Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከርሲ መሬትካን፡ ሕዝብኻን ኣይጽላእካ።

ለንቅነ፡ ሓደ መሳጢ ድራማ፡ ኣብ ቅድሚ የዒንትና፡ ክፍጸም ረኣና። ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ [ናይ እዝጊ ምባሉኳ የሰክፍዩ፡ ናይ ኢሳያስ/ናይሳያስ  ምባሉ ይቀለል] ፈትሊ ሂወቱ ተበጣጢሳስ፡ ስግኡን ትንፋሱን ምስ ተፈልየት፡ ወያ ኣይኡ ኢሳያስ፡ ሬስኡ ኣይተርኢዩኒ፡ ኣሻፈረኝ! ክብል ረኣናዮ።

ለንቅነ፡ ሓደ መሳጢ ድራማ፡ ኣብ ቅድሚ የዒንትና፡ ክፍጸም ረኣና። ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ [ናይ እዝጊ ምባሉኳ የሰክፍዩ፡ ናይ ኢሳያስ/ናይሳያስ  ምባሉ ይቀለል] ፈትሊ ሂወቱ ተበጣጢሳስ፡ ስግኡን ትንፋሱን ምስ ተፈልየት፡ ወያ ኣይኡ ኢሳያስ፡ ሬስኡ ኣይተርኢዩኒ፡ ኣሻፈረኝ! ክብል ረኣናዮ። ነቲ ድራማ መታን ክጥዕም ድማንስ፡ ወያ ትንፋስ ናይዝግስ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እያ ዝሓለፈት። ሬሳ ናይዝጊ ድማኒ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣመታት፡ ንሱ ብሂወቱ እንከሎ ዝተንቀሳቀሰልን ንላእሊ ተንቀሳቂሱ ይኸው’ዩ። ንፌራ ዘለዎ ሬሳ ከማን፡ ከምዚ ገይርካ ኣይተከላበቶን!። ወደያ ገራህቱ፡ ዃደረ ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ድማኒ፡ ‘ኣነሰ ኣይፈለጥኩን ክሓተልኩም’የ፡’ ዝብል፡ ዘይብላዕ ናይ ጨለ ዃደረ መልሲ ንስድራ መዋቲ ከምዚሃበ ድማኒ ኣብ ማዕከናት ዜና ኣንቢብና። ኣንታ ዝድራማስ ክንደይ መመሊሱ ይምቅር’ዩ ዘብል። በቲ ሓደ ወገን ድማኒ፡ እዚኦም ደኣኒ ንሬሳ መባልዕቶም፡ መሳቲይቶምን፡መጋድልቶም ከምዚ ዝገበሩ፡ ናኻልእ’ሞ እንታይ ከምዚገብሩስ ምሕሳቡ ኣየጸግምን። እንታይ ዓይነት ስርዓት ኣብ ኤርትራ ተኾይጡ ከምዝሎ ምርኣዩስ ኣየእግምን።

ናብቲ ድራማ ክንምለስ፡፡ እዚ ድራማ’ዚ ንብዙሓት ኣስደሚሙን ኣገሪሙን።  ኣነ ብወገነይ፡ ዘገርም የብሉን በሃላይ’የ። እቲ ምንታይሲ፡ ንሰይጣን ክትፈልጥስ ሰይጣን ዝዋዓሎን ዝገበሮን ምዕዛብ ጥራይ’ዩ ዘድልየካ። ንግብሪ ኢሳያስ ድማኒ፡  ልዕሊ ማንም ሰብ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፈልጣ ነይርዎ። ከምኡ ደኣ፡ ደቂ ሰባት፡ ረሳዕቲ ኮይንና ኢና እምበሪ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ነቲ ኢሳያስ ምስኡ ኾይኑ ኣብ ልዕሊ መንካዕን፡ የማናውያንን፡ ኢሉ ዝሰየሞም ንጹሃት ኤርትራውያንን፡ ካልኦትን ዝገበሮ ክፋእ፡ እኩል መለበሚ ክኾኖ ምተገብኣ። ምኽንያቱስ፡ ካብ መጀመርያ፡ ኣስር ኢሳያስ እንተረኣናን፡ ንሱ ዝነበሮ ዝገበሮን እንተፋሕተርናንሲ፤ ጥልመት፡ ክድዓት፡ ክፍኣት፡ ቂምታ፡ ቅንኣት ኢና ኩዒትና ንዕድን።

