Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኩሉ ነገር እናፈለጡ: ታይኮይኖም ዘጽቅጡ?

  ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 21/03/2016.Norway   ክሕደት ከይንብሎ ኣይኮነን ክሕደት ጥልምት ከይንብሎ ኣይኮነን ጥልመት ጸረ ከይንብሎም ይደልዩዮም ዓወት መጻእተኛ ከይኾኑ ደቂ ሓላል መሬት   ዕዳጋ እናወረደ ኮላሊት ኣሕዋትካ ዘስካሕክሕ ነውሪ ወረ እናሰማዕካ ዘረባ ምርቓቕ ግደፎ ይጽናሓልካ እጃምካ ግበር ተቐላዕ ዕጠቆ ስረኻ   ኣይተረዳኣናን ታዩ ትምኽንያት ታዩ ጥቕሙ ተሓቢእካ ብኽያት ፈሪሕና ምባልኳ የብሉን

 

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

21/03/2016.Norway

 

ክሕደት ከይንብሎ ኣይኮነን ክሕደት

ጥልምት ከይንብሎ ኣይኮነን ጥልመት

ጸረ ከይንብሎም ይደልዩዮም ዓወት

መጻእተኛ ከይኾኑ ደቂ ሓላል መሬት

 

ዕዳጋ እናወረደ ኮላሊት ኣሕዋትካ

ዘስካሕክሕ ነውሪ ወረ እናሰማዕካ

ዘረባ ምርቓቕ ግደፎ ይጽናሓልካ

እጃምካ ግበር ተቐላዕ ዕጠቆ ስረኻ

 

ኣይተረዳኣናን ታዩ ትምኽንያት

ታዩ ጥቕሙ ተሓቢእካ ብኽያት

ፈሪሕና ምባልኳ የብሉን ሓጥያት

ዕጹዋት ሊቃውንቲ ኣጉል ፍልጠት

 

ንመኒኹም.ከ ትፈርሑን ትስከፉን

ነዞም ሰብ ቀርኒ ሓንጎሎም ድፉን

ካባኹም ዘይሕሹ ከብሉኹም ድንን

እዞም መጣቓዕቲ ምዝጉባት ብገበን

ነዚኦም ምፍራሕስ ብጣዕሚ የሕዝን

 

ካብ ምስ ከምዚኦም ግዜኻ ትሕሽሽ

ምስ ዕዉራት ገበጣ ምጽዋት ይሓይሽ

ምስ ህግደፍ ዕላል ድሕሪትዩ ዝጓስስ

ዝነበረካ ነጊፍካ ዶንቍርካኻ ትምለስ

 

ኩሉ ብግዲ መሳርያ ሒዙ ተሰሊፉ

ዓይነ ስዉርን እንስሳን ጥራዩ ተሪፉ

ሕድሕድ ክዋድኡ ብጥይት ክቃዘፉ

ህዝብና ኣጽኒቶም ሃገር ባዶ ከትርፉ

 

ንሩኡይ ነገር እንታዩ ክምኽነዮ

ኣይትጨክን ኣውያቶም ስምዓዮ

ካብዚ ዘስካሕክሕ ወረ ዝሰማዕናዮ

ድሕሪ ኩሊት ምሻጥ ታያሎ ንጽበዮ

 

ህግደፍ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተጋሊጹ

በዚ በላዕ ሰብ ደንጽዩዎ ዓለም ተናዊጹ

ሕልና ዘለዎ ወዲ ኣዳም ሰንቢዱ ደንጊጹ

ብቓሉ ብጽሑፍ ንግዳያት ሓዘኑ ገሊጹ

 

ንሕናኸ ኤሪትራውያን እንታዩ ተራና

ከም ጠለበጊዕ እናተሓርዱ ኣሕዋትና

ህግደፍ ሸፋቱ ሲናይ እናተጻዎትልና

ኣማዕዲና ክንጥምት ኣይንሓፍርን ዲና

 

ተበራበሩ ርእስኹም ኣይተድንኑ

ኣባ ጎቢዬ ኣሪጉዩ ኣጥፊኡ ማኣዝኑ

ፍትሂ እመኑ እምብዛ ኣይትጨክኑ

እዋንኑዩ ሕጂ ህዘብኹም ኣድሕኑ

 

ኣብዚ ሩሱን እዋን ውድቀት ህግደፍ

እጃምካ ግበር ምስ ህዝብኻ ተሰለፍ

ብጽባሕ የርክበሉ ግዜኻ ኣይተሕልፍ

ብዘይ ቁብነገር ድሕሪት ከይትተርፍ

 

ሎሚ ኣማዕድዩ ንህዝቡ ዝጥምት

ዘይንፈልጦ ነገር ከይህልዎ ብልሓት

ኣብ ግዜ ምጾታት የሕፍርዩ ጥልመት

ስምና ኣይነባላሹ ኣብ ምቕራቡ ዓወት

 

ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ዘዝኸዶ ተዋሪዱ

መሽሎኺ ሓሪምዎ ተዓጽዩ መንገዱ

ብጀጋኑ ተቓለስቲ ባህሪሩ ሰንቢዱ

መንእሰይ ዓጢቑ ምስ ሰምዐ ሪዒዱ

 

መርከብ ዓደቦ ኣርክቡ ብጠጠዋ

ከይነቐለት ከላ ሕጂ ተሰቐሉዋዋ

ተጠርነፉ ባሕሪ ዓወት ክትሰግርዋ

ጌና ብሂወታ ከላ ዓረብ  ከይወነንዋ

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • tesfamariam March 21, 2016

    ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ጭርሖ ተሰኪምካ ዳዉን ዳዉን ዲክታክቶር ምባል እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? ቅድም ቀዳድም ምስቶም ዳያስፖራ ህግደፍ ኣብ መርዓታታት ካልእ ጽንብላትን ምዉድኵዳክ ይትረፍ፡፡ ዘይንሶም ከፊኦም ዘለዉ ኣብዚ ደሞክራሲ ዝሰፈኖ ሃገር ምቅልዖም እቲ ዘካይድዎ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ምፍርራሕ ምሕሳው Charity starts from home.

  • Berhe Tensea March 21, 2016

    This is because most of us Eritreans are hypocrites and cowards, who love getting abused and despised.
    Iseyas like his great grand father Wube also despises us and he is in power to loot and terrorize us.
    As long as we remain cowards the dictator will use us and treat us like garbage.

    • FITHI ynges March 22, 2016

      So whay don’t you do somthing WEYANE open military training for you in DEBREZEYT what is the difference between you & ETHIOPIAN opposition at list they are fighting WEYANE not like you craying to UN& USA

  • Kidane Beraki March 22, 2016

    Every time you swing an insult at the public with your cheap shots, you expose yourself by telling us that you live in the past. I have no doubt that you were a warrior and that’s why you keep coming back with the same mantra and trivialize your brilliant history.
    You are no different than the evil dictator who silences his critics. Yes the dictator is naked due to the coordinated efforts of the youth and individual civic society members not you or the opposition group you support.
    Let me remind you, unless you are pfdj spy, that you are discouraging people from joining the struggle against the evil dictator. Please stop abusing the public with your cheap, silly, selfagrandizing, and unproductive poems.

  • FITHI ynges March 22, 2016

    Nihna Nisu nisu nihna

    • Musa Ali March 26, 2016

      Nina nsi habirna nihsu

  • tesfamariam March 22, 2016

    ኣብ ሓድ ሓደ ከተማታት ሰሜን ኣሜርካ ዝርኤ ዘይሕጋዊ ተግባራት ሰዓብቲ ህግደፍ ኣብ ማሕበረ ኮማት ክንዲ ተልእኮ ህዝብን ጉዳያቱን ክንዲ ዘማልእ ዘገልግልን ኤምባሲ ህግደፍ ኮይኑ ይርከብ ንትርፊ ዘይቆመ ማሕበር ኣብ ናይ ካልእ ሃገር ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ፖሊቲካ ከካይድ ኩልኩል እዩ፡፡
    እዞም ጉርዙማት ዝቃወሞም ስለዘየለ ብቀትሪ ክከትሩ ይዉዕሉ ኣለዉ፡፡ዝገርም ነገር እቶም ማእለያ ዘይብሎም ተቃወምቲ ንምንታይ እዮም ንዝምልከቶ ኣካል ካብ ምሕባር ዝፈርሑ ካብ ስግር ዓዲ ዘሎ ኣራዊት ዉልቀ መላኪ ክርግሙ ኣብ ክንዲሙውዓል ነዞም ንኣሽቱ ኣናጹ ምምካድ ዝስእኑ እዚ ኩሉ ተቃዋማይ ዝብል ብሓባር ትጠርኒፉ እንተዝከሶም ምጻሕጽሑ ነይሮም፡፡

Post a Reply to Musa Ali Cancel Reply