Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ – ሕልምና ተኻሒዱ ስግኣትና ተጋሂዱ!

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ! ሃገረይ፣ እዚ መበል 24 ዓመቱ ክጽምብል ክልተ ሰሙን ተሪፉዎ ዘሎ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተገላገልክሉ 24 ግንቦት፣ ምስቲ ኣብ ኤውሮጳ ቅድሚ 70 ዓመታት ብዓወት ሓይልታት ኪዳን ዝተዛዝመ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ሓደ ወርሒ እዩ

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ!

ሃገረይ፣ እዚ መበል 24 ዓመቱ ክጽምብል ክልተ ሰሙን ተሪፉዎ ዘሎ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተገላገልክሉ 24 ግንቦት፣ ምስቲ ኣብ ኤውሮጳ ቅድሚ 70 ዓመታት ብዓወት ሓይልታት ኪዳን ዝተዛዝመ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ሓደ ወርሒ እዩ ዝዝከር ዘሎ። እዞም ክልተ ፍጻሜታት ምዝዛም ኵናት ብመጠን ተሳተፍቶምን ዝጸለዉዎ ብዝሒ ህዝብን ኣዝዮም ዝፈላለዩ ኳ እንተኾኑ፣ ህይወት ሰብ ዝቐዘፉ ናይ ጥፍኣት ኣጋጣሚታት ብምዃኖም ሓባራዊ ረቛሒ ኣለዎም።

ንዓና ንኤርትራውያን፣ ካልኣይ ኵናት ዓለም፣ ሽዑ ከም ብዙሓት ህዝብታት ዓለም ብቐጥታ ‘ኳ እንተዘይነሓፈና፣ መዓትና ኣብኡ ኣይተወደአን። እቲ ኵናት ብዝገደፈልና ጫለዳ ኵናትን መራሕትና ብዝኣጎዱዎ ተወሳኺ ህውከትን፣ ሕልፊ ዓለምና ተሳቒናን ተዓዲናን ኢና።

ሃገረይ፣ ሕጂ ንዓይ ዓጂቡኒ ዘሎ እቲ ታሪኽ ኣይኮነን። ሓድጊ ናይቲ ታሪኽ እዩ። ነቲ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ክካየድ ዝቐነየ ዝኽሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ምስቲ 24 ግንቦት እንዝክሮ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምግልጋል ኤርትራውያን ዘካየድናዮ ኵናት ኣመዛዚንካ ክርአ ኸሎ ውጽኢቱ ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ።

ድሕሪ ስዕረት ናዚ ጀርመን፣ ህዝቢ ኤውሮጳ ብሓፈሻ፣ ን 70 ዓመታት ሰላም ተጎናጺፉ፣ ቀሲኑ ኣብ ስልጣኔን ምዕባለን ከድህብ ዕድል ረኺቡ። ዕምቆትን ሙቐትን ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ናይቲ ኵናት ከኣ ብልክዕ ነቲ ዕዉት ውጽኢት ዘንጸባርቕ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ፣ ማዕረ ‘ቲ ዘጣጠሐ ሰላም፣ ቀጻልነት ናይቲ ዝኣምኑሉ ርእሰማላዊ ክልሰሓሳብ ኣብ ምርግጋጽ ‘ውን ስለዝተጠቕሙሉ፣ ርዝነት ናይቲ ኣጋጣሚ ብውሑዱ ንኣኽበርቱ፣ ዘሻሙ ኣይኮነን።

ንኣብነት፣ ኣብታ ዝኸበደ ጾር ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝተሰከመት ማዕረ 25 ሚልዮን ህይወት ዝኸፈለት፣ ትምርሓሉ ዝነበረት ፍልስፍና ተሳዒሩ፣ ርእሰሓያልነታ ተመንጢሉ ተቖራሚማ ዝተዳኸመትን ክንደይ ክብል ለጠቕ ዝረኣየትን ራሻ ‘ኳ ከይተረፈ፣ ኣገዳስነት ናይቲ ኣውንታዊ ውጽኢት ድሕሪ 70 ዓመት ‘ውን ኣይፈኾሰን። ህዝቢ ራሻ ሎሚ ዘበን “ኣብ ሓደ ዓመት እታ ኣዚኹም እትምነዩዋን እትግደሱላን ዕለት እንታይ እያ?” ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ፣ እቶም “ዕለተ ልደትና” ክብሉ ዝመለሱን፣ “መዓልቲ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም” ወይ ከኣ “VE Day” ዝበሉን ዳርጋ 45 ካብ ሚእቲ ብምዃን ምምዕርራዮም፣ ነቲ ካብ ጎበጣ ናዚ ተኸላኺሎም ዝተዓወቱላ ዕለት ማዕረ ልደቶም ከምዘኽብሩዋ ምርግጋጾም ሓደ ምስክር እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ግን በንጻሩ፣ እቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ኵናት ነቶም ዝተቓለስናሎም ሰላምን፣ ሓርነትን ፍትሕን ዝሕመረቶም ዕላማታት ስለዘየረጋገጸ፣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዜበታዊ መግዛእቲ ተበርዩ ኣደራዕ ስቓይን መከራን ደጊሱና፣ እቶም ናጽነት ዘምጽኡ ምስቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወለዱ ሓቢሮም ክስደዱ ስለዝጀመሩ፣ ዕለተ ናጽነትና 25 ዓመት ከይመለአ፣ ኣብ ታሪኽ ገድሊ እቲ ዝምረቕን እቲ ዝርገምን ምፍልላዩ ጸጊሙና፣ በቲ ሓደ ሰማእታትና ከይንወቅስ በቲ ሓደ ኸኣ ንጥልመት ናይቶም ምእንቲ ነብሶም ሃገር ዘዕነዉ ስሱዓት መራሕቲ ከይንንሕፍ እናተማታእና፣ ነቲ ዕለት ‘ቲ ብኸመይ ክንጽምብሎ ከምዘለና ምውሳን ኣጊሙና ኣብ ወጥሪ ንርከብ ኣለና።

