Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከም`ቲ ገለ-ገለ እንስሳታት ምስ ተፈጥሮ እንዳተመሳሰላ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ኮይነን ዝነብራ ምንቅስቓስና`ውን ንህ.ግ.ዲ.ፍ ኩሉ ግዜ ድሉው እዩ!!

ህዝቢ ኤርትራ እታ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ኣቦታቱን ኣዴታቱን ከምኡ`ውን ደቁ፡ ዝተሰውኡላ ነጻነት ተነፊጋቶ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቖጺሩ ንሞትን ንውርደትን፡ ንዘመናዊ ባርነትን፡ ካብ ዝቃላዕ እነሆ ድሮ ዕስራ ዓመታት ሓሊፉ፡፡ እወ!! ኤርትራዊ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት

ህዝቢ ኤርትራ እታ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ኣቦታቱን ኣዴታቱን ከምኡ`ውን ደቁ፡ ዝተሰውኡላ ነጻነት ተነፊጋቶ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቖጺሩ ንሞትን ንውርደትን፡ ንዘመናዊ ባርነትን፡ ካብ ዝቃላዕ እነሆ ድሮ ዕስራ ዓመታት ሓሊፉ፡፡

እወ!! ኤርትራዊ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ብኣረሜናውያን ጀነራላትን፡ ክፍሊ ስለያን ናይ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ከም ደቂ ዛግራ ብጥይት ክህደንን ክቑለብን ብኾንቱ ክመውትን፡ ኣብ ኮንተይነራት ክዳጎንን፡ ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ ክኸውንን ከሎ እዚ ግፍዒ`ዚ ብፍላይ ብደገፍቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ንቡር ተወሲዱን ተለሚዱን`ዩ ጸኒሑ፡

እቲ ኣዝዩ ዘስደምምን ዘሕዝንን ግን፡ እቲ ኣብ`ዚ ቀረባ እዋን ኩላትና ክንከታተሎ ዝቐነና ንዓለም ዘስደመመን፡ ንኤርትራውያን ሂወትናን መንነትናን ክሳብ ክንደይ ሓሲሩ ከም ዘሎ ዘዘኻኸረን ዘሕዘነን፡ ሬሳታት መንእሰያትና ካብ ጎዳጉዲ ሲናይ ተፋሒሩን ተጎሲሱን ምስ ወጸ ዝረኣናዮ ናይ ኣካላቶም ስንብራን`ዩ፡፡

ነዚ እንተኾነ`ውን ህ.ግ.ዲ.ፍን ደገፍቶምን ክንዲ ፍረ ኣድሪ`ውን ትኹን ናይ ድንጋጸ ምልክት ኣየርኣዩን፡፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብኣኣቶም ተገፊዑ ወጺኡ ከይኣኽሎ ብኣኣቶም ንደላሎ ተሸይጡ ክነሱ፡ ነቲ ሓጥያት ናብ ካልኦትን፡ ናብቶም ግዳይ ዝኾኑ መንእሰያትን ከላግብዎ`ዮም ዝፍትኑ ዘለዉ፡፡ እዚ ከኣ ኣብ ታርኽ ህዝብና ጨሪሱ ዘይርሳዕን፡ ምሕረት ዘይግበረሉን ገበን እዩ፡፡

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን፡ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍን ሰዓብቱን፡ ግብኣተ መሬት ክሳብ ዝኣትዉን፡ ኣብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ  ክሳብ ዝድርበዩን፡ ዕጭኦም ዕጫ ኮለኔል ቐዛፊን ስዓብቱን ክሳብ ትኸውን፡ ስልጣኖም ንምዕቃብን ሓዘን ናይ ህዝቢ ኤርትራውያን ንምንዋሕን ፋሕተርተር ካብ ምባል ዓዲ ኣይክውዕሉን እዮም፡፡ ገና ፋሕተርተር ይብሉ ኣለዉ፡፡

ሓደ ካብ መርኣያ ዓቕሊጽበታዊ ፋሕተርተሮም ድማ፡ ንህዝቢ በስገዳድ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝስለፍን፡ ኣብ ፌስታታትን ኣኼባታትን ብዘይድልየቱ ከም ዝመጽእን እገብሩ ኣለዉ፡፡ ኣብ ኖርወይ`ውን እንተኾነ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝገብሩዎ ዘለዉ ዓቕሊ ጽበታዊ ፋሕተርተር ምባሎም ኣይተረፎምን፡፡

እነሆ ከኣ ኩሊት ናይ መንእሰያት ኤርትራውያን ብሓይሊ ተጠቢሑ ወጺኡ ኣብ ዕዳጋ እንዳወረደ ከሎ፡ ንዕለት 19.11.11 ፌስታ ተራእዩዎም ንኽስዕስዑ ፌስታ ኣዳልዮም ኣለዉ፡፡ ንዕለት 20.11.11 ውን ብሓደ ፕሮፈሶርየ ብሃላይ ትምህርቱን ክብረቱን ዝሸጠ ሙሁር፡

