Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ምስፋራ፡ ቆፎ ብዘይ ንህቢ

ብ8 ሓምለ 2017፡ ከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ቅርሲ ብምእታዋ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ተዋጥዩሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እታ ተቀማጦኣ ብሕጽረታትን ስእነትን ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ጥዕና፡ ክብሪ ሃለኽቲ ኣቁሑት፡ ነዳዲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሽቅለተ

ብ8 ሓምለ 2017፡ ከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ቅርሲ ብምእታዋ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ተዋጥዩሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እታ ተቀማጦኣ ብሕጽረታትን ስእነትን ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ጥዕና፡ ክብሪ ሃለኽቲ ኣቁሑት፡ ነዳዲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሽቅለተ ኣልቦነትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ቀረብን ኣገልግሎትን ትልለ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ናይ ዓለማዊ ቅርሲ ኣትያ ኢልካ ልዑል ፈንጠዝያ ምክያድ ድማ፡ ካብ ንዲብሎማስያዊ ሃልክን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ “ዝብእስ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ ኢልካ ካብ ምግላጽ ካልእ ጣቋ የብሉን። ክከሓድ ዘይብሉ ሓቂ፡ ከተማ ኣስመራ፡ ብእትውንኖ ጥንታውን ታሪኻውን ብርቂ ስነ-ህንጻ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ውድብ ትምህርቲ፡ ስነ- ፍልጠትን ባህልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት – ‘ዩኔስኮ’ ክትሰፍር ምኽኣላ ዓቢ ዓውት’ዩ። እቲ ዓወት ግን ብመንፍዓትን ግስግስናን ስርዓት ህግደፍ ዝተረኽበ ኣይኮነን። እቲ ኣብ መዋእል መግዛእቲ ጥልያን ብድኻምን ርሃጽን ኤርትራውያን ዝተሰርሐ ህንጻታት፡ ስርዓት ህግደፍ ክንየተሉ ኣይክእልን’ዩ። ብርግጽ ዘለካ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ቅርሲ፡ መልክዓ መሬት፡ ኩነታት ኣየር፡ ውሕልነትን ካልእ ብሉጽ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ስነፍልጠታዊ ምርምራትን፡ ኣህጉራውን ዞባውን ክብረወሰን ክሕዝን ተፈላጥነት ክረክብን እንከሎ፡ መስሕብ በጻሕቲ ሃገርን ምንጪ እቶትን ክኽውን፡ እቶም ቅርስታት ንምዕቃቦምን ንምክንኻኖምን ሓገዝ ገንዘብን ክኢላታትን ክትረክብ የኽእለካ።