ክሳብ ሕጂ፡ ንኹላትና ሕንቅል~ሕንቅሊተይ ኮይንና ዘሎስ፡ ምስቲ ኹሉ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ዝረኣይዎ ኣካይዳ ኢሳያስ፡ ወላ እቶም ሕጂ ኣብ ጎዳጉዲ ኣስፊርዎም ዘሎ፡ [ብሂወቶም እንተለው ማለት’ዩ] ሚኒስትራትን ላዕሎዎት መራሕትንስ፡ ሓደ መዓልቲ ክግልበጦምን፡ ክስልበጣምን ምዃኑ፡ ብደምቢ ዘይተረድእዎ ምንባሮምን’ዩ። እዞም ምስኡ ተሪፎም ዘለው’ውን፡ ከምኡ። ብፍላይ ብፍላይ ድማ፡ እቶም ፍርቂ እግሮም ኣብ መቃብር ኣትዩ ዘሎዉ’ሞ፡ ናብ ዓዲ ኩልና ክከዱ፡ ሎምን ጽባሕን ዝብሉ ዘለው ዓበይቲ ሓለፍቲ ህግደፍ ። ጽባሕ ውግሕ እንከይበለስ፡ ኢሳያስ ከምቲ ንኣብራሃም ተወልደ፡ ወልደንኪኤል ሃይለ፡ ኢብራሂም ዓፋን፡ ካልኦት ኣማኢትን ዝጠለሞምስ፡ ክጠልሞም ሙኻኑ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ። እዝስ ዘይፍታሕ ግድል’ውን ኣይኮነን። ነቲ መልሲ ንምርካብስ፡ ታሪኽ ምግንጻል ጥራይዩ ዘድሊ።

ምናልባት ሕጂ፡ እዚ ተርእዮ፡ ምኽልካል ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ዓዱ ከይኣቱ፡ ኣብዚ ሙዕቡል ዘመንን፡ ሓበሬታ ከም ንፋስ ሸዊዉ፡ ናብ ኩሉ ኩርናኣት ኣለም ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብሙዃኑ፡ ኩሉ ሰብ ቀልጢፉ ፈሊጡ፡ የእዳው ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ፡ ከናፍሩ እናረምጠጠ፡ ወይ ጉድ! ይብል ኣሎ። ንኢሳያስ ግን እዚ ናይ መጀመርይኡ ኣይኮነን፡ ናይ መወዳእትኡ’ውን ኣይክኸውንን’ዩ። ብሓፈሽኡ እዚ ዜና ኣይኮነን። ሓድሽ ዝባሃል’ውን የብሉን።

ደሓር ከኣ፡ መን ይፈልጥ፡ እዛ ከርሲ ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ንሬሳ ናይዝጊ፡ ብሰላም፡ ሓቝፋ እትቅበሎስ፡ከምዚ ጌራ ፎእ ምባላስ፡  ከም ኣምሳያ ኢቲ ብህይወቱ እንከሎ፡ ክዋሃቦ ዝግባእ መቅጻዕቲ፡ ክኸውን ውን ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱስ ሂወት ዝተፈላለየ ናታ ምስጢር ኣለዋ።

“ኣይትበከዩ ነቲ ዝሓለፈ፡ ሕዘንሉ ነቲ ዝተረፈ፡” ክብሉ ኣቦታትና መሲሎም፡፡ ናይዝግስ እኳ ሓሊፉ፡፡ እዚ ኩሉ ከልበትበት’ውን ክንደየናይ ከይሰምዖ። ነቶም ነዚ እንዳራኣዩ፡ ግን ከኣ ሕጂ’ውን ዘንደልሕቁ፡ ኣብ ጎኒ ኣያኦም ኢሳያስ ኮይኖም፡ ንህዝቢ ሽብን ጕብን ዘእትውሉ ዘለውን፡ ጽባሕ ድማ ዕጫ ናይዝጊ እትጽበዮም ደቂ ሃገር ድኣ ሕዘኑሎም፡፡