“ኩሉ እንትናይ ንዓኺ፣ ንሃገረይ” ኢሉ ፍረ ማህጸኑ ጸንቂቑ ንዝሃበ ሓደ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድልሃመት ዝኸተት ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ እቲ ዝዓለለ ገበነኛ እዩ። ሕድገት ክግበረሉ ድማ ኣይግባእን። ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሞሞ ዘለዉ ውጹእ ክሕደት ምሕረት ዘፍቅድ ከምዘይኮነ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ንሳቶም ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ እዮም። ነዚ እቶም ፈጸምቱ ብልቦም ዝእመኑሉ ገበን ግን፣ ነቶም ግዳያት ዝበርሃሎም ኣይመስልን ወይ ከኣ ዓው ኢሎም ክዛረቡሉ ዝወሰኑ ኣይመስሉን። ሓንሳብ ሓንሳብ እቶም ዓው ኢሎም ከይዛረቡ ግብሮም ዘሕንኽ ምዃኑ ዝግንዘቡ ገበነኛታት ብመንገዲ እቶም ግዳያት ገይሮም ነብሶም ክኸላኸሉ፣ ወይ ከኣ ንተጣበቕቶምን ተደናገጽቶምን ከጥቅዑ ክትዕዘብ ከለኻ፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዓንዳ ርእሱ ወቕዒ ሒዙዎ ከይህሉ የስግኣካ። እዚ ኩነታት’ዚ፣ ካብቲ ሓንቲ ብዓመጽ ኣእምሮኣ ዝሰሓተት ግዳይ ንዝተጋሰሳ ዓማጺ ክትከላኸለሉ እትገብሮ ፈተነ ዝፍለ ኣይኮነን።

ይኹንምበር፣ “ደም ኣይሰድድን ‘ዩ” ከምዝብሃል፣ ዋላ እታ ግዳይ ዓመጽ ተደናጊራ በሰላኣ እንተጸረት፣ እቲ ካብ ዝቖሰለ ማህጸን ዝተፈጥረ ዕሸል ብጭካኔ ደቓሊኡ ምቝጥዑ ኣይተርፍን። በዳሊ ህዝቢ፣ ኣብ መወዳእትኡ ኢዱ ኣይስእንን እዩ። ዋላ ግዳያት እንተ ሕነ ነውሪ ኮይኑዎም እንተ ፍርሒ ኣሰኒፉዎም እንተደንጎዩዎ ‘ውን ባዕሉ ዕዳ ምኽፋሉ ኣይተርፎን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንኩነተ ኣእምሮ ናይቲ ኣብ ጥርዚ ነፍስኣዊ ቅልውላው በጺሑ ዘሎ ኢሳይያስ ከተንብቦ ኸለኻ፣ ገበኑ ሰርሲሩዎ ነብሰ-ቅትለት ክፍጸም ዝበረኸ ጸድፊ ከናዲ ዕግርግር ዝብል ዘሎ፣ ኣሽንባይ ዶ ምስ ህዝቢ ምስ ነብሱ ስኒት ዝሰኣነ ፍጡር ኮይኑ ይረኣየካ። እዚ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ቅሳነት ከሊኡዎ፣ ተጣዒሱ ዝገበሮ ዘሎ መስርሕ ባዕላዊ ንጽህና ኣይኮነን። ንኢስይያስ ዕግርግር ኣቢሉ ናብ ገመድ ኣቕሪቡዎ ዘሎ፣ ህዝብን ሃገርን እናጠፍአ ኸሎ ዘይምንኣዱን ዘይምምጓሱን፣ ከም ቀደሙ ነጎዳ ጣቕዒት ዘይምስምዑን እዩ። በዚ ድማ ዘይንቡርነት ኩነተ-ኣእምሮ ኢሳይያስ ተረጋገጽ።

