Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኦፕረተር ፕረዝደንት ኢሰያስ ነበር: ንከበድቲ ምስጢራትን ሽርሕታትን ስርዓት ህግደፍ ይኽሽሕ

ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ መርበብ ሓባራዊ ርክባት ፓልቶክ ሓደ ኦፕረተር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መንእሰይ፡ ንኹሉ እቲ ኢሰያስ ድሕሪ መጋረጃ ዝገብሮ ዓሚቕ ዝርዝራት ዘለዎ ዘስደምም ሚስጢራት ኣብ ዘቃልዓሉ ዘሎ ህሞት ኣብ

ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ መርበብ ሓባራዊ ርክባት ፓልቶክ ሓደ ኦፕረተር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መንእሰይ፡ ንኹሉ እቲ ኢሰያስ ድሕሪ መጋረጃ ዝገብሮ ዓሚቕ ዝርዝራት ዘለዎ ዘስደምም ሚስጢራት ኣብ ዘቃልዓሉ ዘሎ ህሞት ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ይከታተልዎ ከመዘለዉ ይግመት። ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልታት ንኣብነት እቲ ብልሙድ ን250 ሰባት ጥራይ ዝሕዝ ገዛ ተወሳኺ ወጻኢታት ብምግባርን ተወሳኺ ገዛ ብምኽፋትን ልዕሊ 2500 ኤርትራዉያን ኣብ ገዝኦም ብቐጥታ ተኸታቲሎሞ።

እዚ ብዙሓት ጅግና ጀጋኑ ኤርትራዊ ክብሉ ዝሰምይዎ ዘለዉ ዉልቀሰብ፡ ንብዙሓት ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍ ዝነበሩ ዉን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኽወስዱ ኣተባቢዑዎም ይርከብ። ሓደ ካብዚኦም ኣመሓዳሪ ከተማ መንደፈራ ዝነበረ ኣቶ ኣበድ ይርከቦም። ኣቶ ኣበድ ካብ 1971 ናብ ሜዳ ካብ ዝስለፍ ብዙሓት ብጾቱ ክርሸኑ ከምዝርኣየን ንሱ’ዉን ኣብ ስለስተ ህሞት ካብ ምርሻን ንስክላ ከምዘምለጠን፡ ኢሰያስ ኣብ ምሉእ ታሪኹ ኣብ ኲናት ኣትዩ ከምዘይፈልጥን ብድሕሪ መጋረጃ ንኽበልጹኒ ይኽእሉዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ተጋደልቲ ንምሕቓቕ ሰልፊ ናጽነት እትበሃል ሓንቲ ምስጢራዊት ዉድብ ከምዘሕቀቆም ኣቃሊዑ። ንሱ’ዉን ካብ 1976 ብግዴታ ኣባል ናይዛ ጉጅለ ኪኸዉን ከምዝተገብረን፡  ካብኣ ንኽወጽእ ደጋጊሙ ይሓትት ከምዝነበረን ዉን ኣረዲኡ።

ፕይሎት ካብቲ ዝሃቦ ናይ ነዊሕ ሰዓታት መግለጺ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ከምቲ ብማዕከናት ዜና ህግደፍ ዝዉረ 65 ሽሕ ኤርትራዉያን ዘይኮኑ፡ ልዕሊ 125 ሽሕ ከምዝተሰዉኡን ካብዚኦም ኣሽሓት ኢሰያስ ባዕሉ ኣብ ሓለዋ ሰዉራ ዘሕቀቖም ከምዝኾኑ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዉን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡአን ንምፍጻም ናብ ሳዋ ዝወርዳ ዘለዋ መንእሰያት ደቐንስትዮ፡ ብመልክዐን ተመሪጸን ናብ ባጽዕ ከምዝወርዳን ኢሰያስ ከም መርወዪ ስሚዒቱ ተጠቒሙ ድሕሪኡ ነቲ ምስጢር ከይወጽእ ተባሂሉ በቶም ናቱ ዓጀብቲ ከምዝቕንጸላን ገሊጹ። ብዘይካዚ ኢሰያስ ካብ ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ከምዝወለደን፡ ገለ ካብተን ዝወለደን ደቀንስትዮ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ከምዝርከባን ሓቢሩ።

መንእሰይ ፓይሎት ንግዚኡ ናይ ብርዒ ስም ይጥቀም ከምዘሎ እኳ እንተሓበረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ድቕድቕ ዓዘቕቲ ንምድሓን ክሳብ ህይወቱ ንምኽፋል ድልዉ ከምዘሎ ደጋጊሙ ብምግላጹ ንብዙሓት መንእሰያት ስሚዒቶም ኣለዓዒሉ፡ ሓያለ መንእሰያት ድማ ኣብዚ እዋን ነዚ ስርዓት ዕምሩ ንምሕጻር ኩሉ ዋጋ ከምዝኸሉ የረጋግጹ ኣለዉ።

ፓይሎት ሓደ ካብቲ ዝሃቦ ማእለያ ዘይብሉ ሚስጢራት፡ ኣብዚ እዋን ካብ ኤርትራ ንመንእሰያት ንምክፍፋል ናይ ቀደም ተጋደልቲ ንመንእሰይ ንምክፍፋል ተመልሚሎም ናብ ኤዉሮጳን ካልኦት ክፍለዓለማትን ብናይ ዲፕሎማቲክ ፓስፖርት ይለኣኹ ከምዘለዉን፡ ብዙሓት ካብ መራሕቲ ተቓዉሞ ደምበ ድማ ምስ ስርዓት ህግደፍ ርክብ ከምዘለዎም ስም እንዳጠቐሰ ነቲ ኣቐዲሙ ብኣለና ዝቐረበ ክሲ ደሪዕዎ ኣሎ።

ኢሰያስ ካብ ነዊሕ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምጽናት ኣጀንዳ ዘለዎ፡ ቅንጣብ ኤርትራዊ ፍቕሪ ዘይብሉ ኣራዊታዊ ፍጥረት፡ ንዝርኣያ ጽብቕቲ ጓል ኣንስተይቲ ብዓጀቱ ተጨዉያ ምስ ርክብ ንኽትፍጾም ከምዘገድዳን ገሊጹ። ንገለ ካብተን ናይ ሚኒስተርነት ማዕርግ ሂብወን ዘሎ ደቀንስዮ ኣብ ዊን ዝበሎ እዋን መርወዪ ጾታዊ ስሚዒቱ ከምዝጥቀመለን ኣቃሊዑ።

እዚ ንዒስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ክፉት ዝኾነ ናይ ፓልታልክ ርክብ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ብልዑል ተሳታፍነት ይከታተልዎን፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ድሕሪ ኮምፒተር ኮንካ ምምዳር ዘይኮነ ኣብ ኩሉ እቲ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ምትእኽኻባት ብምርካብ ክሳብ መስዋእቲ ንምኽፋል ቅሩባት ምኻኖም ይገልጹ ኣለዉ።

 

ዊንታ ሰለሙን

Solomon_winta@yahoo.se

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • tef April 12, 2012

    If he is a real Berhe Desta, I know him and his wife in Addis ababa. I met him by phone and was doing business sending people to Europe and Norh America. He has a good connection with top woyane ministers. He is hero for woyane because, he helped woyane during war between woyane and Eritrea. Berhe Desta was born in Eritrea from Tigray now he is very rich like other woyane and has dollar bank account in America. His full time job is smagling people from Addis ababa to foreign country. He has access to any woyane office. when he send people to foreign country, He send a group of people as Ethiopian governmen office employee for business research.

    • girmay April 12, 2012

      tef;nay behaki tsemam donkoro eka. shame on u zerooooooooooo!!!

    • hama-sinai April 12, 2012

      donkoro

    • Ak-47 April 21, 2012

      Stupid Tef chinkilat

  • Samir April 12, 2012

    Esika wun kabtom hgdef zileakeka tikewun —kitbetatin mr operator
    again beal men eyen eten isayas merwey geru zireshenen biglsi sehafon tkeson
    eten ziweleda ab dege zelewake beal men eyen tikesen
    eten ministerat zisawetelen ke beal men eyen
    ember aygedifin eu ——wala ab gize kalsi —–Ab jpan nikishurmut bzuh dolar yetfie neru
    ezi sebay dea endhir ab kunat zeykafel neru bikemey eu ni Meles temenga hizu ayfelitin neru ziblo

    ember kilitiom hademti eyom ni hizbi eritran ethiopian zigeuuu zelewu kabzi ziabi gigninet kea yelon -ni darga liali 80 million hizbi zigezuu zelewu

  • rbdnkm@yahoo.com April 24, 2012

    wedkate hegdaefe enbere moti hadai dicttore sab buzhue ayhgosenna so wedkatome hegdfe eni nedele

    by arareb

1 3 4 5

POST A COMMENT