Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከልቢ ሃዳናይ ጸሩሪ ኣብ ኣፉ መረረ ትርፉ

እዚ ጽሑፍ እዚ  ንኩሎም ተጋደልቲ ብሓፈሻ፣ ኣብ ጽፍሒ ሓላፍነት ንትርከቡ ድማ ብፍላይ ዘተኮረ እዩ። ኩሉ ከምዝሳማማዓሉ መብዛሕትኡ ብሓቂ ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ሒዝዎ፣ ኩሉ ናብራን ሂወትን መኒኑ ናብ መስዋእቲ ክብጆ ኢሉ ናብ በረኻ ዝወጽእ፣ ልዑል ሕልናን

እዚ ጽሑፍ እዚ  ንኩሎም ተጋደልቲ ብሓፈሻ፣ ኣብ ጽፍሒ ሓላፍነት ንትርከቡ ድማ ብፍላይ ዘተኮረ እዩ። ኩሉ ከምዝሳማማዓሉ መብዛሕትኡ ብሓቂ ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ሒዝዎ፣ ኩሉ ናብራን ሂወትን መኒኑ ናብ መስዋእቲ ክብጆ ኢሉ ናብ በረኻ ዝወጽእ፣ ልዑል ሕልናን ትብዓትን ዝተዓደሎ ጥራይ እዩ። ክንዲ ዝኾነ መስገደል ሰጊሩ ዕላማ ፈጺሙ ዓዲ እንተ ኣተወ፣ ማዕረ እቲ ዝወሰዶ መዳርግቲ ኣልቦ ዉሳኔ፣ ፍናንን ኩርዓትን ክስምዖ ንቡር እዩ። ኩልና ከምንፈልጦን ንዝክሮን ድማ ኣብ መጀመርያ ናይ ናጽነት ዓመታት ተጋዳላይ ዝነበሮ ክብሪ ዓስቢ እቲ ዝፈጸሞ ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከ ክብሪ ተጋዳላይ ኣብ ከመይ ይርከብ ኣሎ?

እቲ መልሲ ንኹሉ ብሩህ እኳ እንተኾነ፣ ብዝያዳ ዝፈልጦ ግን ባዕሉ ተጋዳላይ እዩ። ብሓፈሻ ንምግምጋም ግን፣ ተጋዳላይ ናብ ሓደ ዕላምኡ ስሒቱ ናብ ወገኑ ዝዓለበ ተወንጫፊ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ከምሳዕቤን እዚ ነዉራም ተግባር ብመጀመርያ ሕፍረት ንነብሱ፣ ድሒሩ ድማ ናብ ዉላዱን መቅርቡን ተሳጋጊሩ፣ እቲ ዘሐብን ታሪኽ ዝሰርሐ ተጋዳላይ፣ ነታ ሓበኑ ዝነበረት ተጋዳላይ እትብል ቅጽል ኣሕፊራቶ ጎስይዋ ክሳብ ዝሓልፍ እንሓንሳብ ድማ ቀዳማይ ዙርያ ወይ ናይ 90 እኮ እየ፣ እንዳ በለ ከማኻኒ ክሳብ ዝግደድ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚታት ተዓዚብና ኣለና።

እቲ መኽንያት ከ እንታይ ነበረ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፣ ስርዓት ህግደፍ ንጸቢብ ረብሓታቱ ክብል፣ ንተጋዳላይ መሳርሒ ስለ ዝተጠቕመሉ እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ነቶም መጋበርያ ዝኾንኩም ደኣ እምበር፣ እቲ ስርዓት መንገዲ ዓመጽ ክሕዝ ከሎ ብትብዓት ዝተቃወምኩም ጅግንነት ኣብ ርእሲ ጅግንነት ንዝፈጸምኩም ተራኹም ዝዝንጋዕ ኣይመስለንን። ይኹን እምበር ገረብ ብሓኽላ ከምዝባሃል፣ በቶም ስራሕ ተግባር ጥልመት ንምፍጻም ዝተላእኩ ተጋደልቲ ተበግሶ ቅኑዓት ተጓዕጺጹ። እቲ ዝርዝር ነዊሕ እኳ እንተኾነ እቲ ክፋእ ግን ተጋዳላይ ተልእኾታት እቲ ስርዓት ንምፍጻም፣ ንህዝቢ ብሓፈሻ፣ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣሕዋቱን ኣሓቱን፣ ንሰብ ሕልና ብጾቱን ድማ ብፍላይ ኣረሚናዊ ግፍዒ ምስ ኣዉረደ እዩ ዕራቁ ዝወጸ ስራሕ ተዅላ ክሰርሕ ዝተራእየ። ሕብረተ ሰብ ክዒብዎ፣ ንመዉስቦ ከይተረፈ ዝተፈንፈነሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተዓዚብና ኢና።