ህይወት ሓደ ሰብ ክቡር እዩ፣ ክጠፍእ ከኣ ኣይግባእን። በዚ መንጽር፣ ነብሱ ዘሕለፈ መግነዝቲ ምንፋጉ ንገዛእ ርእሱ ኣውንታዊ መልእኽቲ ኣለዎ። እንተኾነ፣ “ሓደ ሰብ ዶ ወይ መላእ ሃገር ትጥፋእ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ከሎ፣ ካልኦት ኣማራጺታት ከተመዛዝን። ሀ – ለ – ሐ እናበልካ ኮለል ዘብል ኣይኮነን። ነቲ ምስ ሰላምን ሓርነትን ክተሃላለኽ ድቃስ ስኢኑ ዘሎ እኩይ ሸለው ዝብለሉ ዝበረኸ ገደል ኣብ ምንዳይ ክትተሓባበሮ፣ እቲ ንሱ ዝረኸቦ ገደል እንተዘየዕጊቡዎ ‘ውን ኣብ ጥርዙ ዘንጊ ክንውስኸሉ ጥራይ እዩ ዝግባእ። ከመይ ሲ፣ ኣብዛ ሓንቲ ሃገር ህይወት ሚልዮናት ንጹሃት ኣሎ፣ ኣብታ ሓንቲ ነብሲ ኢሳይያስ ግን ሓንቲ ርኽስቲ ህይወት ጥራይ እያ ዘላ።

እዚ መረረ ወይ ከኣ ጺቕታ ህልኸኛታት ኣይኮነን። ዝትንተን፣ ዝጭበጥ ውዱዕ ኣብነታት ዘለዎ ኩነታት እዩ። ወዮ ደኣ ትህኪት ኣእምሮ ኣደንዚዙና እምበር፣ ነቲ ኣብ ነብስና ዝወርድ ዘሎ መዓት ምስክርነት ካልኦት ክንጽበየሉ ኣይምተገበአን።

ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ ኣብዚ 24 ዓመታት ናጽነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣውሪዶሞ ዘለዉ በደል፣ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ተደሚሮም ኣብ ሓደ ዘበን ካብ ዝፈጸሙዎ ዕንወት ዝኸፍአ እዩ። ጥፍኣት ኢሳይያስ ዝሓስመሉ ምኽንያት፣ እቶም ባዕዳውያን ዝፈጸሙዎ ዕንወት ኣብ ባይታ ኤርትራ ክኸውን ክሎ፣ ዕንወት ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ግን ኣብ ስነኣእምሮ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ እዩ። እቶም ባዕዳውያን፣ ኣባይትና ዓድታትና ከቃጽሉዎ፣ ክኣስሩና፣ ክቐትሉና ከለዉ፣ ኣእምሮኣዊ ሓይልና ይበራበር፣ ኤርትራዊ መንፈስና ይሕይል ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፣ ነቲ ብብዝሒ ዝጎብኣና ሓይሊ መግዛእቲ ብኒሕ ሓንኵልና ሸለው ኣቢልናዮ፣ ንኤርትራውያን ብምቕታል ኤርትራ ክትመውት ከምዘይትኽእል ኣረጋጊጽና፣ ተዓዊትና።

ኢሳይያስ ግን ነቲ ብጥይት ዘይሞተ፣ ብሓዊ ዘይመኸከ ኤርትራዊ መንፈስ ብምድኻም ንህሉው ወለዶ ናይዛ ሃገር በታቲኑ፣ ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ዘሻቕል ነታጕ ይዘርእ ኣሎ።

ኣብዚ መበል 24 ዓመት ናጽነት ዝቀራረበሉ ዘሎ ቕነ፣ ኤርትራውያን ስለምንታይ ከምቶም ራሻውያን ንዕለተ ናጽነትና ማዕረ ዕለተ ልደትና ምርኣይ ጸጊሙና፣ “ከም መርዓ ብጓይላ እንተጸምበልናዮ ዶ ወይስ ከም ተስካር ብሓዘን እንተዘከርናዮ ይሓይሽ?” ናብ ዝብል ስምዒታዊ ምጕት ወዲቕና ምምላስ፣ ነቶም ኣብ ባይታ ተጻሒፎም ዘለዉ ኣብነታት ከም ካርታ ብምንባብ ነዚ ብኢሳይያስን ልኡኻቱን ኣብ ሃገርና ዝዝራእ ዘሎ ነቶጕቲ ኣብ ምንቃስ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ሃገረይ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ኢሳይያስ ዝዘርኦም ፌንጅታት ማእለያ የብሎምን። ካብ ጉይይ ንውዕል ክሳድ ሒዝና ከነስልጥ ምእንቲ ግን፣ ንሎሚ ኣብ ክልተ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎም ቁልፊ ዝኾኑ ጉዳያት ከነተኵር – ሕጊ ኣልቦነትን ምብኻን ስነምግባርን ማሕበራዊ ክብርታትን።

ሕግን ስነምግባርን፣ ኣብ ጽንዓት ኣተሓሕዛኦምን ቀያድነቶምን ዝፈላለዩ ‘ኳ እንተኾኑ፣ ቅኑዕን ጌጋን ብምምማይ ሓደ ህዝቢ ተሳንዩን ተኸባቢሩን፣ ደረት ንቡረቱ ሓልዩ ብስርዓት ክነብር ከም ሕብረተሰብ ሓቝፎም ዝሕዙዎ ናይ ሓባር ባህርይ ዘለዎም ኣገደስቲ ተርእዮታት እዮም።

