Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዋናዊ ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራ ፡ መልእኽቲ ጽንዓት ንህዝቢ ትግራይ!

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ዓለም ካብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ጽኑዕ ቀይዲ ምንቅስቓስ እተዘውትረሉ ዘላ፡ እቲ ብለበዳ ቫይረስ ኢሳይያስ ድሮ ን20 ዓመት ተቐይዱ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ `ውን ኣብ ገገዝኡ ተረጊጡ ብሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣብ ዝሕለወሉ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ዓለም ካብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ጽኑዕ ቀይዲ ምንቅስቓስ እተዘውትረሉ ዘላ፡ እቲ ብለበዳ ቫይረስ ኢሳይያስ ድሮ ን20 ዓመት ተቐይዱ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ `ውን ኣብ ገገዝኡ ተረጊጡ ብሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣብ ዝሕለወሉ ዘሎ ቅንያት ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምርኻቡ፡ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ምስፍሕፋሕ ኣንበጣ ምድረበዳን ሓባራዊ ተገዳስነት ዝጠልቡ ጉዳያት ብምዃኖም ከምዘካየዶ፡ እቲ ስርዓት ብመደበር ቴለቭዥኑ ነቲ ዑደት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ከምስል ፈቲኑ።

እቲ `ሰዓረ` ዝብል ሓሞት ጽልኢ ብዝመልኦ ደርፊ ዝተሰነየ ጸብጻብ፡ ነቶም ትግርኛ ዝርድኡ፡ እቲ ጸብጻብ ዘይኮነ እቲ ደርፊ ሓተታ ምንባሩ ርዱእ ኳ እንኾነ፡ እግሪ እግሪ ምምላስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብ ኣስመራ፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ወጺኡ `ምርጫ ደው እንተዘየቢልኩም ስጉምቲ ክንወስድ ተዳሊና ኣለና` ክብል ብሕልፊ ናብ ትግራይ ዘነጻጸረ ኣዋጅ ኲናት ዝጥዕም ተሪር መተንቀቕታ ምትሕልላፉ፡ ህጹጽ ዑደት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ብቐንዱ ምስዚ ንትግራይ ንምውቃዕ ዝተዘርግሐ ፈኸራ ዝተኣሳሰር፡ መቐጸልታ ናይቲ ንትግራይ ንምቕርቃር ምስ ኣቢይ ርክብ ካብ ዝጅምር ከሰላስሎ ዝጸንሐ ውዲት ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብ ኤሪ-ቲቪ ዘካየዶ ብኤርትራውያን ኮነ ኢትዮጵያውያን መዓንጥኡ ዝወጽአ መትሓዚ ዘይነበሮ ቃለመጠየቕ፡ ነቶም ጨፈቕፈቕ ዝበሉ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኤርትራ ቀቢሩ፡ ነዞም ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ምንጪ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኮይኖም፡ ካብ ምትፍናን ሓሊፎም ናብ ውግእ ሕድሕድ ዘምርሑ ዘለዉ፡ ምስራዝ ናይቲ ኣብ ቅዋም ኢትዮጵያ ዝርከብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ዘፍቅድ ዓንቀጽን ኣድላይነት ምስግጋር ምርጫ 2020ን ብጠገለ ዘይብሉ ቋንቋ ኣስፊሑ ምዝራቡ `ውን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝዝክሮ ጥሉል ፍጻሜ እዩ።

እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወቱ፡ ብሕልፊ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ብመዛንኡ ንፈለማ ግዜ ንዝገጠሞ ተሪር ፖለቲካዊ ብድሆ፡ ነቲ ኪኖ ኣመሪካ ኣቓልቦ ዓለም ዝገዝአ ኣብ መስከረም 11 2001 ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኑውዮርክ መምሎቚ ካብ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ዝተጠቕመሉ፡ ወትሩ ንኣህጉራዊ ቅልውላው መዋጽኦ ዘቤታዊ ደልሃመት ናይ ምጥቃም ኣመል ዘለዎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ሕጂ ድማ እንሆ፡ ነዚ ናይ ኮቪድ-19 ኣህጉራዊ ቅልውላው ጥዕና ተጠቒሙ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ከምቲ ኣቐዲሙ ብመራኸቢ ብዙሃን ከይተረፈ ዘቕረበሉ ጠለብ ምስግጋር ምርጫ ኢትዮጵያ ከተግብር ብምድፍፋእ፡ ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቐየ ናይ ሽርሕን ውዲትን ኣመል`ዚ ብኣካል ናብ ኢትዮጵያ export ክገብሮ ቀንዩ ኣሎ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ግን፡ ነዚ ንኣህጉራዊ ቅልውላው መተሓላለኺ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ጎረባብትን ዝጥቀመሉ ሜላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓቢኡ፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ን 28 ዓመታት ዘሳጸየሉ ሕሱም ቫይረስ ውልቀመላኽነት ናብ ኢትዮጵያ የስርጾ ከምዘሎ ግን ኣብ ቃላትን ኣንደበትን ናይቲ ካብ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝያዳ ኮለኔል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝጥዕም ዘሎ ኣቢይ ኣሕመድ ምርኣዩ ይከኣል።