እቶም ብኣስማት ሰዉራ ዝልለዩ ዝነበሩ ሕቡናት ደቂ ስዉኣትን፣ ህልዋትን ተጋዳላይ ከም ሓሬና፣ ፈንቅል፣ ጽንዓት ወዘተ ዝተሰምዩ ዉሉድካ ሎሚ ኣስማቶም ክልዉጡ ክትዕዘብ እንታይ ይስማዓካ? ካብ ስደትን በረኻን ናብ ዓዶም ክኣትዉ ብሰላምን እፎይታን ክነብሩ ዝባሃግካዩም፣ ሃገር ራሕሪሖም ናብ ስደት ከምርሑ እንከለዉ እንታይ ኮን ይስማዓካ ይኸዉን!! ኣብ ቃንኘዉ ማይ ሓባር፣ መንደፈራ ፣ ዋሊኩ ከረን፣ ባጽዕ ዝነበሩ ስድራቤታት ተጋደልቲ ሎሚ ኣበይ ኣለዉ? እቶም ንዜጋታት ሃገራዊ ፍቅርን ሓድነትን ከሕድሩ ከይተሓለሉ ዝሰርሑ ዝነበሩ ስነጥበባዉያን ከይተረፈ ኣብ ስደት ዘዉን ክብሉ ዝራኣዩ ዘለዉ ስለምንታይ ኮን ይኾኑ? ስደት ናፊቆም ድዮም ተጋዲሎም? ኤርትራ ንመን ትምችኦ፣ እፎይ ኢሉ ዝነብረላ መን ኣሎ።

ህዝብታት ዓለም ብዛዕባ ኣሳራርሓ መግቢ፣ መንግስትታቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ብኽብደት ሚዛን ዝሳቀ ህዝቦም ብኸመይ ይፍወስ ክዝትዩ ጸሓይ ክዓርቦም፣ እቲ ብጥምየት ዝግረፍ ዘሎ ህዝብኻ ብዕብራን መሰንገሊኡ ወጺኡ ብዛዕባ ባኒ ክሓልም ክትርእዮ ሎሚ እንታይ ይስማዓካ? እታ ብዋጋ ምሩጻት ብጾትካ ዝተረኽበት ሃገር፣ ረመጽ ተቀይራ ተጋዲለሉ ትብሎ ህዝቢ፣ መጋድልትኻ ነበር ብተግባርካ ዝሓነኸ በብሓደ ሰብ ዋሓደ ከምዝባሃል ወይ ናብ ስደት፣ ወይ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎን ደቂስካ ዶ ትሓድር ትህሉ? ኣብ ጎልጎል ዝወግሖ ዝብኢ ክትመስል ንበይንኻ ተሪፍካ ኣለኻ። ኩሉ ተሰዲዱ፣ ኩሉ ተኣሲሩ፣ ኩሉ ደኽዩ፣ መን ምስ ጠፍአ ኢኻ ትጉሂ፣ ንመን ትጥዕሞ ሃገር ኣምጺአ ትብል ትኸዉን? መን ሒዝካ ሃገር ክትከዉን ትሓስብ? ስለምንታይ ከ እዚ ኹሉ?

መልሲ ናይዚ ኩሉ ሕቶታት፣ ሓንቲ ኣያ ተጋዳላይ ብሓፈሻ ኣብ ጽፍሒ ስልጣን ትርከብ ድማ ብፍላይ፣ ተራኻ ተራ ከልቢ ሃዳናይ ስለ ዝኾነ እዩ።  ስርዓት ህግደፍ ከምተጠቂምካ ዝድርበ ዋጋ ኣልቦ ንብረት ክጥቀመልካ እንከሎን፣ እንዳ ሃለወን ኣጽቂጥካ ስለዝተረፍካ እዩ። ኩነታት ስርዓት ህግደፍ ናብ ገደል ኣብዘምራሓሉ ዝነበረ እዋን ካብኻ ዝተሰወረ ኣይነበረን። እዚ ሰብኣይ (ኢሰያስ) እምበር ዓቢዱ፣ እንታይ ከርእየና ደልዩ ዘሎ፣ ይባሃል ከምዝነረ ኩልና ንዝክሮ ዛጊት ዉን ዝዳጋገም ዘሎ ሓረግ እዩ። ንሱ ሓደ ሰብ እዩ፣ እንተዓበደ ዉን ኣይመኽፋኣሉን፣ የግዳስ ተጋደላይ እቲ ትማሊ ከምመድሕን ሃገር ዝረአ ዝነበረ ብዝዓበደ ዉልቀ ሰብ ተመሪሑ እዚ ዕንወት ክፍጽም መጋበርያ ክኸዉን ግን፣ ምስ ተገበአ ዶ? ዝሓለፈ ሓሊፉሎ መለበሚ ኣይግበርካ መለበሚ ኣይኽላእካ ከምዝባሃል፣ ነዚ ስርዓት እዚ ምግልጋል ግን ዉጺኢቱ ብኸም ናይ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ዝኣመሰሉ ሬሳኻ ምክልባት ጥራዩ።