ይኹን እምበር ሓደ ህዝቢ ወይ ሃገር፡ ብጨካን፡ ብገባቲ ስልጣን፡ ብመንዛዒ ሃብቲ፡ ብገሃሲ ሰብኣዊ መስልን ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ወይ ጉጅለ ዝርገጽን ዝመሓደርን  እንተኾይኑ፡ ህንጻታትን ካልእ መስሕብ ነገራትን ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ እንተሰፈረን  ኣህጉራዊ ተፈላጥነት እንተረኸበን፡ ሕጽረታት መንበሪ ኣባይቲ መብራህትን ክፈትሓሉ፡ ብዋሕዲ ዝስተ ማይን  መግብን ዝጣራዕ ዘሎ ህዝቢ ክርህዎ፡ ካብ ማእሰርትን መግረፍትን ከድሕኖን ሕማሙ ክፍውሶን ኮቶ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወታት፡ ኣብ ሰላም፡ ማዕርነትን ክብርን ዝሰፈኖ ህዝብን ከተማን እንተዝኸውን፡ ምሉእ ሓጎስን ሓበንን ምኾነ ነይሩ። ዘዝተወልዱን ዓይኒ ዘንቁሑን መንእሰያት ኣስመራ ዝፈትውዋ ከተማኦም ገዲፎም ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጽመዱ፡ ናብ ስደት ከምርሑ፡ ብጥሜትን ስእነት ስራሕን ኣብ ጎደናታት ቀንፈዘዉ እናበሉ፡ ኣስመራ ብጽሬታን ጽባቀኣን፡ “ንእሽቶ ሮማ” ክትበሃል ይትረፍ “ካብ ከተማታት ኣፍሪቃ ዝደሓረትን ዝጋዕገዐትን” እንተተባህለት’ውን ምግናን ኣይኮነን። ኣስመራ ማለትን መምዘኒ ጽሬታን መልክዓን ጎደናታት ሰማእታትን ሓርነትን ከባቢኡን ቅርዓት ቤተ-መንግስቲ (ግቢ ክፍለሃገር) እንተኾይኑ ማዕለሽ ኣብ ክትዕ ከይኣተና፡ “ኣስመራ ንእሽቶ ሮማ” ንበላ። እቲ ዝዓበየ ክፋላትን ብዝሒ ነበርቲ ዘለዎን ኣስመራ፡ ከባቢ ገጀረት ዓቢ፡ ዕዳጋ ዓርቢ፡ ኣባሻውል፡ ጎዳይፍ፡ ፎርቶ፡ ጸጸራት፡ ኣርባዕተ ኣሰመራን ካልእ ከባቢታትን፡ ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ዝተፋሓሓረን ዝጸልመተን ጎደናታት፡ መናድቅ መንበሪ ኣባይቲ ናብ ዓይኒ ምድርን መአከቢ ጎሓፍን ተቀይሩ ከምዘሎ እንከሎ፡ እቶም ንኣስመራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ  ንኽትኣቱ ፍርዲ ዝሃቡ ደያኑ፡ እንተዝፈልጡ ነይሮም፡ ምናልባት፡ “ኣብ ኣስመራ ክፉእ ገጽን መልክዕን ከምዘሉ ኣይተሓበርናን” ምበሉ ነይሮም።

እቲ ኣብ ታሪኻዊ መዝገብ ጥንታዊ ውርሻታት ዓለም ሰፊሩ ዘሎ ህንጻታት እስመራ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰላቱ ተገፊፉ ሰጥ ለበጥ ኢሉ ክግዛእ ተንኮላት ዝጥጅኣሉ፡ ንብረት ህዝቢ ዝዝረፈሉ፡ መሰለይ ዝበለ ዝእሰረሉን ንሞት ዝፍረደሉን፡ ብሓጺሩ ውሑዳት ጎሓላሉ ሃብቲ ዘኻዕብትሉን እምበር፡ ንዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ፋይዳ የብሉን። ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ንጹሃት ኤርትራውያን ብሓይልታት ጽጥታ ህግደፍ ብሰደፍ ጠበንጃ እናተቐጥቀጡ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርትን እናተዓመጻን ከም ጊላታት እናለፍዓን፡ ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ መሬቱ ብሸለብ ገለብ እናነበረን ፍትሒ ሓሪምዎን እንከሎ፡ መልክዕን ግርጽማን ከተማ ኣስመራ፡ ዋናታትን ደቀባትን ዘይብሉ ውራይ ስለዝኾነ፡ ቆፎ ብዘይ ንህቢ’ዩ ዝቁጸር።

            ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Amba July 18, 2017

    Bravo! Tslal: ” “ዝብእስ’ያ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ” ኢልካ ካብ ምግላጽ ካልእ ጣቋ የብሉን።”

    This is a city, perhaps the only capital city, that does not a running water, electricity to power a 40 watt light bulb, proper sewage system, the worst potholed streets, decaying infrastructure in Africa and with the most number of jails and dungeons.
    These slavish leaders of Eritrea who bend for the Arab Emarites and the savage Wahabi Saudis are the shame of Africa. Asmara under emperor Haile Selassie had seen its Golden Era and even under tyrant Mengistu was better than the current Emarite slaves.

  • k.tewolde July 19, 2017

    The very people who are celebrating the win are the ones who are destroying the colonial relics of the city,all they care is the monetary benefits which comes with the win,it ain’t much but for the HGDEF goons it covers their binge drinking and gambling escapades.The camel is marching alright dropping her precious cargo along the way to rot in the desert looking for that elusive shimmering mirage which moves a little further every time it comes within a grasp.It is a never ending journey to oblivion unless one of us do something drastic to stop it.

POST A COMMENT