኻ ኣኪብካ፤ ካብ መቃብራት ስውኣት ፈሪሕካ ትብህርር ዘሎኻ፤

ኣይ ኣብ ኩሉ እንድዮም ዘሎዉ፤ ኣበይከ ዘየሎዉ? ሓቑፋቶም ኣላ ዘይመሬትካ፤

 

ካን ኣኺሉካ ምስ እታ “እንኮ” ጭሕምኻ ኮይኑ ዘረባኻ፤ ተዘግፈ ተጸልማ ዘሎኻ፤

ኣበይ ኣትየን እተን ቁልጡፋት ነፈርቲ፤ ኣበይ ኣሎዉ በዓል “ኤማ”፤ በዓል ቫይናክ፤ ዓሊ ብርሂንን፤

በዓል ወዲ መቀለኸ፤ ኣሪጎም ድዮም? ቅርጥማት ሒዝዎም ድዩ? ኤእ ሎሚ ከም ቀደም ወስ ዮሎን፤

ይዝከርካዶ ኩላ ክትሽቁረር፤ ኩላ ክትርዕድ፤ ብድምጽኻ ብትርኢትካ፤

ሸውሃትካ ከመይ ኣሎ? ክሓተካ ናይ ብሓቂ፤ ትድቅስዶ ኣሎኻ ከምቀደምካ?

 

እንታይ እያ ጌራትካ እዛ ኤርትራ ክሓተካ፤ ስጋ ኣስካሉ ኢለ፤ እንታይ እያ ጌራትካ?

እስከ ኣማኽረኒ፤ ክዓርቐካ፤ እንታይ ኢያ ጌራትካ፤ ሳላ ዝዓንገለትካ፤ ዝሓቆፈትካ፤

ዘምሃረትካ፤ እዚ ትፈድያስ፤ ኦቶም ስድራኻ፤ ኦቶም ኣሕዋትካ ተሸቁሪሮም ኣክንዳኻ፤

ይዝከረካዶ እምቦቲቶ ዴቺ ኮላ? በራድ ሻሂ ናይ ቺንኩወ ክልተ ሰብ ክተስቲ?

ብቅርሺ ተዓንጊሉ ዝወዓል ከምዘይነበረ፤ ብ 35 ሳንቲም ፊልምታት ከምዘይተራእየ፤

ስብ ጠምያ ኣብ ማእከል ኣስመራ፤ ኮሚሽታቶ ጨኒዩ፤ ኣብ ማርሻፔዲ ሳዕሪ በቂሉ፤

ነዓ፤ ኣይፋልካን ኣይከኣልካዮን፤ ንሱ ጥራሕ ከይኣክል፤ ነቶም ዝኽእሉ ኩሎም አህዲምካዮም፤

ልክዕ ከምቲ ነቶም ኩሎም ተዋጊኦም ዘዋግኡ ዘሕቐካዮም፤ ሕጂ ንሃገር ኩላ ተሕቕቓ ኣሎኻ።

ዮናስ ገብረዝጊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
47 COMMENTS
  • fikre gebremeskel April 13, 2014

    why are you trying to tell us that Issayas is Ethiopian when you are in trouble?….weren’t you people worshiping him 22 years ago?…why is he suddenly revealed to you as a Tigrean?…you racist idiots!…you don’t even know what you are talking about!

POST A COMMENT