ናይዝጊ ስግኡን ትንፋሱን ምስ ተፈላየስ፡ ሬስኡ ሬሳ ኣረሜንስ ክንደይ እኳ ክብሪ ረኺቡ፡፡ ሬሱኡ፡ ኣብ መጽንሒ ሬሳታት ሎንዶን እኳ ብኽብሪ ተቀሚጡሎ። ኣማኢት፡ ቀያሕትን ጀጋኑን፡ ግን ደሞም ከም ደም ከልቢ፡ ኣብ ፈቀድኡ ተኻዕዩን፡ ይካዓውን ኣሎ ብሰንኪ ናይዝግን፡ ኢሳያስን፡ ካልኦት ወይጦታት ተምሳላት ናይዝጊን። ቁጽሪ ዘይብለን፡ ስድራቤታት ናይቶም ኣብ ፈቀድኡ፡ በብዝተፈላለየ እዋናት ዝተሸርቡን፡ ዝተቀትሉን ምልሙላትን፡ ጽቡቃትን ደቀን ኣማውትኦምን፡ ረሳታቶም ኣበይ ወዲቁ ከምዘሎን ስለዘይፈለጡስ፡ ክሳብ ሕጂ ስንፈላል ተሰሪሖም፡ እህህ እናበሉ ዝልለውን፡ ምስ ጽፉፋት የዒንቶም፡ ተኾርምዮም መዋእል ዝገበሩ’ውን ኣለዉኮ። ናይዝጊን ደቂ ሃዋርያቱን፡ ኣብ ፈቀዶ ጎዳጉዲን ቤት ማሕቡስን፡ ሰንድዩ ዘሕቀቆም እኮ ኣዲኦም ጥራይ’ያ ትቆጽሮም። እንተትፍቀድስ፡ ክንደይ ስድራ ኮንያ ባዲማን፡ ጸኒታን፡፡ ክንደይ ኣደ ኾንያ ውላድ ሲኢና፡፡ ክንደይ መርዓት ኮንያ ሰብኣይ ሲኢና፡፡ ክንደይ ሰብኣይ ኮንዩ በዓልቲ እንዳ ሲኢኑ፡፡ ክንደይ ቆልዑት ኮንዮም ብዘይ ኣቦን ኣደን ዘኽቲሞም ተሪፎም፡፡ ክንደይ!…ክንደይ!…እግዚሀር ጥራይዩ ዋንኡ። እሞ ነዚ ደኣ እዚ’ኳ ክውሕዶ። ንስድራ ቤት ናይዝጊ ምድንጋጽ ካልእዩ፡ ናይዝጊ ኢዱ ረኺቡ ምባል ድማኒ ካልእዩ። ህዝቢ ደኣሞ ወዮ ኩሎም ኣጋፈርቲ ህግደፍ ከምዚ ረኺቦም ርእዩ። እዚ ደኣ ደበሱ እምበር።

ስድርኡ፡ ስግኦም ስለዝኾነ ክጉህዮ’ዮም። መሳኺን ንሳቶም’ውን እኮ ናጤባን ሕሰምን’ዮም ረኺቦም። መን ኣሎ ውሉዱን ወላዲኡን ዝመረጸ፡፡ ተዓዲሎሞ’ዮም ይዋኣዮም። ላም ሓዊ ወሊዳ….እዩ እቲ ነገር።

ግን ከኣ ኣብ ተፈላለይ እዋናት፡ ኣባላት ቤተሰቦም ተሸሪቦሞም፡ ተኣሲሮሞም፡ ስድራቤት ኡሱራትን ጥፉኣትን፡  ክልምኑ ክመጽእዎም ከለው፡ ናይዝጊ፡ ከመይ ዝኣመሰለ መካይድቲ ሰይጣን ምንባሩስ ኣንዳዕዲኦዖም ይፈልጡ’ዮም። እቲ ንቡር ክገብሩሉ፡ መስሎምን ጉቡኦምን እካ ቶኾነ፡ ከምዚ’ዞም ስድራ ናይዝጊ ኣጋኒፍዎም ዘሎ ነገር፡ ብሰንኪ ናይዝግን ተምሳላቱን፡ ወሪድወንስ ንዓመታት  ጸይረንኦ፡ ዝኸዳ ስድራቤታት ከምዘለዋ’ውን ምዝካር’ውንኮ ከድልዩ።  ሑሉፍ ሓሊፍወን፡ ሬሳታተን ንዓዲ ከእትዋ ስለ ዝተኸልከላ፡ ኣብ ዓዲ ጓና ስለዝጎሓፍኦሞ፡ ናይ ኩሉሻእ ቃንዛ ጸይረን ዝኸዳ፡ ውሕዳት ስድራቤታት እኮ ኣይኮናን። እዚ ክብል ከለኹ፡ እዚ ንቤተሰብ ናይዝጊ፡ ኣጋኒፎዎም ዘሎ ኣደራዕ፡ ስለዝሐጎሰኒ ኣይኮነን። እቲ ስድራ ዘይኮነስ፡ ናይዝጊ ነቲ ዝግብኦ፡ በህይወቱ ወላ ተዘይረኸቦስ፡ ድሕሪ ትንፋሱ ምሕላፋ ረኺብዎ’ሎ። እዚ ነቲ ስድራ ስለዝጸለዎ ካኣ የሕዝን፡ ምክንያቱ ኣብ ሞትስ፡ መዋቲ ዝርእዮን ዝሰምኦን የልቦን። ንገባር ክፉእ ግን ጽቡቅ ክትትምነየሉስ ተፈጥሮኣዊን ንቡርን’ውን ኣይኮነን።