ኣብዞም ዝሓለፉ ቀዳሞት ዓመታት ናጽነት ይኹን ኣብቶም ናብኡ ዘምርሑና ዘበን ገድሊ ግን፣ ብመንጽር እዞም ዓንዲ ማእከል ሕብረተሰብ ብምዃኖም ኣድማሳዊ ጠለብ ዘለዎም ተግባራት፣ ንዓና ንኤርትራውያን ዘዐሸዉና፣ ስምብራቶም ሕጂ ደሚቑ ዝርአ ዘሎ ክልተ ኣጉል እምነታት ኣለዉ።

ሕገ- ኣልቦነት

እቲ ቀዳማይ ደልሃመት፣ መራግእቲ ከይገደፍና ኣብ ልዕሊ ከም ብዓል ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሰውራ ዕዉር እምነት ብምሕዳር፣ ልዕልና ሕጊ ሸለል ምባልና እዩ። “ናጽነት ንምምጻእ ኳ ብተወፋይነት ዝተቓለሱ፣ ብሕጊ ምምሕዳር ደኣ ኣበይ ከይጽግሞም” ኢልና፣ ልዕሊ ሕጊ ስለዝሰቐልናዮም፣ እንሆ ሕጂ፣ ምስማር ዘለዎ ጫማ ወድዮም፣ ሕግን ህዝብን ደሚሮም ይረግጹና ኣለዉ። ቅድሚ ኩሉ ክንፈልጦ ዘለና፣ እቲ ቓልሲ ናይ ህዝቢ ምንባሩ እዩ፣ ዋናታቱ ንሳቶም ኣይኮኑን። ፈለማ ብዘይዓቐን ዘይናቶም ስለዝሃብናዮም ከኣ ‘ዮም፣ ነቲ ሕጊ ከነረክቦም ከለና ‘ውን ቃል ዓለም ዘይገበሩ። ካብዚ ንላዕሊ ከንትኩረሉ ዝግባእ ነገር እምብኣር፣ ካብ ዝኾነ ክፋል ሕብረተሰብ ብሕጊ ክቝረኑ ዘለዎም እቶም መራሕቲ ምዃኖም እዩ። ሓደ ተራ መልዓሊ ቕሙጥ ሚእቲ ቕርሺ ወይ ሽሕ ቅርሺ፣ ዋላ ሓደ ሚልዮን ክሰርቕ ይኽእል፣ ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰለ ዓይኒ ሕንከት ዘይብሉ መራሒ ግን መሰል ህዝቢ፣ ቅዋም፣ ሃገር ብዓባያ ይሰርቕ። ስለዚ፣ መራሕቲ፣ ፈለማ ሕጋዊ ስልጣን ተረኪቦም ብሕጊ ከመሓድሩ፣ ቀጺሎም ደረት ስልጣኖም ፈሊጦም ሃገር ኣብ ስራቕን ምሻጥን ከይበጽሑ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ኢሳይያስ ዕንደራ ለሚዶም ክሳብ ምሉእ ህይወቶም ኣብ ወንበር ስልጣን ክነብሩ ከይብህጉን ብሓይሊ ብረት ከተግብሩዎ ከይተሃላለኹን ልጓም፣ ግዝኣተ ሕጊ የድሊ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ሃገርና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መስጠሚ ደልሃመት እያ ወዲቓ ትርከብ ዘላ። ኢሳይያስ ንነብሱ ከም ሃገር ክገልጻ ኸሎ ብዙሓት ስለዝኣመኑዎ፣ ትሕቲ ኣምላኽ ልዕሊ ምድሪ እየ ክብል ጀሚሩ ‘ሎ። ከም መርኣያ ናይ’ዚ ኸኣ ነቲ እንተላይ ንዕኡ ክእዝዝ ቅድሚ 20 ዓመት ተነዲፉ ዘይተተግበረ ሃገራዊ ቕዋም “ቀደም ሞይቱ እዩ” ብምባል፣ ነቲ ተቐሚጡሉ ዝነበረ ከብሒ ከም ሳንዱቕ ሬሳ ተጠቒሙ ኣብ ትሕቲ ቤትጽሕፈቱ ቀቢሩ፣ “ንዓኻትኩም ነቶም ከተገልግሉኒ ዝተፈጠርኩም ገላዪ ነንሕድሕድኩም ዘመሓድር ሲቪላውን ገበናውን ሕግታት ካብ ላዕላይ ሰማይ ይድርብየልኩም ኣለኹ” ክብል ሃጠው ቀጠው ጠንቆልቲ ዝዓይነቱ ኣዋጅ ክዝርግሕ ንሰምዕ ኣለና። ‘

መጀምርያ ወዮ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ምስ ሕንከት ኣይተፈጥሩን እምበር፣ “ሲቪላውን ገበናውን ሕግታት ክንእውጅ 24 ዓመታት” ሕሰቡዎ ‘ሞ፣ “ማዕረ ‘ቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተኻየደ ብረታዊ ቓልሲ ወሲዱልና” እኳ ‘ዮም ዝብሉና ዘለዉ። ነዝስ ኣሽንባይ ዶ ባዕሎም፣ ካልኦት ክብሉዎ ኸለዉ ኳ ክሓፍሩሉ ምተገብአ።