ኪኖ`ዚ መፈራርሒ `ዚ፡ ናይ ባህርይ ለውጢ፡ ልክዕ ንምዃን ናይ ምስሊ ለውጢ ናይቲ ብ `ፍቅር ያሸንፋል` ጀሚሩ ናብ `ጠበንጃ ያሸንፋል` በጺሑ ዘሎ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክሳብ ክንደይ ናህሪ ከምዘለዎ ነቶም መዓልታዊ ዝጸናጸኑዎ ሰብ ጉዳይ ንኢትዮጵያውያን ክንገድፈሎም።

እንተኾነ፡ ህርፋን ስልጣን ካብ ኢሳይያስ ወሪሱዎ ኳ እንተዘይበልና፡ ድርኺት ኢሳይያስ ነቲ ፈለማ ጸጋንን ዲሞክራስያውን ዘምሰሎ ቆርበት ቀልጢፉ ከምዝገፈፎ ርዱእ እዩ።

ናብ ከርሲ ጉዳይና ክንምለስ፡ ኣብ ርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘለዎ ሃገር ብምኽንያት ከም ኮረና ቫይረስ ዝኣመሰለ ጥዕናዊ ቅልውላው ሃገራዊ ምርጫ ምስግጋር ንቡር እዩ። ኣብ ከምዚ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓሌታዊ ዘይምትእምማንን ምትፍናንን ከቢድ ፖለቲካዊ ወጥሪ ፈጢሩሉ ዘሎ እዋን ግን፡ ብቐሊሉ ዝብጻሕ ውሳኔ ኣይኮነን።

ህውሓትን ህዝቢ ትግራይን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ለበዳ ቫይረስ ምህላውን ዘይምህላዉን ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ወቕቲ ምርጫ ምክያድ ካብ ዘምጽኦ ሓደጋ፡ ምስግጋር ምርጫ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓደጋ ዝያዳ ጭቡጥ ምዃኑ ስለዝተገንዘቡ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ሚዛን፡ ኣቐዲምና ከምዝጠቐስናዮ፡ ምስግጋር ምርጫ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ጠለብ ዋና ጸላኢኦም ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምዃኑ እንተወሲኽናሉ ኸኣ፡ ነቲ ሓደጋ መሊሱ የኽብዶ።

መዓስ እዚ ጥራይ፡ ነቲ ናይ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምርጫ ናይ ምስግግጋር ስጉምቲ ነጺጉ፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ምርጫ ኣብ እዋኑ ከካይድ ዝወሰዶ ውሳኔ ብመጠነቀቕታን ምፍርራሕን ምምላሱ ንገዛእ ርእሱ፡ ነቲ ኣብ ቅዋም ኢትዮጵያ ብንጹር ሰፊሩ ዘሎ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ `ክስረዝ ኣለዎ` ክብል ኣብቲ ዝሓለፈ ቃለመጠየቕ ብጋህዲ ዝተዛረበሉ፡ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ብዘየማትእ መንገዲ ዘውሕስ ዓንቅጽ ዝጥሕስ `ውን እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ህዝቢ ትግራይ ስሩዕ ህዝባዊ ምርጭኡ ክቕጽል ዝወሰዶ ውሳኔ፡ ካብቲ ክሳብ ምንጻል ዘፍቅድ ዓንቀጽ ኣዝዩ ዝነኣሰ ብምዃኑ፡ ኣቢይ ነዚ ትግራይ ወሲዳቶ ዘላ ንእሽቶ ስጉምቲ ክጻወር ዘይምኽኣሉ፡ ቅዋም ኢትዮጵያ ሕጂ ቀለም ኣብ ወረቐት ጥራይ ከምዝኾነ፡ ከም ዊንትኡ ምርጫ ኣናዊሑ ስልጣን ምግባት እንተደኣኽኢሉ ድማ፡ ከም ድላይ ኢሳይያስ ንቕዋም ኢትዮጵያ ሓዊ ከንድዶ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

ስለዚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ በዚ ድዩ በቲ፡ ነዚ ኢሳይያስ ዘልገበሉ ወይ ዝዓለሞ ሜላ ምምዝማዝ ዓለማዊ ቅልውላዋት ንውሽጣዊ ፖለቲካ ተጠቒሙ፡ ነቶም ክልተ ጠለባት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ምስግጋር ምርጫን ምቊንጻብ ናይቲ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝብታት ዘፍቅድ ቅዋም ኢትዮጵያን የማልእ ኣሎ ማለት እዩ። ብሃደ እምኒ ክልተ ረጋቢት የውድቕ ኣሎ ክብሃል ይከኣል።

እምብኣር ህውሓት ኮነ ህዝቢ ትግራይ ነቲ የዋጽኣኒ ኢሉ ዝተኸሎ መሰላት ደው ክብለሉ ሕጋዊ ግቡእ ኣለዎ። ብቐደሙ ኣቢይ ኣሕመድ ንሳይንስን ጥዕናን መበገሲ ገይሩ ብሽርክነት ምስ ኢሳይያስ ዝኣለሞ ፖለቲካዊ ውዲት `ዩ ከተግብር ዝፍትን ዘሎ እምበር፡ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ምላሽ ክህበሉ ሓላፍነቱ እዩ።

ብዝኾነ፡ በዚ ናይ መስልን ሕግን ህዝባዊ ልኡላውነትን ጉዳይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኢትዮጵያ ብዝያዳ ድማ ኣብ መንጎ`ቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዓቢ ወጥሪ ተኸሲቱ ኣሎ።

እዚ ካብ ምትፍናን ሓሊፉ ናብ ምፍጣጥ በጺሑ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብዘለዎ ናህሪ ቀጺሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ሕድሕድ እንተኣስዒቡ፡ ንዓንዳሪ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኲናቱ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። `መርገጺ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን እንታይ ክኸውን ኣለዎ` ዝብል ታሪኻዊ ሕቶ ግን ብጥንቃቐ ክምለስ ዘለዎ እዋናዊ ጉዳይ እዩ። ሕመረት መልእኽትና ድማ ናብዚ እዩ ዘተኲር።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ንሂሩ ናብ ሕድሕዳዊ ግጭት እንተማዕቢሉ፡ ዝሓለፈ ክሳራኻን መጻኢ ዕድልካን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ መትከላት ሰብኣውነትን ሰላምን፡ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ሃገራዊ ረብሓኻ ተመርኲስካ፡ ኣዝዩ ጥንቁቕ፡ ዘየጣዕስ ስትራተጂካዊ መርገጺ ክትወስድ ከምዘለካ ክትነቕሓሉ ነዘኻኽረካ።

ን30 ዓመታት ኣብ ዘካየድካዮ መሪር ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ ብሉጻት ደቅኻ፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒርካ ናጽነት ሃገር `ኳ እንተተጓናጸፍካ፡ ብሰንኪ ዕንደራ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ፍረጻማኻ ከየስተማቕርካ፡ ቁስልኻ ከይሓወየ፡ ኣብ ዘይተጸበኻዮ ባርዕ ኲናት ተጠቢስካ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ሳዕቤናቱ ስቓይን ቃንዛን ሓዲሩካ፡ ወርቃዊ ወለዶ ከፊልካ ዝረኸብካያ ሃገር፡ ወርቃዊ ዘመን ከይረኣየት ኣብ ውድቀት በጺሓ `ላ።

ስለዚ፡

1ይ – ምስ ምረት ኲናትን ሳዕቤናቱን እትነብር ህዝቢ ከም ምዃንካ መጠን፡ ብሕልናን ብተግባርን ፡ እዚ ወጥሪ`ዚ ናብ ምሉእ ግጭት ከይምዕብል ምእንቲ፡ በቲ ኲናት ከይጀመረ `ሰዓረ` ክብል ዝስማዕ ዘሎ ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ከይተታለልካ፡ እንተኽኢልካ ንሰላምን ዕርቅን ጸውዕ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኲናት ናይ ኩሎም ወገናት ስዕረት ምዃኑ፡ ሰዓሪ ከምዘየልቦ ምኸሮም።

ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ነጺልና፡ ናባኻ እነተኩረሉ ዘለና ምኽንያት፡ እቲ ኲናት ናይ ኢሳይያስ ብምዃኑ እዩ። ብቓላቱ ከምዝሰማዕካዮ፡ ብዓይኒ ኢሳይያስ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዶብ ዝብሃል የለን፡ ክልተ ህዝቢ ዝብሃል የለን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብኣንጻር እምነትካ፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝብሃል `ውን የልቦን።

ብቐንዱ ኢሳይያስ፡ ንኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ክውንኖ ኣይክእልን እዩ። ዋላ ከምቲ ናይ ወጻኢ ሕሳብ ባንክታቱ ተሓቢኡ ክውንኖ እንተደለየ፡ እቲ ኲናት ባዕሉ ኣግሂዱ ክመጽኦ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ጎረቤት ኣቃጺሉ፡ ከም ቱሪስት ኣብ በሪኽ ኮይኑ ብማዕዶ ቃጸሎ ክዕዘብ ኣይክእልን `ዩ። ጻውዒት ሰላምካ `ምብኣር፡ ነቲ ኲናት ዋላ እንተዘይገትኦ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ትርጉም ኣለዎ። እቲ ኲናት ዋንኡ ከለሊ፡ እቲ ቀስቲ-ኲናት ኣበይ ከምዝሽከል ክፈልጥ ሓጋዚ እዩ።

2ይ – እቲ ብወግዒ ይኹን ብዘይወግዓዊ መንገዲ እተቕርቦ ጻውዒት ሰላምን ዕርቅን ሰማዒ ስኢኑ፡ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ እንተተወሊዑ፡ ኣብ ጉዳይ ጎረቤት ኢድካ ካብ ምእታው ብምቚጣብ ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዝካ ደው ክትብል ይግባእ። ከምዚ ዝኣመሰለ መርገጺ፡ ዋላ `ኳ ካልኣይ ደረጃ ናይቲ ሰላምን ዕርቅን ጸዊዕካ ዝብጻሕ ጥርዚ ሞራላዊ ልዕልና እንተኾነ፡ ለባም መርገጺ እዩ። ኲናት ብኣግኡ ምግታእ እንተጸገመካ፡ ኲናት ደው ንምባል፡ ወይ ድሕሪ ኲናት ብኡሳት ንምትዕራቕ ንዝህልወካ ተራ ኣየኽስረካን።

ኣብዚ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ጉዳይ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ካብ ዝግበር ግጭት፡ ኣብ ሕድሕዳዊ ውግእ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ሻራዊ መርገጺ ምውሳድ ዝኸፍአ ምዃኑ እዩ። እቲ ብደረጃ ሃገር ዝግበር ሓገዝን ጥልመትን ብተዛማዲ ተረሳዒ ክኸውን ከሎ፡ ስምብራት ናይቲ ምስ ሓደ ወጊንካ ኣብቲ ልዕሊ እቲ ካልእ ህዝቢ እተብጽሖ መግዳዕቲ ነባሪ እዩ። ብሕልፊ ኣብ ከምዚ መዛረቢ ኮይኑና ዘሎ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ጂኦግራፍያውን ማሕበራውን ባህላውን ምቅርራብ ዘለዎ ኩነታት፡ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን። ከምዚ እትሰምዑዎ ዘለኹም፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ንትግራይ ሰጊሩ ንኢትዮጵያ ከፍቅራ ከምዘይክእል ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ ተስዊጡዎም ኢዱ ክእከብ ኣብ ዘተሓሳስቡሉ ዘለዉ እዋን፡ ጸወታ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ምስጢር ክኾኖ ኣይክእልን እዩ።

3ይ – ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ካብ ሕሉፍ ጌጋታቱ ለቢሙን ጎሪሑን፡ ካብ ጻውዒት ሰላምን ዘይሻርነትን ንላዕሊ ክወስዶ ዝግባእ ቆራጽን ወሳንን ስጉምቲ እንተልዩ ግን፡ በንጻር`ቲ ኢሳይያስ ኣህጉራዊ ቅልውላዋት እናመዝመዘ ስልጣኑ ንምንዋሕ መዋእሉ ዘሰላስሎ ዘሎ ውዲት፡ ነቲ ኢሳይያስ ዘሳወሮ ኩነታት ተጠቒሙ፡ ዕምሪ ስልጣን ናይቲ ዕዳ ሃገር ኮይኑ ዘሎ ውልቀመላኽን ስርዓቱን ሓንሳብን ንሓዋሩን ምሕጻር እዩ።

ምኽንያቱ ከምቲ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ደጋጊምና ቃላቱ ኣሰኒና ዝገለጽናዮ፡ እቲ ናይ ኢሳይያስን ኣቢይን ሽርክነት ኣጋንንቲ ተዓዊቱ ህዝቢ ትግራይ እንተተምበርኪኹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጽብሓይቱ በጥ ክብል እዩ። ኣብ ዓራት ክድቅስ፡ ክቐስን እዩ ማለተይ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ `ቲ፡ ን 28 ዓመት ከም ህዝቢ ዝሰኣኖ ሰብኣዊ ሓርነት፡ ንልኡላዊ ናጽነት ኤርትራ ከም ሃገር `ውን ክኸስሮ እዩ።

እቲ ናይ ኢሳይያስ ናስትሮ ይዝከረኩም ደኾን ይህሉ፡

በዚ ምኽንያት `ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፡ ንሰላምን ዕርቅን ክጽውዕ፡ እንተዘይክኢሉዎ፡ ኢሳይያስ ንኣቢይ ልኢኹ ወይ ምስ ኣቢይ ወጊኑ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ መንቀራቕሮ ንምእታው ኣብ ዝኣልሞ ውዲት ካብ ምስታፍ ቦዂሩ ዘይሻራዊ ኮይኑ ደው ክብል፡ እንተኽኢሉ ግን፡ በንጻሩ ነቲ ንኤርትራን ህዝባን ሕምስምስ ኣቢሉ ብኢደ-ወነኑ ንዋያ ክህባ ዝወጣወጥ ዘሎ ኢሳይያስን ስርዓቱን ካብ ሱሩ ቦንቊሩ ክኣልዮ ዘለዎ። ኣብ መወዳእታ `ምብኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዞም ስጉምታት ክወስዶም ዘለዎ፡ ብቐንዱ ረብሕኡን ቀጻልነቱን ንምሕላው ምዃኑ ክግንዘብ ይግባእ።

ንምዃኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነትን። እቲ `ወራር ወያነ` ኢሉ ንህዝቢ ብምድንጋር፡ `ቆጺረ ክመልሰልኩም `የ` ኢሉ ንዝወሰዶም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውን ኣብ መጋርያ ኲናት ዘህለቐ፡ ተረፍ ኲናትን መከራን ዝኾኑ ኣማኢት ኣሽሓት ብሲናይን ሰሃራን ናብ ስደት ከምዝነፍጹ ዝገበረ፡ ንኤርትራውያን ኣብ መሸጣ ደቂ-ሰብ ከምዝወርዱ ገይሩ፡ ንኽብረት ኤርትራውያን ዘሕሰረ፡ ላህመት ሃገር ንዝበሎም መመሪጹ ብቓጻ ዝጨወየ፡ ብምቚሕ ዝኣሰረ፡ ብተመልከተይን በልማማን ዝቐተለ፡ ሕጂ `ውን ነዚ ናይ ኮረና ቫይረስ ለበዳ መመኽኔታ ተጠቒሙ ገንዘቡ ንዝመዝመዞ ህዝቢ ኤርትራ ዝስተ ይኹን ንጽሬት ዝኸውን ማይ ከየቕረበ ፕሮጀክት መስኖ ኢትዮጵያ ኣብ ምምራቕ ዝተራእየ፡ ብሓጺሩ እቲ ዘርኢ ኤርትራ ንምትፋእ ከይደቀሰ ዝሓድር ዘሎ ዋና ጸላኢኡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ምዃኖም ነቒሑሎም እዩ።

እምብኣር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓራዲኻ እናፈለጥካ ለዓት ካርኡ ክትከውን ከምዘይትቕረብ ዘማትእ ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ናይዞም ስጉምታት ዝጠቐስናዮ፡ ኣብ መትከላት ሰብኣውነትን ሰላምን፡ ሃገራዊ ረብሓን ተመርኲስካ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስትራተጂካዊ መርገጽን ውሳኔን ወሲድካ ሞራላዊ ልዕልናኻን ህላዌኻን ምስ እትዕቅብ ጥራይ ኢኻ፡ ሕሉፍ ክሳራኻ ደቢስካ መጻኢ ዕድልካ ከተጸብቕ እትኽእል።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፡

ነዊሕ ታሪኽ ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብዚ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ጥራይ እንተኣተኮርና ኳ፡ ገና 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ከይመጽአ ኣትሒዙ ታርጌት ዓሌታዊ ዓመጽን ግፍዕን ኴንካ ክንስኻ ዘርኣኻዮ ዓቕልን ትዕግስትን ቀሊል ኣይኮነን። ሕጂ `ውን፡ ቀዳምነትካ ሰላምን ዕርቅን ምዃኑ ብመትከል እናርኣኻ፡ ረብሓኻን ህላዌኻን ብ ሕጊ ከተውሕስ ጀሚርካዮ ዘለኻ ጻዕሪ ቀጽል።