እሞ ከኣ እዚ ሙኻኑስ ጽቡቅ እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ነቶም ሕጂ’ ውን፡ ተግባራት ናይዝጊን ኢሳያስን፡ ዝፍጽሙ ዘለው መዳኸርቲ ህግደፍ፡ ትምህርቲ ክኸውን ስለዘለዎ’ዩ። በዓል ጽቡቅ ኢዱ ነይስእን፡ ብዓል ክፉእ’ውን ይብሉኹም። ካብዚ ዝዓቢ ትምህርቲ የልቦን፡ ንበሃማት ደገፍቲ ህግደፍ ደኣ ኾይኑ እምበር። ብዘመነ ውቤ ዝጸመመስ….ስለ ዝኾነ እቲ ነገር ግን፡ እዚ’ውን ኣይክምህሮምን’ዩ። ከርሲ መሬትካን፡ ህዝብኻን ኣይጽላእካ’ዩ። ናይዝጊ፡ መሬቱን ህዝቡን ፈንፊንዎስ፡ ሬስኡ ኣብ ፈቀድኡ ከርተት ይብል ኣሎ። መርገም ወላዲ ተዘይቀተለ የዕነኒ፡ ይብሉኹም እዚ’ዩ። ገና ካልእ’ውን ክንርእይ’ና። ንኹሉ ንምርኣይ፡ ምቅናይ! ምቅናይ! ድዩ ዝበለ ትግራዋይ።

ካብ ዘይቀሰነ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • SileFithi February 27, 2012

    NayZergi ab Bahri kidirbe feridomo
    Let us dig how true it is, but there is an information (belabelew) that Tifanos has accepted the dead body of Nayzergi to come to Eritrea after a one month discution took place among the share holders of the state of Erirea but one pre condition was set by Tifanos at the arrival of Nayzergi a special gang group are ordered by Tifanos to throw the dead body in the red sea and two days later to burrie empty coffin with low level of government protocol at mekabir harbegatat government representatives will be Asfaha Abraha and Gergis .This idea (proposal) was planned by monkey and accepted by Tifanos.

  • Weldit February 27, 2012

    VOA-Tigrinya said that they are receiving many questions and comments about nayzgi kflu’s death and they announced that they will have a program about it tomrrowo. So tune-in.

  • ደላይ ፍትሒ February 28, 2012

    ናይዝጊ ዘይናይዝጊ መርገም ስንቁ

    መሬት ኤርትራ ከም በዓል ናይዝጊ ስጋ ሰብ ዝለበሱ ሰይጣናት ኣብ ከብዳ ኣይትሓቁፍን እያ:: ስለዝኾነ ካኣ ፈጣሪ ባዕሉ እዩ መሬት ኤርትራ ኣይትቅበካን እያ: ኣብኣ አንተተቀቢርካ: ፎእ ኢላ መሬት ከተእዊ እያ: እቲ ምንታይ መርገም ስንቁ ስለዝኾንካ :: ስለዚ ወይ ኣብ ባሕሪ ወይ ኣብ ካኣ ብሓዊ ክተክኽ ኣለዎ ሬሳ ናይዝጊ::

    ክብረትን ምስጋናን ንፈጣሪ!

Post a Reply to Weldit Cancel Reply