ጭፍራ ኢሳይያስ ነዚ ድራማ’ዚ ሎሚ ቕነ ናብ መድረኽ ከምጽኡዎ ከለዉ ግን ካብ ድርቅናኦም ዝዓቢ ካልእ ፖለቲካዊ ምኽንያት ነይሩዎ እዩ። ንሱ ኸኣ፣ ነቲ ኢሳይያስ “ቅዋም ሞይቱ ‘ዩ” ምስ በለ ኣብ ደገፍቱን ተወላወልትን ዝተራእየ ቅብጸት ናይቲ ስርዓት ንምሽልሻል ዝተማህዘ፣ ከምቲ ኣብ ገለ መሂተኖታት እንዕዘቦ ዘለና፣ “ኣሃ፣ እዚ መንግስቲ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ቀስ ብቐስ ናብ ላዕሊ ክበጽሕ ውጥን ስለዘለዎ ‘ምበር ኣብ መወዳእትኡስ እምብኣር ቅዋም ከተግብር ውጥን ኣለዎ፣ ወረ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ክእውጆ እዩ” እናበልካ፣ ‘ጨና ካብ ሃለወ ጸብሒ ክህሉ ኣለዎ’ ብዝዓይነቱ ሓሶት ተስፋ ተደሪርካ ምሕዳር እዩ።

ነዚ ፕሮፖጋንዳዊ ጸወታ ንጎኒ ገዲፍና፣ ነቶም ብኢሳይያስ ዝተላእኩ ከም ፎዝያ ሃሽም ዝኣመሰሉ ከለስቲ ናይቲ ልቢ-ወለድ ሕግን ከነቕርበሎም ዝግባእ ሕጋዊ ሕቶ እምብኣር፣ “ነቲ ሲቪላውን ገበናውን ሕጊ ኣበየናይ ሕጊ ተመርኵስኩም ኢኹም ሓጊግኩሞ?” ዝብል እዩ።

ብደረጃ ሃገር ክርአ ኸሎ፣ ቅዋም ወይ ከኣ ሕገ-መንግስቲ፣ ኩሎም ንኡሳን ሕግታት ሓንቲ ሃገር ዝምርኮሱሉ፣ ክጠሓሱ ዘይብሎም መሰላት ዝሓቖፈ፣ ሰበስልጣን ናይታ ሃገር ክሰግሩዎም ዘይግባእ ቀያሕቲ መስመራት ዘለዎ፣ ሃገር እትቖመሎም መሰረታውያን መትከላት ዘካተተ ዝለዓለ ሕጊ ሃንቲ ሃገር እዩ። ኢሳይያስን ዓሻኽሩን ነዞም ሕግታት እዚኣቶም ክነድፉ ከለዉ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ምርኩስ የብሎምን። ብርዖም ኣብ ቀለም ዘይኮነ ኣብ ማይ ጠሚዖም እዮም ጽሒፎሞም። ከምቲ ንመግዛእቲ ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ተርጕሞሞ ዝቕጽሉዎ ዘለዉ፣ ብኻ ነቲ ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ኣስተርጕሞም “መሰጋገሪ ሕጊ” እናበሉ ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ሲቪላውን ገበናውን ሕጊ ተጻኒሖም። ኣረጊት መግዛእቲ ካብ ዝቕጽሉ ዘለዉ ገዛእቲ፣ ሓድሽ ሕጊ ዝጽበ የለን።  ደቂ-ሰብ ካብ ገዝኦም ጨውዮም ንዝኣስሩን ንዝቐትሉን ሰበስልጣን ነጻ ገይሩ፣ ደርሆ ኣብ ቅርዓት ዝወለደቶ እንቋቝሖ ንዘልዓለ፣ ግዳይ እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ሽቕለት ኣልቦነት ንዝኾነ ድኻ ብስርቂ ዝፈርድ ሕጊ፣ ሲቪላዊ ሕጊ ኣይኮነ ገበናዊ ሕጊ፣ መሰረት ይኹን ናሕሲ ዘይብሉ፣ ኣብ ህዋ ዝተንጠልጠለ ሕጊ ጠንቆልቲ እዩ። ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ተመርኵሱ ዘይተነድፈ ሕግታት፣ ሕጋውነት የብሉን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ልክዕ ከምዞም ሕጊ ጠንቆልቲ፣ በዚ ኣይግዳዱ ስርዓት’ዚ ዝሰላሰሉ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሎም ብዙሓት ተግባራት ኣለዉ። ሓደ ካብዚኣቶም፣ ወረቐት መንነት ኤርትራዊ ዜግነት እዩ። ሓደ ሕጋዊ መንነት ዘይብሉ ስርዓት ዜግነት ክምንጥልን ክዕድልን ክትርእዮ ከለኻ ዘስሕቕ እዩ። እዚኣቶም፣ ንርእሲኦም ዜጋዊ መንነት ጥራይ ዘይኮነ ሰብኣዊ መንነት ጨኒቑዎም ዘሎ ኣብ ከተማ ኦፊስ ዝኸፈቱ ሸፋቱ ዝዕድሉዎ ዘለዉ ሰነድ  ወረቐት መንነት ወይ መንነት ዜግነት ኣይኮነን። ነቶም እዚ ኹሉ ኣራዊታዊ ገበናት እናፈጸሙ ብተህበር ዝስዕቡዎም ዘለዉ ደገፍቶም ንምልላይ ዝህቡዎ ናይ ጽላለ ካርድ እዩ።

 

ምብኻን ስነምግባርን ማሕበራዊ ክብርታትን

እቲ ካልኣይ ደልሃመት፣ ናይቶም ጠላማት ርኹስ ኣእዳው ‘ኳ እንተለዎ፣ ብዓቢኡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተናኺሱ ዘሎ ስነምግባራዊ ቅልውላው እዩ።

“ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሉጽ ማሕበራዊ ክብርታት፣ ፈሪሃ እዝግኣቢሄር፣ ስነምግባር ዘለዎ፣ ሕጊ ይኹን መንግስቲ ዘየድልዮ ሕብረተሰብ እዩ” ይብሃል ነይሩ እዩ። እንተኾነ፣ ኣብዚ መንግስቲ ዘይረኸበሉ ግዜ ነቲ ፈተነ’ዚ ክጻወሮ ኣይከኣለን። ኣብዚ ዘበናዊ መድረኽ ብዘይ መንግስትን ኣመሓዳርን ዝነባበር ህዝቢ ከምዘየልቦ ርዱእ ከም ምዃኑ መጠን፣ እቲ ኣበሃህላ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ እዱብን ምቕሉልን ህዝቢ ምዃኑ ንምግላጽ ዝዝውተር ኣበሃህላ ከምዝነበረ ፍሉጥዩ። ይኹን እምበር፣ ኣብ ባይታ ኣሰሩ ተሳኢኑ ‘ሎ።

ሓሶት፣ ስርቂ፣ ሕስዳን፣ ቃጻዊ ጸለመን ምጥቕቓዕን፣ ንእንግድዓ ሰባት ከም ኣስካላ ተጠቒምካ ምሕኳር ዝውቱር ኮይኑ፣ ምእንቲ ገንዘብ፣ ሰብ፣ ሓውኻ ከይተረፈ ምሻጥን ምብላዕን ዝረኣየሉ ግዜ ተበጺሑ። ኤርትራዊ ሎሚ ብልቡ ዝሓስቦ ካልእ ብኣፉ ዝብሎ ካልእ፣ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝብሎ ካላእ ብድሕሪ ሰብ ዝብሎ ካልእ ኮይኑ፣ ኣብ ሓደ ህይወት ክልተ ሰብ ኴንካ፣ ብለጠቕታ ርእሰ ተኣማንነት ተጸቒጥካ ምንባር ይላመዶ ‘ሎ። እዚ ብዓይንና እንርእዮ ዘለና ጽውጽዋይ ከምዘይኮነ መቸም ፈሊጥና ኣለና፣ ነቲ ብኣፈታሪኽ ዝብሃል ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ከኣ መጽናዕቲ ከድልየና እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕብረተሰብና መለለዪ ተሳኢኑዎ ‘ሎ።  እቲ ውልቀመላኺ ስርዓት እምብኣር ኣብ መሸጓ ሹግ ናይዚ ሞራላዊ ውድቀት ተላሒጉ እዩ ዝነብር ዘሎ።

ብርግጽ እቶም ነዞም ካብ ስነምግባር ወጻኢ ዝኾኑ ጠባያት ከም ናይ ህይወት መንገዲ ርእዮም ዘዘውትሩዎም ዘለዉ ሰባት እናበርከቱ ‘ኳ ይኸዱ እንተለዉ፣ ውሑዳት እዮም። እቲ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ግን መጠን ናይቶም ነውራማት ኣይኮነን። እቲ ሕብረተሰብ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነውርታት ዝህቦ ግብረመልሲ ልኡም ምዃኑ ‘ዩ ዘሰንብድ።

እዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሓባራዊ መንነቱ ከም ህዝቢ ኣጥፊኡ፣ ተስፋ ቆሪጹ፣ ካብ ሕብረተሰባዊ ረብሓ ውልቃዊ ጠቕሚ ኣቐዲሙ፣ ኣብ ደልሃመት እንታይ ገደሸኒ ዒቕዒቕ ይብል ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

ንኣብነት፣ ከምቲ ናይ ላምፐዱዛን ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ህልቂትን፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ክሃልቁ ከለዉ፣ ከም ኤርትራውያን ሓቢርና ክንሓዝነሎም፣ ስድራቤቶም ክነጸናንዕ ዝግብኣና ኳ እንተነበረ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ነቶም ኣብ ሓደ ሓደጋ ዝሃለቑ ኣማኢት ግዳያት ንምዝካር ዝእከብ ህዝቢ ዕስሪት ናይቶም ንሓደ መዋቲ ንምቕባር ዝእከቡ ከምዘይኮነ ኢና እንዕዘብ። ሬሳኦም ኣብ ቅድሜና ዘይምድርዳሩ ‘ኮ ዝያዳ ንግዳይነቶምን ድኽነቶምን ዝገልጽ ‘ዩ። ብሞት ናይቶም ዕሸላት ጥራይ ዘይኮነ፣ ንቡር ቀብሪ ብዘይምርካቦም፣ ስድርኦም ሓዘኖም ብኸመይ ከምዝውድኡዎ ጸጊሙዎም ሰንፈላል ኮይኖም ምህላዎም ‘ውን ድርብ ሓዘን እዩ ዝገብሮ። ያታና ኸኣ፣ ህይወት ምስ ሓለፈት ብኡሳት ከይተረፈ ከምዝቃበሩ እዩ ዘዘንትወልና። ንሕና ኤርትራውያን ግን ነቶም ጠንቂ ህልቂት ዝኾኑ መለኽቲ ኣብ ክንዲ ምዅናን ነቶም ግዳያት ህልቂት ብዝቕታ ንውግዞም ኣለና።

ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ነቲ ልዙብ ያታዊ ስነምግባር ብምድፋን፣ እቲ “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” እናበለ ዝኽሕዶም ምልካዊ ስርዓት እንተስ ከይቅየመሎም እንተስ ከይተሓሓዞም፣ ሓቀኛ ስምዒቶም ጸቒጦም ምዩቕ እናበሉ ካብ ምዝካሮም ቦዅሮም ክውዕሉ ከለዉ፣ ካብኡ ሓሊፉ ንሱ ኣብ ዝኣጎዶ ጓይላ ክስዕስዑ ክትርእዮም ከለኻ ዘደንጹ እዩ። ነዞም ብህይወቶም ከተድሕኖም ዘይከኣልካ ግዳያት ሽምዓ ወሊዕካ ምሕዛን ከምዘይመልሶም ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ፣ ንዓኣቶም ዝግበረሎም ክብርን ዝኽርን፣ እቲ ህዝቢ ከም ሕብረተሰብ ዘለዎ ጥምረትን ሓባራዊ መንፈስ ኣበየናይ ደረጃ ከምዘሎ፣ ቀጻልነቱ ንገዛእ ርእሱ እንታይ ከምዝመስል ዝእምት እዩ።

ስለዚ፣ እቲ በቲ ኣምሳያ ሃገርን ህዝብን ኣብ ስልጣን ክነብር ዝሓልም ምልካዊ ስርዓት ዝነገሰ ሕገ-ኣልቦነት ኮነ ኣብ ሕብረተሰብና ረኺሱ ዘሎ ስነምግባራዊ ጥፍሽና ተዛራርዮም ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘርዱዎ ዘለዉ ሓደጋን ዕንወትን ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ክስቆረና ኣለዎ። ኣብዚ ቕንያት’ዚ፣ መበል 24 ዓመት ናጽነት ከነኽብር ከለና፣ 24 ዓመት ንድሕሪት ተመሊስና ከምዘለና ብምስትብሃል፣ ካብዚ ሓደጋ ‘ዚ መዋጽኦ ረኺብና፣ ዓመታት ሓርነትን ፍትሕን ሓደ ኢልና ምቝጻር እንጅምረሉ ብልሓት ክረክብ ይግባእ።

ቅድሚ ኹሉ፣ ሕልምና ተኻሒዱ ስግኣትና ተጋሂዱ ከምዘሎ፣ ከምዝፈሸልና ክንእመን ኣለና። እቲ ውድቀት ናይቲ ስርዓት ጥራይ ኣይኮነን፣ ከምዚ ንዝኣመሰለ ብጭካኒኡን ውርደቱን መዳርግቲ ዘይርከቦ ስርዓት ዝጻወር ሕብረተሰብ ንገዛእርእሱ ተንሲኡ ‘ሎ ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ስለዚ፣ ብቐዳምነት ክንቃለሰሉ ዘለና ቀዳማይ ዕማም ግዝኣተ-ሕጊ ምንጋስ እዩ። እቲ ሞይቲ ዝብሃል ዘሎ ቅዋም ከይተንስአ፣ ሃገር ክትቀውም ህዝቢ ክበራበር ኣይክእልን እዩ። ምእንቲ ‘ዚ ነቲ ሕጋውነት ዘይብሉ ቀይዲ በተኽ ስርዓት ምሒና፣ ሕጋዊ ቅዋማዊ ህዝባዊ ስርዓት ንምትካል ኮነ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ሰፊኑ ዘሎ ሞራላዊ ቅልውላው ንምፍዋስ ውሕስነት ዝኾነና እንኮ መድሃኒት ሕጊ ምትካል ምዃኑ ኣሚና፣ ብትብዓት ክንለዓል ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

8 ግንቦት 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • lukas May 18, 2015

    Well said Amanuel bitaemi xbuk burtue hasab

  • lukas May 18, 2015

    Well said Amanuel

    • Tesfit May 18, 2015

      You’re doing it the lazy way. Tell us what you like about it and why. Tell us what you disagree and why.

      • AHMED SALEH !!! May 18, 2015

        Tesfit
        For another option to choose , We want hear also your brave way if you are part of solution seekers which I doubt you have nothing to offer .

  • Bihdma Hager Badima May 18, 2015

    Dear Amanuel Iyasu, i thank you so much for all your efforts, this is a big wake up call.

  • Zeray May 18, 2015

    ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

    Down with dictatorship and up with the rule of law.