ብሞት ውጹዓት ዘይተጣበቐስ፡ ብዛዕባ ካልእ ን.ህ.ግ.ዲ.ፍ መጻባበቒ ዝኸውን ኣስተምህሮ ንኽህቦም ሰሚናር ኣዳልዮም ኣለዉ፡፡

ስለ`ዚ እንበኣር!! ንኹሉ ኣብ ኖርወይ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ምድላዋት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንኸይሳተፍ ነማሕጽን ኣሎና፡፡ ኣብ`ዚ ምድላዋት`ዚ ምስታፍ ገበን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣብ ሲናይ ኣኽብዶም ብስቓይ ተጠብሑን ህዋሳቶም ዝተሰርቀን ዝተሸጠን መንእሰያት ኤርትራውያን ምልጋጽን፡ ኣብ ልዕሊ መቓብሮም ምስዕሳዕን ማለት ምዃኑ ነዘኻኽር ኣለና፡፡

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡ ምንቅስቓስና ከም ወትሩ ንስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍን ደገፍቱን ኣብ ምንታዮም ከም ዘሕምሞም ፈሊጡ`ዩ ዝሃርሞምን፡ ሕቖኦም ከም ዝጉዘዙ ዝገብሮምን፡፡ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ድማ እቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ዝተገብረ ንህ.ግ.ዲፋውያን ዘሰንበደን ንተቓውሞና ድማ ጸባ ዘስተየን ጉዳይ፡ 2% ኮነ ጉዳይ 50.000 ናቕፋ ካብ ህዝቢ ምምዝማዝ፡ ጉዳይ ምብህራር ወዲ ገራህቱ ኣብ ሆተል ፕላዛ ኮነ ጉዳይ ማሕበረሰብ ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ዝጥፍሽ ምግባር፡ ጉዳይ ኣንጻር መድያ ናይ ኖርወይ ኤን.ኣር.ኮ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ከለዉ ዝተገብረ ምቅላዕን ከም ዝፈሽሉ ምግባርን ኮነ፡ ጉዳይ እቲ ዓቢ ስምብራት ዝገደፈሎም ምቅላዕ መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ኖርወይ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል፡፡

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣንበብቲ፡ ሕጂ`ውን እንተኾነ ኩሉ ዝከኣለና ዘበለ ንገብር ኣሎና፡፡ ንኹሉ ምንቅስቓሳቶም ብጽሞና ንከታተሎ ኣሎና፡፡ ኣበይን ብኸመይን ከምነጥቅዖም ካብ ምሕሳብ`ውን ዓዲ ዊዒልና ኣይንፈልጥን ኢና፡፡

ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኣዝዩ ዘሐጉሰካን ሞራል ዝህበካን እንተሎ፡ እቲ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርአ ዘሎ ተወፋይነትን ናይ ቃልሲ ድልየትን`ዩ፡፡ ብዙሓት`ውን ደዊሎም ኮነ ብኣካል ሓደ ነገር ክርከብ ከሎ ውይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣኼባ ኮነ ፈስታ ክገብሩ ከለዉ፡ ብሃወኽ ሰላማዊ ስልፊ ዘይንገብር ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ብዙሓት`ዮም፡፡

እንተኾነ ግን ብዘይመደብን ብታህዋኽን ዝግበር ኣድማዒ ስለ ዘይኸውን፡ እንገብሮ መደባት ኩሉ ባዕልና ብጉቡእ ተዳሊናን መደብ ሓንጺጽናን ክንገብሮ ከም ዘለና ምርዳእ የድሊ፡፡ ናይ መስርሕና መደባት ወይ ሰሌዳ (timetable) ባዕልና ድኣምበር ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሕንጽጹልና ከምዘይብሎም ድማ ምርዳእ የድሊ፡፡

ኩልና ከም ከንንፈልጦ፡ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ህ.ግ.ዲ.ፍ ነብሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም ጠምበርባር ዝብልሉን ተዳሂሎሙሉን ዘለዉ እዋን`ዩ፡፡ ስለ`ዚ ከኣ`ዮም ከም ቀደሞም ንሓደ ነገር ብነብሰ ምትእምማን ገና ኣዋርሕ ተሪፉዎ ከሎ ምእዋጅ ገዲፎም፡ ማዓልታት ክተርፎ ከሎ ንሰብ ክሕብሩ ጀሚሮም ዘለዉ፡፡

እዚ ከኣ ንሕና ከይንዳሎ`ሞ ተቓውሞ ከይገጥሞም ኢሎም`ዮም፡፡ እንተኾነ ግን፡ ከም`ቲ ገለ-ገለ እንስሳታት ምስ ተፈጥሮ (environment) እንዳተመሳሰላ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ኮይነን ዝነብራ፡ ምንቅስቓስና`ውን ኩሉ-ግዜ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ንምፍሻል ድሉው እዩ፡፡ ኣዝዩ ጸላዕላዕ ዘብልን ንመደባቶም ዘፍሽልን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእልን መደባት ሒዙ`ዩ ዝጓዓዝ፡ እሞ ኣጆኹም ቅሰኑ ክንብለኩም ንፈቱ፡፡

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና
ዝኽሪ ነቶም ኣብ ሲናይ ግዳይ ዝኾኑ መንእሰያትና
ጽንዓት ንኹሎም ሕዙናት ወለድን ስድራቤታትን
ውድቀት ንገበነኛ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍን ልቃባቱን
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ዕለት፡ 16.11.2011
ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ
في النرويج الإريترية الوحدة حركة
Eritrean Unity Movement in Norway
e-mail:  fithi@online.no

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT