Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዚ እንተዘይ ኮይኑ ኣየናይ`ዩ ደኣ ሽበራ ?!

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ከተማ ሓለብ ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ከተማ ደቂ ሰብ`ያ። ደቂ ሰብ እናረኣዩ እናሰምዑ ከኣ ትዓኑ`ላ። ንረብሓ መን`ዩ ?ንረብሓ መን`ዩ ዝብል ዛዕባ ይጽናሓልና`ሞ፤  ድሕሪ`ዚ ንርእዮ ዘሎና ህልቀት፤ ዝውሕዝ ዘሎ ደም፤ ጽባሕ ኣብ መሰረት ናይ`ዚ ዑና`

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ከተማ ሓለብ ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ከተማ ደቂ ሰብ`ያ። ደቂ ሰብ እናረኣዩ እናሰምዑ ከኣ ትዓኑ`ላ። ንረብሓ መን`ዩ ?ንረብሓ መን`ዩ ዝብል ዛዕባ ይጽናሓልና`ሞ፤  ድሕሪ`ዚ ንርእዮ ዘሎና ህልቀት፤ ዝውሕዝ ዘሎ ደም፤ ጽባሕ ኣብ መሰረት ናይ`ዚ ዑና` ዚ ዝህነጽ ኣእምሮን ኣተሕሳስባን ከመይ ክኸውን`ዩ ኢልና ንግምት ?! እቲ  ጭካነ ዓለምና ዝወልዶ ኣተሕሳስባ ድዩ ጽባሕ ንዓለምና ክቆሉ ወይሲ ጽባሕ`ውን እቲ  ሕጂ ብዝተፈላለየ መንገዲ ነእምሮና እናዘወረ ንትማሊ ጻዕዳ ዝበለና ሎሚ ጸሊም ኢሉ ዘእምነና ገባቲ ሓይሊ ከምዘለዎ ቀጺሉ እናጠበረ ኣይ ሕሙም ኣይጥዑይ ሂወት ከንብረና?

ጥምየት ሕማም ጽምኢ ዕርቃን ፍርሒ ስቃይ  መቅዘፍቲ …………. ኮታ ደቂ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ዘሕለለፍዎን ዘየሕለፍዎን ኩሉ ዓይነት ኩፉእ ህዝቢ ሓለብ የሕልፎ`ሎ።

ሩስያ ኩሉ ክትፍትኖ እትደልዮ ዓይነት መሳርያ ኣብ ዝባን ሶርያውያን ፈቲናቶ`ያ። “ ነጻ ዓለም” ተባሂሉ ዝፍለጥ ምዕራብ ከኣ ኣብ ሶርያ ዕርቃኑ ወጺኡ`ዩ። ወዮ ሰራዊት ዘውፈረሉ ጎሽጓሽ “ደሞክራሲ ማእከላይ ምብራቅ’ ሎሚ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኑ`ሎ። ኣይተቃደዎምን ! ድክታቶርየ ኣበይ ኣለኻ ኮነ።

ኣሸባሪት ሩስያን ኣብ ጎዱፋ ዝዓስሉ ኣሸበርትን ደም ቆልዓ ሰበይቲ፤ደም ሽማግለታትን መንእስያትን ፊጊዕ ምስ በሎም ነቶም ቅድመ ዕለት ተወሊዶም ስጋብ ምልኣቶም ዝረጋገጽ ብሆስፒታል ዝእለዩ ናጽላ ከይተረፉ ሃሪሞም !!! እዚ ሽበራ እንተዘይኮይኑ ኣየናይ`ዩ ደኣ ሽበራ !

በሉ !ገበቲ ዓለም እቲ እናረኣየ ክርኢ ዘይደሊ የሳሊኹም፤ እንተ`ቲ ዝርእይ ግና ርእዩኩም ኣሎ፤ሶርያ ዝሓደገትልኩም የብላን ተቃሊዕኩም ኢኹም፤ ወጣጢትካ ዝሽፈን የለን።

ከምኡ ኸኣ  ኣንቱም “ እስላማዊ ሽበራ “ እናበልኩም  ከተጽምሙና ዝሓገኹም፤  ወዮም ሽበራ ሃይማኖት የብሉን ኢሎም  ብስንኪ ዋዕዋዋዕታኹም ሰማዒ ሲኢኖም ዝጸነሑ ሓቀኛታት ሎሚ ኣብ ሶርያ 3 ብባዶ ሲዒረሙኹም። ብኸመይ? እንተልኩም ………..   እቶም ኣብ ሓለብ ንቆልዓ ሰበይቲ ዘሸብሩ ዘለዉ  ኣስላም ኢና ዝብሉ ኣለውዎም  ክስታን ኢና ዝብሉ`ውን ኣለወዎም። ”ልዕባ 3 ወረቃ“ ይኣክል።

AAHafiz (209) 01/12/2016

 

”ልዕባ 3 ወረቃ“  3 ወረቀት ጠላዕ ገርካ ዝጽወት ዓይነት ቁማር`ዩ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • teigstei December 2, 2016

    ezzeeii tsxhuffkassii . zeyredeiakkaaa . entay eikkia ktebelll delikka. daeshh eukkoo eyyomm haredteiii seebb .russia keea tesegomm alla. .. besenki ezzeii keea civill yelkemm alloo. daeshh gnn ab zuryya civill eyyomm zelowuu. ..

  • Meretse Asmelash December 2, 2016

    ዝከበርካ ሓው ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ
    ሰላም ንዓካን ንነበብትን
    ካብ ንኡስ -ዓንቀጽ ጀሚርካ ክሳብ ኪኖኡ ዘሎ ጽሑፋት ዝጽሕፉ ጸሓፍቲ ፡ ቀዳማይ ተስፍኦም ፡ ነበብቲ “ንመልእክቲ ጽሕፎም” ብልክዕ ክርድእሎም ኢዩ። ሕምብርቲ ናይ ሓደ ጽሑፍ ሽፍን ኣብ ዝብለሉ እዋን ግን ንነበብቲ ኣብ ግር የእቱ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ነባባይ ተቀዳዲሙ ናይ ባዕሉ ግምት ካብ ምሃብ ቑጥብ ኢሉ፡ ንጸሓፊ >> መልእክቲ ጽሑፍካ እይበርሀለይን? ስለ’ዚ ተወሳኪ ሓበሬታ እንተኣሎካ ኢልካ ምሕታት ንቡር ኾይኑ ይስመዓኒ።
    ቅድሚ ነዚ ሪእቶ’ዚ ምጽሓፈይ ንጽሑፍካ ክልተ ግዜ ኣንቢበዮ። ግን ግር ኢሉኒ
    ብፍላይ እታ ኣብ መደምደምታ ዝቀመጥካያ ሓሳብ፡ ማለት መሰነይታ መልእክትካ ድያስ ዋላስ ቀንዲ?
    …”ከምኡ ኸኣ ኣንቱም “ እስላማዊ ሽበራ “ እናበልኩም ከተጽምሙና ዝሓገኹም፤ ወዮም ሽበራ ሃይማኖት የብሉን ኢሎም ብስንኪ ዋዕዋዋዕታኹም ሰማዒ ሲኢኖም ዝጸነሑ ሓቀኛታት ሎሚ ኣብ ሶርያ 3 ብባዶ ሲዒረሙኹም። ብኸመይ? እንተልኩም ……….. እቶም ኣብ ሓለብ ንቆልዓ ሰበይቲ ዘሸብሩ ዘለዉ ኣስላም ኢና ዝብሉ ኣለውዎም ክስታን ኢና ዝብሉ`ውን ኣለወዎም። ”ልዕባ 3 ወረቃ“ ይኣክል”
    መብርሂ ሓቲተ ከብቅዕ – -ከምዝመስለኒ ፣ ከምተረድኦይ ዝብል ርእቶ ካብ ምጽሓፍ ክዕቀብ ስለ ዝደለኹ ኢየ።
    የቀንየለይ!

  • hidat December 2, 2016

    ETI AB ALEM KAB ZIWEREDE GIBRE SHIBERA ETI TESEAN SELESTEN MIETAWIT BESABTI CHRISTNA KEM ZIWEREDE ABTI MEXENAETI ZITEWAFERU MUHURAT YITINTENU KEMTI ZIBELKAYO “”..ISLAMAWI GIBRE “” SHIBERA ENDABELKA EZINI SEB AXMIMKA DELAIKA MIGBAR EYU .HAGERAT ABADIMKA(ab hamukushti keirka) DEMOKRACY KIMIXALEY… WEDAJE .ETOM BELATOM ZITIFTIFWOM DELEYTI FITHI INA ZIBLU KAB FEKEDO HAGERAT ZITIAKAKEBU BIGENZEB ZITEGEZUU USUBAT BIZEY NIHSEYA AB INWET KEM ZITEWAFERU KE YISIKOREKUM DO YIKEWIN NEZOM DELEYTI FITHI INA INDABELKUM KETENEWU TIHILINU ZELEKUM

  • Fanco December 2, 2016

    ጭካነ ሰጣውንቲ ናይ ዓረብ ኣብዚ ረኣይ
    https://www.youtube.com/watch?v=mDPoRpqalHI

  • Fanco December 2, 2016

    ኣይተ ዓብደልሓፊጽ፣
    ብዛዕባ ህዝቢ ሱኒ ኣስላም ሶርያ ዝሓንጠጥካዮ ርእየዮ። ኮይኑ ግና ከም መብዛሕትኡ ኣብዚ ትሕንጥጦም ኣርእስቲ ብዛዕባ ዓረብን ምስልምናን ጥራይ ዝዛመድ እዩ። ብዛዕባ እቶም ብኣይሰስ እስላማውያን ጀሃድ ኣብ ሊብያ ኣብ ኤርትርውያን፣ ኣብ ዓረባዊት ግብጺ ኣብ ሲናይ እተፈጸመ ህልቂትን ቃንዛን ሓንቲ ቃል ኣምሊቅካ ኣይትፈልጥን።
    ነቶም በቶም ጨካን ወሃቢ እስላምውያን ኣብ የመን ዝቕዘፉ ዘለዉ ሁቲ ሺዓ ዘኪርካዮም ውን ኣይትፈልጥን። ነቶም ልዕሊ ሚልዮን ኣብ ዳርፉር ዝሓልቑ ጸልምቲ ኣስላም እሞ እቶም ሓሰውቲ ዓረብ ውን ዘኪሮሞም ዘይፈልጡ፣ ንስኻ ወሪድካ በየን ደፊርካ ክት ዛረብ።
    እንተ ነቶም ሓረድቲ ሰብ ደቂ ታኽፊር ወሃቢ እስላምውያን ጀሃድ ግና መንግስቲ ሶርያ ኮይኑ ሩስያ፣ ዶናልድ ትራምፕ ውን ሓዊሱ ሓመዶም እንተገልበጦም፤ ናብ ዘመን እኒእኒ እንተቐየሮም ሓጎሰይ ወሰን የብሉን።

POST A COMMENT