Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እንኮ ፍታሕ፡ ሞት ህዝብና ከብቅዕ ስርዓት ኢሳያስ የብቅዕ

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ ኤርትራ ዝውረ ወይ ዝጸሓፍ ጽቡቅ ነገር የለን። ኩሉ ካብ ሓድሕዱ ዝኸፍአ ወረ ሞት፡ ስደት፡ ጥሜትን ማእሰርትን ዜጋታት ጥራሕ’ዩ። ካብቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ማዕከናት ዜናን ብሰባትን ዝስማዕ፡ ዝጸሓፍን ዘዕለልን ድማ፡ ኣብ

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ ኤርትራ ዝውረ ወይ ዝጸሓፍ ጽቡቅ ነገር የለን። ኩሉ ካብ ሓድሕዱ ዝኸፍአ ወረ ሞት፡ ስደት፡ ጥሜትን ማእሰርትን ዜጋታት ጥራሕ’ዩ። ካብቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ማዕከናት ዜናን ብሰባትን ዝስማዕ፡ ዝጸሓፍን ዘዕለልን ድማ፡ ኣብ ኤርትራ፡  ናጽነት ሃይማኖት፡ ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽን መንግስቲ ምንቃፍን መሰል የለን፡ ኤርትራ ንዜጋታታ ብዘይ ፍትሕን ገበንን ትኣስርን ትቀትልን ሃገር’ያ፡ ኣብ ኤርትራ ግዱድ ዕስክርናን ብዘይ ክፍሊት ምስራሕን ብኢሱ፡ወካሊ ህዝብን ቅዋማዊ መንግስትን የለን፡ ቅልውላውን ሕጽረትን  ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሰማይ ዓሪጉ፡ ኤርትራ ሓብሓቢት ፈጠርቲ ራዕዲን ዘራጊት ሰላምን’ያ ዝብሉን ካልኦት ኣበራትን ይርከብዎም።

እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ተርእዮን ንህዝብናን ንዓለም ዘሰምብድ ዘሎን ከኣ፡ መቅዘፍትን ስቃይን ኤርትራውያን ኣብ ኣእዊኻ ረዳኢ ዘይትረኽበሉ ማያት መዲተራንያን፡ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ’ውን ኣብ ኣጻምእን ምድረበዳን’ዩ ምዝያዱ’ዮ ። ብርግጽ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያንን ከባቢ ማያት ኢጣልያን ዝርአ ዘሎ ናይ ኣማኢት ኤርትራውያን ሞት፡ ጠንቁ ስርዓት ኢሳያስ ኢዩ።  ኣብ ኤርትራ እቲ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ጸገማት እንተዘይህሉ፡ ኤርትራውያን ዝፈትውዋ ሃገሮምን ቤተሰቦምን ገዲፎም ናብ ስደት ኣይመምርሑን፡ መፍቶ ነጋዶ ሰብን ግዳይ ሞትን ኣይምኾኑን። ዋሕዚ ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ስደትን ሞትን ሓሰረ መከራን ድማ፡ ሳዕቤኑን ሰሎሉኡን ንዓመታት በሰላ ክገድፍ’ዩ።

እቲ ሓቂ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ  ስደትን ዘጋጥም ዘሎ መዘና ዘይብሉ ሽግራት ፈታሕቱ ንሕና ኤርትራውያን ኢና። መንግስቲ ኢሳያስ፡ ጠንቂ ሞትን ስቃይን ኤርትራውያን ስለዝኾነ፡ ነቶም ቅድሚ ሎሚ ኣብ ማያት ላምፐዱሳ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ድማ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ዝጠሓሉ ኤርትራውያን መግለጺ ሓዘን ክእውጅን ሬሳታቶም ክቅበልን ከምኡ’ውን፡ ኣብ ኩናትን ቅልውላውን ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራያን ብድሕነቶም ክግደስን ኣይተራእየን። ክሓዲ ህዝቡ፡ ዘይወረጃን  ጨካንን መንግስቲ።  ስርዓት ኢሳያስ፡ ብሞት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምቀደሙ ጥርቅም ክብል እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዘጋጥም ዘሎ  ስቃይን ሞትን ብማዕከናት ዜና ዓለም ክግለጽን ጽንዓት ይሃብኩም ክንብሃልን ንህግደፍ ዓቢ ሕፍረትን’ዩ።

