Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እወ “ይኣክል”፥ ካብ ይኣክል’ከ ናበይ?

ዓመተ 2019፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ስደትን ዝነብር ህዝብና ብሰንኪ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ፡ ሃገርን ህዝብን ኣትዮሞ ዘላ ሓደጋ ብምስትብሃል ትዕግስቱ ጸንቂቑ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ሒዙ ንናይ መወዳእታ ምዕራፍ ቃልሲ ዝተዓጥቀ ይመስል። እቲ “ይኣክል” ምባል ደንጉዩ

ዓመተ 2019፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ስደትን ዝነብር ህዝብና ብሰንኪ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ፡ ሃገርን ህዝብን ኣትዮሞ ዘላ ሓደጋ ብምስትብሃል ትዕግስቱ ጸንቂቑ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ሒዙ ንናይ መወዳእታ ምዕራፍ ቃልሲ ዝተዓጥቀ ይመስል። እቲ “ይኣክል” ምባል ደንጉዩ ይምጻእ እምበር፡ ነዚ ነድሪ ቁጠዐ ስምዒታት ናይ ህዝቢ ጠርኒፍካ፡ ምልኪ ህግደፍ ኣብ 2019 ከብቅዕ ሓቢርና ተግባራዊ ዝኾነ ቃልሲ ምስ እነካይድ ጥራሕ ኢዩ። ብህጹጽ ሕሰም ህዝብና ዘብቅዓሉ፥ ፖለቲካዊ እሱራትን ዝፍትሕሉ፥ ልዑላውነት ሃገርና ካብ ኣንጸላሊዋ ዘሎ ሓደጋ ኣድሒንካ ነጻነታ ብምውሓስ፡ ህዝብና ዳግማይ ከይጥለም ፍትሓዊ ህዝባዊ ስርዓት ንክረጋገጽ ምንጻፍ ከነንጽፍ የድሊ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ግዳም (ኣብ ወጻኢ) እንነብር ህዝቢ፡ ንኣብ ወሽጢ ኤርትራ ዝነበር ህዝብና ናብርኡ ንምምሕያሽን ስደት ከብቅዕን፥ ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ንዳግመ-ህንጻ ሃገር ክንዳሎ ይግባእ። ምልኪ ህግደፍ ብዘየማትእ ህዝባዊ ማዕበል ብህጹጽ ከብቅዕ፡ ነቲ ዘሎ ውልቃውን፡ ጉጅላውን፡ ከተማውን፥ ውድባውን ስሚዒታትን ተበግሶታትን ዝጥረነፈሉን ናብ ሓደ ዕላማ ዝቐንዓሉን ስራሕ ይጽበየና ኣሎ።

ህዝቢ ተጠርኒፉ ሃገሩን ህዝቡን ከድሕን እንተኾይኑ ካብ ንዕድመ ስልጣን ህግደፍ ዘናውሑ ተግባራትን ኣወዳድባን ንገዛእ-ርእስና ክንርሕቕ ይግበኣና። ስለዚ፡ “ይኣክል” ክበሃል እንከሎ ነዞም ዝስዕቡ ንህዝባዊ ጥርናፈ ዘይሓገዝቲ ነገራት እውን “ይኣክል” ክንብሎም ኣሎና።

  1. ናይ ጽልእን ስምዒትን ቃልሲ ሓዲግና መትከላውያን ተቓለስቲ ክንከውን ንብቃዕ
  2. ካብ ጉጅላውን ወገናውን (ኣውራጃዊ፥ ብሄራዊ፥ ሃይማኖታዊ ወዘተ) ጥርናፈ ወጺእና ሃገራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ነዘውትር (መስል ምዃኑ ግን ኣይክሕድን)።
  3. ካብ ደጋፋይን ተቓዋማይን ደንበታት ወጺእና ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ብሓባር ክንጥርነፍ የድልየና
  4. ካብ ናይ ቃልሲ ተዓዘብቲ ካብ ምዃን ሓሊፍና፡ ንጡፋት ተሳተፍቲ ክንከውን ክንበቅዕ ኣሎና
  5. ስልጣን ንኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝነብር ህዝብና ምዃኑ ፈሊጥና ኣብ ስደት እንርከብ ስለ ስልጣን ምፍልላይ ይኣክል ክንበል ኣሎና።
  6. ንፍትሒ እንዳተቓለስና ዘይፍትሓዊ ባህርያትን ተግባራትን ካብ ምዝውታር ምቑጣብ የድልየና።
  7. ንደገፍቲ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ብውሑሉል መንገዲ ካብ ምዕጋብ ሓሊፍና፡ ናይ ጽልኢ ፖለቲካ ወይ ጸርፊ ምዝውታር ክንሓድጎ ይግበኣና።
  8. ንኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝኸይድ ዘሎ ጥርናፈ፡ ህግደፍ ክጥቀመሉ ብዝኽእለሉ መንገዲ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ክንጥንቀቕ የድልየና። ንድሕነት ናይ’ቲ ምስጢራዊ ቃልስን እቶም በጃ ህዝቦም ኣብ ሓዊ መጋርያ ህግደፍ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘሎው ጀጋኑና ንሂወቶም ንሕሰበሎም። ብካልእ ኣዘራርባ ዝዕቆርን ዘይዕቆርን ምስጢር ንፍለጥ።
  9. ተሚሊሱ ካብ ዘውቅዓካ ዘይተረጋገጸ ወረ ካብ ምዝርጋሕ ክንቁጠብን ስርዓት ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዝስንዝሮ ወረታት ከምዘሎው ምስትብሃል የድልየና።
  10. ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ኣትዮም ተቓወምቲ ኢና ኢሎም ንሓድነት ተቓውሞ ዘላሕልሑ ናይ ህግደፍ ስለያ መርበብ ክንነቓሓሎምን ከነለልዮም ይግበኣና ወዘተ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ብኣፉ “ይኣክል” ስለዝበለ ህግደፍ ካብ ኮረቻ ስልጣን የልግስ ማለት ኣይኮነን። እዚ ስምዒታዊ ናይ ነድሪ ሃልሃልታ ናብ ሓባራዊ ጥርናፈን፡ ዕላማን፥ ተግባራዊ ቅዲ ቃልሲ ክጽመድ ኣሎዎ። ንክጥርነፍ ከኣ ከጠርንፎ ዝኽእልን ነቲ ቃልሲ ናብ ሓደ ዕላማ ንክቀንዕ ዝሕግዝ ቅርጻን፥ ቀላሲ ኣካል ክፈጥርን የድሊ። ስምዒታዊ ቃልሲ፡ ናብ መትከላዊ ቃልሲ እንተዘይተቐይሩ ወይ ከኣ ነቲ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ብምጥርናፍ ናብ ህዝባዊ ማዕበል ክንቅይሮ እንተዘይበቒዕና ዘረባ ኮይኑ ጥራይ ኢዩ ክተርፍ። ኣብ ስምዒት ዝተመርኮሰ ቃልሲ ውሕስና የብሉን። ስምዒት ሓፍን ለጠቕን ሃልይዎ ምስ ኩነታት ዝቀያየር ተርእዮ ስለዝኾነ፡ ንናይ ህዝቢ ስምዒታት ቀጻልነት ሃልይዎም ናብ ግብራዊ ቃልሲ ንክቅየር ብግቡእ ክእለን ክመሓደርን የድሊ። ኣነ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኩነታት ክመዝኖ ከሎኹ፥ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ዘይተጠርነፈ “ይኣክል” ዝበለ ህዝቢ ኣሎና። እዚ ማለት ከኣ ኣብ መድረኽ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝካየደሉ ናብ ህዝባዊ ጥርናፈ እንሰጋገረሉ መድረኽ ንሰግር ኣሎና ማለት ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ዲያስፖራ በብከተምኡ እቲ ተበግሶታት ናይ ህዝባዊ ጥርናፈ እንዳበርከተ ይመጽእ ኣሎ። ስለዚ፥ ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ነዚ ናይ “ይኣክል” ተበግሶታት ብምጥርናፍ ከመይ ጌርና ናብ ህዝባዊ ማዕበል ብምቕያር ሃገርን ህዝብን ብዝቐልጠፈ ነድሕን ዝብል ሕቶ ንምምላስ ይኸውን።

 

ነፍሲ-ወከፍ ንፍትሒ ዝቃለሰ ኤርትራዊ፡ ጎናዊ ዛዕባታት ብምውንዛፍ ነዛ ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ዘላ ሕቶ ክምልስ ክበቅዕ ኣሎዎ። እዚ ማለት ከኣ፥ ብዘይ ውዓል ሕደር፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከተማ ማለት ኣብ እንነብረሉ ቦታታት ንህዝቢ ብዘይኣፈላላይ ብዕሊ ብምዕዳም ኣብ ህዝባዊ መጋባእያ “ካብ ‘ይኣክል’ ናብ ህዝባዊ ማዕበል ብኸመይ? ዝብል ኣጀንዳ ሒዙ ህዝቢ ክጋባእ ብኣኽብሮት እጽውዕ። እዚ መጋብኢ ኣጀንዳ ከኣ መነሃርያ ህዝቢ መጠርነፊ ክንሰርሓሉ ዘሎና ህጹጽ ፕሮጀክት ኢዩ። ብወገነይ ህዝቢ ዝጥርነፈሎም ናይ ሓባር ሃገራዊ ዕላማታት ይኹን ቅርጻ ህዝባዊ ምትእስሳር ኣብ ፍልይቲ መጽሔት ፍትሒ ዘርዚረዮም ኣሎኹ። ንዝርዝር ትሕዝቶ ከም ኣማራጺ ክትጥቀሙሉ http://eritreahagerey.com/wp-content/uploads/2018/11/Fithi-Special-Edition-_ፍትሒ-መጽሔት-Nov_2018.pdf ነዚ ናይ ወብሳይት ኣድራሻ ብምጥዋቕ ወይ ግጉል ብምግባር ኣብ መራኸብ ብዙሓን ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

 

ፍልይቲ ሕታም መጽሔት ፍትሒ ነቲ ደምበ ተቓውሞ (ደምበ ፍትሒ) ዘሎዎ ሕጽረታት ከም ፍታሕ ዝቐረበት ስነ-ጽሑፍ ኢያ። ብወገነይ ክርእያ ከሎኹ፡ ነቲ “ካብ ይኣክል ናበይ ዝብል ሕቶ” እትምልስ ወይ “ካብ ይኣክል ናብ ህዝባዊ ማዕበል” ከተብጽሕ እትኽእል ንጽርቲ ናይ ዓወት ጎደና ኢያ በሃለይ ኢየ። ናብ ህዝባዊ ማዕበል ከብጽሕ ዝኽእል መንገዲ ዓወት ተተንቲኖም ኣሎው። ኣይተበጽሓናን ኢያ ዝብል ኤርትራዊ እንተሃልዩ ከኣ እታ እተብጽሕ መንገዲ ዝሓሸ መተካእታ ከቕርብ ኩሉ ግዜ ምስ ሓተትኩ ኢየ። ክሳብ ዕለት ሎሚ ግን ብጀካ ነንበይንኻ ተበግሶታት ምውሳድን ምቅላስን፥ ጫሊዳታት ምውጻእን ህዝቢ ብሓባር ኮይኑ ክቃለሰሉ ዝኽእለሉ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእለሉ ንጹር መንገዲ ክርኢ ኣይበቓዕኩን። ኩሉ ሓቢርና ንቃለስ ይብል፡ ኮይኑ ግን ብኸመይ ህዝቢ ሓቢሩ ተጠርኒፉ ይቃለስ ዝብል ሕቶ ዝምልስ ግን ኣይረኸብኩን።

ዕላማ ናይ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእስሳር – ህዝቢ ከመይ ኢሉ ክተኣሳሰር ወይ ክጥርነፍ ከምዝእኽእል ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። ንኣስታት 7 ዓመት ዝኣክል ህዝቢ በብዝርከበሉ ቦታታት ንክጥርነፍ ዓቕመይ ዘፍቅዶ ብመጽሔት ፍትሒ ኣቢለ ብዙሓት ጽሑፋት ኣብ ህዝባዊ መጋባእያ ዘርጊሐ፥ ሓያለ ሰሚናራት እውን ኣካይደ ኢየ። ካብ ናይ ህዝባዊ ቃልሲ ዝቐሰምክዎ ተሞክሮታት ከኣ፥ እዚ ብከተማታት ዝቐውም ዘሎ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ፥ ብሐደ ስምን በዘን 5 የዕኑድ ወይ መጠርነፊ ኣምራት ናይ ህዝባዊ ምትእስሳር ክጥርነፍ የድሊ በሃላይ ኢየ።

  1. ንጹር ሓባራዊ ህዝባዊ ዕላማ – Clear Common Goals/Objectives
  2. ንጹር ሓባራዊ ስትራተጂን ናይ ዓወት ጎደናን – Clear Common Strategy & Road Map
  3. ቅርጻ ምትእስሳርን ሓባራዊ ህዝባዊ መሪሕነትን – Network Structure & Common Leadership
  4. ንጹር ናይ ሓባር ህዝባዊ መደብ ስራሕ – Clear Common Work Plan
  5. ንጹርን ሓባራዊ ግብራዊ ስራሕ – Clear Common Action

ሐደ ስም ክሳብ ዝኾነ ከኣ፡ ኣየናይ ስም ነጠምቖ (ንሰምዮ) ዘፈላልየና ጉዳይ ኣይኮነን። ብወገነይ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእሳሳር ዝብል፡ ነቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝካይድ ህዝባዊ ጥርናፈ ዝገልጽ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኤርትራዊ ህዝባዊ ባይቶ እውን ክንብሎ ጸገም የብለይን። እዚ ከኣ፡ ከተማዊ ህዝባዊ ባይቶ፡ ንኡስ-ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ፥ ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ፡ ናይ ዲያስፖራ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶን፥ ድሕሪ ህግደፍ ምልጋሱ ከኣ ሃገራዊ ህዝባዊ ባይቶ (ንውሽጥን ደገን ዝሓቖፈ) ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል። በዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ግን፡ ኣየናይ ኢዩ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ ንምልላዩ፡ ኣጸጋሚ እንዳኾነ ይኸይድ ምህላዉ ኢየ ዝዕዘብ ዘሎኹ። ሓደ ህዝቢ ተጠርኒፉ ክንብልን፡ ናብ ህዝባዊ ማዕበል ንምስግጋርን ነዞም ዝተጠቕሱ የዕኑድ ወይ ሓሙሽተ ኣምራት ንጹር ናይ ሓባር ተረድኦ ሃልዩና መኣዝና ከይሰሓትና ብግብሪ ኣብ ከተማዊ፡ ንኡስ ዞባዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ጽፍሕታት ክንስርሕ ምስ እንበቅዕ ኢዩ። ዝርዝሩ ከኣ ከይተሃከና ብዝወሓደ ኣብ መጽሔት ፍትሒ፡ ካብ ገጽ 4 ክሳብ 11 ዘሎ ብዕቱብ ከነንብቦን ክንርደኦን የድሊ። ብወገነይ ኣብ ከከተምኡ ዝግበር ህዝባዊ መጋባእያታት ነዞም 5 መጠርነፊ ኣምራት፡ ከም መበገሲ ተጠቒምና ዝመሓየሽ ኣመሓይሽና መቃለሲ ሓባራዊ ሰነድ ክህሉወናን ብኡኡ ብተግባር ክንሰርሓሉን እንተዘይበቒዕና እቲ ናይ “ይኣክል” ተበግሶ ከም ናይ ላምፓዱሳ ስምዒት በኒኑ ከይተርፍ ዓቢ ስክፍታ ኣሎኒ።

ክቡራት ደቂ ሃገር፡ ኣብ ኤርትራ ኣይነገር ድኣ’ምበር መዓልታዊ ላምፓዱሳ ኣሎ። ናይ ጽልእን ስምዒትን ጉጅላውነትን ወገንነትን ፖለቲካ ዓዲ ከብጽሑና ኣይክእልሉን ኢዮም። ኣብ ሃገርን ህዝብን ዘቕነዐ ሃገራዊ ራእን መትከላዊ ግብራዊ ስርሓን ጥርሕ ኢዮ። መንገዱ ዘይፈልጥ ወይ ናይ ዓወት-ጎደና ዘይብሉ ህዝባዊ ቃልሲ እውን ኣብ ድንግርግር ኢዩ ዝነብር። ነዚ ህዝባዊ ቃልሲ ዝቕልሱ ቀለስቲ ካብ ህዝቢ ባዕላትና ንፍጠሮም። ብንሕና ክንመርሓካ ኢሎም ኣብ ስልጣን ዝተወጠሑን ምውራድ ዝኣበዩን፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣትዮም ኢዮም። ህዝብና ክልተ ግዜ ክዕሹ ኣይኮነን። ብወገነይ ነዚ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ መተካእታ ዘሎዎ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ናይ ኣፍ ቃልስን፥ ኣብ ጓል-ነገር ግዜና ምብኻን እውን “ይኣክል” ንበል። ካብ ናይ ዘረባ ‘ይኣክል’ ናብ ግብራዊ ሓባራዊ ‘ይኣክል’ ክንሰግር የድልየና።

ናይ ዲያስፖራ ጥርናፈ ሓጋዚ ተራ ድኣ’ምበር ወሳኒ ተራ ስለዘይብሉ ነቲ ፍንሕኒሕ ዝብል ዘሎ ዘይዓኾኸ ናይ ውሽጢ ቃልሲ ብኩሉ መልክዓት ከሓይሎ ክበቅዕ ኣሎዎ። ነዚ ንምግባር ከኣ ኩሉ ከተማታት ህዝባዊ ባይቶታት ብምቛም ኣስዒቡ ብዝቐልጠፈ ንኡስ ዞባውን ዞባውን ኣህጉራውን ህዝባዊ ባይቶ ክምስርት ይላቦ። ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ክንበቅዕ ከኣ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ዘዝርከበሉ ቦታታት ነታ እትምረጽ ከተማዊ ህዝባዊ ባይቶ ወርሓዊ ብዝተሓተ $25 ዶላር ከዋጽእ ሓሳባት የቕርብ ኣሎኹ። እቲ ዝተዋህለለ ገንዘብ ነቲ ዝቐውም ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ብምርካብ ይኹን ቅድሚ ምምስራቱ እውን ንኣብ ውሽጢ ዘሎ ጥርናፈ ዘድሊ ሓገዝ ክግበረሉ ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ ከነስተብህል ይግበኣና። ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ነቲ ውሽጣዊ ቃልሲ ብዝግባእ ፍጥነት ክሕይል ከምዘይክእል ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ተራ ኣብ ዲያስፖራ ዝካየድ ቃልሲ ጽኑዕ ድልድል ኣብ ናይ ደገን ውሽጢ ኤርትራን እንተዘይፈጢርናን፥ ነቲ ናይ ውሽጢ ቃልሲ ዓንዲ-ሕቖን ስንቅን ክንኮኖ እንተዘይበቒዕናን፡ ብዝተሓተ ለውጢ ክዳነጎ ጥራሕ ዘይኮነ ከይብርዕን ክንሐስብን ብግብሪ ክንሰርሕን የድልየና። ኣብ ፓልቶክ ስለዝተዛረብካ ለውጢ ይመጽእ ማለት ኣይኮነን። ኣቲ ገንዘብ ምውጻእ ዝድለ፡ ንምልጋስ ህግደፋዊ ስርዓት ጥራሕ ዘይኮነ፥ ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ንዳግመ-ህንጻ ድሕሪ ህግደፍ ኤርትራ ክንዳሎ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሞራላውን ሃገራዊ ግቡእናን ሓላፍነትን ኢዩ። ቃልሲ፥ ካብ ሳዕሳዕካ ተቖጻጸ ኢዩ። ንኣብ ውሽጢ ዓዲ ቃንዛ ህዝብና ዘቃልሓን ነቲ ቃልሲ ህዝቢ ዝሓይላ መራኸቢ ብዙሓን ምድጋፍ ከኣ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኢዩ።

ልዑል ፈጣሪ፥ ንሃገርና ካብ ሓደጋታት ኣድሒኑ፡ ውጽዕ ህዝብና ክርህዎ እንዳተቓለስና ኩሉግዜ ጸሎት ናብ ኣምላኽና ንለምንን ነብጽሕን!

ኣምላኽ ረሲዕና ብቅልጽምና ዝበልናዮ ፋሕ-ብትን ኢዩ የእትዩልና።

ጎይትኦም ኢማም  – Eri.publicnetwork@gmail.com

ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ

 

 

ሓበሬታ

ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ

 

ህዝባዊ ኣኼባ ከምዘሎ ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ኩሉ ኤርትራዊ ክሳተፍ ይጽውዑን ብትሕትና ይሓቱን።

ዕለት – ንቀዳም 30 መጋቢት 2019 ሰዓት 3:00 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ – 55 South State Ave. Indianapolis Indiana 46201

ብድሓን ምጹ!

ሽማግለ ደለይቲ ፍትሒ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Lemlem March 27, 2019

    Eritrawian amarerti koyna terifna. Eti gudayna gauna mexie wey kab semay kem bana kiftehalna hilmi koynu eyu kiterf. Slezi abzi hiji ewan kulna felitna allena yakil naamex. Gna koynu hade blhatn tibatin zelewo awedadba ygodlena alo. Pjdf ziiferhwo neger entlo trnuf hayli eyu.tirnufn wideba ente zele kulu zigber nkontu eyu.

  • Woldegabriel March 28, 2019

    You seem to have no clues on the status of our situation. We do not have the luxury of any distraction but to act before it is too late.

Post a Reply to Woldegabriel Cancel Reply