ለዉጢ ፈቲና ጸሊእና ክመጽእ እዩ፣ እቲ እትቅይሶ ለዉጢ ኣየጉህን እዩ፣ እቲ ብዘይፍታዉካ ዝመጽእ ለዉጢ ግን፣ ነቲ ከይመጸካ ትፈርሆ መከራን ዓጸፌትኡን ሒዙ ከመጽእ ምዃኑ ኣይትጠራጠር! እንተኾነ ሕጂ ዉን ጽንቃቕ ሕልና ዝተረፈቶ ዓስቢ ገድልና ነዚ ኣይኮነን፣ ደጊምሲ ኣንጻር ገድለይ ኣይጋዳልን ዝብል ሓደ ምዑት ተተረኽበ ነገራት ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ክምለሱ ጸቢብ ዕድል ኣይሳኣንን ይኸዉን። ንስኻ ዉን ካብ ናይ ሕልናን ናይ ስዒቡ ዝመጽእ ስርዓት ተሓታትነትን ክስን ክትድሕን ሓጺር እዋን ተሪፍካ ከምዘሎ፣ ነዚ ኣንጸላልይካ ዘሎ ጸሊም ደበና ብምስትዉዓል ግቡእ ሓላፍነት ክትወስድ ግዜን ኩነታትን ይሓተካ ኣሎ!!!

ፍትሒ ይንገስ፣ ምልኪ ይፍረስ!!

ኤርትራዊ ብሕልና (23/02/2012).

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • HGDF February 24, 2012

    “እቶም ብኣስማት ሰዉራ ዝልለዩ ዝነበሩ ሕቡናት ደቂ ስዉኣትን፣ ህልዋትን ተጋዳላይ ከም ሓሬና፣ ፈንቅል፣ ጽንዓት ወዘተ ዝተሰምዩ ዉሉድካ ሎሚ ኣስማቶም ክልዉጡ ክትዕዘብ እንታይ ይስማዓካ?”
    ጽቡቅ ሕቶ፣ኣነ ከኣ ሓንቲ ሕቶ ኣላትኒ ንዓኻ
    ንስኻከ ሓቀኛ ሽምካ ክጽሕፍ ዘየድፈረካ ምኽንያት እንታይ እዩ?

    • Abnet Tesfai February 24, 2012

      HGDF
      good morning!
      it doesn’t matter whether he mentions his name or not. just criticize him if his idea is wrong. who cares about names. what matters is the truth. few of the many reasons can be his family may be in Eritrea and he may be using pseudonym for the safety of his family only or he may be within Asmara. even who cares about you to use HGDF the most hated name by the oppressed Eritreans; we only judge by your facts but no because you make English or tigrigna sentences.
      if you bravely explained the true situation of the Eritrea people( not the mad dog clique); believe me even your enemies will love you; if you lie and cheat and betray your own people, believe me even the criminal gangster in Asmara never loves you; only cheat as if they appreciate you to make instrumental and throw you like comrade Naizghi (NAISEITAN).
      Today it is a matter of moral and ethics to speak the truth.
      life is short. if you are trying to cheat the people but you will never. you only deceive yourself and you will remain suffering till the end of your life. so speak the truth and sleep well; or pray for the eritrean people.
      i understand that there are some very few hyenas in the opposition group which may make you frustrated and blindly support the gangster; but they are ephemeral /short lived/. especially if the number of individuals who are courageously speaking continues to increase, the desired freedom, democracy and thrive will prevail within short time.
      LET’S BE METTLESOME.

    • Mahta February 24, 2012

      hgdf betki. Kabakas tel wet begie tihaysh. Misaka demirka hizbi eritrea 200,000,000 ybestih eyu mikiatu tel, begie, andgi, kelbi, dumu, hibey, wekarya, shilu, anbeta …… demirka. Miniaktu nisiak seb eye tibil ente koynka ezom kulom ensisa wun sebat ena kublu eyo.