ዓቕልኻ ኣብ ዝውድኣሉ ግዜ ግን፡ ዋላ ኢሳይያስ ኣብይን ተደሪቦም እንተመጽኡ፡ ምእንቲ መንነቱን ህላዊኡን ደው ዝበለ ህዝቢ ፈጺሙ ከምዘይሰዓር ባዕልኻ ዝወዓልካሉ ታሪኽ ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ናይ ሞትን ሕየትን ብድሆ ዳግም ዘተኣማምን ዓወት ክትጎናጸፍ፡ መዝገብካ ኣጽኒዕካ ጅግንነትካ ስሒልካ ንኹሎም እንተታት ተዳሎ። ናይ ጽንዓትን ዓወትን መልእኽቲ ይብጻሕካ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዶብ ፈንጢሱ ኣብ ሕቚፌኻ ኣብ ዝዓለበሉ እዋን፡ መንደቕ ጽልኢ ኢሳይያስ ንልቡ ከምዘየርሓቖ፡ ብሃፋ ፍቕሩን ናፍቖቱን ገሊጹልካ እዩ። ድምጹ ብግዜ ተዋሒጡ ብዓውታ ስለዘይደረፈልካ ኣይትጠራጠር። እቲ ስርዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽልኢ ክነብር ዘየካይዶ ጻዕሪ `ኳ እንተዘየለ፡ ንዳግማይ ምትላልን ጽልእን ባእስን ሽውሃት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ `ውን ከም ቀደሙ ካብ ሰላምን ፍቕርን እምበር፡ ካብ ጽልእን ጥፍኣትን ሓውን ጎሬበቱን ክረብሕ ዘይትምነ ወረጃ ህዝቢ እዩ።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልናዮ፡ ብመንጽር ውዲታዊ ሽርክነት ኢሳይያስን ኣቢይን፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሓንቲ ጃልባ እዩ ተሰቒሉ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ፖለቲካዊ ባሕሪ ድማ፡ ንሓዲኤን እምበር ንኽልቲኤን ጃላቡ ዝጸውር ኣይኮነን። ጃልባኻ እንተስ ክትጥሕል እንተስ ክትሰርር ብብርቱዕ ማዕበል ኣብ እትጽፍዓሉ ዘላ ሰዓት ልቓሕ ምለሰለይ ከምዘይብሃል መጠን፡ ኣብ ድሕነትካ ከተተኲር ርትዓዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ከምቲ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣትሒዝካ ብወግዒ ዝወሰድካዮ ሓያል መርገጺ፡ ኣብ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ክሳብ ዝኣመንካ፡ ኩሎም`ቶም ብፖለቲካዊ ውሳኔታት መራሕቲ ተሓላሊኾም ኣጎላጒል ኮይኖም ዘለዉ ጸገማት ዶብን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ብሕግን ብልዝብን ክፍትሑ ዝኽእሉ እዮም።

ብሕልፊ ብመራሕቲ ህውሓትን ንኢትዮጵያ ዝመርሐ መንግስቲ ኢህወደግን ዝተፈጸሙ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጎድኡዎን ዘዳኸሙዎን ጉድለታትን ገበናትን ኣብዚ ኣጋጣሚ`ዚ ምጽብጻቦም፡ ነዚ መልእኽቲ ካብ ምህሳስ ሓሊፉ ዘብስሎ ነገር የልቦን። ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ሰላምን ዕርቅን መድረኽ ዝጠልብ ጉዳይ እዩ።

ብቐጥታ ምስዚ ኣልዒልናዮ ዘለና እዋናዊ ጉዳይ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝመላለስ፡ ክጉሰ ዘይብሉ ብሕልፊ ብመሪሕነት ትግራይ ብተግባር ጥራይ ክምለስ ዝኽእል ሕቶ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንህዝቢ ትግራይ ብኽልተ ወገን ቀርቂሩ ክጭፍልቖን ከንበርክኾን ከምዝደሊ ብዓወታ እናገለጸን ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ውዲታዊ ሽርክነት ፈጢሩ ብግብሪ ላዕልን ታሕትን እናበለ ኸሎ፡ መስሎኺ ሰለይቱ ዝኸውን ፍኒስትራ ጥራይ ገዲፉ ምስ ትግራይ ዘዋስኑ ዶባት ዓጽዩ፡ ሃሱሳቱ ኣብ ትግራይ ከይተረፈ ኣዋፊሩ እናተንቀሳቐሰ፡ ብመሪሕነት ትግራይ ዝዳረጎ ግብረ-መልሲ ዘይምርኣዩ፡ ጽልእን ተቓውሞን መሪሕነት ትግራይ ማዕረ`ቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስ ዘለዎ ጽልእን ተቓውሞ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከማትኦን፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ `እምበር ዶ ብሓቂ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ድሌት ኣለዎም`ዩ፡ ምስ ኢሳይያስ ብምስጢር ተሰማሚዖም ደኾን ይጠልሙና?` ኣብ ዝብል ምጥርጣር የእትዎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ህውሓት ናብ ኤርትራ ኣትዩ ካብ ውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ሓራ ከውጽኦ ትጽቢትን የብሉን። እንተኾነ፡ ብኣንጻር `ቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣንጻር`ቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ድማ ብሽርከነት ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ሃለኽለኽ ዝመጣጠን ምንቅስቓስ ዘይምግባሩ፡ ልዕሊ ኹሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ተበግሶ ንዝወስዱ ኤርትራውያን፡ ኩለንትናዊ ሕጽረታቶም ንምፍታሕ ግቡእ ሓገዝ ዘይገብር ምዃኑ ዘተሓሳስቦም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ።

ልዕሊ ኹሉ`ዚ ዝተጠቕሰ ምጥርጣራት፡ ተኣማሚንና ክንዛረብሉ እንኽእል ኣብ ምስርሕ ናይዚ ወጥርን ውጽኢቱን ክድገም ዘይብሉ ኣሉታዊ ተመክሮ፡ እቲ ብህውሓት ዝምእዘን ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድሕሪ `ቲ ብዶብ ዝተመኽነየ ኲናት ኣብ ዘማዕበሎ ህልኽ፡ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ሓደ ዘምቢል ጽልኢ ኣቐሚጡ፡ ንውድቀት ኢሳይያስ ብምድኻም ናይቲ ደጀኑ እዩ ኢሉ ዝገመቶ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጾ ንነዊሕ እዋን ምጒዓዙ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብምድኻም ውልቀመላኽነቱ ዘደልደለ ኢሳይያስ ብተዘዋዋሪ ወይ ብዘይ ውዕል ተደጋጊፉዎ ክብሃል ይከኣል። ኢሳይያስ ውልቀመላኽነቱ ንምኽራር፡ መራሕቲ ህውሓት ከኣ ኢሳይያስ ንምውዳቕ ፈለማ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺሞሞ፡ ኣብ መወዳእታ ዝኸሰሩ ግን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ምዃኖም እንሆ ኣብዚ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ተጋሂዱ። ስለዚ፡ ኣብዚ ግዜ `ዚ፡ ብኣንጻር `ቲ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ተመክሮ፡ ውድቀት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝረጋገጽ፡ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ኢሳይያስን ተጻረርቲ ምዃኖም ዝተገንዘበ ረቂቕ ስትራተጂ `ዩ ክስርሓሉ ዘለዎ።

ኣብ መወዳእታ ክፍለጥ ዘለዎ ቁምነገር፡ ጸወታ ከይተጀመረ Game Over፡ ጸወታ ተወዲኡ፡ ኲናት ከይተጀመረ ስዒረ ንዝብለካ ዝኸሓነ ጸላኢ፡ ተሓቢእካ እትጸልኣሉ ምኽንያት ፈጺሙ የልቦን። ህዝቢ ትግራይን መሪሕነቱን እምብኣር፡ ኣብዚ ወሳኒ ናይ ሞትን ሕየትን መድረኽ፡ ቅድሚ ኹሉ ህላዊኡ ንምርግጋጽ፡ ማዕሪኡ ድማ ሰላምን ምርግጋእን ዘለዎ ጎረቤትን ዞባን ንቀጻልነቱን ቅሳነቱን ወሳኒ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ቀስቱ ናብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ጸቢብ ጉጅሊኡን መሻርኽቱን ኣቢይ ኣሕመድ ኣነጻጺሩ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ፈታውን መሓዛን ዝሓቊፍ ዘየላቡ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ድማ፡ ከምቲ ቅድም ኢሉ ብሰፊሑ ዝተጠቕሰ፡ ብመንጽር `ቲ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝጻባእ ውዲታዊ ምሕዝነት ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ሕጹይ ውልቀመላኽነት ኣቢይን፡ ህላወን ቀጻልነትን ህዝቢ ትግራይ ቀዳማይ ድፋዕ ረብሓን ቀጻልነትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ድሕነቱን ትንሳኤኡን፡ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ንምርግጋጽ፡ ኩነታት ብዘፍቀደሉ መጠን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ደው ክብል ኣለዎ። ከምቲ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ንዝነበረ ስርዓት ደርግ ብናይ ሓባር ቃልሲ ስዒርና ናጽነትና ዘረጋገጽና፡ ሕጂ `ውን ነዚ ናይ ሓባር ጸላኢና ኮይኑ ዝጭፍልቐና፡ ናጽነትናን ልኡላውነትናን ከባኽን ሃለኽለኽ ዝብል ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ስርዓቱን ብናይ ሓባር ቃልሲ መኪትና ክንስዕሮ ግዜ ዝጠልቦ እዋናዊ ስጉምቲ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዋላ ኣብ ንቡር ኩነታት ይነበር እንተዝህሉ፡ `ናይ ፈታውየይ ጸላኢ ጸላእየይ እዩ` ክብል እትጽበዮ ውርዙይን ለባምን ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ሃለዋት ተቐርቂሩ ዘለወሉ እዋን፡ ብውሑዱ `ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ `ዩ` ካብ ምባል ቃልዓለም ክገብር የብሉን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

