Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዞም!

ብ.ኣበባ ኣብርሃ፡ ቶሮንቶ ካናዳ 04/03/2012 እዞም ዓድና ዘይብሎም ሓቦ ኣብ ደጊኡዶ ይትረፍ ወዲሓወቦ፧ ዞም ዓድና እዞም ዓያሹ ኣይመለሱ ዲዮም ዝብሉ ነቶም ዝገሹ፧ ዞም ዓድና እንታዩ ጎዶም፧ ንቡር ቀብሪ ዝኸልኡ ንወዲ ዓዶም፡ እዞም ዓድና ክብሎም ወይሌኹም! ሎሚ ንኻልእ ኣሎ፣ ጽባሕ ንዓኹም፡ ኣብምንቲምንታይ እዚ ኩሉ ኣብያ፧ ተረኛኮ

ብ.ኣበባ ኣብርሃ፡ ቶሮንቶ ካናዳ 04/03/2012

እዞም ዓድና ዘይብሎም ሓቦ

ኣብ ደጊኡዶ ይትረፍ ወዲሓወቦ፧

ዞም ዓድና እዞም ዓያሹ

ኣይመለሱ ዲዮም ዝብሉ ነቶም ዝገሹ፧

ዞም ዓድና እንታዩ ጎዶም፧

ንቡር ቀብሪ ዝኸልኡ ንወዲ ዓዶም፡

እዞም ዓድና ክብሎም ወይሌኹም!

ሎሚ ንኻልእ ኣሎ፣ ጽባሕ ንዓኹም፡

ኣብምንቲምንታይ እዚ ኩሉ ኣብያ፧

ተረኛኮ ኣይትብልን ኳሕኪሓ ኣትያ

የእጋሩ ዝብኢ እንዳበልዖ፡ ዝበለ ድሓን

ጽባሕ ድማ ኣካሉ ኩላ ትጠሓን፡

ይገርመናሎ’ኳ ክውሕዶ እዚ ውጹዕ ህዝቢ

ይመረናሎ’ኳ ክውሕዶ እዚ ውጹዕ ህዝቢ

የስተናዕቕ’ዩ ዘሎ ኣይምሰልኩም ወዝቢ

ህዝቢ ተበራበር ልብኻ’ዩ ዓቢ፡

ነዋርሕ ዘረባ ብሃለውለው ቀብሪ

ኣርእስቲ ዕላሎም ኩሉ ጊዜ ነውሪ

 

ነዚዲዮም ዓጢቆም ተካል ወፍሪ

ምድንጋር’ዩ ኣመሎም ልቢ ግበሪ፡

ነገር ሓኽሊ ድሙ ትማሊ ዘክሪ

ጽቡቕ ታሪኽዩ ክብሪ፣ ታሪኹ ነባሪ

ሰነድ ገባር ጽቡቕ ዘልዓለም ነባሪ፡

ኣጆኺ ጅግና ጓል ዓደይ፣ ጓል ሓራስ ነብሪ

ካልእሲ ኩሉዩ ጃጅዩ ንስኺ’በሪ

ካባኺዩ እቲ ተስፋ ዝግበር ግበሪ

ምዓዝንኪ ሒዝኪ ጉዕዞ ተበገስ ሓብሪ፡

ምስ ሬሳ ዝበኣስ ንባዕሉ ሬሳ

ባዕልኹም ፍረዱ ናይ ሽፍታ ኣበሳ

ኣበየናይ ቦታና ኣበየናይ ቢሔር

መንስከሎበሉ ዘየኽብር ነብሲሄር፧

ናይ ህልዋት ተመንይዎስ ገደደ

ይሕሾ ተበልኩምበር ዓበደ

ሕሹኽ ዝብል ካብ ተሳእነ

ኩሉ ብፍርሒ ካብ ተሓቕነ፡

ሕጂ ብሬሳ ቅድም ብስንኩል

እስከ ሕተቱ ንመን ይውክል፧

ይኣክል! ደጊም ይኣክል!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Mahta March 5, 2012

    What are you saying about this criminal person? Everybody should be happy by the decision taken by the regime because the is a huge price naizgi should to pay anfortunately he died but his realatives who were standing on his side will it. That is Isseyas dis very good and it is a lesson for his relatives.

  • Semhar March 5, 2012

    እዞም ዓድና ክብሎም ወይሌኹም!

    ሎሚ ንኻልእ ኣሎ፣ ጽባሕ ንዓኹም፡

    ሕጂ ብሬሳ ቅድም ብስንኩል

    እስከ ሕተቱ ንመን ይውክል፧

    ይኣክል! ደጊም ይኣክል!

  • SINGAPO-ERITREAN March 6, 2012

    ሸፋቱ ,ወምበዴታት ዝብሎም ዝነበርኩ, ሕጅስ ሓሊፎሞ ነቲ ሸፋቱ….ሸፋቱ “ሰብ” ከይቅበር ኣይክልክሉን ´ዮም.
    ድሓር ጀብሃ ከለዉ ሻዕብያ ከለዉ ናይ ብሓቂ ዕላማ ኔርዎም ,ኢሳያስ እዩ ጨውይዎ ነቲ ቃልሲ ዝብል Bull “#$&% T ከይተስምዑኒ.። ብቐደሞም ኣሳራርሓ ሸፋቱ እዩ ኔሩ ኣሳራርሕኦም ። ኢሳያስ ንበይኑ እዩ ዓዲ ኣሰራጥዩዋ ምባል ንዓና ንኤርትራውያን ጸርፊ እዩ። እቲ ድርጅት እዩ። ኣብ ጽልኢ “ዓጋመን፣ ኣእዱግ ኣምሓሩን ” ዝጠጥዔ እዩ። ኣእዱግ ሰጕጕና ፣ ኣዛብእ ኣእቲና !!

POST A COMMENT