      Ok. Hgdf tiel!!!

    • Mahta February 24, 2012

      Tsihfet sitemeharet tel. Men eyu zistihfelki zelo berha tel? Adnikeki aleku tsihfet bimimharki. Ember kemaki dea seari wey kostli endien zibelea zelewa ab moror. Sli nisika hgdf zeykonkas mahsie wey dima eyet eka. Hgdf dima ahbay eyom.

  • isaiasrora@yahoo.co.uk February 24, 2012

    HGDF እታ ሕቶ ተመሊስካ ንነብስኻ ሕተታ፣ ምኽንያቱ ንባዕልኻ ስምካ ውሺቕካ ህግደፍ ሰይምካያ ስለ ዘለኻ።

    ኣስሓኮ!

  • SINGAPO-ERITREAN February 24, 2012

    እንታይ እዩ ዘይንርድኦ ፧ ነቶም ዝሓለፉ ዝምልስዎ ሕቶስ ፣ ብነቶም ዝተረፉ ክምለሰልና ንጽበ። እዚ ተጋደልቲ ዝብሃል ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላት ክጉዘ ይኽእልዩ። ብዙሓት፣ ንወጻኢ ክኸዱ ሱዳን ክሰግሩ ክብሉ ብሓይሊ ዘቃለስዎም /ዘሸፈትዎም እዮም ።ሕርቃን ኣለዎም ። ንሳቶም ብምኽንያት ድሙ ድሙ ፣ ከየፍቀርወን፣ ዓወት ንሓፋሽ ፣ ኢሎም ዝተምeርዓዉወን ፣ 6-7 ቆልዑ ኣንጠብጢበን፣ መሰትኦም ድማ ኣራንቺ ትመስል ወዘሮ ሒዙ ካብ ወጻኢ ክርእይዎ፣ ንሳተን፥ ውን ኣዝማሪኖ ቅሃዝ ዝተማህረ ከፍቅራ ዝሓሰብኦ ፣ ምስ ዓንድክኤልን ወለኪኤልን ክተርፋ፣ the last thing they think is liberate the people. Why do we expect too much from them ? Nobody wants to remember that miserable ,yet sexy ,country of ours.The only hope is from young Eritrean military ,based in Ethiopia to get to Eritrea & topple papa Isaias.

    • Mr. T February 24, 2012

      Another donkey from the donkeys-land. Now you have started to pill off your skin to show us who you are and what exactly you look like beneath that skin. You have the guts to call the Eritrean struggle as a struggle of “shefatu (bandits)”. Why the rotten supporters of the rotten opposition thugs tolerate you to swagger in this comment page unrestricted is amazing to say the least.

      • SINGAPO ' ERITREAN February 25, 2012

        Mr T ,
        I despise the opposition ,specially the ex Jebha tegadelti . They can not even compromise on the minor issue ,for the sake of the females & males being raped in Sinai. Now back to the bandits ,…those who force farmers to feed them ,take their off springs by force ,beat up older people ,turn decent people in to alcoholics by intentionally providing Dimu – Dimu drink ,which makes whisky taste like diet pepsi .IF THAT DOES NOT DEFINE BANDITS then I do not know what does !!!.ሸፋቱ፣ ወንበዴ፣ ከተርቲ፣ ዓመጽቲ፣ በድሙ ድሙ የሰከሩ ወንበዴዎች ናቸው !!!!

  • ahmed saleh February 25, 2012

    Reading the article, it remind me some ex- tegaldi and ex-warsay acting advocates to this
    dictatorial regime. These people are fake, oppotunists and selfish betrayers. Anybody who
    beleive because you fight for Eritrea and to expect pay-back are the ones never been honest
    to themselves and their comrades.

    • Facts-whose-facts February 25, 2012

      Ahmed Saleho anta luttie wedi faggot those the people are liberated Eritrea while you were busy cleaning some saudi Asses agame-jeberti. Why not you carry gun and fight the Eritrean government why you are bitching behind your PC.? Trust me we will make you bend-over more and more agame dirty .

      • ahmed saleh February 25, 2012

        Ciao Anta Ide Derbay wahed in assenna forum.

    • SINGAPO ' ERITREAN February 25, 2012

      Ahmed ,
      You make a lot of sense. Those who participated in the struggle / warsay voluntarly have the right to define the struggle they fought for .
      Ahmed Saleh did not force any person to fight on his behalf .Neither did Singapo- Eritrean . The Eritrean question was a legitimate one ,but executed by thugs & bandits ,specially by mudada.

Post a Reply to SINGAPO-ERITREAN Cancel Reply