yakobe@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde May 12, 2020

    (((`ናይ ፈታውየይ ጸላኢ ጸላእየይ እዩ` ክብል እትጽበዮ ውርዙይን ለባምን ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ሃለዋት ተቐርቂሩ ዘለወሉ እዋን፡ ብውሑዱ `ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ `ዩ` ካብ ምባል ቃልዓለም ክገብር የብሉን።)))>>>>this tactical political approach doesn’t work arbitrarily and universally in every case,especially in the Eritrean self inflicted socio-political fiasco we are in,our strength is unshakable when we are aligned together,we look stronger,we fight better,we have left the world awe struck for what they thought impossible— liberation of our nation.So,the first and foremost prerequisite for our success is our alliance, our coming together, that’s our leverage,may be then after we go looking outside who can help us in our cause on our term,otherwise it is like applying for loan in time of dire need for money,you end up in the jaws of loan sharks,not to mention those very sharks are the ones who put us in this economic,social and political mayhem a sovereign nation ever faced.We got to start looking in,we got to dig in,we got to unleash the Eritrean man and woman from within,we got to love and respect one another,it was that unique Eritrean swag and mojo they envied,we surrendered it ,we gave it to them,now they rubbing it in our nose,beating their chest in our backyard while we trek around the globe looking for asylum and a handout.It is our cause,this is exclusively ours,our identity,the one we bled and died for,nobody cares about it but us,it is our solemn duty to fix it and sweep aside anybody who gets in our way.Lets not repeat the same old mistakes by attaching ourselves to old parasites,lets discover the hero in us in our brother and sister the way we use to be and everything will fall in place.This is more of a brotherly advice than a political rhetoric.Lets take our nation back, yes we can,with nobodies help,they can cheer if they want.

  • ወዲ ሃገር May 12, 2020

    ኣብ እትዮጵያ እንታይ እዩ ዝኾውን ዘሎ ?
    ስርዓት እሰያስን ዶ. ኣብይን እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ ?

    ስርዓት ህግደፍ ፥ ኣብ እትዮጵያ ምስቲ ንዶ. ኣብይ ዝድግፍ ሓይልታት ዝገብሮ ዘሎ ምሕዝነት ቀጻልነት ዘሎዎ ኣይኮነን ። ብወያነ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ድሕሪ ምፍራሱ ፥ ገለ ካብቶም ካብ ደገ ዝተመልሱ ሓይልታት ፥ ፈደራላዊ ስርዓት ኣብ ዝታሓተ ደረጃ ንሙውራዱ ዝተሰማመዑ ይመስሉ። ፈደራላዊ ስርዓት ፥ ብኣሃዳዊ ማእከላይ መንግስቲ ምትኩኡ ከምዘይካኣል ግን ንሶምውን ዝሳማሙዑሉ ጉዳይ እዩ።
    ስለዚ እቲ ናይ ወያነ ክሲ ወይ ስግኣት ፥ ክምቲ ንሶም ዝብሉዎ ዲዩ ወይስ ካልእ ሸነኻት ኣሎዎ ምስቱውዓል ኣድላይ እዩ።
    ስለዚ “ክልላት” ክፈርሳ እየን ዝብል ስግኣት የለን።
    ማዕረ ክንደይ ስልጣን ክህሉወን እዩ ፥ እዩ እቲ ሕቶ ።
    ወያኔ ምስ ካልኦት ሓይልታት ዘለዋ ፍልልይ ፥ ናይ ኣይድዮሎጂ ጉዳይ ውን ኣሎ ። ኣብ ናይ ኮሙኒስት ስነ-ሓሳብ ዝቆመ ፖሊቲካዊ ስርዓት ኣሎዎም ። ኣብ ትግራይ ፖሊቲካዊ ቡዙሕነት ፥ ህዝቢ ንምዕሻዉ ዝጥቀሙለን ጉጂለታት ሓዲግካ ፥ ኣብ ተግባር ፉቁድ ኣይኮነን።
    ምስ ወያነ ክወዳደሩ ዝደልዩ ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ታዓቂቦም ኣሎዉ ። ጸረ “ሊበራልስም” ዝገብሩዎ ዘመተ ዉሑድ ኣይኮነን።
    ስለዚ ፥ ኣብ ሞንጎ ብልጽግና ፓርቲን ወያነን ዘሎ ፍልልያት ፥ ግድን ንሓደ ሸነኽ ፍትሓዊ ፥ ነቲ ሓደ ድማ ምልካዊ ዝገብሮ ኣይኮነን።
    ግን ብቀጻሊ ፥ ናበይ የብል ኣሎ ፥ ምክትታልን ምርዳእን ኣገዳሲ እዩ።

  • Woldegabriel May 12, 2020

    Hmmmmmmm.

Post a Reply to ወዲ ሃገር Cancel Reply