ኦ1 ኤርትራውያን፡  ነዛ ናብ ሲኦል ተቀይራ ዘላ ኤርትራን ዜጋታት ትውሕጥ ዘላን ከነድሕን በጃኹም ንሕበር። ናይ ስቕታን ምፍንጫልን እዋን የብቅዕ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ እትርከቡን ናብ ሊብያን ኢጣልያን ብነጋዶ ሰብ ተታሊልኩም ክትኳዓዙ ዝመደብኩም፡ ጉዕዞኹም ናይ ጥፍኣት፡ ሞትን ስቃይን ምዃኑ ክትግንዘቡ ኣለኩም። ኣብ ማያት መዲተራንያን ዘድሕኑ ስለዘለዉ  ብሰላም ናብ ኢጣልያ ክንኣቱ ኢና ዝብል መረዳእታ እንተልይኩም፡ ነብሰ ቅትለት ትፍጽሙን ስርራቤትኩም ተሕዝኑን ኣለኹም። እቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለኹም  በጃኹም ወረ ነጋዶ ሰብን ብዕድል ካብ ሞት ዝድሓኑን ሰሚዕኩም ናብ ገሃነብ እሳትን ሓውን ኣይትደርገሙ። ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ከተምርሑ ትሓልሙ ዘለኹም ዜጋታት ሞት ብሞቱ ብኽብሪ ኣብ ዘለኹሞ ሙቱ። እቲ ተባዕ ስጉምትን እንኮ ኣማራጽን ግን፡ ሽግርኩምን ህልቂት ህዝብኹምን መሰራታዊ ፍታሕ ክረክብ እንተኾይኑ፡ ኣጎዛኻ ጠቅሊልካ ናብ ስደት ምምራሕ ዘይኮነ፡ ሰሚርካ ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ኢሳያስ ምልጋስ’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሚያዝያ 22፣ 2015)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • gomera April 23, 2015

    Unity against the tyrant iseyas the only solution.

  • Aida April 23, 2015

    the only solution is we kill Isias Wadi Medhn Berdae than we will be free–forever

    • Simon G. April 23, 2015

      How we do that is the question? Can you propose?

  • simon April 23, 2015

    I agree with you Aida

    That’s the only solution, he’s the same us Adolf Hitler. His purpose is to annihilate Eritrean from the surface of the earth, as he did Hitler to the Jews people.

  • Tekle Haile April 23, 2015

    Sham አብ ደሞክራስያዊ ሃገርም ሕንፍሽፍሽ ኤትኒካዊኢ ጸገም ኣሎ ምባል ንብጻይካ ኢሳያስን ጉጅለውን ንበሩለይ ቀጽሉ ሃገር ኣባድሙ ምባል እዩ፡ ሓቅኻ ኣይተረኸብካን ስቓይ ህዝቢ ኣይንታይካን ሕፈር መሰል ፍትሒ ንዓኻ ትርጉም የብሉን ኣብ ዱር ዝዓበኻ ዝዓበኹም እንታይ መሰል ክትፈልጡ ብዝይካ ደስቆ ተኩሰሉ ቅተሎ እግዚኣብሄ ርምሕረት የውርደልኩም፡ ነባሪ ስልታን የለን ሳዳም ዓሊ ሰኢድ ገዳፊ ኣበይ ኣለው ጎኢታኻ መዓልቱ ይጸበ ካብ ናብራ ኣናጹ ኣብ ጉድጓ ምንባር የድሕነና ስጋብ ማኣስ ብሃለዋ እምበርከ ሂወት ድዩ ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራስ ከማ ድኣ ንዝርዶ

  • Simon G. April 24, 2015

    Just hear me with open mind for God’s sake. I am inclining to the idea of our biggest problem is greediness. Why? Let me tell you why my fellow country (wo)men:
    1. Greediness prevents us from being united
    2. Greediness blind us for seeing the root cause of our core issue
    3. Greediness is the catalyst of creating our inflated ego (while dieing, migrating, humiliating, etc)
    4. Greediness driving us away from being tolerant and prevent us to give the chance a say to the wise people.
    5. Greediness prevent is from growing (intellectually, financially, and morally)
    Do I need to say more?
    Being humble cost us nothing but worth the world.

POST A COMMENT