    Thank you Amanuel

  • Amare Resom May 18, 2015

    ኣማኑኤል ኢያሱ፡ “ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ”!
    ሃገረይ፡ ከምዛ ትርእየኒ! እመዉት ኣለኹ!
    ከም ቀደምካ ድኣ ኣፈርክቡ! በለለይ፡ እንተርከቡኒ ደቀይ!
    ኣማኑኤል፡ “ሓደ ሰብ ዶ ወይ መላእ ሃገር ትጥፋእ?”!
    ሃገረይ፡ ንሕሙቶ ዶ ሕቶ! ሓደ ሰብ እባ ህልም ይበል! ከይለከመኒ ከሎ!
    ምኽንያቱ ከምታ ባዕልኻ ዝገለጽካዮ፡ “ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ ኣብዚ 24 ዓመታት ናጽነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣውሪዶሞ ዘለዉ በደል፣ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ተደሚሮም ኣብ ሓደ ዘበን ካብ ዝፈጸሙዎ ዕንወት ዝኸፍአ እዩ። ኢሳይያስ ግን ነቲ ብጥይት ዘይሞተ፣ ብሓዊ ዘይመኸከ ኤርትራዊ መንፈስ ብምድኻም ንህሉው ወለዶ ናይዛ ሃገር በታቲኑ፣ ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ዘሻቕል ነታጕ ይዘርእ ኣሎ። “ቅዋም ሞይቱ ‘ዩ”! ኢሉ መርድእ ነጊሩ ኣቃብሩኒ ከይበለ ቀቢሩዎ። ኣብ ክንድኡ ዘይመውት ዘይጉሓፍ ሕጊ ጠንቆልቲ መስሪተ ይብል ኣሎ። ንጠንቆልቲ ዘይገድፈሎም። ከምቲ በምሓርኛ ‘ዓሳ ግማቱ ክጭንቅላቱ’ ዝብሉዎ ብዓንደርእሱ ዘይሰድድ ሕማም ምምንጣል ምቕንጻል ስለ ዝሕዞ’ምበር። ካብ ሕሙምከ ጥዕና ዘለዎ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቅም ቅዋም ምጽባይ ከኣ ዘይመስል! ወጮ እንተገልበትካዮ ወጮ ኢዩ። ነቶም ኢሳያስ በለ እናበሉ ዘጣቕዑሉ ዓያሹ ግን መቐነዪ ክኾኖ ዝፈነዎ ይኸውን’ምበር።
    ኣማረ ርእሶም

  • Simon G. May 18, 2015

    If Eritrea had the chance to get one wish, what would you think “she” reply? I would say, she would request for Ammanuel to be cloned many many times.

  • Hagherawi May 19, 2015

    “በዚ ኣይግዳዱ ስርዓት’ዚ ዝሰላሰሉ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሎም ብዙሓት ተግባራት ኣለዉ። ሓደ ካብዚኣቶም፣ ወረቐት መንነት ኤርትራዊ ዜግነት እዩ። ”

    ኣማኑኤል ኢያሱ

    The regime’s support base inside the country is dwindling by the day. Due to that, there are many who fear Higdef may give the new ID also to Demhit. They could get government jobs and and work for security agencies.

    • Pawlos T. May 19, 2015

      What benefit and advantage will they get from getting the new Eritrean ID? And what jobs and pays will they get from Higdefs? They must be regretting for coming to Eritrea in the first place as their people and country Ethiopia is developing rapidly and also standard of living and job opportunities improving all the time.
      So do not exaggerate as though they are living in America or in heaven with special ID and special job!

      • Hagherawi May 19, 2015

        It may be true that Tigray is developing fast, which is good for them, but Demhit people cannot go back. Tigray has no democracy yet, it’s controlled by one Party system and an intolerant one at that. The Tigreyans who oppose Weyane (Gebru Asrat, Sie ..etc) went to Addis while there was war with Eritrea, as a result of power struggle within TPLF’s core group, and they are still based there, because there is no much freedom in Mekele. When it comes to politics Weyane is not liberal. Besides, the ruling elite is made of some regions like Adwa and Shire-IndaSellasie, so obviously, some feel they are marginalized and that is why there is Demhit in the first place.
        Recently there was news from Eritrea that a meeting with Demhit leaders about possible integration with Eritrean Defense Forces, did not go well. But nothing can stop Higdef from removing the hurdles from the way, even if that means making Demhit leaders disappear, if it serves their purpose.

      • Eritreawit May 20, 2015

        Pawlos T

        Do you think Eritrea is poor? The money is going to the dictator’s and its secret service pocket. Do not come here and preach how your Country is developing just tell your people Demhit including the leaders of HGDF to get out of Eritrea. Ofcourse it will give the ID to demhit; they are his bodygords, the dictator trust them than the THE EDF, JUST LIKE GADAFI BROUGHT GURDS FROM OUTSIDE. NO TO TIGRAY-TGRIEGE.

  • Hana May 19, 2015

    well done

  • SilefitHi May 21, 2015

    ክቡር ኣቶ ኣማኑኤል!
    ኩርምቲ ዝሓለፎ መጥሓን ኣየድልዮን።
    ዕድመን ጥዕናን ንዓኻ።

  • hamasanay May 22, 2015

    Well Amanial eyasu kemey edmaka yhser kemzin wedikemzin endatsahafka menaseyat atsnitkayom anta kindey ke tkalelu kindey ke tmihz were kurub ageb ageb Ata kabta merat deykonikan tfetirka bezen kurub kurabo weysne zibkas zeyelen zeywealen kitmihz tnebr

POST A COMMENT